Tuesday, December 20, 2011

ዘመነ ስብከት

ትንቢት ነቢያት፡ ስብከት ሐዋርያት

ድኅሪ ዘመነ ጽጌን አስተምሕሮን ሕጂ ሒዝናዮ ዘሎና እዋን ጾመ ነቢያት ወይውን ጾም ስብከት ይብሃል። ነዚ ጾም’ዚ ኣቦታትና ነቢያት፡ ድኅሪ ውድቀት ኣዳም እግዚአብሔር ኣምላኽ ንዝሃቦ ተስፋ ድኅነት እናዘከሩ በብዘመኖም ዝጾምውን ዝጸለይዎን ጾም እዩ። እዞም ነቢያት እዚኦም ወልደ እግዚአብሔር ክወርድ ክውለድ ንዝነበሮም ተስፋን ልማኖን ብዝተፈላለየ ኣገባብ ናብ እግዚአብሔር ዘመልክቱዎ ዝነበሩ ነይሮም። እግዚአብሔር ኣምላኽ ድማ እቲ ዝመደቦ ጊዜን ዘቋጸሮ ዕለትን ክሳዕ ዝኣክል ብዝተፈላለየ መገዲ እናገለጸ ተስፍኦም የጽንዓሎም ነይሩ። ንሳቶም’ውን እግዚአብሔር ንዝገለጸሎም ድንቂ ናይ ሥጋዌ ምሥጢር ብዝተፈላለየ ትንቢትን ምሳሌን ብቃሎም ይገልጽዎን፡ ብኣእዳዎም ይጽሕፍዎን ነበሩ።

ኣቦታትና ነቢያት ወልደ እግዚአብሔር ክወርድ ክውለድኢድካ ስደደልና” “ብርሃንካ ኣብርሃልና”… ብምባል ክልምንዎ ከለዉ ኣምላኽ ተወሊዱ ንዝገብሮ ነገር ክርእዩ ነቲ ዝዛረቦ ቃላት ድማ ክሰምዑ ክቱር ትምኒቶም ብምግላጽን ብምምኅፃንን ነበረ እቲ ተስፋን ትምኒትን ኣብ ዘመኖም ክኾነሎም ድማ ኣብዚኆም ይደልዩ ነበሩ። ይኹን እምበር ብመንፈሰ ትንቢት ካብ ምርኣይን ምስማዕን ከይሓለፉ፡ ብጋህዲ ከይረኣይዎ ዓረፍተ ዘመን ዓገቶም። ካብ ኣዳም ኣትኂዙ መን ነቢይ ኣሎ ብዛዕባ ጐይታ ትንቢት ዘይተዛረበ? መን’ከ ኣሎ ምሳሌ ዘይመሰለ? ንመን ጠቒስና ንመን ክንገድፍ? ኵሎም ኣበው ወነቢያት ተስፍኦም ናይ ኣምላኽ ሰብ ምዃን ስለዝነበረ ነናቶም ተዛሪቦም እዮም። ይኹን እምበር እግዚአብሔር ኣምላኽ ብረቂቕ ጥበቡ ካብ ዝዓቀቦም “ነዚ ከይረኣኻ ኣይትመውትን” ዝተባህለሉ ስምኦን ኣረጋዊ ዝኣመሰለ እንተዘይኮይኑ፤ እቶም ዓበይቲ አበው ምሳሌኡ ርእዮም ብትንቢት ተረዲኦም ኣማዕድዮም ካብ ምትንባይ፡ ነቲ ዘመናት ተሳጊሮም ልደቱ ኣይረኣዩን። ኣይሁድ ግና እቶም መጻሕፍተ ነቢያት ኣብ ኢዶም ብምንባሮምን፣ ከምዝውለድ'ውን ኣጸቢቖም'ውን ዝፈልጥዎምን እኳ እንተነበረ፤ ንሱ ክርስቶስ ምዃኑ ኣሚኖም ካብቲ ዝቐረቦ ሕይወት ክሳተፉ ኣይከኣሉን። 

ኣብ ቤተ ክርስቲያን ዝንበቡ ንባባት ጾመ ነቢያት፡ ብሓደ ወገን ነቲ ቀደምት ኣበው ዝነበሩ ነቢያት ብዛዕባ ናይ ኣምላኽ ሰብ ምዃን ዝነበሮም ትንቢትን ሓረርታን ዝገልጹ ኮይኖም፤ በቲ ካልእ ድማ ነቲ ትንቢት ዝተነግረሉ ጐይታ ብኣዕይንቶም ርእዮም፡ ብኣእዛኖም ሰሚዖም፡ ብኣእዳዎም ረምሲሶም ናይ ዘረጋገጹ ቅዱሳን ሓዋርያት ሓጐስን ስብከትን ሓድነትን ሥምረትን ዝገልጹ እዮም። ጐይታ’ውን ነቶም ኣብ ዙርይኡ ኮይኖም ዝርእይዎን፡ ቃላቱ ዝሰምዑዎን ዝነበሩ ደቀ መዛሙርቱ “ብዙኃት ነብያትን ጻድቃንን ነዚ ንስኻትኩም እትርእይዎ ዘሎኹም ኪርእዩ ኸም እተመነዩ እሞ ኸም ዘይረኣዩ፡ ነዚ ንስኻትኩም እትሰምዕዎ ዘሎኹም ኪሰምዑውን ከም እተመነዩ እሞ ከም ዘይሰምዑ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ። ኣዒንትኹም ግና ዚርእያ፡ ኣእዛንኩምውን ዚሰምዓ እየን እሞ፡ ብጹኣት እየን።” ዝበሎም ነዚ ኣበሃህላ’ዚ መሠረት እዩ። ማቴ ፲፫፥፲፮-፲፯/13:16-17

ንሕና ኣብ ዘመን ሓዲስ ዘሎና ደቂ ሰባት፡ ነዚ ጾም’ዚ ክንጾሞ ከሎና ነቶም ዝቐደሙ ነቢያትን፤ ዝደኃሩ ሓዋርያትን መሠረት ገይርና ኢና። እቲ ቅዱስ ቃላቱ’ውን ከምዚ ይብል “እምብኣርሲ ንስኻትኩም ኣብቲ ኢየሱስ ክርስቶስ ባዕሉ እምኒ መኣዝኑ ዝዀነ መሠረት ነብያትን ሐዋርያትን እተነደቕኩም፡ ደጊም ደቂ ዓዶም ንቕዱሳንን ስድራ ቤቱ ንኣምላኽን ኢኹም እምበር፡ ኣጋይሽን መጻእተኛታትን ኣይኰንኩም።” ኤፌ ፪፥፲፱-፳/2:19-20 ብክርስቶስ ክርስቲያን፤ ብወልድ ውሉዳት ተባሂልና ነዚ ዓቢይ ክብሪ ካብ በቕዓና ድማ ንሕና ኣብ ዘመነ ሓዲስ ዝተፈጥርና ደቂ ሰባት፡ ትንቢት ነቢያት ተፈጺሙ ስለዝረኣና ኣምላኽ ተወሊዱልና፡ ኣምላኽ ኣብ መስቀል ተሰቒሉ፡ ሞይቱን ተንሢኡን መድኃኒት ኮይኑልና እናበልና ትንቢትን ሓዲሳዊ ፍጻሜን ኣውሃሂድና ከነመስግኖን ከነኽብሮን ንነብር ኣሎና። እግዚአብሔር ዝገበረልና ነገር ኣዝዩ ዘድንቕ እዩ እሞ ምስጋና ይኹኖ።

እምበኣር ነዚ ጾም’ዚ ክንጸውም ከሎና፡ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዝገበረልና ዓቢይ ውዕለት እናሓሰብናን እናመስገንናን፤ ነቲ ዝገደፈልና ኣብነትን ቅዱስ ትእዛዙትን ብምኽባርን ከም ቃሉ ብምንባርን፤ ብምሕረቱን ብጸግኡን ንዝሃበና ሕይወት ብምጽናዕን፡ ኣብታ ዘይትሓልፍ መንግሥቱ ክዝክረናን ካብ ርስቱ ከይፈልየናን ድማ ብምምኅፃን ክኸውን ይግብኦ። ብሓቂ ድማ ኣምላኽ ነቲ ስሌና ክብል ንዝፈጸሞ ተነጊሩ ዘይውዳእ መንክር ግብርታቱ ወትሩ ከነስተንትኖን ክንዛረበሉን ይግባእ። ነዚ ብዝግባእ ምርዳእ ድማ ካብቲ ቅዱስ ኣምላኽ ዝጻረሮ መገዲ ኃጢኣት ርሒቕና ብመገዲ ቅድስና ክንመላለስ ዝገብር እዩ። ኣምላኽ ከምቲ ነቢያት ዝተነበዩሉ ብዘደንቕ ጥበቡ ብተዋሕዶ ፍጹም ሰብ ኮይኑ ኣብ መስቀል ተሰቒሉ ንዓለም ቤዛ ኮይኑ ፍቕሩ ገሊጹ ኣሎ። ካብዚ ንላዕሊ ፍቕሪ ስለዘይልቦ ድማ ብፍቕሩ ምንባር ፍጹም በረኸትን ሕይወትን ዘለዎ ምዃኑ ከነስተውዕሎ ይግባእ። በቲ ፍቕሩ ምጽናዕን ምምልላስን፤ ነቲ ጾይርኩ ሰዓቡኒ ንዝበለና መስቀሉ ምልዓል ድማ ናይቶም መንግሥቱ ዝደልዩ ኣመንቲ ቀንዲ ግደ እዩ።

ስብከት፡ ብርሃን፡ ኖላዊ

እምበኣርከስ ነቢያትን ሓዋርያትን (ብሉያትን ሓዲሳትን) ኣሰማሚዓ እትኸይድ፤ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ዝንበቡላ ጥራይ ዘይኮነሲ ከይተጨራረሙ ጐሊሖም ዝረኣዩላ አሐቲ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን፡ ኣብዚ ጾም’ዚ እውን ነዚ ኣብ ላዕሊ ክግለጽ ዝጸንሐ ሓቂ ብዝያዳ ክንርድኦን ክንፈልጦን እትገብረሉ መንፈሳዊ ሥርዓትን ኣገባብን ኣለዋ። ቀሪብና እንተዘይርኢናዮን ምስ ኣቦታትና ብሓንሳብ ኣብ ጸሎትን ማኅሌትን ቅዳሴን ክንሳተፍ እንተዘይክኢልና ካብቲ በረኸት ብኣፍኣ፤ ነቲ ድንቂ ሰማያዊ ሥርዓት ድማ ጓኖት ኮይንና ክንተርፍ ኢና። ስለዚ ኣቦታትና ብመንፈስ ቅዱስ ተቓንዮም ንዝሠርዑልና ድንቂ ሥርዓት ቀሪብና ንፍለጦ። ክንቀርቦ ድማ ሎሚ ንበገስ።

እምበኣርከስ ኣብዚ ጊዜ ጾመ ነቢያት’ውን ቅድስት ቤተ ክርስቲያን፡ ቅድሚ በዓለ ልደት ጐይታ ኣብ ዘለዉ ሠለስተ ሰናብቲ ነናቶም ስያመን፡ ምስቲ ስያመ ዝሳነ ንባብን ትምህርትን ከምኡውን መዝሙርን ኣዳልያ ንምእመናን ትምግብ እያ። በዚ መሠረት ከኣ ካብ ፯/7 ታኅሣስ ወይውን ፲፫/13 ታኅሣሥ ክሳዕ ፳፰/28 ታኅሣስ (ኣብ ዘመነ ዮሐንስ ፳፯/27 ታኅሣስ) ዘሎ ጊዜ ዘመነ ስብከት ይብሃል። ኣብዞም መዓልታት እዚኦም ዝውዕሉ ሠለስተ ሰናብቲ ኮይኖም፡ ነናቶም ስያመ ከኣ ተዋሂብዎም ኣሎ። እቲ ቀዳማይ ሰንበት ስብከት ይብሃል። እቲ ካልኣይ ሰንበት ብርሃን፡ እቲ ሣልሳይ ድማ ኖላዊ ይብሃል።   

ስብከት፦ ኣብዚ ቀዳማይ ሰንበት እዚ፡ ኣምላኽ ሰብ ንምዃን ከምዝመጽእ ብሕገ ኦሪትን ብነቢያትን ከምኡውን ብካልኦት መጻሕፍቲ ኣቐዲሙ ከምዝተነግረን ከምዝተሰብከን ዝዝከረሉ ሰሞን እዩ።

ብርሃን፦ ኣብዚ ካልኣይ ሰንበት እዚ፡ ክርስቶስ ኣማናዊ ብርሃን ኮይኑ ናብቲ ብኃጢኣት ዝጸልመተ ዓለም ከምዝመጽእን፤ ኣብ ጸልማት ዝነብር ሕዝቢ ድማ ብርሃን ከምዝርኢ ኣቐዲሙ ዝተተነበየ ትንቢት ዝንገረሉ ሰሞን እዩ።

ኖላዊ፦ ኣብዚ ሣልሳይን ድሮ ልደት ዝርከብ ናይ መወዳእታ ሰንበትን እዚ፡ ክርስቶስ ንመጓሰኡ ክብል ንርእሱ ኣኅሊፉ ዝህብ ለዋህ ጓሳ ኮይኑ ከምዝመጽእ ብነቢያት ዝተነግረ ትንቢት ዝዝከረሉ ሰሞን እዩ።

ዘመነ ስብከት ዝጅምረሉ ዕለት ወይውን ስብከት ዝውዕለሉ ሰንበት ንምፍላጥ በዚ ዚስዕብ ኣገባብ ቀመር ክንጥቀም ከኣ ንኽእል ኢና።

ባሕቲ ታኅሣስ ሠሉስ ምስ ዚውዕል፡ ስብከት ዕለት ፲፫/13 ታኅሣስ ይኸውን።
ባሕቲ ታኅሣስ ረቡዕ ምስ ዚውዕል፡ ስብከት ዕለት ፲፪/12 ታኅሣስ ይኸውን።
ባሕቲ ታኅሣስ ኃሙስ ምስ ዚውዕል፡ ስብከት ዕለት ፲፩/11 ታኅሣስ ይኸውን።
ባሕቲ ታኅሣስ ዓርቢ ምስ ዚውዕል፡ ስብከት ዕለት ፲/10 ታኅሣስ ይኸውን።
ባሕቲ ታኅሣስ ቀዳም ምስ ዚውዕል፡ ስብከት ዕለት ፱/9 ታኅሣስ ይኸውን።
ባሕቲ ታኅሣስ ሰንበት ምስ ዚውዕል፡ ስብከት ዕለት ፰/8 ታኅሣስ ይኸውን።
ባሕቲ ታኅሣስ ሰኑይ ምስ ዚውዕል፡ ስብከት ዕለት ፯/7 ታኅሣስ ይኸውን።

በዚ መሠረት’ዚ ሎምዘበን ባሕቲ ታኅሣስ ሰንበት ስለዝወዓለ፡ ስብከት ዕለት ፰/8 ታኅሣስ ኮይኑ ኣሎ ማለት እዩ። እቶም ዝስዕቡ ሰናብቲ ድማ ሰሰሙኖም ሒዞም ይመጹ ማለት እዩ። ዘመነ ዮሐንስ ስለዘሎና ድማ በዓለ ልደት ቀዳም ፳፰/28 ታኅሣስ ይብዕል።

መልእኽቲ ዘመነ ስብከት

ብምዃኑ ድማ ኣብዘን ሠለስተ ሰናብቲ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ንዝነበቡ ንባባት ብኣንክሮ ከነስተውዕሎም ይግባእ። ልደት ጐይታ ስለ በዓል ጥራይ ዝኽበር ዘይኮነስ፤ ከምቲ ኣቦታትና ዝሠርዑልና ካብ ነቢያት ኣትሒዞም ንዝተነበይዎ ትንቢትን፡ ሓዋርያት ንዝሰበኽዎ ስብከትን ብምስትውዓል፡ መንፈሳዊ ትርጉሙ’ውን ብዝግባእ ተረዲእና ከነኽብሮ ይግባእ። ኣምላኽ ንዓና ብዝገበረልና ድንቂ ግብሩን ዝሃበና ፍሉይ ውህበቱን ወትሩ ከነመስግኖ ይግባእ። ስለዚ እዩ ድማ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ነዘን ቅድሚ ልደት ጐይታ ዘለዋ ሰናብቲ ስያመ ሂባ ኣዕሚቕና ናይ ኣምላኽና ሰብ ምዃንን ልደትን ክንፈልጥ፤ ነቢያት ንዝተነበይዎ ሓዋርያት ንዝሰበኽዎ ስብከት ብዝተፈላለየ ኣገባብ ክትምህረና ሥርዓት ገይራትላ ዘላ። ነቲ ዝተቐረበ ድማ ብዝግባእ ንጠቕምሉ።

ስብሐት ለእግዚአብሔር ወላወላዲቱ ድንግል ወለመስቀሉ ክቡር አሜን።


   

2 comments: