Friday, April 15, 2011

ግብረ ሕማማት


በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን።

ቍሩብ ብዛዕባ መጽሓፍ “ግብረ ሕማማት”

ኣብ ሰሙነ ሕማማት ነቲ ተገሊጹ ዘይውዳእ ውዕለት እግዚአብሔር እናዘከርና ግብሩ ከነስተንትንን፤ ቅዱሳን ነቢያት ብትንቢትን ምሳሌን ብፁዓን ሓዋርያት ድማ ብስብከት፤ ሊቃውንቲ ከኣ ብዝርዝር ካብ ዝጸሓፍዎ ዝጠቕስን ንሕዝበ ክርስቲያን መሪሕ ክኸውን ዝተዳለወ መጽሓፍ ግብረ ሕማማት ይበሃል። እቲ ስም’ውን “ግብረ ዘወሀብከኒ ፈጸምኩ” (ኣነ ነቲ ኽገብሮ ዝሀብካኒ ግብሪ ፈጺመ፡ ዮሐ ፲፯፥፬) ብዝበሎ መሠረት ዝተሰየመ እዩ። በዚ መሠረት ድማ ሕማሙ ሞቱ እናዘከርና ስለእነቕርቦ ጸሎት ካብ ቅዱሳት መጻሕፍትን መጻሕፍተ ሊቃውንትን ኣዋልድ መጻሕፍትን ተጠቒሶም ንዝርከቡ ዘወሃሃደ እዩ።

ኣብዚ መጽሓፍ እዚ ካብ ማኅትወ ሆሣዕና ኣትሒዙ ክሳብ ሰንበት ትንሣኤ ኣብዘለዉ መዓልትታት ምስቲ ዕለት ብዝሰማማዕ እንታይ ዓይነት መጽሓፍን ንባብን በብዝተወሰነ ሰዓት ለይትን መዓልትን (ካብ አሐዱ ሰዓተ ሌሊት (ንዋም) ኣትሒዙ ካብ ዓሠርቱ ወአሐዱ ሰዓት መዓልት) ከምዝነበብ ፈሊዩን ኣነጺሩን ዘቕምጥ መጽሓፍ እዩ። መሠረት ሕይወትና ንዝኾነ ሕማማትን ሞትን ክርስቶስ እናዘከርና ርእስና ክንምርምር፤ ኅሊናናን ልቦናና ነቲ ድንቂ ስራሕ ዝፈጸመልና ኣምላኽ እናዘከርና ናብኡ ብጸሎት ክንምዕቆብን ክንምኅጸንን፤ ኃጢኣትናን በደልናን እናዘከርና ድማ ውዕለት ኣምላኽ ከነመስግን ብኸመይ ዝኣመሰለ መንፈሳዊ ጥበብ ኣቦታትና ነዚ ከምዝወሃሃድዎ ከነስተውዕል ዘኽእለና መጽሓፍ እዩ። ቅድስት ቤተ ክርስቲያንና ብዛዕባ ነገረ ሕማምን መስቀልን ክርስቶስ ዘለዋ ክብሪ ኣጕሊሑ ዘርእይን ከይፈለጡ ፈሊጥና ኢሎም ብግዳም ኮይኖም ንፍጹም ክርስቶሳዊ ሥርዓታ ንዘስተናዕቑ ብግብሪ ምላሽ ዝህብ መጽሓፍ እዩ።

በቲ ካልእ ወገን ድማ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ኣገልግሎታ ንብሉያትን ሓዲሳትን ሊቃውንትን ኣሰማሚዓን ኣሥሚራን ከም እትኸይድን ብቅዱሳት መጻሕፍቲ ዝሃብተመት ምዃና ዘርእይን ከም ጽቡቕ ኣብነት ክጥቀስ ዝኽእል መጽሓፍ እዩ። ነዚ መጽሓፍ ጽን ኢሉ ዝሰምዕን ዘስተውዕሎን ሰብ ክንደይ ዝኣክል ዓቢይ ዓስቢ ከምዝረክብ እሙን ነገር እዩ።

እዚ ኣብ ቤተ ክርስቲያንና ዝፍጸም ሥርዓት ዘግብረ ሕማማት ካብ ጥንቲ ዘመን ካብ ኣበው ተታሓሒዙ ዝመጸን ሎሚ ብምኽንያት ናብራ ዓለምን መንፈሳዊ ቍረትን ኵሎም ምእመናን ከምዝግባእ ክፍጽምዎ ኣይረኣዩን ደኣ እምበር ቤተ ክርስቲያን ግና ብትጉሃን ኣገልገልታን ምእመናንን ክትፍጽሞ ትርከብ ኣላ። ኣብ ገዳማት ድማ ብዝተማለአ ኣገባብ ክፍጸም ምርኣይ ሰባት መላእክት ዘበምድር ዝኾኑሉ ሥርዓት ምዃኑ ዘመሳኽር እዩ።

መሠረት እዚ ክቡር መጽሓፍ ናይ እስክንድርያ ቤተ ክርስቲያን ትኹን ደኣ እምበር እዚ ጥንታዊን መንፈሳዊን ሥርዓት ከም ኣብ ብዓል ቅብጣዊት (ግብጻዊት) ቤተ ክርስቲያን ዝኣመሰሉ ብዝተፈላለየ ምኽንያት በብዘመኑ እናጐደለን እናሓጸጸን ክመጽእ ከሎ ኣብ ሃገርና ግና ብዝግባእ ተዓቂቡ ይርከብ ኣሎ። እቲ ጥንታዊ ተሪፉ በብዘመኑ ዝተመሓየሸን ዝተነከየሉን ግብረ ሕማማት ኣብ ናይ ግብጺ ቤተ ክርስቲያን ምርኣይና’ውን ናይ ከምዚ ምጕዳል ከም ኣብነት ክጥቀስ ዝከኣል እዩ። ይኹን ደኣ እምበር ንሳቶም’ውን እንተኾኑ እዚ ብጸገሞም ዝገብርዎ ምዃኑ ዝእመኑሉን ኣብ ሃገርና ዘሎ ኣገባብ ኣፈጻጽማ ግና ጥንታውን ናይ አበው መሠረት ሒዙ ዝኸይድ ምዃኑ ብኣድናቖት ዝገልጽዎ እዩ።

እቲ ዝዓበየ ነገር ነቲ ኣብኡ ዘሎ ሥርዓተ ጸሎት ብምስትውዓልን ብስቡር ልብ ንኣምላኽ ምልማንን ምስ ኣምላኽ ምርኻብን ስለዝኾነ ነቲ ቅድስት ቤተ ክርስቲያንና ዘጽንሓትልናን ምስ ኣምላኽ ብፍጹም መንፈሳዊ መገዲ ከራኽበና ዝኽእል ክቡር መንፈሳዊ ሥርዓተ ኣምልኾና ብዝግባእ ንፈጽም።

ኣብ መጽሓፈ ግብረ ሕማማት እጃሞም ዘበርክቱ መጻሕፍቲ ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ ብሉያትን ሓዲሳትን፤ ሊቃውንትን ኣዋልድ መጻሕፍትን ኮይኖም እግረ መገድና ኣስትውዒልና ክንጥቀመሉ ብምባል ትሕት ኢልና ዘርዚርናዮም ኣሎና።

.

. ጸዋተወ ዜማ ቅዱስ ያሬድ (ምዕራፍ፥ ጾመ ድጓ፥ ድጓ፥ መዋሥዕት)
. ሲኖዶስ
. ዲድስቅልያ
. ውዳሴ ማርያም
. መዝሙረ ዳዊት
. መጻሕፍተ ሙሴ (ኦሪት)
. መጽሓፈ ኢያሱ መሳፍንት
. መጽሓፈ ሩት
. መጽሓፈ ኢዮብ
፲፩. መጻሕፍተ ሰሎሞን (ምሳሌ፥ ጥበብ)
፲፪. ጥበበ ሢራክ
፲፫. መጻሕፍተ ነቢያት
፲፬. ቃለ መተርጕማን
፲፭. ተግሣጽ
፲፮. ድርሳናት
፲፯. ሃይማኖተ አበው
፲፰. ተአምረ ማርያም ምስ መቅድሙ
፲፱. ተአምረ ኢየሱስ ምስ መቅድሙ
. ቅድመ ወንጌል ወይውን ምስባክ
፳፩. ወንጌልን ናይ ታሪኽ መጻሕፍትን
፳፪. ድኅረ ወንጌል ወይውን ጥቕሲ (መጽሓፈ ነቢያትን ወንጌልን ኣተሓባቢሩ ዝትርጉም)
፳፫. መጻሕፍተ ሓዲሳት
፳፬. ስምኦን ዘዐምድ
፳፭. አረጋዊ መንፈሳዊ መጽሓፈ መነኮሳት
፳፮. ላሐ ማርያም
፳፯. መጽሓፈ ዶርሆ
፳፰. ማኅልየ ዘሰሎሞን
፳፱. ራእየ ዮሐንስ
. ጸሎት ዘሰብዓቱ ጊዜያት
፴፩. መርሐ ዕውር
፴፪. መጻሕፍተ ሊቃውንት ብምሉኦም እዮም።

ስብሐት ለእግዚአብሔር ኪያነ ዘፈጠረ ከመ ናምልኮ።
ስብሐት ለማርያም እመ አምላክ እግዝእትነ ወመድኃኒነትነ።
ስብሐት ለመስቀለ ክርስቶስ ዕፀ መድኃኒት ኀይልነ ወጸወንነ።

No comments:

Post a Comment