Friday, December 30, 2011

“አነ ውእቱ ኖላዊ ኄር” ዮሐ ፲፥፲፩

ትንቢት ነቢያትን ስብከት ሓዋርያትን


ኣብ ዘመነ ብሉይ፡ እግዚአብሔር ኣምላኽ ኣብ ነቢያቱ ሓዲሩ ቃል ምጽንናዕን ተስፋን በብጊዜኡን ይልእኽን የዛርብን እኳ እንተነበረ፤ እቶም ኣባጊዑስ ክጥርነፉን ብዝግባእ ክጓሰዩን ኣይከኣሉን ነበሩ። እቶም ክጓስዩሉ ዝመደቦም ካህናተ ኦሪት ድማ ንርእሶም ኣብ ከቢድ ድቀተ ምግባርን ምክፍፋልን ኣትዮም፡ ጽቡቕ ኣብነታዊ ተግባር ይሰኣኖም ስለዝነበረ፤ ሕዝበ እስራኤል ክስዕቦ ዝኽእል ጓሳ ክርእይ፡ ድምፁ’ውን ከለልዮ ዝኽእል ሓቀኛ መምህር ክረክብ ኣይከኣለን ነበረ። ሕዝቢ ዝኣልዮ ስኢኑ ግዳይ ቀቢጸ ተስፋን ምብትታንን ኮይኑ ከኣ ይሽገር ነበረ። ፈተውቲ ርእሶም፡ ክብርን ረብሓን ነፍሶም እምበር ስለ መጓሴኦም ግዲ ዘይብሎም ጓሶቱ ድማ መምሰልቲ እምበር ካብ ልቢ ዝምንጩ ሰናይ ግብሪ ዝረሓቖም እዮም ነይሮም። ሓሪዶም ክበልዕዎ፡ ሓሊቦም ክሰትዪዎ እምበር ከብልዕዎን ከስትዪዎን ኣይረኣዩን ነይሮም። ስለዚ’ውን ነቶም ጓሶት ሕዝቡ ገይሩ ዝመደቦም መራሕትን ካህናት ኣብ ነቢያት ሓዲሩ ኣትሪሩ ወቒስዎም ነይሩ። (ሕዝ ፴፬/34 ዘካ ፲፩፥፲/11፥10) እቲ ሕዝቢ ድማ ብኃጢኣት ምስ ዝወድቕ ዝሕክሞ፤ ምስ ዝስበር ዝጽግኖ፤ ምስ ዘደኽም ዘበርትዖ፤ ምስ ዝሓምም ዝፍውሶ፤ ምስ ዝሓዝን ዘጸናንዖ ሓቀኛ ጓሳ እምበር፡ አስራቱን በኵራቱን እናበልዐ፡ ብስምን ብሕግን እግዚአብሔር እናመኽነየ ዝሽቕጠሉ ይደልይ ስለዘይነበረ፡ ናብ እግዚአብሔር ካብ ምምልካት ዓዲ ኣይወዓለን ነይሩ።


ነቢያተ እግዚአብሔር ብዛዕባ እቲ ዝመጽእ ሓቀኛ ጓሳ ነቲ ሕዝቢ ብምሳሌን ትንቢት ይነግርዎን፤ ተስፋ ይህብዎን ከኣ ነበሩ። “ኦ ጓሳ እስራኤል፡ ጽን በል። ንዮሴፍ ከም መጓሰ እትመርሖ፡ ኣታ ኣብ ልዕሊ ኪሩቤት እትቕመጥ፡ በሪህካ ተገለጽ። (መዝ ፸፱፥፩/80:1) ብምባል እቲ ጓሳ ክግለጽ፤ ክውለድ ቅዱስ ዳዊት ጸሎቱን ትንቢቱን ኣቕሪቡ ነይሩ። “እግዚአብሔር ጓሳይየይ እዩ፡ ዚጐድለኒ የብለይን።” መዝ ፳፪፥፩ (23፥1) “እንሆ፡ እቲ ንእስራኤል ዚሕሉ ኣይታኽስን ኣይድቅስን እዩ።” (መዝ ፻፳፥፬/ 121:4) እናበለ ኣብ ኣምላኽ ዝነበሮ ተስፋ ይገልጽ ነበረ። ልዑለ ቃል ኢሳይያስ’ውን “ንመጓሲኡ ኸም ጓሳ ኼውፍር፡ ንዕያውቱ ኣብ ቅልጽሙ ኺእክብ ኣብ ሕቚፉ ኸኣ ኪስከሞም፡ ነተን ዜጥብዋ ድማ ብህድኣት ኪመርሔን እዩ።” (ኢሳ ፵፥፲፩/40፥11) ብምባል ተነቢዩ ነበረ። ከምኡ’ውን በቶም ጓሶት እስራኤል ፈጺሙ ዘይተሓጐሰ እግዚአብሔር “ስለዚ እግዚአብሔር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ እኔኹ ኣነ ባዕለይ፡ ኣነ ነተን ኣባጊዔይ ክኣልየንን ክደልየንን እየ።” ብምባል ባዕሉ መጺኡ ከምዝጓስየን ኣብ ሕዝቅኤል ሓዲሩ ተዛሪቡ ነይሩ።


ኮይኑ ድማ እቲ ካብ ኣዳም ጀሚሩ ዘቋጸሮ ጊዜ ምስ ኣኸለ ግና ጐይታ ባዕሉ ተወሊዱ ንሕዝቡ ጓሰየ። ብነቢያት ዝተነግረሉ ርኅሩኅን ሕያዋይን ጓሳ፤ ከምቶም ቅድሚኡ ዝነበሩ ሰረቕትን ጓሓሉትን ዘይኮነሲ፡ ሕይወቱ በጃ ኣባጊዑ ዘኅልፍ ሓቀኛ ጓሳ ንሱ ባዕሉ ምዃኑ ኣግሃደ። ወልደ እግዚአብሔር ፍጹም ሥጋ ለቢሱ ነቲ ምስ ምንዋሕ ጊዜ ኣብ ቀቢጸ ተስፋ ኣትዩ ይብተን ንዝነበረ ወዲ ሰብ ኣኪቡን ጓስዩን ናብ ሓደ ደምበ ኣምጽኦ። (ዮሐ ፲፥፩-፲፰/10፥1-18 ማር ፲፬፥፳፯/14፥27) እቲ ሕያዋይ ጓሳና ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ። ቅዱሳን ሓዋርያት’ውን ዝኣከቦም ጓሳ ብዝግባእ ኣለልዮምን ተጓሲዮምን፡ ጓሳ ኲሉ ሕዝቢ ንሱ ጐይታ ምዃኑ ብዛዕብኡ መስከሩ። “ከም እተባረራ ኣባጊዕ ኔርኩም ኢኹም እሞ፡ ሕጂ ግና ናብቲ ጓሳኹምን ሓላው ነፍሳትኩምን ተመሊስኩም ኣሎኹም።” (ቀዳማይ ጴጥ ፪፥፳፭/2:25 ዕብ ፲፫፥፳/13፥20) ስለዚ ብነቢያት ንዝተነግረ ቃል መሠረት ገይርና፡ ብጐይታ ንዝተመሃርናዮን ንዝተገብረልናን ኣሚንና ተቐቢልና፡ ብሓዋርያት ንዝተሰብከና ስብከት ሰሚዕና፡ ሎሚ’ውን ኖላዊነ ኄር እናበልና ከነመስግኖ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ሥርዓት ገይራትልና ኣላ።

ጓሶትን ኣባጊዕን 

ኣብ ቅዱስ መጽሓፍ ጓሳ ዝብል ቃል ምእመናን ንኸመሓድሩን ንኽመርሑን ኣብ ልዕሊኦም ዝስየሙ መራሕቲ ዘምልከት እዩ። ኣባጊዕ ወይውን ተሓለውቲ ድማ ምእመናን ወይውን ናይ እግዚአብሔር ሕዝቢ ምንባሮም ክንርዳእ ንኽእል። (ቀዳማይ ዜና ፳፩፥፲፯/21፥17 ሕዝ ፴፬/ 34)። ቅዱስ ዳዊት ከምኡውን ነቢይ ኢሳይያስ ንእግዚአብሔር ብጓሳ፡ ንእስራኤል ድማ ብኣባጊዕ መሲሎም ተዛሪቦም እዮም። (መዝ ፳፪፥፩/23፥1 መዝ ፸፱፥፩/80፥1 ኢሳ ፵፥፲-፲፩/40፥10-11) ብርግጽ ድማ ልዑል እግዚአብሔር ጓሳና፡ ሓላዊና እዩ። ናቱ ኣርኣያን ምሳሌን ብምውሳድ መራሕትን ነቢያትን ብሉይ ኪዳን ጓሶት ተባሂሎም ይጽውዑ ከምዝነበሩ፡ ሓዋርያት ሓዲስ ኪዳንን፡ ካብ ዘመን ናብ ዘመን ድማ ኣብ ክንዲ ሓዋርያት ዝተሾሙን ኅድሪ ዝተቐበሉን ኣዕይንተ እግዚአብሔር ካህናት ድማ ጓሶትና ኢልና ንጽውዖም። ምኽንያቱ ጐይታ ንሓዋርያትን ኣብ ክንዲኦም ዝሽየሙ ንዘበሉን ኵሎም ክሳዕ ሕልቀተ ዓለም ምሳኻትኩም እየ ብምባል ተዛሪቡ እዩ።

እቲ ቀዳማይ ሥራሕ ወይውን ሓላፍነት ኖላዊ (ጓሳ) መጋቢትነት እዩ። መጋቢ ማለት ድማ ብዝቐለለ ኣገላልጻ ኣመሓዳሪ፡ ኣናባሪ፡ ሓላዊ ማለት እዩ እምበር ዋና ወይውን ወናኒ ማለት ኣይኮነን። ቅዱስ ጳውሎስ ነዚ ከረድእ ከሎ “ከምኡ’ኸ ሰብ ንኣና ኸም ኣገልገልቲ ክርስቶስን ከም መገብቲ ምሥጢር ኣምላኽን ደኣ ይቚጸሩና። ምስናይ እዚ ኻብ መገብቲ ነፍሲ ወከፍ እሙን ኰይኑ ኺርከብ የድሊ እዩ።” (ቀዳማይ ቆሮ ፬፥፩-፪/4፥1-2) ይብል። እቲ ዋና እቲ እግዚአብሔር ክኸውን ከሎ፡ እቶም ኖሎት ግና እቶም መገብቲ ወይውን ሕድሪ ተቐበልቲ እዮም። እግዚአብሔር ወሃቢ፡ ጓሶት ድማ ተቐበልቲ እዮም። እግዚአብሔር ጐይታ ክኸውን ከሎ፡ ሰብ ግና ኣገልጋልን ተገልጋልን እዩ። ስለዚ ኸኣ እቲ ጓሳ ትሕቲ እቲ ዋና ኮይኑ፡ ነቶም ጥሪት ዋና ዝሕሉ ዝከናኸን፤ ብፍቓድ ጐይትኡ ብዝበሎ ዝኣትውን ዝወጽእን እምበር ብርእሱ መገዲ ዝኸይድ ወይውን ነቲ ካብቶም ጥሪት ዘትርፎ ዘበለ ንናቱ ረብሓ ጥራይ ዝጥቀም ኣይኮነን።

ዓስቢ ንፉዕን ሕማቕን ጓሳን

ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ከም ናይ እግዚአብሔር ቤት ክልተ ሕድሪ ተቐቢላ እያ። ምምሃርን ምምጋብን። (ማቴ ፳፰፥፲፱/28፥19 ዮሐ ፳፩፥፲፭/21፥15) እዚ ድማ ኪዱ መሃሩ ዝብልን፡ ኣባጊዐይ ሓልዉ ዝብልን እዩ። እዘን ቃላት ኣብ ነፍስ ወከፋ ጓሶት ቤተ ክርስቲያን ተቐሪጾም ክህልዉ ዝግብኦም እዮም። እንተዘይኮይኑ ስሞም ምስ ግብሮም፤ ግብሮም ድማ ምስ ስሞም ኣይከይድን ኣሎ ማለት እዩ።

ካህናት ኖሎት፡ ምእመናን ድማ ኣባጊዕ ዘበሎም እቲ ቀንዲ ምኽንያት ካህናት ሕድርን ሥልጣንን ካብ ጐይታ ተቐቢሎም ብአርአያን ምሳሌን ክርስቶስ ዝምህሩ ዝምግቡ ስለዝኾነ እዩ። ምኽንያቱሲ ጐይታ ሓላዊ ሓለውቲ ስለዝኾነ። “ነቲ ምሳኻትኩም ዘሎ መጓሰ ኣምላኽ ጓስይዎ፡ ብፍታው ከም ፍቓድ ኣምላኽ እምበር፡ ብግዲ ኣይኹን፡ ብታሕጓስ እምበር፡ ምእንቲ ኸንቱ ረብሓውን ኣይኹን፡ ነቲ መጓሰ ኣርኣያ እናዀንኩምዎ እምበር፡ ኣብተን ማሕበራት ከም ጐይተት ኣይትኹኑ። እቲ ሓለቓ ጓሶት ምስ ተገልጸ ድማ፡ ዘይጽምሉ ኣኽሊል ክብሪ ኽትቅበሉ ኢኹም።  (ዮሐ ፲፥፲፬/10፥14 ቀዳማይ ጴጥ ፭፥፬/5፥4) እምበኣርከስ ነቲ ዝተቐበልዎ ሕድሪ ሓልዮም ከም ፍቓድን ፍትወትን እግዚአብሔር ንኣባጊዑ ዝጓስዩን ዝምግቡን፤ ካብቲ ናይ ውልቆም ረብሓን ክብርን፡ ረብሓ ምእመናን ኣቐዲሞም ንዝደኽሙን ንዝጽዕሩን፤ ሰጐጒቲ ኣባጊዕ ዘይኮኑ ኣብነታውያን ኮይኖም ዝመርሑን ዝኣልዩን ካብቲ ሊቀ ኖሎት ዝኾኑ ጐይታ ዘለዓለም ዘይምርት ኣኽሊል ኽብሪ ክረኽቡ እዮም። ስለዚ እዩ ድማ ነዚ ተኸቲሉ ሊቀ ሐዋርያት ቅዱስ ጴጥሮስ “ነፍሲ ወከፍ ከምቲ እተቐበሎ ውህበት ጸጋ፡ ከም ሕያዎት መገብቲ ናይቲ ብዙኅ ዝዓይነቱ ጸጋ ኣምላኽ ንሓድሕድኩም ኣገልግሉ።” ብምባል ነቶም ኖሎት ዝተሰየሙ ኣገልገልቱ ትምህርቲ ዝሃቦም። (ቀዳማይ ጴጥ ፬፥፲/4፥10)

ብሓቂ ድማ ጓሶት ካህናት በቲ ዝተዋህቦም ጸጋን ሥልጣንን ብዝግባእ ተጠቒሞም ብትግሃትን ጥበብን ናይ መግቦት ሥራሕ እንተደኣ ሠሪሖም ከምቲ ንገብርሔር “እቲ ጐይታኡ፡ ሕራይ፡ ኣታ ሕያዋይ፡ እሙን ባርያ፡ ብሒደት ተኣሚንካ ኢኻ እሞ፡ ኣብ ብዙኅ ክሸመካ እየ፡ ናብ ሓጐስ ጐይታኻ እቶ፡ በሎ።” ዝበሎ ንዓዓቶም’ውን ከስምዖምን ርስቲ መንግሥተ ሰማያት ከውርሶምን እዩ። እዚ ምስ ዘይከውን ድማ “ነዚ ዘይጠቅም ባርያ ግና ኣብ ናይ ወጻኢ ጸልማት ደርብይዎ። ኣብኡ ብኽያትን ምሕርቃም ኣስናንን ኪኸውን እዩ።” ዝብል ጽኑዕን ዘፍርህን ፍርዲ ክስዕብ እዩ። (ማቴ ፳፭፥፲፭-፴/ማቴ 25፥15-30) ብኻልእ’ውን “እቲ ፍቓድ ጐይታኡ ፈሊጡ ዘይተዳለወ፡ ከምታ ፍቓዱውን ዘይገበረ ባርያ ብዙኅ መግረፍቲ ኺግረፍ እዩ።” ኢሉ የጠንቅቐና ኣሎ። ስለዚ ሊቀ ኖሎት ኢየሱስ ክርስቶስ  “እቲ ሕያዋይ ጓሳ ኣነ እየ። እቲ ሕያዋይ ጓሳ ሕይወቱ በጃ ኣባጊዑ የሕልፋ።” ዮሐ ፲፥፲፩/10፥11 ከምዝበለ፡ ኖሎት ካህናት ድማ ነቲ መጋቤ ካህናት ሰያሜ ካህናት ዝኾነ ክርስቶስ ኣብነቱ ክስዕቡ ይግባእ።


ጓሳ ክንብል ከሎና እቶም ዝጓሰዩ መጓሰ’ውን ብሓንሳብ ዝዝከሩን ዝጽውዑን እዮም። ብዘይ ኣባጊዕ ወይውን ጥሪት ጓሳ ኢልና ክንጽውዕ ዝከኣል ኣይኮነን። ስለዚ ጓሳ ክንብል ከሎና ብፍላይ ምስቲ ተዛማዲ ምሳሌነቱ ናይቶም ኣባጊዕ ነገር ግድን ይለዓል እዩ። ጥቕምን ኣገልግሎትን ናይቶም ኣባጊዕ ድማ ብመጠን መንፍዓትን ትግሃትን ናይቲ ሓላዊኦም ዝውሰን እዩ። እቲ ጓሳ ንቕሑን ትግሁን ኮይኑ፡ ስለ ኣባጊዑ እምብዛ ዝግደስ እንተደኣ ኮይኑ፡ ድኻሙ ከይጸብጸበን ከይሰልከዮን ነቶም ኣባጊዑ ናብ ዝለምለመ ሳዕርን ጽሩይ ማይን የውዕለን። ኣራዊት ከይረኽቦም፡ ሰራቒ ከይዘምቶም፡ ናብ ጸድፊ’ውን ከይኣትዉ ተጊሁን ነቒሑን ይሕልዎም። ኣብ ክንድኦም ድማ ኵሉ ዘድሊ መሥዋዕቲ ይኸፍል። ከምኡ ምስዚ ዝገብር ድማ እቶም ኣባጊዕ ይሰብሑ ብዝያዳ ይፋረዩ፤ ብሓፈሻ ዝህብዎ ጥቕሚ ካብ ትጽቢቱ ንላዕሊ ዝተዓጻጸፈ ይኸውን። ብኣንጻሩ ግና ነቶም ኣባጊዕ ዘድሊ ክንክን ምስ ዘይገብረሎም እቲ ውጽኢት’ውን ብኣንጻሩ እዩ ዝኸውን። ኵነታት መጓሰ ብምርኣይ ድማ ናይቲ ጓሳ ኣተሓሕዛ ብቐሊሉ ምግማት ዘይከኣል ኣይኮነን።

ነቢይ ሕዝቅኤል ብዛዕባ ሰናፋት ጓሶትን ኣባጊዖምን ክዛረብ ከሎ “ኣታ ወዲ ሰብ፡ ኣብቶም ጓሶት እስራኤል ተነበ፡ ነቶም ጓሶት ተነበየሎም፡ እግዚኣብሔር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ኢልካውን ንገሮም፡ ነቶም ንርእሶም ጥራይ ዚጓስዩ ጓሶት እስራኤል ወይለኦም። እቶም ጓሶትሲ ነተን ኣባጊዕዶ ኣይኰኑን ዚጓስዩ? ነቲ ስቡሕ ትበልዑ፡ ጸምሪ ትኽደኑ፡ ነቲ ዝሰብሔ ትሐርዱ፡ ነቲ መጓሰ ግና ኣይትኣልዩን። ንዝሐመቓ ኣየበርታዕኩምን፡ ንዝሐመመት ኣይፈወስኩምን፡ ንተሰብረት ኣይዘነንኩምን፡ ንተባረረት ኣይመለስኩምን፡ ንዝጠፍኤት ኣይደሌኹምን፡ ብሓይልን ብትርን ደኣ ገዛእኩምወን። ጓሳ ስለ ዘይነበረን ፋሕ በላ፡ ንዅሎም ኣራዊት መሮር ከኣ ብልዒ ዀና፡ ፈሕውን በላ። ኣባጊዔይ ኣብ ኲሉ ኣኽራንን ኣብ ኲሉ ነነዋሕቲ ዅርባታትን ተባረራ፡ ኣብ ኲሉ ዝባን ዝባን ምድሪ ፋሕ በላ፡ ግደን ዚገብርን ዚደልየንን ከኣ የልቦን።” ይብል። (ሕዝ ፴፬፥፫-፯/34፥3-7)

ከምቲ እዚ እግዚአብሔር ዘዛረቦ ነቢይ’ዚ ዝብሎ፡ ክንክን ዘይግበረሎም ኣባጊዕ ክበታተኑን፡ ሲሳይ ኣራዊትን ቀለብ ሰረቕቲን ስለዝኾኑ ነቲ ዋና ዘበርኽትዎ ረብሓ የብሎምን። እምበኣርከስ እቶም ኣባጊዕ ናይ ምእመናን ምሳሌ፡ እቶም ጓሶት ድማ ናይ መምህራን ምሳሌ እዮም። በብጊዜኡ ኣብ ሰፊሕ መዋዕልን ታሪኽን ቤተ ክርስቲያን በብዘመኑ ዝትንሥኡ መምህራን፤ ካህናት፤ ጳጳሳት … ስሞም እምበር ግብሮም ሓደ ኣይኮነን። ውሑዳት ዘይኮኑ ንኡዳትን ሓቀይናታትን መምህራን፡ ምእመናን ንምምሃርን ንምምዓድን ካብ ገቢረ ኃጢኣት ናብ ገቢረ ጽድቅ፤ ካብ ፍኖተ ጸጋም ናብ ፍኖተ የማን ክመልሱ ክትግሁን ካብ ክሕደትን ኑፋቄን ክሕልዉ ከለዉ፡ ብኣንጻሩ ድማ ካልኦት … ዘለስም ጥራይ ኮይኖም ይተርፉ። ምእመናን ብመምህራን ቀጻሊ ምክትታልን ምጕሳይን እንተዘይረኺቦም፡ ካብ ክሕደትን ኑፋቄን ከምኡውን ካብ መገዲ ጸጋም ክርሕቑ ምጽጋሞም ኣይክተርፍን እዩ።

ለበዋ
ከምቲ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ንኣባጊዑ ምእመናን ከምዝፈልጦምን፡ እቶም ኣባጊዑ ድማ ከምዝፈልጥዎን፡ ንስለ ኣባጊዑ’ውን ርእሱ ኣኅሊፉ ከምዝህብ ከም እተዛረቦ፤ መምህራን’ውን ነቶም ዝምህርዎም ምእመናን ምፍላጥን ብትምህርተ ሃይማኖት ምዅስዃስን ምሕላውን ይግብኦም።

ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ኵሉ ስድራ ብዝግባእ ዝጓሰየሉ ሥርዓት መምህራነ ንስሐ  ዘርጊሐ እያ። እዞም ጓሶት ምእመናን እንተደኣ ነፊዖም ኵሉ ቤት ስለዝሕሎ ኵሎም ምእመናን ብዝግባእ ተዓቂቦም ኣለዉ ማለት እዩ። ጓሶት መምህራነ ንስሓ ነቶም ናይ መንፈስ ደቆም ብዝግባእ ናይ ምክትታልን ናይ ምቝጽጻርን ኃላፍነት ኣለዎም። ከምቲ ክርስቶስ ኣብነት ዝገደፈልና ስለ ኣባጊዖም ክብሉ እኳ መከራ ክቕበሉ ይግብኦም።  ናይ ምእመናን ብሃይማኖት ምንዋጽ፡ ካብ ሰናይ ምግባር ምንድልሃጽ፡ ዘየሕዝኖም ዘይስቖሮም መምህራን ክህሉዉ ኣይግባእን እዩ። መምህራን ነቒሖም እንተዘይምሂሮም፡ ምእመናን’ውን እንተዘይተማሂሮም ትምህርተ ወንጌል ክሰፍሕ፡ ክሕደት ኑፋቄ ክጠፍእ ፈጺሙ ኣይከኣልን እዩ። ጸጉሪ በጊዕ ብዝተኸድኑ ተዃሉን ብካልኦት ተጻብእትን ተጠቒዑ ፋሕ ብትን ከይኣትዎ፡ ነቲ መጓሰ ተጊሆምን ተጠንቂቖምን ክሕልዉ ከምዝግባእ ጐይታ ኣጠንቂቑ እዩ። ሓዋርያት ናይ እሙናት ጓሶት ኣብነት እዮም። ነቲ ዝተዋህቦም ሕድርን ለበዋን ብዝግባእ ተቐቢሎም ንመጓሴኦም ካብ ተዃሉ ሓልዮምን ኣልዮምን ሕይወቶም በጃ መጓሰኦም ወፍዮም እዮም ዛዚሞም። ኣይኮነን ኣፉ ሃህ ኣቢሉ ከምዝጓዝም ኣንበሳ ንሰብ ከጋግይን፡ ኣብ ናይ ኃጢኣት ጭቃ ቆምጣዕጣዕ ከብሎን ኣዕሪፉ ዘይፈልጥ ሰይጣን ምስ ሰዓብቱ ከይዕወት፡ ብርታዐ ዕጥቅን ብልሕን ናይቶም ጓሶት ሰብ ዝኾኑ መምህራን ካብ ዝኾነ ይኹን ጊዜ ብዝበለጸን ብዝረቐቐን መገዲ ክኅይል ኣለዎ።

ርክብን ዝምድና ኣባጊዕን እቶም ጓሶትን ጥቡቕን ዱልድልን እንተኾይኑ፡ ሰራቒ ክኣትዎም ኣይክእልን እዩ። ምእመናን ብዝግባእ እንተተጓስዮም ድማ ሕጊ እግዚአብሔር እናዓቀቡ፡ ነቶም መምህራን ጥራይ ዘይኮነስ እንተላይ ንቤተ ክርስቲያን ብጉልበቶም፡ ብፍልጠቶም፡ ብገንዘቦም፡ ብሕይወቶም ከበርክቱን ክሕግዙን ከርብሑን ይኽእሉ። ናይቲ ትጉህ ጓሳ ሞያ፡ ነቶም ኣባጊዕ ካብ ሰራቒ ምሕላው፡ ነቶም ኣባጊዑ ምፍራይ ምስባሕ ከምዝኾነ፤ ናይ መምህራን ተግባር ድማ ምእመናን ብምስትምሃር ብምምካር ካብ ክሕደት ካብ ኑፋቄ ምሕላው፤ ብሃይማኖትን ሰናይ ግብርን ከምዝጸንዑ ምግባር፤ ምእመናን ንቤተ ክርስቲያን ዘቕርብዎ መንፈሳዊ ኣገልግሎት ምኅያል ምዃኑ ኵላትና ዘይንስሕቶ ሓቂ እዩ።

እቶም መምህራን ዝተባህለናን፤ ናይ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብነት ወሲድና ጓሶት ክንከውን ዝተሰመናን ኵልና ሎሚ ከመይ ኣሎና? እቶም ኣባጊዕና’ከ ደሃዮም ከመይ ኣሎ? ባዕሉ ሊቀ ኖሎት ክርስቶስ ይሓልወና።

ስብሐት ለእግዚአብሔር ወለወላዲቱ ድንግል ወለመስቀሉ ክቡር።

2 comments:

  1. እሜን ! ቃለ ህይወት የስምኣአልና ዞም አሕዋትይ!

    ReplyDelete
  2. betam tiru new wondemochachin gin bamaregna (amharic) betechemari binor tiru new

    ReplyDelete