Sunday, March 27, 2011

ጾም

ሓሙሻይ ክፋል
ጾም ንመን ይምልከት፧ 

ንመን እሞ ዘይምልከት፧! እወ ንኵሉ ይምልከት! መጽሓፍ’ውን “ወዘተአዘዘሃ ላዕለ ኵሎሙ ክርስቲያን” እዩ ዝብል። (ቀዳማይ ቀሌምንጦስ ኣንቀጽ ፴፰ ኣብ ትእዛዝ ፵ ፍት መን ፲፭) 

ሃይማኖት ዘለዎ ጾም ክህልዎ ናይ ግድን እዩ። ጾም ሕጊ ስለዝኾነ ድማ ኵሉ ከኽብሮ ዝግባእ እዩ። ይኹን እምበር ምእመናን ብፍላይ መንእሰያት ብዘይካ ንውሱናት ኣጽዋማት እንተዘይኮይኑ ከምቲ ዝግባእ ክጾሙ ኣይረኣዩን እዮም፤ ብምዃኑ ድማ ካብቲ ብጾም ዝርከብ ብዙኅ ዝዓይነቱ ጸጋ እግዚአብሔር ተፈልዮም ይርከቡ። ረብሓን ዕላማን ጾም ዝተረድአ ሰብ ንምጻም ክብገስን ክቐዳደምን ይግባእ። ገለ ሰባት ንጾም ከም ከቢድ ጾር ክርእይዎ ንዕዘብ ኢና። እዚ ግና ነቲ ብሥጋ ዝህልዎ ድኻም ወይውን ጥሜት ስለዝርእዩ እምበር ብድኅሪኡ ዘሎ ጸጋ እንተዘስተብህልዎ ንጾም መዓስ ይመጽእ ይኸውን ኢሎም ኣብ ምናፈቕ ምኣተዉ ነይሮም። 
ኣብዚ ናይ ሎሚ ወለዶ ብዙኃን ሕግ እግዚአብሔር ንረብሓና ዝተሓገገ ምዃኑን እቲ ሥርዓቱ’ውን ኣብ መንፈሳዊ ሕይወትና ልኡል ኣበርኽቶ ከምዘለዎ ኣየስተውዕልዎን እዮም። ቅድምን ልዕልን ኵሉ ፍቕሪ እግዚአብሔር ኣብ ልብና እንተዝሰርጽ ነይሩ፤ ንሕግን ቃላትን እግዚአብሔር ክንደይ መፍቀርናዮ ነይርና። ምኽንያቱ ንመንገድና ብርሃን እዩ። ከም ልበይ ረኸብኩ ዝተባህለሉ ቅዱስ ዳዊት ንሕጉ ይናፍቕ ምንባሩን፤ ካብ ሕጉ ከይልግስ ድማ ከምዝተጋደለን፤ ብሕጉ ድማ ወትሩ ባህ ከምዝብሎ ከምዝሕጐስን እዩ ገሊጹ። (መዝ ፻፲፱ ተመልከት) ግደ ሓቂ ናይ ሎሚ ወለዶ ኣይግድን። ሕግን ሥርዓትን ቤተ ክርስቲያን ከዕኑ እምበር ክሃንጽን ክነብረሉን ዝርከብ እናውሓደ ይመጽእ ኣሎ። እቲ ኣምላኽና ኣብ መልዕልተ መስቀል ተሰቒሉ ስሌና ክብል ንዝፈጸሞ ጕዕዞን ፍቕርን ኣብ ልብና ተተኺሉ እንተዝነብር ነይሩ፤ ነቲ ሕጉ ከም “ጾር” ክሓስብ ዝነቐለ ኅሊና ፈጺሙ ምርሓቐ ነይሩ። በረኻ ዝወፍር ሰብ ስንቂ ክቋጽር ከሎ “ማይ ይሽከመካ እምበር ኣይትሸከሞን” ተባሂሉ እኹል ማይ ክጸውር ከምዘለዎ ምኽሪ ከምዝውፈየሉ፤ ኣብ ሃይማኖት ዘሎ ሰብ’ውን ጾም ንሰብ ዝጸሮ (ኣብ ፍኖተ ሕይወቱ ዝሕግዞን፤ መገዲ ዝሕብሮን) እዩ እምበር ሰብ ንጾም ከም ጾር ክወስዶ ዘይግባእ እዩ። 

በዚ ይኹን በቲ ብመሠረት ሥርዓት ቤተ ክርስቲያን ብኣዋጅ ንዝተሠርዑ ኣጽዋማት ዕድሚኡ ሸውዓተ ዓመት ዝመልዐ ኵሉ ክጾሞም ትእዛዝ እዩ። ክርስቲያን ዘበለ ድማ ብደዌ ሥጋ ተታሕዚ ኣብ ሕማማ ምስ ዝወድቕን ወይውን ካልእ ጽኑዕ ጕዳይ ገጢምዎ/ዋ (ንምሳሌ ጥንስን ሕርስን፡ ውትህድርና፡ ወይውን ኣብ ርሑቕ መገሻ ከሎ መዓልቲ ጾም ከይተረድኦ ዝተጋገየ ሰብ) ብምኽርን ፈቓድን ካህን ህየንትኡ (መተካእታ) ቀኖና ተቐቢሉ እንተዘይኮይኑ ነዚ ጾም ክሥዕሮ ዝኽእል ዋላ ሓደ መመኽነይታ ክርከብ ኣይከኣልን እዩ። “ዘእንበለ ዘሀሎ ቦቱ ደዌ ክሡት” (ጽኑዕ ደዌ ዝሓመመ እንተኾነ እምበር) ይብል ቀዳማይ ቀሌም ፴፰። ጾም ኣብ መበል ሸውዓተ ዓመት ብሕጊ ከምዝጅምር ንግልጽ ደኣ እምበር፤ ቤተ ክርስቲያን ንህጻናት ኣብ መዓልቲ ጥምቀቶም ማለት ኣብ ፵ን ፹ መዓልቶም ካብ ጡብ ኣዲኦም ከምዝኽልከሉ ብምግባር ንዝተወሰነ ውሑድ ሰዓት ከም ዝጾሙ ብምግባር ንጾም ተፈልሞም ምዃና ፍሉጥ ኮይኑ እዚ ድማ ንጾምን ንቅዱስ ሥግኡን ክቡር ደሙን ዘለዋ ኽብሪ ዘመልክት እዩ። 

ጾም ንኵሉ ይምልከት ክንብል ከሎና ብዘይካ ኣብ ላዕሊ ዘንጸርናዮ እንተዘይኮይኑ ጾታ፡ ሞያ፡ ደረጃ ትምህርቲ፡ መዝነት፡ ሃገር፡ ቦታ፡ ወገን ወዘተ ዝፈሊ ኣይኮነን። ሰባት ግና ብጊጉይ ርድኢት ንኣገልግልቲ ቤተ ክርስቲያን ወይውን ኣብ ቤተ ክርስቲያን ብቀጻሊ ንዝመላለሱ ትጉሃት ምእመናን ወይውን ሓደ እግሮም ኣብ መቓብር ንዝኣተወ ዓበይቲ ሽማገለታትን ኣረገውትን ወይውን ንስኡናት ገይሮም ክሓስቡ ይረኣዩ እዮም። እዚ ግና ቀልጢፉ ክፍወስ ዝግብኦ ሕማቕን ጠዋይን ርድኢት እዩ። ጾም እኳ ደኣ ንኣጕባዝን ጐራዙን መንእሰያት ዝያዳ የድልዮም፤ ከመይሲ ብዘይካ እቲ ካልእ ረብሓታቱ ናህሪ ሥጋዊ ስምኢቶም መግትኢ ይኾኖም፤ ብቅድስና ክነብሩ ድማ ይሕግዞም። ኣብ ዝተፈላለየ መዝነትን ኃላፍነትን ንዘለዎ ሰባት እምብዛ ምጻም ከገድሶም ኣለዎ፤ ምኽንያቱ ነቲ ዝመርሕዎን ዝፈርድዎን ብአርኣያ ሥላሴ ዝተፈጥረ ሰብ ብቅንዕናን ብርቱዕን መገዲ ክመርሕዎን ከምኡውን ነዚ ዝሕግዞም ጥበብ ምሕደራ ክስንቑን ኣብ ኣተሓሕዛ ጕዳያት ዝሕግዞም ሜላ ካብ እግዚአብሔር ክረኽቡ የኽእሎም። ካልኦት’ውን በብናቶም ዝኒ ከማሁ። 

ስለዚ ሰይጣን ዝመንቀሊኡ “ንብላዕ” ዝብል ጭርሖ ጸማም እዝኒ እናሃብና ብሥጋዊ ምኽርን ምኽኒትን ከይተዓሻሸና ናብ ጾም ምቕራብ ይሕሸና። 

ኣብ ግዜ ጾም ካብ ምንታይ ኢና ንጸውም፧ 

ካብ ምንታይ ምንታይ ኢና ኣብ ጊዜ ጾም ንጸውም ክብሃል ከሎ ካብ ምንታይ ንኽልከል ማለት ከምዝኾነ ርዱእ ነገር እዩ። ኣብቲ ሰዓታት ጾም ካብ ዝኾነ ዓይነት መግብን መስተን ጾይምካ ምውዓል ክኸውን ከሎ፤ ድኅሪ እቲ ውሱን ሰዓታት ጾም ድማ ብመሠረት ሥርዓት ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ጊዜ ጾም ክንበልዖም ካብ ዘይፈቀዱልና መባልዕ ርሒቕና ነቶም ፍቑዳት ጥራይ ብምጡን ዓቐን ምብላዕን ምስታይን ማለት እዩ። 

እቶም ኣብ ጊዜ ጾም ፈጺሞም ዘይብልዑ ድማ ብሓፈሻ መዓዛ ሥጋ ዘህብትሙ፡ ፈቓድን ፍትወትን ሥጋ ዘኅይሉ፡ ቅብዓትን ሥጋን ዝርከብዎም ውጽኢት እንስሳ ዘበሉ ኵሎም ማለት እዮም። “ወኢይትበላዕ ቦሙ ሥጋ እንስሳ ዘይወፅእ እምኔሁ ደም (ደም ዝወጾ ሥጋ እንስሳ ኣይብላዓሎምን እዩ)” ከምኡ’ውን “ወኢዘውእቱ እምነ እንስሳት” (ካብ እንስሳት ዝርከብ ጸባ ጠስሚ ብጥቕልሉ ውጽኢት ጸባ እንቛቕሖ ኣይብልዓሎምን) ይብል ፍት መንፈ ፲፭። እዚኦም እንሰሳታት ንብሎም ድማ ኵሎም ብደመ ነፍስ ዝንቀሳቐሱ ኣብ ሰማይ ይኹን ኣብ ምድሪ እንተላይ ኣብ ባሕሪ ዝነብሩን ዝንቀሳቐሱን ብዘርእን ብሩካቤን ዝፋረዩን ዝዋለዱን እዮም። 

ቅዱስ ዳዊት’ውን ከምዚ ዓይነት ጾም ይጸውም ከምዝነበረ ክንፈልጥ ቅዱስ መጽሓፍ ይነግረና። “ኣብራኸይ ብጾም ራዕራዕ በለ፡ ሥጋይ ከኣ ካብ ስብሒ ዐበረ።” (መዝ ፻፰(፱)፥፳፬) ደጊሙ’ውን ቅዱስ ዳዊት ከምዚ ይብል “ንነፍሰይ ብጾም ቀጻዕክዋ” (መዝ ፴፬(፭)፥፲፫) ነቢይ ዳንኤል’ው ብተመሳሳሊ ከምዚ ይብል። “እተን ሠለስተ ሰሙን ክሳዕ ዚፍጸማ፡ ጥዑም መባልዕ ኣይበላዕኩን፡ ሥጋን ወይንን ናብ ኣፈይ ኣየእቶኹን፡ ዘይቲውን ኣይተለኼኹን።” (ዳን ፲፥፫) እዞም ክልተ ዓበይቲ ኣቦታትን መጻሕፍቶም ሥርዓተ ጾም ኣብ ምግላጽ ክንደይ ግሩም ኣብነት እዮም። ቤተ ክርስቲያን’ውን ኣብ ጊዜ ጾም “እዘን እዘን” ምግባታት ኣይብልዑን ኢላ ክትሠርዕ ከላ ንኸምዚኦም ዝኣመሰሉ ቅዱሳት መጻሕፍቲ መሠረት ገይራ ምዃኑ ልቦና ዘለዎ ጽን ይበል። 

ንጾም ብመንፈሳዊ ትርጕሙ ክንርእዮ ከሎና ድማ ካብ ክፉእ ዘበለ ኵሉ ሕዋሳት ኣካላትካ ምዕቃብ፤ ዋላ ካብቲ ዝፈቀደልናን ብሥጋ እንሃርፎን ዝኾነ ነገር ነፍስና እናተሓረምና ዝያዳ ምስ ኣምላኽ ንራኽበሉ መንፈሳዊ ግብርታትን ትሩፋትን ምግባር እዩ። ብመንጽር እዚ ክረአ ከሎ ድማ ከምዚ ዓይነት ምዕቃብ ኣብ ጊዜ ጾም ጥራይ ዝውሰን ዘይኮነስ ኣብ ምሉእ ሕይወትና ክንነብሮ ዝግባእና እዩ። በዚ መሠረት ድማ ኣዕይንትና ክፉእ ካብ ምርኣይ፤ ኣእዝና’ውን ክፉእ ካብ ምስማዕ፤ ልሳንና’ውን ክፉእ ካብ ምዝራብ፤ ኣእጋርና’ውን ክፋእን ርኽሰትን ናብ ዘለዎ ቦታ ካብ ምስጓም ወዘተ ምቝጣብ ማለት እዩ። ብዘይካ ቅዱስ ያሬድ ኣብ ጾመ ድጓ “አፍ ይጹም …” ኢሉ ንመንፈሳዊ ጾም ተንቲኑ ዝገለጸሉ መዝሙራዊ ንባባቱ ካልኦት መጻሕፍቲ ቤተ ክርስቲያና’ውን ምስዚ ቃል ዚሰማማዕ ኃይለ ቃላት ይውስኽሉ እዮም። “ጾምሰ አኮ ጾዊም እምኅብስት ወማይ ባሕቲቱ ይጹም ልሳንከሙ እመነገረ ውዴት” (ጾምሲ ካብ እንጌራን ማይን ጥራይ ምኽልካል ኣይኮነን። ልሳንኩም ካብ ነገረ ውዲት ይጹም ይብል። እዚ ማለት ልቢ ሰብ ካብ ምውጋእን ምድማይን ካብ ምክሳስን ምትሕምማይን ካብ ተንኰል ምፍሓር ይተዓቀብ ማለት እዩ) (ኣረጋዊ መንፈ. ፲፥፫ መጽ. ፊልክ ቍ. ፪፻፵) 

ጾም ክንብል ከሎናውን ካብቲ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ ነገራት ምኽልካል ጥራይ ዘይኮነስ ምስኡ ድማ ኣብ ጊዜ ጾምና እግዚአብሔር ዝፈትዎን ንዕኡ ዘሥምር ሰናይ ግብሪ ምግባር እዩ። 
ኣብ ግዜ ጾም ክንገብሮ ዝግብኡና ነገራት እንታይ እዮም፤ ርቱዕን እግዚአብሔር ዝፈትዎ ጾም ከ ከመይ ዝኣመሰለ እዩ፧ 

ጾም ክበሃል ከሎ ካብ እኽለ ማይ ምኽልካልን ጥራይ ዘይኮነስ ሕዋሳትካ ካብ ክፉእ ዘበል ምዕቃብ ምዃኑ ኣብ ዝሓለፈ ብሰፊሑ ተገሊጹ እዩ። ህንጽ ዝወዓልናዮ መሊስና ከየነፍርሶ፡ ሰዓታት ጾም ምስ ተፈጸመውን ከይፈለኻ ንዅሉ ምእካብን ኣብዚኅካ ምብላዕን ምስታይን ዘይኮነስ ብዓቐን መጢንካ ምብላዕንን ምስታይን እዩ። ዝብኢ ብጸገሙ ቀትሪ ካብ ኵሉ ተኸልኪሉ ተወሲኑ ድኅሪ ምጽናሕ ምስ መሰየ ዝርካቡ ከምዝበልዖ ዓይነት ክንከውን የብልናን። ብተወሳኺውን ኣእምሮ ጐዲኦም ንሰብ ኣስኪሮም ክፉእ ንክሓስብን ክሰርሕን ካብ ዝገብርዎ ኣልኮላዊ መስተታት ምዕቃብ ይግባእ። “… ወእምወይንሰ ወሥጋ ተገሃሡ በእሉ ዕለታት (በዘን ዕለታት ወይን ካብ ምስታይ ሥጋ ካብ ምብላዕ ተኸልከሉ) እስመ ዕለታት ኀዘን እሙንቱ (ናይ ኃዘን ናይ ልቕሶ ዕለታት እዮም) ወኢኮኑ ዕለታተ በዓላት (ናይ ሓጐስ ተድላ ዕለታት ኣይኮኑን)” ፍትሕ መንፈሳዊ ኣንቀጽ ፲፭።እዩ። ካብ ሥጋን ጠስምን ተቘጢብና ሰኺርና ኃጢኣት ንፍጽም እንተኾይንና ኣበይ ደኣሉ እቲ ጾም፧ (ዳን ፲፥፪-፫ ዲድስ ኣንቀ ፳፱)። ርእስና ከይነታልል ደኣ እምበር ኣምላኽሲ ኣይዕሾን እዩ። 

ጾምና ሥርዓቱ ኃሊዩ ክኸይድ ግቡእ ስለዝኾነ ኣብ ጊዜና ጾምና ተጊህና ክንጽልይን ኣብ ጸሎተ ቅዳሴ ክንሳተፍን ይግባእ። ምስኡ ድማ ስግደትን ምጽዋትን ከነዘውትር ዓቢ ጸጋ ዘለዎ እዩ። ብቀጻሊን ብስሩዕን ድማ ሕይወትና ብቃለ እግዚአብሔር ክትልምልም ምእንቲ፡ ናብ መምህራን ቀሪብና ንመሃርን ቅዱሳት መጻሕፍቲ ድማ ነንብብን። 

ነቲ ብኃጢኣት ዝረሰሐ ሰብነትና ድማ ብምኽረ መምህረ ንስሓ እናተጓሰና ነፍስና ንሕጸባን ነንጽሃያን። ብዓቢ ፍርሓትን ክብርን ድማ ምእንታና ክብል ኣምላኽና ንዝቖረሰልና ቅዱስ ሥግኡን ዘፍሰሰልና ክቡር ደምን ንብላዕን ንስተይን። ንሱ ድማ እዩ ብርግጽ ሕይወት ዝኾነና። 

እግዚአብሔር ዝፈትዎን ዝሥመሮን ጾም ክንጸውም እንተደኣ ኮይንና ኣብ ጾምና ጸሎትን ስግደትን ምጽዋትን ንስሓን ከነዘውትር ከዝግባእና ኵልና ንርድኦ ነገር እዩ፤ ይኹን ደኣ እምበር እዚ’ውን ጥራይ እዅል ኣይኮነን። ሰናይ ምግባራት ክንገብርን ንትሩፋት ተጊህና ክንርከብን ይግባእና። ጾም ፍቕርን ኣንብዓ ንስሓን እንተዘየሰነይዎ ከንቱ ምዃኑ ክንዝንግእ ዘይብልና ሓቂ እዩ። ምስኡ ድማ ልግሲን ለውሃትን ከሰንይዎ ይግባእ። እግዚአብሔር ብነቢይ ዘካርያስ ሓዲሩ ንዝተዛረቦ ምስምዑ ድማ ዝያዳ ንጹር ይገብረልና። “እግዚአብሔር ጐይታ ሠራዊት ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ሓቀኛ ፍርዲ ፍረዱ፡ ንሓድሕድኩም ድማ ሰናይን ምሕረትን ግበሩ። ንመበለትን ንዘኽታምን ንስደተኛን ንድኻን ኣይትግፍዑ፡ ካባኻትኩምውን ሓደ እኳ ብልቡ ንሓዉ እከይ ኣይሕሰበሉ።” (ዘካ ፯፥፱) 

ክርስቲያናዊ ጾም ከምቶም ኣይሁድ ፈሪሳውያን ስለ ሕግን ሥርዓትን ምፍጻም ጥራይ ዝጽወም ዘይኮነስ ጽድቅን ጸጋን ዝውሃበሉ ንእግዚአብሔር ባህ እንብለሉን ምስኡ ድማ ዘራኽብና መንፈሳዊ መገዲ እዩ። ስለዚ እዩ ድማ ጐይታ “ለእመ ኢፈድፈደ ጽድቅክሙ እምጸሐፍት ወእምፈሪሳውያን ኢትበውኡ ውስተ መንግሥተ ሰማያት” (ጽድቅኹም ካብ ጽድቂ ጻሓፍትን ፈሪሳውያንን ኣዝዩ እንተ ዘይበዝኄ ናብ መንግሥተ ሰማያት ከቶ ኣይትኣትዉን ኢኹም” ዝበለ፣ (ማቴ ፭፥፳) 

ኣብ ኢሳይያስ ሓዲሩ’ውን እግዚአብሔር ዝፈትዎ ጾም እንታይ ዓይነት ምዃኑ ኣረድኣና፡ ከምዚ ከኣ በለ። “እቲ ኣነ ዝፈትዎ ጾምሲ ንመኣሰር እከይ ምፍታሕ፡ ንማእሰርቲ ኣርዑት ምዝላቕ፡ ንጥቑዓት ምውጻእ ሓራ፡ ኣርዑት ዘበለ ዅሉውን ምስባርዶ ኣይኰነን፧ እንጌራኻ ንጥሙይ ክትመቅል፡ ነቶም እተሰዱ ድኻታት ናብ ቤትካ ኸተእቱ፡ ዕሩቕ እንተ ርኤኻ ኽትከድኖ፡ ካብ ሥጋካውን ከይትሕባእዶ ኣይኰነን፧ ሽዑ ብርሃንካ ኸም ወጋሕታ ዀይኑ ኺወጽእ፡ ምሕዋይካ ኸኣ ቀልጢፉ ኺበቊል፡ ጽድቅኻ ድማ ቀቅድሜኻ ኪኸይድ፡ ክብሪ እግዚኣብሔርውን ደጀንካ ኪኸውን እዩ። ሽዑ ኽትጽውዕ፡ እግዚኣብሔር ከኣ ኪመልሰልካ፡ ከተእዊ፡ ንሱ ድማ፡ እኔኹ ኪብል እዩ። ነርዑት፡ ንምውጥዋጥ ኣጻብዕ፡ ንሕማቕ ዘረባ ኸኣ ካብ ማእከልካ እንተ ኣርሐቕካ፡ ካብ ናብ ነፍስኻ ንጥሙይ እንተ መቐልካ፡ ንጭንቕቲ ነፍሲ እንት ኣጽገብካ፡ ሽዑ ብርሃንካ ኣብ ጸልማት ኪወጽእ፡ ጸልማትካውን ከም ቀትሪ ኪኸውን እዩ።” (ኢሳ ፶፰፥፫-፭) 
  • ኣብዚ ግዜ ጾምና ክንገብሮም ካብ ዝግብኡና ሰናይ ተግባራት ንትምህርቲ ክኾነና ንገሊኦም ክንጠቅስ ኢና፦ 
  • እግዚአብሔር ኣምላኽ ይቕረ ክብለና፡ ነንሕድሕድና ይቕረ ንበሃሃል። 
  • እግዚአብሔር ኣምላኽ በደልና ከይጽብጽበልና፡ ነቶም ዝበደሉና ንግደፈሎም። 
  • እግዚአብሔር ኣምላኽ ጐደሎና ክምልእ፡ ነቶም ዝጐደሎምን ዘይብሎምን ንመልኣሎም። 
  • እግዚአብሔር ኣምላኽ ኣብ ጊዜ ጸገምና ክበጽሓልና፡ ነቶም ክብጽሑ ዝግብኦም ንብጽሓዮም። 
  • እግዚአብሔር ኣምላኽ ኣብ ጊዜ ሽግርና ከጸናንዓን፡ ነቶም ሽጉራትን ኣብ ቀቢጸ ተስፋ ዘለዉን ነጸናንዓዮም። 
  • እግዚአብሔር ኣምላኽ ረድኤቱ ከብዝኃልና፡ ነቶም ረዳኢ ዘይብሎም ኣይንግፍዓዮምን ንርድኣዮምን። 
  • እግዚአብሔር ኣምላኽ ኣባታዊ ርኅራኄኡ ከልግሰልና፡ ነቶም ዘኽታማትን መበለታትን ጸግኢ ንዅኖም። 
  • እግዚአብሔር ኣምላኽ ብጸግኡ ክኸድነና፡ ካብ ክዳንና ዕሩቕ ንኽድን። 
  • እግዚአብሔር ኣምላኽ ብጸግኡ ከጽገበናን ክርወየናን፡ ጥሙይ ነብልዕን ጽሙዕ ነስትይን። 
  • እግዚአብሔር ኣምላኽ ኣብ ሰማያዊ ቤቱ ክቕበለና፡ ጋሻን ጽጉሙን ኣብ ቤትና ብሓጐስ ንቐበል። 
  • እግዚአብሔር ኣምላኽ ኣብ ሰማያዊ መዝገብ ስምና ክጽሕፎ፡ ንነዳያን ካብ ገንዘብና ንመጽውት። 
  • እግዚአብሔር ኣምላኽ ነቶም ጸላእቱ ዝነበረና ከምዘፍቀረና፡ ንሕና’ውን ንዝጸልኡና ኣብ ጊዜ ጾምና ንጽለየሎም። 
  • እግዚአብሔር ክድንግጸልናን ክምሕረናን፡ ንሕና’ውን ዓመጽ ገዲፍና መሓርትን ቅኑዕ ፈረድትን ንኹን። 
  • እግዚአብሔር ነቶም እሱራት ዝነበርና ከምዝበጸሓናን ሓራ ከምዝገበረናን፡ እሱራት ንብጽሓን ነጸናንዕን 
  • ወቦ ዘተርፈ 
ከምቲ ጽሑፍ ዝብሎ “ነቲ ዝረኣዮ ሓዉ ዘየፍቅሮስ፡ ነቲ ዘይረኣዮ ኣምላኽ ኬፍቅሮ ኣይከኣሎን እዩ እሞ ንሓዉ እናጸልኦስ ንኣምላኽ ኤፍቅሮ እየ ዚብል እንተሎ ንሱ ሓሳዊ እዩ።” (ቀዳማይ ዮሐ ፬፥፳) ደጊሙውን ዮሓንስ ፍቁረ እግዚእ ከምዚ ይብል “ግናኸ ዝዀነ ይኹን ጥሪት እዛ ዓለም እዚኣ ዘለዎ እሞ ሓዉ ተሸጊሩ ኸሎ እናረኣዮስ ድንጋጹ ዚዐጽወሉ፡ ፍቕሪ ኣምላኽ ከመይ ኢላ ኣብኡ ትነብር፧” (ቀድማይ ዮሐ ፫፥፲፯) እሞ መልእኽቲ ጾም ምስቲ ጾምና ሰናይ ብምግባር ንእግዚአብሔር ባህ ዘብል መገዲ ፍቕርን ሰናይ ተግባራትን ምስዓብ እዩ እሞ ነዛ ፍኖተ ሕይወት ኵልና ንስዓባ። 

ንጾም ጾም ዘብሎ ድማ እዘን ነገራት ኣጣሚርና ፈጺምና ምስ ንርከብ እምበር ካብ መግቢ ስለዝተኸልከልና ጥራይ ከምዘይኮነ ከነስተውዕሎ ጽቡቕ እዩ። እቶም ተጠራጠርቲ’ውን ጾም ማለት ሰናይ ግብሪ ማለት እምበር ካብ ምግቢ ምኽልካል ኣይኮነን ኢሎም ከየግርሁና ድማ ሥምረት ክልቲኡ ምዃኑ ፈሊጥና ኣጽኒዕና ንሓዝ። 

ኣብ ጊዜ ጾም ክፍጸሙ ዘይብሎም ከ፧ 

ኣብ እዋን ጾም ክገበሩን ከይገብሩን ዝግብኦም ነገራትን እቲ ቅኑዕ ሥርዓትን ኣብ በብኣርእስቱ ክንጠቕሶም ጸኒሕና ኢና። ኣብዚ ንኡስ ርእሲ ድማ ገለ ተወሰኽቲ ዝበልናዮም ሕጽር ኣቢልና ክንጠቅስ ኢና። ቅዱስ መጽሓፍ’ውን ዓቢይ ጾም ኣባኻትኩም ክቡር ይኹን ከም ዝበሎ ብፍላይ ኣብ ዓቢይ ጾም ብዝያዳ ክንጥንቀቕሎም ዝግብኡና ነገራት ኣለዉ። “ወይኩን በኀቤክሙ ክቡረ ጾመ ፵” (ድስቅ ፳፱) 
  • ኣብ ጊዜ ዓቢይ ጾም ብፍላይ በዓለ ሰማእታት ብመብልዕን ብመስተን ምኽባር ኣይፍቐድን እዩ። ከምቲ ዮሓንስ ኣፈወርቅን ቅዱስ ባስልዮስን ዝበልዎ’ውን ብመሠረቱ በዓል ምብዓል’ውን ስለ መብልዕን መስተን ኣይኮነን። “ወናሁ ይቤሉ ባስልዮስ ወአፈወርቅ እስመ ገቢረ በዓልሰ አኮ በመብልዕ ውእቱ” ይብል። ከምኡ’ውን ኣብ ሎዶቅያ ዝተኣከቡ ሊቃውንቲ ኣብ ዝጸሓፍዎ መጽሓፍ ኣብ እዋን ዓቢይ ጾም በዓለ ሰማእታት ብመብልዕ ብመስተ ከነኽብር ኣይግባእን ኢሎም ኣለዉ። “ወኢይደሉ በጾመ ፵ ከመ ናብዕል ዕለተ ሰማዕታት - ኣላ ይኩን ተዝካረ ሰማዕታት በእሑድ ወሰንበት” (ቀዳም ሰንበት ይኹን እምበር። ሰኑይ - ረቡዕ እንተወዓለ ብዝቀደመ ሰንበት፡ ሓሙስን ዓርብን እንተወዓለ ድኂሩ ንዝመጽእ ቀዳምን ሰንበትን ይኸውን) ኢሎም ኣብ ጉባኤያቶም ኣዚዞም ኣለዉ። (ዶቅ ፶ወ፩) “ወሶበ ኀብረ በዓለ ሰማእታት ምስለ ጾም (ኣብ ዓቢይ ጾም ምስ ዝውዕል) ብመብልዕን መስተን ከይኽበር፤ ነዚ ዝገበረ ካህን ወይ ኤጲስቆጶስ ንብዙኃት ሰባት ናይ ኃጢኣት ኣብነት ስለዝኾነ ይሥዓር ክብሉ ኣዚዞም ኣለዉ። ሰባት ግና ብፍቓዶም ብመብልዕን ብመስተን ምስ ዝኸብርዎ ግና እቲ ኤጲስ ቆጶስ ወይውን ቀሲስ የውግዞም። ምኽንያቱ እዞም ሰማእታት ጠሚዮምን ጸሚዖምን ብሓዊ ነዲዶም እዮም ዝዓረፉ (እስመ እሉ ሰማዕታት ሞቱ ወውዕዩ በእሳት እንዘ ርኁባን ወጽሙዳን) ይብል። 
  • ኣብ ጊዜ ጾም ሰብኣይን ሰበይትን ኣብ ሓደ ዓራት ኣይድቅሱን (ሥጋዊ ፈቓዳቶም ኣይፍጽሙን) እዮም። (ቀዳማይ ቆሮ ፮፥፭) ፍትሕ መንፈሳዊ’ውን ሰብኣይን ሰበይትን ኣብ ምንጻፍ ዘይራኸቡሎም ገሃድ፡ ረቡዕ ዓርቢ፡ ነነዌ፡ ዓቢይ ጾም (እንተላይ ሕርቃል ወሕማማት) እዮም ይብል። “ወኢይኑም ብእሲ ምስለ ብእሲቱ በመዋዕለ ጾመ ፵”። ኣርእስቱ ኣይኮነን ደኣ እምበር ኣብ ዓበይቲ በዓላትን ሰናብቲ’ውን ከምኡ ኽልኩል እዩ። 
  • ኣብ እዋን ጾም መርዓ ከብካብ ኣይግበርን እዩ። “ወኢይደሉ በጾመ ፵ ገቢረ ከብካብ” (ዶቅ ፶ወ፪ ትእዛዝ ፶፪) ብፍላይ ኣብ ዓቢይ ጾም ሓዘንን ጸሎትን ደኣ እምበር ሓጐስ ዝተሓወሶ ነገር ምግባር ፍቑድ ኣይኮነን። ካልእ ይትረፍሲ ሰበይቲ እኳ እንተሓረሰት ሓጐስ ዕልልታ ዝፍቀድ ኣይኮነን። “ወኢብእሲት ሶበ ትወልድ” ኢሉ የጠንቅቕ። 
  • ኣብ ዓቢይ ጾም ንሰብ ናብ መስተ ምዕዳምን ምጽዋዕን ኣይፍቀድን። “ወኢይጸውዑ ሰብአ ኀበ መካነ ስቴ ለሰትይ” (በስ ፸) ከምኡ’ውን ዘስክር መስተ ምስታይ ኣይፍቀድን እዩ። “ወኢይደሉ ይስተይ መኑሂ እምካህናት ወይነ በጾመ ፵” (ባስልዮስ ኣብ ዝጸሓፎ መጽሓፋ ፸፯ ኣንቀጽ) ከምኡውን ኣብ ረቡዕ ዓርቢ ብተመሳሳሊ ዝምልከት ምዃኑ ከነጽር “ወኢበጾመ ረቡዕ ወዓርብ” ኢሉ ይውስኸሉ። 
  • ኣብ እዋን ጾም ኣብ ቤት ምሕጻብ (ኣብ ቤት ውሸባ) ምእታው’ውን ዝፍቐድ ኣይኮነን። “ወኢይባእ ውስተ ቤተ ምሕፃብ” 
  • ብፍላይ ኣብ ሰሙነ ሕማማት ምስቲ እዋን ዝኸይድ ዝግባእን ዘይግባእን ነገር ክንፈልጦ ዝግባእ እዩ። ኣብ ጊዜኡ ብሰፊሑ መምስ ምኽንያቱ ዝግለጽ እኳ እንተኾነ ንጊዜኡ ግና ከነስተውዕለሎም ምእንቲ ንገሊኦም ክንጠቕሶም ኢና። ጌጽ መጋየጺ ዝወዲ ኣይሃሉ፤ ኣንስቲውን መጋየጽኤን የንብራ ክብል ይእዝዝ። “ወኢይሠርገዉ በእሎን መዋዕላት” – “ወአንስትኒ ይግድፉ ሥርጋዌሆን” ይብል። ጥምቀተ ክርስትና ኣይፈጸምን እዩ። “ወኢይኩን በሰሙነ ሕማማት ጥምቀት ክርስትና” ከምኡ’ውን ሢመተ ክህነት ኣይወሃብን እዩ። “ወኢሢመተ ክህነት” ከምኡ’ውን ንዝዓረፈ ጸሎተ ፍትሓት ኣይበጽሓሉን እዩ፤ ሥርየት’ውን ኣይወሃብን እዩ። “ወጸሎተ አስተብቍዖ ላዕለ ምውታን” 
  • ወቦ ዘተርፈ 
       ንሕና ንገሊኦም ኣብዚ ጠቒስና ኣሎና፤ ብወገንኩም ድማ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ተመልኪትኩምን ሊቃውንቲ ቤተ ክርስቲያን   
       ሓቲትኩምን ከተስፍሕዎ ንላበወኩም። ብዝበለጸ ድማ ምስ መምህረ ንስሓ ምልዛብን ትምህርቲ ምውሳድን ኣገዳሲ እዩ። 

                                                                                                                     ይቕጽል...

No comments:

Post a Comment