Wednesday, April 13, 2011

ጾም

ሻሙናይ ክፋል
ጾምን መኻይድትኡን (ኣኅዋት ጾም) 

ጾም ሕገ እግዚአብሔር ንምፍጻም ተኣዛዝነትና እነርእየሉ፤ ምስ እግዚአብሔር እንራኸበሉ፤ መንፈሳዊ ኃይሊ እንረኽበሉ መንፈሳዊ ጥበብ ምዃኑ ርድእ ነገር እዩ። ብምዃኑ ድማ ጾም በይኑ ዝፍጸም ዘይምዃኑውን ምስትብሃል የድልየና እዩ። ጾም በይኑ ምስቲ ካልእ መንፈሳዊ ተግባራትን ሥርዓትን ዘይፍጸም እንተደኣ ኮይኑ ካብ ናይ ፍቓድ “ጥሜት” ብዙኅ ዝፈልዮ ኣይምተረኽበን። ስለዚ ብሕግን ሥርዓትን ቤተ ክርስቲያን ጾም ብንጹልን በይኑን ዝፍጸም ኣይኮነን፤ እንታይ ደኣ መሰነይታ ኣለዎ። 

በዚ መሠረት ጾም ምስቶም መኻይድቱ ዝኾኑ መንፈሳዊ ግብርታትን ትሩፋትን ተሰናሲሉ (ተኣሳሲሩ) ብሓባር ክኸይድ ከሎ እዩ ሥሙርን ርቱዕን ኮይኑ ዝርከብን ምስ እግዚአብሔር ድማ ከራኽብ ዝኽእልን። እቲ ዝተደልየ ፍረ ድማ ይርከቦ፤ መንፈሳዊ ጸጋ ድማ የውሕዝ። መሰነይታ ጾም ኮይኖም ካብ ዝጥቀሱ እቶም ቀንዲ ድማ ጸሎት፤ ምጽዋት፤ ስግደት እዮም። ነዚኦም ብቀዳምነት ጠቐስና እምበር ከም ትሕትና፥ ፍቕሪ፥ ንስሓ፥ ዝኣመሰሉ ኵሎም ሰናይ ተግባራትን ትሩፋትን መኻየድቲ ጾም ምዃኖም ክንስሕቶ የብልናን። ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ’ውን ኣብ ናይ መልዕልተ ደብር ስብከቱ ንጸሎትን ጾምን ምጽዋትን ብሓንሳብ ኣጣሚሩ እዩ ምሂሩና። (ማቴ ፮፥፩-፳፩) ከምኡ’ውን ኣብ መጽሓፈ ጦቢያ ከምዚ ዝብል ቃል ንረክብ። “ምስ ጾምን ምጽዋትን ግብሪ ጽድቅን ጸሎት ይጠቅም እዩ። ምስ ግብረ ጽድቂ ዝጽለይ ንእሽቶይ ጸሎት ካብቲ ብዘይ ግብረ ጽድቂ ካብ ዝጽለይ ብዙኅ ጸሎት ዝሓሸ እዩ” (ጦቢ ፲፪፥፰) 

ዝኾነ ዓይነት ስራሕ ቅድሚ ምጅማር ፈቓድ ኣምላኽ ንምሕታትን መገድን ጥበብን ድማ ክግለጸልናን ንኣምላኽ ብጾምን ጸሎትን ንሓቶ። ኣብ ዝኾነ መጽሓፍ፡ ጾም ኣብ ዝተጠቕሰሉ ኣርእስቲ ጸሎትን ካልኦት ሰናይ ተግባራትን ከሰንዮ ዝረኣየሉ ምኽንያት ድማ ጾም ብዘይ ጸሎትን ምጽዋትን ወዘተ ትርጉም ስለዘይብሉ እዩ። ነዞም መካየድቲ ጾም ዝኾኑ መንፈሳዊ ግብርታት ኣጣሚርና ንፍጽም እንተደኣ ኮይንና ድማ ንዝኾነ ሽግርን ተጻብኦን ንሰግረሉ ኃይሊ ካብ እግዚአብሔር ንረክብ ኢና። 

ጾም ምስ ካልኦት ሰናይ ግብርታት ተደሚሩ፡ ጕዕዞ ክርስትና መገዱ ጸቢብ እዩ ካብ ዘብሎ ሓደ ምዃኑ ድማ ተጠቒሱ ይርከብ። “ዘንተ አዘዘነ እግዚእነ እንዘ ይሜህረነ፡ ንምሀሮም ለአሕዛብ ከመ ይባኡ እንተ ጸባብ አንቀጽ እንተ ትወስድ ውስተ ሕይወት፡ ትሕትና ወየውሃት ሣሕል ወምሕረት፡ ፍቅር ወሰላም፡ ጾም ወጸሎት፡ ምሒረ ነዳይ፡ ወውሂበ ምጽዋት፡ ወከመ ይፍቱ ወያፍቅር ሰብአ ጸላኢሁ ወኢይፍዲ እኪተ ህየንተ እኪት” (ሲኖዶስ በእንተ ሊቃናት) 

ከምኡ’ውን ባዕሉ ጐይታ ድኅሪ ትንሣኤኡን ቅድሚ ዕርገቱን ፵ መዓልቲ ሥርዓት ኣብ ዝመሃረሉ ንማርታን ማርያምን ከምኡ’ውን ንሰሎሜ ብጾምን ብጸሎትን ነቂሐን ክሳብ መወዳእታ ክጸንዓን ብኵሉ ድማ ንካልኦት ኣብነት ኮይነን ክርከባ ከምዝግባእ ምሂርዎን ይርከብ። “ወአውሥኦን እግዚእነ ወይቤሎን መፍትው ትትዐገሣ በጾም ወበጸሎት ለዝሉፉ እንዘ ትትቀነያ ለወንጌልየ ወአርአያ ትኩና ለመድኃኒት ለእለ ይሴፈውኒ በቅድሳት ወኵሉ ምስሌየ ኵና ለመንግሥተ ሰማያት” (መጽ ኪዳን ሓሙሻይ ምዕራፍ) 

ጸሎት እምነት ክጥጥዕ ክፈሪ ይሕግዝ፤ ጾም ድማ እምነትን ጸሎትን ከምዝኅይል ብምግባር ብዙኅ ድንቂ ነገራት ይፍጽም። ስለዚ ከምቲ ንጾም ተጊህናን ተዳሊናን ንቕበሎ፡ ንመካየድቲ ጾም ንዝኾና ከም ጸሎት ዝኣመሰላ ሰናይ ተግባራት ድማ ክንዳለወሎምን ክንፍጽሞምን ይግባእ።

መጠቓለሊ 

ጾም ማለት ፈቓድ ሥጋኻ ንፍቓድ ነፍስኻ ከምዝግዛእ ብምግባር ፍቓድን ትእዛዝን ኣምላኽ ትፍጸመሉ ብዙኅ ረብሓን ምሥጢርን ዘለዎ መንፈሳዊ ሕጊ እዩ። ጾም ርቱዕ ኮይኑ ክርከብ ድማ ናቱ ሕግን ሥርዓት ኣለዎ። ብልምዲ ጥራይ ዘይኮነስ ክንመሃሮን ክንፈልጦን ድማ ይግባኣና። 

ብሰንኪ ምብላዕ ሰብ ካብ ክብሩ ከም ዝተዋረደን ካብ ዝኣተወላ ገነት ከምዝተሰጐን ን፭ሺሕ ፭፻ ዓመት ድማ ኣብ መንጸፈ ደይን ወዲቑ ብእግሪ ኣጋንንት ክቕጥቀጥ መዋዕል ከምዘሕለፈ ምስትውዓል ኣምላኽ ዝኣዘዘካ ዘይምፍጻም ክሳብ ክንደይ መቕጻዕቲ ከምዘለዎ ዘረድእ እዩ። ስለዚ ጾም ቅንዑን ናብ ቅድስና ዝወስድ ሕጊ ኣምላኽ እዩ። ስለዚ ትርጉም ጾም ብዝግባእ ፈሊጥና ፈጸምቱ ኮይንና ክንረከብ ኣምላከ ቅዱሳን ንኵልና ጥበቡን ምሥጢሩን ይዓድለና። 

ኣብዚ ኣርእስቲ ብዙኅ ክትንከፉን ክድህሰሱን ዝግብኦም ነገራት ገና ከምዘይተጻሕፈሎም ይርድኣና እዩ። ስለዚ እግዚአብሔር ብዝፈቐደ ኣብ ዝቕጽል እዋናት መጻሕፍቲ ተወኪስናን ሊቃውንትና ሓቲትናን ኣስፊሕና ክንጽሕፈሎም ብኣምላኽ ተስፋ ንገብር። 

ኣጀሚሩ ንዘፈጸመና ሕያውን ቅዱስን እግዚአብሔር ስሙ ዝተመስገነ ይኹን።

No comments:

Post a Comment