Sunday, April 10, 2011

ዓቢይ ጾም

ሻብዓይ ክፋል

ጾም ጐይታ ፵ መዓልትን ፵ ለይትን፡ ናትና ግና ፶፭ መዓልትታት፡ ስለምንታይ፧
ዓቢይ ጾም፡ ጾም ጐይታና እዩ። ደቂ ሰባት ብትንሣኤ ክርስቶስ ዝረኽብናዮ ጸጋን ክብርን ኣብ በዓለ ትንሣኤኡ ቅድሚ ምብዓልናን ምኽባርናን ንጾሞ ጾም ብምዃኑ፡ ኣብ ንጾመሉ እዋን ብዝያዳ ጐይታ ንዓና ክብል ዝገበረልና ውዕለት፡ ምእንታና ዝተቐበሎ ጸዋተወ መከራ እናዘከርና፡ ቃሉን ሕይወትናን እናነጻጸርና ብንስሓ ናብ ኣምላኽ እንቐርበሉን መንፈሳዊ ፍረ ከነፍሪ ብዝያዳ እንጋደለሉን እዩ። 

ዓቢይ ጾም ዓመት መጸ ዝበዓል፡ ዝጅመረሉን ዝፍጽመሉን ግና ብመሠረት ባሕረ ሓሳብ ክዕወድ ከሎ ዝተፈላለየ ይኹን እምበር ብዝኂ ዕለታቱ ዘይውስኽን ዘይጐድልን እዩ። ወትሩ ድማ ክልተ ሰሙን ድኅሪ ጾመ ነነዌ ይጅምር። 

ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ገዳመ ቆሮንቶስ ዝጾሞ ጾም ፵ መዓልትን ፵ ለይትን ኮይኑ ንሕና ግና ፶፭ መዓልቲ ክንጸውም ሥርዓት ቤተ ክርስቲያን ይእዝዘና እዩ። እቲ ፍልልይ ካበይ ዝመጸ እዩ፧

ብመሠረቱ ጐይታ ኣብነት እዩ ገዲፉልና እምበር ንሱ ኣርብዓ ስለዝጾመ ናትና’ውን ፵ ክኸውን ኣለዎ ኢልና ክንምጕት ዝግባእ ኣይኮነን። ምኽንያቱ ብኵሉ ነገራት ልክዕ ከምቲ ንሱ ዝጾሞ ንሕና ክንጸውም ዝከኣል’ውን ኣይኮነን። እዚ ክበሃል ከሎ’ውን ብመንጽር ፍቕዲ ካብ ጾም ጐይታ ወጺና ኣሎና ማለት’ውን ኣይኮነን። ምኽንያቱ ሥርዓት ክሥራዕ ከሎ ካብ ቅዱስ መጽሓፍ ወጻኢ ስለዘይኮነ። 
ንሕና ደቂ ሰባት ብመሠረት ጐይታ ዝገደፈልና ኣብነት ብኸመይ ኣገባብ ክንጸውም ከምዘሎና ሥርዓት ትሠርዓልና ድማ ርእሳ ክርስቶስ ዝኾነት ቅድስት ቤተ ክርስቲያን እያ። ሓዋርያት ድማ ካብ ጐይታ ብመሠረት ዝተቐበልዎ ትእዛዝን ሥልጣንን ሥርዓት ክገብሩልና ጀሚሮም። ንዝተረፈን ዘይመልእዎን ድማ ድኅሪኦም ዝትሥኡን ንእኦም መሲሎም ንቤተ ክርስቲያን ዘመሓድሩ ክሥርዕዎ ትእዛዝ ሂቦም እዮም። ከምኡ እንተዘይከውን ደኣ ከምቲ ጐይታ ኣብ ፴ ዓመቱ ኣብ ዮርዳኖስ ዝተጠምቀ ንሕና’ውን ብመንጽር ፍቕዲ ዓመት ኣብ መበል ፴ ዓመትና ጥራይ ኵልና ክንጥምቕ ምተገበአ ማለት እዩ፤ ብመንጽር ቦታ’ውን ዮርዳኖስ ክንርከብ ኣሎና ማለት ድዩ? ኣይፋል! እዚ ሥርዓት እዩ። ዋንኡ ድማ ቤተ ክርስቲያን እያ። ሥርዓት እንተኾነ’ውን ሰባት ከም ዝጠዓሞምን ዝጸበቐሎምን ክቐያይርዎ ዝከኣል ኣይኮነን። ኣብ ምንታይ ይምርኵስ፤ መወከሲኡ እንታይ እዩ፤ መን እዩ ሥልጣን ዘለዎ፤ ብኸመይ ኣገባብ ይፍጸም፤ ወቦዘተርፈ ናቱ ሕጊ ሥርዓት ኣለዎ። 

ብመሠረት ሥርዓትን ቀኖናን ቤተ ክርስቲያን ዓቢይ ጾም ሸሞንተ ሰሙናት ማለት ፶፭ መዓልትታት ኣለዎ። ካብዞም መዓልትታት ድማ ሸውዓተ ቀዳምን፡ ሸሞንተ ሰናብትን ይርከቡ። እዚ ድማ ፲፭ መዓልትታት ማለት እዩ። እዚኦም መዓልትታት ካብ ጥሉላት እምበር ካብ እኽለ ማይ ስለዘይጽወሙ እቶም ምሉኣት መዓልትታት ኣጽዋም ድማ ፵ ይኸውን ኣሎ ማለት እዩ። ብካልእ ኣገላልጻ እዘን ቀዲመንን ድኂረንን ዝጽወማ ኣጽዋማት መተካእታ ናይተን ኣብቲ ፵ ጾም ዝርከባ ሰናብቲ ምዃነን እዩ። ስለዚ ብመንጽር እዚ እንተተራእየ ጾምና ፵ መዓልትታት ይኸውን ኣሎ ማለት እዩ። 

እቲ ካልእ መብርሂ ድማ፡ ኣብ ዓቢይ ጾም መእተውን መውጽእን ዝጽወሙ ክልተ ሰሙናት ኣለዉ። እቲ ናይ መጀመርታ ዘወረደ ወይውን ጾመ ሕርቃል ተባሂሉ ዝፍለጥ ኮይኑ እቲ ናይ መወዳእታ ድማ ሰሙነ ሕማማት ተባሂሉ ይፍለጥ። ስለዚ እግሪን ርእስን ኮይኖም ኵሎም ምስ ዓቢይ ጾም ብሓንሳብ ይሕሰቡ። ጾመ ሕርቃል ሸሞንተ መዓልቲ፡ ሰሙነ ሕማማት ድማ ሸውዓተ መዓልቲ ብሓንሳብ ክንፈቕዶ ከሎና ፲፭ መዓልቲ ይኸውን። ስለዚ ኣብ ልዕሊ መዓልትታት ጾም ጐይታ እዚኦም ክውሰኹ ከለዉ ፶፭ መዓልቲ ዝኸውን ዘሎ። 

እዘን ኣብ ቅድሚትን ድኅሪትን ጾም ጐይታ ዝርከባ ሰሙናት መበገሲአን ከመይ ኢዩ? 

ጾመ ሕርቃል 

እዚ ኣብ ቀዳማይ ሰሙን ናይ ዓቢይ ጾም ከም መዘከርታ ዝተሰየመሉ ሕርቃል መን እዩ? እንታይ’ከ ዝገበረ እዩ ዝብል ሕቶ ይልዓል ይኸውን። ሕርቃል(ኢራቅሊዮስ) ኣብ ከባቢ ቀዳማይ ርብዒ ፯ይ ክፍለ ዘመን ንጉሥ ቢዛንታይ ዝነበረ እዩ። ታሪኽ ቤተ ክርስቲያንና ብኸምዚ ኣገባብ ድማ ይገልጾ። 

ፎቃ ዝብሃል ንጉሥ ኣብ ልዕሊ ክርስቲያናት ኢየሩሳሌም ኣርዑት መግዛእቲ ኣክቢዱሎም ምስ ጸነሐን እቶም ምእመናን ድማ ምስ ሸገሮም፡ በቲ ግዜ እቲ ንጉሥ ቢዛንታይን ዝነበረ ክርስቲያን ንጉሥ ሕርቃል ክራድኦም ለመንዎ። ንሱ ድማ ክሕግዞም ፍቓዱ እኳ እንተነበረ ሓንቲ ነገር ግና ጨነቐቶ። ምስቲ ከሓዲ ንጉሥ ተዋጊኡ ናጻ ከውጽኦም እንተደኣ ኮይኑ፤ ሓዋርያት ሰብ ዝቐተለ ተረፍ መዋእሉ ይጹም ኢሎም ኣዚዞም ስለዝነበሩ ከመይ ገይረ መዋእለይ ክጸውም ይከኣለኒ? በሎም። ንሳቶም ድማ ሓደ ሰብ ኣብዚ ምድሪ እንተጸንሐ ፸ ወይውን ፹ እዩ። ንሕና ድማ ተማቒልና ክንጾመልካ ኢና በልዎ፤ በዚ ተተባቢዑ ነቲ ጨካን ንጉሥ ሥዒሩ ነቶም ምእመናን ሓራ ገበሮም። በዚ ምኽንያት ድማ ኵሎም ክርስቲያናት ፭ተ ፭ተ መዓልቲ ተማቒሎም ክጾምዋ ጀሚሮም። በዚ ድማ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ቅቡል ኮይኑ ስለዝተረኽበ ቅድሚ ጾም ከም መዳለዊ መቀራረቢ ተባሂሉ ቅድሚ እቲ ናይ ፵ መዓልቲ ናይ ዓቢይ ጾም ክጽወም ሥርዓት ተሠርዐ። 

ብካልእ ታሪኽ ድማ በቲ ዘመን እቲ ፋርሳውያን ኃይሎም ብምንባሮም ንኢየሩሳሌም ወሪሮም መስቀል ጐይታ ማሪኾም ወሲዶሞ ኔሮም። ንጉሥ ሕርቃል ብመሠረት “ተዋጊዕካ መስቀል ጐይታ ኣምልሰልና” ዝብል ምኅጽንታ ክርስቲያናት ተሓጕሱ ክዋጋእ ደለየ፤ ይኹን እምበር “ነፍሲ ዝቐተለ መዋዕል ዕድሚኡ ይጹም” ንዝብል ትእዛዛት ሓዋርያት ጠቒሱ ስክፍትኡ ገሊጹሎም ነበረ። እቲ ዝተረፈ ታሪኽ ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ እዩ። ዳኅራይ ግና ንሱ ንእግዚአብሔር ኃይሊ ብምግባር ናብ ፋርስ ወፊሩ ንኣታቶም ስዒሩ ነቲ መስቀል ሒዙ ናብ ኢየሩሳሌም ተመልሰ። በዚ ምኽንያት’ዚ ከኣ ክርስቲያናት ኣዝዮም ተሓጒሶም። እቲ ታሪኽ፡ ፍቕሪ መስቀል ዝተገልጸሉ እዩ። ስለዚ እግዚአብሔር አብ ሕርቃል ሓዲሩ ንዝሰርሖ ዘደንቕ ስራሕን፡ ነዚ ዘደንቕ ስራሕ ምኽንያት ዝኾነ ሕርቃል ንስሙ መዘከሪ ክኸውን፡ ነዚ ናይ ሰሙን ጾም ኣብ ቀኖና ኣእቲዮሞ፤ ቤተ ክርስቲያናውን ኣብ ቀኖናኣ ኣእትያ ተቐቢላቶ ኣላ። ምስ ዓብይ ጾም’ውን ሓደ ኮይኑ ተቖጺሩ ኣሎ። (ፍት መን ፲፭) 

ይኹን ደኣ እምበር መበቆል ጾም ቀዳማይ ሰሙን ዓቢይ ጾም ምስ ሓዋርያት ዝተኣሳሰረ ታሪኽ ዘለዎ እዩ። አበው ሐዋርያት ቅድሚ ናብ ስብከተ ወንጌል ምውፋሮም ሓሓሙሽተ መዓልቲ ናይ ምጻም ልማድ ከምዝነበሮም ታሪኽ ቤተ ክርስቲያን ይገልጽ። 

ብሓፈሻ እዛ (ዘወረደ) ብጾም ሕርቃል እትፍለጥ ቀዳመይቲ ሰንበት ሸሞንተ መዓልቲ ዝሓቘፈት እያ። 

ሰሙነ ሕማማት 
ናይ መወዳእታ ሰሙን ዓቢይ ጾም ሰሙነ ሕማማት እዩ። ሓዋርያት ናይ ጐይታ ነገረ መስቀል እናዘከሩ ዝጾምዎ እዩ። ሕማማት እንብሎ ቅድሚ ትንሣኤ ዘሎ ሰሙን እዩ። ኣብ ሰሙነ ሕማማት ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ንወዲ ሰብ ድኅነት ክብል ሕማም መከራ ዝተቐበለላ ብመስቀል ድማ ጽውዓ ሞት ተቐቢሉ ካብ መግዛእቲ ሞትን ኃጢኣትን ሓራ ዝገበረና ስለዝኾነ ሕማሙ፡ ምኽረ ሞቱ ከምዝኡውን ዝተቐበሎ ጸዋተወ መከራ ብጾም፡ ብጸሎት፡ ብሰጊድ፡ ብኃዘን ንምዝካር ብኣበው ቤተ ክርስቲያን ዝተሠርዐ እዩ። 

መዓልትታት ሰሙነ ሕማማት ድማ ሸውዓተ እየን። 

ጾመ ሕርቃል ይኹን ሰሙነ ሕማማት ኵሉ ምስ ዓቢይ ጾም ሓደ ኮይኑ ተቖጺሩ ኣሎ። 

መጠቓለሊ 
ዓቢይ ጾም ብዝብል ኣርእስቲ ዝጀመርናዮ መንፈሳዊ ጽሑፍ ኣብ ምዝዛም በጺሕና ኣሎና። ኣብዚ ርእሰ ነገር ካብ ትርጉም ቃል ዓቢይ ጾምን ኣትሒዝና ዘለዎ ዝተፈላለየ መጸውዒ ስያመታት ክንድህስስ ፈቲንና ኢና። እዚ ጾም’ዚ ጾም ጐይታ ከም ምዃኑ ድማ ጐይታ ኣብ ገዳመ ቆሮንቶስ ከይዱ ዝጾመሉ ምኽንያትን፡ ኣብኡ ንዘፈጸሞ ተግባራትን ብመንጽር ቦታ፡ ዕለት፡ ፈተና ወዘተ ቤተ ክርስቲያን ንእትምህሮ ትምህርትን ሥርዓትን ብሓንሳብ ክንቋደስ ሰሙናት ኣኅሊፍና ኢና። 

ኣብ ውሽጢ እዚ ኣርእስቲ ክጥቀሱ ዝግብኦም ሸሞንተ ሰናብቲ ዓቢይ ጾምን ትምህርቶምን ንበይነን ኣርእስቲ ሒዘን ስለዘለዋ ኣብዚ ምጥቃሱ ኣገዳሲ ኮይኑ ኣይተራእየናን እምበር ዘንጊዕና ኣይኮነን። 

በዚ ይኹን በቲ፡ ይውሓድ ይብዛኅ ትምህርቲ ከምዝረኸብና እሙንቶና ጽኑዕ እዩ። ከም ፈቓደ እግዚአብሔር ብፍላይ ንተምሃሮ ትምህርቲ ሰንበት ብዝጥዕም ኣገባብ ኣስፊሕና ክንቕጽሎ ተስፋናን ጸሎትናን እዩ። 

ኣለዓዒሉ ዘጀመረና፤ ኣጀሚሩ ድማ ዘፈጸመና ቅዱስ እግዚአብሔር ዝተመስገነ ይኹን። ዘንበብናዮ ኵሉ ንተግሣጽና ክገብረልና፡ ሰማዕቲ ጥራይ ዘይኮነስ ፈጸምቲ ኮይንና ክንርከብ ኣብ ልብና የኅድሮ። 

ስብሐት ለእግዚአብሔር ወለወላዲቱ ድንግል ወለመስቀሉ ክቡር። 






No comments:

Post a Comment