Thursday, March 24, 2011

ዓቢይ ጾም

ሓሙሻይ ክፋል
ኣምላክ ክነሱ ብኸመይ “ጠመየ” ተባህለ

ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ፵ መዓልትን ፵ ለይትን ድኅሪ ምጻሙ ቅዱስ መጽሓፍ “ጠመየ” ይብል። ጐይታ አምላክ ወልደ አምላክ ክነሱ፤ ኣምላኽነቱ ድማ ናይ ባህርይኡ ዝኾነ ከመይ ገይሩ ደኣ “ጠመየ” ተባህለሉ? እንታይ ትምህርቲ ከ ኣለዎ 

ካብ ሠለስቱ ኣካላት ማለት አብ ወልድ መንፈስ ቅዱስ እቲ ሓደ ወልደ እግዚአብሔር፡ ዓለም ድኅሪ ምፍጣሩ ድኅሪ ሓሙሽተ መዓልትን ፈረቓን (፭ሺሕ፭፻ ዓመታት) ብዝተፈለየ ኣካሉ ካብ ቅድስት ድንግል ማርያም ካብ ሥጋኣ ሥጋ ካብ ነፍሳ ነፍስ ተወሓሒዱ ፍጹም ሰብ ኮነ። ሓደ ኣካል ሓደ ባህርይ ኮነ፤ ወልደ አብ ወልደ ማርያም ብክልተ ልደት ተዋሕዶ ከበረ። እዚ ድማ ንቤዛ ዓለምን ኣርኣያ ንምዃንን እዩ። ብተዋሕዶ ምንታዌ (ክልተነት) ጠፊኡ እዩ። ምኽንያቱ ቅድሚ ተዋሕዶ በበይኖም ዝነበሩ መለኮታዊ ባህርይን ሥጋዊ ባህርይን፤ ከምኡውን መለኮታዊ ኣካልን ሥጋዊ ኣካልን ብተዋሕዶ ሓደ ኮይኖም እዮም። እዚ ማለት ብተዋሕዶ ካብ ክልተ ባህርይ ሓደ ባህርይ፤ ካብ ክልተ ኣካል ሓደ ኣካል ኮነ ማለት እዩ። ብምዃኑ ድማ ክርስቶስ ኣምላኽና ሓደ ኣካል ሓደ ባህርይ እዩ። ድኅሪ ተዋሕዶ እዚ ናይ መለኮት ግብሪ እዩ፡ እዚ ድማ ናይ ትስብእት ግብሪ እናተባህለ ኣይምቀልን ኣይከፋፈልን። ኵሉ እቲ ክርስቶስ ዝገበሮ ናይ ሓደ ሥግው ቃል ኢየሱስ ክርስቶስ ግብሪ እዩ። 

በዚ መሠረት ድማ ኣብነት ክኾነና ክርስቶስ ኣምላኽና ካብ ዝገበሮ እንተጠቐስና፦ ክውለድ ከሎ ብጨርቂ ዝተጠቕለለ፡ ሰብአ ሰገል ዝሰገዱሉ፡ ናብ ምድረ ግብጺ ዝተሰደ፡ ማይ ናብ ወይኒ ዝለወጠ፡ ካብታ ሣምራዊት ማይ ዝለመነ፡ ዘይነጽፍ ማየ ሕይወት፡ ዝደኸመ፡ ንድኹማት ኃይሊ ዝህብ፡ ንጥሜቱ ፍረ በለስ ዝደለየ፡ ኅብስት ኣበርኪቱ ብዙኃት ዝምገበ፡ ዝሰገደ፡ ዝጸለየ፡ ጸሎት ሰባት ዝሰምዕ፡ ልብን ኵሊትን ዝምርምር፡ ዝተታሕዘ፡ ክሕዝዎ ንዝመጹ ብቃሉ ፍግም ዘበለ፡ ኣዕይንቲ ዘብርሀ፡ ዝተገርፈ፡ ዝተወቕዐ፡ ዝተሰቕለ፡ ዝተሸንከረ፡ ኣኽሊል እሾኽ ዝደፈአ፡ ንሰማእታት ኣኺልል ዓወት ዝዕድል፡ ጐኑ ዝተወገአ፡ ዝሓመመ፡ ንሕሙማት ዝፈወሰ፡ ዝሞተ፡ ንፀሓይ ዘጸልመተ፡ ንምድሪ ዘነዋወጸ፡ ዝተቐብረ፡ ዝተንሠአ፡ ዝዓረገ ንሱ ሓደ ሥግው ቃል ኢየሱስ ክርስቶስ እምበር ካልእ ኣይኮነን። እወ ንሱ ሓደ እዩ እምበር ክልተ ኣይኮነን። 

ስለዚ ጽሑፍ’ውን ጠመየ ምባሉ ብፍጹም ተዋሕዶ ኣምላኽ ሰብ ስለዝኾነ እዩ። ብተዋሕዶ መለኮትን ትስብእትን ሓደ ስለዝኾኑ ንኣምላኽ ዝንገር ዘበለ ንሥጋ ይንገረሉ፤ ንሥጋ ዝንገር ዘበለ ድማ ንመለኮት ይንገረሉ። ምኽንያቱ ብተዋሕዶ መለኮት ናይ ሥጋ ገንዘብ ገንዘቡ፤ ባህርይ ድማ ባህርይኡ ገበረ፤ ሥጋ ድማ ናይ መለኮት ገንዘብ ገንዘቡ፤ ባህርይ ድማ ባህርይኡ ስለዝገበረ እዩ። 

ጐይታናን መድኃኒናን ኢይሱስ ክርስቶስ ኣብ ገዳመ ቆሮንቶስ ጾይሙ ምስ ፈጸመ “ጠመየ” ምባሉ ግና ክምህረና ዝደለዮ ትምህርትን መልእኽትን ኣለዎ። እዚ’ውን ከምቲ ረቂቅ ዘእምረቂቅ (ካብ ረቂቕ ዝተረኽበ ረቂቕ) ምዃኑ ከረድእ ብኅቱም ድንግልና ተጸኒሱ ብኅቱም ድንግልና ዝተወልደ፡ ዘኢይርኅብ ዘእምዘኢይርኅብ ምዃኑ ከረድእ ከኣ ፵ መዓልትን ለይትን ጾይሙ እዩ። ዘኢይተገሠሥ ዘእምኢይትገሠሥ ምዃኑ ከረድእ ኣብ ልዕሊ ባሕሪ ከደ። ብርሃን ዘእምብርሃን ምዃኑ ከረድእ ብርሃነ መለኮቱ ኣብ ደብረ ታቦር ገለጸ። ሕይወት ዘእምሕይወት ምዃኑ ከረድእ ናይ ኣርባዕተ መዓልቲ ሬሳ ኣተንሠአ። እዚ’ውን ፍጹም ብተዋሕዶ ሓደ ምዃኑ ዘረድእ እዩ። ምኽንያቱ ኣምላኽ ፍጹም ባህርየ ሰብ ባህርዩ ስለዝገበረ እዩ። ከምቲ ኣብ ላዕሊ ብሰፊሑ ዝተገልጸ ምጥማዩ ንአጽድቆተ ትስብእት ንካሕሳ ምዃኑ እዩ መተርጉማነ መጻሕፍት ዝነግሩና። 

በቲ ካልእ መገዲ ክትንተን ከሎ ድማ እቲ ፈታኒ ዝቐርበሉ መገዲ ንምሃብ’ውን እዩ። ምኽንያቱ ጐይታ ካብ ዝተጸንሰሉ ኣትሒዙ ዲያብሎስ ብብዙኅ መገዲ ክጻባዕ ተራእዩ እዩ። ናይ ጐይታ ጠቐስና እምበር ንኣዲኡ ወላዲቱ ቅድስት ድንግል’ውን ገና ኣብ ማኅፀን ኣዲኣ ከላ ብእትገብሮ ዝነበረ ተኣምራት ዘይተሓጐሰ ዲያብሎስ ብመጋብርቱ ኣይሁድ ኣቢሉ ብብዙኅ መገዲ ይጻባዕ ከምዝነበረ መጻሕፍቲ ቤተ ክርስቲያን ኣስፊሖም ዝገልጽዎ እዩ። ዲያብሎስ’ውን በቲ ዝርእዮ ዝነበረ “እዚ መን እዩ?” እናበለ ክጠራጠር ጸኒሑ ስለዝነበረ መን ምዃኑ ንምርግጋጽን ንምርኣይን ብዙኅ ፈተነ ኣካይዱ እዩ። እዚ ምጥርጣር ድማ ክሳብ ስቅለት ጐይታ ቀጺሉ እዩ። ሓንሳብ ክድቅስ ክጠምይ ክጸምእ ወዘተ ከሎ ዕሩቅ ብእሲ ክመስሎ በቲ ካልእ ድማ ተኣምራት ክገብር ከሎ ኣምላኽነቱ ኣሚኑ “ወዲ እግዚአብሔር” እናበለ ክዛረብን ክደናገርን ይረአ ነበረ። ጐይታ ኣብ መልዕልተ መስቀል “ኤሎሄ ኤሎሄ ላማ ሰብቅታኒ” ኢሉ ምስ ተዛረበ እዚስ እምበኣር ዕሩቅ ብእሲ ኢሉ ካብ ኣዳም ጀሚሩ ንሰባት ይገብሮ ከምዝነበረ ንጐይታውን ነፍሱ ካብ ሥግኡ ክፈሊ ደፊሩ ቅርብ ምስ በለ ብኣውታር መለኮታዊ ሓዊ ከምዝኣሰሮን ከምዘላፈለፎን፡ ኣምላኽነት ጐይታ ተኣሚኑ ድማ ንኵሎም ዝገዝኦም ዝነበረ ደቂ ሰባት ደጊም ሥልጣን ከምዘይብሉ ከምዝተኣመነ ዝተፈልጠ እዩ። ስለዚ እቲ ፈታኒ ናብ ክርስቶስ ዝቐርበሉ መገዲ ንምሃብ ጐይታ ጠመየ። 

ሓደ ነገር ግና ከነስተውዕል የድሊ፡ እዚ ድማ ምጥማይ ጐይታ ከምዚ ናትና ናይ ደቂ ሰባት ጥሜት ኣይኮነን። እዚ ኸኣ ናይ ፈቓዱን ብፍቓዱን ዝኾነ ምዃኑ እዩ። “ረኀበ እግዚእነሰ ከመ ረኃበ ዚአነ አላ ገጸ ረኃቡ ፍሉጥ እምኔነ ለነሰ በግብር ይመውዓነ ወሎቱሰ በፈቃዱ” ከምዝበለ መጽሓፍ። 

ምስኡ ድማ ሓደ ጊዜ ርኅበ (ጠመየ) ሓደ ጊዜ ድማ ኢርኅበ ይብል እንታይ ደኣ ኣይጋጨውን ድዩ እንተበልና ኣይጋጮን ኢልና ንምልስ። ከመይሲ ካብ ክልተ ባህርያት ሓደ ባህርይ ካብ ክልተ ኣካል ሓደ ኣካል ከምዝኾነ ንምርዳእን ፍጹም ሰብነትና ከምዝተወሓሐደ ንምግላጽን ዝተገብረን ስለኾነ እዩ። “በእንተ ምንት ርኅበ እግዚእነ ዘእንበለ ዳእሙ ከመ ያጠይቅ ከመ ውእቱ ፪ ህላዌያት” ከምዝብል። 

ስለዚ ጠመየ ዝብል ቃል ተዋሕዶ ዘመሥጥርን፡ ብሓቂ ኣምላኽ ንኣዳም ከምዝከሓሶ ዘርእይ እዩ። 

                                                                                                                                     ይቕጽል...

No comments:

Post a Comment