Wednesday, October 24, 2012

ኣቡነ ኤዎስጣቴዎስን አቡነ ፊልጶስን፤ ነዚ ዘመን ዝኸውን ገድላዊ ትምህርቶም(፪ይ ክፋል)

4. አቡነ ኤዎስጣቴዎስን ተጋድሎኦምን
4.1 ደምበ ደገፍቲ
ኣብዚ ጋእዝ’ዚ ብሓደ ወገን አቡነ ኤዎስጣቴዎስ በይኖም ክቖሙ ከለዉ፤ ብኣንጻሮም ማለት ምፍራስ ኣኽብሮት ቀዳሚት ሰንበት ዝድግፉ ብግብጻዊ ጳጳስ ዝምርሑ ንጉሥን፤ ካብ ደቂ ተክለሃይማኖት ዝኾኑ ገዳማት፤ ሊቃውንተ ኢትዮጵያን ደብተራ ካህናት ድማ በቲ ካልእ ወገን ተሰሊፎም ነበሩ። መሳፍንትን መኳንንት ድማ ምስቲ ንጉሥ ብሓንሳብ ሠሚሮም ነበሩ።

እዚ ጕዳይ’ዚ ሃይማኖታዊ ይኹን እምበር፤ ምስቲ ኣብቲ ዘመን ዝነበረ ዝተሓናፈጸ ኣካይዳ ቤተ መንግሥትን ቤተ ክህነትን፤ እቲ ኣብቲ ዘመን ዝነበረ ንጉሥ ዓምደጽዮን ተጸንቢርዎን ነበረ። እቲ ንጉሥ ድማ ንምኽሪ እቶም ግብጻዊ ጳጳስን፤ ውሑዳት ካህናተ ደብተራን ሰሚዑ ኣንጻር ክብሪ ቀዳሚት ሰንበት ውሳኔኡ ክህብ ተደፋፈዐ። አቡነ ኤዎስጣቴዎስ ግና ሕጂ’ውን ሥልጣን ምድራዊ ንጉሥ ተጐዝጒዙ ንዝመጸ ውሳነ ፈሪሆም ኣይተቐበልዎን፤ እኳ ደኣ ኣብ ትምህርቲ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ጸኒዖም ብትሪ ነጸግዎ። ጸግኦም ድማ ኣምላኾምን ኣብ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ዘሎ ቃላቱን ጥራይ ነበረ። ምብዛኅ ናይቶም ዝጻብእዎም ዘለዉ ኣካላትን፤ መንፈሳዊ ይኹን ሥጋዊ ሥልጣኖምን ንኣቡነ ኤዎስጣቴዎስ ድሂሉ ካብቲ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ዝምስክርዎ ሓቀኛ ትምህርቲ ፈልከት ኣየበሎምን።
4.2 ጋእዝ ኣብ መጋብእያ ንጉሥ
ነቲ ሽግር ንምፍታሕ ድማ ሓደ እዋን ብፍቓድ ዓምደጽዮን (1314-1344)፤ አቡነ ኤዎስጣቴዎስን አቡነ አናሬዎስን (ካብ ቤት ተክለሃይማኖት) ኣብ መጋብእያ ንጉሥ ተራኺቦም ነበሩ። ብኃይለ ቃላት ተሰንዮም ከኣ ብዛዕባ ቀዳሚት ሰንበት ተኻትኡ። እቲ ንጉሥ ከኣ ጸብጻብ ናይቲ ውዕሎኦም ምስ ሰምዐ፤ እዚ ምንህሃር ናብ ምኽፍፋል ንግሥነቱ ከየምርሕ ብምፍራህ ነቲ መቕርቡን ደጋፊኡን ዝኾኑ አቡነ ኣናሬዎስ ኣጸዊዑ ኣጠንቀቖም፤ እቲ ጕዳይ’ውን ከምዝብተን ተገብረ።

ኣብ ዘመን አቡነ ኤዎስጣቴዎስ፤ እቲ ብ1330 ዓ.ም.ፈ ከባቢ ዝተገብረ ክርክር (ጋእዝ) መዕለቢ ክረክበሉ ኣይተኻእለን። ኣቡነ ኤዎስጣቴዎስ ግና ነቲ ነገር ተቓዊሞም፤ ነቲ ንጉሥ’ውን ገሲጾም ኣብ ሃገረ ስብከቶም (ዝበዘኀ ደቡባዊን ማእከላይን ናይ ሎሚ ኤርትራ) ወንጌል ኣብ ምስፋሕን፤ ነቲ ሓቂ ንደቀ መዛሙርቶም ኣብ ምምሃርን ተጸሚዶም ነበሩ።

ድኅሪ እቶም ግብጻዊ ጳጳስ፤ ብሕርጊጎ ኣቢሎም ንዝመጹ ግብጻዊ ጳጳስ አቡነ ያዕቆብ ብኽብሪ ተቐቢሎም’ውን ነዚ ነገረ ኣረዲኦሞም ነበሩ። እቶም ጳጳስ’ውን ብጽንዓት ሃይማኖት አቡነ ኤዎስጣቴዎስ ከምዝተደነቑ ገድሎም ይገልጽ። ይኹን እምበር፤ ኣቡነ ኤዎስጣቴዎስ መጻሕፍቲ ገሊጾም ከረድኡ ይፈትኑ እምበር፤ ተቐባልነት ክረኽቡ ኣይከኣሉን።

ኣብ መወዳእታ ነቲ ጕዳይ መርሚሮም ክውስኑ ይኽእሉ እዮም ንዝበልዎም ፓትርያርክ ግብጺ ከረድኡ ጕዳይ ደቀ መዛሙርቶም ኣስተናቢሮም፤ ናብ ግብጺ ምስ ፲፪ተ ደቀ መዛሙርቶም ነቐሉ። ነዚ ኵሉ ኣድካሚን ሓደገኛን ጉዕዞ ቅዱስ ኣቦና ክገብሩ ዘገደዶም እምበኣር፤ ካብቶም ልኡኻት ጳጳሳት ግብጺ ዝጭበጥ ፍረ ክርከብ ስለዘይተኻእለን፤ ናብቲ ምንጪ ናይቲ ስሕተት ግብጺ ብምኻድ ክእርሙን፤ ነቲ ሓቀኛ ትምህርቶም ከመሳኽሩን ከእምኑን ምዃኖም ርጉጽ ነገር እዩ። ናይ ኣቦታትና ጽንዓትን ምልኣት ልቦናን ክሳዕ ክንደይ ምዃኑ ብዓይነ ሕሊናና ንዘክሮ። ስለ ክብሪን ሓቀኛ ትምህርትን ቤተ ክርስቲያን ሓደጋን ስቓይን ንዘለዎ በረኻ ቆሪጾም፤ ግብጺ ክኸዱ እሞ ብመጻሕፍቲ ክዘራረቡ ምድላዮም፤ እቲ ኣብ እምነቶምን ትምህርቲ ኣቦታቶምን ዘለዎም ጽንዓት ዘመልክት እዩ። ናይ ሎሚ ወለዶ’ከ ከመይ ኣሎ? ባዕልና ንምለሶ።

4.3 ጋእዝ ኣብ መንበረ ማርቆስን ምላሹን
አቡነ ኤዎስጣቴዎስ፤ ነቲ ነገር ከረድኡ ካብ ደቡብ ናብ ሰሜን ክፋል ኤርትራ እናተዘዋወሩ ብምምሃር፤ ብመጀመርታ እኳ ብባሕሪ ገይሮም ክኸዱ ብምምዳቦም፤ ብምራራ ኣቢሎም ጥቓ ማርሳ ተኽላይ በጺሖም እኳ እንተነበሩ፤ እግዚአብሔር ገሊጹሎም ተመሊሶም ብምድሪ ብወገን ኖብያ (ሱዳን) ኣቢሎም ንብዝኃት እናመሃሩን እናእመኑን ተኣምራት’ውን እናፈጸሙ ግብጺ ኣተዉ። ኣብቲ ጊዜ እቲ ንጉሠ ኖብያ ክርስቲያን ከምዝነበረ እሞ፤ ምምጽኦም ምስ ፈለጠ፤ ክሳብ ዶብ ሃገሩ መጺኡ ብኽብሪ ከምዝተቐበሎምን ነቲ ኣብ ቅድሚኡ ዝጽበዮ ንዝነበረ ውግእ ኣረማውያን ጸሎቶም ተማኅፂኑ ስለዝነበረ ድማ ብኃይሊ ትእምርተ መስቀልን ብጸሎት አቡነ ኤዎስጣቴዎስን ከምዝሠዓረ ገድሊ ኣቡነ ኤዎስጣቴዎስ ይገልጽ። ካብኡ ተበጊሶም ናብ ግብጺ ድኅሪ ምእታዎም ካብ መንበረ ማርቆስ ወንጌላዊ ኣብ እስክንድርያ ከምዝተባረኹን ጸሎቶም ድኅሪ ምብጻሕ ድማ፤ ምስቶም አቡነ መርቆሬዎስ ዝርከብዎም ፲፪ ኣርድእቶም ናብቶም ሊቀ ጳጳሳት (ፓትርያርክ) ግብጺ (1327-1339 ዓ.ም.ፈ)  ኣባ ብንያሚ ኣትዮም መንፈሳዊ ሰላምታ ኣቕረቡን ቡራኬ ተቐበሉን።

ይኹን ደኣ እምበር፤ እቶም ሊቀ ጳጳሳት፤ ኣቡነ ኤዎስጣቴዎስ ምስቶም ኣብ ኢትዮጵያ ዝነበሩ ግብጻዊ ጳጳስ ንዝነበሮም ክርክርን ዘይምስማማዕን ኣቐዲሞም ሓውሲ ምጥቛስ ካብ ነጋድያን መነኮሳት ሰሚዖም ስለዝነበሩ፤ መምጽኢ ምኽንያቶም ኣይተጋየሹሉን። ካብቶም ነጋድያን መነኮሳት ድማ ኣብ ቅድሚኦም ቀሪቦም “ዝንቱሰ ኤዎስጣቴዎስ ወደቂቁ ኢየኀብሩ ግዕዘ ምስሌነ፤ ወኢያከብሩ ሰንበተ አይሁድ ወኢይበልዑ ሥጋ ምስሌነ ወኢይሰትዩ ወይነ ወሜሰ ወዓዲ ብዙኃ ትእምርታተ ቦሙ” (እዚ ኤዎስጣቴዎስን ደቁን ምሳና ኅብረት የብሎምን፤ ሰንበት ድማ ኣየኽብሩን ሥጋ’ውን ምሳና ኣይበልዑን፤ ወይንን ሜስን ድማ ኣይሰትዩን፤ እዝን ከምዝን ካልእ ትምህርታ እዩ ዘለዎም) ብምባል ተገምጢሎም ከሰስዎም። ነገር ሓሳዊ ከምኡ እዩ። ተቀዳዲሙ እዩ ተገምጢሉ ዘጸልም። እቶም ሊቀ ጳጳስ ድማ እቲ ዝኽሰሱሉ ነገር ሓቂ ዶ ሓሶት ምዃኑ ከረጋግጹ ንኣቡነ ኤዎስጣቴዎስ ተወከስዎም። አቡነ ኤዎስጣቴዎስን ግና ብትብዓት “አአምን በአብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ” እናበሉ ርቱዕ ሃይማኖቶም ኣረድኡ። ትምህርቶም’ውን ትምህርተ ቅዱሳን ነቢያት ወሐዋርያት ምዃኑ “አአምን በትምህርተ ቃሎሙ ለነቢያት ወሐዋርያት ቅዱሳን” ብዝብል እሙን ቃል ገለጹ። ቀጺሎም’ውን “ወአደንን ክሣድየ ታሕተ አርዑተ ወንጌሉ ለእግዚእየ ኢየሱስ ክርስቶስ” ብምባል፤ ኣብ ትሕቲ ኣርዑት ወንጌል ጐይታ ጽሙድን ትሑት ኣገልጋሊ ምዃኖም ድኅሪ ምዝራቦም ድማ ብዘይካ ቃለ እግዚአብሔር ካልእ ሃብትን ንዋትን ከምዘይብሎም “ንዋይየኒ ወጥረትየኒ ቃለ እግዚአብሔር ውእቱ” ብምባል ኣብ ቃለ እግዚአብሔር ዘለዎም ፍጹም ሃይማኖት ገለጹ። ብርግጽ’ውን ካብ ቃለ እግዚአብሔር ዝወጸ ሃይማኖት ስለዘይብሎም “ወአልቦ ትምይንት ውስተ ሃይማኖትየ” ብምባል ነቶም ሊቀ ጳጳሳት ብዛዕባ ነፍሶም መስከሩሎም። 

እቶም ሊቀ ጳጳሳት ጣዕሚ ዘረባ ኣቡነ ኤዎስጣቴዎስ ሰሚዖም ኣንከሩ። ቀጺሎም’ውን እሞ ሃይማኖትካ ከምኡ ካብ ኮነ ምሳና ኣብ ጸሎትን ቅዱስ ቍርባንን ኣይትኃብርን’ዶ? ብምባል ሓተትዎም። ንሶም ግና ብትብዓት፤ ቅድሚ ምኅባረይ ብቃለ መጻሕፍትን ትምህርቶምን ክንሠምር ክንክእል ኣሎና ኢሎም ተዛረብዎም። ቀጺሎም’ውን ቅዱሳን ሓዋርያት ከምዝገለጽዎ፤ ካብ ቀኖና ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ንዝወጸ ዘበለ፤ ዲያቆን ኣብ ኣፍ ደገ መቅደስ ከም ሓለዋ የቝምዎ እሞ፤ እቶም ካልኦት ርእዮም ክፈርህዎ ይግባእ እዩ ዝብል በልዎም። ኣስዒቦም ድማ ብዛዕባ ክብሪ ክልተ ሰናብቲ ንዘለዎም ትምህርቲ ካብ መጻሕፍተ ነቢያትን ሓዋርያትን (፹፩ዱ መጻሕፍቲ) ብምጥቓስ ኣብ ቅድሚ እቶም ሊቀ ጳጳስን ኣብኡ ተጋቢኡ ዝነበረ ጉባኤተኛን ኣፍሰሱ። ሕጂ’ውን እቶም ሊቀ ጳጳስ ብዛዕባ’ቲ ዝተዋህቦም ትምህርቲ ዘለዎም ናእዳ ድኅሪ ምግላጽ፤ ቀጥታዊ መልሲ ከይሃቡ  እሞ’ከ ኣብ ጸሎትን ቅዳሴን ኣይትኃብረናን ዲኻ ኢሎም ደጊሞም ሓተትዎም።

እቲ ነገር ዝተረድኦም አቡነ ኤዎስጣቴዎስ ግና ሕጂ’ውን ኣትሪሮም ዘረባኦም ቀጸሉ። “ኣነስ ናብ ሃገርኩም ዝመጻእኹ ሰይፍን ማሕረድትን ከምዘሎ ኣሚነን ፈሊጠን እየ። ስለዚ ነገር’ውን ኣብዚ ዓለም ዕረፍቲ ኣይረኸብኩን እሞ፤ ምእንቲ ቃለ እግዚአብሔር ክሳዕ ሞት ክእመን እየ ብድፍረት መጺአ” በልዎም። ኣስዕብ ኣቢሎም’ውን “ኣብ ኢትዮጵያ ከይተረፈ ከማና ሰናብትን በዓላትን ሠዓር እኳ እንተበሉኒ ኣበኹዎም። ንስኹም ድማ ንርእስኹም ሰናብትን በዓላትን ዘይኸብርኩምሲ ንዓይ ኣብ ጸሎት ምሳና ኅበር ትብሉኒ ድማ” ብምባል ብቃለ መጻሕፍት ከይኃበሩ፤ ኣብ ዝኾነ ጸሎቶምን ቅዳሴኦምን ከይምዘይሳተፉ ኣግሃዱሎም። እቶም ሊቀ ጳጳስ ግና ጥበበኛ ብምንባሮም ንኣቡነ ኤዎስጣቴዎስ ስለቲ ሓቀኛ ትምህርቶምን ጽንዓቶምን ንኢዶሞም። ጸዊዖም ከምዝቐርቡ ብምግባር ከኣ ኣብ ጥቕኦም ምስቶም ኤጲስ ቆጶሳት ብኽብሪ ክቕመጡ ብምእዛዝ ክጥብርዎም ፈተኑ። አቡነ ኤዎስጣቴዎስ ንዝተወሰነ ጊዜ ቃሎም ኣኽቢሮም ኣብ ጥቓኦም ምስኦም ይጽንሑ እምበር፤ ትሕትናኦም ነቶም ኣብኡ ዝነበሩ ክሳዕ ዝደንቖም፤ ኣብዚ ናይ ክብሪ ስፍራ ክጸንሕ ኣይግባእንን ብምባል ኣቕበጽዎም። ተመሊሶም’ውን ነቲ ዘመጽኦም ጕዳይ ዳግማይ ብምልዓል፤ ንሶም ትምህርቲ ሓዋርያት ሒዞም ይዛረቡ ምህላዎም ኣረዲኦም ንጹር መልሶም ክህብዎም ነቶም ፓትርያርክ ሓተትዎም።

እቶም ሊቀ ጳጳሳት በዚ ጕዳይ’ዚ ተዋጢሮም ድኅሪ ምጽናሕ ነቲ ተኸዊሉ ዘይተርፍ እምነቶም ገለጹሎም። ክምልሱሎም ከለዉ ድማ እቲ ሓቂ ኣቡነ ኤዎስጣቴዎስ ዝብልዎ ምዃኑን፤ ግና “እቶም ዝቐደሙ ኣበው እቲ ነገር ጽኑዕ ምዃኑ ስለዝረኣዩ ከምዘተርፍዎ” ዘረድእ ቃል ኣውስኡሎም። “ንስኻ’ውን በይንኻ ከመይ ገይርካ ክትፍጽሞን ዳግማይ ከተልዕሎን ይከኣለካ?” ብምባል ንምኽባሩን ንምዕቃቡን ዝኸብድ ምዃኑ ምኽሪ ለገሱሎም። (ወይቤሎ ሊቀ ጳጳሳት በአይቴ ትክል ባሕቲትከ ዓቂበ ትምህርቶሙ ወትእዛዞሙ ለሐዋርያት ዘተገድፈ እምጕንዱይ መዋዕል ትክልኑ አንተ ባሕቲትከ አንሥኦቶ ወዓቂቦቶ እስመ ብዙኃን አበው እለ ቀደሙነ ሊተ። ወለከ ዘስእንዎ እሙንቱ ዓቂቦቶ ወገቢሮቶ እስመ ጽኑዕ ውእቱ ትእዛዞሙ ወሥርዓቶሙ ለአበው ሐዋርያት ቅዱሳን።) ብድኅሪ’ዚ መልሲ እቶም ሊቀ ጳጳሳት ብንጹር ዝሰምዑ ኣቡነ ኤዎስጣቴዎስ ጊዜ ኣየጥፍኡን፤ ካልእ ቃል’ውን ኣይተዛረቡን። ደጊም እቲ ሓቂን እቲ ዝግበርን በበይኑ ካብ ኮነ እንታይ እሞ ክብሉ ንጽበ። ብትሕትና ድማ ኦ ኣቦይ ባርኹኒ፤ ክፍጽሞ ከኽእለኒ፤ ነቲ ሓቂ ዝኾነ ቃለ እግዚአብሔር’ውን ክምህር ኃይሊ ክህበኒ ጸሎትኩም ኣይጋደፈኒ በልዎም። እቶም ፓትርያርክ አባ ብንያሚ ድማ ንአቡነ ኤዎስጣቴኦስ ብዝግባእ ባረኽዎም። እኳ ደኣ ወሲኾም ናይቶም “ብበረኸት እቶም ቀኖናኦም ዘፍቀርካዮን፤ ኣሰረ ፍኖቶም ዝሰዓብካዮን ሓዋርያት ብሩኽ ኩን…” ብምባል ቃለ ቡራኬኦም ኣፍሰሱሎም።

ድኅሪ’ዚውን ኣቡነ ኤዎስጣቴዎስ ካብኦም ብሰላም ተፈላልዮም ወጹ፤ ኣብ እስክንድርያ ድማ ናይ ኣርመንያ ሊቀ ጳጳስ ከምዘሎ ስለዘሰምዑ ድማ ምስኦም ተራኺቦም ተዘራሪቦም፤ ናብ ገዳም ኣስቄጥስ ብምኻድ ሱባኤ ብምሓዝን፤ ተኣምራት ድኅሪ ምፍጻምን፤ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ተገሊጻ መገዶም ናብ ኣርመንያ ምዃኑ ስለዝነገረቶም ድማ ንግብጺ ገዲፎም ብኢየሩሳሌም ኣቢሎም፤ ከምቲ ኣብ ተኣምራታዊ ታሪኾም ዝፍለጥ ዓጽፎም ዘርጊሖም ኣብ ባሕሪ ከም መርከብ ተጠቒሞም ኣርመንያ ኣተዉ።

4.4 መደምደምታ
እምበኣር ካብዚ ታሪኽ ኣቡነ ኤዎስጣቴዎስ እንርድኦ ነገር፤ ኣብቲ ዘመን ዝነበሩ ግብጻውያን ኣቦታት፤ ብዛዕባ እቲ ዘከራኽር ዝነበረ ጕዳይ ሓቂ ጠፊእዎም ወይውን ትምህርቲ ሓዋርያት ተሰዊርዎም ዘይኮነስ፤ ምእንቲ ብቀጻሊ መምስቲ ዝጽግሞም ኣካይዳን፤ ኵነታት ጕስነት ሕዝብን ክብሉ ዝለዋውጥዎን ዝገማጥልዎን ሥርዓቶም፤ ነቲ ትምህርቲ ዝቐደሙ ኣቦታት ሓዋርያት ሸለል ከምዝበልዎን ብኻልእ ሓድሽ ትምህርቲ ከምዝተክእዎን ዝምስክር ሓቂ እዩ። እቶም ፓትርያርክ ግብጺ’ውን ድኅሪ ነዊሕ ሰጋእ መጋእ ዘውጽእዎ ሓቂ ንሱ እዩ። ሸጊርዎምን ከቢድዎምን ሓድሽ ትምህርቲ ኣምጺኦም እምበር፤ ትምህርቲ አቡነ ኤዎስጣቴስ፤ ትምህርቲ ሓዋርያት ምዃኑ መስኪሮም እዮም።

እቲ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ሓበሻ ኣብ ፲፩ ክፍለ ዘመን ብግብጻዊ ጳጳስ ኣቢሉ ክተኣታተው ዝተፈተነ ሓድሽ ትምህርቲ፤ ብትምህርቲ ይኹን ብመንፈሳዊ ደረጃን ትብዓትን ብቝዕ ዝኾኑ ኣቡነ ኤዎስጣቴዎስ ስለዝተረኽቡ፤ ክምከት ተኻኢሉ ነይሩ። ካብቲ ንጉሥ ጀሚሩ ብዙኃት ሊቃውንትን ካብ ቤት ተክለሃይማኖት ዝኾኑ ገዳማውያን ነቲ ብግብጻዊ ጳጳስ ዝተነግረ ሓድሽ ትምህርቲ ተቐቢሎም፤ ኣብ ውሽጢ ሕዝቢ ከስርጹን፤ ምስቶም ዝተቓወምዎም ኣኅዋቶም ደቂ ኣቡነ ኤዎስጣቴዎስ ክበኣሱን፤ ኃይሎምን ዝነበሮም ተሰማዕነትን ተጠቒሞም መከራ ከውርዱሎም ነዊሕ ዓመታት ጸኒሖም ነይሮም። ብዛዕባ’ዚ መጽሓፍ ቅዱሳዊ ሓቂ ግና ዕረፍቲ ዝኸልኦም ቅዱስ ኣቦ ግና፤ ንእኦም ዝትክኡ ዓበይቲ ቅዱሳን ድኅሪ ምፍራዮምን ምትክኦምን፤ ነቲ ሓቂ ክሳዕ መወዳእታ ክጣበቑን፤ ኣብ መዕለቢኡ ከብጽሑን ንዝገበርዎ ከቢድ ጕዕዞን ዝገጠሞም ኵነታትን ዓወቶምን ርኢና ኢና።

ንሕና’ኸ ካብ’ዚ ታሪኽ እንታይ ክንመሃር ንኽእል? ኣብ ዘመንና ኣብ ዘሎ ግምጣል ፍጻሜታት’ከ እንታይ ትምህርቲ ይህበና? ሎሚ’ከ ከም ኣቡነ ኤዎስጣቴዎስ ዝኣመሰሉ ቅዱሳን ኣቦታት ተቢዖም እንተዝትንሥኡን ንዘከራኽር ጕዳያት ክሳዕ መወዳእታ ዝበጽሑን እንተዝርከቡ ታሪኽ ዝድገም’ዶ ኣይመስለናን? ሰብ ሃገርናሲ ክምስሉ ከለዉ “ዓዲ ክስቶ በጺሕና ኣሎና፤ ኣይንተሃመል” ይብሉ ነይሮም እሞ መንእሰይ ወለዶ ኣስተውዕል!

                                                                                                        ይቕጽል. . .

1 comment:

  1. MAY GOD BLESS U BERKET ABONA EAWOSTASTYOS MES HULNA YEKUN AMEN KA HIWET YESMEALNA.

    ReplyDelete