Friday, December 23, 2011

“ኣነ ብርሃን ዓለም እየ” (ዮሐ ፰፥፲፪)

ነዚ ቃል’ዚ ካብ ጐይታ ተቐቢሉ ዝጸሓፈ ወንጌላዊ ቅዱስ ዮሐንስ እዩ። ናብ ዓለም ዝመጸን፡ ጸልማት እዚ ዓለም’ዚ ዝቐንጠጠን፡ ኣማናዊ ብርሃን ዓለም ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ።

ኣብ ዓለም ብዙኅ ዓይነት ብርሃን ኣሎ። ብእግዚአብሔር ዝተፈጥሩ ብርሃን ዘመንጭዉን ዝፍንዉን ፍጥረታት ኣለዉ። ደቂ ሰባት ድማ እግዚአብሔር ብዝሃቦም ጥበብ በብዘመናቱ ዝማሃዝዎም ብርሃናት ኣለዉ። እቲ ቀዳማይ ብርሃን ድማ ኣብታ ቀዳመይቲ መዓልቲ ፍጥረት፡ ጸልማት ንምርሓቕ ብእግዚአብሔር ዝተፈጥረ እዩ። ኣብ ናይ ዕለተ ረቡዕ ፍጥረቱ ድማ እግዚአብሔር ኣብ ሰማይ ዘስፈሮም ኣካላት ብርሃን ኣለዉ። ካብኣቶም ድማ እቲ ዝዓበየ ፀሓይ እዩ። እቶም ናይ ብርሃን ኣካላት ኣብ መዓልቲ ክሥልጥኑ ከለዉ፡ ጸልማት ድማ ኣብ ለይቲ ከምዝሥልጥን ተገይሩ ብእግዚአብሔር ዝተሠርዐ እዩ። ኣብ ቅዱስ መጽሓፍ፡ እዚኦም ኣካላት ብርሃን ዘለዎም ጠባያትን ዝህብዎ ኣገልግሎትን፡ ከምኡውን ብኣንጻሩ ዘሎ ጸልማትን ነናቶም ተምሳልን ትርጉምን ተዋሂቦም ንረኽቦም።

ብመሠረት እዚ ኸኣ፡ ብርሃን ናይ ጽድቂ፡ ትሩፋት፡ ሰናይ ተግባር፡ ሕይወት፡ ፍልጠትን ምስትውዓልን፡ እምነት፡ ሕጊ፡ ቅኑዕ ፍርዲ፡ ምሳሌ ክኸውን ከሎ ጸልማት ድማ ናይ ኃጢኣት፡ ኵነኔ፡ ክፉእ ግብሪ፡ ሞት፡ ድንቁርናን ዘይምስትውዓልን፡ ክሕደት፡ ጠዋይ ፍርዲ ወዘተ ተምሳል ኮይኑ ከምዝጥቀስ ምዃኑ ቅዱስ መጽሓፍ ብሰፊሑ ይምህረና። ንኣብነት ነዞም ዚስዕቡ ንባባት ንመልከት፦

-       እቲ ካብ ጸልማትሲ ብርሃን ይብራህ ዝበለ ኣምላኽ እዩ እሞ፡ ንብርሃን ፍልጠት ናይ ኣምላኽ ክብሪ ብኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ልብና ኣብርሆ። (ካልኣይ ቆሮ ፬፥፮/4፥6)
-       “ንሕናስ ብሰሪ ጸልማት ብሥርዓት ክንዛረብ ኣይንኽእልን ኢና እሞ፡ ንእኡ እንብሎ፡ ንስኻ ምሀረና።” (ኢዮ ፴፯፥፲፱ 37፥19)
-       ሽዑ እቲ ንጉሥ ንገላውኡ በሎም፡ ኣእዳዉን ኣእጋሩን ኣሲርኩም፡ ኣብ ናይ ወጻኢ ጸልማት ደርብይዎ። ኣብኡ ብኽያትን ምሕርቃ ኣስናንን ይኸውን። (ማቴ ፳፪፥፲፫ 22፥13)

እቶም ንምሳሌ ዝተጠቕሱ ብርሃናት ነናቶም ትርጉም ዘለዎም ድማ እዮም።

ይኹን እምበር መሠረትን ምንጭን ብርሃን ዝኾነ ጐይታ ብርሃንነቱ፡ ካብ ፍጥረታት ብርሃን ዝተፈልየ እዩ። ናይ ፍጥረታት ብርሃን ናይ ጸጋ ኮይኑ ኃላፍን ጊዜያዊን እዩ። ናይ ጐይታ ብርሃንነት ግና ናይ ባህርይኡን ዘለዓለማዊን እዩ። ይኹን እምበር ንሕና ብእንርድኦ መጠን ከነስተውዕሎ ምእንቲ፡ ናይ ጐይታ ብርሃንነት በቶም እንፈልጦም ብርሃናት ዓለም ኣብ ቅዱስ መጽሓፍ ተመሲሉ እንረኽቦ። ንምሳሌ ነቢዪ ሚልኪያስ ንጐይታ ‘ፀሐየ ጽድቅ’ ኢሉ መሲሉ ይነግረና። “ንኣኻትኩም ስመይ እትፈርሁ ግና፡ ፀሓይ ጽድቂ ኽትበርቀልኩም እያ፡ ምድሓን ከኣ ኣብ ኣኽናፉ እዩ።” (ሚል ፬፥፪/4፥2) ወንጌላዊ ቅዱስ ዮሐንስ፡ ናይ ምሳሌታትን ትንቢታትን ፈጻሚ ብዛዕባ ዝኾነ አምላኽ ብርሃንነት ክገልጽ ከሎ “ብርሃን ናብ ዓለም መጸ” ይብል።  እግዚአብሔር ብርሃን እዩ። ብርሃን ወትሩ ኣንጻር ጸልማት ዝቖመን፤ ብርሃን ኣብ ዝተገልጸሉ ድማ ጸልማት ፈጺሙ ከምዝርሕቕን ከምዘይጸንዕን ዝተፈልጠ ነገር እዩ። ከምኡ ድማ ብሓጢኣት ደቂ ሰባትን ክፍኣት ዲያብሎስን ጸልሚታ ኣብ ዝነበረት ዓለም: ኣማናዊ ብርሃን ኢየሱስ ክርስቶስ ንዓለም ብርሃን ንምዃንን፡ ሓጢኣትን ሞትን ንምድምሳስን፡ ግዝኣት ዲያብሎስ ክሥዕርን ዝመጸ ንሱ ምዃኑ ንክገልጽ እዩ ‘ኣነ ብርሃን ዓለም እየ’ ዝበለና። ቅዱስ ዮሐንስ ወንጌላዊ’ውን ኣማናዊ ብርሃን ዓለም ናብ ዓለም ከም ዝተገልጸ ንምብሳር እዩ ብርሃን ናብ ዓለም ከምዝመጸ እተዛረበ።

ስሊኡ ድማ እዩ፡ ነቢያት ኣቐዲሞም ብዛዕባ ጸልማት ዓለም ዘርሕቕ ብርሃን ናብ ዓለም ከምዝመጽእን ከምዝውለድን፤ ንዓለም ኵሉ ከምዘብርህን ትንቢቶምን ምሳሌኦምን ብብዙኅ ሳዕን መገድን ክዛረቡ ዝጸንሑ። ካብቶም ዓበይቲ ነቢያት ሓደ፡ ልዑለ ቃል ኢሳይያስ ብብርሃን መሲሉ ንዝተነበዮ ትንቢት፡ ቅዱስ ማቴዎስ ወንጌላዊ ብጐይታናን መድኃኒንና ኢየሱስ ክርስቶስ ከምዝተፈጸመ ኣርጊጹና ክነግረና ከሎ ከምዚ ይብል “እቲ ብነብዪ ኢሳይያስ እተባህለ ኺፍጸም፡ ከምዚ ዚብል፡ ምድሪ ዛብሎንን ምድሪ ንፍታሌምን፡ መገዲ ባሕሪ፡ ማዕዶ ዮርዳኖስ፡ ገሊላ ኣሕዛብ፡ ኣብ ጸልማት ዚነብር ሕዝቢ ዓብዪ ብርሃን ረኣየ፡ ኣብ ዓዲ ሞትን ድኔኣን ንዚነብሩ ድማ ብርሃን ወጸሎም።” ኢሳ ፱፥፪ ማቴ ፬፥፲፮

ኣካል ምስ ህልውና ተገሊጹሉ፤ ዓይነ ንስር ተዓዲሉ፡ ረቂቅን ምጡቕን ነገረ መለኮት ክጽሕፍ ዝጀመረ ቅዱስ ዮሐንስ ወንጌላዊ’ውን፡ ናይ ሥግው ቃል ኢየሱስ ክርስቶስ ናይ ባህርይ ኣምላኽነት ኣብ ዝጸሓፈሉ ዓንቀጽ፤ ናይ ጐይታ ብርሃንነትን ሕይወትነትን ብዝግባእ ኣመሥጢሩ ገሊጹ ኣሎ። “ቃል ብመጀመርታ ነበረ፡ እቲ ቓል ድማ ኣብ ኣምላኽ ነበረ፡ እቲ ቓልውን ኣምላኽ ነበረ። እዚ ብመጀመርታ ኣብ ኣምላኽ ነበረ። ብእኡ ዅሉ ዀነ፡ ካብቲ ዝዀነ ዘበለ ድማ ብዘይ ብእኡ ዝዀነ የልቦን። ሕይወት ኣብኡ ነበረት፡ እታ ሕይወት ከኣ ብርሃን ሰብ ነበረት። ብርሃንውን ኣብ ጸልማት የብርህ፡ ጸልማት ግና ኣይሐዞን።” ብምባል ደቂ ሰባት ዝጽበይዎ ዝነበረ፡ ንደቂ ሰባት ካብ ሞት ናብ ሕይወት፡ ካብ ጸልማት ናብ ብርሃን ዘሰጋግር ንሱ ካብ ቅድስት ድንግል ማርያም ብተዋሕዶ ፍጹም ሰብ ኮይኑ ዝተወልደ ካብ ሠለስቱ ኣካላት ሓደ ወልደ እግዚአብሔር ምዃኑ ኣረዲኡና። (ዮሐ ፩፥፩-፭/1፥1-5) በዚ ቃል መሠረት’ዚ ድማ ብርሃን ዝተባህለ ሥግው ቃል ወልደ እጓለእምሕያው ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ። ንሱ ብርሃን ዓለም እዩ። ናብዚ ብጸልማት ዲያብሎስን ክፉእ ግብሩን መግዛእቱን ዝጸልመተ ዓለም መጺኡ ምስ ኣብርሀ፤ ደቂ ሰባት ካብ ጸልማትን ድነ ሞትን ወጺኦም ብብርሃንን ሕይወትን ክመላለሱ ጀሚሮም። ብሃይማኖትን ብሰናይ ግብሪ ክጸንዑ፡ ጽድቅን ትሩፋትን ክሠርሑ ክኢሎም። ብርሃን ወንጌል ስለዝበርሃሎም፡ ተስፋ ገነት መንግሥተ ሰማያት ዝወርሱ ኮይኖም። ካብ ፍኖተ ጸገም ናብ ፍኖተ የማን ኣግሊሶም፤ ካብ ፍኖተ ጸልማት ወጺኦም ኣብ ፍኖተ ብርሃን ክመላለሱ ጀሚሮም።

መገዱ ከቅንዕ፡ ጸራጊ መገዱ ኮይኑ ቀቅድሚኡ ዝመጸ መጥምቀ መለኮት ቅዱስ ዮሐንስ’ውን፡ ብዛዕባ ብርሃን ክርስቶስ ክምስክር ዝመጸ ምዃኑ ቅዱስ ዮሐንስ ወንጌላዊ ተዛሪቡ ኣሎ። ኮይኑ ግና እቶም ናቱ ወገን፤ ትንቢቱ ዝፈልጡ ግና ኣይተቐበልዎን ነበሩ እሞ ብግብሪ ጸልማት ምምልላስ ቀጺሎም። እቶም ዝተቐበልዎ ግና ብርሃን ርእዮም፤ ሕይወት ረኺቦም ምስክርነቶም ይህቡ ነበሩ።  “እቲ ንነፍሲ ወከፍ ሰብ ዜብርህ ብርሃን ሓቂ ናብ ዓለም ይመጽእ ነበረ። ኣብ ዓለም ነበረ፡ ዓለምውን ብእኡ ዀነት፡ ዓለም ግና ኣይፈለጠቶም። ናብቶም ናቱ መጸ፡ እቶም ናቱ ኸኣ ኣይተቐበልዎን።” (ዮሐ ፩፥፯-፲፩/1፥7-11)። ግብሮም ብቐደሙ ኣብ ጸልማት ዝነበረን፡ ብግብሪ ጸልማት ክመላለሱ ዝፈተዉን ማኅበራተ ኣይሁድ ግና ናብቲ ብርሃን ምምጻእ ኣይፈተዉን። ነቶም ከም ኒቆዲሞስ ዝኣመሰሉ ናብ ብርሃን ክመጹ ንዝደልዩ ግና ናይ ብርሃን ቃልን ፍርድን ኣብርሃሎም። “ብርሃን ናይ ዓለም መጸ፡ ሰብ ግና፡ ግብሮም ክፉእ እዩ እሞ፡ ካብ ብርሃንሲ ጸልማት ፈተዉ። ክፉእ ዚገብር ዘበለ ብርሃን ይጸልእ እዩ እሞ፡ እቲ ግብሩ ምእንቲ ኸይዝለፍ፡ ናብ ብርሃን ኣይመጽእን። እቲ ሓቂ ዝገብር ግና፡ ብኣምላኽ እተገብረ እዩ እሞ፡ ግብሩ ምእንቲ ኪግለጽ፡ ናብ ብርሃን እዩ ዚመጽእ።” (ዮሐ ፫፥፲፱-፳፩/3፥19-21)

ብርሃን ምን ምዃኑ ኣጸቢቑ ዝፈለጠን፤ ብብርሃን ምምልላስ ዘለዎ ጸጋን ሕይወትን ዝጠዓመን ዘስተማቐረን ቅዱስ ዮሐንስ ወንጌላዊ ደጊሙ ብዛዕባ ብርሃን ከምዚ ይብለና። ወልደ እግዚአብሔር ወሃቤ ሕይወት ምዃኑ ድኅሪ ምግላጹ፡ እግዚአብሔር ብርሃን ከም ምዃኑ ንሕና’ውን ነዚ ብርሃን ክንስዕቦ፤ ካብ ጸልማት ወጺእና ሰናይ ግብሪ ክሕልወና ከምዝግባእ ይምዕደና። “እግዚኣብሔር ብርሃን ምዃኑን ኣብኡ ኸኣ ሓንቲ እኳ ጸልማት ከም ዜብሉን፡ እታ ኻብኡ ዝሰማዕናያ ንኣኻትኩምውን እንነግራ ዘሎና መልእኽቲ እዚኣ እያ። ምስኡ ኅብረት ኣሎና፡ ኢልናስ ኣብ ጸልማት እንተ ተመላለስና፡ ንሕሱ፡ ሓዊውን ኣይንገብርን ኢና ዘሎና። ከምቲ ንሱ ኣብ ብርሃን ዘሎ፡ ኣብ ብርሃን እንተ ተመላለስና ግና፡ ንሓድሕድና ሕብረት ኣሎና፡ ደም ኢየሱስ ክርስቶስ 
ወዱውን ካብ ኲሉ ሓጢኣት የንጽሃና እዩ።” (ቀዳማይ ዮሐ ፩፥፭-፯/1፥5-7 ቀዳማይ ዮሐ ፪፥፰-፱/2፥8-9)

ስለዚ ሕጉ ብርሃን ስለዝኾነ ፍቓዱን ትእዛዙን ምፍጻም ነዚ ኣማናዊ ብርሃን ዓለም ክንርእዮን ክንመላለሰሉን ዘኽእለና እዩ። ስለዝኣመንና ጥራይ ኣብ ብርሃን ኣሎና ክንብል ከምዘይንክእል እዩ ቅዱስ መጽሓፍ ዝነግረና። ብእምነት ጥራይ ዝደሓን ኣይኮነን። እምነትን ሰናይ ግብርን ኣወሃሂድና ምስ እንርከብ እምበር። ናይ ክልቲኡ ውህደት እዩ ብርሃን ዝህብ እምበር ሓዲኡ ጥራይ ሒዝካ ብርሃን ክትርእይ ዝከኣል ኣይኮነን። ነተን ኃሙሽተ ለባማትን፡ ኃሙሽተ ዓያሱ ደናግልን ምዝካር ኣዝዩ ክጠቕመና እዩ። ዘይቲ ምስ መብራህቲ ኣጣሚርካ ምጽናሕ እዩ ናብቲ ቤት መርዓዊ ከእትወና ዝኽእል። ብርሃን ከይሓዝና ምጽናሕ ካብ ወቐሳ ኣይደኅነናን እዩ። ( መዝ ፻፲፰፥፻፲፭/119፥115 ማቴ ፳፭፥፩-፲፪/25፥1-12)

እምበኣርከስ ብርሃን ንዝኾነን፡ ንኵሉ ዓለም ንዘብርህን ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ክንስዕብ እንተደኣ ኮይንና ብሃይማኖት ጸኒዕና፡ ፍቓዱ ምፍጻም ይግባእና ማለት እዩ። ንሱ ብርሃን ወሃቢ ብርሃን እዩ እሞ ነቲ ዝዓደለና ብርሃን ከነጸልምቶ ዘይኮነ ኣድሚቕና ከነብርሆ ይደሊ። ኣብ ብርሃን ብምምልላስናን፤ ፍቓዱ ብምፍጻምናን እዩ ድማ ናቱ ደቀ መዛሙርት ምዃንና እንፍለጥ። እንተዘይኮይኑ እቶም ብርሃኑ ከነብርህ ትጽቢት ተገይሩልና ዝኣመንናን ዝተጠመቕናን፡ ብጸልማት ተዋሒጥና እንተደኣ ተረኺብናሲ ናይ መን ክንብሃል ኢና፧! “ንስኻትኩም ብርሃን ዓለም ኢኹም። ኣብ ከረን ዘላ ኸተማ ኽትክወል ኣይከኣላን እዩ። መብራህቲ፡ ኣብ ቤት ንዘሎ ዅሉ ኼብርህ፡ ኣብ ቀዋሚ ቐንዴል ኪሰቕልዎ እምበር፡ ኣብ ትሕቲ ኸፈር ኬንብርዎ ኣየብርሁን እዮም። ከምኡ ኸኣ ነቲ ጽቡቕ ግብርኹም ርእዮም፡ ኣብ ሰማያት ንዘሎ ኣቦኹም ምእንቲ ኼመስግንዎ፡ ብርሃንኩም ኣብ ቅድሚ ሰብ ይብራህ። (ማቴ ፭፥፲፬-፲፮/5፥14-16)

ስለዚ ነቲ ኣብዚ ጸልማት ዓለም ንዘብርህ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ብፍጹምን ርቱዕን ሃይማኖት፡ ብሰናይ ግብሪ ካብ ልብና ክንስዕቦን ክንኣምኖን ይግባእ። ምስኡ ኣብ ብርሃን ምንባር ማለት ነቲ ብርሃን ዝኾነ ሕጉ ምሕላው፤ ፍቓዱ ምፍጻም ማለት እዩ። ኣብዚ መገዲ ምምልላስ ድማ ናይ ዘለዓለም ሕይወት ምርካብ ማለት እዩ። ኣብታ ንሱ ብርሃና ዝኾነን ጸልማት ዘይርከባን ሰማያዊት ኢየሩሳሌም ደብረ ጽዮን መንግሥተ ሰማያት ብምሕረቱ ምእታው ማለት እዩ። ንሱ ዘለዓለማዊ ዘይጥፍእ ብርሃን ስለዝኾነ ድማ እዩ ኣብ ጊዜ ልደቱ ኵሉ ነገር ብብርሃን ዝግለጽ ዝነበረ። ነቶም ሰብአ ሰገል ብርሃናዊ ኮኸብ መሪሑ ናብቲ ኣማናዊ ብርሃን ኣብጸሖም፤ እቲ ብስራተ ልደቱ ክነግሩን ብሓንሳብ ኮይኖም ከመስግኑ ዝተረኽቡ መላእኽት’ውን ብዙርያኦም ብርሃን ኣብርሀ። ምኽንያቱ ንሱ ጐይታ ብርሃን ዓለም ስለዝኾነ።

እምበኣርከስ “ሽዑ ኢየሱስ፡ ኣነ ብርሃን ዓለም እየ። እቲ ዚስዕበኒ ብርሃን ህይወት ኪረክብ እምበር፡ ብጸልማት ኣይኪኸይድን እዩ፡ ኢሉ ኸም ብሓድሽ ተዛረቦም።” ዝበሎ ቃላት ኣስተውዒልና፤ ነቲ ስሌና ክብል ንዝተወልደን ናባና ዝመጸን ብርሃን ከምቲ ዝግባእ ንስዓቦ። ካብ ግብሪ ጸልማት ርሒቕና ብርሃን ለቢስና ብርሃናዊ ግብሪ ንግበር። (ዮሐ ፰፥፲፪/8፥12) ብሓቂ ብስም ናይቲ ብርሃን ዓለም ዝኾነ ክርስቶስ ተጸዊዕና ክርስቲያን ዝብል ክቡር ስም ብግብሪ ክንዕቅቦ ኮይንና፤ ብርሃንና ናብ ዓለም ይብራህ። እንተዘይኮይኑ “እምበኣርሲ እቲ ኣባኻ ዘሎ ብርሃን ካብ ጸልመተ፡ ጸልማቱስ ክንደይ ዓብዪ ይኸውን።” ክበሃለልና እዩ። ስለዚ ናብቲ ብርሃን ዓለም ዝኾነ ክርስቶስ ኣምላኽና ንቕረብ እሞ ብብርሃን ንመላለስ።

ወስብሐት ለእግዚአብሔር
  

1 comment:

  1. May the Lord be always with you. Amen. Kale Hiywet Yesmealna.

    ReplyDelete