በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን።
አባ ሰላማ ከሣቴ ብርሃን
ክርስትና ናብ ሃገርና

እቲ ኣብ ብሉይ ዝተነግረ ትንቢት ብክርስቶስ ክውን ምስ ኮነን፡ ሓዲሽ ኪዳን ብወንጌል ምስተበሰረን ነዚ ነገር ንምስማዑን ንምእማኑ’ውን ዝደንጐየት ኣይኮነትን። ኣብ ከባቢ ፴፬ ዓ.ም. እቲ ብትምህርቲ ፊልጶስ ሓዋርያ ዝኣመነን ዝተጠምቀን ስሉብ ብዓል ሥልጣን ኸኣ ከም ቀንዲ ኣብነት ክጥቀስ ይከኣል። (ግብ ሓዋ. ፰) ንሱ ኸኣ ንወገናቱ ሓዋርያ ኮይኑ ነቲ ወንጌል ከምዘበሰሮም ዝተኣምነ ነገር እዩ። ካብቶም ሓዋርያት ሓደ ዝኾነ ቅዱስ ማቴዎስ ኣብ ሃገርናን ከባቢና’ውን ምሂሩ ዝብል ታሪኻዊ ትውፊት’ውን ይጥቐስ እዩ። ምስቲ ዝነበረ ንግዳዊ ምንቅስቓሳት’ውን ኣብታ ሥልጥንቲ ዝነበረት ወደብ ኣዱሊስ’ውን ስብከታትን ዜናታትን ክርስትና ብቕልጡፍ ይበጽሕ ከምዝነበረን፡ ኣብያተ ጸሎት ኸኣ ኣብታ ወደባዊት ከተማ ተሠሪቱ ከምዝነበረን ካብኡ ተበጊሱ ድማ ናብቲ ካልእ ክፋል ሕዝብና እቲ ትምህርቲ ይበጽሕ ከምዝነበረ ታሪኻዊን ሥነ ጥንታዊን መረዳእታታት ዝቐርበሉ ሓቂ እዩ። ብዝተፈላለየ ኣጋጣሚታት ካብ ወደብ ኣዱሊስ ናብ ውሽጢ ምድሪ ዝኣትዉ ጋያሾ’ውን እግረ መገዶም ነቲ ዝረኣይዎን ዝኣመንዎን አብያተ ጸሎት ብምትካል ይገልጽዎ ምንባሮም ይጥቐስ እዩ። ንኣብነት’ውን ፍሬምናጦስን ኤዴስዮስ’ውን ገና ብንእስነቶም ኣብ ቤተ መንግሥቲ አኵሱም ምስተዓቝቡ ኣብያተ ጸሎት (መጽለሊ) ሠሪሖም ነቶም ኣብቲ ከባቢ ንዝረኸብዎም ቆልዑት ኣኪቦም መዝሙራትን ዜማን ይምህርዎም ከምዝነበሩ ይንገር።