Monday, October 29, 2012

ኣቡነ ኤዎስጣቴዎስን አቡነ ፊልጶስን፤ ነዚ ዘመን ዝኸውን ገድላዊ ትምህርቶም(፫ይ ክፋል)

5.0 አቡነ ፊልጶስን ተጋድሎኦምን 
5.1 ደምበ ደገፍቲ 

ልክዕ ከምቲ ኣብ ዘመን አቡነ ኤዎስጣቴዎስ ዝነበረ ኣገባብ፤ ተመሊሱ ኣብ አቡነ ፊልጶስ ክድግም እንርእዮ ናይ ኃይሊን ደገፍን ኣሰላልፋ ነበረ። እዚ ኸኣ እቲ ጕዳይ ክርክር ኣብ ግብጺ ተበጺሒሉ ሓቁ ይቀላዕ ደኣ እምበር ከምቲ ኣቡነ ኤዎስጣቴዎስ ዝተጋደሉሉ፤ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ሓበሻ መዕለቢ ስለዘይተገብረሉ፤ ኣቡነ ፊልጶስን ገዳሞምን ንደቂ ኣቡነ ኤዎስጣቴዎስን ገዳማቶምን ከም ማእከልን ወኪልን ኮይኑ ኣብ ዝተረኽበሉ ዘመን ዳግማይ ከምዝተለዓለ ክንርዳእ ንኽእል። እቶም ተዋሳእቱ ተቐያይሮም እምበር፤ ዝውክልዎም ኣካላትን እቲ ዛዕባን ኣገባብ ክርክርን ተመሳሳልነት ነበሮ። 

በዚ መሠረት’ዚ ከኣ ድኅሪ ኣስታት ፍርቂ ክፍለ ዘመን እቲ ጉዳይ ዳግማይ ምስ ተለዓለ፤ ኣቡነ ፊልጶስ ካብ ገዳሞም ተጸዊዖም ኣብ መጋብእያ ንጉሥ ቀረቡ። ብተመሳሳሊ ንጉሥ ዳዊት፤ ምስቶም ኣብቲ ዘመን ግብጻዊ ጳጳስ ሓበሻ ዝነበሩ አቡነ በርተሎሜዎስን፤ ኣማኸርቲ ንጉሥ ዝኾኑ ካህናተ ደብተራን ካብ ቤተ ተክለሃይማኖት ዝኾኑ ተሰማዕነት ዝነበሮም ገዳማት ኢትዮጵያን፤ ዓቃቤ ሰዓት ዝብሃሉ ዝፍርሁ መራሔ ደሴት ገዳም እስጢፋኖስ ኮይኖም እዮም ክድህልዎምን ከፈራርህዎምን ፈቲኖም። ብተወሳኺ’ውን ካብቶም ደቂ ኣቡነ ኤዎስጣቴዎስ ዝኾኑ አቡነ ማትያስ ዘዓዲ ቀ፤ ድኅሪ ኣቡነ ኤዎስጣቴዎስ ትምህርቲ ኣቦኦም ገዲፎም፤ ቀዳሚት ሰንበት ማዕረ ሰንበተ ክርስቲያን ክትኽበር ኣይግባእን እዩ እናበሉ ኣንጻር ኣቡነ ፊልጶስ ዝገጠሙሉ እዋን እዩ ነይሩ። አቡነ ፊልጶስ’ውን ከም ኣቦኦም አቡነ ኤዎስጣቴዎስ፤ ብብዝኂ ደጋፊን ኃይሊ ሥልጣንን ናይቶም ዝጻብእዎም ኣካላት ድምብርጽ ኣይበሎምን። ልዕሊ ኵሉ ዝኾነ ኣምላከ ቅዱሳን ምስ ሓቂ ከምዝኾነ ስለዝኣመኑ፤ ነቲ ነገር በይኖም ምስቶም እሙናት ሰዓብቶም ገጠምዎን መከትዎን። 

እምበኣር ናይ ዝኾነ ሃይማኖታዊ ጕዳይ ክለዓል ከሎ፤ እግዚአብሔር ኣምላኽ ብቅዱሳት መጻሕፍት ኣቢሉ ንዝነገረናን ንዝኣዘዘናን ነገራት ከነስተውዕልን ኣብ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ዘሎ ሓቂ እንታይ እዩ ዝብል ክንብል ኣሎና ደኣ እምበር፤ ብዓል መን እዮም ነዚ ዝድግፍዎ፤ ናየናይ ደጋፊ ይበዝኅ ወይውን ምስኦም ከኣ ብዓል መን ኣለዉ ተባሂሉ ከም ዓለማዊ ስራሕ ሚዛን ክንርእየሉን ብሥጋ ከነወዳድሮን ኣይግባእን። ሎሚ’ውን ብዙኃት ዳርጋ ነዚ መንፈሳዊ ሓቂ ዘስተውዕልዎ ዘለዉ ኣይመስልን እዩ። ቅዱስ ኣትናቴዎስ ኣብ ፬ይ ክፍለ ዘመን ስለቲ ሓቀኛ ትምህርቲ ቤተ ክርስቲያን ብዙኅ ጸዋተወ መከራ ብተደጋጋሚ ኣብ ዝተቐበለሉን፤ ብኵሉ ክጽላእ ካብ ተረፈ ኣርዮሳውያን ብዙኅ ተንኮላት ይፈሓሰሉ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ተስፋ ከቝርጽዎ ኢሎም “ዓለም ብምልእታ ተጻራሪትካ” ምስ በልዎ “ኣነ ኸኣ ንዓለም ብምልእታ እጻረራ ኣሎኹ” ብምባል ንሓደ እግዚአብሔርን ሓቅታቱን ሒዙ በይኑ ከምዝምክት ተዛሪቡ ነይሩ እዩ። እምበኣር ታሪኽ እዞም ኣቦታት’ውን ካብ ዘግህዶ ሓቂ እቲ ሓደ ነዚ ይመስል። 

5.2 ጋእዝን ግብጻዊ ምፍርራህን 

ድኅሪ ፍርቂ ክፍለ ዘመን፤ ኣብ ዘመን ኣቡነ ፊልጶስ ድማ ንጉሥ ዳዊት (1380-1412)፤ ኣንጻር ቀዳሚት ሰንበት ካብ ዝቖመ ወገን ምሉእ ደገፍን ገዳማትን ረኺቡ ብምንባሩ እቲ ጕዳይ ተነሃሃረ። እቲ ብቀጻሊ ዝለዓል ዝነበረ ዛዕባ’ውን ኣብ ዘመኑ ከብቕዕ ስለዝደለየ፤ ሓደ ነገር ክገብር ተበጋገሰ። ብዓቢኡ ከኣ እቶም ጳጳስ ቅብጢ’ውን ንትምህርቶም (ኣብ ጕዳይ ቀዳሚት ሰንበት) ንዝተቓወምዎም ደቂ ኤዎስጣቴዎስ ክብድ ዝበለ መቕጻዕትን ዘስቕቕ መከራን ብቀጥታ የውርዱሎም ነበሩ። ነቲ ንጉሥ ድማ ነቶም ዘይእዘዙ ደቂ ኤዎስጣቴዎስ ናብቲ “ትምህርቲ እስክንድርያ” ኣገዲዱ ክመልሶም ይትዅትኹ ነበሩ። ነዚ መሠረት ብምግባር ከኣ ኣብ ከባቢ ምጅማር ፲፭ ክፍለ ዘመን ንጉሥ ዳዊት ናብ አቡነ ፊልጶስ ልኡኻቱ ሰዲዱ ንክዘራረቡ ኣጸውዖም። አቡነ ፊልጶስ ድማ ኣብ ጊዜ ዕርጋኖም ምስ ፻፳(120) ደቂ መዛሙርቶም ናብቲ ዝተጸውዑሉ መጋብእያ ከዱ። 

ንጉሥ ዳዊት’ውን ብዛዕባ እቲ ጉዳይ ተገዲሱ ስለዝነበረ፤ ነቶም ግብጻዊ ጳጳስ ምሉእ ስልጣን ሂቡ፤ ምስ አቡነ ፊልጶስን ደቀ መዛሙርቶምን ክዘራረቡን፤ ክረዳድኡን እንተዘይኣመኑ ግና ክሳዕ ዝኣምኑ ክቐጽዕዎም ሓላፍነት ሃቦም። ይኹን እምበር አቡነ ፊልጶስን ደቆምን ብዛዕባ ቀዳሚት ሰንበት ተቢዖም ተከራኸሩ። እቲ ክርኽር’ውን፤ ናብ ዓቃቤ ሰዓት ሠርቀ ብርሃን (ገዳም ደሴት ሓይቅ እስጢፋኖስ) ኣምርሐ እሞ ንሱ ድማ ምስቲ ንጉሥ ጥቡቕ ዝምድና ስለዝነበሮ፤ ንኣቡነ ፊልጶስን ኣርድእቶምን ዝከኣሎ ጸቕጢ ክፈጥርን ክጸልዎምን ፈተነ። ከምቲ ንኣቦኦም ኣቡነ ኤዎስጣቴዎስ ዝገብርዎም ብምጥቛስን ስም ብምጽላም ንዝጀመሩሎም ክሲ፤ ምስ ተቓወምዎ ከፈራርህዎም ፈተኑ። ንደቂ መዛሙርቶም ድማ መከራ ኣጽንዑሎም። 

ካብ ምእታዎም ኣትሒዞም ድማ ንአቡነ ፊልጶስ ትምህርቲ ግብጻዊ ጳጳስ ከምዘይቕበሉን፤ “ሓድሽ” ትምህርትን ሕግን ከምዝምህሩ ገይሮም ከኣ ከጣቖሱሎምን ምስ ሕዝቢን ሊቃውንትን ከባእስዎም እንተፈተኑ’ውን ክሰልጦም ኣይከኣለን። ብቃል መጻሕፍትን ትምህርታዊ ምርድዳእን ክረትዕዎም ዘይከኣሉ ግብጻዊ ጳጳስን ደገፍቶምን፤ ትቕብል ኣቢሎም “ምንተኑ አንተ” (ንስኻ መን ኢኻ) ብምባል፤ ብመሠረት እቲ ዝቐረበሎም ዘይተጨበጠ ወረ፤ “ስለምንታይ ኢኻ ሓዲሽ ትምህርቲ እትምህር? መን’ከ ኣፍቐደልካ?” እናበሉ ክዘልፍዎም ጀመሩ። ነታ ቀዳመይቲ ሰንበት ክሥዕርዋ ድማ ጥብቂ ትእዛዝ ኣመሓላለፉሎም። 

ኣቡነ ፊልጶስ ግና ብሥልጣን ናይቶም ጳጳስን፤ ተጐዝጒዝዎም ብዝነበረ ሥልጣን ናይቲ ንጉሥን ከይተዳህሉ፤ ነቲ ክገብርዎ ዝተባህልዎ ኵሉ ነጸግዎ። እቶም ጳጳስ ድማ ብክፉእ ኣማውታ ዝቐጽዕዎም ምዃኖም ከፈራርህዎም ጀመሩ። ንሶም ግና ካብ ትእዛዝ እግዚአብሔር ዝፈልዮም ዝኾነ ነገር ከምዘየለ ብምጥቓስ መለሱሎም። የግዳስ ኣብ ክንዲ ምፍርራህ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ጠቒሶም ክዛራረቡ፤ ነቶም ግብጻዊ ጳጳስ ደጊሞም ዓደምዎም። ብዛዕባ ክብሪ ቀዳሚት ሰንብት ዝምልከት፤ እግዚአብሔር ኣምላኽ ክሳብ ዘኽበራን ዘይሠዓራን ከኣ ክትክበር እምበር ክትሥዓር ከምዘይብላ ካብ ብሉያትን ሓዲሳትን ብምጥቓስ ሰፊሕ መረዳእታ ሂቦሞም። 

እምበኣር፤ ኵልሳዕ ትምህርቲ ሓቂ ኣብ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ዝተመርኮሰ ክኸውን ከሎ፤ ጊጉይ ትምህርቲ ግና ኣብ ኃይሊ ሰብን ብሥጋ ይኹን ብመንፈስ ኣብ ሥልጣን ሰብ ዝውከልን እዩ። ከም ኣብነት ኣብ ጕዳይ ትምህርቲ “ጥንተ አብሶ” ብዝግባእ ኣቦታትና ኣስፊሖም ቅዱሳት መጻሕፍቲ እናጠቐሱ ክምህሩ ከለዉ፤ እቲ ብኣንጻርነት ዝቖመ ኣካል ግና፤ ክሳዕ ሕጂ ዝግባእ ዝርዝራዊ መረዳእታ ካብ መጻሕፍቲ ጠቒሱ ከረድእ ኣይከኣለን። እቲ ብገሊኡ ዝለዓል ዘይበሰለ መልሲ’ውን ምስቲ ኣርእስቲ ብቀጥታ ዘይዛመድ እዩ። እኳ ደኣ ከም ቀንዲ መኻቲኢ ተገይሩ ዝቐርብ ዘሎ፤ ልክዕ እቶም ዝቐደሙ ኣበው ዝገጥሞም ዝነበረ ፈተና፤ ኣብ ኃይሊ ሰብ ዝተመርኮሰ “ኦርየንታል ኣብያተ ክርስቲያናት እኳ ዘይቕበልኦ” “ንሕና በይንና ደኣ ከመይ ገይርና ዝተፈለየ ትምህርቲ ክህልወና” “ካብ በዓል ግብጺ መን ኣሎ ዝበልጽ፤ ካብኡ እንድዩ ሃይማኖትና መጺኡ ስቕ ኢልና ክንቕበሎ ኣሎና” “ኣቡን ክስቶ እኮ እዮም ከምዚ ኢሎም ተዛሪቦም፤ ደብዳቤ ጽሒፎም” ኣብ ዝብል ጓል መገዲ ኣቲኻ ንምእማን ዝጸዓረሉ ኣገባብ እዩ ዘሎ። ናብ መበገሲና ንመለስ፦ 

5.3 ጸዋተወ መከራ ስለታ ሓቀኛ ትምህርቲ 

ምስ ኣቡነ ፊልጶስ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ጠቒሶም ምክርኻር ዘይከኣሉ ግብጻዊ ጳጳስን ደገፍቶምን፤ ኣብ ልዕሊ ብዕድመ ኣዝዮም ኣሪጎምን ደኺሞምን ዝነበሩ አቡነ ፊልጶስ መከራ ከውርዱሎም ጀመሩ። ብመጀመርታ ብሓድሽ ቈርበት ላም ገኒዞም ኣብቲ ዋዒ ፀሓይ ዘቓጽሎ ሕሩስ ደርበይዎም። ሓሳቦም ድማ ረመፅ ክኻዕዎም እሞ ብሓሩር ተጠጢቖምን ተዓቢሶምን ንኽሞቱ እዩ ነይሩ። ኣርድእቶም ድማ ብዝርእይዎ መከራ ኣቦኦም ክስክሑ እሞ ክፍለይዎም ተንኰል ይፈትሉ ነይሮም። ነቶም ደቆም ድማ ኣብ ከክሳዶም ሓፃውንቲ ኣሢሮም ካብ መገዲ ናብ መገዲ ጐሰስዎም። እግዚአብሔር ግና መልኣኹ ልኢኹ፤ ንኣቡነ ፊልጶስ ብዓቐን ቍመቶም ደመና ኣጽለሎም። መኵሲ ዝኾነ ሓዋርያ ፊልጶስ’ውን ተገሊጹ ኣጸናንዖም። ንሶም ድማ ስለቲ ሰናይ ግብሩ ልዕሊ ካልኦት ሓዋርያት ኣብ ገዳሞም ክዝክርዎ ምዃኖም ቃል ኣተዉ። ንደቆም ከኣ በዓል ፊልጶስ ክገብሩ ኣዘዝዎም። ጸኒሑ ድማ በዚ ዝተገብረሎም ተኣምራት ሓሳቦም ዘይሠመረሎም ገበርቲ እከይ፤ ናብ ሓይቅ እስጢፋኖስ ዝብሃል ቀላይ ብሕይወቶም እንከለዉ ከጥሕልዎም ወሰኑ። 

እታ ቀላይ ግና ንግርማን ፀጋን ቅዱስ ፊልጶስ ምስ ረኣየት፤ ፈርሀት ኣንቀጥቀጠትውን። ማር ፊልጶስ ግና ኣብዶን ምስ ተሰምየ መልኣኽ እቲ ቀላይ ተዘራረቡ፤ ነቶም ኣዝማደ እንስሳን ዓሣትን ካብቲ ቀላይ ክርሕቑን ርእሶም ከድኅኑን ነገርዎም። ሰርቢ ሓዊ መጺኡ ከኣ ነቲ ቀላይ ኣንደዶ፤ ከም ንቑጽ ሣዕሪ’ውን ኣቓጸሎ። እቲ ማይ ፈልሐን ተናወፀን። ነዚ ተኣምራት ዝረኣዩን ዝሰምዑን ሕዝብን ሊቃውንትን ድማ ፈሪሆም ኵሎም ኣብ ቤት ጸሎት ተኣከቡ። እቶም ኣንጻር ትምህርቲ ኣቡነ ኤዎስጣቴዎስ ዝነበሩ ኵሎም መምህራን ጉባኤ ገበሩ እሞ ቅድስናን ሓቅነትን ኣቡነ ፊልጶስ መስከሩ። ስለ ሃይማኖቶም ንዝገበርዎ ተጋድሎ ድማ ሰማእት ኢሎም ሰመይዎም። ቅዱስ ኣቦና ከኣ ሓደ ካብቶም ኣርድእቶም (ሉቃስ) ጸዊዖም ድማ መስቀሉ ኣምሪሑ ኣብ ልዕሊ ባሕሪ ከምዝኸይድ ብምግባር ተኣምር ፈጸሙ። 

ኣብ ዕድመ እርጋን ዝነበሩ ኣቡነ ፊልጶስ ኣብ ቅድሚ እቶም ኣብኡ ዝነበሩ ሕዝብን ነዚ ተኣምራት ዝረኣዩ ሊቃውንቲ ብዙኅ ኣድናቖት ረኸቡ። ኣብ ኵሉ መጋባእያታትን ጉባኤታትን ድማ ስሞም ዓረገ። ስም እቲ ግብጻዊ ጳጳስ ድማ ቀሓመ ይብል ገድሎም። እምበኣር ብቃል መጻሕፍቲ ይኹን ብምፍርራህ ሓድሽ ትምህርቶም ቅቡል ክኸውን፤ ዝደለዩ ግብጻውያን ጳጳሳት ክሰልጠሞ ኣይከኣለን ጥራይ ዘይኮነስ፤ ኣብ ቅድሚ እቲ ሕዝብን ሊቃውንትን ዝነበሮም ተቐባልነት ከንቈልቁል ተራእየ። ይኹን እምበር ስለቲ ዝነበረ ዝምድናን ሲያሳን እቲ ንጉሥ ነገራት ብኸምኡ ኣንፈት ክቕጽል ኣይደለየን፤ ስለዚ ብዘለዎ ሥልጣን ተጠቒሙ ንእኡ ምእንቲ ክጥዕሞ ብሥጋ ሚዛናዊ ዝበሎ ውሳነ ከሕልፍ ተራእየ። 

5.4 ዓወት ሓቂ 

ነዚ ኵሉ ተኣምራትን ድንቂ ተግባራትን ቅዱስ ኣቦና ከኣ ንጉሥ ዳዊትን ንግሥት እግዚእ ክብራን ሰምዕዎ። ንጉሥ ከኣ ብተግባራቱ ተጣዕሰ። ኣብ ጸሎቶም ከኣ ከማዕቝብዎ ተማኅፀኖም። ንሶም ግና ዋላ እኳ እቲ ንጉሥ ነቲ ሓቀኛ ትምህርቲ እንተዘይፈተዎ፤ ካብኡ ዝውለድ ግና ዘኽብሮ ምዃኑ ተነበዩሉ። እታ ንግሥት ድማ ዜና ውላድ ምስ ሰምዐት እቲ ትንቢት ዝተነግረሉ ውላድ ብሩኽ ክኾነላ ስለቲ ክብሮምን ቅድስናኦምን እግሮም ሓጺባ፤ ሕጻብ እግሮም ክትሰትይ ለመነቶም። ከምኡ ድማ ገበረት። ንሶም ድማ ባረኽዋን፤ ነቲ እትወልዶ ውላድ ድማ ዘርኣ ያዕቆብ ኢልኪ ስመይዮ ኢሎም ነገርዋ። ንጉሥ ዳዊት ድማ ኣዝዩ ብዙኅ ወርቅን ብሩርን፤ ከምኡውን ብዙኅ መሬት ዓድታት ከም ህያብ እኳ ኣቕሪቡሎም እንተነበረ፤ ንሶም ግና ክጽልዩሉ ደኣ እምበር፤ ወርቅን ብሩርን ከምዘየድልዮም ገሊጾም ተፋነውዎ። 

ነቶም ዝቓወምዎም ዝነበሩ ስሙያት መምህራን ኢትዮጲያን ሕዝብን እናመሃሩ፤ ንዓቃቤ ሰዓት ሠረቀ ብርሃን ዝኣመሰሉ መራሕቲ ሃይማኖት እናገሠፁን መንፈሳዊ መቕጻዕቲ እናሃቡን፤ ስብከተ ወንጌል እናስፍሑን፤ ሕሙማት እናፈወሱን ፬ ዓመት ኣብ ምድሪ ኢትዮጲያ ከምዝጸንሑ ገድሎም ብሰፊሑ ይገልጽ። ገለ ጸሓፍቲ ኢትዮጵያ፤ በቲ ኵሉ ተኣምራትን ፍጻሜን ይሰማምዑ ደኣ እምበር፤ ነቲ ተኣምራት ዝፈጸምዎ ድኅሪ እቲ ኣርባዕተ ዓመት ተኣሲሮም ዘሕለፍዎ ጊዜ እዩ ይብሉ። እዚ ኣበሃህላ ግና ምስ ገድሎም ኣይሰማማዕን እዩ። ኣቦና ኣብ መወዳእታ ኣብ ልዕሊ እቲ ጳጳስ ግብጺ ድማ ሕማቕ ናይ ሞት ትንቢት ተነበዩሉ። ነቶም ኣባ ዮሐንስ፤ አባ ሠረቀብርሃን ዝርከብዎም፤ ካብ ኵሉ ጸዋተወ መከርኦም ዘይተፈልዩ ደቆም ድማ “ሰማዕታት” ክብል ሰመዩዎም፤ ኣዕዚዞም ከኣ ባረኽዎም። 

5.5 መደምደምታ 

ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝረኣናዮ፤ ኣብ ክንዲ ብቃል ቅዱስ መጽሓፍ ብምዝርራብ ነቲ ሓቀኛ ትምህርቲ ምግሃድን ምጽናዕን፤ ብምፍርራህን ብዘለዎም ሥልጣንን ሓድሽ ትምህርቶም ከስርጹን ቅቡል ክገብሩን ዝፈተኑ ግብጻዊ ጳጳስን ደገፍቶምን ብጽንዓትን ተኣምራትን ኣቡነ ፊልጶስ ተሳዒሮም ሓፊሮም እዮም። ብሥልጣኖም ከምበርክኽዎም ንዝተላዕሉ ሥጋውን መንፈሳውን ሰበ ሥልጣን ስለ ሓቂ እምበር ኣብ ልዕሊ ሓቂ ክገብርዎ ዝኽእሉ ነገር ከምዘየለ ብምርዳእ ኣይእዘዝን ብምባሎም ንማእሰርትን ናብ ባሕሪ ሓይቂ ብምድርባይን ንሞት ፈሪዶሞም ነይሮም። ብኃይሊ ኣምላኽ ብተኣምራት ኣቡነ ፊልጶስ ግና እቲ ባሕሪ ተቓጸለ። እቲ ብግብጻውያን ጳጳሳት ዳግማይ ክኸወልን፤ ክልወጥን ዝድለ ዝነበረ መጽሓፍ ቅዱሳዊ ሓቂ ድማ ብሉኽ ኢሉ ወጸ። በዚ ተኣምራት’ዚ ድማ ክብሪ ቀዳምን ሰንበትን ንኣርባዕተ ዓመት ዚኣክል ኣብቲ ቦታ’ቲ ተዛዊሮም ከረድኡን፤ ትምህርቲ ወንጌል ንኽሰፍሑን ንክምህሩን ምኽንያት ኮነ። እምበኣር በዚ ሓቂ ንዘግሃደ ተኣምራት ኣቡነ ፊልጶስ እንክንዝክር፤ ንኣቡና ባሕሪ ሓይቂ ብምቕጻሎም ድማ “ኣንዳዴ ባሕር” እናበልና ወትሩ ንጠቕሶም። 

ነቲ ዜና ዓወቶምን ዝፈጸምዎ ተኣምራትን፤ ኣመሓዳሪ ሰንዓፈ ዝነበረ ሙሳ ዝብሃል ሹመኛ ስለዝረኣየ፤ ብኣዝዩ ዓቢይ ፍስሓ እናተሓጐሰን እናተሰራሰረን ናብ ደብረ ቢዘን ሕጹጽ መልእኽቲ ሓጐስ ልኢኹ ኣበሰሮም። መልእኽቱ ከኣ ሓጻርን ዓባይ ትርጉምን ነበራ “ብሥራትክሙ ወናሁ ሞዐ አቡክሙ ወኃየለ ፊልጶስ ሰማዕት እምነ ኵሎሙ መምህራን” (ኣቦኹም ፊልጶስ ሥዒሩ ኣሎ እሞ ተበሠሩ፤ ካብቶም ኵሎም መምህራን ከኣ በርተዐ) ዝብል ነበረ። ብኽብሪ ድማ ናብ ገዳሞም ተመልሱ። 

እምበኣር ቅዱሳን ኣቦታትና ከምዚ እዮም ነይሮም። ዘዝመጸ ትምህርቲ ተቐቢሎም ክምህሩን ከተግብሩ ዘይኮነስ፤ ነቲ ጥንታዊ ዋና መገዲ፤ ካብቲ ሓድሽ ዝዋሰብ ጓል መገዲ ኣለልዮም ዝፈልጡ፤ መምስ ዝመጸ ትምህርቲ ዘጣቕዑ ዘይኮነስ ስለ ሓቂ ክሳዕ ሞት ዝእመኑ እዮም ነይሮም። ነቶም ጳጳሳት ኢና፤ መራሕቲ ኢና እናበሉ ጊጉይን ሓድሽ ትምህርቲ ንዝምህሩ ዝነብሩ ግብጻውያን ጳጳሳት ክሳዕ ዝእረሙ ድማ ብቃል መጻሕፍቲ ይኹን ብመንፈሳዊ ብቕዓቶም ተኣምራቶምን ዝረትዑ እዮም ነይሮም። እምበኣር ኣቡነ ፊልጶስ፤ ናይ ኣቦኦም አቡነ ኤዎስጣቴስን ዝቐደሙ ሓዋርያት ትምህርቲ ኣጽኒዖም ብምኻድ እዮም ኣብዚ ዓወት ዝበጽሑ እሞ፤ እዚ ወለዶ’ዚ ካብዞም ኣቦታቱ ዝመሃሮ ብዙኅ ትምህርቲ ከምዘሎ ምስትውዓል የድሊ።

                                                                                                                          ይቕጽል. . . .

1 comment:

  1. ወልደ ተዋሕዶOctober 31, 2012 at 5:15 AM

    ሰላመ እግዚአብሔር ምስ ኵላትና ይኹን። ከመይ ኣሎኹም ክቡራንን ክቡራትን ማዕዶታውያን፧ ልዑል እግዚአብሔር እንቋዕ ታሪኽ ሃይማኖትን ግብርን ኣቦታትና ዘኪርና ክንሓስብ ኣብቀዓና።

    ታሪኽ ኣቦታቶም ደጊሞ ሎሚውን ኣቦታትና ደቂ አቡነ ኤዎስጣቴዎስን ደቂ አቡነ ፊልጶስን ደቂቀ ቢዘን ነቲ ንዓመታት ኣብ ውሽጢ ሃገር መናፍቕነት ከስፋሕፍሕ ዝጸንሐን ዘሎን መሪጌታ ሰመረኣብ ቀሺ ወልደገብርኤል ኣውጊዞምዎ ይስማዕ ኣሎ እሞ፣ እንታይ ደሃይ ኣሎኩም። ኣነ ከም ዝሰማዕክዎ እኳ ኣስመራ ኵላ ነዚ ዜና እዚ ትቋደስ ከምዘላ እያ እሞ፣ ገለ ዜና እንተሎኩም እንዶ ግዳ ግለጹልና በጃኹም። እዞም ርሕቕ ኢልና ዘሎና ክንሰምዖ ተሃዊኽና ኣሎና።

    ReplyDelete