Tuesday, March 29, 2011

ዓቢይ ጾም

ሻዱሻይ ክፋል
ኣርእስተ ኃጣውእ 

ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ መዋዕለ ጾሙ ምስ ፈጸመ ዲያብሎስ ቅርብ ኢሉ ብሠለስተ ነገር ኣብ ሠለስተ ዝተፈላለየ ቦታታት ፈቲንዎ እዩ። እዘን ብዲያብሎስ ዝቐረባን ጐይታ ዝተፈተነለን ፈተናታት ኣብ ቤተ ክርስቲያን ሠለስተ ኣርእስተ ኃጣውእ ተባሂለን ይፍለጣ። ዲያብሎስ ብኸመይ ዝኣመሰለ ጥበብ ከምዝፈተኖን፡ ጐይታ ድማ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ጥራይ ብምጥቃስ ነቲ ተንኰሉ ከምዝቀልዖን ክፍኣቱ ከምዘግሃዶን ከምዝሠዓሮን ምስትውዓል ንዓና ዓቢይ ትምህርቲ ይህበና እዩ። እቶም ቀዳሞት ሠለስተ ወንጌላውያን ጐይታ ብዲያብሎስ ከምዝተፈተነ ሠሚሮም ክገልጹ ከለዉ ቅዱስ ማቴዎስን ሉቃስን ኣስፊሖም ነቶም ፈተናታትን ብጐይታ ዝረኸብዎ መልስታቶም ገሊጾሞ ኣለዉ። ቅዱስ ዮሓንስ ግና ነቲ ታሪኽ ከይጠቐሰ ብምስጋር ድኅሪ ሠለስተ መዓልቲ (ጐይታ ጾሙ ድኅሪ ምፍጻሙ) ካልኦት ንዘይጠቐስዎ ታሪኽ ቃና ዘገሊላ ክገልጽ ይጅምር። ኣስዒብና ነዚአን ወንጌላውያን ዝጠቐስዎም ኣርእስተ ኃጣውእ ምስ ታሪኸን ኣሕጽር ኣቢልና ክንርኢ ኢና። ኣምላከ ሕያዋን ምሥጢሩ ይግለጸልና። 

ቀዳማይ፦ ስስዐ 

“ወዲ እግዚአብሔር እንተ ዄንካስ፡ እዚ ኣእማን እንጌራ ይኹና በል” – “ሰብ ካብ ኣፍ እግዚአብሔር ብዝወጽእ ኵሉ ቃል ደኣ እምበር ብእንጌራ ጥራይ ኣይነብርን እዩ ዝብል ጽሑፍ ኣሎ” 

ዲያብሎስ ንጐይታ ምጥማዩን ዝደኸመ ስለዝመሰሎን ከምኡውን ዝብላዕ ዕጽ ቆጽሊ ክደሊ ምስ ረኣየ ቅርብ ኢሉ ኣብ ቀዳድ ለቖታ ውዑይ ኅብስቲ ዝሓዘ መሲሉ ኣብ ኣእዳዉ ክልተ ኣእማን እናርኣየ ቀሪብዎ። ዲያብሎስ ድማ “ሓደ ንዓኻ፡ ሓደ ድማ ንዓይ ኅብስቲ ግበሮ እሞ ንብላዕ ክብሎ እየ፤ ነዚ እምኒ ኅብስቲ ካብ ምግባር ነቲ ዝሓዝካዮ ደኣ ዘይንበልዕ እንተበለኒ ከምቲ ንኣዳም ኣቡኡ ብምኽንያት መብልዕ ዝሠዓርክዎ ንዕኡ ድማ ክሥዕሮ እየ ኢሉ” ሓሰበ። ከምቲ ንኣዳም ብምኽንያት ብልዒ ዘስሓቶ ጠምዩ ኣሎ እሞ ኅብስቲ ርእዩ እንተሰሓተ ብምባል እዩ። 

ኣብ ዮርዳኖስ ጐይታ ኣብ ጊዜ ጥምቀቱ “ዝንቱ ውእቱ ወልድየ” ኢሉ ናይ ባህርይ ኣቡኡ ክምስክረሉ ሰሚዕዎ ስለዝነበረ “ወዲ እግዚአብሔር እንተ ዄንካስ፡ እዚ ኣእማን እንጌራ ይኹን በል” በሎ፤ እንተገበሮ ተኣዛዚ ሰይጣን ኢለ ከዕድዮ እየ ካልእ ጾር ድማ ከስዕበሉ እየ፤ እንተዓበየ ከኣ ድኹም እዩ ከብሎን ድኻሙ ርእየ ድማ ክቐርቦ እየ ኢሉ ሓሰበ። 

ጐይታ ኢየሱስ ግና ሰብ ካብ ኣፍ እግዚአብሔር ብዝወጽእ ኵሉ ቃል ደኣ እምበር ብእንጌራ ጥራይ ኣይነብርን እዩ ዝብል ጽሑፍ ኣሎ ኢሉ መለሰሉ። (ዘዳ ፰፥፫) 

በዚ ምላሹ ድማ ብኵሉ ቃል እግዚአብሔር እምበር ሰብ ብኅብስቲ ጥራይ ከምዘይድኅን ጽሑፍ ምዃኑ ኣረደአ። እወ እግዚአብሔር ድኃን ዝበሎ ይድኅን ሙት ዝበሎ ድማ ይመውት እምበር ሰብ ብዝጸዓረሉ ኅብስቲ ጥራይ ዝደኃን ኣይኮነን። ንሱ’ውን ዘናብር ምግቢ እንተተባህለ መን ዘብቖሎ ድዩ? ኣምላኽ ባዕሉ ንእስራኤላውያን ሓረስታይ ዘይደኸመሉ ኣብ በረኻ ማና ካብ ሰማይ እናውረደ ፵ ዓመታት ጥዑም መግቢ መግቢዎም እንድዩ? ሰብ ሓረስታይ ብዝጸዓረሉ ብዝደኸመሉን እንጌራ ጥራይ ዝድኅን ኣይኮነን፤ እንታይ ደኣ ብዓቂበ ሕገ እግዚአብሔር እምበር። 

ንሰብ እንሰሳዊ (ሥጋዊ) ባህርይ፡ መልኣካዊ (መንፈሳዊ) ባህርይ ኣለዎ። እንሰሳዊ ባህርይኡ ካብ መብልዕ እንተተኸልከለ ወይውን እንተሰኣነ ይጕዳእ፤ ኣብ ሞተ ሥጋ ድማ ይበጽሕ። መልኣካዊ ባህርይኡ ድማ ካብ ትምህርትን ቃልን እግዚአብሔር እንተተኸልከለ ኣብ ሞተ ነፍስ ይበጽሕ። ከመይ ቃል እግዚአብሔር መንፈሳዊ መግቢ ስለዝኾነ። “አእምር ከመ በአማን ሲያይ ቃለ እግዚአብሔር፡ ሲሲተ ልብ ቃላቲሁ ለእግዚአብሔር” (ቃላት እግዚአብሔር ምግቢ ልቢ እዩ) (ኣሞ ፰፥፲፩) 

ስለዚ ወዲ ሰብ ብስስዐ ክነብርን ብስስዐ ተደፊኡ ሕገ ኣምላኽ ክጥሕስ ከምዘይግባእ ይነግረና። 

ካልኣይ፦ ትዕቢት 

“እግርኻ ብእምኒ ኸይትዕንቀፍ፡ በእዳዎም ኬልዕሉኻ፡ ንመላእኽቱ ምእንታኻ ይእዝዝ፡ ጽሑፍ ኣሎ እሞ፡ ወዲ ኣምላኽ እንተ ዄንካስ፡ ንታሕቲ ገጽካ ጽደፍ” – “ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኣይትፈታትኖ፡ ድማ ጽሑፍ ኣሎ” 

ድኅር’ዚ ዲያብሎስ ናብታ ቅድስቲ ከተማ ወሰዶ እሞ ኣብ ገምገም (ርእሲ - ማእዘን) ቤተ መቕደስ ደው ኣበሎ። ብሓቂ ወዲ እግዚአብሔር እንተዄንካስ እስከ ካብዚ ዘሊልካ ንታሕቲ ተወርወር (ጽደፍ) በሎ። ምኽንያቱ ኣብ ኵሉ መገድኻ ክሕልዉኻ እግርኻ ብእምኒ ከይትዕንቀፍውን ብኣእዳዎም ከልዕሉኻ ንመላእኽቱ ክእዝዘልካ እዩ ዝብል ጽሑፍ ተጻሒፉ ኣሎ ብምባል ነቲ እኩይ ሓሳባቱ ካብ መጽሓፍ ምጥቓስ ፈተንኡ ኣቕረበ (መዝ ፺)። 

ዲያብሎስ በቲ ቀዳማይ ፈተንኡ ከም ዘይሰለጦ ምስረኣየ፡ ኣብ ገዳም ስለዝኾነ ደኣ እምበር ካህናት ክሠዓሩሉ ኣብ ዝኽእሉ ቤተ መቅደስ እንተዝኸውን ምሰዓርክዎ ኢሉ ኣብ ርእሲ ናይቲ ኣብ ኢየሩሳሌም ዝርከብ ቤተ መቅደስ ወሰዶ። ጐይታ ድማ ብፍቓዱ ሓሳቡ ፈሊጡ ከደ። ከምቲ ኣቐዲሙ ብኣምሳለ ሓራሲ ብኣምሳለ ሠዓሊ ዝተራእዮ ዘይኮነስ ሕጂ ብኣምሳለ ካህናት ዓሚሙን ጠምጢሙን ይረአ። 

ዘሊልካ ጽደፍ ማለቱ ብትዕቢት ዝተኸወለ ተንኮል ዘለዎ ኮይኑ ኃይሉ ንምግምጋም ዘምጽኦ ፈተና እዩ። ድኹም ሰብ እንተኾይኑ ክስበር እዩ። ኃያል እንተኾይኑ ድማ ኣይስበርን እዩ። ጽደፍ ክብሎ ከሎኹ እንተተሰብረ ከዕርፍ እየ። እንተዘይተሰብረ ምትሓት እዩ ገይሩ ከብለሉ እየ። እንተገበሮ ድማ ካልእ ጾር ክጽዕነሉ እየ እንተዘይገበሮ ድማ ድኹም ከብሎ እየ። እንተገበሮ ተኣዛዚ ሰይጣን ኢለ ከዕድዮ እየ። እንተዘይገበሮ ድማ ድኻሙ ርእየ ክቐርቦ እየ ኢሉ ሓሰበን ተመራመረን። 

ጐይታ ኣብቲ ቀዳማይ ፈተንኡ መጽሓፍ ጠቒሱሉ ስለዝነበረ ኣብዚ ድማ መጽሓፍ እንተጠቐስኩ ይሰምዓኒ ዶ ብምባል ብግዲኡ ይጠቅስ። ጐይታ ኢየሱስ ድማ “ንእግዚአብሔር ኣምላኽካ ኣይትፈታተኖ ዝብል ጽሑፍ ኣሎ” በሎ። (ዘዳ ፲፥፲፮) 

ሣልሳይ፦ ፍቅረ ንዋይ 

“ፍግም ኢልካ እንተ ሰገድካለይ፡ እዚ ዅሉ ኽህበካ እየ” – “ንእግዚኣብሔር ኣምላኽካ ስገድ፡ ንእኡ በይኑ ድማ ተገዛእ፡ ጽሑፍ ኣሎ እሞ፡ ኪድ ርሐቕ፡ ሰይጣን” 

ኣብ ክልቲኡ ቦታታት ዘቕረቦ ፈተና ዘይሰለጦ ዲያብሎስ፡ ኣብ ቤተ መቕደስ ኮይኑ ደኣ እምበር ነገሥታት ኣብ ዝሠዓሩሉ ኣብ ዝበረኸ ከረን እንተዝኸውን መዓስ ምተሠዓርኩ ኢሉ ሓሰበ። ድኅር’ዚ ዲያብሎስ ከም ብሓድሽ ናብ ኣዝዩ ነዊህ እምባ ወሰዶ እሞ ንኵሉ ሓመድ ከም ወርቂ ንኵሉ ቆጽሊ ድማ ግምጃ ኣምሲሉ ከርእዮ ፈተነ፡ መንግሥታት ኵላ ዓለም ምስ ግዝኣቱን ክብሩን ኣርኣዮ። 

ሰይጣን ደፋር ስለዝኾነ ተደፊእካ እንተሰገድካለይ ኢድ’ውን እንተነሳእካለይ እዚ ኵሉ ክህበካ እየ በሎ። “ንእግዚአብሔር ኣምላኽካ ክትሰግደሉ ንእኡ በይኑ ድማ ክትግዛእ ጽሑፍ እዩ እሞ ሰይጣን ኪድ ካባይ ርሓቕ በሎ። (ዘዳ ፯፥፲፫) 

ወሰዶ ወሰዶ ማለቱ ሓሳቡ ንምርኣይ ስለዝኾነ እዩ እምበር ተገዲዱ ኣይኮነን። ንሱ ዝርእየሉ ይመስሎ ነይሩ እምበር ጐይታስ ኣይርእየሉን። ንዲያብሎስ ስለዝመስሎ ደኣ እምበር ንጐይታስ ኵሉ ተለዊጡ መሲሉ ኣየርኣዮን እዩ። ዲያብሎስ ካባይ ርሓቕ ምስ ተባህለ ከም ትኪ ተኺኹ፡ ከም ሓመድ በኒኑ ጠፍአ። እዚ’ውን ንግዚኡ እዩ። ጐይታ ኣብዛ ሣልሳይ ፈተና በጺሑ ሕጂ ኪድ ምባሉ ብኣምልኾቱ ስለዝመጾ እዩ። ኣምላኽ ድማ ብኣምልኾቱ ቀናዒን፡ ብኣምልኾቱ ዝመጾ ድማ ኣይፈቱን እዩ። 

ኣርእስተ ኃጣውእ ዝበሃሉ ስስዐ ትዕቢት ፍቅረ ንዋይ እዮም። ርእሲ ካልኦት ኃጣውእ ተባሂሎም ምጽውኦም ሰይጣን ንደቂ ሰባት ብዝበዘኀን ብዝቀለለን ኣብ ኃጢኣት ዘውድቀሉን ካብ እግዚአብሔር ዝፈልየሉን ብምዃኑ እዩ። ነዞም ኣርእስተ ኃጣውእ ዝሰዓረ ሰብ ካልኦት ኣይቖሙሉን እዮም ማለት ካልኦት ክንድ’ቲ ንክሥዕሮም ኣይከብድዎን እዮም ማለት እዩ። 

ስስዐ ማለት ዘይተዋህበካ ምድላይ፤ ብጽሒት ካልኦት ምምናይን ክትምንጥል ምፍታንን እዩ። ትዕቢት ማለት ምዕባይ፤ ኣምላኽነት ምድላይን ክኸውን ኢልካ ርእስኻ ምልዓልን፤ ኣብ ልዕሊ ካልኦት ዕብየትካ ምርኣይ ወይውን ክትከውን ምምናይ፤ ንካልኦት ምስትንዓቕ ማለት እዩ። ፍቅረ ንዋይ ማለት ድማ ይኣኽለኒ ዘይምባልን ብዝተዋህበካ ዘይምምስጋንን እዩ። 

ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ንኣዳምን ሔዋንን በዞም ሠለስተ ኣርእስተ ኃጣውእ ተፈቲኑ ንጸላኢኦም ዲያብሎስ ሠዓረሎም። ግና ንኣዳምን ሔዋንን ጥራይ ዘይኮነ ንኵሉ ወዲ ኣዳምን ሔዋንን እዩ። እዚኦም ኃጢኣታትን ካልኦትን ባዕልና ብሥጋዊ ሓሳባትናን ፈቓዳትናን ተገዚእና ኆኅተ ልቦናና ከፊትና እንተዘየእቲናዮም ብጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ተመንቊሶም እዮም። ካብ ሡሩ ዝተማሕወ ኦም ክልምልምን ክጭብጭብን ክፈርን ከምዘይክእል ኃጢኣትውን ብክርስቶስ ካብ ሡራ ተነቒላ እያ። ባዕልና ኣምጺእና ግና ዳግማይ ነፍልሳን ንተኽላን ንዕብያን እንተኾይና ግና ዳግማይ ክትፈሪ እያ፡ ንሕናውን ብዕዳ ብፍዳ ንተሓዝ። 

እዞም ኃጢኣታት ንኵሉ ወዲ ሰብ በብመገዱ ዝፍትኑ ምዃኖም ዝተፈልጠ ነገር እዩ። ይኹን ደኣ እምበር ብመንጽር ዲያብሎስ ንጐይታ ክፍትነሉ ዝመረጾ ስፍራ ብዝያዳ ክንርኢ ከሎና ንመሃሮ ነገር ኣሎ። እዚ’ውን ኣብ ገዳም ዝነብሩ ናብርኦም’ውን ብትኅርምቲ ዝኾነ መነኮሳት ዝደለይዎ ስለዘይረኽቡ ጾሮም ስስዐ እዩ። ይኹን እምበር ጐይታ ኣብነት ክኾኖም ምእንቲ እቲ ፈታኒ ኣብ ገዳም (በረኻ) ብስስዐ እንተመጾ ብትዕግስቲ ሥዒሩሎም እዩ። ቦትኦም ቤተ መቅደስ ዝኾኑ ካህናት ኣእምሮና ዓሚቕ፡ ረቂቕ፡ መዓርግና ልዑል ምጡቕ እዩ ኢሎም ስለዝዕበዩ ጾሮም ትዕቢት እዩ። ይኹን እምበር ጐይታ ኣብነት ክኾኖም እቲ ፈታኒ ኣብ ቤተ መቕደስ ብትዕቢት እንተፈተኖ ብትሕትና ሠዓረሎም። ምቕማጦምን ምስራት ኣባይትኦምን ኣብ በረኽቲ እምባታት ዝኾኑ ነገሥታት ጾሮም ፍቕሪ ገንዘብን ሥልጣንን እዩ። ይኹን እምበር ጐይታ ኣብነት ክኾኖም ምእንቲ እቲ ፈታኒ ኣብ እምባ ብፍቕሪ ገንዘብ እንተፈተኖ ገንዘብ ብምጽላእ ሥዒሩሎም እዩ። 

ድኅሪ እዚ ኃጢኣት ካብ ሱራ ከም ዝተማሕወት ኦም ኮነት። “ዛቲ ስፍጠት እንተ ረሰየቶ ለአዳም ይትመየጥ ውስተ መሬት ወሶበ በጽሐ ኀበ አምላኪየ ወሀቤ ሲሳይ ለኵሉ ገብአ ሰይጣን ተኃፊሮ ወተምዊዖ” እዛ ምትላል እዚኣ ንኣዳም ናብ መሬት ከምዝምለስ ዝገበረቶ እያ፣ ናብ ኣምላኸይ ናብቲ ንዅሉ ወሃብ ሲሳይ ምስ በጸሐ ግና ሰይጣን ኃፊሩን ተሣዒሩን ተመልሰ ይብል። (ሳዊሮስ ዘኣንጾኪያ ሃይ ኣበ ፹፭፥፴፭) 

እሞ ኃጢኣት ካብ ሱራ ካብ ተማሕወት ሎሚ’ውን በዘን ኣርእስተ ኃጣውእ ስለምንታይ ሰብ ይሰሓብን ይወድቕን ኣሎ ዝብል ሓሳብ ምንቃሉ ኣይተርፍን እዩ፣ ብምሳሌ ኣቦታት ከረድኡ ከለዉ ሓደ ንጉሥ ወፊሩ ጸላእቱ ሥዒሩ ክምለስ ከሎ ንወተሃደራቱ ካብቲ መሳርዖም ከይወጹ ይእውጅ። ሓደ ትእዛዙ ዘየኽበረ ወተሃደር ካብ መሳርዑ ተፈልዩ ኣብ ዓድታት ኣትዩ ክራስይ እንከሎ እንተሞተ እቲ ንጉሥ ኣይተዓወተን ንጸላእቱ ከኣ ኣይሠዓረን ኣየብሎን እዩ። እቲ ወተሃደር እምበር ኣፍራሲ ሕጊ ዝበሃል። ንሕና’ውን ምስ ንብድልን ኣብ ኃጢኣት ምስ ንወድቕን ከምኡ ኢና ንኸውን። ጐይታ ነዞም ኣርእስተ ኃጣውእ ኣብ ልዕሌና ከይሥልጡኑ ሠዒሩልና እዩ፤ ንሕና ግና ከመይ ኣሎና? እስኪ ሓንሳብ ርግእ ኢልና ንሕሰብ ወዲ ሰብ ዘበለ ነዞም ኃጢኣታት ከርሕቕን ካብ ግብርታቶም ክዕቀብን እንተዘኽእል ዓለምና እንታይ ምምሰለት ነይራ? 

መላእኽቲ 

ጐይታና ሱባኤኡ ፈጺሙ ንዲያብሎስ ድኅሪ ምስዓሩ መላእኽቲ ቀሪቦም ሰጊዶሙሉን ተገዚኦሙሉን እዮም። እዚ ማለት ብቀደሙስ ኣይግዝኡሉን ነይሮም ማለት ኣይኮነን፤ እንታይ ደኣ “ለከ ኃይል፡ ለከ ጽንዕ” (ኃይል ናትካ እዩ፤ ሥልጣን ናትካ እዩ) እናበሉ ምስጋና እናቕረቡ ቀረብዎ ማለት እዩ። (ማቴ ፬፥፲፩ ፤ ራእ ፭፥፲፩-፲፪) 

ኣቐዲሞም ደኣ ዘይመጹ ድኅሪ ምስዓሩ ምምጽኦም ስለምንታይ እዩ እንተተባህለ ኣቐዲሞም መጺኦም እንተዝኾኑ ነይሮም ንመላእኽቲ ሒዙ እዩ ስዒሩኒ እምበር በይኑ እንተዝኸውን መዓስ ምስዓረኒ ነይሩ ኢሉ ከየመኻኒ እዩ። እዚ’ውን ፍጹም ኣምላኽነቱ ገና ስለዘይፈለጠ እዩ። 

ምስ ኵነት ምቕራብ መላእኽቲ ብዝመሳሰል ሓደ ምሳሌ ኣቦታትና ኃዲጎምልና እዮም። ዓቢይ ንጉሥን ንኡስ ንጉሥን ንውግእ ተሰለፉ፡ ዓቢይ ንጉሥ ነቲ ካብኡ ዝትሕት ንኡስ ንጉሥ ሕዝቢ ካብ ዝሓልቕ ንሓድሕድና ንግጠም በሎ እሞ ገጠሙ። ዓቢይ ንጉሥ ንንኡስ ንጉሥ ሠዓሮ። ኵሉ ንብረቱ’ውን ማረኾ። ድኅሪኅ’ዚ ዓቢይ ንጉሥ ሥዒሩ ክምለስ ከሎ ሠራዊቱ ብሓጐስን ብእልልታን ተቐበልዎ ይብል። ስለዚ ክርስቶስ በይኑ ንዲያብሎስ ስለዝሠዓሮ እንሆ መላእኽቲ መጺኦም ኣገልገልዎ በለ። ካብ ቅዱሳን ሊቃውንቲ ቤተ ክርስቲያንና ሓደ ዝኾነ ኤጲፋንዮስ ነዚ ኵነት ዝመሳሰል ታሪኽ’ውን መሲሉ ኣቕሪቡ ኣሎ።(ሃይ ኣበ ፶፭፥፲፫) 

እቲ ትምህርታዊ መልእኽቱ ድማ ንሕና ብጾም፡ ብጸሎት፡ ብስግደት፡ ብንጽሕናን ካልእ መንፈሳዊ ተግባራትን ትሩፋትን ንፈቃደ ሥጋናን ንዲያብሎስን እንተደኣ ሥዒርና ቅዱሳን መላእኽቲ ቀሪቦም ከምዝራድኡናን ከምዘረጋግኡናን ከምዘጽናንዑናን ዝተኣምነ ምዃኑ እዩ ዝምስክረልና ዘሎ። (ግብ ሓዋ ፲፥፫-፴፩) 

መተርጉማነ መጻሕፍት ነዚ’ውን ብታሪኻዊ ምስላ ከረድኡ ከለዉ ከምዚ ይብሉ። ሓደ ባሕታዊ ካብ በዓቱ ከይወጸእ መብጽዓ ነበሮ። ኣብ በዓቱ ኪነብር ከሎ ሰይጣን መጺኡ ንጉሥ ይጽውዓካ ኣሎ በሎ። ንሱ ድማ “አልብየ ንጉሥ ዘእንበለ እግዚእየ ኢየሱስ ክርስቶስ” ብዘይካ ጐይታይ ኢየሱስ ክርስቶስ ንጉሥ የብለይን በሎ እሞ እቲ ሰይጣን ኣንታ ደፋር ኣብ ዓለም ተቐሚጥካስ ንጉሥ የብለይን ትብል ኢሉ ብዝሓዞ በትሪ ቀጥቂጥዎ ከደ። ድኅሪ’ዚ መልአከ ዑቃቤ (ሓላዊ መልኣኽ) ተገልጸሉ እሞ መን ኢኻ በሎ። ንሱ ድማ ኣነ ኃላዊኻ መልኣኽ እየ። ክሳብ ሕጂ ደኣ ኣበይ ነይርካ እንተበሎ ሕጂ’ውን ስለዝሠዓርካ እየ ተገሊጸልካ በሎ ይብል። 

ቅዱሳን መላእኽቲ ድማ ንድኅነት ደቂ ሰባት ዝለኣኹን ዝራድኡን ምዃኖም ቅዱስ መጽሓፍ ኣስፊሑ ይነግረና እዩ። ንእግዚአብሔር ኣምላኽ ድማ ወትሩ ብዘይ ዕረፍቲ “ቅዱስ ቅዱስ ቅዱስ” እናበሉ ዘመስግኑ ምዃኖም ጽሑፍ ኮይኑ ኣብ ገዳመ ቆሮንቶስ ድኅሪ እቲ ፈተና ምስጋና ዝግብኦ እዩ እሞ ናብ ጐይትኦም ክርስቶስ ቅርብ ኢሎም ኣመስጊኖሞ እዮም። እቲ ኣምላኽና ፍጹም ሰብ ኮይኑ ንዝፈጸሞም ተግባራት እናስተንከሩ ከምዘመስገንዎ ቅዱሳት መጻሕፍት የረድኡና እዮም። ገና ከይተወልደ ኣብ ማኅጸን ኣዲኡ ቅድስት ድንግል ማርያም ከሎ የመስግንዎ ነይሮም። ምስ ተወልደ ኣብ ቤተ ልሔም ተረኺቦም “ስብሐት ለእግዚአብሔር በሰማያት ወሰላም በምድር ሥምረቱ ለሰብእ” እናበሉ ምስ ጓሶት ሓቢሮም ኣመስጊኖም እዮም። ወቦ ዘተርፈ ኣብ ኵሉ ኣመስጊኖሞ እዮም እሞ ንሕና’ውም ስሌና ክብል ንዝገበሮ መስተንክራዊ ግብሩ እናዘከርና ኣብነት ናይቶም ቅዱሳን መላእኽቲ ወሲድና ከነመስግኖ ይግባእ። ንኣምላኹ ዘየመስግን ክፍሉ ምስ ምእመናን ዘይኮነስ ምስ ከሓድያን እዩ፤ ምኽንያቱ ምስጋና እግዚአብሔር ዘይደለየ ዲያብሎስ ብምዃኑ ዕጭኡ ምስኡ ይኸውን ማለት እዩ። ስለዚ ንእግዚአብሔር ኣምላኽና ይግብኦ እዩ እሞ “ለከ ስብሐት” ንበሎ።

                                                                                                                            ይቕጽል...

No comments:

Post a Comment