ካልኣይ ክፋል
፭. ተቀሥፎ ዝባን

ጐይታ ብዘይበደሉ በደል ኣዳም ጸይሩ ተገርፈ። ምኽንያቱ ደቂ ሰባት ኣብ መንጸፈ ደይን ወዲቖም ብእግሪ ኣጋንንት እናተቐጥቀጡ ብሃለንጊ ረመጽ ይግረፉ ነበረ እሞ ንሰባት ክብጆ ዝመጸ ኣምላኽ ኣብ ክንዲ ሰባት ንሱ ዝባኑ ንግርፋት ብፍቓዱ ሃበ። ሥግኡ ተወዲኡ ኣዕጽምቱ ክሳብ ዝረአን ዝቑጸረን ተተበራርዮም ገረፍዎ። እቲ ብበደሉ ክግረፍ ዝግብኦ በርባን ተፈቲሑ እቲ ንጹሐ ባህርይ ክርስቶስ ክእሰርን ክግረፍን ምርጫ ሰባት ኮነ። እቲ ንርእሱ ካብ ቤት ማሕቡስ ናጻ ከውጽእ ዘይክእል ዓዲ ዘሰከሐ በርባን ተፈቲሑ ንሰባት ካብ ሲኦል ሓራ ክገብርን ካብ ማእሰርቲ ኃጢኣት ክፈትሕን ዝመጸ ጐይታ ክእሰርን ክግረፍን ድሌት ሰባት ኮነ። እቲ ትንቢት’ውን ተፈጸመ ። (ኢሳ ፶፥፮)
ካብ ግርፋትና ከናግፈና ካብ ማእሰርትናውን ክፈትሓና ጐይታ ብሰንኪ በደልና ክወርደና ንዝነበረ መቕጻዕቲ ኵሉ ንሱ ጾረልና። ንሱ ተገርፈልና። ንሕና እሱራት ክንፍታሕ ንእሱራት ዝፈትሕ ጐይታ ብፍቓዱ ተኣሲሩ። ነዚ ድማ አንክሮ ተዘክሮ ይግባእ እዩ።
ዳግማይ’ውን ኣብ ማእሰርቲ ኃጢኣት ኣቲና ከይንእሰር ነፍስና ንዓቅብ። ኣምላኽ’ውን ስሌና ዝገበረልና ድማ ንዘክር።
፮. ተዐርቆተ ልብስ

ጲላጦስ ክገርፍዎ ኣኅሊፉ ንወተሃደራቱ ኣብ ዝሃበሉ እዋን ክዳኑ ተቐላጢፎም ገፊፎሞ እዮም። (ማቴ ፳፯፥፳፯) ብምኽሪ ዲያብሎስ ኣዳም ብምርጭኡ ብዝኣተዎ ውድቀት ጸጋኡ ተገፊፉ ደቁ ብወተሃደራት ሲኦል ክቕጥቀጡ ይነብሩ ነይሮም እሞ ንኣዳምን ደቁን ካብዚ መከራ ከናግፍ ንሱ ብወተሃደራት ጲላጦስ ክዳኑ ክግፈፍ ክግረፍ ፈቓዱ ኮነ።
፯. ርግዘተ ገቦ

እዚ ኸኣ ውልድነት እግዚአብሔርን ዘለኣለማዊ ሕይወትን ስኢኖም ዝነበሩ ደቂ ሰባት ውልድነትን ሕይወትን ከምዝተመልሰሎምን ዘረድእ እዩ። ምኽንያቱ ካብ ጐይታ ብዝፈሰሰ ማየ ገቦ ተጠሚቖም ውልድነት፤ ንዝፈሰሰ ደምን ዝተቖርሰ ሥጋን በሊዖም ሰትዮምን ድማ ናይ ዘለዓለማዊ ሕይወት ክኾነሎም ንደቂ ሰባት ቃል ተዋሂቡ እዩ። (ዮሐ ፫፥፭ ዮሐ ፮፥፶፬)
፰. ተአሥሮተ ድኅሪት

ብሰንሰለት ኃጢኣት ተኣሲሮም ብዲያብሎስ ንድኅሪት ክሰሓቡን ናብ ፍቓዱ’ውን ክጉተቱ ዝነብሩ ዝነበረ ደቂ ሰባትብ ካብ ማእሰርቶም ናጻ ከወጽእ ዝመጸ ጐይታ ንሱ ንድኅሪት ብፍቓዱ ተኣስረሎም። ምድሪ ንምድሪ’ውን እናተጐሰ ተሰቓየሎም።
ይቕጽል…
No comments:
Post a Comment