Friday, April 8, 2011

ጾም

ሻብዓይ ክፋል

ሸውዓት ናይ ኣዋጅ ኣጽዋማት
ኣብ ቅድስት ተዋሕዶ ሃይማኖትና ናይ ኣዋጅ ኣጽዋማት ዝበሃላ ፯ ምዃነን ጠቒስና ኣሎና። እግዚአብሔር ኣብ ዝፈቐደሉ ኣብቲ ነፍስ ወከፍ ጾም ዝኣትወሉ እዋናት በብጊዜኡ ስፍሕ ዝበለ ትምህርቲ ከምእነዳሉ ተስፋ ብምግባር ንመረዳእታን መእተውን ጥራይ ክኾነና ኣስዒብና ብዛዕባ እዘን ሸውዓተ ኣጽዋማት ቍሩብ ክንጠቅስ፦

፩. ዓቢይ ጾም (ጾመ ኣርብዓ)
እዚ ጾም’ዚ ሸሞንተ ሰሙናት ወይውን ፶፭ መዓልትታት ዘለዎ ጾም እዩ። ዋላ እኳ ብዝኂ ዕለታት ኣጽዋም ዘይለዋወጥ ይኹን ደኣ እምበር ልክዕ ክልተ ሰሙን ድኅሪ ምጅማር ጾመ ነነዌ ስለዝኣቱን ምስ ነነዌ ምእታው ዕለታቱ ክብን ለጠቕን ክብል ይርከብ። መሠረት’ዚ ጾም ድማ ባዕሉ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ። ምእመናን ድማ ምሳሌኡ ተኸቲሎም ክጾሙ ይርከቡ ኣለዉ። (ማቴ ፬፥፩-፲፩)።

ዝርዝር ሓበሬታን ትምህርትን ናይዚ ጾም በይኑ ኣብ ካልእ “ዓቢይ ጾም”ን “ሰናብቲ ዓቢይ ጾም”ን ዝብል ኣርእስቲ ተጻሒፉ ስለዝርከብ ኣብኡ ንወከስ።
፪. ጾመ ዓርበ ረቡዕ 
እዚ ጾም’ዚ ብዘይካ ዓርብን ረቡዕን ኣብ ልደት ጥምቀትን ዝውዕለሉ ከምኡ’ውን ካብ ትንሣኤ ክሳብ በዓለ ሓምሳ ኣብ ዘሎ ፶ ናይ ፍስሓ መዓልትታት እንተዘይኮይኑ ዓመት ምሉእ ዝጽወም ጾም እዩ። “ረቡዓ ወዓርብ በኵሉ ሱባኤ ዘእንበለ መዋዕለ ፶ ወበዓለ ልደት ወበዓለ ጥምቀት ሶበ ኀብሩ ቦሙ”። ከመይሲ ልደትን ጥምቀትን ዓበይቲ በዓላት ጐይታ ስለዝኾናን ንሕና’ውን በዘን መዓልትታት ጐይታ ንዝገበረልና ነገራት እናዘከርና ብፍስሓ ወሓሴት ከነኽብር ስለዝግባእ ከምኡውን ድኅሪ ትንሣኤ ጐይታ ዘሎ ፶ መዓልቲ ድማ ብጐይታ ዝረኸብናዮ ናጽነትን ክብርን እናዘከርና ሓጐስና እንገልጸሉ ዕለታት ስለዝኾነ ዝኾነ ጾም ኣይጽወመለንን፤ መንፈሳዊ ሓጐስ እምበር ኣይሕዘነለንን ድማ እዩ። ከም ስመን ድማ ስለ ነናተን ምኽንያት ረቡዕን ዓርብን ይጽወማ። (ፍት መን ፲፭ ዲድ ፳፱)

ረቡዕ
ባይቶ ኣይሁድ ከምቲ ቀያፋ ዝበሎ “ኣብ ክንዲ ኵሉ ሕዝቢ ሓደ በጃ እንተሞተ ይሓይሽ” ኢሉ ገጹ ጸፊዑ ኣፉ ከፊቱ ከምዘዛረቦ ጐይታና ክስቐል ንነዊሕ እዋን ዝሓስብዎ ዝነበሩ ምኽሪ ሞቱ ዝፈጸሙሉ ዕለት እዩ። (ዮሓ ፲፩፥፵፮-፶፫ ዮሓ ፲፰፥፲፬) ኣምላኽና ስሌና ክብል ጸዋተወ መከራን ሕማማተ መስቀልን ክቕበልን ክመውትን ውሳኔ ንዝተዋህበሉ ምኽረ ሞቱ እናዘከርና ክንጸውም ቤተ ክርስቲያን ኣዚዛትና ኣላ።

ዓርቢ
ዕለተ ዓርብ ኣዳም ካብ ገነት ዝወጸሉን ድኅሪ ፭ሺሕ ፭ሚእትን ዓመት ድማ ናብ ገነት ዝተመልሰሉን ክብርቲ ዕለት እያ። ኣዳም ካብ ገነት ዘስጐጎ ኃጢኣትን ዝሰዓቦ ሞትን ክድምሰሰሉን ናብቲ ዝቐደመ ክብሩን ስፍርኡን ክምለስ ዝኸኣለ ድማ ብሞት ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ። እታ ጐይታ ስሌና ተሰቒሉ ዝሞተላን ተስፋ ኣዳምን ደቁን ፍጻመ ዝረኸበላ ዕለት ድማ ዓርቢ እያ። (ዮሓ ፲፱፥፲፯-፴ ሉቃ ፳፫፥፳፮-፵፱) ስለዚ ድማ ነዚ ዓቢይ ውዕለት ዘኪርና ንጾማ። “ወዝኒ በእንተ ፈጽሞተ ፈቃዱ ለመድኃኒነ” ይብል መጽሓፍ።

፫. ጾመ ነነዌ
እዚ ጾም እዚ ናይ ሠለስተ መዓልቲ ጾም እዩ። ካብ ሰኑይ ክሳብ ረቡዕ። እዚ ጾም’ዚ ካብዘን መዓልትታት ኣይለቅቕን (ኣይወጽእን) እዩ። ግና ኣየናይ ሰኑይ-ረቡዕ እንተበልና ክብል ለጠቕን ስለዝብል በብዓመቱ ክዕውድ ከሎ ይፈላለይ እዩ። እዚ ጾም’ዚ ብ “መባጃ ሐመር”ን ብ “ኢየዓርግ ወኢይወርድ”ን ዝለዘመላለሱ ድማ መደቡ ምስ ኣጽዋማት ኣዋድያት እዩ። ንኣጽዋማት ድማ መሠረት እዩ።

ኣበው ነዚ ጾም’ዚ ኣብ ቀኖናኦም የእቲዮም ክውስንዎ ከለዉ ስለ ክልተ ነገር እዩ። ብሓደ ወገን እግዚአብሔር ኣምላኽ ብሰንኪ ኃጢኣታ ክትጠፍእ ቀሪባ ንዝነበረት ነነዌ ብምኽንያት ጾምን ጸሎትን ንስሓን ይቕረ ከምዝበላን እታ ዓዲ’ውን ካብ ጥፍኣት ከምዝደኃነት ንምዝካርን ከምኡ’ውን መሓሪነት ኣምላኽ ንምስትንታንን በቲ ካልእ ድማ እግዚአብሔር ብቃሉ እሙን እዩ እሞ ምእመናን ብጾምን ብጸሎትን ናብ ፈጣሪኦም ቀሪቦም ምሕረት ከምዝረኽቡ ንምግባር እዩ። (ዮና ፫፥፭-፱ ማቴ ፲፪፥፴፱) ምሳሌኡ ድማ ኣብ ኣብርሃም ሶርያዊ ተራእዩ እዩ። ብናይ ሠለስተ መዓልትን ለይትን ጾምን ጸሎትን ሃይማኖት ኣቦታቱ ርትዕቲ ምዃና ከምዘርኣየን ካብ ፈተና ዘይኣመንቲ ንሕዝቡ ከምዘድኃነን ታሪኽ ቤተ ክርስቲያን ዝገልጾ እዩ። ጾመ ልደት ካብ ዘለዉዎ ፵፬ መዓልትታት እቲ ፵ ናይ ነቢያት ክኸውን ከሎ እቲ ፫ መዓልቲ ድማ ናይ ኣብርሃም ሶርያዊ እዩ። እታ ሓንቲ መዓልቲ ድማ ናይ ገሃድ እያ።

ብሓፈሻ ሰብአ ነነዌ ናይ ተነሣሕያን ኣብነት እዮም። ሥርዓቱን ጾሙን ንምንታይ ይትረፍ ኢሎም ኣቦታት ሠሪዖሞ ኣለዉ። ምእመናን ድማ ክጥቀሙሉን ክረብሕሉን ይነብሩ ኣለዉ።

፬. ጾመ ገሃድ
እዚ ጾም’ዚ ድሮ ልደትን ጥምቀትን ዝጽወም እዩ። (ፍት መን ፲፭) ብዛዕባ እዚ ኣርእስቲ ዝምልከት ስፍሕ ዝበለ ትምህርቲ “ገሃድ” ኣብ ዝብል ኣርእስቲ ንዝተጻሕፈ ትምህርቲ ንመልከት። 

፭. ጾመ ነቢያት (ልደት፤ ኣዳም፤ ስብከት፤ ታኅሣስ)
እዚ ጾም’ዚ መምስ ምኽንያቱ ጾመ ነቢያት፥ ጾመ ልደት፥ ጾመ ኣዳም፥ ጾመ ስብከት፥ ጾመ ታኅሣስ ተባሂሉ’ውን ይጽዋዕ እዩ። እዚ ጾም’ዚ ካብ መንፈቀ ኅዳር (፲፭) ክሳብ ፳፰ ታኅሣስ ዘሎ መዓልቲ ዓመት መጸ ዝጽወም እዩ። “ወጥንተ ዚአሁ መንፈቀ ሕዳር” (መጀመርትኡ ፍርቂ ሕዳር እዩ)። ዕለታቱ ዘይቀያየሩን ክብን ለጠቕን ዘይብል ጾም ድማ እዩ። ታኅሣስ ፳፱ ድማ በዓለ ልደቱ ብምብዓል ይፍሰግ። ይኹን እምበር ልደት ኣብ ዘመነ ዮሓንስ ታኅሣስ ፳፰ ኣብ ዝበዓለሉ ጊዜ እቲ ጾም ክሳብ ዕለት ፳፯ ይኸውን ማለት እዩ።

መሠረት ጾም ድማ ነቢያት እዮም። ከመይሲ ነቢያት በብዘመኖም ብዛዕባ ምምጻእ ክርስቶስን ድኅነት ደቂ ኣዳምን ይጾሙን ይጽልዩን ነበሩ። ንሕና’ውን ከምቲ ናቶም ክወርድ ክውለድ ኢልና ዘይኮነስ ብልደቱ ዝሃበና እንዘከርናን ነፍስና እናመርምርናን ነቲ ናቶም ኣብነት ስዒብና ቀቅድሚ በዓል ልደት ጐይታ ንዘለዉ መዓልትታት ክንጸውም ቤተ ክርስቲያን ኣዚዛትና ኣላ። 

፮. ጾመ ሐዋርያት (ጾመ ሰነ)
እቲ ዝበዘኀ ክፋሉ ኣብ ወርኃ ሰነ ስለዝወድቕ ጾመ ሰነ ተባሂሉ’ውን ይፍለጥ እዩ። እዚ ጾም’ዚ ብኢየዐርግን ኢየወርድን ስለዝመላለስ ውሱን መዓልቲ የብሉን። ሓደ ሓደ ጊዜ ካብ ኣርብዓ መዓልቲ ክዛይድ ከሎ ኣብ ገለ ዓመታት ድማ ካብ ሠላሳ መዓልቲ ይውሕድ። ምእታው እዚ ጾም’ዚ ጽባሕ በዓለ ሓምሳ (ጰራቅሊጦስ) ኮይኑ እዚ በዓል’ዚ ከኣ ካብ ሰንበት ስለዘይወጽእ፤ ምጅማር እዚ ጾም ድማ ወትሩ ካብ ሰኑይ ኣይለቅቕን እዩ። ምኽታም ጾም ፍሉጥ መዓልቲ እኳ እንተዘይብሉ ወትሩ ግና ኣብ በዓለ ሓዋርያት (ብቀንዶም ጴጥሮስ ወጳውሎስ) (፭ ሓምለ) ይፍጸም። “ወውእቱ ይተሉ እምበዓለ ፶”- “ወፋሲካሁ አመ ሐሙሱ ለሐምሌ በዓለ ጴጥሮስ ወጳውሎስ”

መሠረት’ዚ ጾም ሓዋርያት እዮም። ቅዱሳን ሓዋርያት ከምቲ ጐይታ እቲ መርዓዊ ካብኣቶም ምስተፈልየ ኣዕርዅት መርዓዊ ክጾሙ እዮም ኢሉ ዝኣዘዞም - ብመሠረት ሑሩ ወመሐሩ ውስተ ኵሉ ዓለም ዝብል ትእዛዙ ጸጋ መንፈስ ቅዱስ ድኅሪ ምቕባሎም፡ ናብ ዓለም ንስብከተ ወንጌል ቅድሚ ምውፋሮም ዝጾምዎ ጾም እዩ።

ምእመናን’ውን ንሓዋርያት ኣብነት ገይሮም ጽባሕ በዓለ መንፈስ ቅዱስ ኣትሒዞም ክጾሙ ድማ ቤተ ክርስቲያን ሥርዓት ሠሪዓ ትርከብ። ይኹን ደኣ እምበር ገለ ሰባት ኣብ ልዕሊ ጾም እናተዋዛዩን ምኽንያት እናፈጠሩን ካብ ጾም ንክርሕቁ “ጾመ ሰነ ናይ ዝሰኣነ” ክብሉን ከም ዘይምልከቶም ገይሮም ክዛረቡ ይስማዕ እዩ። እዚ ግና ኣብ ልዕሊ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ከም ምብጫውን ብኣምላኽ’ውን ዘሕትት ጌጋ እዩ። ከመይሲ ጾም ንስኡናት ወይውን ርኹባት እናበለ ዘይፈሊ፡ ሰባት ጽድቂ ዝሽምትሉ ዓውዲ ስነ ምግባር እምበር ንሥጋዊ ሃብቲ ዘመዛዝን ቀመር ኣይኮነን። ጽድቂ ዝደልይን ጸጋ እግዚአብሔር ዝሰኣነን፡ ጸጋ ክውሰኸሉ ዝደሊ ኵሉ ድማ ይጾሞ።

፯. ጾመ ፍልሰታ
ጾመ ፍልሰታ ካብ ባሕቲ ነሓሰ ንክልተ ሰሙን ማለት ክሳብ ፲፭ ነሓሰ ዝጽወም ጾም እዩ። ፲፮ ነሓሰ ኪዳነ ምሕረት ድማ ፍልሰታ ለማርያም ተባሂሉ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ካብ ሞት ከምዝተንሠአትን ናብ ሰማያት ድማ ዝዓረገትሉ ብምዝካር ብኽብሪ ይበዓል። ስለዚ እዚ ጾም’ዚ ካብዘን ዝተጠቕሳ መዓልትታት ኣይወጽእን ክብን ለጠቕን ዝብል ድማ ኣይኮነን። “ወጥንቱ ቀዳሜ ነሐሴ” – “ወበዓለ እግዝእትነ ፋሲካሁ” (ፍት መን ኣንቀ ፲፭) 

መሠረት’ዚ ጾም ድማ ሓዋርያት እዮም። ከመይሲ ኣዴና ኣብ መበል ፷፬ ዓመት ዝዓረፈትሉ ሓዋርያት ክቕበርዋ ናብ ጌተሰማኔ ይወስድዋ ኣብ ዝነበሩሉ እዋን ኣይሁድ ከምዝተጻብእዎምን ከይቐበርዋ ከለዉ ቅዱሳን መላእኽቲ ሥጋ ኣዴና ድማ ናብ ገነት ከምዘዕረግዎን ይፍለጥ። ሓዋርያት ድማ ጐይታ ከምቲ ንዮሓንስ ሓዋርያ ዝገለጸሉ ንዓዓታቶም’ውን ክገልጸሎም ባሕቲ ነሓሰ ሱባኤ ኣተዉ። ኣብ መበል ምዝዛም ካልኣይ ሱባኤ (ዕለት ፲፬) ድማ ሥጋኣ ኣምጺኡ ሃቦም፤ ብኽብሪ ድማ ቀበርዋ። ኣብ ሣልሰይቲ መዓልቲ ድማ ተንሢኣ ዓረገት። ዕርገታ ድማ ቶማስ ሓዋርያ ርእይዎ እዩ። ቀጺሎም ድማ ሓዋርያት። (ተኣምረ ማርያም ስንክሳር ፲፮ ነሓሰ) ካብቲ ጊዜ እቲ ጀሚሩ ድማ ምእመናን ናይ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም በረኸት ንክረኽቡ ኢላ ክጾሙ ኣዊጃቶ ትርከብ። 

ብዙኃት’ውን ነዛ ክልተ ሱባኤ ብዝግባእ እናጾሙን እናጸለዩን ክንዲ’ዚ ተባሂሉ ክግለጽ’ውን ዘይከኣል ኣዝዩ ብዙኅ በረኸት ወላዲተ ኣምላኽ ክረኽቡ በቒዖም ኣለዉ። 

                                                                                                                          ይቕጽል...

No comments:

Post a Comment