በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን።
ኣብ
ትንሣኤ ጥንታዊ ልሳነ ግእዝ ኣበርክቶ ክህልዎ ትጽቢት ዝግበረሉ: ብኣቀራርብኡን ትሕዝቶኡን ፍሉይን በዅሪ ተባሂሉ ክጥቐስ ዝከኣል
መጽሓፍ “ጥንታዊ ግእዝ ብዘመናዊ ኣቀራርባ” ብዝብል
ርእሲ ተኃቲሙ ይዝርጋሕ ከምዘሎ ዝበጻሕና ሓበሬታ የመልክት። ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ኢድና ኣትዩ ዘሎ ቅዳሕ ናይዚ መጽሓፍ’ውን:
ነቲ ኣቐዲምና ሰሚዕናዮ ዝጸናሕና ሓበሬታ ዘረጋግጽን: ጥቕሚ ናይዚ መጽሓፍ ንዝኾነ ግዱስ ኣንባቢ ልዕሊ እቲ ዝተባህለ ንኡድ ኮይኑ
ዝርከብን: ሞሳ ንጸሓፊኡ ዘውህብን እዩ።
ከምቲ
ኵልና እንፈልጦ ቋንቋ ግእዝ ኣዝዩ ጥንታዊ ልሳን ቤተ ክርስቲያንና እዩ። ዝበዝኁ ቅዱሳት መጻሕፍትን ኣገልግሎትን ቤተ ክርስቲያን
ብልሳነ ግእዝ ዝተጻሕፉን ዝቐርቡን ምዃኖም ከኣ ዝተፈልጠ ነገር እዩ። ይኹን ደኣ እምበር ብፍላይ ኣብዚ ዘመን’ዚ: ምስ ምምጻእን
ምዕብላልን ዘመናዊ ትምህርቲ ኣስኳላ ኣፍልጦ ልሳነ ግእዝ ኣብዚ ሓዲስ ወለዶ ፈጺሙ ደኺሙ እዩ ክብሃል ይከኣል። እቲ ኣብ ቤተ ክርስቲያን
ዝወሃብ ዝነበረ ትምህርቲ ልሳነ ግእዝን ሰዋስውኡን ከኣ ንዝተወሰኑ ኣብ ኣገልግልቲ ቤተ ክርስቲያን ዝሳተፉ ጥራይ ተደሪቱ ምጽንሑ
ዝተፈልጠ እዩ። ዋላ እኳ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ንኣገልገልቲ ካብ ምቍጽር ፊደል ጀሚሩ ክሳብ ዝለዓለ ደረጃ ንዝርከቡ ዓይነታት ትምህርትን
ሞያን: ብቋንቋ ግእዝ ይወሃብ ደኣ እምበር: ኵሉ እቲ ዝመሃር ንልሳነ ግእዝ ይመልኮን ብዝግባእ ይጥቐመሉን እዩ ክብሃል ኣይከኣልን
እዩ። ይትረፍ ቅርብ ኢሉ ካብ መምህራን ቤተ ክርስቲያን ዘይተማህረ: ነቲ ዝተማህረ’ውን ንምምላኹ ቀሊል ዘይኮነ ልሳነ ግእዝ እምበኣር
ሎሚ ንዅሉ ብዘገልግል ኣገባብ ንምምሃሩ እዚ መጽሓፍ’ዚ ቀዳማይ ተበግሶ ዝወሰደ ኮይኑ ተረኺቡ ኣሎ።
ምእመናን
ብፍላይ እቲ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ጊዜ ቅዳሴ ይኹን ኣብ ካልእ ሥርዓት ዝወሃብ ኣገልግሎት ብዝበዘኀ ክፋሉ ብልሳነ ግእዝ ብምዃኑ
ተሳትፍነቶምን ተቐባልነቶምን ድሩት ኮይኑ ክሽገሩ ምርኣይ ልሙድ ነገር እዩ። ምሉእ ብምሉእ ቅቡል ኣይኹን እምበር: መንእሰያት ናብ
ቤተ ክርስቲያን ዝያዳ ከይቀርቡ ዝገብሮም ተባሂሉ ከም መመሳመሲ ዝቐርብ’ውን ትሑት ኣፍልጦ ልሳነ ግእዝ ምዃኑ ይጥቐስ እዩ። ኮይኑ
ድማ ብዙኃት ሰባት ኣብ ልዕሊ ኣቀራርባ ኣገልግሎት ቤተ ክርስቲያን ካብ ዘለዎም ርእይቶ: ሓደው ንኵሉ ኣገልግሎት ናብቲ ዝሰምዖን
መዓልታዊ ዝጥቀመሉን ቋንቋ ምልዋጥ: ሓደው ከኣ እቲ ሓፋሽ ሕዝቢ ልሳነ ግእዝ ዝመሃረሉ ኣገባብ ምትእትታው ዝብል እዩ ነይሩ። እምበኣር
ብብዙኅን ርዱእን ምኽንያት እቲ ቀዳማይ ሓሳብ ዘይከኣልን ዘይቅቡልን ካብ ኮነ: እቲ ካልኣይ ኣማራጺ ኣገዳሲ ኮይኑ ይረኸብ እምበር
ብግብርሲ ተበግሶ ዝወስድ ኣካል ክርከብ ኣይተኻእለን ነይሩ። እምበኣር ሎሚ ብኣዳላዊ ናይዚ መጽሓፍ ዝኾኑ መሪጌታ ሄኖክ ገብረሚካኤል
ዝተወስደ ፈላሚ ስጉምቲ ኣዝዩ ዘሕጉስን: ኣብዚ ጕዳይ’ዚ ንዝነበረ ጸመ ልጓም ዝፈትሕን: ነቲ ጐልቢብዎ ዝነበረ ጸልማት ዝቕንጥጥን
እዩ።