Monday, December 26, 2011

ቊሩብ ብዛዕባ ሊቀ መላእክት ቅዱስ ገብርኤል

ስምን ሲመትን ቅዱስ ገብርኤል

ቅዱስ ገብርኤል ካብቶም ክቡራት ሾብዓተ ሊቃነ መላእኽቲ ሓደ እዩ። ድኅሪ ሊቀ መላእኽቲ ቅዱስ ሚካኤል ድማ ስሙ ዝጥቀስ መልኣኽ እዩ። ብዕብራይስጢ ስም ትርጓሜኡ ‘ኃይሊ ናይ እግዚአብሔር እዩ’ ማለት እዩ። ብናይ ቤተ ክርስቲያንና ሊቃውንት ኣተረጓጉማ ድማ ሰብእ ወአምላክ ወይውን ገብረ እግዚአብሔር ወይውን ልኡኽ እግዚአብሔር ዝብል ትርጉማዊ ስያመ ይህብዎ (ገብርኤል ብሂል ብእሲ ወአምላክ እምኀበ እግዚአብሔር ዘተፈነወ ላእከ)። ኣብ ትንቢተ ዳንኤል’ውን፡ ቅዱስ ገብርኤል ሓንሳብ ‘ሰብ’ ሓንሳብ ድማ ‘ወዲ አምላኽ’ እናተባህለ ተጸዊዑ ኣሎ። ነዚ ዝገልጽ ድማ ቅዱስ ያሬድ “ገብርኤል ብሂል ወልደ እግዚአብሔር” ይብሎ። እዚ ኸኣ ኣብሣሬ ትስብእት ኮይኑ ናይ ኣምላኽ ሰብ ምዃን ዝተዛረበ መልኣኽ ንሱ ስለዝኾነ እዩ።

እዚ ሊቀ መልኣክ’ዚ ኣብ ቅድሚ እግዚአብሔር ዝቐውም ኮይኑ፤ ኣብ ብሉይ ይኹን ኣብ ሓዲስ ካብ እግዚአብሔር እናተላእኸ  ዝፈጸሞም ዘደንቑ ግብርታትን ተኣምራትን ድማ ኣዝዮም ብዙኃት እዮም። ንበረኸት ክኾነና ብሓጺሩ ንገለ ውሑዳት ካብ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ጠቒስና ክንርኢ ኢና። በረኸቱን ረድኤቱን ምስ ኵልና ሕዝበ ክርስቲያን ይኹን።

ዓለመ መላእክት
  •    ዘኅድእ መልአከ ሰላም እዩ። መላእኽቲ ኣብታ ቀዳመይቲ ዕለት ምስ ተፈጥሩ፤ እግዚአብሔር ኣምላኽ ፈጢሩ ተሰዊርዎም ነበረ። ዲያብሎስ ዝተባህለ ሳጥናኤል ድማ ነቶም መን ደኣ ፈጠረና ኢሎም ይሓቱ ንዝነበሩ መላእኽቲ “ኣነ እየ ፈጢረኩም” “ንዓይ ኣመስግኑ” ብምባል ብሓሶትን ብትዕቢትን ኣብ ዓለመ መላእኽቲ ህውከት ምስ ገበረ፡ “ንቁም በብህላዌነ እስከ ንአምር አምላክነ” ብምባል ንቅዱሳን መላእኽቲ ዘረጋገአ ቅዱስ ገብርኤል እዩ። “ወአኅድኦሙ መልአከ ሰላም ገብርኤል ለማኅበረ መላእክት በቃሉ” (መጽሓፍተ ሥነ ፍጥረት፡ ድርሳነ ሚካኤል)
  •     ኣማላዲ ሊቀ መላእኽቲ እዩ። ቅዱስ ገብርኤል ብእግዚአብሔር ፍቓድ፡ ሊቀ መላእኽቲ ክኸ'ውን ኣብ ልዕሊ ካልኦት መላእኽቲ ዝተሾመ መልኣኽ እዩ። መጽሓፈ ሄኖክ ናይቶም ትጉሃን ቅዱሳን መላእኽቲ ኣስማት ኣብ ዝዘርዘረሉ ኣንቀጹ “ኣብ ልዕሊ ኣትማን፡ ኣብ ልዕሊ ገነትን ኪሩቤልን ዝተሾመ እዩ” ብምባል ንቅዱስ ገብርኤል ስሙን ሹመቱን ይጠቕስ።  ኣብዚ ዓለም’ውን ብስም ጐይታ ኣሚኖም ንዝምኅፀኑ፡ ዝጽልይን ዝልምምን መልኣኽ ምዃኑ እቲ ሰማያዊ ናይ መላእኽቲ ምሥጢር ተገሊጹሉ ዝጸሓፈን ኣካይድኡ ምስ እግዚአብሔር ብምግባሩ ሞት ዘይረኣይን ሄኖክ ዝገለጾ እዩ። (ሄኖ ፮፥፯/6፥7 ሄኖ ፲፥፯/10፥7)
ዘመነ ብሉይ
  •        ዝራዳእ መልኣኽ እዩ። ብሰንኪ ነውሮምን ጽዩፍ ኃጢኣቶምን ንእግዚአብሔር ዘቖጥዑ ሰብ ሰዶምን ጎሞራን ንክቐጽዕን፤ ንጻድቕ ሎጥን ስድርኡን ድማ ካብ ሞንጎ እቶም ዝረኸሱ ሕዝብን ክፈልዩ ምስ ቅዱስ ሚካኤል ዝተላእኸ መልኣኽ፡ ቅዱስ ገብርኤል እዩ። (ዘፍ ፲፱፥፩/19፥1)
  •           ዘድኅን መልኣኽ እዩ። ብዘይካ ንኣምላኾም እግዚአብሔር ንካልእ ከምዘየምልኹ ዝተኣምኑን፡ ነቲ ናብከደናፆር ዘቖሞ ጣዖትን ምስልን ኣይንሰግድን ብምባሎም ናብ ሓዊ ዝተደርበዩን ሠለስቱ ደቂቅ፤ ካብቲ ዝተደርበዩሉ እቶን ሓዊ ዘድኃኖም ቅዱስ ገብርኤል እዩ። (ዳን ፫፥፳፬-፳፯/3፥24-27) ነቢዪ ዳንኤል ስለ እምነቱ ኣብ ኣፍ ኣናብስቲ ምስ ተደርበየ፡ ኣፍ እቶም ኣናብስቲ ተቐላጢፉ ዝዓጸወሉ ንሱ እዩ። (ዳን ፮፥፳፫/6፥23)
  •       ገላጺ ምሥጢር እዩ። ነቲ ኣብ መግዛእትን ስደትን እንከሎ ብእግዚአብሔር ተኣሚኑ ኣብ ቅድሚ ንጉሥን ሕዝብን ልዑል ሞገስን ክብርን ዝረኸበ ነቢየ እግዚአብሔር ዳንኤል፡ ነቲ ዝርእዮ ዝነበረ ድንቂ ፍጻሜ ዘመን ዝምልከት ራእይ ዝትርጐመሉ ብእግዚአብሔር ዝተላእኸ ቅዱስ ገብርኤል እዩ ነይሩ። (ዳን ፰፥፲፭-፲፮/8፥15) 
  •      ጥበብን ምስትውዓልን ዝህብ መልኣኽ እዩ። ነቢየ እግዚአብሔር ዳንኤል ምእንቲ እስራኤል ይጽልይን ይልምንን ኣብ ዝነበረሉ እዋን፤ ብዛዕባ ዝርእዮ ዝነበረ ራእይ ምሥጢር እናገለጸ ንኸስተውዕሎ ጥበብን ምስትውዓልን ዝህቦ ዝነበረ ቅዱስ ገብርኤል መልኣኽ እዩ። (ዳን ፱፥፳፩-፳፪/9፥21-22)
  •      ፍጡነ ረድኤት እዩ። ቅዱስ ገብርኤል ነቶም ኣብ ጸገም ዘለዉ ክራዳእ፡ ካብ ሽግሮም’ውን ከናግፍ፡ ነቲ ዝኸበዶም ድማ ክፈትሓሎም ብቕልጡፍ ዝመጽእ መልኣኽ እዩ። ናይቶም ሠለስቱ ደቂቅ ተኣምራትን ናይ ዳንኤል ታሪኽን ነስተውዕሎ። “ብጸሎት ገና ኽዛረብ ከሎኹ፡ ገብርኤል፡ እቲ ቕድም ብራእይ ርእየዮ ዝነበርኩ ሰብኣይ፡ ቀልጢፉ ነፊሩ፡ ኣጋ ጊዜ መስዋእቲ ምሸት ተንከየኒ።” ይብል ነቢዪ ዳንኤል። ነፊሩ ማለት ብዝኾነ ነገር ከይተዓግተ ብቕልጡፍ ከምዝበጽሖ ዘረድእ እዩ። (ዳን ፱፥፳፩/9፥21)
ዘመነ ሐዲስ
  •        ኣብሣሬ ትስብእት ወዜናዊ ትፍሥሕት እዩ። ደቂ ሰባት ን፭ሺሕ፭፻ ዓመት ዝጽበይዎ ዝነበሩ ተስፋ ድኅነት ጊዜኡ ምስ ኣኸለ፡ ንደቂ ሰባት ከበስር ዝተመርጸን ዝተላእኸን እዚ ኣብ ቅድሚ እግዚአብሔር ዝቐውም መጋቤ ሓዲስ ሰባኬ ፀሐየ ጽድቅ ዝኾነ ክቡር መልኣኽ እዩ። በዚ መሠረት ከኣ ኣቐዲሙ ንካህን ዘካርያስ ንዮሐንስ መጥምቀ መለኮት ከምዝወልድ፡  ቀጺሉ ድማ ነታ ክብርት ወላዲተ ኣምላኽ ክትከውን ንዝተመርጸት ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ንጐይታ ከምእትወልድ ብዝጥዕምን ብዙኅ ምሥጢር ብዘለዎ ቃላቱ ጌሩ ኣበሲርዋ። እዚ ብስራት’ዚ ድማ ሓጐስ ኵሉ ሕዝቢ እዩ። ስለዚ ድማ መዓልታዊ ነቲ እንደግሞን እንጽልዮን ድኅሪ ‘አቡነ ዘበሰማያት’ ዘሎ ጸሎት ‘በሰላመ ቅዱስ ገብርኤል’ ብምባል ብናቱ ሰላምታ እንጅምሮ። (ሉቃ ፩፥፲፰-፶፮/1፥18-56)
  •        ኣብ ቅድሚ እግዚአብሔር ዝቐውም መልኣኽ እዩ። ከምቲ ባዕሉ ንካህን ዘካርያስ ዝነገሮ፡ ኣብ ቅድሚ እግዚአብሔር ብኽብሪ ካብ ዝቖሙ ሊቃነ መላእኽቲ ሓደ እዩ። ንሕዝቡ ዝልምን ዘማልድ መልኣኽ ድማ እዩ። (ሄኖ ፲፥፯/10፥7  ሉቃ ፩፥፲፱/1፥19  መዝ ፻፭፥፫/105፥3  መዝ ፴፫፥፯/34፥7)
  •        ንድኅነት ደቂ ሰባት ዝለኣኽ እዩ። ወልደ እግዚአብሔር ሥጋ ለቢሱ ምእንቲ ድኅነት ደቂ ሰባት ኣብ ዝገበሮ ጉዕዞ፡ ቅዱሳን መላእኽቲ ብኽብሪ ኣገልጊሎሞ እዮም። ሓደ ካብኦምን ብቀዳምነት ዝጥቀስን ድማ ቅዱስ ገብርኤል እዩ። እዚ ተልእኾ ድማ ቅዱሳን መላእኽቲ ንድኅነት ደቂ ሰባት ዝልኣኹ መላእኽቲ ምዃኖም ዝመስከረ እዩ። ከም ኣብነት፦ ንጐይታ ይደልዮ ካብ ዝነበረ ገጽ ሄሮድስ ንጐይታን ኣዲኡን ሒዙ ናብ ግብጺ ክኸይድ፡ ሓላዊኣ ክኸውን ካብ ጐና ከይፍለ ንዝተኃርየ ጻድቕ ዮሴፍ ብሕልሚ ዝነገሮን፤ ሄሮድስ ምስ ሞተ ድማ ሒዝዎም ክምለስ ኣብ ግብጺ ዝነገሮ ቅዱስ ገብርኤል እዩ። (ማቴ ፪፥፲፫-፲፱ ዕብ ፩፥፲፬)
  •        ዝቐጽዕ መልኣኽ እዩ። ነቶም ኃይሎም ተመኪሖም፡ ክብሪ እግዚአብሔር ንርእሶም ብምግባር ኣንጻር ፍቓድ እግዚአብሔር ብትዕቢት ንዝመላለሱ ብንስሓ ክምለሱ ፍቓደኛታት ንዘይኮኑን ዝቐጽዕ መልኣኽ’ውን እዩ። ክሳድ መጥምቀ መለኮት ቅዱስ ዮሐንስ ኣብ ዝተቖርጸትሉ ነታ ርእሲ ኣብ ኢድ እቶም ኃጥኣን ከይተወድቕ ኣኽናፍ ኣውጺኣ ክትነፍር ዝገበራን፤ ኣንጻር ክብሪ እግዚአብሔር ንዝተመላለሰ ሄሮድስ ሓሲኹ ከምዝመውት ዝገበሮ ቅዱስ ገብርኤል እዩ። (ማቴ ፲፬/14 ሓዋ ፲፪፥፳፫)። ንካህን ዘካርያስ ከብስሮ ከሎ ቀልጢፉ ቃል እቲ መልኣኽ ብዘይምእማኑ'ውን እንታይ ከምዝገበሮ ኣብ ወንጌለ ሉቃስ ተጻሒፉ ኣሎ።   
  •        ተራዳኢ መልኣኽ እዩ። ከምቲ ኣብ ዘመነ ብሉይ ዝገበሮ ኣብ ዘመነ ሰማእታትውን፡ ኣብ ዘመን እቲ ጨካን ንጉሥ ዲዮቅልጢያኖስ ብሃይማኖቶም ጸኒዖም ብምምስካሮምን፡ ንእከይ ፍቓድ እቲ ንጉሥ ብምቕዋሞምን፡ ኣብ ገንኢ ፍሉሕ ማይ ዝተደርበዩ ቅድስት ኢየሉጣን ቅዱስ ቂርቆስን፡ ካብቲ ፍሉሕ ማይ ዘድኅኖም ቅዱስ ገብርኤል እዩ። እዚ ድማ ኣብ ቅድስት ቤተ ክርስቲያንና ዓመት መጸ ፲፱/19 ሓምለ ይኽበር። ድርሳኑ’ውን ከምዝምስክሮ ንረድኤት ናብ ነቢያትን ሓዋርያትን ጻድቃንን ሰማእታትን ዝለኣኽ መልኣኽ እዩ።
“ዝቅዱስ ገብርኤል ሊቀ መላእክት አሐዱ እምሊቃናት ዘይትፌኖ ለረድኤት ኀበ ነቢያት ወሐዋርያት ኀበ ጻድቃን ወሰማዕት” ከምዝብል ቅዱስ ገብርኤል ዝተራድኦም ኣብ ብሉይ ይኹን ኣብ ሓዲሳት ኣዝዮም ብዙኃት እዮም። ከም ኣብነት ንቅዱስ ገላውዴዎስ ዝተራድኦ፤ ነታ ኣብ ግብጺ ዝነበረት ቤተ ክርስቲያን ደብረ ኔቅሎን ዝፈጸመላ ተኣምራት፤ ብስም ክርስቶስ መከራ ንዝተቐበለ አባ አካውህ ዝሃቦ ጽንዓት፤ ንጣዖት ኣይሰግድን ብምባሉ መከራ ንዝተቐበለ ጢሞቴዎስ ሰማዕት ዝተራድኦ፤ ንብሶይ ሰማእትን ጴጥሮስ ኃዉን ዝተራድኦ፤… ወዘይመስሎ እናበልና ብዙኅ ምሳሌ ከነምጽእ ንኽእል። (ድርሳነ ሚካኤል ተመልከት)

ነዚ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ውሑድ ምሳሌታት ካብ በብዘመኑ ንኣብነት ጠቐስና እምበር፡ ኣብዚ ዳኅረዋይ ዘመን ይኹን ኣብ ጊዜና’ውን ቅዱስ ገብርኤል ዝፈጸሞምን ዝፍጽሞምን ዘለዉ ናይ ተራዳእነት ስርሑ ተዘርዚሮም ዝውድኡ ኣይኮኑን። ኵሉ ኣብ በብቤቱን ነፍሱን ብናይ ቅዱስ ገብርኤል ኣማላድነትን ረድኤትን ዝረኸቦ ጸጋ ተዛረብ እንተዝብሃል ክንደይ ምተባህለ። ስንክሳራትናን ድርሳናትና ኣብ ክንዲ ኣብ ዝተወሰነ ዘመን ምጽሓፍ ኣብቒዖም ምዕራፋቶም ተዓጽዮም ዘለዉ፤ ከም ቅብጣዊት ቤተ ክርስቲያን በብዘመኑ እግዚአብሔር ኣብ ቅዱሳኑ እናኃደረ ንዝፍጽሞም ተአምራት ምምዛጋብን ምጽሓፍን እንተዝቕጽል ነይሩ ክንደይ ኅታማት ስንክሳርን ድርሳናትን ገድልታትን... ምነበረና!

እቲ ኣዝዩ ዘሰክፍ ግና ንሱ ዘይኮነስ፡ ነቲ ዘለዎውን ከምቲ ዘለዎ ዝቕበሎ ወለዶ እናጐደለ እናጒደለን ምምጽኡ እዩ። እዚ ወለዶ’ዚ ብሓደ ወገን ነቲ እሙንን ክውንን ነገር ይጠራጠር (ሕጸጸ እምነት የጥሪ)፡ በቲ ካልእ ድማ ብግሩህ እምነት ዘይኮነስ ብፍልጠትን ምርምርን ጥራይ ነቲ ናይ እግዚአብሔር ሥራሕ ክረኽቦን ክርእዮን ስለዝደሊ፡ ንቅዱሳንን ነቶም ዝምኅጸንዎ ዝነበሩ ኣቦታትናን ኣዴታትናን ካብ ዝተገብረሎም ድንቂ ነገራት ብአፍኣ (ብደገ) ይርከብ ኣሎ። ኣብ ዝበዘኀ ሰብ ዝረአ’ውን እዚ እዩ። ብዛዕባ ዝተገብረ ክውን ነገር፡ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ብኣብነት ዝነግሩና ዘለዉ ድንቂ ትምህርታትን ትእምርትታትን ዝፈልጥ ወለዶ ውሑድ እንተዘይኮነውን፡ ኣሚኑ ዝነብሮን ዝእመነሉን ግና ኣዝዩ የንቈልቁል ኣሎ። እምበኣር ብዛዕባ ቅዱሳን መላእኽቲ ማለት ተራዳእነቶም፡ ኣማላድነቶም፡ ክብሮምን ኣገልግሎቶምን ወቦ ዘተርፈ ምፍላጥ ጥራይ እኹል ኣይኮነን። እንታይ ደኣ ከምቶም ዝቐደሙ አበው ንሕና’ውን ናይቲ ረድኤቶም ተሳተፍቲ ክንከውን እምነትና ከነድልድል ይግባእ። እምነትና ብፍቕሪ ብለዋህነት ብሰናይ ግብሪ ብዘይ ግብዝነትን ጥርጥርን ክሕነጽ ኣለዎ።

በረኸትን ረድኤትን ቅዱስ ገብርኤል ሊቀ መላእክት ምስ ኵላትና ሕዝበ ክርስቲያን ይኹን።
   
                                          ሰላም ለከ ኀበ ድንግል ተፈናዊ
                                          ሰላም ለከ ገብርኤል ብሥራታዊ
                                          ሰላም ለከ ፍሥሐ ዜናዊ
                                          ሰላም ለከ ጽንሰ ቃል አለባዊ
                                          ሰላም ለከ እምእደ ሞት ቤዛዊ።

1 comment:

  1. Kaleh Hiyewet Yesmialina. Berektun Redietun Nai Kidus Gebriel Mis Kulahina Yekun.

    ReplyDelete