Friday, January 27, 2012

ቀርነ መድኃኒት - ቀርነ ሕይወት

ትርጉም ቀርኒ

ጽኑዕ ተሪር ደረቕ ከም ዓጽቅ ኮይኑ ኣብ ልዕሊ ርእሲ እንስሳት ዝወጽእ፡ ዝበቝል፡ ዝዓቢ፡ ዝነውሕ፡ ብዝበዘኀ ጠዋይ ኣጽማዊ ዝኾነ ኣካል እዩ። (አለቃ ኪዳነ ወልድ ክፍሌ) ቀርኒ ብዝተፈላለዩ ቋንቋታት ዓለም ተመሳሳሊን ተወራራሲን ስያመ ሒዙ ይርከብ። ቀርን፡ (ቀረነ) ቀንድ፡ ቄሬን፡ ቀርን፡ ቃርና፡ cornu፡ horn፡ corne ድማ ይብል።

ቀርኒ ነቶም ኣብ ርእሶም ዝርከብ እንስሳታት ንዝተፈላለየ ነገር ከምዝጠቕሞም ርዱእ ኮይኑ ብቀንዱ ግና ነቶም ዝጻብእዎም ጸላእቲ ንምውጋእን ንምርሓቕን ዘገልግሎም እዩ። ደቂ ሰባት’ውን ካብቶም ቀዳሞት ኣበው ኣትሒዞም፤ ናይ ዝተፈላለዩ እንስሳታት ቀርኒ ንዝተፈላለየ ዕላማ ይጥቀሙሉ ምንባሮም ዝተፈልጠ እዩ፦ ንምሳሌ ቀርነ መለከት።  ኣብ ቅዱስ መጽሓፍ’ውን ቀርኒ ዝብል ቃል ካብ መጽሓፍተ ኦሪት ክሳብ ራእየ ዮሐንስ ዝተጠቕሰ ኮይኑ ከከም ኣገባቡ ብዝተፈላለየ ትርጉም ዝትርጐምን ምሳሌ ዝህብን እዩ። ቀርኒ ኣብ ዝተፈላለየ ንባብ ናይ ኃይሊ፡ ጽንዓት፡ ሥልጣን፡ ልዕልና፡ ኽብሪ፡ ንጉሥ፡ መስፍን ወቦ ዘተርፈ ምሳሌ ኮይኑ ይጥቐስ። ኣብ ሥርዓተ ኣምልኾተ እግዚአብሔር’ውን ከም ሓደ ንዋይ ኣብ ኣገልግሎት ይውዕል ነበረ። ንምሳሌ ቀርነ ቅብዕ። ምሳሌን መልእኽቲ ብዘለዎን ኣገባብ ድማ ኣብ መርዓ ዲያቆናት፤ ቀርኒ ከም መዐጀቢ ኮይኑ የገልግል። ካብኡ ብዝተፈለየን ብዝዓበየን ትርጉሙ ድማ ብቀርነ መድኃኒት ናይ ዝተመሰለ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ምሳሌ ኮይኑ ትንቢት ተነጊሩሉ ዝነበረ እዩ።  እምበኣር ንሎሚ ካብ ነገረ ቀርን ንቀርነ መድኃኒ ማእከል ብምግባር ንገለ ውሑድ ምሳሌታት ቀርን ክንርኢ ኢና።

እግዚአብሔር ጥበቡን ምስትውዓሉን ይዓድለና።
ቀርነ ቅብእ

ቀርኒ ኣብ ዘመነ ብሉይ፡ ኣብታ እግዚአብሔር ማኅደሪኡ ክትከውን ኣብ ዝተኃርየትን ዝተቐደሰትን ደብተራ ኦሪት ኣብ ናይ ምቅባእ ምብራኽን ምስያምን ኣገልግሎት ይውዕል ነበረ። በዚ መሠረት ከኣ ንዋያተ ቅዱሳት ቅድሚ ናብ ኣገልግሎት እታ ናይ እግዚአብሔር መቕደስ ምእታዎምን ኣገልግሎቶም ቅድሚ ምጅማሮን ብቀርነ ቅብእ ተቐቢኦም ይኸብሩ (ይቕደሱን) ነበሩ። ኣገልገልትን እግዚአብሔር’ውን ብቀርነ ቀብዕ ተቐቢኦም ንኣገልግሎት እግዚአብሔር ይፍለዩን ይባረኹን ነበሩ። ኣመንቲ እግዚአብሔ’ውን ነቶም በዚ ቅዱስ ቅብኢ ንዝተባረኹ ንዋያት ምስ ዝትንክፉ፡ ይባረኹን ይቕደሱን ምንባሮም ቅዱስ መጽሓፍ ይነግረና። ካብኡ ሓሊፉ’ውን መራሕትን ነገሥታትን ተቐቢኦም ዝነግሥሉ ሥርዓት ኣብ ቀርኒ ብዝምላእ ቅዱስ ቅብኢ ይፍጸም ነበረ። በዚ መሠረት እዚ ኸኣ ነይሮም ቤተ ሌዊ ንክህነት ብቅብአ ክህነት፡ ቤተ ይሁዳ ድማ ንመንግሥትነት ብቅብአ ንግሥነት እናተቐብኡ ናብዚ ክብሪ ዝበቕዑን ዝድይቡን ዝነበሩ። እምበኣር ቀርነ ቅብዕ ካብ ዘመነ ብሉይ ኪዳን ጀሚሩ ምስ ተቐብኦ ኣገልግልትን መራሕትን ዝተኣሳሰረ ኮይኑ ይርከብ። (ዘሌ ፰፥፲፭ ቀዳማይ ሳሙ ፪፥፲ መዝ ፺፪፥፲ መዝ ፻፴፪፥፲፯) ኣብቲ ሥርዓተ መሥዋዕት’ውን ቀርኒ ኣገልግሎት ነበሮ። ኣብ ኣርባዕተ መኣዝን ናይቲ መሰውኢ፡ ኣቕርንቲ መሰውኢ ዚብሃል ነበረ እቲ ደም መስዋእቲ ኸኣ ኣብቲ ኣቕርንቲ ይልከ ነበረ (ዘጸ.፳፱፥፲፪ ዘሌ.፬፥፯)

እቲ ቅዱስ ቅብኢ ድማ ዝተፈላለየ መኣዛ ካብ ዝህቡ ኣትክልትን ዕጽዋት ተጸሚቑን ተቓሚሙን ዝዳሎን ብፍሉይ ጸሎት ንመንፈሳዊ ኣገልገልት ዝውዕል እዩ፤ እቲ ቅዱስ ቅብኢ ብኸመይ ኣገባብ ክፍጸም ከምዘለዎ ርእሱ ዝኸኣለ ሥርዓት ዝነበሮ እዩ።  (ዘጸ ፳፰፥፵፩ ዘጸ ፳፱፥፯ ዘጸ ፴፥፪-፲ ዘሌ ፬፥፫ ዘሌ ፰፥፪ ፴፥፳፪-፳፫ ዘሌ ፱፥፱ ቀዳማይ ሳሙ ፱፥፲፮ ቀዳማይ ሳሙ ፲፥፩ ቀዳማይ ሳሙ ፲፮፥፩ ቀዳማይ ነገ ፲፱፥ ቀዳማይ ነገ ፩፥፴፬) ነዚ ቅብኢ ዝተቐብኡ ድማ ሕዝቢ ንምግልጋልን ንምምራሕን፦ ምስትውዓሉን፡ ጥበቡን፡ ኃይሉን፡ ጸግኡን ካብ እግዚአብሔር ይረኽቡ ነበሩ። ነዚ ጸጋ ዝረኸቡ ድማ ካብ እግዚአብሔር እናተኣዘዙን ቃሉ እናኸብሩ ትእዛዙን ፍቓዱን የፈጽሙ ነበሩ። እምበኣር እቲ ቅዱስ ቅብዒ ኣብቲ ቀርኒ ብምቕማጥን ካብኡ ብምፍስሳን እዩ ኣገልግሎቱ ዝህብ ዝነበረ። ኣብ ሓዲስ ኪዳን ድማ ኣብ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ካብ ሓዋርያት ጀሚሩ ንዝሰፈሐ ኣገልግሎት ኣብ ጥቕሚ ይውዕል ኣሎ። ምሥጢራተ ቤተ ክርስቲያን ይፍጽመሉ፤ ሀብትን ፈውስን መንፈስ ቅዱስ ድማ ይወሃበሉ (ካልኣይ ቆሮ ፩፥፳፩-፳፪ ቀዳማይ ዮሐ ፪፥፳)

ካብ ጥንቲ እቶም እግዚአብሔር ንሲመትን ኣገልግሎትን ዘይመረጾም ሰባት ምስ ዝኾኑ እቲ ቀርኒ ኣይኽፈትን ኣይፈልሕን ነበረ። ንምሳሌ ነቢየ እግዚአብሔር ሳሙኤል ኣብ ቅድሚኡ ኣኅዋት ዳዊት ነቲ ቀርነ ቅብእ ምስ ቀረቦ ክኽፈት ኣይከኣለን ነበረ። ዳኅራይ ግና ቅዱስ ዳዊት ገና ኣብቲ ሳሙኤል ዘለዎ ከይቀረበ ከሎ እቲ ቀርነ ቅብዕ ከምዝተኸፍተን ኣብ ርእሱ ከምዝፈሰሰን ንግሥነት ከምዝረኸበን ተገሊጹ ኣሎ። ብኸምዚ ኣገባብ ድማ እግዚአብሔር ዝኃረዮ ሰብ ይፍለጥ ነበረ። በዚ ቅብኢ ንዝተሰየመ ሰብ ዘየኽብር፡ ዘይእዘዝ ድማ ንእግዚአብሔር ከምዘይምእዛዝ ነበረ፤ ሰብ ብገዛእ ርእሱ ብድፍረት ንቅቡእ ሰብ ምስ ዝትንክፎ ከቢድ መቕጻዕቲ ይስዕቦ ከኣ ነበረ። ኣብ ሓዲስ ኪዳን ድማ ብዝያዳ ክብረት ዘለዎ እዩ።

እምበኣር ብኸምዚ ኣገባብ ብዝፍጸም ሥርዓት ቀርኒ ናይ ሥልጣን፡ ሲመት፡ ክብሪ፡ ትእምርቲ ንክህነትን ንግሥነትን ናይ ዝምረጹ ሰባት ኣምሳልን ምልክትን ኮይኑ ይግለጽ። ኮይኑ ድማ ኣብቲ ቅብአ ቀርን ሓዲሩ ክብርን ሲመትን ዝህብ እግዚአብሔር ስለዝኾነ፤ እቲ ኃያል እግዚአብሔር ነቶም ዘኃረዮም ብኸምዚ መገዲ የኽብሮምን ሥልጣን ይህቦምን ነበረ። ቀባኢ ዘይብሉ ቅብአት ናይ ባህርዩ ዝኾነ ቅቡእ ዝተባህለ መሲሕ ክርስቶስ ድማ ነቶም ዝኃረዮም ሓዋርያት ብቓሉ ኣኽበሮም። ብንፍሐት ድማ ኣብ ምድርን ኣብ ሰማይን ሥልጣን ሃቦም። ንኵሉ ሓዲጎም ስለዝሰዓብዎን ብርሃን ኮይኖም ንዓለም ስለዘብርሁን ስለ ስሙ ስለተጋደሉን ድማ ኣብ ፲፪ መንበር ዝፋን ኮይኖም ኣብ ልዕሊ ነገደ እስራኤል ክፈርዱ ከምዝኾኑ ኪዳን ተዋህቦም። ነቶም ዝትክእዎም ድማ ብአንብሮተ እድን ቅብዓትን ክሾሙ ምሉእ ሥልጣን ሃቦም። እምበአር ዝሸይምን ዘኅስርን ክርስቶስ ኣምላኽና እግዚአብሔር እዩ። ንምትንሣእን ንምውዳቕን ብዙኃት ንሱ ርእሲ ማእዘን ዝኾነ ክርስቶስ ክብረት እሥራኤል እዩ። (ማቴ ፳፩፥፵፪ ሉቃ ፪፥፳፱-፴፪ ሉቃ ፳፪፥፳፱-፴፪ ግብ ፬፥፩)

ቀርነ ልዕልና

እምበኣር ኣብ ቅዱስ መጽሓፍ ብቀርነ ቅብዕ ኣቢሎም ብዝፈጸሙ ሲመታትን ብዝወሃቡ ክብርታትን፤ ከምኡ’ውን ብጥንተ ተፈጥሮ ቀርኒ ብዘለዎ ኣካላዊ ልዕልናን ርእሳዊ ዝምድናን፤ ቀርኒ ናይ ልዕልናን ክብርን ዓወትን ተምሳል ኮይኑ ይቐርብ እዩ። እተሣዕረ ርእሱ ከምዘድንን፤ እተዓወተ ድማ ርእሱ የቕንዕ።  ቀርኒ ድማ እቲ ላዕለዋይ ኣካል ርእሲ ስለዝኾነ ብኸምኡ ተዛሚዱ ይግለጽ።

ነዚ ኣበሃህላ ድማ መዝሙረ ቅዱስ ዳዊት ብዙኅ ምሳሌታት ንረኽበሉ ኢና። “ወበሣሕልከ ይትሌዓል ቀርንነ” (በጸጋኻ ቀርንና ልዕል ይብል) መዝ ፹፱፥፲፯ “ወይትሌዓለ ቀርኑ በክብር” (ቀርኑ ብኽብሪ ልዕል ኪብል እዩ) መዝ ፹፱፥፳፬ ይብል። “ንሕዝቡውን ቀርኒ ኣልዐለ፡ ስለዚ ዅሎም ቅዱሳኑ፡ ደቂ እሥራኤል፡ እቲ ዚቐርቦ ሕዝቢ፡ የመስግኖ ኣሎ። ሃሌሉያ።” መዝ ፻፵፰፥፲፬ ‘ንብዘሎ ኣቕርንቲ ረሲኣንውን ክጒልዕሞ እየ፡ ኣቕርንቲ ጻድቃን ግና ልዕል ኪብል እዩ።” መዝ ፸፭፥፲ ብተወሳኺ’ውን ነቢዪ ኤርሚያስ ብኣንጻሩ ከምዚ ይብል።  ድጕ 2:17 “እግዚአብሔር ነቲ ዝሓለኖ ገበረ፡ ነቲ ኻብ ጥንቲ ሒዙ ዝነገረሉ ቓል ፈጸመ። ኣፍረሰ እሞ ኣይደንገጸን፡ መሓጐስ ጸላኢውን ገበረኪ፡ ቀርኒ ተጻረርትኺ ኣልዐለ።” ድጒ ፪፥፲፯

እምበኣር በዚ ኣብ ላዕሊ ዝተገልጸ ንባባት ቀርኒ ናይ ልዕልና፡ ክብረት፡ ዓወት ኣምሳልን ምልክትን ኮይኑ ይግለጽ።

ቀርነ መድኃኒት

ኣብ ብሉይ ኪዳን ምሳሌታትን ትንቢታትን ብዝተፈላለይ ኅብሪ ይነገሩ ደኣ እምበር ኣብ ዘመነ ሓዲስ ግና ኣማናዊ ፍጻሜ ከምዘለዎም እሙንን ፍሉጥን ነገር  እዩ። ሓደ ካብኡ ድማ ብዛዕባ ቀርነ መድኃኒት ዝተነግረ እዩ ነይሩ። ቀርኒ ንጸላእቲ መውግእን መሥዓርን ከም ምዃኑ፡ ቀርኒ መድኃኒት ዝተባህለ ንጸላኢና ዲያብሎስን ሞትን ዝሠዓረልና፡ መውግኢ ሞት ንዝኾነ ኃጢኣት ዝደምሰሰልና ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ። እምበኣርከስ ብዛዕባ ምብቋልን ምትንሣእን ቀርነ መድኃኒት ክርስቶስ በብዘመኑ ብዙኃት ነቢያት ተነብዮም ነይሮም። ንመረዳእታ ክኾነና ድማ ንገሊኦም ክንጠቕስ ኢና።

መካን ዝነበረት ሃና፡ ኤሊ ምስፍንናን ክህነትን ኣጣሚሩ ይመርሕ ኣብ ዝነበረሉ እዋን እግዚአብሔር ውላድ ክህባ ኣብ ቤተ እግዚአብሔር ቀሪባ ካብ ልባ ጸሎታ ኣብ ተዕርገሉ ዝነበረ እዋን ሓደ ትንቢት እግዚአብሔር ኣምላኽ ኣዛሪብዋ ነይሩ። ጸሎታ’ውን ብቀርኒ ልዕልና ጀሚሩ ብቀርኒ መድኃኒት ዝፍጽም ነበረ። (ቀዳማይ ሳሙ ፪፥፩-፲)። “ወያሌዕል ቀርነ መሢሑ” (ንቐርኒ መሲሑ ልዕል የብሎ) ድማ ኢላ ተነቢያ ነይራ። ጸሎታ ዝሰምዐ ኣምላኽ ድማ ነገሥታት ዝቐብእ ዓቢይ ነቢይ ዝኸውን ውላድ (ነቢዪ ሳሙኤል) ሂቡ ምድናና ኣቕነዐ። ሓዘና ደበሰ። ኣብ ሞንጎ ሕዝባ ቀርና ኣልዓለ። ከምቲ ትንቢታ ድማ ንኵሉ ሕዝቢ መድኃኒት ዝኸውን ቀርነ መድኃኒት ተወሊዱ ንኵሉ ሕዝቢ ካብ ሞትን ውድቐትን ኣልዓለ።     

ብዛዕባ እቲ ዝመጽእ መድኃኒት ዝኾነ መሲሕ ዝሰፈሐ ትንቢት ዝተጻሕፈሉ መዝሙረ ዳዊት’ውን “ወበህየ አብቍል ቀርነ ለዳዊት” (መዝ ፻፴፩፥፲፯) ይብል። ንጊዜኡ ንዘሩባቤል ዝተነግረ እኳ እንተኾነ ፍጻሜኡስ ብሥጋ ካብ ዳዊት ወገን ንዝውለድ ወልደ ዳዊት ተባሂሉ ንዝተጸወዐ ኣምላኽናን መድኃኒናን ክርስቶስ ዝተነግረ ነበረ። ነዚ ድማ ከረጋግጽ ከምዚ ኢሉ ይቕጽል “ወአስተዴሉ ማኅቶተ ለመሲሕየ” (ንመሢሐይ መብራህቲ ኣዳሎኹ)። ሃብተ ትንቢት ዝተዓደለ ቅዱስ ዳዊት ኣብ ልዕሊ ጸላእቱ ኃይሊ ንዝሃቦን፡ ካብ ኢድ ሳኦል ንዘድኃኖ እግዚአብሔር ቀርኒ ምድኃነይ - ቀርኒ ሕይወተይ ብምባል ዘሚሩሉ እዩ። “ኣምላኽ ተስፋ ዝገብሮ ኸውሔይ እዩ፡ዋልታይን ቀርኒ ምድኃነይን፡ ግምበይን መህደምየይን እዩ። ኦ መድኃንየይ፡ ካብ ዓመጻ ተድኅነኒ።” ከኣ ይብል (ካልኣይ ሳሙ ፳፪፥፫ መዝ ፲፯፥፪።) ፍጻሜኡ ግና ንሥግው ቃል ኢየሱስ ክርስቶስ ዝተነግረ እዩ።

እስራኤላውያን ነቶም ዝጻብእዎምን ዘጨንቕዎምን ዝነበሩ ሶርያውያን ከምዝሥዕርዎምን ከምዝድምስስዎምን ምሳሌ ብዝሓዘለ ትንቢት እተዛረበ ሴዴቅያስ ወዲ ኬናዓ ነበረ። ብልማድ ነቢያት ኣቕርንቲ ሓጺን ሰሪሑ ከምዚ ኢሉ ትንቢት ኣብ ቅድሚ ነገሥታተ እስራኤልን ይሁዳን ተዛሪቡ ነይሩ። “ከመዝ ይቤ እግዚአብሔር በእሉ አቅርንት ትወግኦሙ ለሶርያ እስከ ተኃልቆሙ” (ንሶርያውያን ክሳዕ ዝውድኡ በዚኣተን ክትወግኦም ኢኻ ኢሉ ተነበየ) (ቀዳማይ ነገ ፳፪፥፲፩።)

ነቢየ እግዚአብሔር’ውን ብዛዕባ ንቤተ እስራኤል በጃ ክኸውን ብዛዕባ እቲ ዝበቝል ቀርኒ ክንበ ከሎ “በውእቱ ዕለት አበቍል ቀርነ ለቤተ እስራኤል ወለከ እሁበከ ፍቱሐ አፈ በማእከሎሙ ወየአምሩ ከመ አነ እግዚአብሔር።” (በታ መዓልቲ እቲኣ ንቤት እስራኤል ቀርኒ ከብቊል ንኣኻ ድማ ኣብ ማእከሎም ዝተኸፍተ ኣፍ ክህበካ እየ ይብል ሽኡ ኣነ እግዚአብሔር ምዃነይ ክፈልጡ እዮም) ይብል። እዚ ትንቢታዊ ቃል ምስቲ ኣብ መዝሙረ ዳዊት ዘሎ ዝሰማማዕ እዩ። ንጊዜኡ ነቶም ንሕዝቢ እስራኤል ካብ መግዛእቲ ባቢሎን መሪሖም ንዝወጽኡ ባዕል ቂሮስ ዝተነግረ ይኹን እምበር ንኵሉ ሕዝቢ ካብ መግዛእቲ ዲያብሎስ ናጻ ንዘውጽእ ክርስቶስ ኣምላኽና ዝተነግረ እዩ ነይሩ። ክሡት ኣፍ ክህበካ እየ ዝተባህለሉ ድማ ትንቢት ገሊጹ ንዝተዛረበ ዘካርያስ ካህን ዝጠቕስ ነበረ (ሕዝ ፳፱፥፳፩)።

እምበኣር እቲ ምልኣት ዘመን ኮይኑ እቲ ትንቢት ፍጻሜ ክረክብ ኣብ ዝቐረበሉ መንፈስ ቅዱስ ዘዛረቦ ጻድቕ ካህን ዘካርያስ ኣቦ መጥምቀ መለኮት ቅዱስ ዮሐንስ ከምዚ ኢሉ ተፈሢሑ ተዛሪቡ ነይሩ። “አንሥአ ለነ ቀርነ መድኃኒትነ” (በቶም ካብ ጥንቲ ዝነበሩ ብኣፍ ቅዱሳት ነብያት እተዛረቦ፡ ኣብ ቤት ዳዊት ባርያኡ ቀርኒ ምድኃን ኣተንሥኣልና)። እዚ ቃል እዚ ከምቲ ኣቐዲሙ ብኣፍ ነቢያት ዝተነግረ ሕጂ ድማ ብካህን ዘካርያስ ኣቢሉ ፍጻሜ ትንቢት ከምዝኣኸለን ብኣምላኽናን መድኃኒናን ከምዝተፈጸመ ዘብስር ነበረ። (ሉቃ ፩፥፷፱)

ሰላም ለትንሣኤከ እንተ ተጠየቀ ቦቱ፡
ዜና ትንሣኤሆም በክብር ለቁዱሳን ዘሞቱ፡
ኢየሱስ ክርስቶስ ለዳዊት ቀርነ መንግሥቱ፡
በዓለ ትንሣኤ ፋሲካነ ዝንቱ፡
እስመ ሥርዓቱ ለእስራኤል ውእቱ። (መልክአ ኢየሱስ)

ሄኖክ’ውን ንወዱ ማቱሳላ እግዚአብሔር ብራእይ ንዘርኣዮ ነገር ክገልጸሉ ከሎ ካብ ፍጥረተ ዓለም ክሳዕ ምጽአት ብዛዕባ ዝኸውን ናይ ደቂ ሰባት ኣብ ዝገለጸሉ ንዝተፈላለየ እንሰሳታት እናጠቐሰ ኣብ ልዕሊ ጸላእቲ ዓወት ንዝረኸበሉ ቀርኒ ይጠቕስ ነበረ። (ሄኖ ፵-፵፬)

ቀርነ ዲያቆን

ዘሎናዮ እዋን ዘመነ አስተርእዮ ኮይኑ ዘለና ብፍሉይ ድማ ዘመነ መርዓዊ ይብሃል። ድኅሪ በዓለ ልደት ካብ ምእታው ጥሪ ኣትሒዙ ክሳዕ ዓቢይ ጾም ዝኣትወሉ ድማ ዘመን ድማ ምስቲ ዝጸንሐ ወቕቲ ሓረስታይን ልማዳዊ ትውፊትን ብብዝኂ ቃል ኪዳን መርዓ ዝፍጸመሉ እዩ። ኣብዚ እዋን ድማ ቃል ኪዳኖም ብንጽሕናን ብፍሉይ ከብካብን ካብ ዝፍጽሙ እቶም ኣብ ኣገልግሎት ቤተ ክርስቲያን ጽሙዳትን ንተልእኾ ፍጡናትን ዝኾኑ ዲያቆናት ብቐዳምነት ይጥቐሱ።

እምበኣር ኣብ መርዓ ዲያቆን ብተምሳል ዝግበር ሓደ ፍሉይ ሥርዓት ኣሎ። እዚ ኸኣ ዲያቆን ንኣገልግሎት ተሓርዩ ንተልእኾ ተመሪጹ ብጳጳስ ናይ ተቀብኦ መዓርግ ዝወሃቦ ከም ምዃኑ፡ ናብ ዝለዓለ መዓርገ ክህነት ክሰጋገር ዝኽእል ምዃኑ ንምምልካት ብአኽሊል ወቂቡ ብመዘምራን ተኸቢቡ ብቀርኒ ሓርሽ ተዓጂቡ ይምርዖ። ሊቀ ነቢያት ሙሴ ቅድሚ ምማቱ፡ ነቶም ነገዳተ እሥራኤል ትንቢት ብዝተሓወሶ ቡራኬኡ በብሓደ ኣብ ዝባረኸሉ ንክብሪ ዮሴፍ ብኣቕርንቲ ሓርሽ መሲሉ ተዛሪቡሉ ነይሩ። “ግርማ ዮሴፍ ከም በዅሪ ኣርሓ ብተይ ኣቕርንቱ ኣቕርንቲ ሓርሽ እዩ። ብኡ ገይሩ ንዅሎም ሕዝብታት ይወግኦም” (ዘዳ ፴፫፥፲፯) በዚ ተምሳል ድማ እቶም ኣብ መርዓ ዲያቆን ነቲ ቀርኒ ኣብ ርእሶም ተኺሎም ዝዕጅቡ ብኵሉ ኣንፈት እናዘሩ ከም ብተይ እናዓንደሩን ነቶም ኣብቲ ከብካብ ንዝተጋብኡ ሕዝቢ ከም ምውጋእ ብዝመሰልን ብዘፈራርህን ነገር ክዘሉ ይረኣዩ። ቅዱስ ዳዊት’ውን ብተመሳሳሊ ከምዚ ኢሉ ነይሩ። “ወያደገድጎ ከመ ላሕመ ሊባኖስ ወፍቁርሰ ከመ ወልድ ዘአሐዱ ቀርኑ።” (ንእምባታት ሊባኖስ ከም ብተይ የሰራስሮም፤ ንእምባታት ሄርሞን ድማ ከም ጣዕዋ ሓርሽ የዐንድሮም።) (መዝ ፳፰፥፮) ቀርኒ ሓርሽ ሒዝካ ምዝላልን ምድባልን ናይ ዲያቆናት ቅልጣፈ ተልእኾ ዘመልክት ኮይኑ፤ በቲ ሓደ ከም ብተይ ተሰራስሮም ከም ጣዕዋ ሓርሽ (ጎባይ) ተዐንድሮም ከም ዝብሎ ናይ ድንግልናን ናይ ዕድመ ንእስነት እዋን ዝገልጽ እዩ። ደጊም ግና ሕጊ ፈጺሞም ናብ ዕብየት ሓላፍነትን፡ ጾር ምስካምን ከምዝሰግሩ ዘመልክት እዩ። ኣብቲ ቀርኒ ሓርሽ’ውን ዝረአ ሕርጎ ሕርጎ፤ ዲያቆናት ካብ ዝተሓተ ናብ ዝለዓለ መዓርግ ዝሰጋገሩ ምዃኖም ዘመልክት እዩ። እቲ ብልሒ ቀርኒ ኸኣ ዲያቆናት ብብሊሕ ኣእምሮን ትምህርትን ንመናፍቓን ተኻራኺሮም ዝረትዕሉን ኣንጻር ሃይማኖት ንዝተለዓለ፡ ኣብ ርእሲ ኣቦታቶም በቚሎም (ተሠሪቶም) ብትብዓት ዝዋግኡ ምዃኖም ንምምልካት እዩ።

መጠቓለሊ

ትንቢታትንን ምሳሌያትን ብሉያት ምእንቲ ድኅነት ዓለም ሰብ ንዝኾነ ኣምላኽ ማእከል ዝገበሩ እዮም። እቲ ብምሳሌ ቀርነ ቀብእ ኣብቶም ኅሩያኑ እናኃደረ ክብርን ሥልጣንን ሲመትን ዝህብ ዝነበረ እግዚአብሔር፡ ኣብ ዘመነ ሓዲስ ድማ ብፍጹም ተዋሕዶ ሰብ ኮይኑ ባዕሉ ንሓዋርያቱ ኀረየ፤ መሃረ፤ ሥልጣን ክብርን ሃበ። ካብኡ ንደኃር’ውን ካብ ሓዋርያት ብዝመጸን ዘይተበተከን ሰንሰለት ኣብቶም ኅሩያን እናሓደረ ንዝለዓለን ዘይሓልፍን ክብርን ሥልጣንን ሲመትን ጸጋን ክህብ ይነብር ኣሎ። እዚ ጸጋን ሃብተ መንፈስ ቅዱስን ከኣ እቲ ትንቢት ዝተነግረሉ ምሳሌ ዝተመሰለሉ ቀርነ መድኃኒት እግዚአብሔር ፍቕሪ ሰብ ስሒብዎ ሰብ ስለዝኾነ ዝተረኽበ ስለዝኾነ እዩ። ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ቀርኒ መድኃኒትና ቀርኒ ሕይወትና እዩ። ዲያቆናት ቤተ ክርስቲያና’ውን ኣኽሊለ ክብሪ ደፊኦም፤ ብድሙቕ ከብካብን መዝሙርን “…አክሊል ዲበ ርእሶሙ” እናተባህለሎም ተኸቢቦም ብቀርኒ ሓሪስ ምዕጃቦም ንመን ብኸመይን ከምዘገልግሉ ንምግላጽን ኣብ ቅድሚኦም ዘሎ ኃላፍነት ኵሉ ነኸስተውዕሎ እዩ።

ኵልና ብክርስቶስ ክርስቲያን ብወልድ ውሉዳት ተባህሊና ብስሙ ከቢርና ንጽዋዕ ዘሎና ነቲ ምእንታና ክብል ካብ ሰማያት ሰማያት ወሪዱ ካብ ቅድስት ድንግል ንዝተወልደልና ንዝተሰቕለልና ቀርነ መድኃኒትና - ቀርኒ ሕይወትና ጐይታ ኣብ ቃሉ ብምጽናዕ ትእዛዙ ብምሕላው ፍቓዱ ብምፍጻም ናቱ ምዃንና ነረጋግጽ። ክብርን ምስግናናን ነቕርበሉ። ከምቶም ቅዱሳን ኣቦታትና ኣብ ሕጉን ሥርዓቱን ንመላለስ።

አምላከ ቅዱሳን ቀርነ መድኃኒትና ዝኾነ እግዚአብሔር ቤተ ክርስቲያናንን ሃገርናን ሕዝብናን ይዓቅበልና። 

1 comment:

  1. ሰላም ለክሙ ማዕዶታውያን

    በዛ ናይ ዲያቆን ቀርን ዝጠቐስኩማ ጽሕፍቲ ክሓቶ ዝነበርኩ ሕቶ መልሲ ረኺበሉ።

    ቃለ ሕይወት የስምዓልና

    ሓውኹም ካብ ጀርመን

    ReplyDelete