Sunday, March 6, 2011

ዓቢይ ጾም

ካልኣይ ክፋል
ካልኦት መጸውዒ ስያመታት ዓቢይ ጾም

ብጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዝተጾመን ዝተመሥረትን ስለዝኾነ እዚ ጾም’ዚ ዓቢይ ከምዝተሰምየ፤ ነቲ መሠረታዊ ታሪኽን ግብርን እዚ ጾም’ዚ ዝገልጽን ዝሰማማዕን ካልኦት ስያመታት ከምዘለዉ ምፍላጥ የድሊ። 

ጾመ ኣርብዓ 

ጐይታ ድኅሪ ብኢድ ዮሓንስ ኣብ ፈለገ ዮርዳኖስ ምጥማቑ ኣብ ገዳመ ቆሮንቶስ ንዝጾሞ ብመጠን እቲ ብዝኂ መዓልትን ለይትን ዝተዋህቦ ስም እዩ። እዚ ስም ብልምዲ ንዓቢይ ጾም ብምሉኡ ዝምልከት ይኹን እምበር ጾም ጐይታሲ ኣብ ውሽጢ እቲ ዓብይ ጾም ንዝረከባ 40 መዓልቲ ኣጽዋማት ይምልከት። እዚ ኸኣ ነታ ቀዳመይቲ መዳለዊ ወይውን መቀራረቢ ተባሂላ እትፍለጥን መሠረታ ሓዋርያት ዝኾኑ ግና ብስም “ጾመ ሕርቃል” እትጽዋዕ ሰሙንን፤ ነታ ድሕሪ ዓርቢ ኒቆዲሞስ ዘላ ሰሙን (ሰሙነ ሕማማት) ከይወሰኽካ ዝምልከት ይኸውን። ። ጐይታ ዝጾመን ኣርብዓ መዓልትታት ኣብ ውሽጢ እቲ ዓቢይ ጾም ዝርከባ ካብ ሰኑይ ቅድስት ክሳብ ዓርቢ ኒቆዲሞስ ዘሎዋ መዓልትታት እየን። “ዘይከውን ፍጻሜሃ በዓርበ ፍሥሓ ብዝበሎ” (ፍጻሜኡ ቅድሚ ፍሥሓ ኣብ ዘሎ ዓርቢ ኒቆዲሞስ ዝኸውን እዩ) (ፍት መንፈ ኣንቀ ፲፭) 

ጾመ ኢየሱስ 

እዚ ስም ድማ በቲ ስሌና ክብል ኣብ መበል ፴ ዓመቱ ብዝጾመ ጐይታ ስም ዝጽዋዕ ኮይኑ እቲ መዓልትታት ጾም ድማ ምስቲ ጾም ኣርብዓ ሓደ እዩ።

ጾመ ሁዳድ 

ኣብ ጥንቲ ገባራት ንብዓል ርስቲ ዝሓርስዎ ሰፊሕ መሬት ሁዳድ ተባሂሉ ይፍለጥ ነይሩ። ኣብኡ ድማ ኵሉ ገባር ብኃባር ዝወፍረሉ ግራት እዩ ነይሩ። ዓቢይ ጾም ጾመ ሁዳድ ምባሉውን በቲ ሓደ ንሕና ነቲ ኵሉ ዝፈጠረን ዋና ኵሉ ንዝኾነን ክርስቶስ እናዘከርናን ኣብነቱ ወሲድና እንጾሞን ስለዝኾነ በቲ ካልእ ድማ ኵሉ ንእሽቶይ ዓቢይ፤ ካህን ምእመን፤ ሰብኣይ ሰበይቲ ተባሂሉ ዘይፍለየሉን ኵሉ ብጾም ንዝርከብ ጽድቅን በረኸትን ፈሊጡን ተረዲኡን ብሓባር ሱባኤ ዝኣትወሉ ስለዝኾነ እዩ ሁዳድ ዝብል ስም ክወሃቦ ዝኸኣለ። ኣብ ጥንታዊ ትግርኛውን ሁዳ ማለት ልምሉም ሓመድ ዝበዝኆ ተዀዓታይ ስሙር መሬት ማለት እዩ።

ጾመ ካሕሳ 

ኣዳምን ሔዋንን ብምኽንያት መብልዕ እዮም ካብ ገነት ዝተሰጉን፤ ኤደን እትመስል ለምለም ቦታን፡ እግዚአብሔር ዝኣክል ርኅሩኅ ጐይታ ድማ ዝሰኣኑን። ብሰንኩ’ውን ንሞት ንውርደት ተፈሪዶም፤ ኣብ መንጸፈ ደይን ወዲቖም ድማ ብእግረ ኣጋንንት ተቐጥቂጦም። ብምኽንያት መብልዕ ንዝሞተ ወዲ ሰብ፡ ኣብ ክንዲ ኣዳም ኮይኑ ድማ ንኣዳም ክኽሕሶን ከድኅኖን ወልደ እግዚአብሔር ሰብ ኮነ። በዚ መሠረት ድማ ብሰንኪ ኃጢኣቱ ክጸምዕን ክጠምይን ዝግብኦ ኣዳም ክነሱ፤ ጐይታ ግና ንሱ ጾይሙ ካሕሳ ኮኖ። ኣዳም ብሰንኪ በደሉ ካብ እግዚአብሔር ተፈልዩ መንፈሳዊ ጥሜትን ጽምዕን ተበሊዑ ነይሩ እሞ ጐይታ ግና ብፍቓዱ ክኽሕሶ መንፈሳዊ ጥሜቱ ብጾሙ ክሒሱ ዘለኣለማዊ ዘየጽምዕን ዘየጥምየን መበልዕን መስተን ኮኖ (ሃቦ)። ስለዚ ድማ እዚ ጾም’ዚ ጾመ ካሕሳ ተባሂሉ ይጽዋዕ።

ጾመ ዓወት 

ኣርእስተ ኃጣውእ ተባሂሎም ዝፍለጡ ትዕቢትን ስስዐን ኣፍቅሮ ንዋይን ዝተሳዕረሉ ጾም ስለዝኾነ እዚ ጾም’ዚ ጾመ ዓወት ተባሂሉ ይፍለጥ። ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ንዓና ኣብነት ኮይኑ ብኸመይ መገዲ ሰይጣን ክፍትነና ከምዝመጽእን፡ ብኸመይ መገዲ ድማ ክንስዕሮ ከምዝግባእና ኣብ’ዚ ጾም እዚ ኣርእዩና። ጾመ መገዲ ዓወት ምዃኑ’ውን ካብዚ ክንመሃር ንኽእል።

መሰጋገሪ ጾም 

ሊቀ ነቢያት ሙሴ ኣብ ደብረ ሲና ፵ መዓልትን ለይትን ጾይሙ ሕገ እግዚአብሔር ዝተጻሕፈሎም ጽላት ተቐቢሉ። በዚ ድማ ሰባት ካብ ሕገ ልቦና ናብ ሕገ ኦሪት ተሰጋጊሮም። ብልቦንኦምን ትውፊትን ጥራይ ክፉእን ጽቡቕን ዝፍለጡሉ ዝነበረ መገዲ ዝምርሑሉ ሕጋጋት ብጽሑፍ ተዋህቦም። ሕጊ ድማ ተሠርዓሎም። ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ሕገ ኦሪት ናብ ሕገ ወንጌል ከሰጋግረና ፈቓዱ ኣብ ዝኾነሉ እቲ ዘመን ምስ ኣኸለ፤ ኣብዚ ምድሪ ትምህርቲ ቅድሚ ምጃማሩ ዝጾሞ ጾም ብምዃኑ ናይ መሰጋገሪ ጾም ተባሂሉ ኣሎ። እዚ ድማ ሕግን ነቢያትን ክፍጽም እምበር ክስዕር ዘይመጸ ጐይታ ኣቐዲሙ ብኣፍ ነቢያት ኣቢሉ ሕጊ ከምዝሠርዐ፤ ሕጂ ግና ባዕሉ ፍጹም ሰብ ኮይኑ ብኣፉ ሕገ ወንጌል ሠርዓልና። ነቲ ዝጸንሐ ሕጊ’ውን ኣጽንዓልና። ንሱ ሓጋጌ ሕግ ስለዝኾነ ድማ “ነቶም ቀዳሞት፡ ….ከም እተባህለሎም ሰሚዕኩም ኣሎኹም። … ኣነ ግና፡ …. እብለኩም ኣሎኹ።” (ማቴ ፭) እናበለ ኣምላኽነቱን ሠራዔ ሕግ ንሱ ምዃኑ ኣርኣየና። ስለዚ ዓቢይ ጾም ናይ መሰጋገሪ ጾም ተባሂሉውን ይጽዋዕ እዩ።

ጾመ አስተምህሮ 

ነዚ ጾም’ዚ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ክጾሞ ዝኸኣለ ንዓና ንትምህርቲ እዩ እምበር ንሱስ ምጻም ዘድልዮ ኮይኑ ኣይኮነን። ስለዚ እዚ ጾም እዚ ጾመ ኣስተምህሮ ተባሂሉ ይፍለጥ። ኣምላኽና ከምቶም ኣብ ዘመነ ኦሪት ሰባት ኣብነት እናሰኣኑ ዝሽገርዎ ዝነበሩን፤ ሰባት ነቲ ትእዛዝ እግዚአብሔር ብቃል ጥራይ ዝሰምዕሉን ዝቐበሉሉን ዘመን ኣኅሊፉ ባዕሉ ንሕና ክንገብሮ ዝግባእና ኵሉ ኣብነት ኮይኑ ኣርኣየና። “ከምቲ ኣነ ኣባኻትኩም ዝገበርክዎ፡ ንስኻትኩምውን ከምኡ ኽትገብሩ ምሳሌ ሂበኩም ኣሎኹ” (ዮሐ ፲፫) ስለዚ እዚ ጾም እዚ ንሕና ክንጸውምን ጾም ኣገዳሲ ምዃኑን ክምህረና እዩ ብግብሪ ኣርእዩና። ስለዚ ድማ እዩ ናይ ኣስተምህሮ ጾም ዝበሃል።

ጾመ ቀድሶተ ገዳም 

ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ከተማ ርሒቑ ካብ ሰብ ተፈልዩ ብምጻሙ፤ ካብ ከተማ ርሒቕኻ ካብ ሰብ ተፈሊኻ ብብሕትውና ምንባር ቀዲሱ ዝሃበሉ፤ ገዳማዊ ሕይወት መጥምቀ ዮሓንስን ነቢየ ኤልያስን ዝባረኸሉ ብምዃኑ ናይ ቀድሶተ ገዳም ጾም ተባሂሉ ይፍለጥ። ኣብ ዘመነ ሓዲስ ንሰባት ካብ ዝተዋህበ ዓቢ ጸጋ እቲ ሓደ ናብራ ብሕትውና ምንኵስና እዩ። ብኵለንተናኻ ኵሉ ገዲፍካ ንክርስቶስ ትስዕበሉ ቅዱስ ሕይወት እዩ። ብኸምዚ መገዲ ንዓለም ብዝመነኑን ነፍሶም ንእግዚአብሔርን ፈቓዱን ብዝፈለዩን መናንያን መነኮሳትን እዮም ገዳማት ዝምሥረቱን። እዚ ድማ እቲ ዝበለጸ መገዲ ቅድስና እዩ። ነዚ ክባርኽን ክቕድስን ድማ እዩ ጐይታ ኣብ ገዳመ ቆሮንቶስ ዝተረኽበ። ሃገርና ኤርትራ ብኸመዚ መገዲ ቅድስና ክሳብ ፫፻ ዝኾኑ ገዳማት ከምዝነበርዋን ኵሉ ኩርንዓት ሃገርና ድማ መናሃርያ (መዕረፊ) ቅዱሳን ከምዝነበሩን ከምዝኾኑን ድማ ይፍለጥ። ቅድስት ሃገርና ከምዘሎና ምፍላጥ ነዚ ወለዶ እዚ ኣዝዩ ኣገዳሲ ትምህርቲ እዩ። ምኽንያቱ ሃገርና በብዘመኑ ነዘን ገዳማት ብዘቖሙን ኣብዘን ገዳማት ብዝፈረዩን እልፋ ኣእላፋት ቅዱሳን ክትባረኽን ክትቕድስን ነይራ እያ። ዓቢይ ጾም፡ ጾመ ቀድሶተ ገዳም ምባሉ’ውን ጐይታ ነኸምዚ ዝኣመሰሉ መካናትን ሕይወትን ክባርኽ ኣብ ገዳም ስለዝተረኽበ እዩ።

ናይ መዳለዊ ጾም 

ሕዝበ እስራኤል ገንሸል ፋሲካ ቅድሚ ምምጋቦም ምድላዋት ይገብሩ ነበሩ። ንሕና’ውን ትንሣኤ ክርስቶስ ቅድሚ ምኽባርና፤ ቅዱስ ሥግኡን ክቡር ደሙ’ውን ቅድሚ ምቕባልና ብጾምን ብጸሎትን ምድላዋት እንገብረሉ ብምዃኑ ናይ መዳለዊ ጾም ተባሂሉ ይፍለጥ። እስራኤላውያን ካብ ምድረ ግብጺ ካብ ኢድ ፈርዖን ሓራ ኮይኖም ብተኣምራት ዝወጹሉ (ፋሲካ) ዓመት መጸ ብኸመይ መገዲ ከኽብርዎ ከምዝግብኦም ሥርዓት ተሠሪዑሎም እዩ። ኣብ ዘመነ ሓዲስ ንንእርከብ ንሕና’ውን ገንሸል ፋሲካና ዝኾነ ክርስቶስ ነኽብረሉ መገዲ ድማ ቤተ ክርስቲያን ኣማናዊ ሥርዓት ኣለዋ። ስለዚ እዚ ጾም ናብቲ ስብከት ክርስትናን ተስፋ እምነትና ዝኾነ ትንሣኤ ቅድሚ ምብጻሕና ብዝግባእ መንፈሳዊ መገዲ ንዳለወሉ እዩ እሞ ናይ መዳለዊ ጾም ተባሂሉ ይፍለጥ።

                                                                                                                                             ይቕጽል...

No comments:

Post a Comment