በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ።
እንቋዕ ንክብረ በዓል ቅዱስ አቡነ መርቆሬዎስ ብሰላም ኣብጸሓና።ብስሞም ዝጽዋዕ እዚ ገዳም’ዚ፡ ከባቢ ዓረዛ ዝርከብ ኮይኑ ደብረ ድማኅ አቡነ መርቆሬዎስ ተባሂሉ ይፍለጥ፤ መሥራቲኡ ድማ ንሶም ባዕሎም እዮም። ታሪኽ እዞም ኣቦ ብተዛማዲ ኣብ ታሪኽ አቡነ ኤዎስጣቴዎስ ጠቃቒስናዮ ስለዝነበርና ኣብኡ ምርኣይ ይከኣል እዩ።
እዚ ጥንታዊ ገዳም’ዚ ኣስታት ፰፻(800) ዓመት ዝገበረ ኮይኑ፤ ብዙኅ ታሪኽን ኣሰርን ቅዱሳንን ዘለዎ፤ ብኣዕጽምቲ ቅዱሳን ዝሃብተመ፤ ብተኣምራቱን ፈዋሲ ጻዕዳ ጸበሉን ዝልለ፤ ብዙኅ ኽቡራት ንዋያተ ቅዱሳንን መጻሕፍቲ ዝዓቀበ፤ ማኅደር ሊቃውንቲ ዝኾነ ገዳም እዩ።
ታሪኽ እዚ ገዳምን መሥራቲኡ አቡነ መርቆሬዎስን ዝምልከት ጽሑፍ፡ ከም ፍቓድ እግዚአብሔር ካልእ ጊዜ ክንምለሶ ተስፋ ንገብር።
በረኸትን ጸሎትን አቡነ መርቆሬዎስ ምስ ኵላትና ሕዝበ ክርስቲያን ይኹን።
No comments:
Post a Comment