Tuesday, December 27, 2011

ቀዳማይ ዓመት ምጅማር ጦማረ ማዕዶት

ከምዚ ሎሚ ዓሚ፡ ፲፰ ታኅሣስ ፳፻፫ ዓ.ም. (27/12/2010) መልእኽቲ ጦማርና ናብ ኣንበብትና ምፍናው ዝጀመርናሉ ዕለት እዩ። እቲ ሓሳብ እኳ ኣቐዲሙ ዝነበረን፡ ፈተነታት ክኻየድ ዝጸንሐ እኳ እንተነበረን፤ እቲ ሓሳብ ብስሩዕ መገዲ ግብራዊ ካብ ዝኸውን ግና ሓደ ዓመት ኣቝጺሩ ኣሎ። ኅሊናና ኣለዓዒሉ ንዝጀመረና፤ ኣጀሚሩ ድማ ኣብዚ ንዝበጽሓና እግዚአብሔር ኣምላኽ ምስጋና ይኹኖ።

ምኽንያት መበገሲና ቅንዓት ቤተ እግዚአብሔር እዩ። ስለዝኾነ ድማ ኣብ ልዕሊ ኦርቶዶስክ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያንና ዝወርድ ዘሎ ብዙኅ ዝዓይነቱ ፈተና፤ ካብ ውሽጥን ካብ ግዳምን ኣንጻር ረብሓ ቅድስት ቤተ ክርስቲያንን ደቃን ዝግበር ዘሎ ውዲት፤ ኣንጻር ሕግን ሥርዓትን ቤተ ክርስቲያን ንዝግበር ስራሕ ትም ኢልና ምርኣዩ ምርጫና ኣይገበርናዮን። ዘይመውት ሓቂ ክቕበርን፡ ሓሶት እናተመላኸአ መጋገዪ ኮይኑ ክቐርብ እናተፈተነ ትም ካብ ምባል ገለ ምግባሩ ይሓይሽ በልና። ሓሶት ኣብ ዘዕለቕለቐሉ ዓለም ንርከብ ስለዘሎና፡ ሓቂ እንተተዛረብና ነቶም ሰብ ሓቂ ከነንቅሖምን ክሰምዑናን ተስፋ ነበረና። እግዚአብሔር ብክቡር ደሙ ንዘጥረያ ቤቱ፡ ኣእላፍ ቅዱሳን ንዝተጋደሉላ ቅድስትን ርትዕትን ሃይማኖት ሰማያዊ ተልእኾኣ ሸለል ኢሎም መጋበርያ ዕላማታቶም፡ መናገዲ ዕዳጋታቶም እናገበርዋ፡ ትም ኢልና ምርኣይ ብእግዚአብሔር ዘውቅስ፡ ብታሪኽ’ውን ዘሕትት ኮይኑ ረኺብናዮ። ትም ምባል ንዘይትጥለም ኣደ ቤተ ክርስቲያን’ውን ከም ምጥላም ኮይኑ ተራእዩና። ኣብ ዘዘለናዮ ሃገራት ዝርከቡ እቶም ዘማኸርናዮም አበው ካህናት፡ አኀው ዲያቆናት ድማ ምኽሮምን ጸሎቶምን ከምዘይፍለየና ቃሎም ሃቡና። ገዳማውያን ኣቦታትና’ውን ብጸሎትኩም ዘክሩና ዝብል ምኅጽንታና ኣብጺሕናሎም ኢና።

ዕላማና ንጹር እዩ። ኣብቲ ዓንቀጽ ጦማርና’ውን ገሊጽናዮ ኣሎና። ንዝኾነ ኣካል ተኪእና ንምዝራብ ኣይኮነን፤ ኣፍ ዝኾነ ኣካል’ውን ኣይኮናን። ጸግዕና ቅድስት ቤተ ክርስቲያን እያ። ናይ ኣጵሎስ ወይውን ናይ ኬፋ ወይውን ናይ ጳውሎስ ኢልና ማኅበር ንምፍጣር ዕላማና’ውን ኣይኮነን። ሕማም አሐቲ ቅድስት ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ሕማምና ስለዝኾነ ኢና ንዛረብ ዘሎና። ሓጐስ ቤተ ክርስቲያን ክመጽእን ክንርእይን ድማ ክቡራት መራሕትና፡ ካህናትና፡ ዲያቆናትና፡ መንእሰያትና፡ ምእመናንና ብሓባር ንስራሕ፤ ንትጋህ፤ ምፍልላይ ነውግድ እዩ ድምፅና። ንዝኸፋፍሉና ዕድል ኣይንሃቦም፤ መሲሎም ንዝዘርጉልናን ንዝዳኽሙናን መገዲ ንኽልኣዮም እዩ ቃልና። ከም ደቂ ቤተ ክርስቲያን ናይ ቤትና ነገር ዘበለ የተሓሳስበናን የዛርበናን ኣሎ። ሕማም ቤተ ክርስቲያን ስለዘሕመመናን፡ ስለ ዕብየታ ኵሉ ከከም ዓቕሙን ጸጋኡን ሓላፍነቱን ብቅንዕና ከበርክት ከምዘለዎ ምዝክኻር ኣድላዪ ኮይኑ ስለዘረኸብናዮ ደውልና ንድውል ኢና ዘሎና። ከም ደቂ ቤተ ክርስቲያን ብሓባርን ብሥምረትን ስለ ዕብየትን ትንሣኤን ቤተ ክርስቲያን ንስራሕ እዩ ጻውዒትና። ብወገንና’ውን ካብቶም ዝቐደሙ ኣቦታትና ንዝሰማዕናዮን ዝተማህርናዮን ዘንበብናዮን ናባኹም ብምኽፋል፡ ስለ ቅድስት ቤተ ክርስቲያንና ክንላዘብን ክንመሃሃርን ነዚ ዓውዲ ጦማር ኸፊትና እንሆ ድሮ ሓደ ዓመት ገይርና ኣሎና።

ዛጊት ድማ ልዕሊ ትጽቢትና ተኸታተልቲ ጦማርና ይውስኹ ኣለዉ። ብቀዳምነት ዝርከቡ ኣብ ሰሜን ኣሜርካ ዝርከቡ ተኸታተልትና ይኹኑ ደኣ እምበር ዳርጋ ኣብ ምሉእ ዓለምን፡ ብፍላይ ድማ ኤርትራውያን ብብዝኂ ኣብ ዝርከቡሉ ሃገራት ቀወምቲ ተኸታተልቲ ጦማርና እናወሰኹ ይመጹ ከምዘለዉ ነስተውዕሎ ኣሎና። ኣብ ውሽጢ ሃገርና’ውን ተኸታተልትና ውሑዳት ኣይኮኑን። ብቀጻሊ ድማ እዚ ምክትታል’ዚ ናብ ተሳትፎ ክሰጋገር ተስፋና ልዑል እዩ። ውሽጣዊ ሓበሬታና ከምዘመልክቶ፡ በብቝሩብ መንእሰያት ኣብያተ ትምህርቲ ሰንበት ተጠቐምቲ ናይዚ ንዝርግሖ ዘሎና ጽሑፋት ይኾኑ ከምዘለዉ ክንርዳእ ክኢልና ኣሎና።

መንነት ኣዳለውቲ ብዘየገድስ ዕላማን መልእኽትን ጽሑፋትና፤ ካብ ደቂ ቅድስት ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ናብ ደቂ ቅድስት ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ምዃኑ ተረዲኦም ጽሑፋትና ብቃሎም ይኹን ብጽሑፋዊ መልእኽቶም ከምኡ’ውን ኣብ ፌስቡካቶምን ካልእ መራኸቢታቶምን ብምዝርጋሕ ንዝተሓበበሩና ኵሎም ኣኅዋት፡ ኣኃት አምላከ ቅዱሳን እግዚአብሔር ዓስብኹም ይኽፈልኩም ንብል። ብሕጂ’ውን ክትቕጽልዎ መዘካኽሪ ዘድልየኩም ኣይመስልናን። ካልኦት’ውን ኵላትኩም ርእይቶ ናብ ኣድራሻና ብምስዳድ ዘሎኩም ሓሳባት ብውሱን መጠን ትገልጹ ዘሎኹም ክትቕጽልዎ ንላበወኩም። ምኽርኹምን ጸሎትኩምን ከምዘደልድለናን ከምዝሃንጸናን ኣይንጠራጠርን ኢና።

እምበኣርከስ ከም ፍቓድ እግዚአብሔር መደባትና ክንቕጽሎ ኢና። ዝተፈላለየ መደባት’ውን ከነተኣታቱ ንሓስብ ኣሎና። ነቲ ዘሎ ድማ ንምኅያሉ ቀዳምነት ሰሪዕናዮ ኣሎና፥ ይኹን ደኣ እምበር ሱታፌ ናታትኩም ብፍላይ ድማ ኣብ ዝተፈላለየ ሃገራት እትርከቡ ላእካነ ወንጌል ዝኾንኩም ኣገልገልቲ ቤተ ክርስቲያን ኣዝዩ ከገድሰና እዩ እሞ፡ ትምህርታዊ ይኹን ንደቂ ቤተ ክርስቲያን ይጠቕም እትብልዎ  ትምህርትን ሥርዓትን ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ዝመሠረቱ ቤተ ክርስቲያናዊ ጽሑፋት ብምልኣኽ ክትተሓባበሩና ብስም ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ንምኅፅነኩም።

ብዝተረፈ እግዚአብሔር ኣምላኽ ኣማናዊት ሐመረ ኖኅ ንዝኾነት ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ካብቲ ዘናውጻ ዘሎ ማዕበልን ነፋሳትን ዕረፍቲ ክህባ፡ ነቶም ደቃ ኣብዚ ጽንኩር እዋን’ዚ ጽንዓትን ትግሃትን ክህቦም፡ ዕብየታን ልዕልንኣን ድማ ከርእየና ጸሎትና እናቕረብና፤ ኃይሉን ጥበቡን ሂቡ ኣብዚ ቀዳማይ ዓመት ዘብጽሓና እግዚአብሔር ስብሐት ወውዳሴ ይብጽሓዮ ንብል።

ስብሐት ለእግዚአብሔር ወለወላዲቱ ድንግል ወለመስቀሉ ክቡር አሜን።

4 comments:

  1. Beseme Ab Weweld Wemenfes Kudus Ahadu Amalk

    Enquae abxhana, Haylun misterun yegelxelkum, nay kudusan redeit ayfleykm

    hawkum

    ReplyDelete
  2. ናይ በሓቂ ዓቢ ዓወት አዩ። አዚ ዝሓለፈ ዓመት ናይ በሓቂ ሳላኹም ቡዙሕ ትምህርተ ሃይማኖት ረኺብናን ፈሊጥናን፣ አግዚኣብሔር ጸግኡ የብዝሓልኩም፣ ካብዚ ንላዕሊ ብዝሰፍሐ ክትቅጽልዎ ድማ ንምሕጸን። አቶም ናይ ምጽሓፍ ዓቕሚ ዘለና የሕዋት ከኣ ሃየ አጃምና ነበርክት፥ ተሓባቢርና ሃይማኖትና ንዓቅብ፥ ካብዞም ፊንፊን ዝብሉ ዘለዉ ተዃሉ ንከላኸለላ። ኣጆኹም አግዚኣብሔር ይሓግዝኩም።

    ሓውኹም ካብ ጀርመን

    ReplyDelete
  3. menfesawi selamta bmqdam enqe nab 1 amet abtshana bmqtsal hade amet tegiru malet nay hade amet temokuro nay hade amet ebit tegeyru alo malet eu ; kemti kola{baby} enda abeye kkeyd kelo {af kkeft kelo}bkulu ftwu zkewun eza tomare maeadot wun bkulu ftwtn bzuhat seabtn enda rekebet eya emo kemti shim ymerh zbehal kem shima nbzuhat kab tselmat nab brhan kabzey mflat nab fltet tesagr girkum medebat bmsfah abzi zmetse amet nktserhu mnyotey ygelts amlakesemay nsrahkumn hasabkumn yekanayo
    hawkum m

    ReplyDelete
  4. ሩሑስ ባዓል ልደት ጥማር ማዕዶ ስንቅና እንቃዕ ተወለድክልና... አቲ ልደትኪ ልደት ጐይታ ዘማዕደወ... ካን ኣኺሉኩ ከም ነቢያት ክትመስሊ ኣብ ዘመነ ነቢያት ኣብ ስብከቶም ተወሊድኪ... ዘናኺ ጉሩም ሙሉእ ክብሪ... አስከ በሊ ኣይትሕመቂ ቃለ ኣዋዲ(ኣዋጂ) ኣብ ምድዋል ካብ ድቃስና ኣባራብሪ... ቀርበት መንግስተ ሰማያት ኣብ ምባል ምኸሪ... ክኸውን ክብርኺ ከመ ተፍጽመ ነብያት ዮውሐንስ መጥምቀ መለኮት ቃሉ ማእርሪ... ኣልቦ ከማሁ ከም ዚተባህለ ኣልቦ ከማሃ ክትባሃሊ ኣሽከርክሪ... ወለተ ግእዛን ኢኺ እሞ ክብረ አጋእዝተ ዓለም ንገሪ... ኩሉ እምኔከ ወለከ ኢዮ እሞ ካብቲ ባሕሪ ቤተክርስቶስ በታ ዝተዋሃበትኪ ዕርፈ መስቀል ንህዝቢ ንገሪ... ነቲ ፈልፋሊ ማይ ህይወት ቀዲሕኪ ናሁ ሰናይ ወናሁ ኣዳም በሊ... እቲ ዋሃቢ ክብሪ ዓስቢ ከም ዝህበኪ ቃሉ ንገሪ ንዝሰሓተ ውን ዚውእቱ ሩቱዐ ቃል በሊ... ከመይሲ ብቃሉ "ሽሕ እካ ኣደ ንዚጠቡ ውላዳ እንተ ረሰዐት፤ ኣነስ ከቶ ኣይክርስዓኩምን እየ" ኢሳ ፵፱፤፲፭ እዩ ዝበለ ኣብ ምባል ኣይትዋላወሊ... ጽባሕ ዓስቢ ጻማኺ ቅርሺ ወይ መንግስተ ሰማያት ምኻኑ ፈሊጥኪ ነፍሳት ኣዋህልሊ...
    በእንተ በሕቲ ልደታ ለጦማረ ማዕዶት
    ሐውኹም ዘነገደ ባሕር

    ReplyDelete