Wednesday, April 6, 2011

ነገረ ጋእዝ - ቅድሚ ፻፩ (101) ዓመት

ቀዳማይ ክፋል
መእተዊ
ኣብዚ እዋን ጾም ልክዕ ቅድሚ ፻፩ (101) ዓመት ኣብ ሃገርና ካብ ዝተፈጸመ ሓደ ታሪኽ ንኣንበብትና ማዕዶታውያን ከነካፍል መሪጽና ኣሎና። ዘሎካ ምውካፍ ቅዱስ ባህልና ስለዝኾነ ድማ እግዚአብሔር ብዝፈቐደ ታሪኻ ኣቦታትና ዘጕልሑ ፍጻመታት ትምህርታዊ ብዝኾነ መልክዖም ምቅላሕ ክንቕጽሎ ኢና።

ምንጪ እዚ ታሪኽና ድማ ቅድሚ ፲ተታ ዓመታት ብትጉሃት ኣቦታት ማኅበረ ቢዘን ዝተኃትመት “መጽሓፈ ጥበብ” እያ። እዛ መጽሓፍ እዚኣ ስለ ዝተፈላለየ እርእስቲ ማለት ስለ ትምህርተ ሃይማኖትን ሥርዓት ቤተ ክርስቲያንን ሕጽርን ምጥንን ኣቢላ ንጹር መልሲ እትህብ ድንቂ መጽሓፍ እያ። ኣቦታት ገዳም ደብረ ቢዘን ብዘይካ እቲ ብመንፈሳዊ ገድልን ህርኩት ናይ ስራሕ ባህልን ዝወቀበ ገዳማዊ ሕይወቶም፡ ደቆም ምእመናን ምጕሳይ ከም ዓቢ ዕማም ይፍጽምዎ ከምዝነበረ እዛ መጽሓፍ’ዚኣ ጽብቕቲ ኣብነት እያ። ገዳማውያን ኣቦታት ምእመናን ኣብ ሃይማኖት ኣቦታቶም ክጽንዑ፡ ሥርዓት ቤተ ክርስቲያን ብዝግባእ ክፈልጡ፡ ብሰናይ ብርሃናዊ ግብሪ ክህነጹ፡ ካብ ተኳሉ መንጠልቲ ክዕቀቡ ወዘተ ጊዜኡ ዝሓለወ መንፈሳውያን መጻሕፍቲ ብምዝርጋሕ ክሳብ ክንደይ ሰፊሕ ልቦና ዝውንኑ ትጉሃትን ሊቃውንትን ምንባሮም እተርእይ ምጭውቲ መጽሓፍ እያ።

ኣብዛ መጽሓፍ’ዚኣ ክሳብ ፶ ዝኾኑ ኣርእስትታት ዝተጠቕሱን ዝተተንተኑን ኮይኖም እታ ናይ መወዳእታ “ጋእዝ” ብዝብል ኣርእስቲ እተጻሕፍት ግና ካብተን ካልኦት ፍሉይነት ኣለዋ። ከመይሲ ኣብ ካልኦት ኣርእስታት ናይዛ መጽሓፍ ካብ ዘሎ ኣገባብ ኣጸሓሕፋ ብዝተፈለየ ኣብ ዘመነ መግዛእቲ ጥልያን ኣብ መንጎ ተዋሕዶን ቡርስታንትን (ፕሮቴስታንት) ብዛዕባ ጾም ንዝተፈጸመ ጋእዝ (ክርክር) ከም መዛዘሚ ምዕራፋታ እተዘንቱ ብምዃና እዩ።

ኣብዛ ኣርእስቲ’ውን ብዛዕባ ኣብቲ ዘመን ዝነበረ ኵነታት ሃይማኖት፡ ሥርዓተ ምሕደራ፡ ኣቦታትና ስለ እቲ ሓቀኛ ሃይማኖት ኣቦታቶም ክሳብ ክንደይ ትጉሃትን ጥበበኛታትን ወዘተ ምንባሮም እተመልክት ታሪኻዊ ኣገዳስነት ዘለዎ ፍጻመ ዝሰነደት እያ። ብምስትውዓል እንተደኣ ኣንቢብናዮ እቲ ታሪኽ ቅድሚ ሓደ ዘመን ንድኅሪት ዝመልሰናን ኣብ ኣእምሮ ነፍስ ወከፍና’ውን ገለ ታሪኻዊ ሥዕሊ ዘበርክትልናን ምዃኑ ርጉጽ ነገር እዩ።

ንሱ’ውን ጥራይ ኣይኮነን። እቶም ዝተሣዕሩ ቡርስታንት ጌጋኦም ፈሊጦም ኣብ ክንዲ ምምላስ ተመሊሶም ነታ ሽዓ ዝፈጸምዋን ዝኣመኑላን እኳ ክኽሕዱ ተረኺቦም እዮም። እዚ ከምዚ ዓይነት ፍጻመ ኣብ ዘመንና’ውን ዝተደግመሉ ኵነት ኣሎ። ጊዜኡ ምስኣኸለ ድማ ከነዘንትዎ ኢና። ንሎሚ ግና ኣብ ዳኅረዋይ መዝገብ ታሪኽ ቤተ ክርስቲያን ሃገርና ሓንቲ ቆጽሊ ንዝኾነት ነዛ ኣብ ላዕሊ መእተዊ ዝገበርናላ ነገረ ጋእዝ ከየጕደልና ከይውሰኽና ከምቲ ተጻሒፍታ ዝነበረት ቀሪብና ኣሎና እሞ ከነንብባ ብትሕትና ንዕድመኩም ኣሎና።
ጋእዝ
በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ፩ዱ አምላክ፡
ንዌጥን ጽሒፈ ላኳ ወጋእዝ ዘተዋሕዶ ወዘቡርስታንት። መንፈስ ቅዱስ ኣፉ ከፊቱ ገጹ ጸፊኡ ዘዛረቦ ተስፋሥላሴ ዝበሃል ወዲ መዝሙር ኣብ ጣላ ይቕመጥ ነበረ። ነገር ክጅመር ከሎ ኣብ ጣላ ዝበሃል ዓዲ ነበረ’ሞ፤ ኣባ መዓሾ ዝበሃል ቡርስታንት ካብ ዓዲ ባሮ መጽአ። ቀሺ ገብረሥላሴ ሰቋር ዝበሃሉ ፪ ብርስታንት ኣብ ጣላ ነበሩ። ፫ ቡርስታንት ኮይኖም ኣኼባ ገበሩ። ኣብኡ ዝነበሩ ኣቕሽሽቲ’ውን ተከራኸርዎም፤ ከምዚ ድማ በልዎም።

ትጾምዎ ጾም ብመን ዝተሠርዐ እዩ፧”
እቶም ቀሳውስት ተዋሕዶ’ውን መለሱሎም፤ ከምዚ ድማ በልዎም።
ነቢያት እኳ ጾይሞም እንድዮም፤ ቀደም ዝተሠርዐ እዩ እምበር”
ቡርስታንትውን መለሱ። “ካብ ሞንጎ ነቢያት ብዘይካ እቶም ፫ተ ዝጾመ የልቦን።”
ተዋሕዶ፦ “እቶም ፫ተስ መንን መንን እዮም፧” በልዎም።
ቡርስታንትውን፦ “ሙሴ፡ ዳንኤል፡ ኤልያስ እዮም እምበር ካልእ ዝጾመ የለን" በሉ።
ተዋሕዶ፦ ኣብ ሞንጎ እዚ ቡርስታንት ከመይ ውዒልካ ይብሉኻ ኣለዉ ኢሎም ንዓይ ጸዊዖምኒ። ኣነ’ውን ተንሢአ ከድኩ። ክከራኸሩኒ ከምዝመጹ ስለዝፈለጥኩ ምስቶም ካልኦት ሓደ ኮንኩ(ሠመርኩ)
ቡርስ፦ “እትጾምዎ ጾም ስለምንታይ እዩ፧ ዘይተሠርዐ፧!” በሉ።
ተዋሕ፦ “ብነቢያት ዝተሠርዐ እዩ እምበር” በልናዮም።
ቡርስ፦ “ካብ ሞንጎ ነቢያት ብዘይካ ፫ቲኦም ዝጾመ የለን” ኢሎምኒ።
ተዋሕ፦ ኣነ’ውን ንቡርስታንት ሓተተክዎም፤ ከምዚ ድማ በልክዎም። “እንታይ ደኣ ብዘይካ ፫ቲኦም ዝጾመ የለን ትብሉ ደኣ፧ ዳዊት፡ ዕዝራ፡ ሰብአ ነነዌ፡ ኣስቴር፡ ሳሙኤል፡ ኵሉ እስራኤል፡ ኣርድእተ ዮሓንስ፡ ሓዋርያት ጾይሞም እንድዮም” በልክዎም።
ቡርስ፦ “እወ ጾይሞም እዮም” በሉ።
ተዋሕ፦ ኣነ ከኣ “እምበርኣርከስ ተረቲዕኹም” በልክዎም።
ቡርስ፦ “እወ በዚስ ተረቲዕና ግና ሥርዓት ኣይተሠርዐን” በሉ።
ተዋሕ፦ “ኣነ’ውን ኣይተሠርዐን እምበር ብፍቓድ (ብድሌትኩም) እንተትጾሙሱ ይጠቅም እዩ” በልክዎም።
ቡርስ፦ “እወ ኣይተሠርዐን እምበር ብፍቓድ ምጻምስ ይጠቅም እዩ” በሉ።
ተዋሕ፦ ኣነ’ውን “እምበኣርከስ ብፍቓድ ምጻም ይጠቅም እዩ ካብ በልኩም ደኣ ፈጺምኩም ተረቲዕኹም ኢኹም” በልክዎም።
ቡርስ፦ “ሓቂ እዩ ብፍቓድ ምጻም ይጠቅም እዩ” ኢሎም “ንጉሥ (መንግሥት) ይሙት” ኢሎም ከምዝተረትዑ ኣመኑ።

ክፍሊ ፩፦ ጋእዝ
ተዋሕ፦ ድኅሪ’ዚ “እምበኣርከስ ጾም ፈቓድ እዩ እምበር ኣይተሠርዐን ብዛዕባ ዝበልኩሞ፤ ኣብ ብሉይ ኣብ ሓዲስ ከም ዝተሠርዐን ከም ዝተሓገገን እወሓስ” በልክዎም።
ቡርስ፦ ንሳቶም’ውን “ኣግብእ” በሉ፤ ድኅሪ እዚ “ሳምዕ ጸውዕ” በሉኒ።
ተዋሕ፦ ኣነውን ጸዋዕኩ። ዝጸዋዕኩዎም ከኣ እዚኦም እዮም። “ዕዝራ ፰፥፪ ፪ ዜና መዋ ፳፥፫ ፳፩ ፳፫። ሙሴ ፵ መዓልቲ ፵ ለይቲ ከምዝጾመ ዘፀ ፴፬፥፳፰ እስራኤል መሳ. ፳፥፳፮ ፩ሳሙ ፯፥፮። ነቢያት ኢዩ ፩፥፲፬ ዳን ፲፥፪-፫ ዮና ፫፥፭ መዝ ፴፭፥፲፫ ፻፱፥፳፬። ፪ ቆሮ ፮፥፭። ጾም ጐይታ ማቴ ፬፥፪።”
ኵሎም ሓዋርያት ከምዝጾመ ጠቐስኩ፤ ነዚኦም ድኅሪ ምጽውዐይ
ቡርስ፦ “እዚኦም ብፍቓድ ጾሙ እምበር መዓስ ሕጊ እዩ ኢሎም ጸይሞም” ብምባል ነቐፉ።
ተዋሕ፦ ኣነ’ውን ከም እንደገና “ሕጊ ከምዝኾነ በጊዕ እወሓስ” በልክዎም።
ቡርስ፦ ንሳቶም’ውን “ኣግብእ” በሉ።
ተዋሕ፦ እወሓስ ድኅሪ ምባለይ “ናይ ዕዝራን ናይ ጳውሎስን ሕግን ሥርዓትን ከምዝኾነ” በልክዎም። መቸስ ንሳቶም ነዞም መጻሕፍቲ እዚኦም ነቒፎሞም እዮም።
ቡርስ፦ “ካልእ ምስክር ጸውዕ” በሉኒ።
ተዋሕዶ፦ ሒዘዮም ተመራሪሕና ናብ ዓዲ ከፈለት ከይድና። “የኔታ እንግዳወርቅ ትፈልጡለይ፤ ጾም ካብ ጥንቲ ጀሚሩ ኣብ ብሉይን ኣብ ሓዲስን ሥርዓትን ሕግን ከምዝኾነ” መሰካኽር ጸዊዐ።
ቡርስ፦ “ኣይ እዚኦም ደኣ ናትካ ሻራ፡ ናትካ ሃይማኖት፡ ነቲ ንስኻ እትብሎ እንድዮም ዘውርዩ! ሓዴኹም ተዛራቢ ሓዴኹም ድማ መስካሪ ኮይንኩም ከተጥፍኡና፤ ንዓኻትኩም’ውን ንዓናን ዘይሻርዉ ካቶሊክ ይመስክሩ እምበር” በሉ።
ተዋሕ፦ ኣነ’ውን “ብቀደሙ ካብቶም ፈላጣት ሊቃውንቲ ከመሳኽር እዩ እቲ ውዕለይ” በልክዎም።
ቡርስ፦ ንሳቶም ድማ “ዳኛ ኣይኮኑናን” እዮም በሉ።
ተዋሕ፦ ኣነ’ውን “ይኾኑኹም እዮም እምበር” በልክዎም። “ዝምድና እንተሎና መንግሥቲ ከምቲ ዝደንገጎ ንቐፉና ደኣ እምበር ዳኛስ ተመሳኸሩ እዩ ዝብለኩም” በልክዎም።
ቡርስ፦ “ኣይብለናን እዩ (ኣይሰማማዓናን)” በሉ።
ተዋሕ፦ ድኅሪ’ዚ ነቲ ዳኛ ፍረደና በልናዮ። እቲ ዳኛ ከኣ ከምዚ ኢሉ ፈረደ። “ሞንጐኛ ኣብ ዝኾኑ ካቶሊክ ክትመሳኸሩ” ኢሉ ፈረደ።
ቡርስ፦ “እልል” በሉ።
ተዋሕ፦ ኣነ ግና “ይግባይ” በልኩ።

                                                                                                        ይቕጽል...

No comments:

Post a Comment