Thursday, March 17, 2011

ዓቢይ ጾም

ራብዓይ ክፋል
ስለምንታይ'ከ ጐይታ ጾመ

ሎቱ ስብሐት! ጐይታ ከም ደቂ ሰባት ምጻም ዘድልዮን ጸጋ ዘውህቦን ስለዝኾነ ኣይኮነን ዝጾመ። ከምዚ ኢሉ ዝሓስብ እንተሎ ካብታ ቅንዕቲ መገዲ ሃይማኖት ኣዝዩ ዝረሓቐ እዩ። ስለምንታይ ደኣ ጾመ ንዝብል ሕቶ ኣዝዩ ብብዙኅ ምሥጢራት ዝሓዘለ ኣገባብ ክትንተን ዝከኣል እንተኾነ’ውን ብሓጺሩ ግና ሕጊ ክሠርዓልናን ኣብነት ክኾነናን እዩ ኢልና ክንጥቕልሎ ንኽእል። 

ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ሠራዔን ሓጋጌን ሕጊ ክነሱ ብቃሉ ጥራይ ጽሙን ጸልዩን ክብል ዝከኣሎ እኳ እንተኾነ ባዕሉ ብግብሪ ጾይሙን ጸልዩን እዩ። ቤዛ ዓለም ኮይኑ ንዓለም ክብጆ ኣብ ዘመጸሉ ባዕሉ ነቲ ጽቡቕ ግብርን ሕግን ኣርኣየና። ካብ ልደቱ ኣትሒዙ ክሳብ ስቕለቱ ዝገደፈልና ኣብነት ተቆጺሩ ዝውዳእ ኣይኮነን። “ኣሰሩ ምእንቲ ክትስዕቡ ኣርኣያ ኃዲጉልኩም ምእንታኹም መከራ ጸገበ” ይብል ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ ቀዳማይ መልእኽቱ (፪፥፳፩)። ብትሕትና ድንን ኢሉ እግሪ ሓዋርያቱ ምስ ሓጸበ’ውን “ኣርኣያ እኃድገልኩም ኣሎኹ እሞ ሓድሓድኩም ተሓጻጸቡ” ኢሉና እዩ። (ዮሓ ፲፫፥፲፬-፲፭) ስለዚ ድማ ጐይታ ኣብነት ክኾነናን ንኽደሉ ዝግባእ መገዲ ከርእየናን ሥርሑ ብጾም ጀመረ። ከመይሲ ብልዒ ናይ ተግባር ኃጢኣት መሠረት ከምዝኾነ ጾም ድማ ናይ ሠናይ ተግባርን ትሩፋትን መሠረት እዩ። 
ኣብነት’ውን ጥራይ ዘይኮነስ ጐይታ ኣብ ገዳም ቆሮንቶስ ብምጻም፡ ጾም ናይ ሕጊ መጀመርታን ዓባይን ምዃና ደጊሙ ኣረድኣና። ቅድም ኣቢሉ ብጥንተ ፍጥረት ኣዳም ኣቦና ዝተዋህቦ ቀዳማይ ሕጊ ምስ ጾም ዝተኣሳሰረ ስለዝነበረን ነዚኣውን ስለዘይኽበረ ዕዳ ፍዳ ከምዝኾኖ ንፈልጥ ኢና። ሕጂ’ውን ኣብ ዘመነ ሓዲስ ጐይታ ባዕሉ ሠራዔ ሕጊ ስለዝኾነ ባዕሉ እናገበረ ሕጊ ክሠርዓልና ጾም ቀዳማይ ሕጊ ገበሮ። ሕጊ ድማ ንቅድስና ሰባት ዝተሠርዐን ከም ምዃኑ ብሕጊ ኣምላኽ ክንሕጐስ ይግባእና እዩ። ኣቦታትና በዛ ቅንዕቲ ሕጊ ኣምላኽ ብዙኅ ጽድቅን በረኸትን ረኺቦም እዮም። 

ብምዃኑ ድማ ሕጊ ጾም ኣብ ሰማያዊ (መንፈሳዊ) ጕዕዞ ንዘለዋ ዓቢይ ረብሓ ብምግንዛብ “እስመ ጾም እማ ለጸሎት ወእኅታ ለአርምሞ ወነቅአ ለአንብዕ ወጥንተ ኵሉ ገድል ሠናይት” (መጽ መነኮሳት) ኢሎም ይገልጽዋ። 

ጐይታ ብፍቓዱ ድዩ ተፈቲኑ ዋላስ 

ቅዱስ መጽሓፍ፡ ጐይታ ብኢደ ዮሓንስ ኣብ ፈለገ ዮርዳኖስ ድኅሪ ምጥማቑ፡ መንፈስ ንጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ብዲያብሎስ ክፍተን ናብ በረኻ ወሰዶ ይብል። እዚ ማለት ድማ መንፈስ ናብ በረኻ ኣውጽኦ ክብል ከሎ ነቲ ፈቓዱ ሓሳቡ ማለቱ እዩ ። ነዚ’ውን እቲ መጽሓፍ ባዕሉ ከረድእ ከሎ ጾሙን ፈተንኡን ምስ ፈጸመ “ጐይታ ኢየሱስ ብኃይሊ መንፈስ ቅዱስ ናብ ገሊላ ተመልሰ ይብል” (ሉቃ ፬፥፬) እምበር ከም ፍጡር ካልእ ኣካል ብዘይ ፍቓዱን ሓሳቡን ናብ ካልእ ቦታ ወሰዶ ማለት ኣይኮነን። “ወሶበ ትሰምዕ እንዘ ይብለከ መንፈስ ወሰዶ ገዳመ ኢተሐሊኬ ከመ ፍጡር ውእቱ አላ መንፈስሰ ሥምረቱ ይእቲ” ከምዝብል። 

ወይ ከኣ መንፈስ ቅዱስ ንሰማእታት ኣለዓዒሉ ናብ ደም፡ ንጻድቃን ከኣ ናብ ገዳም ከምዝወስዶም ዘበለ’ውን ከምኡ ወሰዶ ማለት ኣይኮነን። ፈቓድ ወልድን ፈቓድ መንፈስ ቅዱስን ሓደ ምዃኑ ከነስተውዕል እንተኽኢልናን ኣብ ምሥጢረ ሥላሴ ዘሎ ሓድነትን ሠለስትነትን ተጠንቂቕና እንተደኣ ፈሊጥናን እዚ ነገር ኣዝዩ ንጹር ክኾነልና ይኽእል። ብፍቓዳት፡ ሥላሴ ማለት አብ ወልድ መንፈስ ቅዱስ ሓደ እዮም። ኣብ ፍቓዶምን ሓሳቦምን ፈጺሙ ፍልልይ የብሎምን። ብምዃኑ ፍቓድ ወልድ፡ ፍቓድ አብን ፍቓድ መንፈስ ቅዱስን እዩ። ፍቓድ መንፈስ ቅዱስ ድማ ፍቓድ አብን ፍቓድ ወልድን እዩ። ፍቓድ አብ ድማ ፍቓድ ወልድን ፍቓድ መንፈስ ቅዱስን እዩ። በዚ መሠረት ድማ መንፈስ ወሰዶ ክብል ከሎ ፍቓዶምን ሓድነቶምን ዘረድኣና እዩ። ምኽንያቱ ክርስቶስ ኣምላኽ ወዲ ኣምላኽ ምዃኑ ስለእንፈልጥን ስለእንኣምንን። (ዮሐ ፫፥፲፫) 

ስለዚ ጐይታ ናብ ገዳመ ቆሮንቶስ ዝኸደን ብዲያብሎስ ዝተፈተነን ብገዛእ ፍቓዱ ምዃኑ ክንስሕቶ የብልናን። 

ባዕሉ ክፍተን ኢሉ ፈተና ደልዩ ድዩ ከይዱ 

ክፍተን ኢሉስ ኣይከደን። እንታይ ደኣ ማቴዎስ “ክፍተን” ኢሉ ጸሓፈ ዝብል ሓታቲ ምስዝርከብ ገዳም ዝኸደ ምፍታኑ ዘይተርፍ ስለዝኾነ እዩ ከምኡ ኢሉ ዝጸሓፈ። “አኮ ፈቂዶ መከራሁ አላ ከመ ያብጥል ኃይሎ ለዘያሜክሮ” - ነቲ ፈታኒ ኃይሉ ከጥፍእ ኢሉ እምበር ፈተና ደልዩ ኣይኮነን። (ሳዊሮስ ዘአንጾኪያ ሃይ 85፥25) 

ገዳምን ፈተናን ፈጺሞም ዘይፈለያዩ ነገራት እዮም። ኣብ ደቂ ሰብ መጺእና ክንዛረብ ከሎና’ውን ኣብ ገዳም ዝኸደ ካብ ፈተና ክርሕቕ ወይውን ካብ ፈተና ክኸውል እኽእል እየ ኢሉ ክሓስብ ዝከኣል ኣይኮነን። እቲ ፈታኒ ሰይጣን ካብ ኮነ መምስ ቦትኡን ጽንዓትን መንፈሳዊ ዕብየትን ተፈታኒ ዝቕርቦ ፈተና ይፈላለ ይኸውን ደኣ እምበር እቲ ፈታናስ ንዝኾነ ሰብ ዝተርፍ ኣይኮነን። 

ንጐይታ ብፍቓዱ ናብ ገዳም ከደ እንተበልና’ውን ብፍቓዱ ነቲ ፈተና ኣለዓዒሉ ኣምጺእዎ ማለት ኣይኮነን። “ኢሆከ እግዚእነ ክርስቶስ እሎንተ ሕማማተ ከመ ይኅልፉ ዲቤሁ በፈቃዱ አላ በህከቶሙ ማሰኑ በኃይሉ ለቃል ዘኮነ አሐደ ምስለ ሥጋ” - ጐይታና ፈተናታታት ኣብ ልዕሊኡ ክፍጸሙ ብፍቓዱ ኣየለዓዓሎምን፤ እንታይ ደኣ ብታህዋኾም ደኣ። ብኃይሊ እቲ ምስ ሥጋ ዝተዋሃሃደ ቃል ጠፍኡ። (ሳዊሮስ ዘአንጾኪያ ሃይ 85፥14) 

ስለምንታይ ከ ፵ መዓልትን ፵ ለይትን 

ኣብ ቅዱስ መጽሓፍ ከም ፫፡ ፯፡ ፻ ዝኣመሰሉ ፍሉያት ቍጽርታት ነናቶም ትርጉም ዘለዎምን መምስ ጥንተ ታሪኾም ዝትንተኑን ዝትርጐሙን ምዃኑ ነስተውዕል ኢና። ጐይታ ኣብ ገዳመ ቆሮንቶስ ኣትዩ ክጸውም ከሎ ብዝኂ መዓልትን ለይትን ናይቲ ጾሙ ፵ ምዃኑ ቅዱስ መጽሓፍ የረድኣና እዩ። እዚ’ውን ንካሕሳን ድኅነትን ወዲ ሰብ ዝመጸ ጐይታ ምዃኑ ዘረድእን ነቲ ኣቐዲሙ ብነቢያት ዝሠርዖ ሕጊ ከምዝፈጸሞ እምበር ከምዘይሠዓሮ ዘረጋግጽ እዩ። ስለዚ ድማ ኵሉ እቲ ዝግበር ብዘይ ምኽንያት ዘይኮነስ መሠረትን ትርጉምን ዘለዎ ምዃኑ ክንፈልጥ ገለ ኣብነታት ኣቐዲምና ብዛዕባ ፍቕዲ ፵ን ካሕሳን ኣተኣሳሲሩ ዘረድእ ክንጠቅስ፦ 
  • ኣዳም ኣብ መበል ኣርብዓ መዓልቲ ዝተዋህቦ ክብርን መሰል ውልድነትን ስለዘጥፈአ ክብሪ ኣዳም ንምምላስን ከምዝከሓሶ ንምርኣይን ጐይታ ፵ መዓልትን ፵ ለይትን ጾመ። 
  • ኣብ ኣርብዓ መዓልቲ ተስእሎተ መልክዕ ቅርጺ ኣካል ዝተሰርዓሉ ሰብ ስለዝበደለ ጐይታ ንካሕሳ ክኸውን ኢሉ ኣርብዓ መዓልትን ኣርብዓ ለይትን ከምዝጾመን ንኸምኡ ድማ ከምዝመጸ ንምርዳእን እዩ። 
ኣብ ዘመነ ብሉይ ዝነበሩ ቀዳሞት ኣቦታት በቲ ዝተዋህቦም ሥርዓት ክጾሙ ከለዉ ፵ መዓልትን ፵ ለይትን እዮም ዝጾሙ ነይሮም፣ እዚ ድማ ምሳሌን ኣብነትን ዘለዎ እዩ። ከመይሲ ጐይታ ነቲ ኣቐዲሙ ብነብያት ንዝሠርዖ ሕግ ከጽንዕ እምበር ከፍርስ ስለዘይመጸ ብኸምኡ ድማ ክፍጽሞ ንርኢ ኢና። ብኸምዚ መገዲ ድማ ፍቕዲ ፵ ንዘለዎ ምሳሌታትን ኣስዒብና ንገለ ኣብነታት ክንጠቅስ፦ 
  • ሙሴ ኣብ ፵ ዘመኑ ነቲ ዝተገፍዐ ዕብራዊ ክሕግዝ ነቲ ግብጻዊ ቀተሎን ኣብ ኁጻ ድማ ቀበሮን። ሙሴ ናይ ወልደ እግዚአብሔር ምሳሌ እዩ። እቲ ዕብራዊ ናይ ኣዳም፡ እቲ ግብጻዊ ከኣ ናይ ዲያብሎስ ምሳሌ ክኾኑ ከለዉ እቲ ኁጻ ድማ ናይ መስቀል ምሳሌ እዩ። (ዘፀ ፪) 
  • ሙሴ ኣርብዓ ዘመን ኣብ ምድረ ምድያም ተቐሚጡ ንኣኅዋቱ እስራኤል ካብ ባርነት ግብጺ ናጻ ዘውጽኦም ኮይኑ ተረኺቡ ኣሎ። ጐይታ ድማ ፵ መዓልትን ፵ ለይትን ጾይሙ ንኣዳምን ደቁን ካብ ባርነት ዘውጽኦም እዩ። 
  • መሴ ኣርብዓ መዓልትን ኣርብዓ ለይትን ጾይሙን ጸልዩን ሕጊ ኦሪት ተቐበለ። (ዘፀ ፳፬፥፲፪-፲፰፤ ፴፩፥፲፰) ክርስቶስ ከኣ ኣርብዓ መዓልትን ኣርብዓ ለይትን ጾይሙን ጸልዩን ሕጊ ወንጌል ሠርዐ። 
  • ሙሴ ዝለኣኾም ፲፪ ሰለይቲ ምድረ ርስቲ ሰልዮም ኣብ ኣርብዓ መዓልቶም ተመልሱ። (ዘኁ ፲፫፥፳፭) ክርስቶስ ድማ ናይ መንግሥተ ሰማያት መራሒ ስለዝኾነ ኣርብዓ መዓልትን ለይትን ጾመ። 
  • ኤልያስ ፵ መዓልትን ፵ ለይትን ጾይሙ ናብ ሰማያት ዓሪጉ እዩ። ንሳኻትኩም’ውን ከምኡ እንተጾምኩም ገነት መንግሥተ ሰማያት ክትኣትዉ ኢኹም ማለት እዩ። (ቀዳማይ ነገ ፲፱) 
  • ከም ብዓል ካሌብን ኢያሱን ፵ ዘመን ኣብ ገዳም (በረኻ) ነይሮም ምድረ ርስት ኣትዮም ተስፋ ኣቦታቶም ወሪሶም እዮም። ንስኻትኩም’ውን ፵ ጾም እንተጾምኩም ርስቲ መንግሥተ ሰማያት ክትወርሱ ኢኹም ማለት እዩ። 
  • ሕዝቅኤል ብጸጋማይ ጐድኑ ፵ መዓልቲ ደቂሱ ሽዱሽተ ሚእቲ ምውታት ኣተንሢኡ እዩ። ንስኻትኩም’ውን ፵ ጾም ተትጾሙ ትንሣኤ ዘለክብር ክትትንሥኡ ኢኹም ማለት እዩ። 
  • ዕዝራ ፵ መዓልቲ ካብ መብልዕ ተኸልኪሉ ቅዱሳት መጽሓፍቲ ኣጽሒፉ እዩ፤ ንስኻትኩም’ውን ፵ መዓልቲ እንተጾምኩም ምሥጢረ መጻሕፍቲ ክግለጸልኩም እዩ ማለት እዩ። 
ብሉይ ምሳሌ ናይቲ ኣብ ዘመነ ሓዲስ ዝተረኽበን ዝተፈጸምን ኣማናዊ ጸጋ እግዚአብሔር እዩ። ብሉይ ጽላሎት ናይቲ ክመጽእ ዝነበሮን ዝመጸን ኣካል (ሓዲስ) እዩ። ብምዃኑ ድማ ኣብ ብሉይ ዝተጠቕሱ ታሪኻትን ምሳሌያትን ኣብ ዘመነ ሓዲስ ፍጻሜ ክረኽቡን ኣማናዊ ኮይኖም ክግለጹን ርኢናዮም ኢና። ንኣብነት ካብ ባርነት ምድረ ግብጺ ወጺኦም እስራኤላውያን ኣርብዓ ዓመታት ኣብ በረኻ ተጓዒዞም ምድረ ርስቲ ከምዝወረሱ፡ ኣብ ዘመነ ሓዲስ እስራኤል ዘነፍስ ዝተባህሉ ምእመናን ካብ ዲያብሎስ መግዛእቲ ናጻ ወጺኦም መንግሥተ ሰማያት ንምውራስ ናይ ዝገብርዎ ጉዕዞን ናይ ዝወርስዎ መንግሥቲ ምሳሌ እዩ። ኣብ ነፍስ ወከፍ ጕዕዞኦም ዝተፈጸመ ተኣምራትን ዘጋጠሞም ፈተና ድማ ምሳሌነቱን ትምህርቱን ከምኡውን መለበሚ ተግሳጹ ኣብ ዘመነ ሓዲስ ንዝነብሩ ክርስቲያናት እዩ። ቅዱስ ጳውሎስ ንሰብ ቆሮንቶስ ዝጸሓፎ መልእኽቲ ድማ ጽቡቕ መወከሲ ኣብነት እዩ። 

“ኣሕዋትና፡ ኵላቶም ኣቦታትና ትሕቲ ደበና ኸም ዝነበሩ ኲላቶምውን ባሕሪ ኸም እተሳገሩ፡ ዘይትፈልጡ ኽትኰኑ ኣይፈቱን እየ። ኲላቶም ድማ ብደበናን ብባሕርን ብሙሴ ተጠምቁ። ኵላቶምውን እቲ ሓደ መንፈሳዊ ምግቢ በልዑ፡ ኲላቶምውን እቲ ሓደ መንፈሳዊ መስተ ሰተዩ። ካብቲ ዚስዕቦም ዝነበረ መንፈሳዊ ኸውሒ ዝሰትይዎ እዩ፡ እቲ ኸውሒ እቲ ኸኣ ክርስቶስ ነበረ። ካባታቶም እቶም ዚበዝኁ ግና ንእግዚአብሔር ባህ ኣየበልዎን፡ ስለዚ ኣብ በረኻ ተወድኡ። እዚ ኸኣ ከምቲ ንሳቶም እተመነይዎ ንሕና ነቲ እከይ ምእንቲ ኸይንምነ መለበሚ ምሳሌ ዀኑልና። እምብኣርከ እቲ ሕዝቢ ኺበልዕን ኪሰትን ተቐመጠ ኺሰሐቕውን ተንሥኤ ዚብል ከም እተጻሕፈ ከምቶም ገሊኣቶም መምለኽቲ ጣኦት ኣይትኹኑ። ከምቲ ገሊኣቶም ዝመንዘሩ እሞ ብሓንቲ መዓልቲ ዕስራን ሠለስተን ሽሕ ዝወደቑ ኣይንመንዝር። ከምቲ ገሊኣቶም ዝፈተንዎ እሞ በትማን ዝጠፍኡ ንእግዚአብሔር ኣይንፈትኖ። ከምቲ ገሊኣቶም ዘዕዘምዘሙ እሞ ብመቅሰፍቲ ዘጥፍኦም ኣይነዕዘምዝም። እዚ ዅሉ መለበሚ ኪኸውን እዩ ዝበጽሖም፡ ንኣና እቲ መወዳእታ ዘመናት ንዘርከበናውን ንተግሳጽ ኪዀነና እዩ እተጻሕፈ። ስለዚ እቲ ደው ኢሉ ዘሎ ዚመስሎ፡ ከይወድቕ ይጠንቀቕ።” (ቀዳማይ ቆሮ ፲፥፩-፲፩) 

ስለዚ መጽሓፍ ኵሉ ንተግሣጽናን ምህሮናን እተጻሕፈ ምዃኑ ፈሊጥና ናብቲ ቃሉ ነቕልብ። ሰሚዕና ድማ ንፈጽሞ። ኣይኮነን ግና ምስማዕ ጥራይ ዝጠቕመና ከምዘይኮነ ቅዱስ መጽሓፍ ኣስፊሑ ይነግረና እዩ። ብዓቢዩ ክርስትና ነቲ ቅኑዕ ቃል እግዚአብሔር ሰሚዕካ ብግብሪ ብሕይወት ናይ ምንባር መገዲ እምበር ተጠራጢርካ ትተርፈሉ ወይውን ሰሚዕካ ጥራይ ኣድኒቕካ ወይውን ርእስኻ ነቕኒቅክ ትሓልፎ መገዲ ኣይኮነን። 

ጐይታ ንኵሉ መምስ ምኽንያቱ ንኵሉ ይገብር ከምዝነበረ ኣርብዓ መዓልትን ኣርብዓ ለይትን ምጻሙ ምኽንያት ዘለዎ ምዃኑ ካብቲ ዝተጠቕሰ ምሳሌታት ክንፈልጥ ንኽእል። 

                                                                                                                  ይቕጽል...

No comments:

Post a Comment