Saturday, March 26, 2011

ታሪኽን ትውፊትን ሕርቃል ብሓጺሩ

ብዙኃት ሰባት ንቀዳማይ ሰሙን ናይ ዓቢይ ጾም ብልምዲ ጥራይ “ጾመ ንጉሥ” ኢሎም ይጽውዕዎ። ገለ ሰባት ድማ እዚ “ንጉሥ” መን ምዃኑ ስለዘይፈልጡ፡ መእተዊ ዓቢይ ጾም ኮይኑ ኣብ ቀረባ ዓመታት ማለት ብዘመነ ኃይለሥላሴ (ኢትዮጵያ) ዝተኣታተወን፡ ነቲ ንጉሥ መዘከርታ ወይውን ስለ እቲ ንጉሥ ተባሂሉ ክጽወም ዝተኣወጀ ገይሮም ንዘይፈልጥዎ ታሪኽ ከዝንብዕዎ ይስማዕ እዩ። እቲ ሓቂ ግና ከምኡ ኣይኮነን። 

ታሪኽ ቤተ ክርስቲያን ከምዘረድኣና ሕርቃል ኣብ ፯ይ ክፍለዘመነ ዝነበረ ንጉሥ ቢዛንታይ እዩ። ኮይኑ ድማ ብምኅጽንታ ምእመናን ኢየሩሳሌም ነቶም ብእምነት ዘይመስልዎም ጨካናት ፋርሳውያን ስዒሩ ንምእመናን ናጻ ዘውጽአን፡ መስቀል ክርስቶስ ድማ ካብ ዝማረኽዎ ፋርሳውያን ናብ ዝቐደመ ቦትኡ ኢየሩሳሌም ብኽብሪ ዘምለሰ ንጉሥ ምንባሩን እዩ። ምስ ዓቢይ ጾም ዝተተሓዘ ታሪኹ ድማ ከምዚ ዝስዕብ እዩ። 
ፎቃ ዝብሃል ንጉሥ ኣብ ልዕሊ ክርስቲያናት ኢየሩሳሌም ኣርዑት መግዛእቲ ኣክቢዱሎም ምስ ጸነሐን እቶም ምእመናን ድማ ምስ ሸገሮም፡ በቲ ግዜ እቲ ንጉሥ ቢዛንታይን ዝነበረ ክርስቲያን ንጉሥ ሕርቃል ክራድኦም ለመንዎ። ንሱ ድማ ክሕግዞም ፍቓዱ እኳ እንተነበረ ሓንቲ ነገር ግና ከበደቶ። ምስቲ ከሓዲ ንጉሥ ተዋጊኡ ናጻ ከውጽኦም እንተደኣ ኮይኑ፤ ሓዋርያት ሰብ ዝቐተለ ተረፍ መዋእሉ ይጹም ኢሎም ኣዚዞም ስለዝነበሩ ከመይ ገይረ መዋእለይ ክጸውም ይከኣለኒ? በሎም። ንሳቶም ድማ ሓደ ሰብ ኣብዚ ምድሪ እንተጸንሐ ፸ ወይውን ፹ እዩ። ንሕና ድማ ተማቒልና ክንጾመልካ ኢና በልዎ፤ በዚ ተተባቢዑ ነቲ ጨካን ንጉሥ ሥዒሩ ነቶም ምእመናን ሓራ ገበሮም። በዚ ምኽንያት ድማ ኵሎም ክርስቲያናት ፭ተ ፭ተ መዓልቲ ተማቒሎም ክጾምዋ ጀሚሮም። በዚ ድማ ሕርቃል ስለ ናጽነት ኣምልኮተ እግዚአብሔር ዝተሰለፈ ብምዃኑን ኣብ ቤተ ክርስቲያን ድማ ቅቡል ኮይኑ ስለዝተረኽበን ቅድሚ ጾም ከም መዳለዊ መቀራረቢ ተባሂሉ ቅድሚ እቲ ናይ ፵ መዓልቲ ናይ ዓቢይ ጾም ክጽወም ሥርዓት ኣብ ዝተሠርዓሉ ስሙ በዚኣ ቀዳመይቲ ጾም ክዝክር ተገብረ። 

ብካልእ ታሪኽ ድማ በቲ ዘመን እቲ ፋርሳውያን ኃይሎም ኣብ ልዕሊ ካልኦት ሠልጢኖምን ብምንባሮም ንኢየሩሳሌም ወሪሮም መስቀል ጐይታ ማሪኾም ወሲዶሞ ኔሮም። ዘይኣመንቲ ብምንባሮም ብዘይካ ጐይታ ዝተወልደላ ቤተ ልሔም ንኵለን ቅዱሳት መካናት ኣፈራሪሶምን ብሓዊ ኣንዲዶምን ሰባን ጥሪትን ዘሚቶማን መዝቢሮማን እዮም ነይሮም። ንጉሦም ድማ ከስሮኤስ ይበሃል ነበረ። ንቤተ ልሔም ምግዳፉ ደንጊፁላ ዘይኮነስ ኣቦታተይ ዝብሎም ብኮኸብ ተመሪሖም ዝመጹ ሰብአ ሰገል ክርስቶስ ኣብ ዝተወልደሉ መጺኦም ስለዝሰገዱላ እዩ። ሓቂ እዩ ካብቶም ርሑቕ ምብራቕ ዝመጹ ነገሥታት (ሰብአ ሰገል) ፍርሳውያን ይርከብዎም ምንባሩ ታሪኽ ይገልጽ። ኵሎም ክሰግዱ ዝተበገሱ ግና ብዘይካ ሠለስተ ኵሎም ኣብ በብሃገሮም ወረ ውግእ ስለዝተሰምዐ ኣብ መገዲ ከይበጽሑ ከምዝተመልሱ’ውን ታሪኽ ዝሰነዶ እዩ። 

ንኵሉ ክርስቲያን ኣብ ጓሂ ኣውዲቑ ዝነበረ ጕዳይ መስቀልን ምዝበራን ዕንወትን ኢየሩሳሌም ስለዝነበረ ድማ በቲ ጊዜ እቲ ቀናዒን ኣማኒን ናብ ዝነበረ ንጉሥ ናይ ርድኣና መልእኽቲ ተሰደሉ፡ ንጉሥ ሕርቃል ብመሠረት “ተዋጊዕካ መስቀል ጐይታ ኣምልሰልና” ዝብል ምኅጽንታ ክርስቲያናት ተሓጕሱ ክዋጋእ ደለየ፤ ይኹን እምበር “ነፍሲ ዝቐተለ መዋዕል ዕድሚኡ ይጹም” ንዝብል ትእዛዛት ሓዋርያት ጠቒሱ ስክፍትኡ ገሊጹሎም ነበረ። እቲ ዝተረፈ ታሪኽ ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ እዩ። ዳኅራይ ግና ንሱ ንእግዚአብሔር ኃይሊ ብምግባር ናብ ፋርስ ወፊሩ ንኣታቶም ስዒሩ ነቲ መስቀል ሒዙ ናብ ኢየሩሳሌም ተመልሰ። በዚ ምኽንያት’ዚ ከኣ ክርስቲያናት ኣዝዮም ተሓጒሶም። እቲ ታሪኽ፡ ፍቕሪ መስቀል ዝተገልጸሉ እዩ። ንሱ’ውን እግዚአብሔር ንዝሃቦ ዓወት ንምምስጋንን ንመስቀል ዘለዎ ፍቕርን ንምግላጽ ናብ ኢየሩሳሌም ጥራሕ እግሩ ከምዝኣተወ ይንገር። ስለዚ እግዚአብሔር አብ ሕርቃል ሓዲሩ ንዝሰርሖ ዘደንቕ ስራሕን፡ ነዚ ዘደንቕ ስራሕ ምኽንያት ዝኾነ ሕርቃል ንስሙ መዘከሪ ክኸውን፡ ነዚ ናይ ሰሙን ጾም ኣብ ቀኖና ኣእቲዮሞ፤ ቤተ ክርስቲያናውን ኣብ ቀኖናኣ ኣእትያ ተቐቢላቶ ኣላ። ምስ ዓብይ ጾም’ውን ሓደ ኮይኑ ተቖጺሩ ኣሎ። (ፍት መን ፲፭) መበገሲ ታሪኽ ንምዝካር እምበር ሕጂ’ውን ሕርቃል እናዘከርና ስለ ሕርቃል ኢልና ንጾሞ ማለት ዘይኮነስ ከም ኣካልን መእተውን ዓቢ ጾም ዝጽወምን ምዃኑ ምፍላጥ ኣገዳሲ እዩ። 

ኣብ ካልእ ዓለም ለኻዊ ሰነዳት ታሪኽ ድማ ንጉሥ ሕርቃል ከምዚ ዝስዕብ ዓምዲ ታሪኽ ተመዝጊቡሉ ይርከብ። ታሪኽ ዓለም’ውን ቤተ ክርስቲያን መዝጊባ ምስ ኣጽንሓቶ ታሪኽ ዝመሳሰል ግና ንጉሣዊ ውዕሎኦን ዝገበሮም ውግኣትን ብዝያዳ ብዘዘንቱ ገጹ ተሰኒዱ ይርከብ። ብሓጺሩ ከምዚ ዝስዕብ እዩ። 

ግእዛዊ ርዕመቱ ሕርቃል (ኤራቅሊዮስ) ይበሃል እምበር መበቆላዊ ኣጸዋውዕኡ ሄራክልዮስ እዩ ዝበሃል። ኣብ ከባቢ ፭፻፸፭ ተወሊዱ ኣብ ፮፻፵፩ ዓ.ም. ዝዓረፈ ካብ ፮፻፲-፮፻፵፩ ዓ.ም. ንምብራቓዊ ሮማ (ቢዛንታይን) ዝገዘአ ስሙይ ንጉሥ እዩ ነይሩ። መበቆል ዓሌቱ ድማ ኣርመናዊ ኮይኑ አቡኡ ፍሉጥ ኣዛዚ ጀነራል ግዝኣት ሰሜን ኣፍሪካ ከምዝነበረ ይንገር። ኣብ ዘመነ ንግሥነቱ ኣብቲ ከባቢ መቀይሮ ታሪኽን ምዝንባል ዕብለላ እምበራጦርውያነት ዝተራእየሎምን ብዙኅ ታሪኽ ዝሓቘፉ ዝተፈላለዩ ውግኣት ተካይዶም እዮም፤ ዝተፈላለየ ወራራት’ውን ካብን ናብን ተፈጺሞም እዮም። ከም ኣብነት ዓበይቲ ውግኣትን ወራራትን ፋርሳውያን፥ ምውዳቕን ምብቃዕን እቲ ግኑንን ታሪኻውን እምባራጦሪያዊ ንግሥትነት ሥምርቲ ሮማ፥ ምቅልቃልን ምስፍሕፋሕን ምስልምና ወዘተ ይጥቀሱ እዮም። ንሱ ጥራይ ዘይኮነስ ወግዓዊ ቋንቋ መንግሥቲ ካብ ላቲን ናብ ጥንታዊ ግሪኽ (ፅርዕ) ዝተቐየረሉ ዘመን እዩ። 

ቀናዒ ሃይማኖት ክርስትና ብምንባሩ’ውን ኣብቲ ከባቢ በቲ ዘመን ምስ ዝነበሩ መራሕቲ ሃይማኖት እናተላዘበን መምህራን ክሰዱ ብምልባውን ብዙኃት ኣብ ግዝኣቱ ዝነበሩ ባዕድ ኣምልኾ ዝነበሮም ኣሕዛብ ክጥመቑን ናብ ክርስትና ክምለሱ ዓቢ ኣስተዋጽኦ ዝገበረ ንጉሥ እዩ። ንኣብነት’ውን ሃገረ ድልማጥያ ክትጥቀስ ትኽእል። በዚ’ውን ከየብቀዐ፡ እቲ ዘምጽኦ መተዓረቒ ዝበሎ ዝኑቕ ዝኾነ “ትምህርተ መለኮት” ብክልቲኡ ወገን ተነጺጉን ኣይተዓወት ደኣ እምበር፡ ቅድሚ ፍርቂ ዘመን ንግሥነቱ ብሰንኪ ብዛዕባ ባህርየ ክርስቶስ ዝተፈጥረ ፍልልይ ንምጥፋእን ንምስምማዕን ከምኡውን ሓድነት ክርስቲያናት ንምምጻእ ዓቕሙ ዘፍቀዶ ጻዕሪ ገይሩ እዩ። በዚ ግብሩ ገሊኦም ክነቕፍዎ ከለዉ ገሊኦም ድማ ዘድንቕዎ ኣይተሰኣኑን። በዚ ኣይተዓወት ደኣ እምበር ክሳብ ሕጂ ብዝዝከረሉ ምምላስ መስቀለ ክርስቶስ ግብሩ ግና ስሙ ምስጉን እዩ። 

ሕርቃል መጀመርያ ናብ ሥልጣን ክሓዅር ዝጀመረ ኣብ ከባቢ ፮፻፰ ኣብ ልዕሊ እቲ ንጉሥ ናይቲ ግዝኣት ዝነበረ ፎቃስ ብዝጀመሮ (ምስ ኣቡኡ) ዕልዋ እዩ። ንሥልጣን ፎቃስ ድማ ከዕሉ ብዙኃት ግዙኣት ናይቲ ንጉሥ ዝነበሩ ይልምንዎ ነበሩ። በዚ መሠረት ኣብ ፮፻፲ ዓ.ም. ነቲ ንጉሥ ብምሥዓር ኣብ ኮረሻ ሥልጣን ደየበን፤ ነቲ ብጋህማጥ ምሕደርኡን ስድነቱን ዝፍለጥ ንዝነበረ ፎቃስ ማረኾን ቀተሎን ድማ። ታሪኽ ዓለም ከምዝሕብሮ ብኮስሮኤስ (ኹስሩ) ዝምርሑ ሠራዊት ፋርሳውያን ብሓገዝ ኣይሁዳውያን ኣብ ፮፻፲፫ ዓ.ም. ንደማስቆ ወሪሮም ተቖጻጺሮማ ነይሮም፤ ኣስዒቦም ድማ ኣብ ዓመታ ኣብ ፮፻፲፬ ዓ.ም. ንኢየሩሳሌም ሓዝዋ። ኣብኡ ድማ ኣብ ጎልጐታ መቃብር ጐይታ ተሃኒጹ ዝነበረ ቤተ ክርስቲያን ኣዕነውዎ፤ ንመስቀል ጐይታ ድማ ማሪኾም ወሰድዎ። ንሕዝቢ ድማ ኣበሳበሱ። ጥሪት ድማ ራሰዩ። 

ሕርቃል ብኣጽዋርን ፍናንን ሠራዊቱ ድኅሪ ምኅያሉ፤ ንፋርሳውያን ኣጥቒዑ ንመስቀል ጐይታ ብ ፮፻፳፱-፮፻፴ ዓ.ም. ኣብ ከባቢ ክብረ መስቀል ዝበዓለሉ መጋቢት ናብ ኢየሩሳሌም መለሶ። ናብ ኢየሩሳሌም ክመልሶ ከሎ’ውን ብዓቢ ክብርን ብሰልፍን ምንባሩ ይንገር። ገለ ምዕራባዊ ትውፊት’ውን ምስዚ ተታሓሒዙ ዝንገር ታሪኽ ኣሎ። እዚ ኸኣ ንጉሥ ሕርቃል ንመስቀል ጐይታ ኣብ ፈረስ ጽዒኑ ምስ ሠራዊቱ ብሰልፊ ናብ ኢየሩሳሌም ክኣቱ ኣብ ዝነቐለሉ እዋን እቶም ኣብ ኢየሩሳሌም ዝነበሩ ፓትርያርክ ተቓወምዎ። ንሱ ግና ተቓውምኦም ሸለል ኢሉ ምስ ናይ ክብሪ ኣልባሳቱን ዘውዱን ክኣቱ ክብል እቲ መስቀል ኣዝዩ ዘይጽወር ኮይኑ ከበዶ። ጸኒሑ ግና ነቲ ዘውዱ ካብ ርእሱ ምስ ኣውረዶ፡ ብተኣምራት ክብደት እቲ መስቀል ከምዝፈኾሰን ደጌታት ኢየሩሳሌም ድማ ባዕለን ከምዝተኸፍታን እቲ መስቀል ድማ ብክብሪ ናብ ኢየሩሳሌም ከምዝኣተወን ይንገር። 

በዝን ካልእን ምኽንያት ብዙኃን ንንጉሥ ሕርቃል ዝዝክርዎ ታሪኽ ጸሓፍቲ መስቀል ጐይታ ደልያን ፍሒራን ምስ ዝረኸበት ንግሥት ዕሌኒ የመሳስልዎ እዮም። ዋላ እኳ ዘመነ ሕይወቶም ይፈላለ ደኣ እምበር ኣብ ኣሣዕሎም ብሓንሳብ ክሥዕልዎም ይርከቡ። 

ሕጂ ብዛዕባ ሕርቃል ዘሎና ኣፍልጦ ቁሩብ ሰፊሑ ክኸውን ተስፋ እናገበርና ኣብ ጉዳይ ታሪኽ ግና ሓደ ንመሃሮ ነገር ኣሎ። እዚ ኸኣ ቅድስት ቤተ ክርስቲያንና ክሳብ ክንደይ ዓቃቢት ታሪኽ ምዃና እዩ። ካብ ናታ ሓሊፋ ናይ ካልኦት እኳ እትዕቀበሉ ኣጋጣሚታት ኣዝዩ ብዙኅ እዩ። ታሪኽ ዓቢይ ቤት ትምህርቲ ጉዕዞ ሕይወት እዩ። ብትሕዝቶ ታሪኽ ባህ ክብለና ዝኽእል እኳ እንተኾነ ብዓቢዩ ታሪኽ ቤተ ክርስቲያንና ኣብ ምፍላጥን ኣብ ውሽጣ ሓቝፋቶ ዘላ ሃብታም ታሪኽ ኣብ ምፍታሽን ክንተግህ ከምዝግባእና እዩ። ኣብ ታሪኽ ሃይማኖትና መንነትናን ክብርታትናን ከነለልይ እንኽእለሉ ብዙኅ ወርቃዊ ሃብቲ ኣሎ። 

ታሪኽን ሃብትን ቤተ ክርስቲይንና ይዓቅበልና፤ ካብ ጸየቕቲ ታሪኽ ድማ የድኅነና። 

1 comment:

  1. what a beautifull history is this .i like it please keep up to dig our beloved church history.My God bless you guys.Adey mariam mesakume tekune ezom ahewatey.

    ReplyDelete