Thursday, January 19, 2012

ቃና መስክሪ!

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን።

ቃና፡ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ድኅሪ ጥምቀቱ ኣብ ቅድሚ ሕዝቢ ብጋህዲ እቲ ቀዳማይ ተኣምራቱ ዝፈጸመላ እያ። ነዚ ድንቂ ተኣምራት ጐይታ ክትርእይን ክትምስክርን ዝተመርጸት ዓዲ ብምዃና ድማ ስማ ወትሩ ክዝከር ይነብር። እዚ ተኣምር እትፈጸመላ ዓዲ ኣብ ኣውራጃ ገሊላ ስለእትርከብ ድማ ቃና ዘገሊላ እናበልና ንጽውዓ። ጐይታ ነቲ ዕፁብ ዝኾነ ቀዳማይ ተኣምሩ ዝፈጸመሉ ስፍራ ኣብዚኣ ዓዲ - ኣብ ቤት መርዓ ናይ ዶኪማስ ነበረ። ጐይታ ኣብ ቤት መርዓ ተረኺቡ ዝፈጸሞ ቀዳማይ ተኣምር ብምዃኑ ጥራይ ዘይኮነስ፡ እቲ ተኣምር ብዙኅ ትምህርትን መልእኽትን ስለዘለዎ ቤተ ክርስቲያን ካብቶም ፱ ንኡሳን በዓላት ጐይታ ሰሪዓ ብዝደመቐ ኣገባብ ከተኽብሮ ትነብር ኣላ። “እንዘ ሥውር እምኔነ፡ ይእዜሰ ክሡተ ኮነ” “ማየ ረሰየ ወይነ” እናበለት ድማ ነቲ ማይ ናብ ወይኒ ብተኣምራቱ ምልዋጡ እናዘከረት ደስ ብዘብል ሰማያዊ ዜማ ከኣ ነዚ ንዝገበረ ጐይታ ከተመስግኖ ትነብር። እምበኣርከስ ጐይታ ነዚ ድንቂ ተኣምራት ዝፈጸመሉ ዕለት ፳፫/23 የካቲት እንተኾነ’ውን፡ ማይ ምስ በዓለ ማይ ንምግጣሙ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ጽባሕ በዓለ ጥምቀት ፲፪/12 ጥሪ ከምዝኽበር ሥርዓት ሠሪዓትልና ኣላ። በዓለ ጥምቀት ዝማእከሎም ሠለስተ በዓላት ማይ ድማ ኣብ ሠለስተ መዓልቲ ብተኸታታሊ ይኽበሩ።

ቅድሚ ክልተ ሰሙን ኣቢልና፡ ሰማያዊ ኣምላኽ ብተዋሕዶ ፍጹም ሰብ ኮይኑ ካብ ቅድስት ድንግል ማርያም ከምዝተወልደ ቤተ ልሔም ንዝረኣየቶ መስኪራትልና ነበረት። ኣብቲ ቦታ ምስክር ክኾኑ ድማ ዝተዓደሙ ሰማያውያን መላእኽትን ምድራውያን ጓሶትን ነገሥታትን እንሰሳትን ነበሩ። ሎሚ ድማ ቃና እትምስክሮ ኣለዋ እሞ ንስምዓያ። ከምቶም ኣብቲ መርዓ ዝተዓደሙ ደቂ ዓዲ ንሕና’ውን ግብሪ ኣምላኽ ክንርኢ፤ ኽብርን ኣማላድነት ወላዲቱ ክንሰምዕ፤ ክብሪ ንጹሕ መርዓ ከነኽብር ተዓድሚና ኣሎና እሞ ነቲ ዝወሃብ ምስክርነት ጽን ምባል የድሊ። ቃና ድማ ነቲ ኣብ ከርስኺ ዝተፈጸመ እሙን ነገር፡ ወይኑ ወዲኡ መቐረት ኣልባ ኮይኑ ንዘሎ ዓለም፡ ብጥርጥር ማእበል ተደፊኡ ኣብ ናይ ክሕደት ባሕሪ ንዝጥሕል ዘሎ ወዲ ኣዳም ዓው ኢልኪ መስክርሉ።
ፍቁረ እግዚእ ዮሐንስ ብዛዕባ ቃና እንታይ በለ 

ወንጌላዊ ቅዱስ ዮሐንስ ካብ ካልኦት ወንጌላውያንን ሓዋርያትን ብዝተፈልየ፡ ብዛዕባ ኣብ ቃና ዘገሊላ ዝተገብረ መርዓ መዝጊቡልና ኣሎ ቅዱስ ዮሐንስ ዝጸሓፎ ወንጌል ብትሕዝቶኡ ይኹን ብኣጸሓሕፍኡ ፍልይ ዝበለን፡ ዝያዳ ካልኦት ብረቂቕ መለኮታዊ ምሥጢር ዝሃብተመን እዩ። ከም ካልኦት ወንጌላውያን ምድራዊ ልደት ጐይታ ወይውን ጐይታ ብሥጋዌ ንዝፈጸሞም ነገራት ኣይኮነን ወንጌሉ ዝፈለመልና። ኣካል ምስ ህልውና ተገሊጹሉ፡ ናይ ቃል ብቕድምና ምንባርን ዘለዓለማዊ ኣምላኽነትን ብምግላጽ እምበር። ኣብቲ ወንጌሉ’ውን ብዝይዳ ናይ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ናይ ባህርይ ኣምላኽነት ኣስፊሑን ኣምሊኡን ዝጸሓፈ እዩ። ስለዚ እዩ እምበኣር ኣቦታት ብዓይነ ንስር ንዝመሰልዎ ወንጌላዊ ዮሐንስ ታኦሎግስ (ነባቤ መለኮት) እናበሉ ዝጽውዕዎ።

እምበኣር እዚ ቅዱስ ናይ ምሥጢር ሐዋርያ እዚ እዩ ጐይታና ኣብ ቤት መርዓ ተረኺቡ ንዝፈጸሞ ተኣምር ገሊጹ ዝጸሓፈልና። እዚ መርዓ’ዚ፡ ጐይታ ድኅሪ ጥምቀቱ ናብ ገዳመ ቆሮንቶስ ኣትዩ ፵ መዓልትን ፵ ለይትን ብጾም ድኅሪ ምጽንሑን ንፈተና ሰይጣን ድኅሪ ምሥዓሩን ኣብ ሣልስቱ ዝተገብረ ነበረ ይብለና። እቶም ሰብ መርዓ ቤተ ዘመድ ስለ ዝነበሩ ንቅድስት ድንግል ኣዲኡ ናብዚ መርዓ ዓዲሞማ ነበሩ። ጐይታ’ውን ምስ ደቀመዛሙርቱ ተዓዲሙ ኣብቲ መርዓ ተረኺቡ ነበረ። እቲ መርዓ ብጽቡቕ ኣገባብ እናቐጸለ እንከሎ፤ እቶም ሰብ ውራይ’ውን ኣጋይሾም ብጽቡቕ ዕንግዶት እናተቐበሉ ከለዉ፤ ዝቐረብዎ ስቴ ወይኒ ተወድአ። ኣብቲ ፍስሓ ዝዓሰሎ ቤት መርዓ፡ ሕፍረትን ጭንቀትን ደባበነ። ነዚ ዝተረድአት ኣዴና ቅድስት ድንግል ግና ወሊዳ ንዘዕብየቶ ገባሪ ተኣምር ዝኾነ ወዳ፡ ገና ዓለም ከይተጋህደላን ከይፈለጠቶን ከላ፡ ፍጹም ኣምላኽነቱ ዝኣመነትን ዝፈለጠትን ኣዲኡ ወላዲቱ ብምዃና፡ ናብ ወዳ ብቀጥታ ብምኻድ ገለ ክገብር ከምዘለዎ ብዘዘኻኽር ኣገባብ “ወይኒ እምበር የብሎምን” በለቶ። ንዓና ትምህርቲ ብዝኸውን ፍሉይን ረቂቕን ምሥጢር ከኣ ጐይታ ንክብርቲ ኣዴኡ መልሲ ሃባ። “ኣቲ ሰበይቲ፡ ምሳኺኸ እንታይ ኣሎኒ ጊዜይ ገና ኣይበጽሔን” በላ ብምባል እዚ ቅዱስ ወንጌላዊ ይነግረና።

እምበኣር ኣብዚ እዩ ኣደን ወድን ንዝተረዳድኡሉ ቋንቋ ኣስተውዕሎን ኣንክሮን ዘድሊ። ወንጌል፡ ኣብ ሞንጎ ወላዲቱ ቅድስት ድንግልን ወዳ መድኃኔ ዓለምን ንዝተገብረ ውሑድ ምዝርራብ እዩ መዝጊቡልና ዘሎ። ወትሩ ድማ ኣብቲ ምዝርራብ ድንቂ ዝኾነን ባህ ዘብልን ምሥጢር ንረኽበሉ ኢና። እዚ ናይ ቃና ድማ ሓደ ካብቲ ውሑድ እዩ። ዓለም ነዚ ቋንቋ እዩ ድማ ክሳዕ ሎሚ ምርዳእ ሸጊርዋ ዘይትርጉሙ ክትህቦ እትፍትን ዘላ። ነስተውዕል! ብብስራት መልኣኽ ብግብሪ መንፈስ ቅዱስ ዝጸነሰቶን ኣብ ማኅፀና ዝጾረቶን፡ ብዝደንቕ ኅቱም ድንግልና ጸኒሳ ዝወለደቶን፡ ጡባ ኣጥቢያ ዘዕበየቶን፡ ሓቚፍ ዝተኸናከነቶን፡ ኣብ ዝባና ዝሓዘለቶን፡ ካብ ምውላዱ ክሳዕ ስቕለቱ ፈጺማ ካብኡ ዘይተፈለየት ኮታ ልዕሊ ዝኾነ ሰብ ጐይታ መን ምዃኑን እንታይ ከምዝገብርን ኣጸቢቓ እትፈልጦ ናይ ምሥጢሩ መዝገቡ እተባህለት ኣዲኡ እያ ንወዳ ኣብ ቃና ተዛሪባቶ። ብሓጺሩ ናብኡ ምምጽኣን ምዝራባን ከኣ ንሱ ክርስቶስ ወዳ መን ምዃኑን፤ እንታይሲ ከምዝገብር ቅድምን ልዕልን ዝኾነ ሰብ ስለእትፈልጥ እያ። ድንቂን ምሥጢራዊን ዘረባ ምስተዛረባ’ውን ነቲ ሕቶኣ መልሲ ከምዝረኸበትሉ ብምርግጋጽ ብቀጥታ ናብቶም ተዓጠቕቲ ምልስ ኢላ “ንሱ ዚብለኩም ኲሉ ግበሩ፡” በለቶም። ጐይታ’ውን ኣዲኡ ንዝበለቶ ኵሉ ፈጸመላ። ሕፈረትን ጭንቀትን ናይቶም ሰባት ከኣ ንማይ ናብ ወይኒ ብምልዋጥ ናብ ሓጐስ ቀየሮ። እቲ ወይኒ’ውን ኣዝዩ ጥዑም ብምንባሩ ኵሎም ዝጠዓምዎ ኣስተንከሩ። ነዚ ተኣምር ርእዩ ዝጸሓፈልና ቅዱስ ዮሐንስ ክንደይ ባህ ዘብል ቃል ምስክርነቱ እዩ ሂቡና። (ዮሐ ፪፥፩-፲፪/2፥1-12) ሎሚ ናይ ኣደን ወድን ዘረባ ዘይተረድኦም ሰባት ወትሩ ክዕንቀፉ ንርኢን ንሰምዕን። እቲ ቋንቋን ቃላቱን’ኳ እንተኸበዶም፡ ነቲ ግብሪ እኳ እንተዝምርምሩን እቲ ሕቶኣ ብዘይ ተወሳኺ ልማኖ ከይደንጐየ ብወዳ ምፍጻሙን እንተዘስተውዕሉ ክንደይ ሰናይ ምኾነ!

ቃና - ካብቲ መልእኽታታ

ኣብ ቤት ዶኪማስ ዝተፈጸመ ተኣምር ክንዲ ባሕሪ ዝዓምቚ ምሥጢር እዩ ሓቍፉ ዝርከብ። ቃና ኣብ ውሽጣ ብውሑድ ቃላት ምዝርራብ፤ ብዘደንቕ ጥበብ ኣምላኽ ዝተፈጸመ ተኣምር ሎሚ’ውን ትምስክር ኣላ። ነፍስ ወከፍ ኣብዚ ክፋል ወንጌል ዘሎ ቃል ኃያሎ ምሥጢር ጐይታ ሓቚፉ ይርከብ። ነየናይ ኣልዕሊና ነየናይ ክንገድፎ ይሽገረና፡ እቶም ቀዳሞት ቅዱሳት ኣቦታት ተርጒሞም ንዘጽንሑልና ኣብ ትርጓሜ ወንጌል ንዘሎ ጽሑፋትን ክንመልከትን መምህራን ክንሓትትን ሓደራ ንብል።

ብሊቃውንቲ ትምህርት’ውን ቃና ናይ ወልድ ዋሕድ ጐይታ አምላኽነትን ፍጹም ከሃሊነቱን፡ ናይ ኣዲኡ ቅድስት ድንግል ማርያም ርኅራኀን ኣማላድነትን፡ ናይ መርዓ ክቡርነትን ቅዱስነትን ዝተመስከረላ እያ። ብተወሳኺ’ውን ናይ ኣምላኽ ንወድ ሰብ መድኅን ክኸውን ስቴ መድኃኒት ስቴ ሕይወት ክህብ ብተዋሕዶ ዝተገልጸ ኣምላኽ ምዃኑን፡ ኣዴና’ውን መሠረተ ሕይወት ምዃናን፡ ተዓጠቕቲ ዝተባህሉ መምህራነ ቤተ ክርስቲያን ንዘለዎም ግደ ወቦ ዘተርፈ እትምስክር እያ። ንኵሉ እቲ ቃና ሓቚፋቶ ዘላ ነገራት ምዝርዛር ዝከኣል ስለዘይኮነ፤ ንሎሚ ግና ቃና ካብ ትምስክሮ ንገሊኡ ጨሊፍና ክንርእይ ኢና እሞ እግዚአብሔር ጥበቡን ምሥጢሩን ይግለጸልና።

ቃና - ብመንጽር ምሥጢረ ኤደን ገነት 
  
እግዚአብሔር ኣምላኽ ንአዳም ብአርአይኡን ብአምሳሉን ኣልዒሉን ኣኽቢሩን ድኅሪ ምፍጣሩ ኣብ ኤደን ገነት ኣቐሚጥዎ ነበረ። “ሰብአይ በይኑ ኪኸውን ጽቡቕ ኣይኮነን እሞ ንእኡ እትበቅዕ ደጋፊት ንግበረሉ” ብምባል ድማ እትድግፎ ካብ ኣካሉ ገበረሉ። ንሳ ድማ ሔዋን ነበረት። አዳም ኣቦና’ውን  “እዚኣ ዓጽሚ ኻብ ኣዕጽምተይ፡ ሥጋኣ ኸኣ ካብ ሥጋይ እያ፡ ካብ ሰብኣይ ተወሲዳ እያ እሞ፡ ሰበይቲ ትበሃል” ብምባል ሰመያን ኣኽቢሩ ተቐበላን። “ሰብኣይ ከኣ ኣቦኡን ኣዲኡን ይሓድግ፡ ምስ ሰበይቱ ኸኣ ይጠብቕ። ሓደ ሥጋ ድማ ይዀኑ።” ከምዝተባህለ መሠረት ኵሉ ደቂ ሰባት ንዝኾነ ቅዱስ ሕጊ ከብካብ ብፍቓድ እግዚአብሔር ኣብ ኤደን ገነት ተተኽለ። (ዘፍጥ ፪፥፲፯-፳፬/2፥17-24) እዚ ፍጹም ሓድነትን ውሕደትን ዝተክል ቅዱስ ሕጊ ብፍቓድ ሰብ ኣይመጸን፤ እግዚአብሔር ባዕሉ ነቲ ኣኽቢሩን ፈትዩን ንዝለዓለ ክብሪ ንዝመደቦ አዳም ሓሲቡ ዝሠረተሉ እዩ።

አዳም አቦና ግና ተጻባኢ ስለዝረኸበ ኣብቲ እግዚአብሔር ዝሠረተሉ ሕጊ ሓድነት ፈላላዪ ነገር ገጠሞ። ንሱ ኸኣ ዲያብሎስ ነበረ። ብሰንኪ ምኽሪ ዲያብሎስ ከኣ እታ እግዚአብሔር ቀዲሱ ዝሃቦን፡ ንቅድስና እተሓስበት ሓድነት ተናወጸትን ፈረሰትን። እቶም ሓደ ኣካል ዝኾኑ ኣዳምን ሔዋንን ኣብ ክንዲ ንእግዚአብሔር ብሓድነት ኣሥሚሮምን ኣመስጊኖምን ተቐዲሶም ዝነብሩላ ከኣ፡ መፍረስቲ ሕጊ ኮይኖም ክወቃቐሱን ክኻሰሱን ተረኽቡ። ካብታ እግዚአብሔር ዝሃቦም ስፍራ ድማ ተሰጐጉ። እቲ ሓንሳብ ብተንኮል ዲያብሎስ ዝፈረሰ ሕጊ ቅድስና፡ ፍጹም ዝነበረ መንፈሳዊ ዕላምኡ እናተገድፈን፡ ሥጋዊ ሓሳባትን ፈቓዳትን እናተወሰኾን ድማ ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ ደቂ ሰባት ናብ ርኽሰት ለወጥዎ። ደቂ ሰባት ከኣ በዚ ግብሮም ንእግዚአብሔር ኣሕዘኑዎን፤ ኣቖጥዕዎን። ብኸምኡ ድማ ነዊሕ ዘመናት ተቖጽረ። ዓለም ከኣ ብሰንኪ ምፍራስ እዚ ቅዱስ ሕጊ፡ ብዙኅ መቕሰፍትን ቊጥዓ እግዚአብሔርን ረአየትን መስከረትን። (ዘፍጥ ፮-፯ ዘፍ ፲፱)

እግዚአብሔር ኣምላኽ ግና ድኅሪ ውድቀት ኣዳምን ሔዋንን ባዕሉ መጺኡ ተዳሃዮምን ተስፋ ሃቦምን። እቲ ንአዳም ተዋሂብዎ ዝነበረ ተስፋ ድኅነት ጊዜኡ ምስ ኣኸለ፡ ዳግማይ ምስኡ ክንዕረቕን ደቁ ክንበሃልን ምእንቲ፡ ወልደ እግዚአብሔር ሰበይቲ ካብ ዝተባህለት ዳግማዊት ሔዋን ቅድስት ድንግል ማርያም ተወልደ። (ገላ ፬፥፬-፭/4፥4-5) ዘመኑ ካብ ናብ ዘይብሃለሉ ዘለዓለማዊ ጐይታ ፍጹም ሥጋ ብምልባሱ ዘመን ተቖጺሩሉ ወዲ ፴ ዓመት ስም ኮነ እታ ቀዳማይ ተኣምራት ክገብረላ ዝመረጻ ስፍራ ቃና ነበረት፤ እሞ ኸኣ ኣብ ቤት መርዓ። እግዚአብሔር ሰብ ዝኾነሉ ምኽንያት ንኣዳም ከድኅን ናብቲ ዝቐደመ ርስቱን ክብሩን ክሒሱ ክመልሶ ምእንቲ እዩ። ስለዚ ነቲ እግዚአብሔር ኣብ ኤደን ገነት ንዝሠርዓሉ ሕጊ ኣዳም ኣፍሪስዋ ነበረ እሞ፡ ጐይታ ነዛ ሕጊ ዳግማይ ከሕድሳን ከጽንዓን ክባርኻን ኣብ ቤት መርዓ ተረኽበ። መሠረት ኵሉ ወለዶ ንዝኾነ ሕጊ ኣቐዲሙ ሠርዒዋ ከምዝነበረ እሞ ዲያብሎስ ከምዝዘረጋ፤ ሕጂ ግና ንጸልማት ዲያብሎስ ኣርሒቑ ናብ ዝቐደመ ክብራን ቅድስንኣን ክመልሳ ዝመጸ ምዃኑ ከረድእ ንሱ ኣብ ቤት መርዓ ተረኺቡ፤ ኣብ ቀዳማይ ተኣምሩ ነቲ ማይ ናብ ወይኒ ለዊጡ ባሪኹ ሃቦም።

እምበኣር ቃና ናይታ ዝቐደመት ኤደን ተምሳል እያ። ነቲ ዝተባለሸወ ምድርን ሕይወትን ብደሙ ክቕድስ ዝመጸ እግዚአብሔር ጐይታ እዩ። ቃና ናይ ክርስቶስ እግዚአብሔርነት ትምስክር እያ። እግዚአብሔር ኣምላኽ ንአዳም አቦና ድኅሪ እታ ናይ እግዚአብሔር ፈጣሪነት፡ ኣዛዚነት፡ ሠራዔ ሕግ ምዃን፤ ናይ ኣዳም ፍጡርነት፡ ተኣዛዚነት፡ ተቐባሊ ሕጊ ምዃን፡ ብሓፈሻ ሥርዓተ ኣምልኾት እተፍልጥ ዕጸ በለስ ድኅሪ ምሃቡ እቲ ቀዳመይ ዝሠርዓሉ ሕጊ - ሕጊ ሓድነት ዝኾነ መርዓ ቅዱስ ከብካብ ንጹሕ እዩ ነይሩ። ሰይጣን ግና ብሥጋ ከይሲ ተሰዊሩ ነዚ ቅዱስ ሕጊ ኣፍረሰሉ። እግዚአብሔር ኣምላኽ ድማ ቅድስትን ንጽሕትን ካብ እትኸውን ቅድስት ድንግል ካብ ሥጋኣ ሥጋ ካብ ነፍሳ ነፍሲ ተዋሒዱ ቅድሚ ኵሉ ቀዳማይ ተኣምሩ ነዚኣ ሕጊ ብምቕዳስን ብምብራኽን ጀመረ።

ቃና - ብመንጽር “እታ ሰበይቲ” 

አዳም ነታ ካብ ሥጋኡን ዓጽሙን ብምዃና ‘ሰበይቲ’ ዝሰመያ ደጊሙ ኣደ ህያዋን ኮይና እያ እሞ ሔዋን ኢልዋ ነበረ። እምበኣርሲ ሔዋን ብሥጋ ኣደ ኵልና እንተኾነት’ውን፡ ኣማናዊት ናይ ኣዳምን ደቁን ሕይወት ዝኾነትሲ እታ ዳግማዊት ሔዋን ቅድስት ድንግል ማርያም እያ። ኣዳም’ውን እታ ቀዳመይቲ ሰበይቲ ዝበላ ሔዋን ሞት እምበር ሕይወት ኣየምጻኣትሉን። እታ ኣብ ሕቝኡ ዝነበረት ንጽሕቲ ዘርኢ ግና ዳግማዊት ሔዋን ሕይወት ኣምጺኣትሉ። እምበር ብትንቢት እዩ ነታ ሰበይቲ ዝተባህለት ዳግማዊት ሔዋን ሕይወተይ ዝብላ ዝነበረ። ከመይሲ ንሕና ደቂ ሰባት ብምኽንያት ሔዋን ሞት ተዓዊጁልና ነበረ፤ ብምኽንያት ቅድስት ድንግል ድማ ሕይወት ረኸብና። ብምኽንያት ሔዋን ገነት ተዓጽወ፤ ብምኽንያት ድንግል ማርያም ድማ ተኸፍተልና እዩ። ቅዱስ ኤፍሬም ሶርያዊውን ነዚ ነገር እዩ ኣመሥጢሩ ጽሒፉልና “ዘበእንቲአሃ ተሥዕረ ዘቀዳሚ መርገም እንተ ኀደረት ዲበ ዘመድነ በዕልወት ዘገብረት ብእሲት በልዐት እምዕፅ፡ በእንተ ሔዋን ተዐፅወ ኆኅተ ገነት፡ በእንተ ማርያም ድንግል ተርኅወ ለነ ዳግመ (ውዳ ማር ዘኃሙስ)።

ብምዃኑ’ውን ዳግማይ ኣዳም ዝተባህለ ጐይታ፡ ነታ ዝፈትዋን ዘኽበራን ካብ ኣንስቲ ኵሉ ኣደ ክትኮኖ ንዝኃረያ ቅድስት ድንግል “ኣቲ ሰበይቲ” ምባሉ ነየናይ ረቂቕ ምሥጢርን ፍጻሜ ትንቢትን የግህደልና ከምዘሎ ነስተብህል።  (ሮሜ ፭፥፲፪-፳/5፥12-20 ውዳ ማር ዘሰኑይ) እቶም ዝቐደሙ አበውን ነቢያትን ብዝተፈላለየ ኅብረ ኣምሳልን ኅብረ ትንቢትን ክገልጽዋን ከመልክትዋን ዝጸንሑ፡ ክብርት ወላዲተ ኣምላክ ክትከውን ዝመረጻ ኣደ ንሳ ከምዝኾነት፡ እዚ’ውን ኣብ ቅድሚ ኵሉ ግሁድ ክኸውን ምእንቲ እዩ “ኣቲ ሰበይቲ” ዝበላ። ናይ ነቢያት ትንቢት መፈጸምታ ንሳ ምዃና ዝምስክር ረቂቕ ናይ ክብሪ ኣጸዋውዓ እዩ። ክብርን ምስጋናን ንእኡ ይኹኖ፡ ኣቦኻን ኣዴኻን ኣኽብር ኢሉ ትእዛዝ ዝሃበ ጐይታ፤ ንኣዴኡ ልዕሊ መንም ኣኽቢርዋ እዩ። እኳ ደኣ መፈጸምታ ትንቢት ንሳ ምዃና ብምግላጽ። ኣብ መልዕልተ መስቀል ምእንታና ኣብ ዝተሰቕለሉ እዋን ናይ ኣዲኡ ነገር ሕጂ’ውን ከየትረፈ ንሕና ደቃ ክንከውን፤ ንሳውን ኣደ ክትኮነና ነቲ ዝፈትዎ ወዲ መዝሙሩ ቅዱስ ዮሐንስ ከርክቦ ከሎ “ኣቲ ሰበይቲ እንሆ ወድኺ” ብምባል እዩ ተዛሪብዋ። ቅዱስ ዮሐንስ ኣብ ራእዩ’ውን ፀሐይ ክርስቶስ ተወንዚፋ ንዝረኣያ፤ ዓቢ ኽብሪ ንዝተዋህባ፤ ምእንቲ መድኅን ዝኸውን ክቡር ወዳ መከራ ንዝተቐበለት ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም መፈጸምታ ትንቢት ምዃና ንምዝክኻር ሕጂ’ውን ደጋጊሙ “ሰበይቲ” እናበለ እዩ ጸዊዕዋ።

እምበኣር እታ ካብ ኣዳም ጀሚሩ ትንቢት ዝተነግረላ ሰበይቲ፡ ሕይወት ኣዳምን ደቁን ዝኾነት ዳግማዊት ሔዋን ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ምዃና ቃና መስኪራትልና ኣላ። “ኣብ መንጎኻን ኣብ መንጎ እዛ ሰበይትን፡ ኣብ መንጎ ዘርእኻን ኣብ መንጎ ዘርኣን ከኣ ጽልኢ እተክል ኣሎኹ። ንሱ ርእስኻ ኪጭፍልቖ እዩ፡ ንስኻ ድማ ሸዀናኡ ክትነክስ ኢኻ፡ በሎ።” (ዘፍጥ ፫፥፲፭/3፥15) ተባሂሉ መርገም ምስ ተስፋ ብእግዚአብሔር ከምዝተነግረ፡ ርእሲ ዲያብሎስ ብመስቀል ዝጨፍለቐ፡ ጐይታ ዝወለደትልና እዛ “ሰበይቲ” ክብርቲ ወላዲተ አምላክ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም እያ። አበው ወነቢያት ንዘመናት ነዚኣ ኣደን ድንግልን ንዝኾነት ‘ሰበይቲ’ ንዝተባህለት ዳግማዊት ሔዋን ካብ ኣብራኾም ክትውለድ እሞ ሕይወት ክርኽቡ ክጽበዩ እዮም ጸኒሖም ነይሮም። ትንቢትን ምሳሌ’ውን ክንበዩን ክምስሉን ዘመናት ኣሽሓት ዘመናት ኣኅሊፎም እዮም። ኣብ ቃና ዘገሊላ ግና ጐይታ እቲ ናይ ዘመናት ተስፋን ትጽቢትን ኣቦታታ ከምእተፈጸመ ነኸብስሮም እዩ “ኣቲ ሰበይቲ” ዝበላ። እሞ እዚ ነቶም ዝሰምዕዎ ኣዳምን ደቁን ክንደይ ባህ ዘብል እዩ። ኣቦታት ንቃና ኣብ ዝዝክሩሉ እዋን እቲ ነቲ ተኣምራታዊ ወይኒ ጥዒሙ ዘደንቐ ሊቀ ምርፋቅ ናይ ኣቦና አብርሃም ምሳሌ እዩ ዝብሉ። ምኽንያቱ ነታ መዓልቲ ርእዩ ዝተሓጐሰ ንሱ ስለዝኾነ። (ዮሐ ፰፥፶፮/8፥56) ቃና ናይታ ዳግማዊት ሔዋን ዝተባህለት ትንቢት ዝተፈጸመላ ሰበይቲ መንነት ብኣፍ ጐይታ መስኪራትልና እያ እሞ ደስ ይበለና።

ቃና - በመንጽር ዕፀ ሕይወት

ድኅሪ እቲ ሰበይቲ እትብል ቃል ዝሰዓበት “ምሳኺ እንታይ ኣሎኒ” እትብል ሓረግ እያ። እዚ’ውን ካብ ጐይታ ዝተረኽበ ባህ ዘብል ናይ ወላዲቱ ቅድስት ማርያም ኽብርን ልማኖኣ ተሰማዒ ምዃኑን ዘመሳኽር ቃል እዩ። እወ ንዝለመነቶን ንዝሓተቶን ከይፈጽመላ ኣብ ሞንጎኦም ዝኾነ ነገር ኣይነበረን። ዝለመንክኒ ከይፍጽመልኪ’ዶ ሥጋኺ ለቢሰ ማለቱ እዩ። እዚ’ውን ብመሠረት ኣገላልጻ መጽሓፍ ቅዱስን ባህሊ ዕብራውያንን ናይ ኣኽብሮት ኣበሃህላ እዩ። (ቀዳማይ ነገ ፲፯፥፲፰/17፥18 ሉቃ ፰፥፳፰-፳፱/8፥28-28 ንመልከት) እምበኣር ኣብ ሞንጎ ኣደን ወድን ዝተገብረ ዝርርብ ናይ ኣኽብሮትን ፍቕርን ስለዝነበረ እቲ ሕቶ ብዘይ ውዓል ሕደር ከምዝተፈጸመ ቃና መስኪራትልና እያ።

ነቶም ተዓጠቕቲ፡ ጐይታ ንዝብሎም ጥራይ ክፍጽሙ ኣዴና ዝሃበቶም ትእዛዝ ቅድሚ ምፍጻሙ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ልዑል ቃል ንዓለም ኣስመዐ፤ ንሱ ኸኣ “ጊዜይ ገና ኣይበጸሐን” ዝብል ነበረ። ዘገርም ከኣ እዩ። ከምቲ ዓለም ብናታ ርድኢት እትጠውዮ ዘይኮነሲ፡ ኣብ ሞንጎ ኣደን ወድን ዝነበረ ምዝርራብ ምሥጢር ዘለዎ ምዃኑ ጐይታ ባዕሉ ነገረና። ንሳ ብዛዕባ ወይኖም ተወዲኡ ኣብ ጭንቀትን ሕፍረትን ብዛዕባ ዘለዉ ሰብ ውራይ ገለ ነቲ ንሳ ጥራይ እትፈልጦ ተኣምራቱ ክገብር እንሓተተቶ፡ ንሱ ግና ብዛዕባ ጊዜኡ ዘይምእኻሉ ይነግራ ነበረ። እዚ እዩ ድማ ኣብ ሞንጎኦም ዝነበረ ምዝርራብ ክሳዕ ክንደይ ምሥጢር ከምዘለዎ ኣጒሊሑ ዘርእየና ምዃኑ ከነስተውዕሎ ዘዘኻኽረና። ነዚ ዘረባ’ሲ ብዘይክኣ ካብቶም ኣብኡ ዝነበሩ ሰባት መን ክርድኦ ይኽእል? ንሕና ብኣፍኣ ዘሎና ኢና ሓድሽ ነገር ዝኾነና ዘሎ እምበር ኣደን ወድን ደኣ ነሕድሕዶም ኣብተን ዓመታት ክንደይ ምሥጢር ተዘራሪቦም ይኾኑ? ቅዱስ ዮሐንስ’ውን ነዚ ታሪኽ ፈልዩ ስለዝነገረና ዕፁብ ንብል ኣሎና እምበር ክንደይ ዝተገብረ ነገር ከይተገልጸ ከምዝተረፈ ንፍለጥ ንረዳእ። ጐይታ ባዕሉስ ነቲ ምእማኑ ዝጸገሞም “ናይ ምድሪ ነጊረኩም ካብ ዘይትኣምኑስ፡ ናይ ሰማይ ነገር እንተ ነገርኩኹም ግዳ፡ ከመይ ጌርኩም ክትኣምኑ?” ኣይበሎምን ዶ? (ዮሐ ፫፥፲፪/3፥12)

“ጊዜይ” ምባሉ ሊቃውንት ቤተ ክርስቲያንና እግዚአብሔር ንኵሉ ዝገብረሉ ጊዜ ከምዘለዎ ብምግላጽ፤ ጐይታ’ውን ብተዋሕዶ ተኣምራት ዝፍጸመሉ ናቱ ጊዜ ከምዘለዎ ምግላጹ ይጠቕሱ። ኣብቲ ኣጋንእ ዝነበረ ወይኒ’ውን ጠቕሊሉ ክሳዕ ዝውዳእ፡ ተኣምራቱ ዘይገብር ስለዝኾነ ብዛዕባ ፍጹም ምውዳእ ናይቲ ዝነበረ ጽንቃቕ ወይኒ ይዛረብ’ውን ነበረ። ካልእ ብዙኅ ትርጉም ዘለዎ’ውን እዩ። ግና እቲ ቀንዲ ምሥጢሩስ፡ ነቲ ንሱ ናብ ዓለም ዝመጸሉ ዕላማ ብምሥጢራዊ ኣዘራርባ ይዛረብ ምንባሩ እዩ። ኣማናዊ ጒንዲ ወይኒ ዝኾነ ክርስቶስ ኣምላኽና፡ ንዓለም ስቴ መድኃኒት ስቴ ሕይወት (ክቡር ደሙ ኣፍሲሱ) ስተዩ ዝብለሉ ጊዜ ከምዘይኣኸለ እዩ ዝዛረብ ዝነበረ። (ዮሐ ፲፭፥፩/15፥1 ዮሐ ፮፥፶፭/6፥55) ኣብ ቃና ጥራይ ዘይኮነሲ ብተደጋጋሚ’ውን ብዛዕባ እቲ ከስተውዕልዎ ዝነግሮም ዝነበረ ናቱ ምስቃልን ምማታን ምትንሣእን፡ እታ ጊዜ ከምዘይበጽሐት ንሓዋርያቱ ይዛረቦም ነይሩ። (ዮሐ ፯፥፮-፰/7፥6-8) ምስ ቀረበት ድማ ቀረበት ይብሎም ነበረ (ማቴ ፳፮፥፲፰/26፥18)። እምበኣር ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ናይ ምሥጢር መዝገቡ ስለዝኾነት ብዛዕባ ጐድሊዎም ዝነበረ ወይኒ ሓቲታቶ እንተነበረት’ውን፡ ነቲ ዝለመነቶ ምፍጻም እምበር (ወይኒ ምሃብ) ካብ ምፍጻምሲ ዝኽልክሎ ነገር ከምዘየለ ድኅሪ ምንጋር እዩ ነቲ ቀንዲ ናብዚ ዓለም ዝመጸሉ ዕላማ ሓቀኛ ስቴ ወይን ምዃን ግና ‘ጊዜይ ኣይበጸሐን’ ብምባል ዘዘካኽርን ዝምህርን ዘሎ። እምበኣር እታ አዳምን ደቁን ዝጽበይዋ ድኅነት ጊዜኣ ከምዘይኣኸለ ግና ዋናኣ ንሱ ምዃኑ ኣብቲ ንኣዴኡ ኣብ ዝመለሰሉ መልሲ ይገልጸልና ነበረ።

ኣምላኽና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ልብን ኵሊትን ዝምርምር ኣምላኽ እዩ። ኣብቲ ቤት ንዘጋጠመ ሽግር’ውን ስኢንዎ ኣይኮነን። ግና ኣዲኡ ክሳዕ እትልምኖ ምጽባዩ፤ ንሳ ምኽንያተ ድኂን መሠረት ድኅነት ምዃና ንምግላጽ እዩ። ናታ ናይ ኣማላድነት ኽብሪ’ውን ምእንቲ ኣብ ኵሉ ክገሃድ እዩ። ንሳ’ውን ብኣማልድነታ ነቶም ዝጐደሎም ከም ዝምላእ ብምግባር ንዝተጨነቑ ኣረጋጊኣን ኣሐጒሳን እያ። ሕፈረቶምን ምድናኖምን ኣርሒቓ እያ። ከምኡ ድማ ወይኒ ሕይወቱ ወዲኡን ኣጥፊኡን መድኃኒቱ ይጽበይ ንዝነበረ ኣዳም ሕይወቱ ዝመለሰሉ መድኃኒት ዝኾኖ እግዚአብሔር እታ ሰብ ዝኾነላ ጊዜ ምስ ኣኸለ፡ ማለት መኅደሪኡ ክትከውን ዝኃረያ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ክሳዕ እትውለድ ከም እተጸበየን ምስ ተወልደት ከኣ ንሱ ካብኣ ሰብ ኮይኑ ንኵሉ መድኃኒት ሕይወት ምዃኑ ንምርዳእ እዩ። ንሱ ሕይወት ንሳ ድማ መሠረት ሕይወት እያ። ብኣኣ ድማ ኵሉ ውላድ ኣዳም ተሓጐሰ። ንሳ ንጽሕቲ ዘርኢ ምስተረኽበት ጐይታ ሰብ ኮይኑ ስለዘድኃነና።

ኣብታ ገነት ዕፀ ሕይወት ነበረት እሞ ኣዳም ድኅሪ ብሓጢኣት ምውዳቑ ክበልዓ እሞ ክሕደስ ደልዩ ናብኣ ኣቋመተ። እግዚአብሔር ግና ብኸምኡ ከድኅኖ ስለዘየደለየ ከልከሎ። ነታ መገዳ ድማ ብሰይፊ ኪሩቤል ከምትሕልው ገበረ። እግዚአብሔር አምላኽ ንኣዳም ፍቕሩ ክገልጽ ድማ ፍጹም ሰብ ብምዃን ባዕሉ ዕፀ ሕይወት-ጒንደ ሕይወት ኮኖ። ብምብላዕ ከምዝሰሓተ፡ ብምብላዕን ብምስታይን ሕይወት ክኾኖ ፍቓዱ ስለዝኾነ “ሥጋይ ዚበልዕ ደመይውን ዚሰቲ ናይ ዘለኣለም ሕይወት ኣላቶ፡ ኣነውን በታ ዳሕረይቲ መዓልቲ ኸተንሥኦ እየ” ብምባል ንድኅነት ኣዳምን ደቁን ዝመጸ ጐይታ ንሱ ምዃኑ ኣወጀ። እምበኣር ቃና’ውን ብተምሳል ናይቲ ወይኒ ጐይታ “ስቴ መድኃኒት ስቴ ሕይወት” ዝኾነሉ ጊዜ እንተዘይበጸሐ’ውን ንኣዳምን ደቁን ዝድኅኑሉ ዕፀ ሕይወት ጒንዲ ወይኒ ንሱ ምዃኑ ነገረና። ቅዱስ ኤፍሬም ሶርያዊ’ውን ነዚ ከረድእ ከሎ “ዳግመ ከፈለነ ንብላዕ እምዕፀ ሕይወት፡ ዘውእቱ ሥጋሁ ለክርስቶስ ወደሙ ክቡር፡ በእንተ ፍቅረ ዚአነ መጽአ ወአድኃነነ” ኢሉ ነበረ። (ካብቲ ዕፀ ሕይወት ክንበልዕ ፈቒዱልና፤ ንሱ ከኣ ናይ ክርስቶስ ቅዱስ ሥጋን ክቡር ደምን እዩ። ስለዘፍቀረና ድማ መጺኡ ኣድኂኑና) 

ቃና - ብመንጽር ቅድስት ቤተክርስቲያን

ቃና ብዙኅ ዘድንቕ ምሳሌን ምሥጢርን ሒዛ እትርከብ፡ ናይ ወልደ እግዚአብሔር ኣምላኽነትን ገባሬ መንክራትነቱን፡ ናይ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ኣማላድነትን ክብርን እትምስክር እያ። በቲ ሓደ ድማ ክብሪ ቅዱስ ሕገ መርዓ’ውን እትገልጽ እያ። ብተወሳኺ’ውን ከም ቀዳማይ ተኣምሩ ምስታ ቀዳመይቲ ስፍራ ኣዳም ኤደን ገነትን ዝተሠርዓሉ ቅዱስ ሕግን ካልእን ከነዛምዳ ጸኒሕና ኢና።

በቲ ካልእ ድማ ቃና፡ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን እያ። ኣብ ቃና ኣዲኡ ምስ ገባሪ ተአምራት ዝኾነ ወዳን ኅሩያት ሐዋርያቱ ከምዝተረኽቡን፤ እቶም ሰብ ተዓጠቕትን ሊቀ ምርፋቅን ካልኦት ዕዱማትን ኣብኡ ከምዝነበሩን፡ ሕጂውን ነዞም ኵሎም ሒዛ ዘላ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን እያ። ሎሚ’ውን ጐይታ ምስ ኣዴኡ ኣብ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ኣለዉ። ኣምላኽ ብፍጹም ብተዋሕዶ ዝተገልጸ ምዃኑ ርቱዕ ምሥጢረ መለኮቱ ዝእወጀላ፤ ናይ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ክብርን ኣማላድነትን ዝንገረላ፤ ትንቢት ነቢያት ስብከት ሓዋርያት ብስሙር ትርጉም ዘቃልሑላ (ብሉያትን ሓዲሳትን)፡ እቶም ከም ትእዛዝን ትምህርትን ጐይታ ነቶም ጥርሖም ዝርከቡ ኣጋንእ (ልቦና ደቂ ሰባት) ዝመልኡን፡ ነቶም ዕዱማት ወይነ ምሥጢርን ሕይወትን ዘስትዩ ትጉሃት ተዓጠቕቲ መምህራን ዝርከቡላ፤ እቶም ነቲ አማናዊ ቅዱሕ ወይን ሰትዮም ዘስተንክሩ ናይ እምነት ኣቦታት ዝርከብዋ ቅድስት ቤተ ክርስቲያንና እያ። ነቲ ቃና እትመስክሮ ክንሰምዕ ግና ዕድሜኣ ኣኽቢርና ደወላ ሰሚዕና ከይነገሀ ከሎ ናብ ቅድስት ቤቱ ክንግስግስ ይግባእና። ነቒሕና ንጸሎትን ንማኅሌትን ንቅዳሴን ክንርከብ ኣሎና።

እምበኣር እቶም ወይኒ ዝተወድኦም ከም እምኒ ዝተርር ጥርሑ ኣጋንእ ሒዝና ዝተረፍና እንተኮይንና ግና ‘ወይንና ተወዲኡ’ እናበልና ካብ ሰብ ኃሊፋ ንእንሰሳ ንእትርኅርኅ ኣደ ንልምና። ጐይታ ናታ ልማና ሰሚዑ ዘይድንጒይ ኣምላኽ እዩ እሞ ካብቲ ዘሕፍርን ዘድንንን ዘጭነቕን ሕይወት ከውጽኣና፤ ን’ማይ’ ሕይወትና ናብ ምቁር ‘ወይኒ’ ክልወጠልና እዩ። ስለዚ ድንቂ ተኣምራት ንዘይፍለያ፤ እቶም ዝጠዓምዎ እናስተንከሩ ዝዛረቡሉን ብእምነት ዝነብሩላን ቃና ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ትምህርታን ሥርዓታን ኣኽቢርና ንነበር። ቃና ምስክርነታ ብዙኅ እዩ እሞ ንምስማዕ ኣብ ቤታ ንረኸብ።

አምላከ ቅዱሳን እግዚአብሔር ብሃይማኖት ኣቦታትናን ሰናይ ግብርን የጽንዓና።

ስብሐት ለእግዚአብሔር ወለወላዲቱ ድንግል ወለመስቀሉ ክቡር።

2 comments: