Thursday, April 7, 2011

ነገረ ጋእዝ - ቅድሚ ፻፩ (101) ዓመት

ካልኣይ ክፋል
ክፍሊ ፪፦ ጋእዝ
ተዋሕ፦ ድኅሪ እዚ ተታሓሒዝና ካፒታኖ ዮሓንስ ቶርናሪ ናብ ዝበሃል ናይ ሠራዬ ምስሌነ ኬድና፤ ኣብቲ ካፒቶኖ ገና ከይበጻሕና ከሎና ርእየ ተመልኪተ “ሕራይ ሰሚዐኩም ንመሳኸር” በልክዎም። ዳኅራይ ኣባ ፍራንሲስኮ ናብ ዝበሃል ወጻእተኛ ኬድና “ትፈልጠልና፡ ጾም ኣብ ብሉይን ኣብ ሓዲስን ከም ዝተሠርዐ ከምዝተደንገገ” በልክዎ።
ቡርስ፦ ንሳቶም’ውን “ኣይትፍለጠልና” (እግዚእ ኣየፍልጥካ) ፈቓድ እምበር ሥርዓት ከምዘይኮነ” በሉ። ንሱ’ውን ነቲ ዳኛ “ንገረኒ” በሎ።
ተዋሕ፦ እቲ ዳኛ’ውን ንኵሉ ነገሮ (ተርጒሙ ኣረድኦ)። ንሱ’ውን “ጾም ኣብ ብሉይን ኣብ ሓዲስን ዝተሠርዐ ዝተደንገገ እዩ። ግና ጾመ ፵ ጾመ ፍልሰታ ኢላ ዝፈለየቶ ቤተ ክርስቲያንናን ናይ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያንን እየን” ኢሉ መስከረ። ድኅሪ’ዚ ናብ ኣረጊት ድባርዋ ኬድና መበቆል ዓዶም እብን ጸሊም ምስ ዝኾኑ ካቶሊካዊ ኣባ ወልደገብርኤል ተራኸብና። ንዕዖም’ውም “ትፈልጡለይ ናይ ዕዝራን ናይ ጳውሎስን ሕግን ሥርዓትን ከም ዝኾነ” በልክዎም።
ቡርስ፦ ንሳቶም’ውን “ኣይትፍለጡልና፡ ፈቓድ እምበር ሥርዓትን ሕግን ከምዘይኮነ” በሉ። ኣባ ወልደገብርኤል’ውን “ነቲ መጽሓፍ ተመልኪተ እየ ዝምስክር” ቢሎም ነቲ መጽሓፍ ርእዮምን መርሚሮምን “ናይ ዕዝራን ሥርዓትን ሕጊ እዩ። ናይ ጳውሎስ’ውን ምኽርን ሥርዓትን እዩ” ኢሎም መስከሩ።

ብድኅሪኡ ናብ ካልኦት ክንከይድ ሓሰብና፡ ዝመስከሩልና ካቶሊካውያን ግና “እንተተኾነ እንተኾነ ኵሉ ግደፍዎ፤ እንተዘይኮይኑ ግና ንሕና ፩ደ እዩ ሃይማኖትና፡ ማኅበርና’ውን ፩ደ እዩ እሞ ነንበይንና ኣይተመሳኽሩና። ፈላጥ ኣሎ፡ ዘይፈላጥ ኣሎ። ሕጂ’ውን ንነገርኩም (ጕዳይኩም) ኣብ ወረቐት ጽሒፍኩም ሃቡና እሞ ንሕና’ውን ኣብ ሮምን ኢትዮጵያን ንዘለዉ ማኅበራትና ጽሒፍና ክንሰደልኩም ኢና። ዳኅራይ ርኢናን ተመልኪትናን ኵሉ መጻሕፍቲ ድማ መርሚርና ሕግን ሥርዓትን ድዩ ዋላስ ፈቓድ እዩ፧ ንዝበልናዮ ብኣባ ሚካኤል ኣቢልና ክንሰደልኩም ኢና። ኣባ ሚካኤል ድማ ዝሓዙ ሒዞም ክምስክሩልኩም እዮም። ኣባ ሚካኤል ሕግን ሥርዓትን እዩ እንተበሉኹም ቡርስታንት ክትርትዑ፤ ፈቓድ እዩ እምበር ሕግን ሥርዓትን ኣይኮነን እንተበሉኹም ድማ ተዋሕዶ ክትርትዑ ኢኹም ኢሎም ውዕል ገይሮም ብሞት ንጉሥ ኣፈጻጸሙና።” ዳኅራይ’ውን ነገርና ኵሉ ጽሒፍና ሃብናዮም።

ክፍሊ ፫፦ ጋእዝ
ካብ ለካቲት ኪዳነ ምሕረት ክሳዕ መጋቢት ኪዳነ ምሕረት ኣብ ዘሎ ጊዜ ቆጸራ ሂቦም፡ ኣብ ኣባ ሚካኤል ከነጽንሓልኩም ኢና በሉና። ኣባ ሚካኤል ናይ ኤርትራ ጠቕላሊ እዮም በሉና። ድኅር’ዚ ብመሠረት ቖጸራና ናብ ኣሥመራ ኬድና ናብ ኣባ ሚካኤል ኣተና። ብዙኃት ቡርስታንት መጺኦም። ኣባ ሚካኤል’ውን ነቲ ዳኛ ነገሮም (ጕዳዮም) ኣስምዓኒ በልዎ። ንሱ’ውን ነገሮም።
ተዋሕ፦ ተዛሪበ።
ቡርስ፦ ዝመስሎም ተዛረቡ።

ኵሉ እተዛረብናዮ ነገር ኣዝዩ ብዙኅ እዩ። ዳኅራይ ኣባ ሚካኤል ጕዳይና መርሚሮም፤ እቲ ደብዳቤ ምላሽ’ውን ምስኦም ስለዝነበረ፡ “ዕዝራ ፈታዊ እግዚአብሔር እዩ። እግዚአብሔር ዝሓደሮ ናይ እግዚአብሔር ነቢይ እዩ። ንጾም ድማ ሥርዓት እግዚአብሔር፡ ሕጊ እግዚአብሔር ምዃኑ ፈሊጡ ደንገገ ሓገገ። ጳውሎስ’ውን ፈታዊ እግዚአብሔር እዩ። ናይ እግዚአብሔር ሓዋርያ፤ ጸጋ እግዚአብሔር ዝሓደሮ እዩ። ንጾም ድማ ናይ እግዚአብሔር ሕጊ ናይ እግዚአብሔር ሥርዓት ምዃኑ ፈሊጡ ንጾም ሠርዐ፤ ደንገገ ሓገገ” ቢሎም መስከሩልና።

ብድኅሪኡ እቲ ዳኛ ንኣባ ሚካኤል ሓተቶም። “ዕዝራን ጳውሎስን ሕግን ሥርዓትን እዩ ኢልኩም መስከርኩም።” ኣባ ሚካኤል’ውን “እወ ሕግን ሥርዓትን እዩ” በልዎ።
ድኅሪ’ዚ ኣባ ሚካኤል ነቶም ቡርስታንት ከምዚ በልዎም። “ጾም ብቀደሙ ብጥንቲ ብኣዳምን ሔዋንን እዩ ተሠሪዑ። ዕፀ በለስ በሊዖም ኣብ ዝተዋረዱሉ ጊዜ ብጾም እዮም ድኂኖም። ብኣታቶም ዝተጀመረ ድማ ክሳዕ ምጽኣት ይነብር። ዝተጀመረን ዝተሠርዐን ድማ ንሥርየተ ኃጢኣት እዩ። ኣቦኹም ሉቶር እኳ ካባና ክፍለይ ከሎ ኣብ መጻሕፍቲ ከምዘሎ ፈሊጡ ኣይጸውምን ኣይጽልይን እምቢ ኢሉ ከሓደ እምበር ጾም የልቦን ኣይበለናን” በልዎም። “ሕጂ’ውን ጸኒዕኩም ወይውን ጠፊእኩም እንተኾይኑ ናባይ ምጹ ክምህረኩም በልዎም።”
ቡርስ፦ ተረቲዖም እዮም እሞ ድኅር’ዚ ሓዚኖም ቖዚሞም ፍሕ ኢሎም ከዱ። ዝተረትዐ ተማጓቲ ድማ ካብ ሡሩ ከም ዝተነቕለ ኦም እዩ ዝኸውን እሞ ኣዝዮም ሓዘኑ።
ተዋሕ፦ ንሕና ግና ባህ ኢሉና “እልልእናበልና ወጻእና።

ክፍሊ ፬፦ ጋእዝ
ኣባ ሚካኤል ክምስክሩ ከለዉ ፬ ወጻእተኛታት፡ ፫ ናይ ሓበሻ ፡ ፩ ድማ ጭዋ ካቶሊኽ ነበሩ። ካልኦት ግና ኣይዘከርክዎምን።
ተዋሕ፦ ብድኅር’ዚ ዮሓንስ ቶርናሪ ናብ ዝበሃል ናይ ሠራዬ ምስሌነ ናብ ዝኸውን ኮሚሳርዮ ከይደ ጥርዓነይ ኣቕረብኩ። መንግሥቲ’ውን ኬድካ ነቲ ዳኛ ፍረደኒ በሎ በለኒ፤ ድኅሪ’ዚ እምቢ ኢሉ ዝነበረ እሺ በለ።
ቡርስ፦ ንሳቶም’ውን ፰ ርእሶም መጹ።
ተዋሕ፦ ዳኅራይ “ንፋረድ” በልክዎም።
ቡርስ፦ “ብሥጋና ከይንቕጻዕ ኣይተፍርደልና። ከም ምርታዕ ተረቲዕና ኣሎና፤ እቲ ነገር’ውን ከምቲ ዝተመስከረሉ ይኹን። ብቀደሙ’ውን መንፈሳዊ ሃይማኖት ከምዝተመስከረሉ እዩ ዝኸይድ” ብምባል ካብ ንግሆ ክሳዕ ምሸት “ምእንቲ ፈጣሪ ኣምላኽ፡ ምእንቲ ዝተሰቕለሉ መስቀል” እናበሉ መስቀል ሒዞም ኣብ እግረይ ወዲቖም ለመኑኒ፤ እቶም ዓድ’ውን ተማኅፀኑኒ። ልመና ምስ በዝኃኒ ኣነ’ውን ብቀደሙ ብኣባ ሚካኤል ኣብ ልዕሊኡ ዝተመስከረሉ ይረታዕ፤ ዝመስከሩሉ ድማ ይርታዕ ኢልና ተፈጻጺምና ኣይነበርናን ዲና ብምባል ፍርዲ ኣየድልየንን፡ ኣዊጀ ስቕ ምባል ይኅሸኒ ኢለ ገደፍክዎ። ነቲ ነገር ኵሉ ሰሚዕዎ እዩ እሞ ንዘይምለሱ እንታይ ይገብረለይ ብምባል ድኅሪ’ዚ ኣብ ዓዲ ባሮ ሰብ ኣብ ዝተኣከበሉ ኣጎበር “ንቡርስታንት ብጕዳይ ጾም ረቲዐዮም እየ ኢለ ኣወጅኩ። ይኹን ደኣ እምበር ኣይተፍረደና ኢሎም መስቀል ሒዞም ስለዝለመኑኒ ካብ ፍርዲስ ሓዲገዮም ኣሎኹ” በልኩ።
ቡርስ፦ ድኅሪ’ዚ ኣባ መዓሾ “ሓሲኻ እምበር መስቀል ሒዝናስ ኣይለመንናካን” በሉኒ።
ተዋሕ፦ ኣነ’ውን “መሓረና ኢልኩም ከምዝለመንኩም እወሓስ” በልኩ።
ቡርስ፦ ንሱ’ውን “ኣግብእ” በለ።

ዳኅራይ ፫ ሰባት “መሓረና ኢልኩም ብመስቀል ክትልምዎ ከሎኹም ርኢና ሰሚዕና” ኢሎም መስከሩለይ። በዚ’ውን ተረትዐ።
ካብ ብዙኅ ብሒደት ካብ ምሉእ ብክፋሉ ከምዚ እዩ ነይሩ እቲ ታሪኽ። እዚ ታሪኽ ዝተፈጸመሉ ብ፲፱፻፪ ዓመተ ምሕረት ብዘመነ ማርቆስ ወንጌላዊ እዩ። እቲ ወርሓት’ውን ፲፰ መጋቢት እዩ። ነዚ ዝገበረ ተስፋሥላሴ እዩ። ዓስቡ ይሃቦ። አሜን።
ድኅሪ’ዚ ቡርስታንት “ንሕና ኣይከኣለን ኢልና ገደፍናዮ እምበር ጾምሲ ኣሎ ኢሎም ኣብ ጉባኤያቶም ኣወጁ።” የሎን ኢልካ ኣሎ ምባል ኣብ ነቐፌታ ከምዘበጽሓካ ኣስተውዕል።

                                                                                               ተፈጸመ።

2 comments:

  1. Kale Hiwot Yesmalena, bejakum kemzi aynet xuhuf degagumena!

    ReplyDelete
  2. btaemi yeetsmti zetll kal eyu ajokum ezom yhwatey egzabher msakum eyu ajoku ab emnet abotatkum ytsbekum eme brhan aytfelkum elleleleele

    ReplyDelete