Tuesday, March 15, 2011

ዓቢይ ጾም

ሣልሳይ ክፋል
ጾም ጐይታ 

ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝተገልጸ እዚ ጾም’ዚ ካብ ካልኦት ብዝፍለ ክብሪ ምስጋና ይብጽሓዮ እሞ ሓጋጌ ሕግ ዝኾነ ክርስቶስ ኣምላኽና ባዕሉ ዝጾሞ ጾም እዩ። ጐይታ ብኸመይን ኣበይን እዩ ጾይምዎ? እንታይ ትምህርቲ ከ ንረኽበሉ? ወዘተ ብመሠረት መተርጉማን መጻሕፍቲ ዘጽንሑልናን ኣቦታትና ንዝምህሩዎ ርቱዕ ትምህርቲ ብመጠኑ ክንድህስሶ ኢና እሞ ምስትውዓሉ ይዓድለና። 

ስለምንታይ ጐይታ ጾሙ ኣብ ገዳም ገበረ? 
ጐይታናን መድኃኒን ኢየሱስ ክርስቶስ ክንገብሮ ብዛዕባ ዝግብኡና ነገራት ባዕሉ ኣብነት ከምዝኾነናን ትምህርቲ ከምዝሃብናን ደጋጊምና ገሊጽና ኣሎና። በዚ መሠረት ድማ ጐይታና ንጾሙ ዝኸውን ስፍራ ንገዳም ምምራጹን ናብኡ ምኻዱን ብዘይ ምኽንያት ኣይኮነን። ገዳም ማለት ገደመ ዱር ጫካ በረኻ ኾነ ካብ ዝብል መሠረታዊ ቃልን ትርጉምን ዝብገስ ኮይኑ ብዘይካ ድምፂ ኣራዊትን ኣዕዋፍን መልክዕ ኣግራብን በረኻን ካልእ ዘይርከበሉ፡ ካብ ዝኾነ ዓለማዊ ሰብኣዊ ግብርታትን ፍቓዳትን ተነጺሉ ንጸጥታን ጽምዋን ብፍሉይ ዘመልክት መካን እዩ። 

ብምዃኑ ድማ ጐይታና ኣብነት ምእንቲ ክኾነና ምስ እግዚአብሔር ከራኽበና ንዝኽእል ጾምን ሱባኤን ከምኡ’ውን ዓቢይ መንፈሳዊ ግብሪ ኣበይ ዝኣመሰለ መካን ክንገብሮ ከምዝግባእና ብግብሪ ኣርኣየና። ምስ ሰብን ምድራዊን ሥጋዊ ሓሳባቱን ዘይኮነስ ምስ እግዚአብሔር ክትራኸበሉ እቲ ዝበለጸ ሕዙእ ስፍራ ገዳም እዩ። እግዚአብሔር ብባህርይኡ ምሉእ፡ ስፉሕ፡ ረቂቕ ከም ምዃኑ ዘይርከበሉ ስፍራ የልቦን። ብቦታን ግዜ’ውን ኣይውሰንን እዩ። እግዚአብሔር ኣብ ኵሉ ዝርከብ ይኹን ደኣ እምበር ንሱ ብዝያዳ ንደቁ ጸሎቶም ክሰምዕ መባኦም ክቕበል ዝመረጻን ዝቐደሳን ቅዱስቲ መካን ቤተ መቅደስ/ቤተ ክርስቲያን ከምዘላውን ቅዱስ መጽሓፍ ዝነግረና እዩ። (ዘፀ ፳፭ ፤ ቀዳማይ ነገ ፱፥፫) ካብኡ ናብኡ ድማ ንኵሉ ዓለማዊን ሥጋዊን ፍቓዳት ንድኅሪት ገዲፎም፡ ብምሉእ ሓሳቦምን ሕይወቶምን መስቀሉ ኣልዒሎም ዝስዕቡ መናንያን ዝርከበሉን፡ ብተጋድሎኦም ንእግዚአብሔር ዘሥምሩሉን ምድራውያን መላእኽቲ ኮይኖም ዝነብሩሉን፡ እግዚአብሔር ባዕሉ ከሊሉ ዝህቦም ቅዱስ ስፍራ ድማ ገዳም እዩ። ስለዚ ገዳም ንሱባኤ ዝሰማማዕ ፍሉይ መካን ምዃኑ ጐይታ ኣብነት ኮይኑና እዩ። ገይሩ ክንገብር ድማ ይእዝዘና ኣሎ። ይኹን ደኣ እምበር ከምቲ ቅዱስ መጽሓፍ ዝብለና እዚ ዓቢይ መንፈሳዊ ጸጋ (ምንኵስና) ነቶም ዝተዋህቦም እንተዘይኮይኑ ኵሉ ዝቕበሎ ከምዘይኮነን፡ ምእንቲ መንግሥተ ሰማያት ክብሉ ንርእሶም ስሉባት ገይሮም ዝነብሩ ኅሩያት መናንያን ከምዘለዉ እዩ። (ማቴ ፲፱፥፫-፲፪) ንኣታቶም ድማ ኣብ ቤቱ ዘይጠፍእ ዘልኣለማዊ ስም ክህልዎም ቃል ኪዳን ኣትዩሎም እዩ። (ኢሳ ፶፮፥፪-፮) 

ስለዚ ጐይታ ናብ ገዳም ምኻዱ ነዚ ሕጊ ከጽንዕን ንገዳም ክባርኽን ምዃኑ ከነስትውዕልን፡ ኣብነቱ ክንስዕብ ድማ ቅዱስ ሥርዓት ምዃኑ ከፍልጠናን እዩ። (ቀዳማይ ጴጥ ፪፥፳፩)። ገዳም ክበሃል ከሎ’ውን ወትሩ ፈተና ዲያብሎስ ዘይፍለዮ ቦታ ምዃኑ ምፍላጥ የድሊ። ኣብ ገዳም ድማ ጾር ንወጣንያን (ጀመርቲ) ዝቐለለ ንፍጹማን ግና ዝጸንዐ (ዝበርተዐ) እዩ። ንኵሉ ኣብነት ንምዃን እዩ ድማ ጐይታ ኣብ ገዳም ዝኸደ። ሰባት ሥጋዊ ሕሳባቶምን ሃብቶምን ገዲፎም ብፍጽምና ንጐይታ ካብ ዝስዕቡሉ መገዲ እቲ ዝዓበየ መንገዲ ድማ ገዳምን ሕይወት ምንኵስናን እዩ። (ማቴ ፲፱፥፳፩) ምንኵስና ንዓለም ሞይትካ መስቀሉ ኣልዒልካ ንክርስቶስ እትነብረሉ ናይ ፍጽምና ሕይወት ስለዝኾነ። ስለዚ እዩ ድማ ጾምን ገዳምን ዘይፈላለዩን ዘይነጻጸሉን። ብሓድነት ዝምርሓ ገዳማት ሃገርና ድማ ናይዚ ቀንዲ ኣብነት ኮይነን ክጥቀሳ ይኽእላ። 

ጐይታ ናብ ገዳም ምኻዱ’ውን ብመንጽር ኣብነቱ ጥራይ ዘይኮነስ ንካሕሳ’ውን ምዃኑ ምስትውዓል የድልየና እዩ። እዚ ኸኣ ንኣዳም ኣቦና ብሥጋ ከይሲ ተሰዊሩ ዲያብሎስ ዝፈተኖን ዝሠዓሮን ካብ ዓለም ብኣፍኣ (ብግዳም) ኣብ ዝተደዀነት ኤደን ገነት እዩ ነይሩ። ብሰንኪ ውድቀቱ ድማ ካብታ ጽብቕትን ንሱ ምስ እግዚአብሔር ጥራይ ዝራኸበላን መካነ ገነት ተፈልየ። ንውደቀቱ ከልዕልን ንበደሉ ክድምስስን ጐይታ ፍቓዱ ምስ ኮነ ናብቲ ዝቐደመ ክብሩን ዝሰኣና መካነ ገነትን ኣብ ዝመለሰሉ ጕዕዞ ብኵሉ ኣገባብ ንኣዳም ክሒስዎ እዩ። 

በዚ መሠረት ድማ ንሥዕረት ኣዳም ክሥዕር፡ ኣዳም ካብዚ ዓለም ብአፍኣ ኣብ ትኸውን ገነት ከምዝተሣዕረ ጐይታ ድማ ብኣፍኣ ኣብ ትርከብ ገዳም ንፈተና ዲያብሎስ ሠዓረሉ። 

ስለዚ ብሓፈሻ ጐይታ ናብ ገዳመ ቆሮንቶስ ምኻዱ ስለ ኣብነትን ካሕሳን ምዃኑ ኣጽኒዕና ንሓዝ። 

ቁሩብ ሓበሬታ ብዛዕባ ገዳመ ቆሮንቶስ 

ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ኣብ ሃገረ እስራኤል ኣውራጃ ይሁዳ (ሎሚ ዌስት ባንክ) ካብ ማእከል ከተማ ኢያሪኮ ብወገን ሰሜናዊ ምዕራብ ኣስታት ፫ ኪ.ሜ. ርሒቑ ዝርከብን ጐይታ ፵ መዓልትን ፵ ለይትን ካብ ሰብ ተፈልዩ ክጾመሉ ዝመረጾ ስፍራ እዩ። ብራኸ ናይዚ ገዳም ካብ ጽፍሒ ባሕሪ ኣስታት ፫፻፷ ሜትሮ ይኸውን። መንገዱ ድማ ካብ ከተማ ኢያሪኰ ብምብጋስ ኣብ ዒላ ኤልሳዕ ምስ ተበጽሐ ነቲ ቀንዲ መንገዲ ብምግዳፍ ናብ የማን ምስ ተዓጸፍካ እዩ ዝርከብ። ብዙኃት’ውን ደብረ ኣመክሮ (እምባ ፈተና) (Mount of Temptation) ኢሎም ይጽውዕዎ። 

ስያመ እዚ ዓቢይ እምባ ግና ቆሮንቶስ (ኳራንቲያ - ኳራንቱል) ምባሉ ካብ ቋንቋ ላቲን ዝተረኽበን፡ ኳራንታ ማለት ፵ (ዕለታት ጾም ጐይታ) ስለዝኾነ እምበር ቅዱስ ጳውሎስ ቆሮንቶስ ኢሉ ዝጽውዖን ብስሞም ዝጽዋዕ መጽሓፍ ዝጽሓፈሉን ዘስተምሃረሉን ዓዲ ግና ኣብ ግሪኽ (ፅርዕ) ዝርከብ እዩ። እዚ ስያመ ሎሚ ዋላ ብደቂ ከባቢ ርዒሙ እኳ ዝርከብ እንተኾነ ኣብ ከባቢ ፲፪ ክፍለ ዘመን “ብመስቀላውያን ተዋጋእቲ” ብኸምዚ ስም ክጽውዕዎ ከምዝጀመሩ እዩ ዝንገር። 

እዚ ጐይታ ዝጾመሉ እምባ ደቂ እቲ ከባቢ ኢያሪኮ ከረን ሪሃ ኢሎም እዮም ዝጽውዕዎ። ኣብ ሰልፈ ሰልፊ ኣጻድፍ ናይዚ እምባ ኣብ ናይ ቅድም ዘመን ብዙኃት “ሓበሻ” መናንያን ጭባጦ ጥረን ሕፍኒ ማይን ሒዞም ኣርብዓ ጾም ሱባኤ ንምእታው ኣብቲ በዓትታት ይመጹን ሱባኤ ይኣትዉ ከምዝነበሩን ታሪኽ ዝገልጾ እዩ። ክሳብ ሕጂ’ውን እቲ በዓትታት “በዓትታት ሓበሻ” እናተባህለ ከምዝጽዋዕ ይንገር። ኣብዚ ኣጻድፍ ብገምጋም ፴-፵ ዝኾኑ ጥንታውያን በዓትታት ኣለዉ። እዚ ገዳም ኣብ ቀላጥን ጸዳፍን ከውሒ ዝተሠረተ ኮይኑ ካብ እግሪ ጎቦ ናብ ጫፍ ገዳም ንምብጻሕ ብመጠንን ናህርን ኣሳጕማና ዝውሰን ኣስታት 15-30 ደቂቕ ይወስድ። በቲ ዘመናዊ ብገመድ ዝተንጠልጠለ መጐዓዓዚ መንኰርኰር (ቴሌፍሪካ) ግና ናይ ፭ ደቂቕ መገዲ እዩ። ካብዚ ገዳም ኮይንካ ታሪኻውያንን መሰጥትን መካናት ከም እኒ ሽንጥሮ ዮርዳኖስ፡ ምውት ባሕሪ፡ ኣኽራናት ሞዓብን ጊላድን ኣጸቢቕካ ክረአ ዝኽእል እዩ። 

ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብዚ እምባ እዚ ደው ምስ በለ ከየዕረፈ ምስ ዘርገሐ ከይዓጸፈ ንዝጾመላ ከውሒ(በዓቲ) ኣብ ዓለም ዝርከቡ ፍቕሪ ክርስቶስ ዘለዎም በጻሕትን ነጋድያንን ይሳለምዋ። ንበረኸት እናበሉ ድማ በኣእዳዎም እናረምሰሱ ገለ ፍርፋር ጸበል ክርኽቡላ ስለዝፍትኑ እታ ከውሒ ጐድጒዳ ትርከብ ኣላ (ኣብ ታሕተዋይ ክፋል እታ ጥንታዊት ሥዕሊ ተመልከት)። 

ኣብዚ ቦታ ኣብ ቀዳማይ ርብዒ ራብዓይ ክፍለ ዘመን ቅድሚ ኵሉ ቤተ ጸሎት ዘሥርሐትን ከም ቅዱስ መካን ከምዝሕዛእ ዝገበረትን ቅድስት እሌኒ ንግሥት ምንባራ ይንገር። ወዳ መፍቀሬ ሃይማኖት ቆስጠንጢኖስ ድማ ከምቶም ካልኦት ቅዱሳት መካናት ቤተ ክርስቲያን ኣስሪሑላ ከምዝነበረ ይግለጽ። ሕጂ ዘሎ ቤተ ጸሎት ኣብ ኢድ ግሪኽ ኦርቶዶክስ ዝርከብእዩ። እዚ ቦታ ንደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን በጻሕቲ ፍቑድ እዩ። 

ቍጽሮም ውሑድ ዘይኮነ መናንያን ደቂ ሃገርና፡ ሃይማኖታዊ ጽንዓቶምን ዜና ቅድስንኦምን ኣብ ሃገሮም ጥራይ ዝተሓጽረ ዘይኮነስ ኣብ ጐረባብትናን ከባቢናን ካብኡ ሓሊፉ’ውን ኣብ ግብጽን ኢየሩሳሌምን ዝተመስከረሎም ምንባሮም ታሪኽ ቤተ ክርስቲያን ኣጸቢቖም ዝፈልጡ ኣቦታትና ዘዘንትውዎ እዩ። ኣቦታትና ብዝነበሮም ጽኑዕ ፍቕሪ ክርስቶስ ካብ ጥንቲ ጥቕምቲ ኣትሒዙ መቃብር ጐይታ ክሳለሙ ክንደይ በረኻታትን ተጻብኦታት ኣራዊትን ሰጊሮም ናብ ኢየሩሳሌም ይውሕዙ ከምዝነበሩ ዝተፈልጠ እዩ። ኣብዚ ዳኅረዋይ ዘመን ክርስትናውን ብዙኃት ኤርትራውያን መነኮሳት ኣብ ዝተፈላለየ ገዳማት እስራኤል ይቕመጡ ከምዝነበሩን ከምዘለዉን ከነስተውዕል ከሎና ክንደይ ዝኣክል ዘይተበተከ ሰንሰለታዊ ታሪኽ ከምዘሎ ክንርዳእ ንኽእል። 

መምህር ተወልደብርሃን ዓምደመስቀል ዝኣመሰሉ ዓበይቲ ሊቃውንቲ ቤተ ክርስቲያንና ኣርሒቖም ብምጥማት ጽባሕ ናጽነት ኣትሒዞም ነዚ ጥንታዊ ታሪኽ ኣቦታትና ብዝዅልዕን መልክዕ ብዘተሕዝን ኣገባብ መዕረፊ ነጋድያን ዝኸውን ስፍራ ኣብ እስራኤል ከቝሙን ቤተ ክርስቲያን ክተኽሉን ብዙኅ ከምዝጸዓሩ ናይ ትማሊ ተዘክሮ እዩ። ሎሚ ድማ እቲ በብወገንካ ዝግበር ነገር ንርእዮ ዘሎናን፡ ስርናዩን ክርዳዱን ንምፍላይ ድማ ጻዕርን ጽኑዕ ጕስነትን ዘድልዮ እዩ። 

እዚ ናይ ሕጂ ወለዶ ብፍላይ ኣብ እስራኤል ትቕመጡ ነዚ ናይ ነዊሕ ዘመናት ታሪኽ ኣቦታትና ክትዕቅቡን፡ ታሪኾም ክትስንዱን፡ ነዚ ህልዊ ወለዶን ንዝመጽእን ከተመሓላልፉ ድማ እግረ መገድና ሓደራ ንብል። ናትኩም ኣብኡ ምህላው ንኸምዚ መደብ እግዚአብሔር እንተኾነ መን ይፈልጥ? እቲ ብብዙኅ ሸነኻቱ ዝውጥጠኩም ኵነታት ናብራን፡ ዘጋጥመኩም ዘሎ ዕለታዊ ሽግርን ተዓጊሥኩምን ተጻዊርኩምን ሃይማኖትኩም ኣጽኒዕኩም ስለ ቤተ ክርስቲያንና ዕብየትን ብልጽግናን ትቃለስዎ ዘሎኹም ገድሊ ኣብ ካልእ ዓለም ዘሎና ኣኅዋትኩም ንከታተሎ ኣሎና። መንፈሳዊ ተጋድሎኹም ከም ዝኾነ ሓዋርያዊ ጕዕዞ ብዙኅ ከልበትበትን ተጻብኦን ዘለዎ እኳ እንተኾነ ጽባሕ ኣብ ፍረ ምስ በጸሐ ከም ቀትሪ ፀሓይ ብርሃንኩም ከምዝውላዕ ዘጠራጥር የብሉን። ኣብ ልዕሊ እቲ ዘጓንፈኩም ዘሎ ጸገማት ድማ እግዚአብሔር ኣምላኽ ኃይልን ጥበቡን ክህበኩም፡ ብቀጻሊ ንዝደባብነኩም ዘሎ መከራ ድማ ክቕንጥጠልኩም ጸሎትና እዩ። “በርትዑ ብሃይማኖት ጽንዑ” ድማ ንብል። 

እግረ መገድና ኣብ ገዳመ ቆሮንቶስ ካብ በጻሕና ኣብ እስራኤል ንዘለዉ ኣቦታትናን ኣኅዋትናን ኣኃትናን ንዘክር ኢልና እምበር ቆሮንቶስ ጐይታ ንጾም ዝመረጻ ገዳም ምዃና ምምልካት ቀንዲ መልእኽቲ ኣርእስትና እዩ። 

ገዳመ ቆሮንቶስ እምባ ዓወት እያ። ጐይታ ዝመረጻን ዝባረኻን፡ ዲያብሎስ ድማ ሥዕረት ዝተጐልበባላ ስፍራ እያ። ነዛ ገዳም ክንዝክር ከሎና ኣርማ ዓወት ኣብ ልዕሊ ሰይጣንን ፍሕስኡን ኣብ ቅድሜና ይሠዓል። ብክርስቶስ ደም ዝተመሥረተት ቤተ ክርስቲያን ድማ ደብሪ ዓወትና እያ። ምኽንያቱ እግዚአብሔር ክብሩ ዝግለጸላ፡ ትምህርቱን ምሥጢሩን ዝንገረላ፡ ወትሩ ድማ ሰይጣንን ፍሕስኡን ዝሠዓረላ ቅድስት ቤተ ስለዝኾነት። 

ሎሚ ዘመንና ዝምህረና ዘርእየናን ነገር ኣዝዩ ብዙኅ እዩ። ነዛ ቅድስት ቤተ እግዚአብሔር ትምህርታን መልእኽታን ከዘናብሉ፤ ክፍኣትን ተንኰልን ኣስሊኾም ከእትዉን፤ ኣቦታትና ዝጽየፍዎ ትምህርተ ኑፋቄ መርሚሮምን ኣስተውዒሎምን ኣብ ክንዲ መጽሓፍ ብመጽሓፍ ዝመልሱ ምስ ዝመጸ ክጐራበቱን ክፋተዉን ንሃይማኖት ኣብ ዕዳጋ ዘውርዱን፤ ነቲ ሓቂ ሓቂ ነቲ ሓሶት ከኣ ሓሶት ኣብ ክንዲ ዝብሉ ጸልማት ምስ ብርሃን ክሓዋውሱ ዝነብሩ እሞ ስልጣን ዝፈትዉ፤ ካብ እግዚአብሔር ንሰብን ገንዘብን ምእዛዝ ዝመርጹ፡ ኅዳጣን ግን ጸየቕቲ ሰብ ክህነትን ቆብዕን ኣስኬማን ንርእይ ኣሎና። እቶም ዝበዝኁ ቤተ ክርስቲያን ዝወለደቶምን ዘለዋን እሙናትን ምስጉናትን ካህናትን ኣገልግልትን ክነሶም ብሰንኪ እቶም ውሑዳን ዝገብርዎ ግና ሰናይ ግብሮምን ኣገልግሎቶምን እዚ ወለዶ ከየተስተብህለሉ መዕንቀፊን መደወኒ ኮይኖማ ዘለዉ እዮም። ቤተ ክርስቲያንን እቶም ሓቀኛ መራሕታን ግና ኣብነቶም ክርስቶስ ስለዝኾነ ገዳመ ቆሮንቶስ ክትምስክረሎም እያ። ሎሚ ንቤተ ክርስቲያንን ደቃን ክፍትንን ካብ ቅድስት ደምበኦም ከውጽኦም ዲያብሎስ ምስ መሳርሕቱ ኣዝዩ ናብ ቤተ ክርስቲያን ቀሪቡን ኣብ እምባታታ’ውን ሓዂሩ እኳ እንተሎ፤ ቤተ ክርስቲያን ንዘለኣለም ኣካል ክርስቶስ እያ እሞ ኣብ ጊዜኡ ክትሥዕሮም እያ። ግዚኡ ምስ ኣኸለ ድማ ገዳመ ቆሮንቶስ ዝረኣየቶ ክትምስክር ዋናኣ ድማ “ኪዱ ካባይ ርሓቑ” ክብሎም እዩ። ንሕና ደቃ ድማ ዝግብኣና እናዓየየና፡ እግዚአብሔር ንዘርእየና ነዋህልል ደኣ። 
                                                                                                                              ይቕጽል...

No comments:

Post a Comment