Saturday, March 5, 2011

ጾም

ካልኣይ ክፋል
ዕላማን ረብሓን ጾም 

ብልምዲ ጥራይ ምጻም ዘይኮነስ ብኣፍልጦን ብእምነትን ከምቲ እግዚአብሔር ዝፈትዎ ገይርካ ምጻም ብዙኅ ረብሓን ጸጋን ዘለዎ ምዃኑ ሓደ ኣብ ሃይማኖት ኣሎኹ ዝብል ሰብ ክስሕቶ ዘይግባእ ሓቂ እዩ። ኣማን ብኣማን ጾም ምስ ፈጣሬ ዓለማት እግዚአብሔር ዘራኽብ ርቱዕ ሕገ ወሥርዓት ሃይማኖትና እዩ። ኣብ ሃይማኖትን መንፈሳዊ ሕይወትን ጾም ንዘለዎ ረብሓ ዘስተናዕቕ ወይውን ዘይቕበል ሰብ ኅብረቱን ዝምድንኡን ምስ እግዚአብሔር ከምዘይኮነ ይፍለጥ፡ ይረዳእ። እናፈለጠ ንዘይገብሮ ድማ ካብ በረኸት እግዚአብሔር ኣዝዩ ከምዝርሓቐ የስተውዕል። 

ብሓፈሻ ጾም ትምኒት ሥጋን ኃጢኣትን ዘጥፍእ፡ ኣቝሳል ነፍሲ ዘሕዊ፡ ንወራዙት (ኣጕባዝን ጐራዙን) ውሽጣዊ ጸጥታን ህድኣትን ዘስተምህር፡ ካብ እንሰሳዊ ግብርን ጠባያትን ዝኽልክልን ዝዕቅብን፡ ሰብ ኣብ ምድሪ ንመላእኽቲ መሲሉ ዝነብረሉ ቅኑዕ ሥርዓት እዩ። ኣስዒብና ድማ ብመጠኑ ካብ ዕላማታትን ረብሓን ጾም ንገሊኦም ከነብርህ ክንፍትን ኢና እሞ ምስትውዓሉ ይዓድለና።

  • ቀንዲ ዕላማ ጾም ፈቃደ ሥጋ ንፈቃደ ነፍስ ከምዝእዘዝ ብምግባር ንኣምላኽ ምሥማርን በረኸት ምርካብን እዩ። ሰብ ዝበሃል ባህርያተ ሥጋን ነፍስን ተዋሒዶም ዝተፈጥረ ከም ምዃኑ መጠን፤ ፈቓደ ሥግኡ ክኅይል ከሎ እንስሳዊ ጠባያትን ግብርታትን ዝያዳ ዝረኣየሉ ኮይኑ፡ ብኣንጻሩ ፈቓድ ነፍሱ ክኅይል ከሎ ድማ መልኣኻዊ ጠባያትን ግብርታትን ደሚቑ ይንጸባረቐሉ። ስለዚ ምስ ኣምላኹ ዝያዳ ክዛመድን ክቐርብን እንተደኣ ኮይኑ ፈቓደ ሥግኡ ኣድኪሙ ነፍሱ ዝፈቕደሉን፡ ተጻብኦ ኣጋንንቲ ኣዳኺሙ መንፈሳዊ ኃይሊ ዝረኽበሉን እቲ ቀንዲ መንፈሳዊ ጥበብ ወይውን መገዲ ድማ ጾም እዩ። “ከመ ትድክም ኀይለ ፍትወት” ከምዝበለ መጽሓፍ (ፍት መን ኣንቀጽ ፲፭)። ብሓጺሩ ጾም ፈቃደ ሥጋና ከምንገዝኦን ከምንቖጻጸሮን ብምግባር ነፍሲ ክትቕደስን ክትነጽሕን ዝገብር፡ ፍኖትና ምስ ፍኖተ እግዚአብሔር ከምዝሳነይ ዝገብር ፍቱን መድኃኒት እዩ። እሞ ኸ ንሕናስ፧ ሎሚ ብብዙኅ መገዲ ፈቓደ ሥጋናን ትምኒትናን እናኃየለና ካብ ሕገ እግዚአብሔርን በረኸቱን ንርሕቕ ዘሎና ክንደይ ኣብዚኅና ክንጸውምን ክንጽልይን ምተገብኣና። ሎሚ ንወዲ ሰብ ስዒርዎ ዘሎ ዝሙት፡ ጓይላ፡ ስኽራን፡ ስስዐ ወዘተ ብጾም ልጓም ክግታዕ ምተኻእለ ነይሩ። ግና መን ነዛ ፍኖተ ሕይወት የስተውዕላን፧ ይመላለሰላን፧ 
  • ጾም ብሰንኪ ድኻም ሰብ ስለዝተፈጸሙ በደላት ካብ እግዚአብሔር ምሕረትን ስርየተ ኃጢኣትን ንምርካብ ይጠቅም እዩ። እወ ጾም ንእግዚአብሔር ኣሥሚሩ ንዝተኣዘዘ መዓት ናብ ምሕረት ክቕይር ኃይሊ ዘለዎ እዩ። ኣብ ቅዱስ መጽሓፍ’ውን ብምኽንያት ብዝኂ ኃጢኣት ዝተኣዘዘ ናይ እግዚአብሔር መዓት ዝምለስ ዝነበረ እቲ ዝበደለ ሕዝቢ ተነሲሑ ብጾም ንእግዚአብሔር ክልምኖን ክምኅጸነኖን ከሎ እዩ ነይሩ። ብመሠረት እዚ’ውን ኣብ ውልቅና ይኹን ኣብ ስድራ ቤትና ካብኡ ሓሊፉውን ብደረጃ ሃገር ብዝተፈላለየ ኃጢኣት ንዝወርድ ብዙኅ ዝዓይነቱ ተግሳጽን መዓትን (ጥሜት፡ ስእነት ማይ፡ ሕማም፡ ፌራ፡ ኵናት ወዘተ) ካባና ክርሕቕን ኣምላኽ’ውን ክድንግጸልናን ቍጥዕዑ ናብ ምሕረት ክቕይረልናን ዝኽእል ነፍስና ብጾም ክንቀጽዓናን ተነሲሕና ድማ ኣብ ቅድሚኡ ነፍስና ምስ ነሕስራ ከሎና ምዃኑ ኢና ንመሃር። እቲ ብባህርይኡ ለዋህን ደንጋጽን ዝኾነ እግዚአብሔር ኣምላኽ ይርኅራኃልናን ይምሕረናን ድማ። ነዚ ኣብነት ዝኾኑና ሰብአ ነነዌ ኣውራ ክጥቀሱ ዝግብኦም እዮም። (ዮና ፫፥፯-፲ ኢዩ ፪፥፲፪-፲፰) እንኳዕ ካብ ዝወረደ መዓት ብሰይጣንን መጋብርቱን ካብ ዝተሓስበ ተንኮልን መዓትን ብጾምን ጸሎትን ከምዝደኃን ኣስቴርን እስራኤላውያንን ከም ኣብነት ክጥቀሱ ይኽእሉ። (መጽ ኣስቴር) 
  • ታሪኽ ቀዳሞት ምፍላጥ ጥራይ ዘይኮነስ ግና መን ኣሎ ሎሚ ብሓቀኛ ጾም ነፍሱ ዝቐጽዕን ናብ ኣምላኹ ዝምለስን፧ ሎሚ ንዝኾነ ክፉእ መዓት ብሥጋዊ ጥበብን ሰብኣዊ ፍልስፍናን ጥራይ ክትንተኑን እንተታት ክቕመጠሎምን ኢና ንርኢ፤ “ኣምላኽ ተቐይሙልና ዶ ይኸውን እዚ ከምዚ ዓይነት ክፉእ ነገር ዝወርደና ዘሎ፤” ቢሉ መገድን ጥበብን ኣምላኽ ዘናድያ የልቦን። እዚ ወለዶ’ዚ ኣብ ናቱ ሓሳብ ጥራይ እዩ ዝምርኰስ ደኣ እምበር ትውክልቱ ኣብ ኣምላኹ ኣይገብርን እየ። ጥበብ ሥጋ ብዙኅ ዝጠቕመና ነገር እንተሎውን ጥበብ ኣምላኽ ግና ቀዳምነት ንሃብ። ነገራት ቅድሚ ኵሉ ብፍቓድ ኣምላኽ እንተመርመርናዮም እቲ ዝበለጸን ምልኣት ዘለዎን ይኸውን። እስራኤላውያን ኣብ ዘመነ ነቢያት ብዝገጥሞም ዝነበረ ቀጻሊ ሽግር እቶም ሕዝቢ እናወሓዱ ምስ ከዱን ነቲ ጸገሞም ፍታሕ ምስ ሰኣኑሉ ከኣ ናብ ነቢዪ ኤርሚያስ ቀሪቦም ሽግሮም ነገርዎ፤ ናብ እግዚአብሔር ክልምነሎም ድማ ተማኅጸንዎ። ንሱ’ውን ምስ እግዚአብሔር ኣራኸቦምን ምሕረት ከምዝቕበሉ ድማ ገበሮም። (ኤር ፵፪) እዚ ንዓና ዓቢይ ትምህርቲ እዩ። ስለዚ ከም ሰብአ ነነዌ ብጾምን ብጸሎትን ብንስሓን ናብ እግዚአብሔር ንመለስ። በዓል መጸ፡ ዝኾነ ምኽንያት ተረኽበ ጓይላን ደርፍን ምግባር መዓት እምበር ምሕረት ኣምላኽ ኣይጽውዓልናን እዩ፤ እቲ ዝግባእሲ ንእግዚአብሔር ምስጋና ምቕራብ እዩ። ከም ሰብአ ነነዌ ብንስሓ ዝተሰነየ ጾምን ብኽያትን ደኣ እምበር ጓይላ ንሰብአ ትካት እኳ ኣይጠቐሞምን። ስለዚ ጾም ዘውህቦ ጽድቅን ምሕረትን ካብ ሰብአ ነነዌ እንተተመሃርና ጽቡቕ እዩ። 
  • ጾም ንርኩሳን መናፍስቲ ናይ ምርሓቕ ኃይሊ ኣለዎ። (ማቴ ፲፯፥፳፩ ማር ፱፥፪) ከመይሲ ወትሩ ብዝተፈላለየ መገዲ ዝፈታተኑና ሠራዊተ ኣጋንንት ካባና ክርሕቑን ብርሃናዊ ኃይሊ እግዚአብሔር ክንለብስን ዘኽእለና እቲ ሓደ መገዲ ጾም እዩ። (ዳን ፲፥፭ ማቴ ፲፯፥፲፬-፳፪ ማር ፱፥፳፱) ጐይታውን ኣብ ደብረታቦር ብርሃነ መለኮት ክብረ መንግሥቱ ነቶም ናይ ምሥጢር ሓዋርያቱ ዝበሃሉ ገሊጹ ክምለስ ከሎ ካልኦት ሓዋርያቱ ካብቲ ሕሙም ከውጽእዎ ንዘይተኸኣሎም ክፉእ መንፈስ ገሲጹ ምስ ኣውጽኦ፤ ሓዋርያት ቅርብ ኢሎም ስለምንታይ ደኣ ንሕና ምውጻኡ ዝሰኣንና፧ ኢሎም ምስሓተትዎ “እዚ ኸምዚ ዝበለ ዓሌት ግና ብዘይ ብጾምን ብጸሎትን ኣይወጽእን እዩ” ብምባል ጾምን ጸሎትን ክሳብ ክንደይ ዓቢይ መንፈሳዊ ኃይሊ ከምዘለዎ ኣረዲኡና ኣሎ። ሎሚ’ውን ነዛ ዓለም ዝጻወቱላ ዘለዉን፡ ንሰባት ካብ ሕግን ኣምልኾትን እግዚአብሔር ኣርሒቖም ብክፉእ ዘበለ ግብሪ ጸኒዖም ከምዝነብሩ ዝገብርዎም ዘለዉ ርኹሳት መናፍስቲ፡ ካባና ከነርሕቖም እንተደኣ ኮይንና ኣበርቲዕና ክንጸውምን ክንጽልይን ይግብኣና። ሎሚ ግና ብዘሕዝን ደረጃ ንሕናን ዓለምን ካብ ጾም፡ ጸሎት፡ ስግደት፡ ምጽዋት፡ ፍቕሪ፡ ምስጋና፡ ለውሃት፡ ትሕትና፡ ንስሓ ወዘተ ርሒቕና ኣብ ዝሙት፡ ምጭክኻን፡ ምቅትታል፡ ምትሕምማይ፡ ምብኣስ፡ ስስዐ፡ ስርቂ ወዘተ ንርከብ ዘሎና ኢና። ከይተመለስና ኣምላኽ ብዝርከበሉ መገድታት ድማ ከይተመላለስናን ብኸመይ ከ ንኣምላኽ ክንረኽቦ ንኽእል፧ ምሕረትን ሕይወትን እንተደሊና ጾም እቲ ሓደ መገዲ ምዃኑ ንፍለጦ። ብሓጺሩ ጾም ኣብ ልዕሊ ርኹሳት መናፍስትን ኣጋንንትን ኃይሊ ክንረክብ ዘኽእለና፤ ካብ ተጻብኦታቶምውን ዝከላኸለልና፤ ክሕደትን ኑፋቄን ዘርሕቐልና ብእምነት ንዝስርሑ ግብርታት ዘኀየለልና እዩ። ሰባት ብሥጋ ዘድክም ብዝመስሎም ነገር፡ እግዚአብሔር ብጥበቡ ረቂቕ ኃይሊ ካብ ዝህበሉ እቲ ቀንዲ ድማ ጾም እዩ። 
  • ጾም ንልዑካነ ቤተ ክርስቲያን መኅደሪ መንፈስ ቅዱስ ኮይኖም ክነብሩ ዝጠቕሞም፡ ኣብ ዕዮኦም ድማ ምሥጢራትን ጥበብን ክግለጸሎም ዘኽእሎም እዩ። ቤተ ክርስቲያን ከገልግሉ ዝተኣዘዙ ሓዋርያት’ውን በብጊዚኡ ካብ መንፈስ ቅዱስ ትእዛዝ ቅድሚ ምቕባሎም ይጾምን ይጽልዩን ነበሩ። (ሓዋ ፲፫፥፪) ስለዚ ድማ ልዑካነ (ኣገልገልቲ) ቤተ ክርስቲያን ወትሩ ንዕዮ ቤተ ክርስቲያን ካብቶም ምእመናን ብዝያዳ እኳ ብጾምን ብጸሎትን ብንጽሕናን ተዳልዮም ክጸንሑ ከምዝግባእ እታ ኣብ ዘመነ ሓዋርያት ዝነበረት ቤተ ክርስቲያን ኣንጾኪያ ወርቃዊት ኣብነት እያ። ብኸምኡ ድማ እዩ መንፈስ ቅዱስ ነቶም ዝመረጾም ኣገልገልቱ ክልእኾም ዝተራእየ። ኣገልገልቲ ቤተ ክርስቲያን ዝኾንና፡ እዚ ከምዚ ዓይነት ሕይወትን ኣገልግሎትን ኣብ ኵልና ጸኒዑ ዶ ይርከብ ይኸውን፧ ወትሩ ብጾምን ጸሎትን ተጊሆም ዝርከቡ ኣገልግልቲ ብኸምዚ መገዲ ንኣገልግሎት ክፍለዩ ከለዉ፡ መኅደር መንፈስ ቅዱስ ኮይኖም ናይ ምንባሮም ምልክት ድማ እዩ። ኣገልግሎት ቤተ ክርስቲያን ከምዚ ናይ ዓለም ሞያ ኣይኮነን፤ ዘለኣለማዊ ሕይወት እምበር። ኣገልገልቲ ሕይወት እናጓሰዩ ሕይወት ዝረኽብሉ መገዲ እዩ ክርስትና። ኣገልግሎት ደረት ዘይብሉ ኣብ ሕይወት ዝምስከር መንፈሳዊ ተጋድሎ እዩ እምበር ብጊዜን ቦታን ዝተደረተ ናይ ቤት ጽሕፈት ስራሕ ኣይኮነን። እቲ ናይ ኣቦታታና ሓዋርያዊ ሕይወት ሎሚ ኣብ ኣገልገልትናን መንፈሳዊ መራሕትናን ከምቲ ዝግባእ ኣብ ኵሉ ይህሎ ዶ ይኸውን፧ ክሕሉ ዶ ኣይምተገበአን፧ ሎሚ ብዛዕባ ኣባጊዖም ዝጭነቑ፤ ለይትን መዓልትን ስሌኦም ዝጾሙ ዝጽልዩን ዝተግሁን ኣቦታት ይውሑዱና ኣለዉ። 
  • ኣገልገልትን መራሕቲ ቤተ ክርስቲያንን ብኣምላኽ ዝተኃርዩን ዝኅረዩን እምበር ሰባት ስለ ነናቶም ዕላማን ድሌትን ዘከናውንዎምን ዝገጣጥምዎምን ከምዘይኮኑ ታሪኽ ሓዋርያት ዝምስክሮ ሓቂ እዩ። ስለዚ እዩ ድማ ጾምን ጸሎትን ዘድሊ። ኣምላኽ እዩ ባዕሉ ክመረጽን ንደቁ ዝኾኑ ክፈልይን ዝግባእ። ብዛዕባ እዚ ነገር’ዚ ኣብ ቅድስት ቤተ ክርስቲያንና ካብ ጽባሕ ናጽነት ኣትሒዙ ሰብ ከይሰምዖምን ከይርእዮምን ኣብ ጸልማትን ዕጹው ማዕጾን ድኅሪ መንጦላዕት ዝተዓልሙ ውዲታትን ሽርሕታትን ዝተፈጸሙም በደላትን ክንደይ ይኾኑ፧ ሰብ እኳ ዝፈልጦ ውሑድ እንተኾነ እግዚአብሔር ግና ንኵሎም ይፈልጦም እዩ። ልብን ኵሊት ዘመላለስዎ ካብ ዝፈልጥ እግዚአብሔር ንኽወል ዶ ይመስለና፧ ኣብ ብርኪ ጻጸ ንዝርከብ ኣንጉዕ ካብ ዝርእይ ኣምላኽ ዶ ንመሉቕ ዶ ኢልና ንሓስብ ኣሎና፧ ኣይንተዓሾ! እግዚአብሔር ኣይዕሾን እዩ። ግና መዓስ ይኸውን ብዛዕባ እዚ ንንስሓሉን ንጾመሉን ምስ ኣምላኽ ንተዓረቐሉን፧ መዓስ ይኸውን ኵልና ሓደ ልቢ ኮይንና ክንመክር፡ ስለ ቤተ ክርስቲያንን ቅዱስ ኣገልግሎት እግዚአብሔርን ጥራይ ክንሓስብን ክንጭነቕን ንጅምር፧ ሕጂውን እግዚአብሔር ናቱ ዝኾኑ ኣገልገልትን መራሕትን ከተንሥእ ነቶም ዘለዉ ድማ ጥበቡን መገዱን ክሕብርን ክገልጽን ኵልና ንጹም ንጸልይ። ኵሉ ዓዓቕሙ ንቤተ ክርስቲያን ክዓይዪ ዝግባእ እኳ እንተኾነ፡ ርእሲ ከይጠዓየ ካልእ ኣካላት ይጥዒ ይኸውን ኢልካ ምሕሳብ ግና ዕሽነት እዩ። መድኃኔ ዓለም ክርስቶስ “ኣብ ክንዲ ክርስቶስ ልኡኻት” ኮይኖም ክዓዩ ንዝተመደቡ ኣራእስና የጥዕየልና። 
  • ንስብከተ ወንጌል ዘገልግሉ ዲያቆናትን ካህናትን ሽመቶም ብጾምን ብጸሎትን እዩ ዝፍጸም ነይሩ። (ግብ ሓዋ ፲፬፥፳፫) ጐይታ ባዕሉ ኣብነት ክኾነና መጀመሪ ሥርሑ ንጾም ከምዝገበሮ ሓዋርያትውን ነዚ ሥርዓት ተኸቲሎም ዝኾነ ነገር ቅድሚ ምፍጻሞም ንጾምን ጸሎትን ቀዳመይቲ መደቦም ገይሮም ይሠርዕዎ ነበሩ። ቅዱሳን ኣቦታትና’ውን ኣብ ዓበይቲ መጻሕፍቶም ይኹን ኣብ ዝተቐደሱ ጉባኤያቶም ጾምን ሥርዓቱን ኣምሊኦምን ኣስፊሖምን ጽሒፎምን ምሂሮምን ኣለዉ። ሎሚ’ውን ከምቲ ዝግባእ ኣይፍጸምን ኣሎ ደኣ እምበር ዝኾነ ሲመት ኣገልግሎት ቅድሚ ምፍጻሙ ሱባኤ ክእቶ ከምዝግባእ ሥርዓት ቤተ ክርስቲያንና እዩ። ምኽንያቱ ብጾም ዝጸንዐን ንጸሎት ዝተገሀን ሰብነት ንትእዛዝን ጻውዒትን እግዚአብሔር ወትሩ ቅሩብ ስለዝኾነ እግዚአብሔር ይመርጾ። ሎሚ ኣብዚ ሓድሽ ወለዶ ኣገልገልቲ ግና ብዓቢዩ ይጠሓስ ኣሎ። ንርዝነትን ዕብየትን ኃላፍነት ሲመት ኣብ ቤተ ክርስቲያን ብዘይምስትውዓል ሎሚ ብዙኃት ኣገልገልቲ ዋላ ትሕተ ዕድመ (ካብቲ ዝተሓገገሉ ሥርዓት) ናብ ክህነትን ዲቁናን ክቀላጠፉ ይረኣዩ ኣለዉ። ቀለምን ዜማን ስለዘጸንዓካ ጥራይ ዘይኮነስ ኣገልግሎት ቤተ ክርስቲያን ሓዋርያዊ ሓላፍነት ዘሰክም፤ ሕድሪ ክርስቶስ ኣብ ዝባንካ ዘጽዕን፤ ዳኅራይውን ንዝተቐበልካዮ መጋብነትን መኽሊትን ምስ እግዚአብሔር ትጸባጸበሉ ስለዝኾነ ዓቢ ጥንቃቐ የድልዮ እዩ። ስለዚ እዩ ድማ እቲ እንሽከሞ ኃላፍነት ፍቓድ ኣምላኽ ምዃኑ ንምፍላጥ፤ ኣብ ዅሉ እቲ ዕዮ’ውን ረድኤትን ኃይልን ኣምላኽ ከይፍለየካ ቅድሚ ምእታውካ ምጻምን ምጽላይን ዘድሊ። 
  • ቅኑዓት ሰባት ነቲ ኵሉ ዝደለይዎ ዝረኽቡን ዝርእዩን ዝነበረ ብጾምን ጸሎትን ፈጣሪኦም ለሚኖም እዮም። (ዕዝ ፰፥፳፩ ነህ ፰፥፳፩ ነህ ፱፥፩-፫ ኣስ ፬፥፲፮-፲፯ ግብ ሓዋ ፲፥፴ ፲፫፥፪-፫) ጾም ነቲ ቅኑዕ መገዲ ጥበብን ፍኖተ ሕይወትን ክንፈልጥ ዝሕግዘና እዩ። ንሕና’ውን ኣብ ሕይወትና ክንኮኖምን ክንበጽሖምን ንደልዮም ብዙኃት ነገራት ክህልዉ ይኽእሉ እዮም። ግና ኵሉ እንደልዮን ክንኮኖ እንብህጎን ድማ ይጠቕመና ማለት’ውን ኣይኮነን። ዅሉ ዝተፈቐደልና ከምዘይጠቕመና ቅዱስ ጳውሎስ’ውን ምዒዱና እዩ። ስለዚ ኣብ ሕይወትና ንዓና ዝጠቕመና ክንፈልጥን፤ ኣብ ዓለም እንከሎና ከም ፈቓዱ ኣብ ናብራና ካብ ዝኾነ ጽቡቕን ዝግባእን ነገር ከይተረፍና ምስ ኣምላኽ ክንነብር ጾምን ጸሎትን ኣገዳሲ መሳርሒ እዩ። ኣብ መዋዕል ሕይወትና ነቲ ክንከዶ ዝግባእና ሕይወት ክንፈልጦን ከነስተውዕሎን፤ ኣብ እንኸዶ ድማ መገድና ከቕንዓልናን ከም ፈቓደ እግዚአብሔር ድማ ኣንፈትና ክንፈልጥ ጾምን ጸሎት ቡሳላ ሕይወትና ገይርና ንሓዞም። ብተወሳኺ ጾም ካብ እግዚአብሔር ንዓና ዘድልየና ክንቕበል ዘኽእለና እዩ። ንሕና’ውን እንደልዮ እግዚአብሔር ድማ ዝፈቐደልና ክንቅበል እንተደሊና ጾም እምብዛ ይጠቕመና እዩ። ኣቦና ሊቀ ነቢያት ሙሴ ሕዝቢ እስራኤል ዝምርሑሉ ሕገ እግዚአብሔር ዝተጻሕፈሉ ጽላት ቅድሚ ምቕባሉ ፵ መዓልትን ለይትን ከምዝጾመ ክንዝክር ይግብኣና። እዚ ጽላተ ሕጊ ድማ ክሳብ ሕጂ ጸኒዑ ዝርከብ ዘሎ ኮይኑ ወዲ ሰብ ካብ ሕገ ልቦና ናብ ሕገ ጽሑፍ ዝተሰጋገረሉን መኅደሪ ኣምላኽን፤ ኣምላኽ ድማ ብኽብሪን ረድኤትን ዝግለጸሉ ናይ ክብሪ ዙፋኑ እዩ። ስለዚ ንኣብነት ሙሴ ጠቐስና እምበር ካብ እግዚአብሔር ክንቕበሎ ብዛዕባ ዘሎና ነገራት ብጾም ኣብ ቕድሚ እግዚአብሔር ምቕራብ ቀዳምነት ዘለዎ ሥርዓት እዩ። (ዘፀ ፴፬፥፳፰) 
  • ጾም ንሰናይ ምግባራት ዘበራትዕ፡ ንርኅራኄ ልቦና ደቂ ሰባት ድማ ኣዝዩ ሓጋዚ እዩ። እዚ ማለት ድማ ሰብ ካብ ጥዑም መባልዕ ተኸልኪሉን ንዝተወሰነ ሰዓት ጾይሙ ክጠምይን ክጸምዕን ከሎ ክብደትን ምረትን ረኃበ ሥጋን ጽምዒ ማይን ክዝከሮን ክስቆሮን የኽእሎ። ስእነት ብጾቱ ኣኅዋቱ ብምስማዕን ብምርኣይን ጥራይ ዘይኮነስ ብግብሪ ስለዝፍትኖን ባህርይ ጥሜት ስለዝርድኦን ንዝጠመየን ዝተሸገረን ክረድእን ዓቕሙ ክገብርን ትብዓትን ሰፊሕ ልቦናን ክህልዎ የኽእሎ። ቅዱስ መጽሓፍ ድማ ንሰናይ ግብሪ ክንስልኪ ከምዘይብልና ነቲ እንዘርኦ ከምንዓጽድ እዩ ዝነግረና። (ገላ ፮፥፱-፲፩) ክርስቲያን ዘበለ ብኸምዚ መገዲ እንተደኣ ጾይምዎ ድማ ካብ መከራ ሥጋ ካብ መከራ ነፍስ ይድኅን፤ ተድላ ሥጋ ተድላ ነፍስ ይረክብ። በረከተ ሥጋ በረከተ ነፍስ ይዕደል። ቅኑዕ እምነትናውን ብግብሪ ይግለጽ። (ያዕ ፪፥፳፮ ኢሳ ፶፰፥፯-፲፬) ብሓቂ ጾም ኣብ ቅድሚ እግዚአብሔር ትሑት ሕይወት ክህልወና ድማ ይገብር እዩ። ንሰናይ ተግባራትውን የንቅሓና እዩ። በዚ ምኽንያት ድማ ጽድቂ ንጽማዕ ሰብ ጾም ተናፋቓይ ሕገ ወሥርዓት ቤተ ክርስቲያንና እዩ። 
  • ጾም ካብ እግዚአብሔር ተገሊጹ ዘይውዳእ ናይ ነፍሲ ዓስቢ ኣለዎ። ኣብዚኅሕካ ምጻም ዓስብኻ ዘብዝኅ ጸጋ ዲበ ጸጋ ዘውህብ እዩ። ነተን ብኣዋጅ ዝተኣወጃ ኣጽዋማት ኵሉ ካብ ፯ተ ዓመት ዝዕድሚኡ ጀሚሩ ክርስቲያን ዘበለ ክጾሞ ከምዝግባእ ቤተ ክርስቲያን ዝኣወጀቶ እዩ። ብተወሳኺ ናይ ፈቓድ ጾም’ውን ክጽወም ክንደይ ሰናይን በረኸት ዘለዎን እዩ። እግዚአብሔር ጸግኡ ዘብዝኃሎምን ረብሓ ጾም ዝፈልጡ ብፍቓዶም ካብ ዓመት ናብ ዓመት ዝጾሙ ኣይሰኣኑን እዮም። እዚኦም ዝረኽብዎ ዓስቢ ኣዝዩ ብዙኅ እዩ። ጾም ዓስቢ ነፍስ ዘብዝኅ እኳ እንተኾነ ኣብ መነባብሮ እዚ ዓለም’ውን ናቱ ረብሓ ዘለዎ ምዃኑ ኣይንስሕቶን ኢና። ጾም ክንድ’ዚ ጥቕምን ረብሓን ይሃልዎ እምበር ገሊኦም ዘይስተውዓሉ ሰባት ምጻም ከም ምጥማይን፡ ነፍስኻ ከም ምብልሻውን፡ ከም ዘይከኣልን ገይሮም ክቖጽርዎ ይረኣዩ እዮም። ብምብላዕ ጥራይ ሥጋኻ ዝጽብቕ ገይሮም ይሓስብዎ። መንፈሳዊ ጸጋ እትረኽበሉ ጾም ግና ብዘይምብላዕ’ውን ብሓቀኛ ጾም ሥጋኻ ከይጐዳእኻ ዝያዳ እኳ ካብቲ ዝበልዕ ንላዕሊ ኮይንካ እትረኣየሉ ኵነት ኣምላኽ ከምዝህበካ ናይ ሠለስቱ ደቂቅ ታሪኽ ጽቡቕ ኣብነት እዩ። (ዳን ፩፥፰-፲፯) ሎሚ ዘለዉ ተመራመርቲን ምሁራነ ጥዕናን ሓካይምን ብካልእ ኣገላልጻ ብዝተፈላለየ ሕማማት ከይንጥቃዕ ንምክልኻልን ከምኡውን ንምቍጽጻርን ንዝበዘኀ ሰብ ካብ ጥሉላት መባልዕ ተቘጢቡ ናይ መባልዐ ጾም ክበልዕ እዮም ዝምዕዱን ዝእዝዙን ዘለዉ። እቶም ለባማት ግና “ሰብ ብእንጌራ ጥራይ ኣይነብርን እዩ” ንዝብል ቃል ጐይታ መሪሕ ገይሮም ጾይሞም ብሥጋ ይኹን ብነፍስ ክረብሑ ይርከቡ ኣለዉ። ንሕና’ውን ዕላማን ረብሓን ጾም ተረዲእና ከምቲ ቤተ ክርስቲያንና ትእዝዘና እንተደኣ ጾይምናን ጸልይናን፡ ኣምላኽ ኣቦታትና ንኣቦታትና ዝሃቦም ጸጋ ኣይምተረፈልናን ነይሩ። ግና ከምቶም ዝቐደሙ ቅዱሳን ኣቦታትናን ኣዴታትናን ንጸውምን ንጽልዪን ኣሎና ዶ፧

                                                                                                                           ይቕጽል...

No comments:

Post a Comment