Tuesday, January 17, 2012

ቅዱሳት መጻሕፍትን ትውፊትን ቤተ ክርስቲያንና ብዛዕባ ሰብአ ሰገል እንታይ ይብሉ፧ (ካልኣይ ክፋል)

መሠረት 

ቅዱስ ማቴዎስ፡ ሰብአ ሰገል ኢየሩሳሌም ምስ ቀረቡ፡ ምስ ሄሮድስ ንዝነበሮም ዝርርብን፡ ኣብ ቤተ ልሔም ድማ ንዝገበርዎ ናይ መወዳእታ ስራሕን ፈልዩ ገለጸልና እምበር ምሉእ ታሪኾም ኣይሃበናን። ግና እቲ ቅዱስ ማቴዎስ ዝጸሓፈልና ታሪኽ ካብ ኣጸሓሕፍኡ ገለ ብድኅሪት ዝገደፎ ነገር ከምዘሎ ይእንፈተልና እዩ። ሓቂ ድማ ነቲ ንናይ ቅዱስ ማቴዎስ ታሪኽ ሰብአ ሰገል ምሉእነት ዘልብሶ ቅድሚኡ ካልእ ዓቢይ መሠረትን መበገስን ታሪኽ ከምዘለዎ እሙን ነገር እዩ። እዚ ኸኣ ንሰብአ ሰገል ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝተገልጸ ዠረደሽት ዝብሃል መሠረት ታሪኽ ዝኾኖም ኣቦ ምንባሩ መጻሕፍት ቤተ ክርስቲያን ይገልጹ እዮም። 

ዠረደሸት ቅድሚ ነዊሕ ዘመናት ኣብ ጥቓ ዓይኒ ማይ ተቐሚጡ ጥበብ ኪመራመር ከሎ፡ ሕፃን ዝሓቖፈት ድንግል ኣብ ሰሌዳ ኮኸብ ተሳኢላ ረኣየ እሞ ተቐላጢፉ ነቲ ዝተገልጸሉ ምስሊ ኣብ ሰሌዳ ብርት ቀሪጹ ኣንበሮ። ኣብ ኣጋ ምማቱ ከኣ ነቶም ደቁ ኣኪቡ “ከምዚ ዚኣመሰለ ኮኾብ ክረአ ከሎ፡ ሰማያዊ ንጉሥ ኪውለድ እዩ እሞ ኬድኩም ነዚ ገጸ በረከት ወፍዩሉ፡ ስገድሉ” ዝብል ለበዋ ብቃልን ብጽሑፍን ገዲፉ ነበረ። (ትርጓሜ ቅዱስ ወንጌል) 

ድኅሪ ነዊሕ ዘመናትን ወለዶን እቲ ዝተባህለ ጊዜ ምስ ኣኸለ ከኣ ኣብ ሰማይ ከም ፀሐይ ዘብርቕ ኮኾብ ረኣዩ። ከም ዓንዲ ድማ ካብ ሰማይ ናብ ምድሪ ዝተዘርገሐ ነበረ። ሰብአ ሰገል ነዚ ፍሉይ ነገር ምስረኣዩ ኣዝዩ ደነቖም። ተመሊሶም ብዛዕባ ከዋክብቲ ዝገልጹ መጻሕፍቶም ገማጢሎም ተመልከቱ። ከምኡ ዝመስል ኮኾብ ግና ፈጺሞም ኣይረኸቡን። ኵሎም እቶም ካልኦት ከዋኽብቲ’ውን ተፈጥሮኣዊ ሕጎም ዓቂቦም፡ ሰማይ’ውን ምስ ንቡር ባህርያዊ ትሕዝቶኡ ኣብ ቦቦትኡ ከምዘሎ ኣስተውዓሉ። ነንሕድሕዶም ድኅሪ ምዝርራብ ድማ ኣቦታቶም ዘጽንሑሎም መጻሕፍቲ ክርእዩ ናብ ቤተ መዛግብቲ ንጉሥ ኣተዉ። ከምዚ ድማ ተብሃሃሉ፦ “እንተደኣ ብዛዕባ እዚ ኮኾብ’ዚ ዝምልክት ዝኾነ መልእኽቲ እንተደኣ ረኺብና፡ ኵሉ ዝኣዘዘና ክንፍጽም ኢና ተባሃሃሉ። ጌጋ እንተኾይኑ ግና ክንገድፎ ኢና” ብምባል ቃል ኣተዉ። 

ካብቶም ዝፈተሹዎም መጻሕፍቲ’ውን “ወልደ እግዚአብሔር ናብዚ ዓለም መጺኡ፡ ካብ ሰማይ ወሪዱ ሥጋ ከምዝለብስ” አዳም ንወዱ ሴት ጽሒፉ ዘመሓላለፎ ናይ ትእዛዝ መጽሓፍ ረኸቡ። እዚ ኣብ ዝፍጸመሉ ድማ ከም ዓምዲ ብርሃን ካብ ሰማይ ናብ ምድሪ ዝዝርጋሕ፡ ኮኾብ ኣብ ሰማይ ከምዝረአ ይገልጽ። “ኣብ ልዕሊ እቲ ኮኸብ’ውን ከም ፀሐይ ዘብርህ፡ ድንግል ሕፃን ወዳ ተሓቚፋ ኣብ ብርሃናዊ ዙፋን ተቐሚጣ ክትርአ እያ። እቲ ሕፃን’ውን ኣብ ርእሱ ናይ ጐይትነቱ ዘውዲ ደፊኡ ክረአ እዩ። ሰማይን ምድርን ኣብ ዕማዅ ኢዱ ዝተተሓዙ እዮም። ንሱ ናይ ፍጥረታት ኵሉ ኣምላኽ እዩ” ዝብል ይርከቦ። ነዚ ምልክት ምስ ረኣዩ ድማ እቲ ሕፃን ንዝተወለደሉ ስፍራ ደልዮም ክርኽቡ ከምዘለዎም ዝእዝዝ ትሕዝቶ ነበሮ። እቲ ፍሉይ ኮኸብ’ውን ስለቲ ዝውለድ ኣምላኽ ዝተራእየ ምዃኑ ብግሉጽ ተጻሒፉ ነበረ። ኣዳም ኣቦና’ውን ካብ ገነት ወጺኡ፡ ኣብ ደብረ ቅዱስ ኣብ ዝተቐመጠሉ እዋን ካብ ዝዓቀቦ ክቡር መዛግብቲ፡ ኣቦታትና’ውን ካብ ዘጽንሑልና ወርቅን ከርቤን ገጸ በረኸት ኣቕርቡሉ ዝብል ጽሑፍ’ውን ረኸቡ። (ተኣምረ ኢየሱስ) ድኅሪ’ዚ እቶም ነገሥታት ካብ ዘዘለዉዎ ተጸዋዊዖም ነቲ ኣቦታቶም ዘጽንሑሎም ትእዛዝ ክፍጽሙ ተበገሱ። 

ብኻልእ ጽሑፋት’ውን በለዓም ንዝረኣዮ ትንቢት ኮኾብ (መኅደር ኣምላኽ ዝኾነት ቅድስት ድንግል ማርያምን ወዳ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ) ብሰሌዳ ሥዒሉ ኣቐሚጡ ስለዝነበረ ካብ ትውልዲ ናብ ትውልዲ እናተመሓላለፈ ጸኒሑ ዝብል ትውፊት’ውን ከምዘሎ ነዘክር (ዘኁ ፳፬/24) ። 

ብዝኆምን ምብጋሶምን 

እዞም እዚ ምልክታዊ ኮኾብ ዝተራእዮም ሰብአ ሰገል ካብ በብዓዶም ክብገሱ ከለዉ ፲፪ ነገሥታት ዝነበሩ ኮይኖም፡ ዘሰነይዎም ነናቶም እልፍ እልፍ ዝኸውን ሠራዊት ነበሮም። ይኹን ደኣ እምበር ፈለገ ኤፍራጥስ ምስ በጽሑ በቲ ሓደ ኣብ ሃገራቶም ወረ ኲናት ከም ዝተላዕለ ብምስምዖም፡ በቲ ካልእ ድማ ጒዳይ ስንቂ ኣብ ስክፍታ ስለዘብጽሖም (ምውዳእ)፡ በቲ ንጉሠ ነገሥት ፋርሻቡር ተመሪሖም እቶም ፱ (9) ነገሥታት ንድኅሪት ተመልሱ። (ትርጓሜ ወንጌል) እቶም ፫(3) ነገሥታት ግና መገዶም ብኮኾብ እናተመርሑ ቀጺሎም ኢየሩሳሌም በጺሖም እዮም። (ተኣምረ ኢየሱስን ትርጓሜ ወንጌልን) 

እቶም ኣብ ቤተ ልሔም በጺሖም ንዝተወልደ ጐይታ ዝሰገዱን ገጸ በረኸት ዘቕረቡን እዞም ሠለስተ ነገሥታት ድማ ማንቱሲማር፡ ዲዳስፋ፡ ሜልኩ ይብሃሉ። መበቆሎም ድማ ካብ ፋርስን ባቢሎንን ምድረ ሳባን ዓረብን (ምድረ ኣግኣዚ) ከምዝኾነ ታሪኽ የረድእ። እዚ ትውፊት ድማ ብብዙኃት ተመራመርቲ ቅዱሳት ታሪኽ ከም ርጉጽ ነገር ዝተወስደ እዩ። ስለዚ እዩ ድማ ኣብ ዝኾነ ጥንታዊ ይኹን ዘመናዊ ኣሣዕል ካብዞም ሰብአ ሰገል፡ እቲ ሓደ ካብ ምድረ ኣግዓዚ ንዝኸደ ንጉሥ ጽልም ብዝበለ መልክዕ ዝሠዓል። ኢትዮጵያውያን ሊቃውንቲ ነዚ ኣብ ኣኵሱም ዝነበረ ንጉሥ ባዜን ኢሎም ይሰምይዎ። 

ቅዱስ ዮሐንስ አፈወርቅ’ውን እቶም ነገሥታት ሠለስተ ምንባሮም ኣብቲ ድርሳኑ ገሊጽዎ ኣሎ። ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ዓለም ብዛዕባ እዞም ሰብአ ሰገል ዝተፈላለየ ትውፊት ከምዘሎ ምዝካር ኣገዳሲ እዩ። ካብኡ ናብኡ ኣብ ዝበዝኁ ትውፊታት እቶም ሰብአ ሰገል ብፍቕዲ ሠለስተ ምንባሮም ዝሰማማዑ እኳ እንተኾኑ፤ ኣብ ስሞም ግና ፈጺሞም ኣይራኸቡን እዮም። ብዘይካ ኣብ ግእዛዊ መጻሕፍቲ ዝርከብ ጥንታዊ ትውፊት፡ ንካልኦት ትውፊታት ላቲን፡ ጽርዒ፡ ዕብራዊ፡ ፋርሳዊ፡ ሶርያ፡ ኣርመንያ ምስ እንምልከት ፈጺሙ ነንሕድሕዱ ዘይሰማማዕ ስማት ኢና ንረኽብ።

‘ኮኾቡ’፡ ዓይነቱን ምሳሌኡን 

ንሰብአ ሰገል መሪሕዎም ዝኸይድ ዝነበረ ኮኾብ ከም ካልእ ኮኸብ ታራ ኮኾብ ኣይነበረን። ነዚ’ውን ቅዱስ ዮሐንስ ኣፈወርቅን ከምኡውን ካብቶም ሓዋርያነ አበው ዝነበሩ እሞ ድኅሪ ቅዱስ ጴጥሮስ ናይ ኣንጾኪያ ሊቀ ጳጳስ ዝነበረ ኣግናጥዮስ ዝመስከርዎ እዩ። ቅዱስ አግናጥዮስ ወሲኹ ብዛዕባ እቲ ኮኸብ’ቲ “ነቶም ዝርእይዎ ኣዝዩ ዕፁብ ብርሃን ዝፍኑ፤ መግለጺ ዘይርከቦ ድንቒ ብርሃን” ምንባሩ ጽሒፉ ነይሩ። ከምቲ ቅዱስ ሚካኤል ንእሥራኤላውያን ካብ መግዛእቲ ምድሪ ግብጺ ሓራ ወጺኦም ኣብ ዝኸዱሉ ቀትሪ ብደመና፡ ለይቲ ብዓንዲ ብርሃን ይመርሖም ከምዝነበረ፤ ንሰብአ ሰገል’ውን ዝመርሖም ዝነበረ ኮኸብ ፍሉይነት ነይርዎ ይብሉ ሊቃውንቲ። ስለዚ መልአኽ ነይሩ ዝብሉሉ ጊዜ’ውን ኣሎ። 

ብኮኸብ ኣምሳል ዝተራእየ እምበር ታራ ኮኾብ ዘይምንባሩ ምእንቲ ክፍለጥ ንዝነበሮ ጠባያት ምስትውዓል ጽቡቕ እዩ። ኣብ ሰብ ክበጽሕ ከሎ ምስዋሩ፤ ብቀትሪ ዝረአ ምንባሩ፤ ኣንፈቱ ካብ ንቡር ምሕዋር ኮኾብ ዝተፈልየ ምንባሩ፡ ብቆመ ብእሲ ትኹል ተነቚቱ ይረአ ምንባሩ ወቦ ዘተርፈ ዝጥቀሱ መለለዪታቱ እዮም ነይሮም። እዞም ጠባያት ከኣ ከም ካልእ ኮኾብ ዘይምንባሩ ክንፈልጥ የኽእለና እዩ። (ትርጓሜ ወንጌል) ኣብ መፋርቕ ፬ይ ክፍለ ዘመን ክሳዕ ቀዳማይ ክፋል ፭ይ ክፍለ ዘመን ዝነበረ ናይ ቍስጥንጥንያ ሊቀ ጳጳስ ቅዱስ ዮሐንስ አፈወርቂ’ውን ከምኡ እዩ ኣብሪሁ ገሊጽዎ። 

እቲ ኮኾብ ከምቲ ካልእ ዝኾነ ታራ ኮኸብ ዘይኮነሲ ፍሉይ ኮኸብ ምንባሩ ንምርዳእ’ውን፡ እቶም ሰብአ ሰገል ዝበልዎ ቃል ምምርማሩ ዝያዳ ንጹር ይገብሮ። ‘ኮኸቡ ርኢና’ (እስመ ርኢነ ኮከበ ዚአሁ) ኢሎም ፈልዮም እቶም ሰብአ ሰገል፡ ናብ ጐይታ መራሒ ብዛዕባ ዝኾነ ኮኸብ ይዛረቡ ከምዝነበሩ ቅዱስ ማቴዎስ ገሊጽዎ ኣሎ። እዚ ኸኣ ብዛዕባ እቲ ዝውለድ ጐይታ ኣቐዲሙ ተነጊሩ ከምዝነበረን፡ በቲ ፍሉይ መራሒ ዝኸውን ኮኾቡ ተመሪሖም ይኸዱ ከምዝነበሩ ከነስተውዕሎ ንኽእል። 

ብኮኸብ ተመሪሖም ምምጽኦም’ውን ብዘይ መሠረትን ትርጉምን ከምዘይኮነ ነስተውዕል። እዚ ኮኸብ’ዚ ናይቲ ካብ ቅድስት ድንግል ማርያም ዝተወልደ አምላክ ወልደ አምላክ ናይ ኢየሱስ ክርስቶስ ምሳሌ እዩ። ሰብአ ሰገል’ውን ኣብ ኢየሩሳሌም ምስ በጽሑ ንሄሮድስ ምኽንያት ምምጽኦም ክነግሩ ከለዉ ዝበለዉዎን፡ ነቲ ብወገን ምብራቕ ጀሚሩ ንዝመርሖም ዝነበረ ኮኾብ ብምጥቓስ እዩ። “ኮኸቡ ብምሥራቕ ርኢና እሞ ክንሰግደሉ መጺእና” (ማቴ ፪፥፪)። ኮኸቡ ምባሎምን ብሓደ ወገን ብተፈጥሮ ገንዘቡ ዝኾነ እዩ፡ ብሓደ’ውን ኣምሳሉ ዝኾነ ኮኸብ ርኢና መጺእና ምባሎም እዩ። እዚ ናይ ክርስቶስ ምሳሌ ዝኾነ ኮኸብ፡ ናብቲ አማናዊ ኮኾብ ዝኾነ ክርስቶስ መሪሑ ኣብጺሕዎም። 

ነዞም ሰብአ ሰገል ብኾኾብ ዝመርሖም ስለምንታይ እዩ እንተበልና፡ ብልማድ ኣሕዛብ ንምስሓብ ዝተገብረ እኳ እንተኾነ’ውን፡ ፍጻሜኡስ ድኅሪ ንጐይታ ምርካቦም ሃይማኖት ከምዘጸንዑ ንምምልካት እዩ። ካብቲ ወገን ኣሕዛብነት ወጺኦም ናብቲ ሕዝቢ ዘብሎም እሥራኤል ዘነፍስ ንኽንጽንበሩ እተጸውዑ ምዃኖም ንምግላጽ እዩ። 

ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ሕዝብን ኣሕዛብን ሓደ ክገብር ዝተወልደ ኣምላኽ እዩ። እቶም ሕዝቢ ዝተባህሉ እስራኤል ዘሥጋን ውሑዳት ካልኦትን እንተዘይኮይኑ ኣብ ዘመነ ብሉይ ኵሉ ካብ ኣምልኾት እግዚአብሔር ተፈልዩ ነይሩ። እዚ ከኣ ካብ አበ ብዙኃን አብርሃም ኣትሒዙ ሕዝብን ኣሕዛብን ብግዝረትን ቍልፈትን ተፈላልዮም እዮም ጸኒሖም። ንአብርሃም ግና ኣሕዛብ ኵሎም ብስሙ ከምዝባረኹ፤ ዘርኡ ካብ ከዋክብቲ ሰማይ ካብ ኁፃ ምድሪ ከምዘብዝኆ ቃል ኪዳን ኣተወሉ። በዚ መሠረት ከኣ ኣምላኽ ፍጹም ሰብ ኮይኑ ምስ ተወልደ እቲ ዝተነግረ ትንቢት ሓቂ ምዃኑ፡ ጐይታ ሕዝብን ኣሕዛብ ብሃይማኖት ብጥምቀት ሓደ ክገብር ዝመጸ ኣምላኽ ምዃኑ፡ ንሕዝብን ኣሕዛብን እሥራኤል ዘነፍስ ተባሂሎም ኣብ ሓደ ደምበ ክጥርንፎም ዝመጸ ጓሳ ምዃኑ ኣርኣየና። ምስክር ክኾኑ ድማ በቶም ቅዱሳን መላእኽቲ ዝተበሰሩ ጓሶት ካብ ወገን ሕዝቢ፤ ካብ እስራኤል ወጻኢ ካብ ዝኾኑ ኣሕዛብ ድማ ነቶም ሰብአ ሰገል ከምዝመጹ እሞ ከምዝሰግዱሉ ገበረ። ስለዚ እዩ ድማ ጐይታና መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ሓረገ ትውልዱ ካብ ሕዝቢ ካብ ዝተባህሉ እስራኤል ጥራይ ዘይኮነስ ካብቶም ኣሕዛብ’ውን ክሕወስ ፍቓዱ ዝኾነ። 

እቲ ኮኸብን ትንቢታዊ ትርጉሙን
                                                                                                   ይቕጽል...


No comments:

Post a Comment