Sunday, July 31, 2011

አባ ሰላማ ከሣቴ ብርሃን (ቀዳማይ ክፋል)

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን። 

አባ ሰላማ ከሣቴ ብርሃን 
ክርስትና ናብ ሃገርና 
ሃገርና ኤርትራ ኢየሩሳሌም ንእትርከበሉ ማእከላይ ምብራቕ ኣዝያ ዝቐረበትን፡ ካብ ጥንቲ ኣትሒዙ ኣፍደገን ማእከልን ዝተፈላለዩ ንግዳዊ ሥርሓትን ሥልጣነታትን ብምንባራን፡ ካብን ናብን ብዝግበር ዝነበረ ዓለም ለኻዊ ምንቅስቓሳት ሕዝብታት ካብ ኦሪት ኣትሒዙ ኣብ ዘመነ ብሉይ ኣምልኮተ እግዚአብሔር ይፍጸመላ ምንባሩ ምዃኑ እሙንን ጭቡጥ መርትዖ ዘለዎን ነገር እዩ። 

እቲ ኣብ ብሉይ ዝተነግረ ትንቢት ብክርስቶስ ክውን ምስ ኮነን፡ ሓዲሽ ኪዳን ብወንጌል ምስተበሰረን ነዚ ነገር ንምስማዑን ንምእማኑ’ውን ዝደንጐየት ኣይኮነትን። ኣብ ከባቢ ፴፬ ዓ.ም. እቲ ብትምህርቲ ፊልጶስ ሓዋርያ ዝኣመነን ዝተጠምቀን ስሉብ ብዓል ሥልጣን ኸኣ ከም ቀንዲ ኣብነት ክጥቀስ ይከኣል። (ግብ ሓዋ. ፰) ንሱ ኸኣ ንወገናቱ ሓዋርያ ኮይኑ ነቲ ወንጌል ከምዘበሰሮም ዝተኣምነ ነገር እዩ። ካብቶም ሓዋርያት ሓደ ዝኾነ ቅዱስ ማቴዎስ ኣብ ሃገርናን ከባቢና’ውን ምሂሩ ዝብል ታሪኻዊ ትውፊት’ውን ይጥቐስ እዩ። ምስቲ ዝነበረ ንግዳዊ ምንቅስቓሳት’ውን ኣብታ ሥልጥንቲ ዝነበረት ወደብ ኣዱሊስ’ውን ስብከታትን ዜናታትን ክርስትና ብቕልጡፍ ይበጽሕ ከምዝነበረን፡ ኣብያተ ጸሎት ኸኣ ኣብታ ወደባዊት ከተማ ተሠሪቱ ከምዝነበረን ካብኡ ተበጊሱ ድማ ናብቲ ካልእ ክፋል ሕዝብና እቲ ትምህርቲ ይበጽሕ ከምዝነበረ ታሪኻዊን ሥነ ጥንታዊን መረዳእታታት ዝቐርበሉ ሓቂ እዩ። ብዝተፈላለየ ኣጋጣሚታት ካብ ወደብ ኣዱሊስ ናብ ውሽጢ ምድሪ ዝኣትዉ ጋያሾ’ውን እግረ መገዶም ነቲ ዝረኣይዎን ዝኣመንዎን አብያተ ጸሎት ብምትካል ይገልጽዎ ምንባሮም ይጥቐስ እዩ። ንኣብነት’ውን ፍሬምናጦስን ኤዴስዮስ’ውን ገና ብንእስነቶም ኣብ ቤተ መንግሥቲ አኵሱም ምስተዓቝቡ ኣብያተ ጸሎት (መጽለሊ) ሠሪሖም ነቶም ኣብቲ ከባቢ ንዝረኸብዎም ቆልዑት ኣኪቦም መዝሙራትን ዜማን ይምህርዎም ከምዝነበሩ ይንገር። 

እዚ ኵሉ ይኹን ደኣ እምበር እምነት ክርስትና ካብ ስብከትን ዜናን ሓሊፉ ግቡእ መልክዕን ቅርጽን ሒዙ ማለት ምምሕዳራዊ ይኹን ምሥጢራዊ ኣገልግሎቱ ምስ ምሉእ ሥርዓቱ ክትከልን ክሰፍሕን ዝኸኣለ ድኅሪ ከባቢ ፫፻፴ ዓ.ም. ኣቡነ ሰላማ ጵጵስና ካብ መንበረ ማርቆስ (እስክንድርያ) ተቐቢሎም ድኅሪ ምምጽኦም እዩ። 

ድኅረ ባይታ ኣቡነ ሰላማ 
አቡነ ሰላማ ስም ጵጵስናኦም ደኣ እምበር ናይ ትውልዲ ስሞም ፍሬምናጦስ ይብሃል። ፅርዓዊ ኮይኖም መበቖሎም ኸኣ ሰብ ጢሮስ (Tyre ሶርያ) እዮም። ኣቡኦም ሜሮጵዮስ (መረጵዮን) ፍሉጥ ነጋዳይ ኮይኑ (ዑደትን ዳህሳስን ክገብር ዝመጸ ሊቀ ጠበብት ወይውን ፈላስፋ ነይሩ ዝብሉዎውን ታሪኻት ኣለዉ) ኣብ ከባቢ ፫፻፴ ዓ.ም. ብሥራሕ ንግዲ ናብ ከባቢና ምስ ክልተ ደቁ (ፍሬምናጦስን ኤዴስዮስን) ብመርከብ ኣቢሉ ኣብ ዝተንቀሳቐሰሉ ኣብ ወደብ ኣዱሊስ በጺሑ ነበረ። መርከቡ ዓሺጉን ንብረቱ ኣራጊፉን ኸኣ ንውሽጢ ኣብ ዝተንቀሳቐሱሉ እዋን ዘይሓሰቦ ረኸበ። ገንዘቡ ዘቋመቱ ስሱዓት ከተርቲ ሓደጋ ወደቕዎ እሞ ሞተ። 

ነቶም ክልተ ኣጕባዝ ደቁ ግና ደቂ ዓዲ ኣርኪቦም ኣናገፍዎም። ድኅሪ’ዚ ኸኣ ነቶም ክልተ ደቁ ድባርዋ ማእከሉ ናብ ዝነበረ ባሕረ ነጋሢ ወሲዶም ኣረከብዎም። ንሱ ኸኣ ነቶም ክልተ ደቂ ሜሮጵዮስ በቲ ዘጓነፎም ነገራት እናጓሃየ ምስኡ ብኽብሪ ንቍሩብ ኣዋርሕ ኣቐሚጡ ናብ አልዓሜዳ (ታዜር) ንጉሠ አክሱም ሰደዶም። ንሱ ኸኣ ታሪኾም ብዝሰመዐ ኵሉ እቲ ክረኽብዎ ዝግብኦም ኃልዮትን ድንጋፀን ገበረሎም። ኣብ ቤተ መንግሥቱ ኸኣ ኣዕቖቢዎም እኳ እንተነበረ ብዙኅ ከይጸንሐ ኢዛናን ሲዛናን ዝበሃሉ ክልተ ንኣሽቱ ደቁ ገዲፉ ሞተ። እዚኦም ደቁ ኸኣ ኣብ እንበረም ዝበሃል ሊቀ ካህናት ኦሪት ንባብን መጻሕፍትን ይመሃሩ ዝነበሩ እዮም። ኣዴኦም አሕየዋ (ሶፍያ) ድማ ክሳብ ዝጕብዙን ንግሥነት ኣቦኦም ዝወርሱን ከም ሞግዚት ኮይና ከተዕብዮም ከላ፡ ነዞም ክልተ መንእሰያት ኣጋይሽ ኸኣ በቲ ዝነበሮም ኣፍልጦ ኣብ ዝተፈላለየ ሥራሕ ቤተ መንግሥቲ ሸይማቶም ነበረት። ንኤድስዮስ ናይ ኣዛዝነትን ሓላፊ ምስላፍን (መጋቤ ቤተ ቀጢን) ሥራሕ ክወሃቦ ከሎ ንፍሬምናጦስ ኸኣ ሓላፊ ቤተ መጻሕፍትን መምህር ደቃን (ዓቃቤ ሕግ ወጸሐፌ አኵሱም) ገበረቶ። 

ፍሬምናጦስ ብኣምላኽ ዝተዋህቦ ንቕሓት ዝተዓደለን፡ ጽቡቕ ኣፍልጦ ትምህርተ ወንጌል ዘዋህለለን ብምንባሩ ምስቲ ኣብቲ ከባቢ ዝጸንሖ ሠረተ ትምህርት ብሉይ ክወሃሃድን ምስቶም መምህራንን ካህናተ ኦሪትን ክዛመድን ጊዜ ኣይወሰደሉን። በዚ መሠረት ኸኣ ምስቲ ኣቐዲሙ ኣብኡ ዝጸንሐ ዜና ክርስትና ነቶም ኣብቲ ቤተ መንግሥቲ ንዝነበሩ መሳትኡን ንኣሽቱን ወንጌል ክሰብከሎም ኣይተጸገመን። ነቶም ካህናተ ኦሪት ኸኣ በብቝሩብ ብርሃነ ወንጌል የብርሃሎም ነበረ። በቲ በብቝሩብ ዝንገርን ኣብ ኣእምሮ ሰባት ዝሰፍሕ ዝነበረን ሃይማኖት ኵሎም ሕጉሳት ይንበሩ ደኣ እምበር ጥምቀትን ቍርባንን ክህነትን ስለዘይነበረ ሓጐሶም ምሉእነት ብዘይምርካቡ ይሓዝኑ ነበሩ። 

ሲመተ ጵጵስና አቡነ ሰላማ 
ድኅሪ ዝተወሰነ ዓመታት ግና እቲ በኵር ወዲ ንጉሥ ዝነበረ ኤዛና ንንግሥነት ኣኺሉ ዘውዲ ኣቡኡ ምስ ደፈአ፤ ኤዴስዮስ ናብ ሃገሩ ጢሮስ ተመልሰ። ኣብ ዓዱ ኸኣ ካህን ኮይኑ ይነብር ነበረ። እቶም ኣኅዋት ደቂ ንጉሥ መተዓብይቲ ምስ ዝኾኖም ፍሬምናጦስ ጽቡቕ ሌላ ስለዝነበሮም፡ እቲ ብቀጻሊ ብዝተነግሮም ቃለ ወንጌል ትንቢተ ነቢያት ብክርስቶስ ምፍጻሙ የሕጒሶም እኳ እንተነበረ ንሶም ናይቲ ብክርስቶስ ዝተረኸብ ጸጋ ምሥጢራት ተሳተፍቲ ዘይምንባሮም ግና የተሓሳስቦም ነበረ። ስለዚ ኸኣ ጵጵስናን ክህነትን ዝርከበሉ መገዲ ድኅሪ ምንዳይ፡ ፍሬምናጦስ ምስ ንጉሥን ኣብኡ ምስ ዝነበሩ ካህናተ ኦሪትን ብዝገበሮ ምርድዳእ ነዚ መልእኽቲ ከብጽሕ ናብ እስክንድርያ ተላእኸ። እዚ ከባቢ’ዚ እምነትን ኣፍልጦን ክርስትና እኳ እንተነበሮ ቀንዲ ዓንድታት ዝኾኑ ምሥጢራት ቤተ ክርስቲያን ንምፍጻም ዘኽእሎም ጵጵስናን ክህነትን ብወገን መንበረ ማርቆስ ክማላእ ምእንቲ ነዚ ምልክታ ንምብጻሕ እዩ ነይሩ። 

ኣብኡ ምስ በጸሐ’ውን እቲ ፓትርያርክ ዝነበረ እለእስክንድሮስ ምስ ረድኡ ኣፈ ጉባኤ ኮይኑ ዘገልገለ አትናቴዎስ ብሰንኪ ኑፋቄ አርዮስ ኣብ ዝተጋብአ ጕባኤ ኒቂያ (፫፻፳፭ ዓ.ም.) ክሳተፉ ከይዶም ብምንባሮም ክሳብ ዝምለሱ ሓደ ዓመት ክጽበዮም ግድነት ነበረ። ኣብቲ መንበረ ጵጵስና ኸኣ ትምህርተ ሃይማኖትን ሥርዓተ ቤተ ክርስቲያንን ቋንቋን እናጸንዐ ጸንሐ። ይኹን እምበር እለእስክንድሮስ ድኅሪ ምምላሶም ብዙኅ ከይጸንሐ ዓረፈ እሞ እቲ ብኵለንተንኡ ማለት ብኦርቶዶክሳዊ ፍልጠቱን ቅንዒ ሃይማኖቱን መንፈሳዊ ተጋድሎኡን ዝተፈልጠ አትናቴዎስ ኣብ ክንዲኡ ተሾመ። 

ፍሬምናጦስ ኸኣ እቲ ዝተላእኸሉ ጒዳይ ንሊቀ ጳጳሳት ኣትናቴዎስ ብዝርዝር ኣረደአ። ዝረኣዮን ኵሉ ኩነታት እምነትን መንብሮን ናይዚ ከባቢ ብሰፊሑ ገለጸ። ኣትናቴዎስ ሓዋርያ ነቲ ፍሬምናጦስ ዘመልክቶ ጕዳይ መርሚሩን፡ ናይ እግዚአብሔር ስራሕን መደብን ድንቂ ምዃኑ ኣስተውዒሉን “ፍቕሪ እግዚአብሔርን መንፈሳዊ ቅንዓትን ትግሃትን ዘለዎ እሞ ኸኣ ናይቲ ሃገር ቋንቋን ልማድን ባህሊ ሕዝብን ዝፈልጥ ካብ ፍሬምናጦስ ንላዕሊ ኣይንረክብን” ብማለት ንዕኡ ንጵጵስና ኃረዮ። ፍሬምናጦስ ኸኣ ነቲ ኵሉ ግቡእ ነገረ መለኮትን ሥርዓተ ቤተ ክርስቲያንን ከጽንዕን ክመሃርን ኸኣ ፭ ዓመት ኣብ እስክንድርያ ጸንሐ። ድኅሪኡ ከኣ አቡነ ሰላማ ብዝብል ስም ናይ አክሱምን ከባቢኣን ጳጳስ ኮይኑ ብቅብዓትን ብኣንብሮተ ኢድን ተሾመ። ኵሉ ምስ ኣጠናቀቐ ኸኣ ናብ አኵሱም ተመልሰ። 

ምእታው ናብ ሃገርና 
አቡነ ሰላማ ኣብ እስክንድርያ ኣብ ዝጸንሑሉ እዋን ምስ ንጉሥ አክሱም ኤዛና ቀጻሊ ርክብ ነበሮም። በዚ ምኽንያት ኸኣ ጕዳይ ምምላሶም ኣብ ዝኾነሉ’ውን ስለቲ ክብሮም በይኖም ከይመጹ ዘሰንይዎም ሰባት ናብ እስክንድርያ ምስ ኵሉ ህያባት ካብ አክሱም ተሰዲዱሎም ነበረ። በዚ ኣገባብ ኸኣ አቡነ ሰላማ ነቲ ነዊሕን ኣድካምን ጕዕዞ ድኅሪ ምክያዶም ብማርሳ ተኽላይ ኣቢሎም ብ፫፻፴ ዓ.ም. ናብ ሃገርና ኣተዉ። ገለ ጽሑፋት ግና ብከሰላ ኣቢሎም ብሰሜናዊ ክፋል ሃገርና ከምዝኣተዉን እቶም ነገሥታት’ውን (ኤዛና ምስ ሓዉ ሴይዛና) ኣብ ከሰላ ከይዶም ከምዝተቐበልዎምን ይገልጹ። ካብ ግብጺ ኸኣ ዘሰንይዎም ኣቦታት ኸኣ ብኣትናቴዎስ ተመዲቡሎም ነበረ። 

ብክልቲኡ ታሪኻት እንተተኸደውን እዞም ኣኅዋት ነገሥታት ንአቡነ ሰላማ ብኽብሪ ከምዝተቐበልዎምን፤ ንዝተወሰነ መዓልቲ ኸኣ ትምህርተ ወንጌል ተማሂሮም ብኢድ አቡነ ሰላማ ኣብታ ጥንታዊትን ታሪኻዊት ቅድስት ገዳም ደብረ ሲና (ዞባ ዓንሰባ) ከምዝተጠመቑን ከምዝቖረቡን ገድሎም ይገልጽ። ስሞም ከኣ ምስ ጥምቀቶም ተቐየረ። ኤዛና አብርሃ ክብሃል ከሎ ሴይዛና ኸኣ አጽብሐ ተባህለ። ነቲ ካህነ ኦሪት ንዝነበረ እንበረም’ውን ኣጠሚቖም ማዕርገ ክህነት ሃብዎ፤ ስሙ ኸኣ ሕዝበ ቀደስ በልዎ። ደድኅሪኦም ኸኣ ብዙኃን ምእመናን ኣብነት ናይቶም ነገሥታት ተኸቲሎም ተጠምቁ። ብዓበይቶም ብዛዕባ ነገሥታት ፈሊና ንዛረብ ኣሎና ደኣ እምበር፤ አቡነ ሰላማ ናብ ሃገርና ካብ ዝኣተዉሉ ሰዓት ኣትሒዞም ስብከተ ወንጌል እናሰበኹን ነቶም ዝኣመኑ ኸኣ እናጥመቑን እዮም ኣብ ኵሉ ተዘዋዊሮም። 

ኣብ ሃገርና ተዘዋዊሮም ዝሰበኹሉ ቦታታት ብዝርዝር ምግላጹ መጽናዕቲ ዘድልዮ እኳ እንተኾነ ካብ ሰሜን ክፋል ሃገርና ክሳብ ማእከል ካብኡ ኸኣ ደቡብ ተዘዋዊሮም ከምዝሰበኹን ብዙኃን ኣገልግልቲ ካህናትን ዲያቆናትን ከምዝሾሙን፤ ነቶም ሓደስቲ ዝተሃንጹ ኣብያተ ክርስቲያናት ድማ ዝተፈላለየ ንዋየ ቅዱሳት ከምዘበርከቱ ዝተፈልጠ ነገር እዩ። ስለዚ እዩ ኣብ ዛግር ኣብ ድባርዋ ወቦ ዘተርፈ ናይ ኣቡነ ሰላማ መሳቅል ጽንሓሕ ልብሰ ተክህኖ ወቦ ዘተርፈ ንዋየ ቅዱሳት ክሳብ ሕጂ ብኽብሪ ተዓቂቦም ዝርከቡ ዘለዉ።

                                                                                                                         ይቅጽል...

No comments:

Post a Comment