Saturday, July 16, 2011

ታሪኽን ገድልን ኣቡነ ኪሮስ ብሓጺሩ

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን 

“ሥርናይ ክሠምረልካ፡ ክርዳድ ከምሓወልካ እዩ” 

አቡነ ኪሮስ ከምቲ ቅዱስ ዳዊት “ዝክረ ጻድቅ ለዓለም ይሄሉ” (መዘከርታጻድቕ ንዘለዓለም ይነብር) ዝበሎ፡ መዘከርታ አቡነ ኪሮስ ድማ ንዘለዓለም እናበርሀ ዚነብር እዩ። 

አቡነ ኪሮስ ወዲ ሓደ ንጉሥ ዮናኒ ግብጻዊ እዮም። ኣቦኦም ኣብያ ኣዲኦም ከኣ ኔናስራ ይበሃሉ። ወለዶም 40 ዓመት መኺኖም ምስ ነበሩ ኔናስራ መንታ ኣወዳት ወለደት። ነቲ ዓቢይ ቴዎድስዮስ ነቲ ንእሽቶ ድማ ዲላሶር ኢላ ሰመየቶም። ብጽቡቕ ኣተዓባብያ ኸኣ ኣዕበይዎም። 


ኣቡኦም ምስ ሞተ ቴዎዶስዩስ ኣብ ዝፋን ኣቦኡ ተቐሚጡ ናይ ኣቦኡ መንግሥቲ ወረሰ። ዲላሶር ድማ ንኃዉ ካብቲ ናይ ኣቦይ ሃብቲ ብጽሒተይ ክፈለኒ በሎ። ቴዎዶስዮስ ግና እቲ ናተይ ናትካ፡ እቲ ናትካ ናተይ እዩ’ሞ ኣብ ትሕተይ ድላይካ ውሰድ ኢሉ መለሰሉ። እንተኾነ ዲላሶር ሃብትን ኽብርን እዚ ዓለም ከንቱን ሓላፋይን ምዃኑ ኣስተውዓሉን፤ ነቲ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ “ንሰብከ ኵሉ ዓለም ረቢሑስ ነፍሱ እንተ ኣጥፍአ እንታይ ይጠቕሞ፡ ሰብከ በጃ ነፍሱ እንታይ ክህብ እዩ?” ዝበሎን “ስለ ስመይ ኢሉ ኣባይቲ ኣኅዋት ኣኃት ኣቦ ኣደ ሰበይቲ ውሉድ ግርሁ ዝሓደገ ኵሉ ሚእቲ ዕፅፊ ኪረክብ እዩ፡ ናይ ዘለዓለም ሕይወት’ውን ኪወርስ እዩ” ዝበሎን ድማ ተረዲኦም ብጽምዋ ለይቲ መኒኖም ከዱ (ማቴ ፲፮፥፳፭ ማቴ ፲፱፥፳፱)፤ ኣብ ሓንቲ ንእሽቶ በዓቲ ድማ ተቐመጡ። ኣብኣ ፲ መዓልቲ ምስ ጸንሑ ግና መንፈስ ቅዱስ ኪሮስ፡ ኪሮስ፡ ኪሮስ ኣቦ ብዙኃት መነኮሳት ክትከውን ኢኻ ሥርናይ ክሠምረልካ ማለት ጽድቂ ክፈርየልካ ክርዳድ ከምሓወልካ ብጸሎትካ ኸኣ ኃጢኣት ክሕደግ ማለት እዩ እሞ ናብቲ ዘርእየካ በዓትታት ኪድ ኣብኡ ድማ ሓደ መነኮስ ክትረክብ ኢኻ በሎም። 

ኣቡነ ኪሮስ ከኣ ከምቲ መንፈስ ቅዱስ ዝኣዘዞም ናብቲ ዝተነግሮም በዓትታት ከዱ። ኣብቲ በዓትታት ድማ ኣዝዩ ግሩም ዝኾነ፡ ጸጋ መንፈስ ቅዱስ ዘመልኦ፡ ፀጕሪ ርእሱ ክሳብ እግሩ ዝበጽሕ ባሕታዊ ኣባ በብኑዳ ዝተባህለ ጸንሖም። ኣኽቢሩ ድማ ብሠናይ ተቐበሎም፤ ቅንይ ኢሉ ኸኣ ምንኵስና ኣልበሶም። አቡነ በብኑዳን ኣቡነ ኪሮስን ኣብቲ ቦታ ብጽኑዕ ገድልን ትኅርምትን ጸሎትን ስግደትን ተጸሚዶም ክነብሩ ከለዉ ንኽልቲኦም መንፈስ ቅዱስ ሰማያዊ ኅብስቲ ይምግቦም ነበረ። 

እንተኾነ ሰይጣን ዝሓደሮ መነኮስ መንፈሳዊ ሰብ መሲሉ ናብኣቶም ኣትዩ ነታ ቝራስ ሰማያዊት ኅብስቲ ሰሪቑ ስለ ዝወሰዳ፡ እግዚአብሔር ተቘጠዐ እሞ እታ ኅብስቲ ካብ ሰማይ ዘይትወርደሎም ኮነት። ኣባ በብኑዳን ኣባ ኪሮስን በቲ ዝወረዶም ፈተና ተስፋ ከይቈረጹ ናብ እግዚአብሔር እናጸለዩ ኸለዉ ግና ኣባ በብኑዳ ብኣንበሳ ተበልዐ፡ እቲ ነታ ኅብስቲ ሰሪቑ ዝወሰዳ መነኮስ ከኣ ናብ ገዳም ኣስቄጥስ ከይዱ ኣጣቘሰ። እቶም ማኅበር ከኣ እንታይ ገደሰካ ኢሎም ምስ ገሠጽዎ ኣብ ቤቱ ከይዱ ሓፊሩ ተሓኒቑ ሞተ፡ ነፍሱ ድማ ናብ ሲኦል ወረደት።

ኣቡነ ኪሮስ ንነፍሲ እዚ ሰራቒ ንምድኃንን ኣማውታ ኣባ በብኑዳ ክግለጸሎምን ፷ መዓልቲ ብኸብዶም ኣብ ምድሪ ደቀሱ። ሥጋኦም ተወድአ፡ ኣዕጽምቶም ከም ኣዕጫው ገዳም ኮነ። ብድኅሪኡ መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ መጺኡ ዳህሰሶም እሞ ኵለንትናኦም ተሓደሰ። ብዛዕባ ሞት ኣባ በብኑዳ ድማ “ኢሰማዕከኑ ዘይቤ መጽሓፍ ብፁዕ ብእሲ ዘአምላኩ ገሠፆ በዲበ ምድር” ዝብል ክዝክሩ ነገሮም እሞ ንነፍሲ እቲ ሰራቒ ኸኣ ምሒረልካ ኣሎኹ በሎም። ብድኅሪኡ ሞት ጻድቃንን ሞት ኃጥኣንን ብኸመይ ኣገባብ ከም ዝፍጸም ተዛዊሮም ከም ዝርእዩ ገበሮም ኣብኡ ንደኃር ከኣ ኣቡነ ኪሮስ ብዙኅ ገድልታት ጾምን ጸሎትን ስግደትን ኣዘውተሩ። 

ሓደ እዋን ደብረ ባሳት ናብ ዝተባህለ ቤተ ክርስቲያን ኣተዉ፤ ሰላም ለኪ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ኢሎም ድማ ኣብ ቅድሚ ሥእሊ ቅድስት ድንግል ማርያም ብዙኅ ንብዓት ነብዑ። ፯፻ ስግደታት ሰገዱ፤ ቅድስት ድንግል ማርያም ድማ ከምዚ ኢላ መለሰትሎም “ይኣኽለካ ጋሻ ኢኻ፡ ኣብቲ ኣዕፅምቲ ኣቦታትካ ዘለዎ ተቐመጥ ካብኡ ኣይትሕለፍ” በለቶም። ኣብኡ እናጸለዩ ክነብሩ ከለዉ ቅድስት ድንግል ማርያም ተራእየቶም፡ ኣብ መዝገብ ምሕረትን ድኅነትን ተመዝጊብካ ኢኻ” ኢላ ድማ ኣጸናንዓቶም። ካብኡ ሓሊፎም ኣብቲ ደብረ ባሳት ዝተባህለ ቦታ ፷፭ ዓመት ዝተቐመጠ፡ ፳ ዓመት ዝሓመመ፡ ፲፭ ዓመት ናይቲ ገዳም መነኮሳት ከይበጽሕዎ መላእኽቲ ጥራይ ዝሕልዉዎ ድኻ መነኮስ ረኸቡ። እቲ መነኮስ እቲ’ውን ወዲ ንጉሥ ነበረ። ኣቡነ ኪሮስ ድማ ካብ ጻዕሪ ሞት ክዓርፍ ጸለየሉ፤ እግዚአብሔር ድማ ጸሎቶም ሰሚዑ ነታ ነፍሲ እቲ መነኮስ መላእኽቲ እናዓጠኑ ናብ ሰማይ ከም ዘዕርጉዋ ገበረ። ነዚ ድማ ረኣይዎ። 

ብድኅሪዚ ነቶም መነኮሳት እታ ገዳም፡ እግዚአብሔር ብዓረባውያን ወረርቲ ቀተሎም፡ ኵሎም ኸኣ ካብ ፍቕሪ እግዚአብሔርን ፍቕሪ ሰብን ዝረሓቑ ስለ ዝነበሩ ብመላእኽቲ ጽልመት ተጨውዮም ናብ ሲኦል ወረዱ። ኣቡነ ኪሮስ ነዚ ምስ ረኣዩ ግና ነዞም ስሑታት እዚኣቶም እግዚአብሔር ብነፍሲ ምእንቲ ክምሕሮም ፵ መዓልትን ፵ ለይትን ጾሙን ጸለዩን። ናይ ምሕረት መልሲ ስለ ዘይረኸቡ ኸኣ መሊሶም ብዝባኖም ኣብ ርሱን እምኒ ሥጋኦም ከም ጥቡስ ዓሣ ክሳዕ ዝመስል ናብ እግዚአብሔር ተማህለሉ። ሕጂ’ውን ናይ ምሕረት መልሲ ስለ ዘይረኸቡ ብኸብዶም ናብቲ ርሱን እምኒ ደቀሱ። ክልቲኤን ኣዕይንቶም ነቒዐን ምርኣይ ክሳዕ ዝስእና ኾኑ። ኣብዚ ጊዜ’ዚ ኦ እግዚአብሔር! ንስኻ መፍቀር ሰብ ኢኻ ኣብ መስቀል ደምካ ዘፍሰስኻ ምእንቲ ኃጢኣት ሰብ ደኣ እምበር ምእንታኻ ኣይኮንካን። ስለዚ ድማ ምእንቲ ዝፈሰሰ ደምካ ኢልካ ነዞም ስሑታት መነኮሳት ክትምሕረለይ እልምነካ ኣሎኹ እናበሉ ጸለዩ እሞ እቲ መዓቱ ዝረሓቐ ምሕረቱ ዝበዘኀ ኣምላኽ ኸኣ ነቶም ፯፻፺፰ ዝኾኑ መነኮሳት ከም ብሓድሽ ተንሢኦም ኣብ ገዳሞም ተመሊሶም ከም ዝንስሑን ምሕረት እግዚአብሔር ከም ዝሰብኩን ገበሮም። 

በዚ ከምዚ ኣቡነ ኪሮስ ከምቲ ሙሴ ምእንቲ ኃጢኣት ደቂ እስራኤል ዝተማህለለ እሞ ካብ ቍጥዓ እግዚአብሔር ዘድኃኖም፤ ከምኡ ኸኣ ነቶም ፯፻፺፰ መነኮሳት ብጸሎት ኣቡነ ኪሮስ ተንሢኦም ሕይወት ረኸቡ (ዘፀ ፴፪፥፲፪-፲፬)። ኣቡነ ኪሮስ ነቶም ካብ ሞት ዝተንሥኡ መነኮሳት ከምዚ እናበሉ መዓድዎም “ልብኹምን ኅሊናኹምን ኣይተትርሩ፡ ፍቕሪ ወርቅን ብሩርን ኣይሃልኹም፡ መብልዕን መስተን ኣይትፍተዉ። ጋሻ ንምቕባል ተቐዳደሙ። ሕዙናት ናዝዙ ሕሙማት ብጽሑ። እዚ እንተደኣ ጌርኩም ጸላኢኹም ዲያብሎስ ክሓፍር እዩ፤ ኣብ ልዕሌኹም ድማ ገለ ዝኸስሶ ነገር ኣይረክብን እዩ እናበሉ መዓድዎም። 

ኣቡነ ኪሮስ ዝገበርዎ ገድሊ ብዙኅ እዩ። ዝገብርዎ ተኣምራት’ን እምብዛ ብዙኅ እዩ። ንትምህርትን በረኸትን ክኾነና ግና ብሓጺሩ ኣብ ኣብ ላዕሊ ንዝተገልጸ ከም ኣብነት ቀሪቡ ኣሎ። ድኅሪ ብዙኅ ገድሊ ምግዳል ድማ መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስስ ጽኑዕ ቃል ኪዳን ሂብዎም። 
ኣብ ክንዲ ብጻዩ ነፍሱ ዚውፊ ከማኻ ዝበለ ኣይረኸብኩም እሞ ኵሉ ፃማኻ ኣብ ኢየሩሳሌም ሰማያዊት ኣብ መጽሓፈ ሕይወት ተጻሒፉልካ እዩ በሎም። ዕለተ ዕረፍቶም ከም ዝቐረበን ዝቐብሮም ድማ ኣባ ባውላ ዝበሃል ምዃኑን ነገሮም። ብድኅሪ’ዚ ድኅሪ ብዙኅ ፃማን ገድልን ኣብ ፷፰ ዓመት ዓመተ ምንኵስናኦም ካብዚ ዓለም እዚ ብእልልታ መላእኽትን ብድምፂ መለኸትን ብዓቢይ ኽብሪ ነፍሶም ካብ ሥጋኦም ተፈልየ። እንሆ ኸኣ እቲ ሽዑ ዝተዋህቦም ቃል ኪዳን ቤተ ክርስቲያኖም ኣብ ዝተሃንጸሉ ሕሙማት ዚፍውስ ጸበል እናፈልፈለ በቲ ተኣምራታዊ ገድሎም ተኣምራት እናተገብረ ክብሪ እግዚአብሔር እናተገልጸ ይነብር ኣሎ። 

ኣብ ኣሥመራ በዞም ጻድቅ ስም ዝተሃንጸት ቤተ ክርስቲያን ከም ዘላ ኸኣ ዝተፈልጠ እዩ። ክብረ በዓሎም ድማ ዓመት መጸ ፰ ሓምለ ብድምቀት ይኽበር። 

ጸሎቶምን በረኸቶም ምስ ኵልና ሕዝበ ክርስቲያን ይኹን። 

(ኣብ ክብረ በዓል አቡነ ኪሮስ (ኣሥመራ) ቅድሚ ቍሩብ ዓመታት ንሕዝቢ ካብ ዝተዓደለ ጽሑፍ ዝተወስደ) 

No comments:

Post a Comment