Tuesday, April 12, 2011

ሆሣዕና

ሥርዐት ዑደተ ሆሣዕና

ኣብ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ዝፍጸም ሥርዓት ኣብ ኵለን ኣድባራትን ኣብያተ ክርስቲያናትን ሓድነት ዘለዎን ጽኑዕን ምዃኑ ኵልና ነስተውዕሎ ኢና። ኣቦታትና ድማ ነዚ መንፈሳዊ ዕንቍ ዝኾነ ሃብቲ ብዝግባእ ረቢሖሙሉ ጥራይ ዘይኮነስ ዓቂቦምን ኣደላዲሎምን ናባና ኣሰጋጊሮሞ ኣለዉ። ብእግዚአብሔር ዝተጸገናዮ ጥንታውን ክቡርን መንፈሳዊ ሥርዓትና ስለዝኾነ ድማ ተዓቂቡ ክጸንሕ ኵልና ክንጽዕተሉ ዝግባእ ዕዮ ቤተ ክርስቲያን እዩ።

ይኹን ደኣ እምበር ብዝተፈላለየ ምኽንያት ብፍላጥ ይኹን ብዘይፍላጥ ገለ ኣዝዩ ደቂቕ ፍልልያት ኣብ ኣፈጻጽምኡ ክረአ ዝርከበሉ ጊዜ ኣሎ። ብዛዕባ እዚ ጕዳይ ድማ ሓታቲ ስለዝረኸብና ሎሚ ኣብዚ ሓጺር ጽሑፋትና ንኣበዓዕላ ሆሣዕና ብዝምልከት ንዝግበር ዑደት ኣመልኪትና ሥርዓትና ቤተ ክርስቲያንና እንታይ ከምዝመስል ሊቃውንትናን መጻሕፍትናን ተወኪስና ንቕርበልኩም ኣሎና።

ምእመናን ነቲ ኣዝዩ ባህ ዘብል መንፈሳዊ ሥርዓት ፈሊጦምን ኣስተውዒሎምን ከኽብርዎ ከምዝሕግዞም ድማ ተስፋ ንገብር። ኣገልገልት’ውን ኣብ ርእሲ ዘለኩም እንተዝውሰኸኩም ዘንቅፍ ኣይኮነን እሞ ሥርዓት ቤተ ክርስቲያንና ንምእመናንን ነቶም ተተካእቲ ኣገልገልቲ ብዝግባእ እናመሃርኩም ኣብ ምዕቃብ ሥርዓት ቤተ ክርስቲያንና ከም ቀደምኩም ተጊህኩም እጃምኩም ከተበርክቱን ኣብ ገለ ውሑዳት ግና ፍልልይ ንዘመጽኡ “ቤታዊ” “ግላዊ” ወይውን “ልምዳዊ” ኣካይዳ እናኣረምኩም ሥርዓትና ንዘበላሽዉን ድማ እናገሰጽኩም ሕድሪ ኣቦታትኩም ክትፍጽሙ ንላበወኩም። መቸስ ካብ ሃገርና ርሒቕና ንእንርከብን ብፍላይ ዋሕዲ ኣገልገልቲ ኣብ ዘለዉዎ ቤተ ክርስቲያን ንዘሎና ብዙኅ ነገር ከምዝጐድለና ዝተኣምነ ነገር እዩ እሞ ኵልና ኣስተውዒልና ንጠቐመሉ። ርእይቶ ወይውን ሕቶ ንዘሎኩም ድማ ብኣድራሻና ክትጽሕፉልና ከምትኽእሉ እግረ መገድና ክንሕብረኩም ንፈቱ።
ኣስተውዕል፦ ካብ ዋዜማ ክሳብ ዚቅ ጀሚርካ ክሳብ ሰላም ተበሃሉ ሕዝብ ዘሎ ከም ኵሉ ክብረ በዓል ተመሳሳሊ እዩ።

ሆሣዕና
ተበሃሉ ሕዝብ” ምስ ተጸፍዐ ፫ተ ካህናት ፬ተ ዲያቆናት ኮይኖም መብራህቲ ሆሣዕና ኂዞም እግዚኦ መሐረነ ክርስቶስ (፫ተ ጊዜ) እናበሉ ብዓቢይ ዜማ ኣብ ታቦት (መንበረ ታቦት) ይዑዱ። ዑደት ከኣ ፫ተ ጊዜ እዩ ዝፍጸም።

ይበል ሕዝብ (..)፦ እግዚኦታ (፫ተ ጊዜ) ይቀበሉ።
ይበል ዲያቆን (..) ኣብ ኣፍ ደገ ቤት መቕደስ ኮይኑ ነዘን ስዒበን ዘለዋ ንባባት የንብብ።
  • ዕብራ ፱፥፲፩-፳፰
  • ቀዳማይ ቆሮ. ፲፭፥፩-፲፱
  • ቀዳማይ ጴጥ. ፬፥፩-፲፩
  • ግብ. ሓዋ ፳፰፥፲፩-፴፩
.. ምስባክ (ስብከት) ግበሩ በዓለ በትፍሥሕት”
ይበል ካህን (..) ወንጌል ዘሉቃስ ፲፱፥፩-

እዚ ኵሉ ኣብ ውሽጢ ቤት መቅደስ እዩ ዚበሃል። ካብኡ ወጺኦም ኣብ ቅድስት ኮይኖም፦
.. ስብከት “ቡሩክ ዘይመጽእ”
.. ወንጌል ዘማቴዎስ ፳፥፳፱-፴፬

ናብ ሸነኽ ደቡብ ከይዶም ከኣ፡-
.. ስብከት “ይትፌሣሕ አድባረ ጽዮን”
.. ወንጌል ዘማርቆስ ፲፥፵፮-፶፪

ናብ ምሥራቕ ከይዶም ከኣ፦
.. ስብከት “ዘምሩ ለእግዚአብሔር ዘየኀድር ውስተ ጽዮን”
.. ወንጌል ዘሉቃስ ፲፰፥፴፭-፵፫

ናብ ሰሜን ከይዶም ከኣ፦
.. ስብከት “ተፈሣሕኩ እስመ ይቤሉኒ ቤተ እግዚአብሔር ነሐውር”
.. ወንጌል ዘዮሐንስ ፱፥፩-፵፩

ድኅሪኡ ናብ ቅድስት ሸነኽ ምዕራብ ከይዶም ኣብኡ ደው ኢሎም፦

መዝሙር ዘምዕዋድ (ናይ ዑደት መዝሙር) በ፪ ሃሌ ሃሌ ሉያ አርእዩነ ፍኖቶ ወንሑር ቤቶ። እስመ እምጽዮን ይወጽእ ሕግ ወቃለ እግዚአብሔር እምኢየሩሳሌም ንሳለማ ለመድኃኒትነ በትፍሥሕት ተቀበልዋ ለታቦት እስመ ዋካ ይእቲ ወብርሃን።

ምልጣን፡- ንሳለማ ለመድኃኒት በትፍሥሕት ተቀበልዋ ለታቦት እስከ ዋካ ይእቲ ወብርሃን።
ምዕዋድ (መዕወዲ) እስመ ዋካ ይእቲ ወብርሃን፡ ዋካ ይእቲ ወብርሃን፡

አበሃህልኡ፦
ሠራዒ ካህን፦ ሃሌ ኢሉ ን አርእዩነ ፍኖቶ ይምራሕ።
ሠራዒ ዲያቆን፦ ይመራሕ።
መዘምራን፡- ሃሌ ኢሎም ሓደ ጊዜ ብዜማ ይዝለቑ።
ሕዝቢውን፦ ሃሌ ኢሉ ፩ጊዜ ብዜማ ይዝለቕ።
እቲ ካህን፡- ንሳለማ ለመድኃኒትነ ኢሉ የመልጥን።
መዘምራን ወሕዝብ፡- ይእቲ ወብርሃን ብዜማ ይቐበሉ።
(ካልኣይ)ንፍቅ ካህን፦ ምልጣን የልዕል።
መዘምራን ወሕዝብ፡- ይእቲ ወብርሃን ይቀበሉ።
(ሣልሳይ) ሠራዒ ዲያቆን፦ የልዕል፡ ይዝለቕ።

ድኅሪ’ዚ ካብ ቅድስቲ ወፂኦም ናብ ቅኔ ማኅሌት ብቐጥታ ወሪዶም፦
እቲ ካህን፦ እንበለ ደዌ ወሕማም እንበለ ጻዕር ወድካም እናበለ ሆሣዕና የሃብ።
መዘምራን፦ እስመ ዋካ ይእቲ ወብርሃን ዋካ ይእቲ ወብርሃን እናበሉ ነቶም ለባስያን ዓጂቦም ናብ ቅኔ ማኅሌት ይወጽኡ።

ኣብ ቅድሚ ማኅሌት ምስ በጽሑ፦
.. ስብከት “ንፍሑ ቀርነ በዕለተ ሠርቅ”
.. ወንጌል ዘማቴዎስ ፳፩፤፩-፲፮

አቡን፦ በ፮ ሃሌ ሉያ ሃሌ ሉያ ሃሌ ሃሌ ሉያ ሃሌ ሃሌ ሉያ ሰመያ አብርሃም ወይቤላ ዛቲ ዕለት በዓለ እግዚአብሔር ንፍሑ ቀርነ በዕለተ ሠርቅ በእምርት ዕለት በዓልነ ሶበ ተዘከርናሃ ለጽዮን።

ምልጣን፡- ንፍሑ ቀርነ በዕለተ ሠርቅ በእምርት ዕለት በዓልነ ሶበ ተዘከርናሃ ለጽዮን።
መዕወዲ፡- ሶበ ተዘከርናሃ ለጽዮን ሶበ ተዘከርናሃ ለጽዮን።

አበሃህልኡ፡-
ጥንተ መራሒ፦ ሃሌ ኢሉ ሰመያ አብርሃም ይመርሕ። ልክዕ ከም እርእዩነ ፍኖቶ በል።
ምልጣን፡- ንፍሑ ቀርነ ኢሉ የመልጥን።
መዘምራን፡- ሶበ ተዘከርናሃ ለጽዮን ይቀበሉ።
ካልኣይ በዓል ብፁዕ፦ ዘይሌቡ የልዕል።
መዘምራን፡- ሶበ ተዘከርናሃ ለጽዮን ይቀበሉ።
ሣልሳይ በዓል መወድስ፡- የልዕል። ይዝለቕ።
መዘምራን፦ ሶበ ተዘከርናሃ ለጽዮን፡ ሶበ ተዘከርናሃ ለጽዮን። እናበሉ ናብ ደቡብ (ምቅዋም አንስት) ይኺዱ።

ኣብ ደቡብ (ምቅዋም አንስት) ምስ በጽሑ ደው ኢሎም፦
.. ስብከት “እምአፈ ደቂቅ ወሕፃናት አስተዳሎከ ስብሐተ” ይስበኽ።
.. ወንጌል ዘማርቆስ ፲፩፥፩-፲፮

አቡን፦ በ፮ ወትቤ ጽዮን አርኅዉ ሊተ ዐናቅጸ ይባኡ ሕዝብ ብዙኃን ወያእትቱ እብን እምፍኖት ለንጉሥ ለወልደ ዳዊት ንጉሥሙ ለእሥራኤል ውእቱ ይብሉ ሆሣዕና በአርያም።

ምልጣን፡- ወያዕትቱ እብን እምፍኖት ለንጉሥ ለወልዳ ዳዊት ንጉሦሙ ለእሥራኤል ውእቱ ይብሉ ሆሣዕና በአርያም።
መዕወዲ፡- ይብሉ ሆሣዕና በአርያም፡ ይብሉ ሆሣዕና በአርያም።

ኣበሃህልኡ፦
በዓል ብፁዕ፦ ዘይሌቡ ሃሌ ኢሉ ወትቤ ጽዮን ይመርሕ። ልክዕ ከም ሰመያ አብርሃም በል።
ካልኣይ በዓል መወድስ፦ የልዕል፡
መዘምራን፦ ይብሉ ሆሣዕና በአርያም ይቀበሉ።
ሣልሳይ በዓል ኵልክሙ፦ የልዕል ይዝለቕ።
መዘምራን፦ ይብሉ ሆሣዕና በአርያም ይብሉ ሆሣዕና በአርያም። እናበሉ ናብ ምብራቕ ይኺዱ።

ኣብ ምብራቕ ምስ በጽሑ ደው ኢሎም፦
.. ስብከት “እምሥራቀ ፀሐይ እስከነ ዓረብ ወእምጽዮን ሥነ ስብሐቲሁ”
.. ወንጌል ዘሉቃስ ፲፱፥፳፰-፵፬

አቡን፦ በ፯ ባረኮ ያዕቆብ ለይሁዳ ወልዱ ወይቤሎ ሀሎ ንጉሥ ዘይወፅእ እምኔከ ዘየሐፅብ በወይን ልብሶ ወበደመ አስካል ሰንዱኖ ንጉሥሙ ለእሥራኤል ውእቱ ይብሉ ሆሣዕና በአርያም።

ምልጣን፡- ዘየሐፅብ በወይን ልብሶ ወበደመ አስካል ሰንዱኖ ንጉሦሙ ለእሥራኤል ውእቱ ይብሉ ሆሣዕና በአርያም።
መዕወዲ፡- ይብሉ ሆሣዕና በአርያም ይብሉ ሆሣዕና በአርያም።

ኣበሃህልኡ፡-
በዓል መወድስ፦ ሃሌ ኢሉ ባረኮ ያዕቆብ ይመርሕ፡
(ካልኣይ) በዓል ኵልክሙ፦ የልዕል።
(ሣልሳይ) ጥንተ መራሒ፦ የልዕል፤ ልክዕ ከመ ሰመያ፡
መዘምራን፦ ይብሉ ሆሣዕና በአርያም ይብሉ ሆሣዕና በአርያም። እናበሉ ናብ ሰሜን (ምቅዋም እደው) ይኺዱ።

ብወገን ሰሜን ምስ በጽሑ ደው ኢሎም፦
.. ስብከት “ትሴብሖ ኢየሩሳሌም”
.. ወንጌል ዘዮሐንስ ፲፪፥፲፪-፳፮

አቡን፦ በ፪ ሃሌ ሃሌ ሉያ ባኡ ውስተ ሀገር ወበዊአክሙ ትረክቡ ዕዋለ አድግ እሡረ ፍትሕዎ ወአምጽእዎ ሊተ።
ምልጣን፡- ፍትሕዎ ወአምጽእዎ ሊተ፡ ፍትሕዎ ወአምጽእዎ ሊተ።

ኣበሃህልኡ፦
ጥንተ መራሒ፦ ሃሌ ኢሉ ባኡ ይመርሕ፡
መዘምራን፡- ሃሌ ኢሎም የዘምሙ፡
ምልጣን፦ አልዓሊ (ዝለዓል) የብሉን። ልክዕ ከም ኣርባዕት ፈጽም። ቀጺሎም ናብ ቅኔ ማኅሌት ይኺዱ።

ኣብ ቅኔ ማኅሌት ምስ በጽሑ፦
በ፩ ሃሌ ሉያ አልጺቆ ኢየሱስ ኢየሩሳሌም ርእያ ለሀገር ወይቤላ ሶበ ተአምሪ ጽዮን ነዋ ንጉሥኪ በጽሐ ብርሃንኪ ዮም ሰላምኪ።

ምልጣን፡- ወይቤላ ሶበ ተአምሪ ጽዮን ነዋ ንጉሥኪ በጽሐ ብርሃንኪ ዮም ሰላምኪ ተፈሥሒ በሕዝብኪ ዮም ሰላምኪ ሰላምኪ ሰላምኪ ዮም ሰላምኪ።

ኣበሃህልኡ
ጥንተ መራሒ፦ ሰላም በ፩ አልጺቆ ይመርሕ ልክዕ ከም ባኡ በል።

ቀጺሎም ናብ ቤተልሔም ሠለስተ ልኡኻን መሶበ ወርቅን ፅዋዕን ኂዞም ከኣ ይምለሱ፡ ኣብ ኣፍ ደገ መቕደስ (ምዕራብ) ከኣ ይቑሙ። ሠራዒ ካህን ከኣ ማዕፆ ዓጽዩ፡ ብውሽጢ ኮይኑ፤ እቲ ሠራዒ ዲያቆን ድማ ነቲ ሒዝዎ ዝመጸ ጽዋዕ ሒዙ ኣብ ኣፍ ደገ መቕደስ ኮይኑ፦
..(ሠራዒ ዲያቆን)አርኅዉ ኆኃተ መኳንንት አርኅዉ ኆኃተ መኳንንት፡ አርኅዉ ኆኃተ መኳንንት።

እቲ ሠራዒ ካህን ብውሽጢ ቤት መቕደስ ዘሎ ገጹ ናብኡ (ናብ ምዕራብ) ጠሚቱ
.. መኑ ውእቱ ዝንቱ ንጉሠ ስብሐት፡ መኑ ውእቱ ዝንቱ ንጉሠ ስብሐት፡ መኑ ውእቱ ዝንቱ ንጉሠ ስብሐት እናበለ ይመልሰሉ።

ንካልኣይ ጊዜ እቲ ዲያቆን ከምቲ ቀዳማይ አርኅዉ ይበል። እቲ ካህንውን ከምታ ናይ ቀዳመይቱ ይመልሰሉ። ማለት መኑ ውእቱ ዝንቱ ንጉሠ ስብሐት ይበል። ብድኅሪዚ ምምልላስ፦
..እግዚአብሔር አምላከ ኃያላን ውእቱ ዝንቱ ንጉሠ ስብሐት (፫ተ ጊዜ) አርኅዉ ኆኃተ መኳንንት ይበል።
..ምልጣን ይባእ ንጉሠ ስብሐት፡ ይባእ አምላከ ምሕረት። እናበለ ኣፍደገ (ማዕፆ) ቤተ መቕደስ ይኽፈት።

መዘምራን (ኣብ ቅኔ ማኅሌት ኮይኖም) ይባእ ንጉሠ ስብሐት ይዘምሙ። ልክዕ ከም አርባዕት ጌርካ ፈጽም። ኣመላለስ ኣለዎ። ንዕኡ ድማ በል።

ሽዑ ብናይ ምዕራብ ኣፍ ደገ (ማዕፆ) ቀዳስያን ካህናት ቅዳሴ ይእተዉ።
ካብ ረቡዓ ኒቆዲሞስ ኣትኂዙ ክሳብ ሆሣዕና ቅዳሴ ዘቅዱስ ጎርጎርዮስ እዩ ዚቕደስ።
ወእምድኅረ ተፈጸመ ጸሎተ ቅዳሴ ውዳሴ ማርያም ወእግዚእ ሕያዋን ያብጽሑ።

ተፈጸመ።

No comments:

Post a Comment