Friday, March 11, 2011

ጾም

ሣልሳይ ክፋል
ጾም ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ 

ካብ ኣዳም ኣቦና ጀሚርና ዘመናት ጸብጺብና ኣብ ዘመነ ብሉይ ይኹን ኣብ ዘመነ ሓዲስ ምስ ጾም ብዝተሓሓዘ ዝተፈጸሙ ታሪኻት ገድላት ድንቂ ተኣምራት ወዘተ እልፍ ኣእላፍ እዮም። ኣብ ውሽጢ እዚ ነዊሕ ዘመን ድማ ብጾም ዝተጠቕሙ ማለት ንኣምላኽ ዘሥመሩ፤ ካብ ኣምላኾም ጸጋን ኃይልን ዝረኸቡ፤ ወዘተ ኣቦታት ኣዴታት ኣብ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ታሪኾም ብዝግባእ ተመዝጊቡ ይርከብ። ስለዚው’ን ጾም ከም መንፈሳዊ ግብሪ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ዓቢ ግደን ረብሓን ዘለዎ ምዃኑ ክንርዳእ ንኽእል። 

ጾም ምስ መሠረታዊ ትምህርተ ሃይማኖትን ጕዕዞን ታሪኽን ወዲ ሰብ ዝምድና ዘለዎ እዩ። ካብ ኣዳም ኣትሒዙ ድማ በብዘመኑ ደቂ ሰባት ስለዝተፈላለየ ምኽንያት ግና ንሓደ ዕላማ ማለት ንኣምላኾም ከሥምሩ ይጾሙን ይጽልዩን ነበሩ። በዚ መሠረት ኣብ ብሉይ ኪዳን ይኹን ኣብ ሓዲስ ኪዳን ብዙኅ ኣብነታት ንረክብ ኢና። 

ኣብ ብሉይ ኪዳን ነቢያትን እስራኤላውያንን ብዙኅ ጊዜ ክጾሙን ንኣምልኾም ድማ ክልምኑን ይነብሩ ነይሮም። ብዝበዘኀ ድማ እቲ ኣብ ብሉይ ዝጽወም ዝነበረ ጾም ካብ እግዚአብሔር ምሕረትን ኃይልን ንምርካብ ይኹን ደኣ እምበር ኣብ ሥጋዊ ጕዳይን ሕይወትን ጥራይ ዝተወሰነ ነበረ። ነቢያት’ውን ብተወሳኺ ምስ እግዚአብሔር ስለ ዝነበሮም ርክብን ተልእኾን ከምኡውን ስለ እቲ ተስፋ ዝገበሩሉ ድኅነት ደቂ ሰባት ወትሩ ብሱባኤ ኣብ ቅድሚ እግዚአብሔር ይቖሙ ነበሩ። ኣብቲ ወርሓት ጾም እቲ ድማ እኽለ ማይ ኣብ ኣፎም ኣይኣትውን ነበረ። (ዘፀ ፴፬፥፳፰) 

ኣብ ዘመነ ሓዲስ ድማ ብመሠረት እቲ ብክርስቶስ ኣምላኽና ዝተረኽበ ጸጋ፡ ንክርስቶስ ኣብነት ገይሮም ቃሉ ኣኽቢሮም ሓዋርያት ከምኡውን ሊቃውንቲ ብሰፊሑ ጾይሞምን ሰቢኾምን ኣለዉ። (ፍት መንፈ ኣንቀጽ ፲፭ ዲዲስቅልያ ኣንቀጽ ፳፱) ጾም ናይ ኦሪታውያን (ናይ ብሉይ) ሕጊ ጥራይ ዘይኮነስ ኣምላኽና ባሪኹን ቀዲሱን ብግብሪ ድማ ኣብነት ኮይኑ ክንፍጽሞ ዝኣዘዘና ሕጊ ክርስትና እዩ። ግበሩ ክብለና ባዕሉ ኣብነት ኮይኑ ገይሩ ከምዘርኣየና ከነስተውዕል ይግብኣና እምበር ሎቱ ስብሐት ንሱስ ምጻም ዘድልዮ ኮይኑ ኣይኮነን። (ቀዳ ጴጥ ፪፥፳፩ ፤ ዮሐ ፲፫፥ ፲፬) ብዘይካ ብቃሉ ዝኣዘዘና፡ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ነቲ ክነገብሮ ዝግብኣና ባዕሉ ኣብነት ኮይኑ ብኸመይ ክንፍጽሞ ከምዝግባእን እንታይ ጸጋ ድማ ከምንረኽበሉን ብግብሪ ከምዘርኣየና፤ ነቲ ክንገብሮ ዘይግብኣና ድማ ብቃሉ “ኣይ…” እናበለ ኣዚዙና እዩ። በዚ መሠረት ድማ ኣብ ዘመነ ሓዲስ’ውን ካብ ሓዋርያት ጀሚሮም ክሳብ ምጽዓተ ዓለም ኵሎም ምእመናን ጾም ርትዕቲ ሕገ ጽድቅ ምዃና ፈሊጦምን ተረዲኦምን ይጾምዋ ኣለዉ። 

ኣብነት ብዛዕባ ጾም ኣብ ብሉይ ኪዳን፦ 
  • ሙሴ ኣብ ደብረ ሲና ፵ መዓልትን ለይትን ጾይሙን ጸልዩን ብኢድ እግዚአብሔር ንዝተጻሕፉን መምርሒ ሕይወትና ንዝኾኑን ፲ቱ ቃላት እግዚአብሔር ዘለዎም ጽላታት ተቐቢሉ እዩ። ሕገ ኦሪት ድማ ሠሪዑልና፤ በዚ ድማ ደቂ ሰባት ካብ ሕገ ልቦና ናብ ሕገ ኦሪት ዝተሳገሩሉ እዩ። (ዘፀ ፴፬፥፳፰) ነቲ ጽላት ተቐቢሉ ናብ እስራኤላውያን ኣብ ዝተመልሰሉ ድማ ገጹን ሰብነቱን ኣዝዩ ብዘንጸባርቕ ብርሃን ከምዝተጐለበበን እቲ ሕዝቢ’ውን ትኽ ኢሉ ንገጽ ሙሴ ክርእዮ ስለዘይከኣለ ገጹ ክሽፍነሎም ለሚኖሞ እዮም። (ዘፀ ፴፬፥፳፱-፴፭) እዚ ጥራይ ዘይኮነስ ንሕዝቡ ብኃይሊ እግዚአብሔር ካብ መግዛእቲ ፈርዖን ናጻ ኣውጺኡ፤ መዓርን ጸባን ናብ ተውሕዝ ምድሪ ከንዓን ክመርሖም ከሎ ዝገበሮ ተኣምራትን ኣብ ኦሪት ዘፀአት ንመልከት። ከምኡውን ሊቀ ነቢያት ሙሴ ንሕዝቡ ምስ እግዚአብሔር ከተዓርቕ ዝጾመሉ ጊዜ’ውን ኣሎ። (ዘዳግ ፱፥፱-፲፰፤ ፲፥፲) 
  • ኢያሱ ብዘደንቕ ተኣምራት ንኢያርኮ ኣብ ትሕቲኡ ድኅሪ ምእታዉ ንከተማ ጋይ ክቖጻጸር ኣብ ዝተበገሰሉ ኣብ እስራኤል ቅድሚ ሕጂ ተራእዩ ዘይፈልጥ ፍርሒ ተራእዩ፤ ካብ ቅድሚ ጸላእቶም ድማ ክሃድሙ ጀመሩ። ኢያሱ’ውን ነዚ ምስረኣየ ኣብ ቅድሚ ታቦተ እግዚአብሔር ወዲቑ ጾይሙን ጸልዩን። እግዚአብሔር ድማ ጠንቂ ስዕረቶም ገለጸሉ። በዚ ምኽንያት ነቶም ዝበደሉ ቀጺዑ ንሕዝቢ ምስ እግዚአብሔር ኣተዓሪቑን ጸጋ ኃይሎም ከምዝምለሰሎም ገበረ። (ኢያ ፯፥፮-፱) 
  • ነቢይ ኤልያስ ብእምነትን ብጸሎትን ሰማያት ዓጸወ፡ ድንቂ ተኣምራቱ ኣብ ቅድሚ ኵሉ ሕዝቢ ገበረ። እዚ ኵሉ ፈጺሙ ድማ ነቶም ምኽንያተ ጌጋ ናይቲ ሕዝቢ ዝነበሩ ካህናተ ጣዖት ድኅሪ ምቕታሉን አምልኮተ እግዚአብሔር ከምዝጸንዕ ምግባሩን ንግሥቲ ኤልዛቤል ስለዝሓረቐት ክትቐትሎ ደለየት። ካብኣ ርሒቑ ኣብ ዝኸደሉ መልአከ እግዚአብሔር ካብ ድቃሱ ኣበራቢሩ መግቢ ከምዝበልዕን መስተ ከምዝሰትይን ገብሮ። ድኅሪኡ እግዚአብሔር ዝመደበሉ ከረን ክሳብ ዝበጽሕ ፵ መዓልትን ለይትን ዋላ ሓደ ከይጠዓመ ጾይሙ እዩ ተጓዒዙ። ብድኅሪኡውን ብሠረገላ ሓዊ ብብርቱዕ ነፋሳት ናብ ሰማያት ዓሪጉ እዩ። (ቀዳማይ ነገ. ፲፱፥፰፤ ካልኣይ ነገ. ፪፥፲፩) 
  • ሰበይቲ ንጉሥ አርጤክስስ ዝነበረት ኣይሁዳዊት ኣስቴር ሠለስተ መዓልትን ለይትን ጾይማን ጸልያን፡ ከምኡውን ንወገናታ ከምኡ ክገብሩ ተላብያ ንእስራኤላውያን ኣብ ልዕሊኦም ተፋሒሱ ካብ ዝነበረ ናይ ሞት ውዲት ከተፍሽልን ነቲ ሕዝቢ ክትብጆውን ክኢላ እያ። እቲ ንኣይሁድ ናይ ሞት ጕድጓድ ኲዕቱሎም ዝነበረ ሓማ ድማ ኣብታ ዝዅዓታ ንሱ ከምዝኣተወ ቅዱስ መጽሓፍ ኣስፊሑ ይነግረና። በዚ ድማ ጾምን ጸሎትን ካብ ክንደይ መከራን ሞትን ከምዘድኅን ክንርዳእ ንኽእል ኢና።(መጽ ኣስቴር) 
  • ሰብአ ነነዌ ካብቲ ኣብ ልዕሊኦም ክወርድ ዝተኣዘዘ መዓትን ቍጥዐ እግዚአብሔርን ክድኅኑ ዝኸኣሉ ትምህርቲ ዮናስ ሰሚዖም ዓብዮም ንእሽቶኦም ሰቦም ማሎም ናይ ሠለስተ መዓልቲ ጾም ዓዊጆም ስለተነስሑን ስለዝተመልሱን እዩ። (መጽ ዮናስ) 
  • ከም ልበይ ረኸብኩ ዝተባህለሉ መዘምር ዳዊት’ውን ስለ ብዙኅ ምኽንያት ኣብ ሕይወቱ ከምዝጸሞን ከምዝጸለየን ዝተፈልጠ እዩ። (መዝ. ፴፬፥፲፫ ፤ ፻፰፥፳፬) 
  • ዕዝራ ፵ መዓልቲ ጾይሙን ጸልዩን ጥበበ ሕይወት ዝሓዘሉ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ጽሒፉ ኣሎ። (መጽ ዕዝራ) እዚ ጥራይውን ዘይኮነ ኣብ ሚጠት እስራኤል (ኣብ ምምላስ ካብ ስደት ናብ እስራኤል) እግዚአብሔር መገዶም ከቕንዓሎምን ካብ ጸላእቶም ክሕልውዎም ዕዝራ ኣብ ቅድሚ ሕዝቢ ጾም ዓዊጁ ነይሩ፤ እግዚአብሔር ድማ ሰምዖም። “ኣነ ድማ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ርእስና ኸነዋርድ፡ ንኣናን ንሕጻናትናን ንዅሉ ጥሪትናን ቅንዕቲ መገዲ ኻብኡ ኽንልምን ኢለ፡ ኣብ ርባ ኣሃዋ ጾም ኣወጅኩ። … ብዛዕባ እዚ ኸኣ ጾምናን ኣብ ኣምላኽና ጸልናን፡ ንሱ ድማ ሰምዓና።” (ዕዝ ፰፥፳፩-፳፫) 
  • ነህምያ ኣብ ስደት ኣብ ቤት ንጉሥ ኣሰላፊ ሜስ ንጉሥ ኮይኑ ይዓዪ ኣብ ዝነበረሉ ደሃይ ሃገሩ ኢየሩሳሌም ኣብ ዝሓተተሉ መካበብያታት ኢየሩሳሌም ከምዝፈረሱ፡ ደጌታታ’ውን ከምዝነደዱ እቲ ሕዝቢ’ውን ብውርደት ብጸርፊ ካልኦት ይነብር ከምዘሎ ምስሰምዐ ኣዝዩ ሓዚኑን ናብ እግዚአብሔር ድማ ጾይሙን ጸልዩን። እግዚአብሔር ድማ ሰምዖ። “ኰነ ድማ፡ እዚ ዘረባ እዚ ምስ ሰማዕኩ፡ ሓያሎ መዓልቲ ሐዚነ እናበኼኹ ተቐመጥኩ። ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ሰማይ ድማ እጸውምን እጽልን ነበርኩ።” (ነህ ፩፥፬) 
  • ነቢይ ዳንኤል ካብ ኢየሩሳሌም ወጺኡ ኣብ ሃገረ ስደት ኣብ ባቢሎን እንከሎ ከምቲ ቀደሙ ብሃይማኖት ኣብ ኣምላኹ ጸኒዑ ተጊሁ ይጸውምን ይጽልን ስለዝነበረ ካብ ኣፍ ኣናብስቲ ደኃነ፤ ምሥጢራት ናይ ምፍላጥን ሕቡእ ሕልምታት ናይ ምትርጓምን ጥበብ ተዋህቦ፤ ኢየሩሳሌም ናጻ ትወጸሉን፡ ወገናቱ እስራኤል ካብ ስደት ዝምለሱሉን ዘመን ተገልጸሉ፤ ካብኡ ብዝዓሙቕ ረቂቕ ትንቢት’ውን ናይ ኣምላኽ ሰብ ምዃን ዕፁብ ምሥጢር ተገልጸሉ። ቅዱሳን መላእኽቲውን ኣብ ፍጻመ ናይቲ ሱባኤኡ መጺኦም ኣረጋግእዎን ኣጸናንዕዎን። (ዳን ፱፥፪-፳፪፤ ፲፥፪-፲፬) 
  • ነቢይ ኢዮኤል’ውን እግዚአብሔር ይቕረ ክብሎም፤ መላገጺ ኣሕዛብ ከይኮኑ ምሕረት ክገብረሎም፤ መሬቶም ድማ ክባርኽን ክርኅርኃሎምን “ኣብ ጽዮን መለኸት ንፍሑ፡ ጾም ቀድሱ፡ ኣኼባ ጽውዑ።” ብምባል ከምዝኣወጀ ቅዱስ መጽሓፍ ይነግረና። ነቲ ጾም ድማ እግዚአብሔር ተቐቢልዎ እዩ። (ኢዮ ፪፥፬) 

ኣብነት ብዛዕባ ጾም ኣብ ሓዲስ ኪዳን ኪዳን፦ 

ከምቲ ኣብ ላዕሊውን ጠቒስናዮ ዘሎና ነቲ ኣብ ብሉይ ዝነበረ ጾም ዝሓገገን ኣብ ዘመነ ሓዲስ ድማ ፍጹም ሰብ ኮይኑ ኣብ መንጎና ተረኺቡን ዝሓደሰን ዘጽንዐን ኣብነት ክኾነና ድማ ገይሩ ዘርኣየናን እግዚአብሔር ኣምላኽና እዩ። ኣብ ገዳመ ቆሮንቶስ ፵ መዓልትን ፵ ለይትን ጾይሙ ንዲያብሎስ ሰዓሮ። ባዕሉ ኣብነት ካብ ዝገደፈለና ካብ ዋንኡ ንላዕሊ ትምህርቲ ጾም የልቦን። ጐይታ ንሱ ጸልዩ፡ ንዓና ጸልዩ በለና፤ ጾይሙ ድማ ጹሙ ኢሉ ኣብነት ኮይኑና ኣሎ እሞ ትእዛዙ ምኽባር ይግባኣና። 

ኣብ ዘመነ ብሉይን ሓዲስን ዝጽወም ጾም ዝምድና እኳ እንተለዎ ፍልልይ ከምዘለዎ ድማ ምስትብሃል የድሊ እዩ። ምኽንያቱ ዘመነ ብሉይ ሰባት ኣብ ዘመነ ፍዳን ኵነኔን ዝነበሩሉ ዘመን ስለዝኾነ ዝጽወም ዝነበረ ኣጽዋማት ስለ ሥጋዊ መከራን ሽግርን ዝምልከት እዩ ነይሩ። ኣብ ዘመነ ሓዲስ ግና ሰባት ብክርስቶስ ብዝረኸብዎ ጸጋ ንሥጋዊ ሽግር ተባሂሉ ጥራይ ዘይኮነስ ብቀንዱ ንጽድቅን መንፈሳዊ ኣገልግሎትን ከምኡውን ሰማያዊ ዓስብን ተባሂሉ ምዃኑ ክንርድኦ ይግባኣና። 
  • ጐይታ ብግብሪ ጥራይውን ዘይኮነስ ኣብ መዋዕለ ስብከቱ ብዛዕባ ጾም ብቃሉን ትምህርቱን ትእዛዙ ምዃኑ ኣረዲኡና ኣሎ፤ ከምዚ ድማ ይብል። “ክትጾሙ ኸሎኹም፡ እቶም ግቡዛት፡ ጽዋሞት ምዃኖም ብሰብ ምእንቲ ኺርኣዩ፡ ገጾም የጸምልዉ እዮም እሞ፡ ከማታቶም ጽምልዋት ኣይትኹኑ። ዓስቦም ከም ዝወሰዱ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ።” እዚ ቃል ድማ ጾም ግድን ዝፍጸም ሕጊ ስለዝኾነ ክትጾሙ ከሎኹም ድኅሪ ምባሉ፡ እቲ ጾም ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ውኩፍ ክኸውን ግና ከምቶም ብሰብ ምእንቲ ክረኣዩ ኢሎም ዝገብርዎ ግብሪ ከይትገብሩ ኢሉ ኣፈጻጽምኡ ብግብዝነት ዘይኮነስ ብትሕትና ክፍጸም ከምዘለዎ እዩ ምሂሩ። 
  • መርዓዊ ቤተ ክርስቲያን ዝኾነ ጐይታናን ኣምላኽና ኢየሱስ ክርስቶስ ስለምንታይ ናይ ዮሓንስ ደቀ መዛሙርት እናጾሙ ናትካ ደቀ መዛሙርት (ሓዋርያት) ዘይጾሙ ኢሎም ንዝሓተትዎ ዘድንቕ መልሲ እዩ ሂብዎም። በዚ ቃሉ ጾም ሕገ ሓዲስ ምዃኑን ኵሉ ክጸውም ከምዝግባእ ብንጹር ክንርዳእን ክንመሃርን ንኽእል። ንሱ ከሎ ክጾሙ ከምዘይከኣሎም፡ ንሱ ምስተፈለዮምን ኃይልን ጸጋን መንፈስ ቅዱስ ረኺቦም ሕይወቶም ምስተሓደሰ ግና ግድን ዝጾሙ ምዃኑም እዩ ብምስላ ገይሩ ዝመለሰ። እቲ ቃል መጽሓፍ’ውን ከምዚ ይብል። “ደቀ መዛሙርቲ ዮሐንስን ፈሪሳውያንን ይጾሙ ነበሩ። መጺኦም ከኣ ደቀ መዛሙርቲ ዮሐንስን ፈሪሳውያንን ይጾሙ ኣለዉ፡ ስለምንታይ ደኣ ደቀ መዛሙርትኻ ዘይጾሙ፧ በልዎ። ኢየሱስ ከኣ በሎም፡ ኣዕሩኽ መርዓዊኸ እቲ መርዓዊ ምሳታቶም ከሎ ከመይ ኢሎም ኪጾሙ ይዀነሎም፧ መርዓዊ ምሳታቶም ከሎስ ኪጾሙ ኣይዀነሎምን እዩ። መርዓዊ ኻባታቶም ዚውሰደላ መዓልቲ ደኣ ኽትመጽእ እያ እሞ ሽዑ በታ መዓልቲ እቲኣ ኺጾሙ እዮም። ቊራጽ ሓድሽ ዓለባ ኣብ ብላይ ክዳን ዚልግብ ከቶ የልቦን። እንተ ዘይኰነስ እቲ ሓድሽ መልገብ ነቲ ብላይ ይቐዶ፡ ምቕዳዱ ኸኣ ዝገደደ እዩ ዚኸውን። ንሓድሽ ወይኒ ድማ ኣብ ሓደስቲ ኣሕርብቲ የዕርቕዎ እምበር ንሓድሽ ወይንስ ኣብ ኣረገውቲ ኣሕርብቲ ዜዕርቕ የልቦን። እንተ ዘይኰነስ እቲ ሓድሽ ወይኒ ነቲ ኣሕርብቲ ይቐዶ፡ እቲ ወይኒ ይፈስስ፡ ኣሕርብቲውን ይበላሾ።” (ማር ፪፥፳) 
  • “ንሱውን፡ እዚ ኸምዚ ዝበለ ዓሌት ብዘይ ብጸሎትን ብጾምን ኪወጽእ ኣይክእልን እዩ፡ በሎም።” መድኃኔ ዓለም ክርስቶስ ንሓዋርያት ምውጽኡ ዝጸገሞም ክፉእ መንፈስ ድኅሪ ምውጽኡ ዝበሎም እዩ። ጾም ክንደይ ዓቢ መንፈሳዊ ኃይሊ ከምዘለዎም ካብ ትምህርቲ ጐይታ ንመሃር ዶ ኣሎና፧ (ማር ፱፥፳፱) 
  • ካብ ጐይታ ዝተማህሩ ሓዋርያት’ው ትእዛዝ ጐይታ ኣኽቢሮም ክጾሙ ንርእዮም ኢና። ከም ኣብነት’ውን ናብ ዝኾነ ስብከተ ወንጌል ዝኣመሰለ መንፈሳዊ ተልእኾ ቅድሚ ምውፋሮም ብኃባር ይጾሙን ይጽልዩን ከምዝነበሩ ካብ ግብረ ሓዋርያት ክንርዳእ ንኽእል።“ሽዑ ጾሙን ጸለዩን ኣእዳዎም ከኣ ኣንበሩሎም እሞ ሰደድዎም።” (ግብ ሓዋ ፲፫፥፫) በዚ ንባብ ድማ ሓዋርያት ትምህርቲ ጐይታ ሒዞም ንዝኾነ መንፈሳዊ ዕዮ ጾም የቕድሙ ምንባሮም ክንርዳእ ንኽእል። ንሕናኸ፧ 
  • ሓዋርያት በብእዋኑ ስለ ዝተፈላለየ ምኽንያት ንዝጾምዎ ድማ ጾመ ሓዋርያት ኢልና ሎሚ ከምንጾሞ ርዱእ እዩ። ናይ ሓዋርያት ቀዳሞት ኣብነት ስለዝኾኑና ጠቐስና ደኣ እምበር ድኅሪ ሓዋርያት ዝተሥኡ ሓዋርያነ አበው ሊቃውንቲ ጻድቃን ሰማእታት ንጾም ኣውራ መንፈሳዊ ዕጥቆም ገይሮም ገድሎም ይፍጽሙ ከምዝነበሩ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ቤተ ክርስቲያን ብሰፊሑ ዝትንትንዎ እዩ። ሓዋርያት’ውን ንጾም ብዝተፈላለየ መልክዕ ገሊጾሞ ኣለዉ። ገለ ካብኡ ንምጥቃስ ድማ 
  • ሰብ ዘይጸውምን ከም እንስሳ ጊዜያት ከይፈለየ ዝበልዕን እንተኾይኑ መንፈስ ቅዱስ ርሒቕዎ ግዙእ ከብዱ ይኸውን ማለት እዩ። ቅዱስ ጳውሎስ ነዚ ኣመልኪቱ “ልብኹም በቲ ነቶም ዝኸዱሉ ዘይጠቕሞም ብልዒ ዘይኮነስ ብጸጋ እንተጸንዐ ጽቡቕ እዩ” ብምባል ብጸጋ እግዚአብሔር እምበር ኣብ ኃላፊ ሥጋን ፈቓዳቱን ምድሃብ ከምዘይጠቕመና እዩ ምዒዱና። (ዕብ ፲፫፥፱) እዚ’ውን ምስቲ ጐይታ “ሰብ ብቓል ኣምላኽ እምበር ብእንጌራ ጥራሕ ኣይኮነን ዝነብር” ዝበሎ ዝሰማማዕ እዩ። እወ ሰይጣን “ብልዑ፡ ብልዑ” ካብ ምባል ዘይዐርፍ ካብ ኮነ፡ ንሕና ግና ኣብቲ ጽድቂ ዝርከበሉ ጾምን ጸጋኡን ከነቕልብ ይግባእና። 
  • ደጊሙ’ውን ቅዱስ ጳውሎስ መንግሥተ ሰማያት ብዘይ ሥርዓት እናበላዕኻን እናሰተኻን እትውረስ ከምዘይኮነትን ኣብኣ ድማ ጸጋ እግዚአብሔር እምበር ካልእ ከምዘይልቦ ኣብ ዝገለጸሉ “መንግሥቲ ኣምላኽሲ ብመንፈስ ቅዱስ ጽድቅን ሰላምን ሓጐስን እያ እምበር ብብዕልን መስተን ኣይኮነትን” ይብል” (ሮሜ ፲፬፥፲፯) ከምኡውን ብልዒ ናብ ኣምላኽ ከምዘየቕርብን ንብልዒ ክንስስዕ ከምዘይብልና ክገልጽ ከሎ “ብልዒ ግና ኣብ ኣምላኽ ኣየብጽሕን እዩ” ብምባል የነጽረልና። (ቀዳማይ ቆሮ ፰፥፰) 

ስለዚ ጾም ኣብ ብሉይ ዝነበረን ኣብ ሓድሽ ድማ ዝያዳ ዝጸንዐን ምዃኑ ከነስተውዕለሉ ይግባኣና። ከም እኒ ፍትሓ ነገሥት፡ መጽሓፈ መነኮሳት፡ ኣብ ገድልታትን ተኣምራትን ወዘተ ዝኣመሰሉ መጻሕፍተ ቤተ ክርስቲያን ብዛዕባ ጾምን ብጾም ዝርከብ ጸጋን በረኸትን ምስ ግብራዊ ኣብነታቱን ሥርዓቱን ብሰፊሑ ዝተገልጸ ስለዝኾነ ኣብኡ እንተተወከስና ዝያዳ ክንፈልጥ ንኽእል ኢና። 

                                                                                                                                         ይቕጽል...

No comments:

Post a Comment