Thursday, May 31, 2012

ኣብ ኢየሩሳሌም ጽንሑ!

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ።

ንበሩ ሀገረ ኢየሩሳሌም  (ሉቃ ፳፬፥፵፱/24፥49)

ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ድኅሪ ትንሣኤኡ ንቅዱሳን ሓዋርያቱ እናተገልጸ ኣርብዓ መዓልቲ ድኅሪ ምምሃሩን: ኣብ ደብረ ዘይት ብዘደንቕ ይባቤ መላእክት እናተመስገነ ቀቅድሚ ምዕራጉን: ንሓዋርያት ካብቲ ዝተዛረቦም እቲ ሓደ “አንትሙሰ ንበሩ ሀገረ ኢየሩሳሌም እስከትለብሱ ኃይለ እምአርያም” (ንስኻትኩም ግና ካብ ላዕሊ ሓይሊ ኽሳዕ እትለብሱ፡ ኣብ ከተማ ኢየሩሳሌም ጽንሑ) ዝብል ነበረ።

ኢየሩሳሌም ማለት ናይ ሰላም ከተማ ማለት እዩ። ጥንታዊ ስማ ከኣ ሳሌም ይብሃል ነበረ። (ዘፍጥ ፲፬፥፲፰/14፥18) እዚኣ ቅድስት ከተማ’ዚኣ ብዝተፈላለየ ስም’ውን እትጽውዓሉ ጊዜ ነይሩ እዩ። (ኢያ ፲፭፥፷፫/15፥63 ፲፰፥፲፮/18፥16 ካልኣይ ዜና ፳፯፥፫/27፥3 ፴፫፥፲፬/33፥14 መዝ ፻፴፮፥፩/137፥1) ድኅሪ ንግሥነት ቅዱስ ዳዊት ግና ኢየሩሳሌም ዝብል ስማ ጸኒዑ ይርከብ ኣሎ። (ካልኣይ ሳሙ ፭፥፮-፲/5፥6-10)። ቅድስት ከተማ ኢየሩሳሌም ኣብ ታሪኻ: ንነዊሕ ዘመናት ኣሦራውያንን ባቢሎናውያንን ብዝኣመሰሉ ባዕዳውያን ወረርቲ ዕንወትን ራስያን ኣጓኒፍዋ እዩ። ቅዱስ ዳዊት ብትንቢት ርእዩ ንዝዝመረላ መዝሙር ምዝካሩ ጽቡቕ ኣብነት ክኾነና ይኽእል። (መዝ ፻፴፮፥/137)። እስራኤላውያን ንዋና ከተማኦም ኢየሩሳሌም ፍሉይ ፍቕሪ ነበሮምን ኣለዎምን። መካበብይያታ ነዲቖም: ደጌታታ ዓጽዮም: ጽኑዕ ዕርድታት ዓሪዶም ካብ ጸላእቲ ይኸላኸሉላ ከምዝነበሩ ከኣ ይፍለጥ። ስለዚ ኸኣ ጽዮን: ትርጉሙ ድማ እምባ: መጸገዒ: ኸውሊ እናበሉ ይጽውዕዋ ነበሩ።
ጐይታናንን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ እምበኣር ኃይሊ ካብ ሰማያት ክሳዕ ዝሰደሎም ንሓዋርያቱ ካብዚ ከተማ ከይወጹ እዩ ኣጠንቂቕዎም። ኣቐዲሙ’ውን ክልተ ካብ ደቂ መዛሙርቱ ብስቕለቱን ብሞቱን እናሓዘኑ ካብ ኢየሩሳሌም ወጺኦም ናብ ኤማሁስ የቕንዑ ኣብ ዝነበሩሉ እዋን: ኣብ ሞንጎኦም ተረኺቡ: ምሽቓሎም‘ውን ኣወጊዱ ብእምነት ናብ ኢየሩሳሌም ከምዝምለሱ ገይርዎም እዩ። ከምኡ ኸኣ ንሓዋርያት ኃይልን ጽንዓትን ንዝህቦም መንፈስ ቅዱስ ከይተቐበሉ ካብ ኢየሩሳሌም ከይወጹ ነገሮም። ምኽንያቱ ኢየሩሳሌም ትንቢት ነቢያት ዝተነግረላ: ምሳሌ’ውን ዝተመሰለላ: ወንጌላ ዝተሰብከላ: ዝተቀደሰ መሥዋዕቲ ዝቐርበላ፤ መኅደር እግዚአብሔር ዝኾነት ቤተ መቅደሱ እትርከበላ ቅድስቲ ስፍራ እያ። ሓደ’ውን ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ቅዱስ ሥጋኡ ቈሪሱ: ክቡር ደሙ ኣፍሲሱ ንዓለም ዝሃበላ፤ ክብርት ትንሣኤኡ ዝገለጸላ መካነ ድኅነት እያ። ንርእሱ’ውን ካብ ኢየሩሳሌም ወጻኢ ክስቕል ከምዘይኮነ’ውን ገሊጹ ነበረ (ሉቃ ፲፫፥፴፫/13፥33)። “ወኢበኢየሩሳሌም እስመ ሀገሩ ይእቲ ለንጉሥ ዐቢይ” ተባሂሉ ናይ ዓቢይ ንጉሥ ናይ ወልደ እግዚአብሔር ከተማ ሃገረ አምልኮ እያ እሞ ብኢየሩሳሌም ኮነ ፈጺምኩም ኣይትምሓሉ ተባሂሉ ዝተነግረላ ቅድስቲ ከተማ እግዚአብሔር እያ። ሓዋርያት’ውን ከምቲ ዝተኣዘዝዎ: መጠንቀቕታ ጐይታ ኣኽቢሮም: ብሓደ ልብን ብሓደ ሓሳብን እናጸለዩ ኣብ ኢየሩሳሌም ጸንሑ። ቃል ጐይታ ኣኽቢርካ: ኣብ ኢየሩሳሌም ምጽናሕሲ: ክንደይ ሰናይን ክንደይ ጥዑምን እዩ።

እተዛረቦ ዘየትርፍ ቅዱስ ኣምላኽ: ከምቲ ቃሉ ድኅሪ ዕርገቱ ኣብ መበል ፲ይ መዓልቲ: ነቲ መጸናንዒ ዝኾነ መንፈስ ቅዱስ ለኣኸሎም። ሃብቲ ሰማያዊ: ፍልጠት ሰማያዊ ተዓደሎም። ሰብዓን ሓደን ቋንቋታት ዓለም ተገልጸሎም። ፈራህቲ ዝነበሩ ተብዓት ኮይኖም። ጥርጥርን ክሕደትን ካብ ልቦናኦም ጠፍኣሎም። ክሳዶም ንሰይፊ፤ ሰብነቶም ንሓዊ ክሳብ ምሃብ ጽኑዓን ኮይኖም። “ሑሩ ወመሀሩ” ብዝተባህልዎ ትእዛዝ ጐይታ: ናብ ኵሉ ዓለም እናተዘዋወሩ ነቲ መሪር ዓለም ጨው ኮይኖም ኣመቀርዎ። ጥዋፍ ኮይኖም ነቲ ጸላም ኣርሓቕዎ። ብርሃኖም ኣብ ቅድሚ ኵሉ ዓለም ኣብርሀ። (ሓዋ ፪፥፩-፵፯ ማቴ ፭፥፲፫-፲፮)። እምበኣር ቅዱሳን ሓዋርያት ንኸምዚ ዚኣመሰለ ዓቢይ ክብሪን ተጋድሎን ዝበቕዑ ከኣ ከምቲ ዝተኣዘዝዎ: ኣብ ኢየሩሳሌም ጸኒሖም ጸጋ መንፈስ ቅዱስ ብምቕባሎም እዮም። ንሕና’ውን ኣብ ኢየሩሳሌም ምስ እንጸንሕን እንነብርን እዚ ኵሉ ይግበረልና ማለት እዩ። ንምዃን ክንጸንሓላ ዝግባእና ኢየሩሳሌም መን እያ?

ኢየሩሳሌም ቤተ ክርስቲያን እያ

ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ብኽቡር ደሙ ዝዓደጋን ኣብ ጽኑዕ ዕለት ዝሠረታን: ቅዱስ ሥጋኡን ክቡር ደሙን ክፍተተላ ዝመረጻ ስፍራ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን እያ። (ማቴ ፲፮፥፲፰/16፥18) እዚ ክብሃል ከሎ ግና እግዚአብሔር ዘይርከበሉ ስፍራ ዘሎ ኮይኑ ዘይኮነሲ: ካብ ሥጋዊ ግብሪ ዝረሓቐን ንፁሕ ኣምልኾ ጥራይ ዝፈጸመሉን ቅዱስ ስፍራ ስለዝመረጸን ስለዝመርጽን እዩ። “ሕጂ ኸኣ ኣብዛ ቦታ እዚኣ ንዚጽለ ጸሎት ኣዒንተይ ኪኽፈታ፡ ኣእዛነይውን ጽን ኪብላ እየን። ሕጂ ድማ ነዛ ቤት እዚኣ ስመይስ ንዘለኣለም ኣብኣ ኪኸውን፡ ኣዒንተይን ልበይን ከኣ ኲሉጊዜ ኣብኣ ኪዀና ኃርየያን ቀዲሰያን ኣሎኹ።” (ቀዳማይ ዜና ፯፥፲፭-፲፮/7፥15-16)። “ኣብ ማእከሎም ምእንቲ ክነብር ድማ መቅደስ ግበሩለይ” ኢሉ ዝኣዘዘ ባዕሉ እግዚአብሔር ኣምላኽ እዩ።(ዘጸ ፳፭፥፰/25፥8) ጐይታናን ኣምላኽናን ኢየሱስ ክርስቶስ ከኣ ኣብ ኢየሩሳሌም ክጸንሑ ንቅዱሳን ሓዋርያት ምንጋሩ: ንመንፈስ ቅዱስ ዝኽወልዎ እሞ ካብኡ እንተወጹሲ ስኢንዎም ዝምለስ ኮይኑ ኣይኮነን። ነቲ ዝተቐደሰ ነገር ኣብ ዝተቐደሰ ስፍራ ምርካብ ዝግባእ ስለዝኾነ እምበር።
ሰብነት ክርስቲያናት ቤተ ክርስቲያን ይብሃል። ቅዱስ ጳውሎስ “ቤተ መቕደስ ኣምላኽ ምዃንኩምን መንፈስ ኣምላኽ ኣባኻትኩም ኃዲሩ ምህላዉንዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም? ሓደ እኳ ነታ ቤት መቕደስ ኣምላኽ እንተ ኣማሰነ፡ ኣምላኽ ኬማስኖ እዩ። ቤተ መቕደስ ኣምላኽ ቅድስቲ እያ፡ እዛ ቤት መቕደስ እዚኣውን ንስኻትኩም ኢኹም።” (ቀዳማይ ቆሮ ፫፥፲፮-፲፯/3፥16-17 ቀዳማይ ቆሮ ፮፥፲፱-፳/6፥19-20)። ሓደ’ውን ቤተ ክርስቲያን ማለት ማኅበረ ምእመናን፤ ሓድነት ወይውን ወገን ክርስቲያናት ማለት እዩ። (ቀዳማይ ቆሮ ፩፥፪/1፥2 ቀዳማይ ጴጥ ፭፥፲፫/5፥13 ማቴ ፲፰፥፲፯-፳/18፥17-20 መዝ ፻፴፪፥፩-፫/133፥1-3)። እምበኣር ሓዋርያት’ውን ኣብ ኢየሩሳሌም ተዓቂቦም ምጽንሖም ነዞም ሠለስቱ ትርጉማት ቤተ ክርስቲያን ኣማሊኦም ተረኺቦም እዮም። ኣብ ሰብነቶም ብሃይማኖት ጸኒዖም፤ ከም ማኅበር ከኣ ኵሎም ፻፳ (120) ቤተ ሰብ ክርስቶስ ብሓደ ሓሳብን ልብን፤ ከም ሕንጻ ቤተ ክርስቲያን ከኣ ኣብታ ቀዳመይቲ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ዝተሰምየት ቤት ኣደ ማርቆስ ብሓንሳብ ተኣኪቦም ብጸሎት ነቂሖም ተረኺቦም ነበሩ። ስለዚ ኸኣ ኣብ ኢየሩሳሌም - ቤተ ክርስቲያን ብኵሉ ኣጽኒዖምን ጸኒሖምን ስለዝተረኽቡ መንፈስ ቅዱስ ክቕበሉ ክኢሎም። (ሓዋ ፩፥፲፬-፲፭/1፥14-15)
ሎሚ’ውን ኣብ ኣፀደ ቤተ ክርስቲያን ብሃይማኖትን ሰናይ ግብርን ጸኒዖም ዝርከቡ፤ ምኽሪ ዲያብሎስን ፈቓድ ዓለምን መከራ ሥጋን ከይሰነፎም ብሃይማኖት ዝነብሩ ኵሎም ከም ሓዋርያት ጸጋኡ ከምዝበዝኃሎም ዝተኣምነ ነገር እዩ። ስለዚ ከም ቅዱስ ዳዊት ኣብ ቤተ እግዚአብሔር ምንባር ንምረጽ። (መዝ ፹፫፥፲ (84፥10) መዝ ፳፮፥፬(27፥4)) ክሳዕ መወዳእታ ዝዕገሱ ከኣ ኣብ ምድሪ ሰማያዊ ጸጋ: ኣብ ሰማይ ከኣ ናይ ኽብሪ ኣኽሊል ይረኽቡ። (ካልኣይ ጢሞ ፬፥፮-፰/4፥6-8) ሕይወት ክንረክብ ኣብ እግዚአብሔር ኣሚንና ኣብ ቤቱ ክነብር ይግባእ።

ኢየሩሳሌም ኣዴና ቅድስት ማርያም እያ

ቅዱስ ኤፍሬም ሶርያዊ ኣብ ውዳሴኡ “ዛቲ ይእቲ ኢየሩሳሌም ሀገሮሙ ለነቢያት” (ንነቢያት ሃገሮም ዝኾነት ኢይሩሳሌም ንሳ እያ) ብማለት ንኣዴና ቅድስት ድንግል ኣማናዊት ኢየሩሳሌም ምዃና መሲሉን ተርጒሙን ኣመስጊንዋ እዩ። ቅዱስ ዳዊትን ልዑለ ቃል ኢሳይያስን ዝኣመሰሉ ነቢያት’ውን: ንኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ብከተማ ኢየሩሳሌም መሲሎም እግዚአብሔር ንዝገለጸሎም ነገር ብትንቢት ተዛሪቦም እዮም። (መዝ ፵፮፥፪/47፥2) ጐይታና’ውን ኣብ ኢየሩሳሌም ጽንሑ ማለቱ ምስታ ኣማናዊት ኢየሩሳሌም ከተማ እግዚአብሔር ዝኾነት ቅድስት ድንግል ማርያም ክነብሩ ምንጋሩ እዩ። በዚ መሠረት’ዚ ኸኣ ንሳቶም ብሓደ ልቢ ኮይኖም ኣብ ዝጽልዩሉ ዝነበሩ እዋን ንወላዲተ ኣምላክ እመ ብርሃን ከም ታቦት ኣብ ማእከሎም ብምግባር እዩ። (ሓዋ ፩፥፲፬/1፥14) ንስብከተ ወንጌል ነናብ ሃገረ ስብከቶም ኣብ ዝወፈሩሉ’ውን: ንዓዓ ኣብ ጽላት ልቦም ቀሪጾም ሒዞማ ከይዶም እዮም። ፍቁረ እግዚእ ቅዱስ ዮሐንስ’ውን ኣብ እግረ መስቀል ጐይታ ተረኺቡ: ናብ ቤቱን ቤት ልቡን ክወስዳ ዝተነግሮ፤ ኣደ ኵላትና ክትከውን ዝተቐበላ ህያብ መስቀል ንሳ እያ። (ዮሐ ፲፱፥፳፮-፳፯/19፥26-27 መዝ ፹፮፥፭/87፥5)
ቅዱሳን ሓዋርያት መንፈስ ቅዱስ ዝተቐበሉ ንሳ ምስኦም ኣብ ዝነበረትሉ ጉባኤ እዩ። ሎሚ’ውን ንሕና ፍቕራን ጣዕማን ኣብ ልብናን ልሳናን ኣንቢርና እንተደኣ ጸሎትን ምህለላን ነቕርብ ኮይንና፤ ሰማዒ ኣምላኽ ክሰምዓና፤ ተለማኒ ኣምላኽ ስሌኣ ክብል ክልመነና እዩ። ጸጋን በረኸትን ከኣ ክዕድለና እዩ። ብዘይ እምነት ግና ነቲ ናታ በረኸት ምርካብ ዝከኣል ኣይኮነን። ስለዚ ኣብ ናብ ማእከል ቤት ልብና ነእትዋ።

 ኢየሩሳሌም መንግሥተ ሰማያት እያ

ደቂ ሰባት ድኅሪ ትንሣኤ ዘጉባኤ ብኣካለ ነፍስ ክነብሩላ ዝተዳለወትሎም ስፍራ መንግሥተ ሰማያት - ሰማያዊት ኢየሩሳሌም እያ። (ማቴ ፭፥፩-፲፪/5፥1-12 ማቴ ፳፭፥፴፬/25፥34) ቅዱሳን ዝጋብኡሉ ዘለዓለማዊ ስፍራ ከኣ እያ። (ራእ ፫፥፲፪/3፥12 ፳፩፥፪/21፥2 ዕብ ፲፪፥፳፪/12፥22) እምበኣር ሓዋርያት’ውን ኣብ ኢየሩሳሌም ጽንሑ ምባሎም ብእምነትን ብምግባርን ጸኒዖም ደቂ መንግሥተ ሰማያት ክኾኑ ምእንቲ እዩ። ኣብ ሞንጎኦም ከምቲ ናቶም ተኃርዩ ስም ሓዋርያ ጸይሩን ዝነበረ ይሁዳ ኣስቆሮታዊ: ብኽፉእ ግብሩ ካብ መንግሥተ ሰማያት ርሒቑ እዩ እሞ: ንሳቶም ግና ኣብ ኢየሩሳሌም ብምጽናሕ ወረስቲ ዘተስፈዎም መንግሥቱ ንክኾኑ ዝተነገረ ቃል እዩ። ንሳቶም’ውን ብሃይማኖት ጸኒዖም: ቃሉ ኣኽቢሮም ኣብ ምሉእ ዓለም ስለዝተጋደሉ ንዝተዳለወሎም መንግሥቲ ክወርሱ በቒዖም እዮም። ቅዱስ ጳውሎስ’ውን ንጢሞቴዎስ ወዱ ብዘጸናናዕ ቃላት እተዛረቦ’ውን ከምኡ እዩ። “ሰናይ ገድሊ ተጋዲለ፡ እቲ ጒያ ወዲኤ፡ ነቲ እምነት ሓልየ። ደጊምሲ ጐይታይ፡ ንሱ እቲ ጻድቕ ፈራዲ፡ በታ መዓልቲ እቲኣ ዚህበኒ ኣኽሊል ጽድቂ ተነቢሩለይ ኣሎ።እዚ ግና ነቶም ምግሃዱ ዜፍቅሩ ዅላቶም ድማ እዩ እምበር፡ ንኣይ ጥራይ ኣይኰነን።” (ካልኣይ ጢሞ ፬፥፮-፰/4፥6-8) ካብዚ ናይ መፋነዊ ቃል እቲ ዓቢይ ሓዋርያ እንርድኦ: መንግሥተ ሰማያት: ብእግዚአብሔር ኣሚኖም: ቃሉን ትእዛዙን ኣኽቢሮም ብሃይማኖትን ጽድቅን ንዝነብሩ ኵሉ ዝተዋህበት እምበር ንሓዋርያት ጥራይ ዝተሓዘአት ከምዘይኮነ እዩ። ጐይታ’ውን ካብ ሰማየ ሰማያት ወሪዱ: ፍጹም ሰብ ኮይኑ ተሰቒሉን ሞይቱን: ካብ ባርነት ሲኦል ካብ መግዛእቲ ዲያብሎስ ሓራ ኣውጺኡን: ውልድነት ዝሃበና ወረስቲ መንግሥተ ሰማያት ክንከውን ምእንቲ እዩ። ነዚ ድንቂ ምሕረቱ ሸለል ዝብሉ: ዳግማይ ናብ ደምበ ዲያብሎስ ዝምለሱ ግና ኣብ ኢየሩሳሌም ብዘይምርካቦም ካብ መንግሥቲ ኣምላኽ ብኣፍኣ ክኾኑ እዮም። (ሉቃ ፲፮፥፳፫/16፥23 ማቴ ፳፭፥፵፩/25፥41)

እምበኣር ጐይታ ድኅሪ ትንሣኤኡ ኣብ ሞንጎ ሓዋርያት እናተረኽበ ኣዝዩ ብዙኅን ዓሚቕን ትምህርቲ ዝመሃረሉን: ድኅሪ ዕርገቱ’ውን ጸጋ መንፈስ ቅዱስ ንሓዋርያት ዝለኣኸሉን: ንቤተ ክርስቲያን ዘጽንዓሉን እዋን እዩ። ድኅሪ ትንሣኤኡ ዘለዋ ፶ መዓልትታት፤ ኣብ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ናይ ሓጐስ: ናይ ፍቕሪ: ናይ ሰላም መዓልትታት እየን። ይኹን ደኣ እምበር ብዙኃን ነቲ ካብ ጾም ሥጋ ሓራ ንዝኾነ እዋን ብሥጋዊ ሓጐስ ጥራይ ክቕይርዎን ከሕልፍዎን፤ እቲ ኣብ እዋን ዓቢይ ጾም ኣብ ቅድስት ቤተ ክርስቲያንን እናተረኽቡ: ዝፍጽምዎ መንፈሳዊ ተግባራትን ዝነበሮም ትግሃትን ከዛሕትልዎ ይረኣዩ እዮም። እዚ ኸኣ ነቲ ጐይታ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ “ኢየሩሳሌም ጽንሑ” ንዝበሎ ትእዛዝ ዝጻረር እዩ። ካብ ኢየሩሳሌም ኣርሒቖም ንዝኸዱ ኣብ መንገዲ ኣድቢዮም ዝጻብዕዎም ብዙኃን እዮም። ዲያብሎስ ከም ዝጓዝም ኣንበሳ፤ ዓለም ምስ መፈንጠራኣ፤ ሥጋ’ውን ምስ ትምኒኡን ፍቓዱን ክውሕጥዎምን ክቐትልዎምን ቍሩባት እዮም። ኣብኡ ዘለዓለማዊ ሕይወት ኣሎ’ሞ: ኣብ ኢየሩሳሌም ምጽናሕ ንዓና ኣዝዩ ጽቡቕ ነገር እዩ።

እምበኣር ወረስቲ ሰማያዊት ኢየሩሳሌም - መንግሥተ ሰማያት ክንከውን: ብኣምልኾተ እግዚአብሔር ጸኒዕና ብማልዶ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ተኣሚንና ኣብ ኢየሩሳሌም - ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ክንነብር ኃይልን ጸጋን ኣምላኽ ኣይፈለየና።

ስብሐት ለእግዚአብሔር ወለወላዲቱ ድንግል ወለመስቀሉ ክቡር።



No comments:

Post a Comment