Thursday, March 31, 2011

ጾም

ሻዱሻይ ክፋል
ጾምን ቀኖናኡን 
ቀኖና ማለት መበቆሉ ካኖን ካብ ዝብል ናይ ጽርዕ (ግሪኽ) ቃል ኮይኑ መዐቀኒ፡ መለክዒ፡ መስፈሪ ከም ማለት እዩ። ብመንጽር ትምህርቲ ቤተ ክርስቲያን ቕልል ብዝበለ ኣገላልጻ ሥርዓት ቤተ ክርስቲያን ማለት እዩ። ቀኖና ጾም ክንብል ከሎና ብዝኂ ኣጽዋማት፥ ዕለታትን ሰዓታትን ጾም፥ ጾም ብኸመይ መዓስ ይጽወም ወዘተ ብቤተ ክርስቲያን ዝውሰን ሥርዓት ማለት እዩ። ቅድስት ቤተ ክርስቲያንና ኣዝያ ጥንታዊት ከም ምዃና ቃል እግዚአብሔርን ቅዱስ መጽሓፍን ዝሠረቱ ብትምህርትን ትውፊትን ሓዋርያትን ቅዱሳን ኣበውን ከምኡውን ጉባኤታቶም ዝተነድቀ ሕግን ሥርዓትን ጾም ኣለዋ። 

ብመሠረቱ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ዝጽወም ጾም ኣብ ክልተ ይኽፈል። ንሳቶም ድማ ናይ ኣዋጅን ናይ ፈቓድን ተባሂሎም ይፍለጡ። 
፩. ናይ ኣዋጅ ጾም 

ናይ ኣዋጅ ኣጽዋማት ዝበሃሉ ቤተ ክርስቲያን ብሕጊ ዕድሚኦም ዘፍቅደሎም ምእመናን ክጾምዎም ይግባእ ኢላ ዝደንገገቶም ኣጽዋማት ኮይኖም ብወግዒ ብኣዋጅ ብደረጃ ቤተ ክርስቲያን ዝጽወሙ እዮም። ብኸምዚ ኣገባብ ተኣዊጆም ዝጽወሙ ኣጽዋማት ድማ ሸውዓተ እዮም። እዞም ኣጽውማት ድማ ኣብ ውሽጢ እቶም ምእመናን ብእሊ ብጋህዲ ብኣዋጅ ብማሕበር ዝጸወሙ እዮም። እዞም ኣጽዋማት ነናቶም ታሪኽን ትንታነን ዘለዎም ምዃኑ ድማ ምፍላጥ የድሊ። እዞም ኣጽዋማት ብሃይማኖት ርቱዓን ዝኾኑ ሠለስቱ ምእት (፫፻፲፰ ሊቃውንቲ) ብዛዕባ ሕገ ጾም ሓዋርያት ንዝሰርዕዎ ሥርዓት ብዝያዳ ኣጽኒዖም ክሰርዑ ከለዉ፡ ሸውዓተ ኣጽዋማት ኢሎም ብምፍላይ፡ ክርስቲያን ዘበለ ክጾሞም ዝኣዘዝዎም ድማ እዮም። እዞም ሸውዓተ ናይ ኣዋጅ ኣጽዋማት ተባሂሎም ዝፍለጡ ድማ ጾመ ነነዌ፥ ዓቢይ ጾም፥ ጾመ ሐዋርያት (ጾመ ሰነ)፥ ጾመ ዓርቢ ረቡዕ፥ ጾመ ገሃድ፥ ጾመ ነቢያት (ልደት፤ ታኅሣስ) ጾመ ፍልሰታ እዮም። 

ናይ ኣዋጅ ኣጽዋማት ብሕጊ ዝተሓገጉን፡ ብሥርዓት ዝተሠርዑን፡ ብኣዋጅ ንኵሉ ዝተነግሩን፡ ኵሉ በብዓቕሙ ዝፈልጦም ስለዝኾነ ከንቱ ውዳሴን ስክፍታን የብሎምን። ብግልጺ ብእሊ ዝጸወሙን ከኣ እዮም። ባዕላኻ ትሓስቦን ትፈጥሮን ከንቱ ውዳሴን ግብዝነትን እንተዘይኮይኑ ብርእሶም ዘምጽእዎ ከንቱ ውዳሴ የብሎምን። ሓደ ነቲ ካልእ ብፍሉይ “ክስቶ ይጸውም ኣሎ” ኢሉ ዝንእደሉን ዝፍትነሉን ምኽንያት የልቦን፤ ከመይሲ ቤተ ክርስቲያን ብኣዋጅ ዝኣወጀቶ ኵሉ ክጸውም ዝኣዘዘቶ ስለዝኾነ። እኳ ደኣ እቲ ዘይጸውም ሕግን ኣዋጅን ቤተ ክርስቲያን ሰሚዑ ዘይምኽባሩ ከሕፍሮን ከሕንኾን ዝግባእ እዩ። ይኹን ደኣ እምበር ሎሚ ዘመን ተቐይሩ፡ ጽድቂ ዘውህብ ኣዋጅ ቤተ ክርስቲያን ከም ታራ ነገር ስለዝድፈር ዘሎ እቲ ዘየኽብሮ ዘይኮነስ ብኣንጻሩ እቲ ዘኽብሮ ክደንንን ክስክፍን ክረአ ከሎ እቲ ዘየኽብሮ ድማ ከም “ስልጡንን ዘመናዊን” ተገይሩ ክሕሰብ ከሎ ዘገርም እዩ። ብፍላይ ኣብቲ ምሁር ወለዶ ከምዚ ዓይነት ነገራት ገኒኑ ይረአ። “ዘመነ ግርምቢጥ ማይ ንዓቀብ” ዝብልዎ ከምዚ እዩ። በዚ ምኽንያት ድማ እቲ ብኣዋጅ ዝተነግረ እዩ እሞ ውዳሴ ከንቱ ከስዕብ ኣይክእልን ኢልና ዝጠቐስናዮ ነገር ብሰንኪ ከምዚ ዓይነት ኣተሓሳስባ ብኣንጻሩ ኮይኑ ከይርከብ ነፍስና ወትሩ ካብ ከንቱ ውዳሴ ዓቂብና ምንባር የድሊ። 

ብዘይካ እዞም ናይ ኣዋጅ ኣጽዋማት ድማ ኣብዘን ፯ተ ኣጽዋማት ዘይምደቡ ግና ብቤተ ክርስቲያን ዝፍለጡ ናይ ፍቓድ ጾም ተባሂሎም ዝፍለጡ ጾመ ጽጌን ጾመ ጳጕመን ከምዘለዉ ምዝክኻር የድሊ። ጾመ ጽጌ ዝበሃል ካብ ዕለት ፳፮ መስከረም ክሳብ ፭ ሕዳር (ቍስቋም) ዝጸወም ኮይኑ ሄሮዶስ ንጐይታ ክቐትሎ ምስ ደለየ ብእምባባ (ጽጌ) እትምሰል ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ፍቁር ወዳ ሒዛ ካብ እስራኤል ናብ ግብጽ ዝተሰደትሉ ዘመን ዘዘካኽር ጾም እዩ። ፮ ሕዳር ኣዴና ካብ ስደታ ተመሊሳ ደብረ ቍስቋም ዝኣተወትሉ ምኽንያት ብምግባር ድማ ቍስቋም መዓልቲ እዚ ጾም ይፍሰግ። ጾመ ጳጕመ ድማ ኣብ ናይ መወዳእታ ዓመት ኣብ መበል ፲፫ ወርሒ ጳጕመ ፭ መዓልቲ እትጽወም ኮይና ኣብ ዘመነ ዮሓንስ ድማ ሽዱሽተ ትኸውን። ምኽንያት ጾም ድማ እግዚአብሔር ንዝኣቱ ዘሎ ሓድሽ ዓመት ክባርኽን ክቕድስን ዝልመነሉ፤ ከምኡ’ውን ዳግማይ ምጽኣት ክርስቶስ እናዘከርካ ብንስሓ እትሕጸበሉ እዋን እዩ። ከምቲ ሓለቓ ሠራዊት ሶርያ ዝነበረ ንእማን ብቃል ኤልሳእ ነቢይ ተመሪሑ ኣብ ማየ ዮርዳኖስ ተሓጺቡ ካብ ለምጹ ዝነጸሐን ዝተሓደሰን፤ ኣቐዲሙ’ውን ጻድቕ ኢዮብ ነቲ ኵሉ ጸብዓ ኣጋንንቲ ብትእግስቲ ድኅሪ ምሕላፉ እግዚአብሔር ብዘመልከቶ ኣብ ማየ ዮርዳኖስ ተሓጺቡ ካብ ኣቝሳሉ ዝሓወየን ዝተሓደሰን ንሕና’ውን ኣብ ማየ ጸሎታት ወይውን ዝተቐደሱ ሩባታት ከይድና ተምሳሌቱ ክንፍጽምን ብንስሓ ክንሕደስን ንርከብ ኣሎና። ስለዚ እዚ ናይ ፈቓድ ጾም ናቱ መበገሲ ታሪኽ ዘለዎ ምዃኑ ምስትውዓል ይግባእና። 

ንእዉጅ ኣጽዋማት ምጻም ዓስቢ ከምዘውህብ ዘይምጻም ድማ ፍዳ ዘስዕብ ምዃኑ ዝስሕቶ ክህሉ ኣይክእልን እዩ። ክብሪ እዘን ኣጽዋማት ክሳብ ክንደይ ዓቢይ ምዃኑ ድማ ክገልጽ ከሎ ኣብ ቀዳማይ ቀሌምንጦስ ፴፰ ኣንቀጽ - ዓቢይ ጾም ከምኡውን ዓረብ ረቡዕ ዘይጸውም ሰብ “እመ ኮነ ካህነ ይትመተር” (ካህን እንተኾነ ይሰዓር) “ወለእመ ኮነ ሕዝባዌ ይትፈለጥ” (ጭዋ ምእመን እንተኾነ ካብ ክርስቲያን ይፈለ) ይብል። (ትእዛዝ ፵፯) 

፪. ናይ ፈቓድ ጾም 

ናይ ፈቓድ ጾም ዝበሃል ግና ብውልቃዊ ውሳነ ብኃጢኣት ንዝረሰሐ ኅሊናን ሰብነትን ንምጽራይ ወይውን ብዝያዳ ጸጋ ቅድስናን መንፈሳዊ ክብሪን ንምርካብ ወይውን ብፍሉይ ንኣምላኽ ንምልማንን ወዘተ ካብቲ ስሩዕ እዉጅ ወጻኢ ምስ መምህረ ንስሓኻ ጥራይ ተማኺርካ ብስውር እትጾሞ ጾም እዩ። ነቲ ብስዉር ዝገበርካዮ ድማ ብግሁዶ ኣምላኽ ዓስብካ ይህበካ። 

ከምዚ ዓይነት ጾም ስሩዕ ጊዜ ስለዘይብሉን ውልቃዊ ድማ ብምዃኑ ካልእ ሰብ ክፈልጦ ዘይግባእን እዩ። ብምዃኑ ድማ እቲ ጸዋማይ ሰብ ውዳሴ ከንቱን ስቅቕታን ከየምጽኣሉ ክጥንቀቕ ይግባእ። ስለዚ ነዚ ከምዚ ዓይነት ጾም ክትጸውም ከሎኻ ዝሰማማዕ ቦታን ጊዜን ክትፈሊ ዝሓሸ ኮይኑ ከምኡ ክግበር ኣብ ዘይከኣለሉ ድማ ንነፍስኻ ኣብ ፈተና ካብ ዝእተወካ ነገራት ማለት ቦታ፡ ኣጋጣሚታት፡ ወዘተ ክትዕቀብ ኣሎካ። 

ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ጾም’ውን ጸዋሚ ኮይንካ ከይትርአ ነፍስኻ ጸዋሚ ካብ ዘምስሉዋ ነገራት’ውን ከተርሕቓ ይግባእ። ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ብዛዕባ እዚ ክምህረና ከሎ ከምዚ ኢሎ ኣሎ። “ንስኻስ ክትጸውም ከሎኻ፡ ጽዋማይ ምዃንካ በቲ ኣብ ሕቡእ ዘሎ ኣቦኻ ደኣ እምበር፡ ብሰብ ምእንቲ ኸይትርኤ፡ ርእስኻ ተለኸ፡ ገጽካውን ተሐጸብ። እቲ ብሕቡእ ዚርኢ ኣቦኻ ድማ ብግህዶ ኪኽሕሰካ እዩ።” (ማቴ ፮፥፲፯-፲፰) 

ዕለታትን ሰዓታትን ጾም 

ናይ ኣዋጅ ጾም ብዝምልከት እዘን ሸውዓተ ኣጽዋማት ዓመት መጸ ኣብ መመዓልተን ጊዜአን ኃልየን እየን ዝጽወማ። ምእመና’ውን ንዕለታትን ሰዓታትን እዘን ኣጽዋማት ኣኽቢሮም ክጾም ከምዝግባእ ናይ ቤተ ክርስቲያን መጻሕፍቲ ይእዝዙ እዮም። “ወይደሉ ዓቂቦቶሙ ዘእንበለ ሕፀፅ” (ዕለት ሰዓት ሕፀፅ ከይተረኽቦም ኃሊኻ ክጾምዎም ይግባእ)። ንኵሉ ብሓደ ዘሥምርን ሕግን ሥርዓትን ቤተ ክርስቲያን ንዛረብ ኣሎና እምበር ዝከኣሎስ ብመንጽር መንፈሳዊ ትርጉምን ረብሓታቱን ካብዚ ኣብሊጹ እንተጾመ ዝያዳ ካብ እግዚአብሔር ዓስብን ጸጋን ዘውህቦ ምዃኑ እዩ ዝፍለጥ። “ወዘሰ አፈድፈደ ጾመ እምዝንቱ ዘተሠርዓ ይፈደፍድ ዕሤቱ (ካብዞም ዝተኣዘዙ ፯ ኣጽዋማት ኣዛይዱ ካብ ዓመት ክሳብ ዓመት ካብ ተስዓቱ ሰዓት ኣብሊጹ ክሳብ ፲፩ ፲፪ ሰዓት ዝጸውም ሰብ ዓስቡ ይበዝኅ” ይብል ፍትሕ መንፈሳዊ። 

ብዛዕባ ዕለት ይኹን ሰዓት ወይውን ዝኾነ ብዛዕባ ዘይተነጸረ ሥርዓተ ጾም ዝምልከት ነገረ ጋዕዝ ወይውን ክርክር እንተተላዕለ ሰባት ናብ ጾም ዘዝዮም ክኸዱ ወይውን ክፈርዱ ወይውን ናብ ጾም ከድልዉ ከምዘለዎም እዩ ሕግ ቤተ ክርስቲያን ዝእዝዝ። “ወለእመሰ መጽአ በእንቲአሁ ተጋዕዘ ጸዊሞቱ ድልው - ወይኄይስ ፈድፋደ እመብልዕ” (እቲ ሓደ ንብላዕ ኢሉ ጸብዒ ክርክር እንተተላዕለ ምጻም ይግባእ - ንነፍሲ ካብ ምብላዕ ጾም ይሕሻ) ይብል። ኣመኻኒኻ ንጾም ምሥዓር ዘይቕብሉ እዩ። ከምቲ ሰባት ዓሣ ኣብ ጊዜ ጾም ክበልዑ ክደልዩ ከለዉ ዘቕርብዎ ምኽኒት ዝኣመሰለ እዩ። እዚ ግና ንመሠረታዊ ትርጉም ጾም ዘድውን ዘይሕጋዊን ዘይመጽሓፋዊን እዩ። ብዓንደ ነገሩ ጕዳይ ዓሣ ጥራይ ዘይኮነስ ካልእ ምስ ጾም ዝተተሓሓዙ ዝገጥሙና ብዙኃት ዘካትኡ ነገራት ምስ ዝገጥሙና ክሳብ ሊቃውንትና ሓቲትና መጻሕፍትና ተመልኪትና ንጹር ምላሽ ንረክብ፤ ነፍስና ናብቲ ናይ ጾም ሚዛን ክንሰቕላ ይግባእ። 

ዕለታት ጾም 

ንዕለታት ኣጽዋማትን በዓላትን ዓመት መጸ ብንጹር ፈልዩ ዘቕምጥን መልክዕ ዘትሕዞን ድማ ጥንታዊ ቀመር (ሓሳበ ዘመን) ኣጽዋማትን በዓላትን ዝኾነ ባሕረ ሓሳብ እዩ። 

በዚ መሠረት ድማ ካብዘን ሸውዓተ ኣጽዋማት ብዘይ ተውሳክ ዝርከቡ ኣጽዋማት ጾመ ገሃድ፥ ጾመ ነቢያት፥ ጾመ ፍልሰታ ክኾኑ ከለዉ እቶም ዝተረፉ ብተውሳክ ዝርከቡ ድማ ጾመ ነነዌ፥ ዓቢይ ጾም፥ ጾመ ሐዋርያት፥ ጾመ ድኅነት እዮም። በዚ መሠረት እቶም ብዘይ ተውሳክ ዝርከቡ ወትሩ ዓመት መጸ መዓልቶም ዘይቀያየር እዩ። ብኣንጻሩ ድማ እቶም ዝተረፉ። ንምሳሌ ዓቢይ ጾም ካብ ፶፭ መዓልትታት ዘይውስኽን ዘይነክይን ክኸውን ከሎ ጾመ ሓዋርያት ግና ብመሠረት ምቕልጣፍን ምድንጓይን ጾመ ነነዌን በዓለ ትንሣኤን ክሳብ ፲፭ መዓልትታት ክወርድን ወይ ድማ ክሳብ ፵፱ መዓልትታት ክድይብን ይኽእል። 

ይኹን እምበር ጾመ ነነዌ፥ ዓቢይ ጾም፥ ጾመ ሓዋርያት፥ ኵልሳዕ ብዕለተ ሰኑይ ይጅምር። ደብረዘይት፥ ሆሳዕና፥ በዓለ ትንሣኤ፥ በዓለ ሓምሳ ድማ ኵልሳዕ ሰንበት ይውዕል። ርክበ ካህናትን ጾመ ድኅነትን ድማ ኵልሳዕ ረቡዕ ይውዕል። ስቅለት ኵልሳዕ ኣብ ዕለተ ዓርቢ፡ ዕርገት ድማ ኵልሳዕ ኣብ ዕለተ ሓሙስ ይውዕል። 

ንኣጽዋማትን በዓላትን (ሓዲሳት) መሠረቶም ነነዌ እዩ። ንነነዌ ተውሳክ የብሉን። ናይ ነነዌ ተውሳክ መባጃ ሓመር እዩ። መጥቅዑን በዓለ መጥቅዑን ናይ ዝወዓለሉ ዕለት ተውሳክ ተደሚሮም ካብ ፴ እንተዘይበሊጾም መባጃ ሓመር ይበሃል። እንተበሊጹ ግና ካብቲ ድምር ፴ ተነክዩ እቲ ትርፊ መባጃ ሓመር ይበሃል። መባጃ ሓመር ድማ ንጾመ ነነዌ ብኡኡ ኣቢሉ ድማ በዓላትን ኣጽዋማትን ንምውጻእ ዘገልግል ቍጽሪ እዩ። 

በዚ መሠረት ድማ ካብ ጽባሕ መእተዊ ጾመ ነነዌ ክሳብ መእተዊ ዓቢይ ጾም ዘለዉ መዓልትታት ፲፬ እዮም። ስለዚ ድማ ናይ ዓቢይ ጾም ተውሳክ ፲፬ እዩ። ካብ ጽባሕ መእተዊ ነነዌ ክሳብ በዓለ ደብረዘይት ፵፩ መዓልትታት እዮም። ፵፩ መዓልትታት ን፴ ክንመቕሎም ከሎና ሓደ ምሉእን ፲፩ ድማ ይተርፍ። እዚ ተረፍ ድማ ናይ ደብረዘይት ተውሳክ ይበሃል። ከምኡ እናበልና ድማ ናይ ሆሳዕና (፪)፥ ስቅለት (፯)፥ትንሣኤ (፱)፥ ርክበ ካህናት (፫)፥ ዕርገት (፲፰)፥ በዓለ ሓምሳ (፳፰)፥ ጾመ ሓዋርያት (፳፱)፥ ጾመ ድኅነት (፩) ከነውጽእ ዝከኣል እዩ። ኣብዚ ንኡስ ኣርእስቲ ኣመንጊና ነዚ ኣርእስቲ ዓዋድያት በዓላትን ኣጽዋማትን ጀሚርናን ተንኪፍናን ደኣ እምበር፡ እዚ ዓውዲ ትምህርቲ ዘመናት (ባሕረ ሓሳብ) ኣብ ቤተ ክርስቲያንና ርእሱ ዝኸኣለ ሰፊሕ ቀመራዊ ትምህርቲ ዘለዎ ሞያ ስለዝኾነ ካልእ ጊዜ ከም ፈቓደ እግዚአብሔር ክንመለሶ ኢና። 

ብሓፈሻ ጾመ ዓርበ ረቡዕ ዓመት ምሉእ ዓርብን ረቡዕን ዝጽወም ኮይኑ ልደትን ጥምቀትን ኣብ ዓርብን ረቡዕን ክውዕል ከሎን ካብ ጽባሕ ትንሣኤ ክሳብ በዓለ ሓምሳ ግና ዘይጽወም እዩ። ጾመ ገሃድ ድማ ድሮ (ዋዜማ) በዓላተ ልደትን ጥምቀትን ዝጽወም እዩ። ጾመ ነቢያት ድማ ካብ ፲፭ ኅዳር ክሳብ ፳፱ ታኅሣስ ዝጽወም ኮይኑ ኣብ ዘመነ ዮሓንስ ግና ፳፰ ታኅሣስ ይፍሰግ። 

ምስኡ ድማ ኣልጊብና ክንፈልጦ ዝግብኣና ስለ ኽብሪ ሰንበት ብዕለተ ሰንበት ብዘይካ ድሮ ትንሣኤ ዘላ ቀዳም ሥዑር ካብ ጥሉላት እንተዘይኮይኑ ምሉእ መዓልቲ ምጻም ከምዘይፍቐድ እዩ። “ወኢይጹሙ በዕለተ እሑድ ወበሰንበት ዘእንበለ ጥሉላት (ካብ ጥሉላት እንተዘይኮይኑ ቀዳመ ሰንበት ኣይጽወምን እዩ)” ። ኣብ ዕለተ ሰንበት ዝጸውም ወይውን ነዚ ክቡር ዕለት ብምጻም ዝሥዕር ሰብ’ውን ብኸምኡ ዝሕለፍ ዘይኮነስ ብሕጊ ዘቕጽዕ እዩ። “ወለእመቦ ዘተረክበ እምካህናት እንዘ ይጸውም በዕለተ እሑድ አው በዕለተ ሰንበት” (ካብ ወገን ካህናት ሰንበተ ቀዳም ክጸውም ዝተረኽበ ይሰዓር - ብዘይካ ቀዳም ሥዑር) 

“ወያዕርፉ እምጾም በዕለተ ሳብዒት ጊዜ ንቅወተ ደርሆ - ወኢይደሉ ከመ ይጹሙ በዕለተ ሰንበት ወትረ - እስመ እግዚአብሔር አእረፈ እምኵሉ ግብሩ። አላ ይደሉ ከመ ይጹሙ በዝንቱ ሰንበት ባሕቲቱ (ቀዳም ሥዑር ጥራይ ምጻም ይግባእ) እስመ ፈጣሬ ፍጥረታት ኮነ ቦቱ ስኩበ ውስተ መቃብር (፳፪ ፍጥረታት ዝፈጠረ ጐይታ ስኩብ ኣብ መቃብር ኮይኑ ስለዝሓደረላ)። 

ሰዓታት ጾም 

ሰዓታት ብዝምልከት ድማ እዘን ሸውዓተ ኣጽዋማት ብዝበዘኀ ተመሳሳሊ ኣብ ዓቢይ ጾም ግና ቅሩብ ፍለይ ዝበለ ንዋሓት ሰዓታት ጾም ኣለዎ። 

ከምቲ ሕግን ሥርዓትን ቤተ ክርስቲያን ዝገልጾ ኵሉን ኣጽዋማት ክሳብ ተሰዓቱ (፱) ሰዓት (ሰዓት 3 ዓለማዊ ኣቖጻጽራ) ክጽወም ይእዝዝ። እዚ ማለት ድማ ክሳብ ሰርክ ቅዳሴ ማለት እዩ። እዚ ሰዓት ድማ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ምእንታና ክብል ኣብ መልዕልተ መስቀል ተሰቒሉ ብሥልጣኑ ቅድስት ሥግኡ ካብ ክብርቲ ነፍሱ ብምፍላይ ዝሞተሉ ክቡር ሰዓት እዩ። በዚ መሠረት ድማ ክሳብ ፱ ሰዓት ክጽወም ዝተኣዘዘ። “ሰብዓቱ አጽዋማት እለ ሥሩዕ ጾሞሙ እስከ ፱ ሰዓት” ይብል። ምስኡ ድማ ኣብ ትርጓሜኡ ከምዚ ይብል “ወበእሉ አጽዋም እለ ተሠርዑ ይጹሙ እስከ ፱ ሰዓት” (በዞም እዉጃት ኣጽዋማት ካብ መዓልቱ ፱ ሰዓት ካብ ለይቲ ድማ ፱ ሰዓት ይጹሙ)። በዚ መሠረት ድማ ሓደ ሰብ ካብ ሓደ ዕለት (፳፬ ሰዓታት) ብጠቕላላ ፲፰ ሰዓት ካብ መባልን ዝስተይን ይኽልከል ኣሎ ማለት እዩ። 

ንዓቢይ ጾም ብዝምልከት ግና እታ ቀዳመይቲ ሰሙን ማለት ጾመ ሕርቃል ክሳብ ፲፪ ሰዓት እቲ ዝስዕብ ዓቢይ ጾም ማለት ካብ ሰኑይ ቅድስት ክሳብ ዓርቢ ኒቆዲሞስ ኣብ ዘሎ እዋን ጾም ድማ ክሳብ ፲፩ ሰዓት ክጽወም ተሠሪዑ ይርከብ። “ወበጾመ ፵ ቅድስት በሱባኤ ቀዳማዊ ይጹሙ እስከ ዕርበተ ፀሐይ ወሶበ ኃለፈ ይጹሙ እስከ ፲ወ፩ ሰዓት” ይብል ፍትሓ መንፈሳዊ ኣንቀጽ ፲፭። ኣብ ጊዜ ሰሙነ ሕማማት ግና እቲ ጾምን ጸሎትን ስግደትን እናወሰኸ ስለዝኸይድ ክሳብ ሰዓት ፩ (ሓደ) ናይ ለይቲ (ማለት ሰዓት ሸውዓተ ምሸት ኣብ ዓለማዊ ኣቖጻጽራ) ክጽወም ይእዝዝ። “ወበመዋዕለ ሕማማትሰ እስከ በአተ ኮከብ” (ኣብ ሰሙነ ሕማማት ግና ካብ ለይቲ ሓደ ሰዓት ወሲኾም ክሳብ ፀአተ ኮኸብ ይጹሙ)።

                                                                                                                   ይቕጽል...

No comments:

Post a Comment