Wednesday, December 28, 2011

ጽንዓት ሃይማኖት ሠለስቱ ደቂቅ - መቀይሮ ታሪኽ

ምርኾን ስደትን

እቲ ጊዜ’ቲ ሃገረ እስራኤል ናብ ክልተ ተኸፊላ፤ ሕዝባ ነንሕድሕዶም ምትሕብባር ስኢኖም ኃይሎም ዝደኸመሉ፤ ንእግዚአብሔር ዝብድልሉን ካብ ሕገ እግዚአብሔር ወጺኦም ዝጓዓዙሉን እዋን ነይሩ። እግዚአብሔር ኣምላኽ ከይመኸረን ከይገሰጸን ኣይቐጽዕን እዩ እሞ፡ ኤርሚያስ ንዝኣመሰሉ ነቢያት እናሰደደ፤ ናይ ተመለሱን ናይ መጠንቀቕታ ቃሉን የመሓላልፍ ነበረ። እቲ ሕዝቢ ግና ንቃል እቶም ነቢያት ዝሰምዕ እዝኒ ኣይነበሮን። እቶም ሓሰውቲ ነቢያት ድማ ንቃል እቶም ነቢያተ እግዚአብሔር እናቃለሉ፡ ነቲ ሕዝቢ የዕሽውዎ ነይሮም።

ብሰንኪ ኃጢኣቶምን ነቲ ቃሉ ሰሚዖም ዘይምምላሶምን ንእግዚአብሔር ስለዘሕዘኖ፡ ከምቲ ኣቐዲሙ ነጊርዎም ዝነበረ ንጉሥ ባቢሎን ዝነበረ ናቡከደናጾር ኣብ ልዕሊኦም ተንሠአ እሞ ንኢየሩሳሌም ወረራ። ነቲ ኣብቲ እዋን እቲ ንጉሥ ኢየሩሳሌም ዝነበረ ሴዴቅያስ ብዘይ ብዙኅ ተቓውሞ ተማረኸ። ትንቢት ክፍጸም ድማ ናቡከደናጾር ንኢየሩሳሌም ኣፈራሪሱ ነቶም ንዋያተ ቤተ መቅደስ ዘመቶ። እቲ እግዚአብሔር ኃይሉ ዝነበረ ሕዝቢ፤ ብውሑዳት ንብዙኃት ዝሥዕርን፡ ነቲ ከባቢኡ ዝነበረ ሕዝቢ መርዕድ ዝነበረ እስራኤል ብሰንኪ በደሉ ኃይሊ እግዚአብሔር ተፈልይዎ ነይሩ እሞ ከም ኣብዑር እናተኾብከበ ናብ ባቢሎን ወረደ። ንኃጥኣን ዝተኣዘዘ፡ ንጻድቃን ዝልክመሉ ጊዜ ኣሎ እሞ፡ እቶም ዝርካቦም ውሑዳት ናይ እግዚአብሔር ሰባት’ውን ተማሪኾም ናብ ባቢሎም ምስቲ ሕዝቢ ወረዱ።

ስደትን መግዛእትን ተደራሪቡ ክመጽእ ከሎ ክሳብ ክንደይ ከቢድ ምዃኑ ዝስሕቶ ሰብ የሎን። ብሓደ ኣምላኽ እግዚአብሔር ንዝኣምኑ፤ ጽኑዕ መምርሒ ሕገ እግዚአብሔር ንዝነበሮም፤ ኣምልኾቶም ዝፍጽምሉ ቤተ መቅደስን ሥርዓቱን ንዘኽብሩ፡ ጽኑዕ ዝኾነ ሕግን ሥርዓትን ቅድስና ንዝነበሮም ሕዝቢ፡ ኣብ ሞንጎ እቶም ሕጊ ዘይብሎም መምለክያነ ጣኦት ግዙኣትን ስዱዳትን ኮይኖም ክርከቡ ከለዉ ክሳብ ክንደይ መሪር ሓዘን ከምዝገጠሞም ዝኾነ ሰብ ዘስተውዕሎ እዩ። እሞ ድማ ብሰንኪ በደሎምን፡ ዝተባህሎም ብዘይ ምስምዖምን ዝሰዓበ ምዃኑ ክዝክሩ ከለዉ መጸናንዒ ስኢኖም ይቑዝሙ ከምዝነበሩ ታሪኾም ይነግር። ምኽንያቱ ናብ ሰማይ ከይጥምቱ ምስ እግዚአብሔር ተባኢሶም፤ ብምድሪ ድማ ገዛእቶም ጨካናትን ዘይኣመንትን ብምዃኖም ብኵሉ ጽኑዕ ናይ መከራ ኲናት ልቦም ይወግኦም ነበረ’ሞ ኣብ ቀቢጸ ተስፋ ይርከቡ ነይሮም።

እግዚአብሔር ኣምላኽ ግና ነቶም ነቢያት ዝርከብዎም ናቱ ዝኾኑ ሰባት ምስኦም ክስደዱ ምግባሩ፡ ነቲ ሕዝቢ መኒኑ ስለዘይገደፎ፡ ሕጂ’ውን ነቲ ሕዝቡ ከጸናንዖምን ክምዕዶምን ስለዘደለየ እዩ ነይሩ። እግዚአብሔር ኣምላኽ በቶም ውሑዳት ነቢያቱን ኅሩያቱን እናገበረ ተኣምራቱ ዝገልጸሉ፤ መላእኽቱ እናሰደደ ዘጸናናዕሉ፤ ብነቢያቱ ኣቢሉ ተስፋ ዝህበሉ ጊዜ ድማ ነይሩ። ካብቲ ዝጸንሕሉ ፸ ናይ ጼዋዌ ዘመን ከኣ ሓደ ብፍሉይ ዝጥቀስ ታሪኽ ድማ ቤተ ክርስቲያን ዕለት ፈልያ ትዝክሮ እያ። ንሱ ድማ ኣብዚ ምርኾ’ዚ ኣብ ጊዜ ዕድመ ንእስነቶም ብሕግን ኣምልኾትን እግዚአብሔር ጸኒዖም ናይ ዝተመላለሱን፤ ታሪኽ ናይ ዝቐየሩን ሠለስቱ ደቂቅን ናይ ቅዱስ ገብርኤል ተራዳእነት እዩ። ስሞም ድማ ሃናንያን ሚሳኤልን ኣዛርያን ዝብሃሉ ኮይኖም መራሔኦም ድማ ነቢዩ ዳንኤል ዝነበረሉ እዩ።

ጾምን ጸሎትን

እቲ ንጉሥ ድማ ኣብ ቤቱ ክለኣኹን ከገልግሉን ካብቶም ምሩኻት እስራኤላውያን ብሉጻት ንዝኾኑ ሓርዩ ኣብ ቤተ መንግሥቱ ኣቐሚጡ ከምዝዓብዩ ይገብር ነበረ። እዞም መንእሰያት ግና ኣብ ሞንጎ እቶም ኣሕዛብ ዝነብሩ እኳ እንተነበሩ፡ ካብ ኣምልኮተ እግዚአብሔር ዝፈልዮም ምፍራስ ሕግታት ይትረፍሲ፤ ነቲ ንጉሥ ቀሪቡሎም ዝነበረ ጥዑም መባልዕን መስተን ተሓሪሞም ይጾሙን ይጽልዩን ነበሩ። ከይረኽሱ ምእንቲ’ውን ካብቲ መዓድታቱን ሲሳያቱን ናብ ኣፎም ኣየእትዉን ነበረ፤ እኳ ደኣ እናጾሙን እናጸለዩን፡ ጥረን ማይን ጥራይ እናተመገቡን እናሰተዩን ልዕሊ ካልኦት ኮይኖም ብእምነት ይርከቡ ነይሮም። ታሪኽ እዞም መንእሰያት እዚኦም ብፍላይ ነቶም ካብ ቤትናን ሃገርናን ርሒቕና ንእንርከብ ሰባት እንታይ ይምህረና! (ዳን ፩፥፲፯/1፥17)። እግዚአብሔር ድማ ምስኦም ስለዝነበረ፡ ኣብ ልዕሊ ጸጋ ጸጋ ይውስኾም ነበረ። ብውሑድ ስለዝተኣመኑ ኣብ ልዕሊ ብዙኅ ይሾሞምን የኽብሮምን ነበረ። ኣብ ቅድሚ ንጉሥ ድማ ሞገስን ክብረትን ሃቦም።

እምነቶም ኣብ ፈተና

ምስዚ ኵሉ ክብሮምን ሞገሶምን ግና፡ እምነቶም ብቃልዕ እትፍተናላ ሓንቲ መዓልቲ መጸት። እቲ ንጉሥ “ስሳ እመት ዝቚመቱ፡ ሹዱሽተ እመት ዝወርዱ ናይ ወርቂ ምስሊ” ብምስራሕ ኣብ ኣውራጃ ባቢሎን ኣብ ዝርከብ ጐልጐል ዱራ ኣቘሞ። ኵሉ ኣብቲ ግዝኣት ዘሎ ሰብ ድማ ነቲ ዘቘሞ ጣኦት ክሰግደሉ ኣዘዘ። እዞም ሠለስተ መንእሰያት ድማ እምነቶም ዝፍተነሉ ሰዓት መጸ። ነቲ ፈተና ግና ብሃይማኖቶም ጸኒዖም ንዝመጾም ክርእዩ ወሰኑ። ኵሉ ሕዝቢ ክሰግድ ከሎ ድማ ከይሰገዱ ተረፉ። ነስተውዕል! እዞም መንእሰያት ‘እምነት ብልቢ እዩ’ ‘እግዚአብሔር ደይ ናይ ልቢ እዩ ዝርኢ’ ኢሎም ንነፍሶም ክጥብሩ ኣይፈተኑን። መሲሎም ክኸዱ’ውን ኣይተራእዩን። ብዙኃት ብዝበልዎን፡ ንንጉሥን ንብዙኃትን ብዘሐጒስ መገዲ ዘይኮነስ፤ ኣብ ቅድሚ እግዚአብሔር ቅኑዕ ብዝኾነ መገዲ ጥራይ ክኸዱ ወሰኑ። ገበርዎ ድማ፤ ተስፍኦምን ትምክሕቶም ድማ እግዚአብሔር ነበረ።

ሓሰውቲ ግና ኣይሰኣኑን። ሓሰዉሎም። እቲ ንጉሥ’ውን ተቖጢዑ። ናብኡ’ውን ኣቕረብዎም። ቅድም ኣብ ቅድሚኡ ኽብሪ ረኺቦም እኳ እንተነበሩ፤ ሕጂ ግና ብኣንጻሩ ፍቓዱ ምስ ዘይፍጽሙ ከቢድ መቕጻዕትን ሕስረትን ከምዝስዕቦም ይፈልጡ ነበሩ። ዘይምስጋዶም ከም ንዕቀት ተቖጽረሎም። ደጊሞም ከምዝሓስቡሉን እንተዘይሰጊዶም ናብ ጒሁር እቶን ሓዊ ከምዝድርበዩ መጠንቀቕታን መፈራርህን ተዋህቦም። ንጉሥ’ውን ካብ ኢደይ ዜናግፈኩም ኣምላኽከ መን እዩ ኢሉ ኣስተናዕቖም። ንሶም ግና ኃይሊ ዘምልኽዎ ኣምላኽ ዝፈልጡን ብእምነቶም ድማ ጽኑዓት ስለዝነበሩን ድንብርጽ ኣይበሎምን። ነቲ ጒሁር እቶን ሓዊ እናረኣዩ ልቦም ኣይጠለሞምን፤ ኣብራኾም’ውን ረድረድ ኣይበለን። ንእግዚአብሔርን ምፍራህን ምምላኽን ልዕሊ ዝኾነ ኃይልን ግርማን ሰብ ምዃኑ ስለዘፈልጡ ብትብዓት  “ኦ ንጉሥ፡ እቲ እነምልኾ ኣምላኽ ካብቲ ጒሁር እቶን ሓዊ ኼናግፈና ይኽእል እዩ፡ ካብ ኢድካውን ኬናግፈና እዩ። ኦ ንጉሥ፡ ንሱ ኼናግፈና እንተ ዘይፈተወ፡ ንሕናስ ንኣማልኽትኻ ኸም ዘይነምልኾም፡ ነቲ ዘቘምካዮ ምስሊ ወርቂውን ከም ዘይንሰግደሉ ፍለጥ፡ በልዎ።” በዚ መልሶም ድማ ኣብ ኣምላኾም ዘለዎም እምነት ምሉእ ምዃኑ ኣረጊጾም መስከሩ። ኣምላኽና ካብቲ ሓዊ ከድኅነና እዩ፤ ፈቃዱ ኮይኑ ድማ ክንሥዋዕ እንተኮይንና ድማ ዓስብና ስለዘይትርፈልና ክንመውት ኢና እምበር ነቲ ጣኦትካ ኣይንሰግድን ብምባል ኣቕበጽዎ። ከምዚ ናይ ሎሚ ሰባት ኣብኡ እንተንነብር እንታይ ምበልና? “እንታይ ገደሶም ሕራይ ዘይብሉ፡ ናይ ልቦም እግዚአብሔር ይፈልጦ?!” ኣይምበልናን ዶ ሎሚ’ውን ሰባት ስለ ኽብርን ርቱዕነትን ሃይማኖት ኣቦታቶምን ሕግን ሥርዓትን ቤተ ክርስቲያን ኣትሪሮም ክዛረቡ ከለዉ እንታይ ዲና ንብሎም! እዞም መንእሰያት ጽንዓት ሃይማኖት ኣይምህሩናን ዶ! ኣብ ዝኣመንካሉ ክሳዕ ሞት ምእማንን ምጽናዕን ኣይምህሩና ዶ! ምስሉይነት ኣብ ቅድሚ እግዚአብሔር ክብሪ ዘየውህብ ምዃኑ ዶ ነስተውዕል ኣሎና!

ሠለስቱ ደቂቅ ምስ ቅዱስ ገብርኤል

ብትእዛዝ ንጉሥ እዞም ሠለስቱ ደቂቅ ተኣሲሮም ናብቲ ጒሁር ሓዊ ተደርበዩ። እቲ ሓዊ ካብ ምርሳኑን ሃልሃልትኡ እምብዛ ካብ ምብዝኁ ዝተላዕለ ነቶም ዝደርበይዎም ሰባት እኳ ቀተሎም። ነዞም ብእግዚአብሔር ዝተኣምኑ ጽኑዓት መንእሰያት ግና ተራዳኢ ቅዱስ ገብርኤል ብቕልጡፍ መጺኡ ነቲ ጒሁር ሓዊ ከም ማይ ኣዝሓሎ። ይትረፍ ነፍሶም ክዳኖም እዃ ሓዊ ኣይተንከፎን። ተፈቲሖም ድማ ምስ ቅዱስ ገብርኤል ሊቀ መላእኽቲ ኣብ ማእከል እቲ ሓዊ ይመላለሱ ነበሩ። ናይ እግዚአብሔር ድንቂ ናይ ምድኃን ሥራሕ ዕፁብ እዩ። እዞም መንእሰያት ብእግዚአብሔር ክሳዕ ሞት ስለዝተኣመኑ፤ እግዚአብሔር ድማ ኣይገደፎምን። ነቲ ኣብ ቅድሚኡ ዝቐውም ተራዳኢን ክቡርን መልኣኽ ቅዱስ ገብርኤል ሰደደሎም።

ጽንዓት እምነት ናይዞም ሠለስቱ ደቂቅ፡ ታሪኽን እምነትን ናይቲ ንጉሥን ሕዝብን ለወጠ። ከይፈተወ ነቲ ዝርእዮ ከምዝምስክር ገበርዎ። “ኣነ ኣርባዕተ ፍቱሓት ሰባት፡ ገለ እኳ ኸይተጐድኡ፡ ኣብ ማእከል ሓዊ ኺመላለሱ እርኢ ኣሎኹ፡ ትርኢት እቲ ራብዓይ ድማ ወዲ ኣምላኽ ይመስል” ብምባል ብዛዕባ ቅዱስ ገብርኤል ተዛረበ። እቲ ንጉሥ ኣፈራሪሁን ንእኣቶምን ንኣምላኾምን ንዒቑ፡ ኪዱ ተቓጸሉ ኢሉ ናብ ሓዊ ከምዘይደርበዮም፤ ሕጂ ግና ኣኽቢሩ ክቐርቦምን ክጽውዖምን ከቃብጥረሎምን ጀመረ። ነቲ ዝነዓቖ ኣምላኽ ኣኽበረ  “ኣቱም ባሮት ልዑል ኣምላኽ፡ ውጹ፡ ናብዚ ንዑ፡” ኢሉ ተዛረበ። “እቲ ነቶም ባሮቱ መልኣኩ ሰዲዱ ዘናገፎም ኣምላኽ ሲድራቅን ሚሳቅን ዓብድ - ኔጎን ይባረኽ።” ብምባል ኣመስገነ። “ከምኡ ገይሩ ኼናግፍ ዚኽእል ካልእ ኣምላኽ የልቦን እሞ፡ ስለዚ ኣነ፡ ዝዀነ ይኹን ካብ ብዘለዉ ኣሕዛብን ወገናትን ቋንቋታትን ንኣምላኽ ሲድራቅን ሚሳቅን ዓብድ - ኔጎን ሕሱም ቃል ዜውስእ፡ ንሱ ኺስየፍ፡ ቤቱ ኸኣ ምድርባይ ጐሓፍ ኪኸውን፡ እእዝዝ ኣሎኹ” ኢሉ ኣዋጅ ቀየረ።  ናይ እግዚአብሔር ኃይሊ፤ ናይቲ ቅዱስ መልኣኽ ተራዳእነት ኣብ ቅድሚ እምነት እቶም መንእሰያት ዘናናኣሱ ሰባት ግሁድ ኮነ። እቲ ከም ሰምዒ ከምክኾም ዝጓሃርዎ ሓዊ ኣብ ሥጋኦም ገለ ኃይሊ ከምዘይነበሮ ድማ ረኣዩ። እግዚአብሔር ነቶም ዝእመንዎ ከድኅን ከሎ ከምዚ ይገብር። ሊቀ መላእኽት ቅዱስ ገብርኤል ክራዳእ ከሎ ድማ ከምኡ እዩ። ንሓዊ ናብ ማይ ይልውጥ። ንዝተኣወጀ ሞት ናብ በረኸት ይቕይሮ። ንዝተወረወረ ኲናት ፍትሊ ይገብሮ። ብእግዚአብሔር ንተኣመን ደኣ እምበር ናይ እግዚአብሔር መላእኽቲስ ክራድኡና ወትሩ ኣብ ዙርያና እዮም። እግዚአብሔር ኣኽቢርዎም እዩ እሞ ንሕና’ውን ነኽብሮም። “መልኣኽ እግዚአብሔር ኣብ ዙርያ እቶም ዚፈርህዎ ይሰፍር የናግፎም ከኣ እዩ።” መዝ ፴፬፥፯/34፥7 ይብል ቅዱስ ዳዊት። እዚኦም መንእሰያት ድማ ኣብ ማእከል እቲ ሓዊ ኮይኖም ናብ እግዚአብሔር ይጽልዩን የመስግኑን ነበሩ። (ጸሎት ሠለስቱ ደቂቅ)

ንሕና’ውን ብሃይማኖት ንጽናዕ

እምበኣርከስ ነዚ ድንቂ ናይ ተኣምራት ዕለት፡ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ፲፱ ታኅሣስ ብዝደመቐ ኣገባብ ዓመት መጸ ተኽብሮ። ንብዙኃት ኣብነት ዝኸውን ጽንዓት ሃይማኖት ናይዞም ብእግዚአብሔር ዝእመኑ መንእሰያት በቲ ሓደ፤ ናይ እግዚአብሔር ኃይልን ናይ ቅዱሳን መላእኽቱ ተራዳእነትን ብኸመይ ከምዝግለጽ በቲ ካልእ እናጠቐሰት ድማ ትምህርን ነዚ ወለዶ’ዚ ድማ ተዘካኽርን።

ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ከምዝመሃረና መላእክተ እግዚአብሔር ዓቀብያን ደቂ ሰባት እዮም እሞ ከነኽብሮም እምበር ክንዕቖም ኣይግባእን። ዝያዳ እኳ ክብሮምን ተራዳእነቶምን ኣጸቢቕና ፈሊጥና ክንምኅፀኖም ከሎና ዝያዳ በረኸት እንረኽበሉ እዩ። “ካብዞም ናእሽቱ ንሓደ እኳ ኸይትንዕቁ ተጠንቀቑ። መላእኽቶም ኣብ ሰማያት ኲሉ ሳዕ ገጽ እቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦይ ይርእዩ አለዉ ፡ እብለኩም ኣሎኹ።” ማቴ ፲፰፥፲/18፥10 ነቶም ናይ እግዚአብሔር ቅዱሳን ዝንዕቑ ሰባት፤ ንዕቕት ንርእሶም እምበር ነቶም ቅዱሳን ኣይኮነን። ምኽንያቱ እግዚአብሔር ዘኽበሮ መን እዩ ከሕስሮ! ናይ ቅዱሳን መላእኽቲ ክብርን ሰይፍን’ከ ብኣሽካዕላል ክሰግሮ ትብዓትን ዓቕምን ዘለዎ መን እዩ?! የግዳስ ንሳቶም ስለ ድኅነትና ዝለኣኹ ምዃኖም ፈሊጥና ኣማላድነቶምን ተራዳእነቶም ንማኅፀን። “ኲሎምዶ፡ ነገልግሎት እቶም ምድኃን ኪወርሱ ዘለዎም ዚለኣኹ መናፍስቲ ኣገልግሎት ኣይኰኑን” ዕብ ፩፥፲፬/1፥14 ንሕና ግና ኣብ ሃይማኖትና ጸኒዕና ንረኸብ። እግዚአብሔር ከድኅነና ቅዱሳን መላእኽቲ’ውን ክራድኡና እዮም። ጽንዓት እምነት ናይዞም ሠለስተ ደቂቅ ሎሚ’ውን ኣብ ኵልና ዝርከብ እንተዝኸውን ታሪኽ ዶ ኣይምተቐየረን!

በረኸትን ረድኤትን ናይ ሊቀ መላእክት ቅዱስ ገብርኤል ይኽፈለና።

ስብሐት ለእግዚአብሔር ወለወላዲቱ ድንግል ወለመስቀሉ ክቡር።


ሰላም ለዝክረ ስምከ ዘኢተረጐም ምሥጢር
ባሕቱ ይመስል ብሂለ እግዚእ ወገብር
ገብርኤል ኪሩብ ፀዋሬ ዐቢይ መንበር
ሕዝቅኤል ዘነፀረከ በአምሳለ ብእሲ ክቡር
ምስለ ገጸ ላሕም ወአንበሳ ወቀሊል ንስር።

1 comment: