Tuesday, January 24, 2012

ቅዱሳት መጻሕፍትን ትውፊትን ቤተ ክርስቲያንና ብዛዕባ ሰብአ ሰገል እንታይ ይብሉ፧ (ሣልሳይን መወዳእታን ክፋል)

እቲ ኮኸብን ትንቢታዊ ትርጉሙን

ኣዳምን ደቁን ብትንቢትን ብተስፋን ክርእይዎ ዝጽበዩ ዝነበረ ኮኾብ ክርስቶስ ነበረ። ብዛዕባ’ዚ ኮኾብ ድማ ካብ ወገን ዘርኢ ያዕቆብ ከምዝርከብ ኣቐዲሙ እግዚአብሔር ንዝዛረቦ ጥራይ ጠቒሱ ዝዛረብ ዝነበረ በለዓም እዩ። በለዓም ነቲ ካብ ምድሪ ግብጺ ብ፲ ድንቂ ድንቂ ተኣምራት ኣብ መወዳእታ ድማ ባሕሪ ከፊሉ ንፈርኦን ምስ ሠራዊቱ ኣስጢሙ፤ ነገሥታት ሥዒሩ ንዝመጸ እግዚአብሔር ዝኣምላኹ ሕዝቢ ክረግሞ ብባላቅ ተዓሲቡ እኳ እንተነበረ መልኣኽ እግዚአብሔር ብዝኣዘዞ መሠረት እግዚአብሔር ንዝገልጸሉ ትንቢትን ቡራኬን ጥራይ ይዛረብ ነበረ። 

ሓደ ካብኡ ድማ ነቲ ኣብ ጐልጐል ተሰጢሑ ንዝነበረ ሕዝቢ እሥራኤል ኣማዕድዩ እናጠመተ “እርእዮ ኣሎኹ፡ ሕጂ ደኣ ኣይኮነን፤ እጥምቶ ኣሎኹ ግናኸ ቀረባ ኣይኮነን። ካብ ያዕቆብ ኮኾብ ኪወጽእ ካብ እስራኤል ከኣ በትሪ መንግሥቲ ኪትንሥእ እያ።” (ዘኁ ፳፬፥፲፯/24፥17) ዝብል ድንቂ ትንቢት ብዛዕባ ካብ ዘርኢ ያዕቆብ ካብ ወገን ዳዊት ንዝውለድ ኣማናዊ ኮኾብ - ክርስቶስ ምዝራቡ እዩ። እቲ ንኵሉ ዝገዝእ በትሪ መንግሥቲ ዘለዎ ድማ ንሱ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ። በለዓም “ኣታ ያዕቆብ ድንኳናትካ፡ ኣታ እስራኤል ድማ ማኅደርካ ክንደይ ይጽብቕ” ብምባል ብዛዕባ መኅደሪኡ ዝኾነት ወላዲት ኣምላኽ ቅድስት ድንግል ማርያም ንዝረኣዮ ኣድኒቑ ዝተነበዮ ትንቢት’ውን ምስ ትንቢት ቅዱስ ዳዊት ዝሰማማዕ እዩ። “ንሱ ንእግዚአብሔር ከም ዝመሐለ፡ ቦታ እግዚአብሔር፡ መሕደሪ ነቲ ናይ ያእቆብ ስልጡን ክሳዕ ዚረክብሲ፡ ብሓቂ ናብ ድንኳን ቤተይ ኣይኣቱን፡ ኣብ መንጸፍ ዓራተይ ኣይድይብን፡ ነዒንተይ ድቃስ፡ ንዀበሮ ዓይነይውን ሰለምታ ኣይህብን፡ ኢሉ ነቲ ናይ ያእቆብ ስልጡን ከም እተመባጽዐ፡ ዘክረሉ። እንሆ፡ ብዛዕባኡ ኣብ ኤፍራታ ሰማዕናዮ፡ ኣብ ዱር ረኸብናዮ። … እግዚአብሔር ንዳዊት፡ ካብ ፍረ ኽርስኻ ኣብ ዝፋንካ ከቐምጥ እየ፡ …ብሓቂ መሐለሉ፡ ካብኡ ኣይኪርሕቕን እዩ። እግዚአብሔር ንጽዮን ኃርይዋ እዩ እሞ፡ መኅደሪኡ ኽትከውን በሀጋ፡ እዚኣ ንሓዋሩ መዕረፊተይ እያ፡ ብሂገያ እየ እሞ፡ ኣብዚኣ ኽነብር እየ።” (መዝ ፻፴፪/132 መዝ ፵፬/45) 

ብዛዕባ በትሪ መንግሥቱ ዝተባህለ ከኣ ባዕሉ ቅዱስ ጳውሎስ ብዛዕባ ክርስቶስ እተነግረ ምዃኑ ኣርጊጹ ተርጓምዎ ኣሎ። “ብዛዕባ ወዱ ግና፡ ኣታ ኣምላኸይ። ዝፋንካ ንዘለኣለመ ኣለም ይነብር፡ በትሪ መንግስትኻውን በትሪ ቕንዕና እያ፡” (ዕብ ፩፥፰/1፥8) ዮሐንስ ኣብ ራእዩ’ውን ከምዚ ይብል “ንሳ ንዅሎም ኣህዛብ ብበትሪ ሓጺን ኪጓስዮም ዘለዎ ወዲ፡ ተባዕታይ፡ ወለደት። እቲ ውሉድ ኸኣ ናብ ኣምላኽን ናብ ዝፋኑን ተመንጠለ።” (ራእ ፪፥፳፮-፳፯ ራእ ፲፪፥፭ ራእ ፲፱፥፲፭) 

እምበኣር በለዓም ካብ ዘርኢ ያዕቆብ ክወጽእ ዝረኣዮ ኮኾብ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ። ስሌና ዝተወልደ፡ ስሌና ፍጹም ሰብ ዝኾነ፡ ስሌና መከራ ዝተቐበለ ዝሞተን ዝተንሥአን ንሱ እቲ ኮኸብ ከምቲ ዝተነግረሉ ካብ ዘርኢ ዳዊት ካብ ዝኾነት ቅድስት ድንግል ማርያም ዝተወልደ ክርስቶስ ምዃኑ ባዕሉ ነጊሩና እዩ። “ኣነ ኢየሱስ፡ ኣብተን ማኅበራት እዚ ነገር እዚ ኺምስክረልኩም ኢለ፡ ንመልኣኸይ ሰዲደዮ ኣሎኹ። ኣነ ሱር ዳዊትን ዘርኡን፡ እቲ ብሩህ ኮኾብ ጽባሕ እየ።” (ራእ ፳፪፥፲፮/22፥16) ከኣ ይብል። እዚ ኮኾብ ጽባሕ ዝተባህለ ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ብርሃን ዘበአማን እዩ። ስለዚ ድማ ኣብቲ ዝጸልመቶ ኵሉ የብርህ። ነዚ ምሳሌያዊ ኣገላልጻ ድማ እዩ ቅዱስ ጴጥሮስ ተርጒሙ ዝነገረና። “ኣዝዩ ዝጸንዐ ቃል ትንቢት ከኣ ኣሎና፡ ምድሪ ኽሳዕ ዚወግህ፡ ኮኸብ ጽባሕውን ኣብ ልብኹም ክሳዕ ዚወጽእ፡ ኣብቲ ስፍራ ጸልማት ከም ዜብርህ መብራህቲ ጌርኩም እንተ ኣስተብሀልኩምሉ፡ ሰናይ ትገብሩ ኣሎኹም።” (ካልኣይ ጴጥ ፩፥፲፰/1፥18) 

ጒዕዞኦምን ሓጐሶምን 

እቲ ዝመርሖም ኮኸብ ቀትሪ ቀትሪ እናመርሐ፡ ምስ መሰየ ድማ ኣብቲ ዘዕርፉሉ ስፍራ እናበጸሐ ድኅሪ ናይ ክልተ ዓመት ጒዕዞ ኣብ ኢየሩሳሌም ኣብጽሖም። እቲ ዝተጓዕዝዎ ጒዕዞ ቀሊል ኣይነበረን። ኣብ መንገዲ’ውን ብዙኅ ፈተናን ሽግርን እኳ እንተረኸቡ ክልተ ዓመት ተጓዒዞም ኢየሩሳሌም ከምዝበጽሑ ተአምረ ማርያም ይገልጽ (ወረከቡ ምንዳቤ ብዙኃ በፍኖቶሙ እስመ ርኅቅት ፍኖቶሙ)። ብዘይካ’ዚውን ኣብ ምቕራብ ናይቲ መገዲ መልኣኽ እግዚአብሔር ከምዘበሰሮም ተአምረ ማርያም ይገልጽ (ወሖረ መልአክ እምኀቤሆሙ ኀበ ሰብአ ሰገል ወዜነዎሙ ከማሁ)። 

እቶም ነገሥታትን ብዝኂ ዘለዎም ሠራዊትን ናብ ኢየሩሳሌም ይግስግሱ ምህላዎም ምስ ተፈልጠ ኣብቲ ሕዝቢ ፍርሂ ኣኅደረ። ሕጂ’ውን ፄዋዌ ምርኾ ክመጸና ድዩ ኢሎም ሰንበዱ። እቲ ወረ ድማ ናብቲ ንጉሥ ምስ በጽሐ ንሱ’ውን ተሸበረ። ነቲ ጒዳይ ክፈልጥ’ውን ልኡኻቱ ምስ ብዙኅ ገጸ በረኸት ናብቶም ነገሥታት ከምዝሰደደን፡ እቶም ልኡኻት’ውን ነቶም ነገሥታት መልእኽቶም ከምዘብጽሑ ተአምረ ኢየሱስ ኣስፊሑ ይገልጽ። (ወአብጽሑ ላእካን እምኀበ ነገሥተ ፋርስ ወተስእልዎም በእንተ ምንት ዘመጽኡ ምድረ ፍልስጤም) ንሳቶም ድማ መምጽኢ ምኽንያቶም ኣረድኡ። ብድኅሪኡ እዮም ንንጉሥ ሄሮድስ ዝተራኸብዎ። 

ብኣቦታቶም ንዝተነግረ ቃል ኣኽቢሮም ብትንቢት ንዝተመሓላለፈ ቃል ኣሚኖም ነዊሕ ተጓዒዞም ኣብ ኢየሩሳሌም ምስ በጽሑ እቲ ኮኾብ ተሰወሮም። እቲ ዝተወልደ ንጉሥ ኣይሁድ ኣበይ ኣሎ እናበሉ ድማ ክሓቱ ጀመሩ። እቲ ዝመርሖም ኮኾብ ጠሊምዎም ዘይኮነስ መደብ እግዚአብሔር ስለዝነበረ እዩ። እዚ ኸኣ ንሳቶም ንሰብ ኣይሁድ እንተላይ ንሄሮድስ ክሓቱ፤ ሄሮድስ’ውን ነቶም ጸሓፍት ሊቃውንቲ ክሓትት፡ ንሳቶም’ውን መጻሕፍቲ ክምርምሩ ብኡ እናበለ’ውን እቲ ዜና ልደቱ ምእንቲ ኣብ ኵሉ ክፍለጥን ክረጋገጽን ምኽንያት ክኸውን ብምባል እዩ ኢሎም ሊቃውንቲ ይትርጉምዎ፤ ከምኡ ድማ ኮነ። 

ብጥበበ እግዚአብሔር ድማ ማእከላይ ስም ተገሊጹሎም ማለት ንጉሥ ኣይሁድ ኣበይ ኣሎ ይብሉ ነይሮም። ላዕለዋይ ስም እቲ ዝተወልደ ኣምላኽ እሥራኤል ኣበይ ኣሎ እንተዝብሉ ሓሳቦም ብእሥራኤል ቅቡል ኣይምኾነን። ታሕተዋይ ስም እቲ ዝተወልደ ሕጻን ኣበይ ኣሎ እንተ ዝብሉ ድማ ኣብ ሃገርና እስራኤል ካብ ዚውለዱ ሕጻናት ኣየናይ ኪበሃል ምእንቲ ከይብልዎም እዩ። ስለዚ ማእከላይ ስም ተገሊጹሎም እቲ ዝተወልደ ንጉሥ ኣይሁድ ኣበይ ኣሎ በሉ እምበር፡ ንሱስ ነገሥታት ዝሰግዱሉ ፈጣሪ ዓለማት፡ አምላከ አማልክት፡ እግዚአ አጋእዝት፡ ንጉሠ ነገሥት ናይ ባህርዩ ዝኾነ ጐይታ እዩ። 

ድኅሪ’ዚ ሄሮድስ ንሰብ ጥበብ ብኅቡእ ጸውዖም እሞ ካብቶም ሰብአ ሰገል ድማ ዘመን እቲ ዝተራእዮም ኮኾብ ኣጸቢቑ ተረድአ። ብመጠን ጊዜ ናይቲ ዝተራእዮም ኮኾብ ድማ እቲ እዋን ክልተ ዓመት ከምዝገበረ ኣረጋገጸ። ካብቶም ጸሓፍት ብዝተረድኦ ድማ ስፍራ ልደቱ ቤተ ልሔም ምዃኑ ፈለጠ። ንዓዓታቶም ድማ ኣፋንዩ ምስ ረኸብክምዎ ኣነ ከኣ መጺአ ምእንቲ ክሰግደሉ ንገሩኒ በሎም። ሄሮድሳውያን ተንኰል ልማዶም ስለዝኾነ ኪሰግደሉ በለ እምበር ሓሳቡስ ክቐትሎ እዩ ነይሩ። ከምኡውን እቶም ኪሰግዱሉ ዝመጹ ሰብ ጥበብ እምነቶም ምእንቲ ኪጸንዓሎም መንፈስ ቅዱስ ኣፉ ከፊቱ ኣነ ከኣ መጺአ ክሰግደሉ እየ ከምዝብል ገበሮ። እምበኣር ሰብ ሃገሩ’ውን ይጽበይዎ ነይሮም፤ ይኣምኑሉ ከኣ እዮም ኢሎም እምነት እቶም ሰብአ ሰገል ክድልድል ምኽንያት ኮነ። 

ንሳቶም ከኣ ካብ ንጉሥ ሰሚዖም ከዱ። እንሆ እቲ ብምብራቕ ዝረኣይዎ ኮኾብ ኣብ ቤተ ልሔም ክሳዕ ዘብጽሖም ድማ ይመርሖም ነበረ። ኣብ ልዕሊ እታ እቲ ሕፃን ዘለዋ በዓቲ ከም ምምልካት ኢድ ኣንቖልቚሉ ከኣ ደው በለ። በዚ ድማ ምስ ረኣይዎ ኣዝዩ ብዙኅ ሓጐስ ተሓጐሱ። ምኽንያቱ ንክልተ ዓመት ዝተጓዕዝሉን ቃል ኣቦታቶም ሰሚዖምን ኣሚኖምን ብዙኅ ዝደኸሙሉ ነገር ስለዝተፈጸመሎም ኣዝዩ ባህ ኣበሎም። እዚ ሓጐስ ናይ ነቢያት ሓጐስ እዩ። አብርሃም መዓልቱ ርእዩ ዝተሓጐሱሉ ዓይነት ሓጐስ እዩ። ነቢያት በብዘመኖም ነዛ መዓልቲ እዚኣ ክርእዩን፡ ትንቢቶም ፍጻሜ ክረክብ ከምዘይተጸበዩን፡ እዞም ሰብአ ሰገል ግና ብኣዕይንቶም ብምርኣዮም ተሓጐሱ። 

እዚ ኮኾብ’ዚ፡ ነዚ ኵሉ መገዲ መሪሑ መሪሑ ኣብ ባሕሪ ድዩ ከጥሕለና ኣብ ገደል ድዩ ከጽድፈና እናበሉ ይሓስቡ ነይሮም። ኣብቲ ዝደለይዎ ቦታ በጺሑ ደው ኢሉ ስለዝረኣይዎ ብዙኅ ሓጐስ ተሓጐሱ። እቲ ብኣቦታቶም ዝተነግረ ነገር ሓቂ ምዃኑ ብምርኣዮም ተሓጐሱ። ናብ ቤት ኣትዮም ነቲ ሕጻን ጐይታ ምስ ቅድስት ማርያም ኣዲኡ ምስ ረኣይዎ፤ እቲ ትርኢት ነቲ ኣብ ኢዶም ምስ ዝነበረ ስእሊ ኮኾብ ዝመሳሰል ኮይኑ ምስ ረኣይዎ ብዙኅ ተሓጐሱ። ኣቦታቶም ዝገደፉሎም ትውፊት ሓቂ ኮይኑ ስለዝረኸብዎ ከኣ ኣዝዮም ተሓጐሱ። 

ገጸ በረከት 

ሰብአ ሰገል ድኅሪ ብዙኅ ድኻም ዘለዎ ጒዕዞ ኣብ ኢየሩሳሌም በጺሖም፡ እቲ ነገር ክውን ኮይኑ ምስ ረኣይዎ ተሓጒሶም ትም ኣይበሉን፤ እንታይ ደኣ ተደፊኦም ሰገዱሉ። ሳጹኖም ከፊሮም ከኣ ወርቂ ዕጣን ገጸ በረከት ሃብዎ። ናይ ሰማይን ምድርን ፈጣሪ ብሥጋ ከምዝተወልደ ምስ ረኣዩን፡ ንሱ ንጉሠ ነገሥት ምዃኑ ብዘስተብሃሉ ሰጊዶም፤ ካብ ኣቦታቶም እናተወራረሰ ንዝመጸ ህያብ ድማ ወፈዩሉ። 

እዞም ነገሥታት ግና ነቲ ክርእይዎ ዝደልይዎ፡ እሞ ብኮኸብ ተመሪሖም ዝተጓዓዙሉ ንጉሥ ምስ ረኸቡ እንታይ ክገብሩ ከምዘለዎም፡ እንታይ’ከ ሒዞሙሉ ከምዝኸዱ ኣቦታቶም እንተዘይነግርዎም፡ ንሕና’ውን ብትውፊት እንተዘይንፈልጦ ብኸመይ ምፈለጥናዮ ነይርና? ንዝተወልደ ሕጻን ንጉሥ ትርጉም ዘለዎን ፍሉይን ህያብ እዮም ወፊዮሙሉ። ዓይነት ናይቲ ገጸ በረኸት’ውን እንተደኣ ኣስተብሂልናሉ እቲ ዝተወልደ ሕፃን ኣምላኽ፡ ፈጣሪ ምዃኑ እንርድኣሉን እዩ። ነዚ’ውን ቅዱስ ዮሐንስ ኣፈወርቅ ክገልጽ ከሎ እቲ ብሰብአ ሰገል ዝቐረበ ዓይነት ገጸ በረኸት ንሓደ ምድራዊ ንጉሥ ዝምጥን ወይ ዝወሃብ ኣይኮነን፤ ሥርዓት መሥዋዕቲ ኣይሁድ’ውን ዝተኸተለ ኣይኮነን። እንታይ ደኣ እቶም ሰብአ ሰገል እቲ ዝተወልደ ንጉሥ ክርስቶስ፡ እግዚአብሔር ኣምላኽ ምዃኑ ፈሊጦምን ኣርጊጾም ተረዲኦምን ዝገበርዎ ዓይነት ህያብ እዩ ይብል። 

እቲ ህያብ ብመሠረት ትውፊት ቤተ ክርስቲያን ካብ ሥላሴ ዝተረኽበ እዩ። ሥላሴ ንሠለስተ መላእኽቲ ሃብዎም። ሠለስተ መላእኽቲ ቅዱስ ሚካኤል ቅዱስ ገብርኤል ቅዱስ ሩፋኤል ከኣ ኣምጺኦም ንአዳም ሃብዎ። አዳም ከኣ “ንሥኤ ሕፄኪ” ኢሉ ንሔዋን ሃባ። ሔዋን ንሴት ሃበቶ፡ ካብ ሴት ድማ ካብ ትውልዲ ናብ ትውልዲ ክወርድ ኪዋረድ ጸኒሑ ኣብ ኖኅ በጽሐ። (መጽ አክሲማሮስ) ኖኅ ንሴም ሃቦ፤ ሴም ከኣ ንመልከጼዴቅ ነዚ ሠለስተ ንዋያትን ዓጽመ አበውን ኪሕሉ ሃቦ። ሥርዓተ ብሕትውና ድማ ሠርዓሉ። መልከ ጼዴቅ ብሥርናይን ብወይንን መሥዋዕቲ እናቕረበ ኬገልግል ከሎ አብርሃም ንኃሙሽተ ነገሥተ ሰዶም ሓጊዙ ንኣርባዕተ ነገሥተ ከሎደጎሞር ስዒሩ ንሎጥ ወዲ ሓዉ ካብ ምርኮ መሊሱ ኪምለስ ከሎ ዓወት ስለ ዝረኸበ፤ “በመዋዕልየኒ ትፌኑ ቃለከ ወሚመ ታርእየኒሁ ኪያሃ ዕለተ አው አልቦ” (ኣብ መዋዕለይ ዲኻ ቃልካ እትልእኽ ወይ ድማ ነታ መዓልቲ እቲኣ ዶ ከተርእየኒ ኢኻ በለ። ጐይታ ድማ “ሑር ዕድዎ ለዮርዳኖስ” ኬድካ ንዮርዳኖስ ተሳገር እሞ ምሳሌኡ ክትርኢ ኢኻ በሎ። አብርሃም ንዮርዳኖስ ምስ ተሳገረ መልከጼዴቅ ኅብስትን ወይንን ሒዙ ተቐበሎ። (ቅዱስ ቄርሎስ መጽ ሊቃውንቲ)። ምስኡ ዝጸንሐ ሠለስተ ንዋያተ ወርቅን ዕጣንን ከርበን ከኣ ንአብርሃም ሃቦ። (ዘፍ ፲፬፥፩-፳/14፥1-20) 

ነቲ ሠለስተ ንዋያት ድማ አብርሃም ንይስሐቅ፡ ይስሐቅ ንያዕቆብ ሃቦ። ካብ ያዕቆብ ኪወርድ ኪዋረድ ክሳዕ ዳዊት በጽሐ። ዳዊት ንሰሎሞን፡ ሰሎሞን ንሮብአም ሃቦ። በዘመነ ሮብኣም መንግሥቲ እስራኤል ኣብ ክልተ ተኸፍለት። (ቀዳማይ ነገ ፲፪ንመልከት) ኣብ ኢየሩሳሌምን ኣብ ሰማርያን ዝነገሡ ነገሥታት ንሓድሕዶም እናተዋግኡ ኣብ ቤተ መንግሥቲ ዝርከብ ኣቕሑን እዚ ሠለስተ ንዋያትን እናተዘምተ ናብ ብዙኅ መንግሥታት ከም ዝበጸሐ ታሪኽ ይነግር። (ቀዳማይ ነገ ፲፬፥፳፭-፳፮ ኤር ፵፮፥፲፫-፳፮ ካልኣይ መጽ ነገ ፳፬፥፯ ካልኣይ መጽ ነገ ፲፬፥፯-፲፬ ካልኣይ መጽ ነገ ፲፯፥፭-፮ ኢሳ ፰፥፬ ካልኣይ ዜና ፲፮፥፩-፪ ካልኣይ ነገ ፲፪፥፲፯-፲፰ ካልኣይ ነገ ፲፮፥፩-፲) 

በቲ ግዜ እቲ ንጉሥ አሶር ነቲ ወርቂ ካብ ሶርያ ናብ ፋርስ ባቢሎን ኣውረዶ ሰብ ጥበብ ድማ ነቲ ወርቅን ዕጣንን ከርበን ኣብኡ ረኾቦም ሒዞም መጹ። ነቲ ሕፃን ምስ ኣዲኡ ረኸብዎ እሞ ተደፊኦም ሰገዱሉ፤ ነቲ ዘምጽእዎ ወርቅን ዕጣንን ከርበን ድማ ገጸ በረኸት ሃብዎ። (ማቴ ፪፥፲፩) ብተወሳኺ’ውን ሽቱ ተማሊኦም ከምዝነበሩ ኣብ ተኣምረ ማርያም ተገሊጹ ኣሎ (ወተንሥኡ እሉ ሰብአ ሰገል እንዘ ይመርሖሙ ኮከብ ወአምጽኡ አምኃ ወርቀ ከርቤ ወስኂነ ወዕጣነ)። ምስቲ ህያብ’ውን ዝተፈላለየ ጨና ምቕራቡ ትንቢት ከምዝነበሮን እቲ ትንቢት’ውን ከምዝተፈጸመ ኣብ ተአምረ ኢየሱስ ተገሊጹ እዩ። እዚ ኸኣ ንግሥቲ ብወርቂ ኦፊር ተሰሊማ ኣብ የማንካ ትቐውም ዝብል ትንቢት ኣብ ዝተፈጸመሉ ከርቤ፡ ሜዓ፡ ሰሊክ ዝተባህሉ ጨናታት ኣብ ኣልባስካ ይጨኑ ዝብል ትንቢት’ውን ክፍጸም ምእንቲ ነዚ ሒዞም ከይዶም ይብል። (መዝ ፵፬/45) 

ስለምንታይ ወርቂ ዕጣን ከርቤ

ወርቂ ናይ ንግሥነቱ፡ ዕጣን ናይ ኣምላኽነቱ፡ ከርበ ናይ ሞቱ ምሳሌ እዩ። ወርቂ እንገብረሎም ነገሥታት ቅድም ፍጡራን ደሓር ከኣ ኃለፍቲ እዮም። ንስኻ ግና ቅድም ዘይተፈጠርካ ደኃር ከኣ ሕልፈት ዘይብልካ ኢኻ። ዕጣን እንዓጥኖም ጣኦታት ቅድም ዝተፈጥሩ ደሓር ከኣ ዘይተሓልፍ ሕያው ኢኻ። ከርበ ኣምጽኡሉ በለ፡ ምንም እኳ ቅድም ዘይተፈጠርካ ደኃር’ውን ዘይትሓልፍ ሕያው እንተኾንካ ብዝለበስካዮ ሥጋ መሪር ሞት ክትጥዕም ኢኻ ኪብሉ ከርበ ገበርሉ። 

ወርቂ ገበርሉ በለ፡ ወርቂ ጽሩይ እዩ። ጽሩየ ባሕርይ ኢኻ። ዕጣን ምዑዝ እዩ። ምዑዘ ባህርይ ኢኻ ክብሉ። ከርበ ንዝተሰብረ ዝጽግን ንዝተፈላለየ ሓደ ዝገብር እዩ። ንስኻ ድማ ካብ ማሕበረ መላእኽቲ ተፈልዩ ንዝነበረ ኣዳም ጽንዓት ነፍሲ ሂብካ ናብ ማኅበረ መላእኽቲ ክትመልሶ ኢኻ ክብሉ ወርቂ ዕጣን ከርቤ ገበሩሉ። (ትርጓሜ ወንጌል) ስሂን ዝተባህለ ጨና ሒዞም ምኻዶም ድማ ስለ መለኮታዊት ክህነቱ ዝተዋህበ እዩ (ወስሂነሂ በእንተ ክህነቱ መለኮታዊት) (ተአምረ ኢየሱስ)። 

ወርቂ ዘምጽኦ ካብ ነገደ ሴም እዩ። ምኽንያቱ መንግሥትነት ካብ ነገደ ሴም ስለዝኾነ። ዕጣን ዘምጽኦ ካብ ነገደ ያፌት እዩ። ካህናት ካብ ነገደ ያፌት ስለዝበዝኁ ከርበ ዘምጽኦ ካብ ወገን ካም እዩ። ምእመናን ካብ ነገደ ካም ስለ ዝበዝኁ እዩ። 

ሰጊዶሙሉን ገቢሮሙሉን ክምለሱ ከለዉ ከኣ ካብኣቶም ነቲ ዝነኣሰ ብኣምሳለ ሕፃን ነቲ ጐበዝ ብኣምሳለ ወሬዛ (ጐበዝ) ነቲ ሽማግለ ብኣምሳለ ኣረጋዊ ተራእዮም። ወጺኦም ክኸዱ ከኣ እቲ ዝነኣሰ መልክዐኛ ሕጻን በለ። እቲ ጐበዝ ድማ ጽቡቕ ጐበዝ እባ በለ። እቲ ሽማግለ ድማ ጽቡቕ ሽማግለ እባ ድኣ በለ። በዚ ምፍልላይ ርእየቶም ተገሪሞም መላሊሶም ኣትዮም ብዝረኣዩ ድማ ሕጂውን እናተቀያየረ ከምዝተራእዮም ይግለጽ። ኵሎም ድማ በብእዋኑ ሰሠለስተ መልክዕ ረአዩ። በዚ ዝተገልጸሎም ናይ ሓድነትን ሠለስትነትን ምሥጢር እናተገረሙ ድኅሪ ምጽናሕን፤ ነቲ ዝመጹሉ ዕላማ ድኅሪ ምፍጻሞምን መገዲ ምምላሶም ክሓስቡ ጀመሩ። 

ፍጻሜ ጒዕዞን ምምላስን 

ሄሮድስ ኣነውን ምእንቲ ክሰግደሉ ብኣይ ተመለሱ ዝብል ቃል ነጊርዎም እኳ እንተነበሩ፤ ናብ ሄሮድስ ከይምለሱ መልኣኽ እግዚአብሔር ብሕልሚ ነግሮም። መገዲ ሄሮድስ ገዲፎም ብካልእ መገዲ ናብ ሃገሮም ክምለሱ ድማ ወሰኑ። ብኻልእ መገዲ ኣጋ ምንቃሎም ኣዴና ቅድስት ድንግል መፋነዊ እትህቦም ነገር ኣይነበራን። ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ነቶም ነዚ ገጸ በረኸት ሒዞም ዝበጽሑ ነገሥታት ካልእ እትቕርበሎም ነገር ስለዘይነበራ ድማ ናይ ስገም ኅብስቲ ኣስኒቓ እያ ኣፍንያቶም (ወሶበ አቅረቡ ነገሥት አምኃሆሙ ለዘተወልደ ሕፃን ወሰገዱ ሎቱ ወእንዘ የሐውሩ ሀገሮሙ አስነቀቶሙ እግዝእትነ ቅድስት ድንግል በ፪ ማርያም ወላዲተ አምላክ ኅብስተ ስገም እስመ አልባቲ ካልእ ወኢምንተኒ)። 

በዚ መሠረት ነዚ ዝተዋህቦም ከም በረኸት ሒዞምን ብጐይታ ተባሪኾምን ብካልእ መገዲ ናብ ሃገራቶም ነቐሉ። ብኻልእ መገዲ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ብኻልእ ኃይለ ቃል፡ ብኻልእ ሃይማኖት ተመሊሶም ናብ ዓዶም ኣተዉ። ብኻልእ መገዲ ክልተ ዓመት ዝተጓዕዙሉ ብኣርብዓ መዓልቲ፤ ብኻልእ ኃይለ ቃል ኣበይ ኣሎ እናበሉ መጺኦም ረኺብናዮ ርኢናዮ እናበሉ ተመልሱ። ብኻልእ ሃይማኖት ንጉሠ ኣይሁድ እናበሉ መጺኦም ኣምላኽ ፈጣሪ እናበሉ ተመልሱ። 

ንሕና እተጽዋዕና ነቲ ሕይወትን ብርሃንን ዝኾነን ሕይወት ዝህብን ብርሃን ዝዕድልን ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ሓንሳብ ምስ ፈለጥናን ሰዓብናን ብኻልእ መገዲ እምበር በቲ ብዘይምፍላጥ ዝመጻእናሉ መገዲ ክኸውን ከምዘይብሉን ከምኡውን ከምዘይንምለስ ከምዝተኸልከልናን መሲሉ ቅዱስ ጎርጎርዮስ ዓቢይ ኣብ ድርሰቱ ምሂሩ ነይሩ። 

ኣብቲ ናትና ትውፊት ዝግለጽ ብዙኅ ነገር እኳ እንተዘይለ፤ ኣብ ካልኦት ትውፊታት ግና ነዞም ሰብአ ሰገል ቅዱስ ቶማስ ኣብቲ ናብ ሃገረ ህንደኬን ከባቢኡን ኣብ ዝገበሮ ሓዋርያዊ ዑደት ከምዘጥመቖም ይጥቐስ። ኣብ ካልእ ትውፊት ካልኦት’ውን ቅድስት ዕሌኒ ንግሥት ነቲ ኣዕፅምቶም ረኺባ ከም ዝኣከበቶ እሞ ናብ ቍስጠንጥንያ ኣምጺኣቶ ከምዝነበረትን ብዳኅራይ ዘመን ግና ናብ ሚላኖ ጸኒሑ ከኣ ናብ ካልእ ሃገር (ጀርመን) ከምዝግዓዘ ይዝረብ። 

እምበኣር ካብዚ ታሪኽ ሰብዓ ሰገል’ዚ እንታይ ንመሃር

መወከሲ ጽሑፍ 
መጽሓፈ ስንክሳር ዕለት ፳፱ ታኅሣስ 
መጽሐፍ ተኣምረ ኢየሱስ 
መጽሐፈ ተአምረ ማርያም 
መጽሐፈ አክሲማሮስ 
መጽሐፈ ገድለ አዳም 
መጽሐፍ ማኅሌተ ጽጌ 
ጽሑፋት ዮሐንስ አፈወርቅ 
ካልኦት ሓጸርቲ ጽሑፋት 


No comments:

Post a Comment