በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ።
ንበሩ ሀገረ ኢየሩሳሌም
(ሉቃ ፳፬፥፵፱/24፥49)

ኢየሩሳሌም ማለት ናይ
ሰላም ከተማ ማለት እዩ። ጥንታዊ ስማ ከኣ ሳሌም ይብሃል ነበረ። (ዘፍጥ ፲፬፥፲፰/14፥18) እዚኣ ቅድስት ከተማ’ዚኣ ብዝተፈላለየ
ስም’ውን እትጽውዓሉ ጊዜ ነይሩ እዩ። (ኢያ ፲፭፥፷፫/15፥63 ፲፰፥፲፮/18፥16 ካልኣይ ዜና ፳፯፥፫/27፥3 ፴፫፥፲፬/33፥14
መዝ ፻፴፮፥፩/137፥1) ድኅሪ ንግሥነት ቅዱስ ዳዊት ግና ኢየሩሳሌም ዝብል ስማ ጸኒዑ ይርከብ ኣሎ። (ካልኣይ ሳሙ ፭፥፮-፲/5፥6-10)።
ቅድስት ከተማ ኢየሩሳሌም ኣብ ታሪኻ: ንነዊሕ ዘመናት ኣሦራውያንን ባቢሎናውያንን
ብዝኣመሰሉ ባዕዳውያን ወረርቲ ዕንወትን ራስያን ኣጓኒፍዋ እዩ። ቅዱስ ዳዊት ብትንቢት ርእዩ ንዝዝመረላ መዝሙር ምዝካሩ ጽቡቕ ኣብነት
ክኾነና ይኽእል። (መዝ ፻፴፮፥/137)። እስራኤላውያን ንዋና ከተማኦም ኢየሩሳሌም ፍሉይ ፍቕሪ ነበሮምን ኣለዎምን። መካበብይያታ
ነዲቖም: ደጌታታ ዓጽዮም: ጽኑዕ ዕርድታት ዓሪዶም ካብ ጸላእቲ ይኸላኸሉላ ከምዝነበሩ ከኣ ይፍለጥ። ስለዚ ኸኣ ጽዮን: ትርጉሙ
ድማ እምባ: መጸገዒ: ኸውሊ እናበሉ ይጽውዕዋ ነበሩ።