Wednesday, March 16, 2011

ጾም

ራብዓይ ክፋል
ሥርዓትን ቀኖንና ጾም 

ሥርዓትን ቀኖንን ጾም ክንብል ከሎና ጾም ብኸመይ ይጽወም፧ ካብ ምንታይ ከ ይጽወም፧ ኣፈጻጽምኡ እንታይ ዓይነት ኣገባብ ኣለዎ፧ ጾም ንመን ይምልከት፧ ክንደይ ዓይነት ጾም ኣሎ፧ መዓስን ኣበየናይ ሰዓትን ዕለትን ይጽወም፧ ኣበየናይ’ከ ኣይጽወምን፧ ኣብ እዋን ጾም ክግበሩን ከይግበሩን ዝግብኦም ነገራት ኣየኖት እዮም፧ መካየድቲ ጾም ኣየኖት እዮም፧ ወዘተ ዝምልከትን ምስዚኦም ዝተሓሓዙን ሕቶታት ዝምልስ ይኸውን። ነዚ ነገራት ምፍላጥ ድማ ርቱዕን ሥሩዕን ጾም ኣብ ምጻም ይሕግዘና እዩ። 

ንኵሉ እኳ እንተዘይተባህለ ንገለ ኣብዘን ተጠቒሰን ዘለዋ ሕቶታት ንምምላስ ከም ፍቓድ ኣምላኽ ተበጊስና ኣሎና እሞ ምሥጢሩን ጥበቡን ይግለጸልና። 

ጾም ዝኣዘዘን ሥርዓት ክገብረሉ ዝጀመረን መን እዩ፧ 

ከምቲ ኣብ ላዕሊ ተገሊጹ ዘሎ ንጾም ዝጀመረን ዝሓገገን እግዚአብሔር እዩ። ሥርዓተ ጾም’ውን በብመልክዑ ዝሠርዐ እግዚአብሔር ባዕሉ እዩ። እቲ ንኣዳም ብ “ኣይትብላዕ” ዝተጀመረ ሕጊ ጾም በብእዋኑ ሥርዓት እናወጸሉ ሰባት በብዘመኑ ይጾሙ ከምዝነበሩ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ዘረድኡና እዮም። 

ትእዛዝ እግዚአብሔር ምዃኑ ክንርዳእን ምስ ጾም ዝኸይድ ሥርዓት ብውሑድ መጠን ክንፈልጥን ነዘን ስዒበን ዘለዋ ንባባት ቅዱስ መጽሓፍ ነስተውዕለለን። ኣብዘን ንባባት ቅዱስ መጽሓፍ እግዚአብሔር ዝፈትዎ ጾምን ኣገባብ ሥርዓቱን ከምኡ’ውን ናይ እግዚአብሔር ሰባት ብኸመይ መገዲ ከምዝጾምዎ ክንርዳእ ንኽእል። 

“ቦኑ ጾመ ዘጾምክሙ ሊተ” (ብሓቂዶ ንኣይ ኢኹም ዝጾምኩምለይ፧) ብምባል ጾም ትእዛዝ ምዃኑ ይገልጽ፤ ሥርዓት ከምዘለዎን ክገልጽን ብኸመይ ኣገባብ ንዝጽወም ድማ እግዚአብሔር ከምዝፈትዎ ክገልጽ ከሎ ከምዚ ይብል። “ንዅሉ ሕዝቢ እታ ሃገርን ንኻህናትን ከምዚ ኢልካ ተዛረቦም፡ በተን ሰብዓ ዓመት ኣብ ሓምሳይን ሳብዓይን ወርሒ እትጾሙን እትበኽዩን ዝነበርኩምሲ፡ ብሓቂዶ ንኣይ ኢኹም ዝጾምኩምለይ፧ ምስ እትበልዑን ምስ እትሰትዩንከ ንርእስኹምዶ ኣይኰንኩምን እትበልዑን እትሰትዩን፧ ኢየሩሳሌም እተን ኣብ ዙርያኣ ዝነበራ ኸተማታታን ሰብ ሰፊርወንን ሀዲኤንን ከለዋ፡ ደቡብን ጐልጐልን ድማ ሰብ ሰፊርወን ከለዋ፡ እግዚአብሔር ብኢድ እቶም ቀዳሞት ነቢያት ገይሩ ዝኣወጆ ቓልሲ እዚዶ ኣይኰነን፧ ከምዚ ዚብል ቃል እግዚኣብሔር ከኣ ንዘካርያስ መጾ፡ እግዚኣብሔር ጐይታ ሠራዊት ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ሓቀኛ ፍርዲ ፍረዱ፡ ንሓድሕድኩም ድማ ሰናይን ምሕረትን ግበሩ። ንመበለትን ንዘኽታምን ንስደተኛን ንድኻን ኣይትግፍዑ፡ ካባኻትኩምውን ሓደ እኳ ብልቡ ንሓዉ እከይ ኣይሕሰበሉ። (ዘካ. ፯፥፬-፲) 

“እምበኣርሲ ሕጂውን ብጾምን ብብኽያትን ብቚዝማን ብምሉእ ልብኹም ናባይ ተመለሱ፡ ይብል እግዚኣብሔርር። ንሱ ንዅራ ደንጓዪ፡ ብሳህሊ ኸኣ ምሉእ፡ ብእከይ ድማ ተጠዓሳይ፡ ርሕሩሕን መሓርን እዩ እሞ፡ ክዳንኩም ኣይኰነን ልብኹም ደኣ ቕደዱ፡ ናብ እግዚኣብሔር ኣምላኽኩም’ውን ተመለሱ። ተጣዒሱ ዚምለስ እንተ ዀነ፡ ድኅሪኡ ድማ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ብመስዋእቲ ብልዕን ብመስዋእቲ መስተን በረኸት ዚሐድግ እንተ ዀነ፡ መን ይፈልጥ፧ ኣብ ጽዮን መለኸት ንፍሑ፡ ጾም ቀድሱ፡ ኣኼባ ጽውዑ። ሕዝቢ ኣክቡ፡ ማሕበር ቀድሱ፡ ኣረገውቲ ኣክቡ፡ ቈልዑን ጡብ ዚጠብዉን ኣክቡ። መርዓዊ ኻብ ቤቱ ይውጻእ፡ መርዓት ከኣ ካብ ሕልፍኛኣ።” (ኢዩ ፪፥፲፪-፲፬) 

“ክትጾሙ ኸሎኹም እቶም ግቡዛት ጽወምቲ ምዃኖም ብሰብ ምእንቲ ኺርኣዩ ገጾም የጸምልዉ እዮም እሞ ከማታቶም ጽምልዋት ኣይትኹኑ። ዓስቦም ከም ዝወሰዱ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ። ንስኻስ ክትጸውም ከሎኻ ጽዋማይ ምዃንካ በቲ ኣብ ሕቡእ ዘሎ ኣቦኻ ደኣ እምበር፡ ብሰብ ምእንቲ ኸይትርኤ፡ ርእስኻ ተለኸ፡ ገጽካውን ተሐጸብ። እቲ ብሕቡእ ዚርኢ ኣቦኻ ድማ ብግህዶ ኪኽሕሰካ እዩ።” (ማቴ ፮፥፲፮-፲፰) 

“ሽዑ ደቀ መዛሙርቲ ዮሐንስ ስለምንታይ ንሕናን ፈሪሳውያንን ብዙኅ ንጸውም፡ ደቀ መዛሙርትኻ ግና ኣይጾሙን፧ ኢሎም ናብኡ መጹ። ኢየሱስ ከኣ በሎም፡ ነዕሩኽ መርዓዊኸ፡ መርዓዊ ምሳታቶም ክሳዕ ዘሎ፡ ከመይ ኢሎም ኪጒህዩ ይዀነሎም፧ መርዓዊ ኻባታቶም ዚውሰደላ መዓልቲ ግና ክትመጽእ እያ ሽዑ ኸኣ ይጾሙ። ቊራጽ ሓድሽ ዓለባ ኣብ ብላይ ክዳን ዚልግብ የልቦን፡ እንተ ዘይኰነስ ነቲ ጥዑይ ይልክሞ፡ ምቕዳዱ ኸኣ ዝገደደ ይኸውን። ንሓድሽ ወይኒ ኣብ ኣረገውቲ ኣሕርብቲ ኣየዕርቕዎን፡ እንተ ዘይኰነስ እቲ ኣሕርብቲ ይቕደድ፡ እቲ ወይኒውን ይፈስስ፡ ኣሕርብቲ ኸኣ ይበላሾ። ንሓድሽ ወይኒ ግና ኣብ ሓደስቲ ኣሕርብቲ የዕርቕዎ፡ ክልቲኦም ድማ ይእርነቡ።” (ማቴ ፱፥፲፬-፲፭) 

“ኣብራኸይ ብጾም ራዕራዕ በለ፡ ሥጋይ ከኣ ካብ ስብሒ ዐበረ።” (መዝ ፻፰(፱)፥፳፬) 

“እተን ሠለስተ ሰሙን ክሳዕ ዚፍጸማ፡ ጥዑም መባልዕ ኣይበላዕኩን፡ ሥጋን ወይንን ናብ ኣፈይ ኣየእቶኹን፡ ዘይቲውን ኣይተለኼኹን።” (ዳን ፲፥፫) 

ቅዱሳን ሓዋርያትን ብድኅሪኦም ዝተሥኡ ኣቦታትን፡ ብመሠረት ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዝሃቦም ሥልጣን ከምዚ ብውሑድ መጠን ኣብ ላዕሊ ንዝተጠቕሱን ካልኦትን ንባባት ቅዱሳት መጻሕፍቲ መሠረት ገይሮም ከምኡ’ውን ከም ኒቂያ ዝኣመሰሉ ጉባኤያትን መጻሕፍቲ ሊቃውንትን ኣመሳኺሮም፡ ትውፊትን ታሪኽን ቤተ ክርስቲያን ኣገናዚቦም ንጾምን ሥርዓቱን ጽሒፎምን ኣብ ሕጊ ቤተ ክርስቲያን’ውን ኣስፊሮሞ ኣለዉ። (ማቴ ፳፰፥፳ ፤ ዮሐ ፲፭፥፭) ሥርዓተ ቤተ ክርስቲያን ዝገልጽ መጽሓፈ ፍትሓ ነገሥት ኣብ መበል ፲፭ ኣንቀጹ ንጾም ፈልዩ ምትንታኑ ድማ ካብዚ ዝብገስ ምዃኑ ከነስተውዕለሉ ይግባእ። 

ስለዚ ንጾም ብዝግባእ ምርዳእን ምፍጻምን ካብ ኣምላኽ ዓስቢ ከውህብ ከሎ ብኣንጻሩ ድማ ብዝግባእ ዘይምርዳእን ዘይጠቅም ገይርካ ምሕሳብን ንትእዛዝ ፈጣሪ ምንዓቕን ምቅዋምን እዩ። ኣማን ብኣማን ጾም ዘይሰማምዖን ዝጻልዖን ሰይጣን ዝሓደሮ እዩ እምበር ክርስቲያን ብጥዕንኡ ከምኡ ክኸውን ኣይክእልን እዩ። ምኽንያቱ ክርስቲያን ማለት ስም ክርስቶስ ዝጸውር ፍቓድ እግዚአብሔር ዝፍጽም እምበር ዝቃወም ኣይኮነን። ጽሑፍ’ውን ከምዚ ይብል “ፍቓድ እቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦይ ዚገብር ደኣ እምበር ጐይታይ ጐይታይ ዚብለኒ ዅሉ መንግሥተ ሰማያት ዚኣቱ ኣይኰነን።” (ማቴ ፯፥፳፩) 

                                                                                                                           ይቕጽል...

No comments:

Post a Comment