Thursday, July 14, 2011

ብርሃናተ ዓለም ጴጥሮስ ወጳውሎስ


አመ ሐምሱ ለሐምሌ ኮነ በዓለ ዕረፍቶሙ ለጴጥሮስ ወለጳውሎስ ሐዋርያት ብርሃናተ ዓለም ጸሎቶሙ ወሀብተ ረድኤቶሙ የሀሉ ምስለ ኵልነ ሰማዕያን ወአንባብያን አሜን። 

፭ ሓምለ፡ ብርሃናተ ዓለም - ኣዕማድ ቤተ ክርስቲያን ዝተሰምዩ ክልተ ሓዋርያት ማለት ቅዱስ ጴጥሮስን ቅዱስ ጳውሎስን ብኢድ እቲ ጨካን ኣረማዊ ኔሮን ብሞት ዝተራኸቡላን፤ ካብቲ ድኻምን ጻዕርን ዝበዝኆ ዓለም ናብታ ዝናፍቕዋን ዝተጋደሉላን፡ ዘለዓለማዊት ርስቶም ዝተሰጋገሩላን ሰማያዊ ኣኽሊል ዝጨበጡላን ዕለት እያ። 

ጸሎቶምን በረኸቶምን ምስ ኵላትና ይኹን። 

ቅዱስ ጴጥሮስ
ቅዱስ ጴጥሮስ ካብ ነገደ ሮቤል ካብ ዝኾነ ኣቡኡ ዮና ኣብ ቤተ ሳይዳ ተወልደ። ቤተ ሳይዳ ኣብ ኣውራጃ ገሊላ ኣብ ወሰን ባሕሪ እትርከብ ዓዲ እያ። ዮና ምስ ዘብዴዎስ ዓሣ እናስገረ ዝናበር ሰብ እዩ ነይሩ። ዮና ካብ ነገደ ስምዖን እትኸውን ሰበይቲ ተመርዕዩ ንቅዱስ ጴጥሮስ ወለደ። ቅዱስ ጴጥሮስ ከምቲ ሕገ ኦሪት ተገርዘ፤ ስሙ ኸኣ ብስም ነገድ ኣዲኡ ስምዖን ኢሎም ሰመይዎ። 

ኣብ ኃሙሻይ ዓመቱ ኸኣ ኣብ ጥቓ ቤተ ሳይዳ ናብ ዝነበረ ናብ ቤት ጸሎት ቅፍርናሆም ወሲዶም ሕገ ኦሪት ከምዝምሃር ገበርዎ። ብዙኅ ትምህርቲ ግና ኣይነበሮን። ኣብ ቅፍርናሆም ከም ኣቡኡ ዓሣ እናስገረ ይነብር ነበረ። ኣብዚ ሥራሕ እንከሎ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ንወዲ መዝሙርነት ጸውዖ። 

ቅዱስ ጴጥሮስ ፍጡን፤ ህዉኽን ቅልጡፍን፡ ከም ዝነበረ ሊቃውንቲ ይዛረቡ። ጐይታና ኣብ ልዕሊ ባሕሪ እናሰጐመ ክኸይድ ርእዩ፡ ኣነውን ከምኡ ናባኻ ክመጽእ ፍቐደለይ ኢሉ እናሰጐመ ናብ ጐይታ ክመጽእ ተበገሰ። ይኹን እምበር ብሰንኪ እቲ የማነ ጸጋሙ ዝረኣዮ ብርቱዕ ማዕበልን ነፋስን ኣብ እምነቱ ጕድለት ስለእተረኽቦ ክጥሕል ጀመረ። ጐይታ ግና ስለ ጕድለት እምነቱ ገሢጹ ኣውጽኦ። 

ጐይታና ኣብ ቂሣርያ ዘፊልጶስ ሰባት ንዓይ መን ይብሉኒ ኢሉ ንደቀ መዛሙርቱ ምስ ሓተተ፤ ተቀላጢፉ ምላሽ ዝሃበን ክርስቶስ ወዲ ሕያው እግዚአብሔር ምዃኑ ዝመስከረ ቅዱስ ጴጥሮስ እዩ ነይሩ። እወ እቲ ቅዱስ ጴጥሮስ፡ ክርስቶስ ብተዋሕዶ ናይ እግዚአብሔር አብ ናይ ባህርይ ወዱ ምዃኑ ዝሃቦ ምስክርነት ርቱዕ ብምዃኑ ጐይታና ብፁዕ ኢኻ ኢሉ መርኆ መንግሥተ ሰማያት ሂብዎ እዩ። (ማቴ ፲፮) 

ኣብ ሳድሳይ መዓልቲውን ነቶም ሠለስተ ናይ ምሥጢር ደቀ መዛሙርት ተባሂሎም ንዝፍለጡ ሒዙ ኣብ ኣውራጃ ገሊላ ካብ ናዝሬት ብወገን ምብራቕ ናብ ዘሎ ዝተቀደሰ እምባ (ደብረ ታቦር) ኣደይቡ ብርሃነ መለኮቱ ክብረ መንግሥቱ ኣርኣዮም። ኣብዚ እዋን እዚ ቅዱስ ጴጥሮስ ጐይታይ ንዓኻን ንኤልያስን ከምኡውን ንሙሴ ዳስ ሰሪሕና ኣብዚ ምንባር ንዓና ጽቡቕ ምኾነ ኢሉ ከምዝተዛረበ ኣብ ቅዱስ ወንጌል ተጻሒፉ ንረኽቦ። (ማቴ ፲፯) 

እስራኤላዊ ዝኾነ ኵሉ ክኸፍሎ ንዝግባእ ግብሪ ንጐይታ ከኽፍልዎ ንዝመጹን፡ ነቶም ደቀ መዛሙርቱ ንዝሓተቱን፡ ንሱ ዝግበረሉን ዘግብርን ኣምላኽ ምዃኑ ብምሳሌ እቲ ዓሣ ኣብ ዘርኣየሉ እዋን ናብቲ ባሕሪ ዝለኣኾን ብስም ጐይታን ብስሙን ነቲ ግብሪ ዝኸፈለ ቅዱስ ጴጥሮስ እዩ ነይሩ። (ማቴ ፲፯) ሓዋርያት ንኵሉ ገዲፎም ንጐይታ ድኅሪ ምስዓቦም ኣብ መወዳእታ ዝረኽብዎ ዓስቢ እንታይ ምዃኑ ዝሓተተ ቅዱስ ጴጥሮስ እዩ። (ሉቃ ፲፰) 

ጐይታ ኣብ ምሴተ ሓሙስ እግሪ ሓዋርያቱ ኣብ ዝሓጸበሉ እዋን፤ ጐይታ ነቲ ገበራ ሒዙ ምሕጻብ ክጅመር ቀዳማይ ዝገበሮን፡ ብፍጹም እግረይ ኣይተሓጽበንን ብምባል ፈለማ እምቢ ዝበለን፡ ጐይታ ግና እንተዘይተሓጺቡ ግደ ምስኡ ከምዘይህልዎ ምስነገሮ ድማ ዝተሓጽበ ቅዱስ ጴጥሮስ እዩ። ኣብቲ ፈተኒ እዋን ኣይሁድ ብይሁዳ ተመሪሖም ንጐይታ ኣብ ጌተሰማኔ ክሕዝዎ ምስ መጹ ሰይፉ ኣልዒሉ እዝኒ ማልኮስ ዝቖረጸን ከምቲ ጐይታ እተዛረቦ ድማ ምስ ተተሓዘ ቀልጢፉ ብኣፉ ዝኸሓደን ዶርሆ ምስ ነቀወ ድማ ቀልጢፉ ዝተነሰሐን ቅዱስ ጴጥሮስ እዩ ነይሩ። 

ድኅሪ ትንሣኤ ጐይታን ኸኣ ናብ መቓብሩ ዝተጓየየን ቅድሚ ካልኦት ሓዋርያት ናብ መቓብሩ ዝኣተወን ንሱ እዩ ነይሩ። ትንሣኤ ጐይታ ምስ ሓዋርያት ዝረኣየን ኣብ ጥብርያዶስ ኸኣ ዝተገልጸሉን እዩ ነይሩ። ኣብኡ ድማ ጐይታ፡ መላሊሱ ከምዘፍቅሮ ዝሓተቶን ኣባጊዑን መሐስኤኡን ንዝኾኑ ምእመናን ክሕልው ሓደራ ዝሃቦ ሊቀ ሓዋርያት ቅዱስ ጴጥሮስ እዩ። ድኅሪ እዚ ኸኣ ኣብ ጊዜ ንእስነትካ እምነት ዝናርካ ተዓጢቕካ ኣብ ዝደለኻዮ ክትኸይድ ትኽእል ነይርካ፡ ኣብ ጊዜ ሽምግልናኻ ግን ኢድካ ኣልዒልካ ባዕዲ ኔሮን ኣሲሩ ኣብ ዘይደለኻዮ ሞት ክወስደካ እዩ ኢሉ ብኸመይ ዝበለ ኣማውታ ከም ዝመውት ኣቐዲሙ ኣመልኪትዎ ዝነበረ ኸኣ እዩ። እዚ ኸኣ ንሱ ተሰቒሉ ከም ዝመውት ኣፍለጦ ማለት እዩ። 

ነቲ ጐይታ ዝሃቦ ሕድሪ ድማ ብዝግባእ ንምፍጻም ኸኣ ንሓዋርያት ድኅሪ ጐይታ ኣቦ ኮይኑ ዝኣልዮምን፡ ጉባኤያቶም ድማ ዝመርሕን ንሱ እዩ ነይሩ። በዚ መሠረት ኸኣ ኣብ ክንዲ ይሁዳ መተካእታ ክግበር ጉባኤ ዝመርሐን ብዕጫ ንማትያስ ዘምርጸን ንሱ እዩ። ካብ ኢየሩሳሌም ከይወጹ ብዝተኣዘዝዎ መሠረት ኣቡኡ ጸኒሖም ኣብ መበል ፶ መዓልቲ መንፈስ ቅዱስ ምስ ተቐበሉ ኣብ ቅድሚ ሕዝቢ ወጺኡ ዝሰበኸን ሠለስተ ሽሕ ሕዝቢ ብሓንሳብ ክኣምን ዝገበረን ቅዱስ ጴጥሮስ እዩ ነይሩ። 

ኤንያ ንዝበሃል ስንኩል ዝፈወሰን ስለቲ ንመንፈስ ቅዱስ ከታልሉ ምፍታኖም ንሓናንያን ሰጲራን ዝቐጸዐ ቅዱስ ጴጥሮስ እዩ ነይሩ። ኣብ ሰማርያን ኣብ ኢዮጴ ኣብ ልዳ እናተዘዋወረ ኣብ ዝመሃረሉ ንጣቢታ ካብ ሞት ዝተንሠአ ብዝረኣዮ ራእይ ንቆርኔሌዎስ ናብ እምነት ክርስትና ዘምጸአ፤ ብዙኅ መከራ ስለ ወንጌል ዝተቐበለን ብናይ ጐይታ መልኣኽ ካብ ቤት ማእሰርቲ ዝወጸ ንሱ እቲ ማእቶተ ቤተ ክርሲያን ቅዱስ ጴጥሮስ እዩ ነይሩ። 

ብምኽንያት ቢጽ ሓሳውያን ኣብ ሞንጎ ምእመናን ምክፍፋል ምስ መጸ፤ ናይቲ ስለቲ ጕዳይ ንዝተጋበአ ቀዳማይ ሲኖዶስ ኣፈ ጉባኤ ኮይኑ ዝመርሐ ንሱ እዩ ነይሩ። ቅዱስ ጴጥሮስ ክልተ መልእኽታት ዝጸሓፈ እዩ። 

ድኅሪ ሰፊሕ ተጋድሎን ኣብ ሮማ ኣትዩ ወንጌል ብምምሃሩ ኣብ ከባቢ ፷፯ ዓ.ም. ተታሕዘ። እቶም ምእመናን ከይትሓዞም ብምባል ከርሕቕዎ እኳ እንተፈተኑ ንሱ ግና ብዝረኣዮ ራእይ ናብ ሮማ ተመሊሱ ተታሕዘ። ስለዚ ድማ በቲ ጨካን ቄሳር ኔሮን ኣብ ሮማ ሰቒሎም ክቐትልዎ ፍርዲ ምስ ወድኡ፡ ጐይታይ ኢየሱስ ክርስቶስ ቆይሙ ተሰቒሉስ ኣነ ድማ ምስ ጐይታይ ኣመዓራሪኹም ክትሰቕሉኒ? ኢሉ “ወአስተብቍዖሙ ለሕዝብ ከመ ይስቅልዎ ቍልቍሊተ” ከምዝብል ቍልቁል ደፊእኩም ስቐሉኒ ኢሉ ለመኖም። 

ከምታ ኣብ ቂሣርያ ዝሃባ ዓባይ ምሥጢረ ተዋሕዶ እትገልጽ ምስክርነት፡ ወዲ ዮና ስምዖን ዝበልካዮ ሰማያዊ ኣቦይ ደኣ ገሊጹልካ እምበር ሥጋዊ ደማዊ ሰብ ኣይገለጸልካን ተባሂሉ ነይሩ። ጐይታውን እምበኣር ኣነ ንዓኻ ከውሒ ገይረካ እየ። ኣብ ልዕሊኻ ድማ ቤተ ክርስቲያነይ ኣሓንፃ ኣሎኹ፤ ኣፈ ደጌታት ሲኦል ከፍርስዋ ኣይከኣሎምን ብምባል ቃል ኪዳን ተኣትወሉ። እዚ ማለት ኸኣ ንምእመናን ብኣኻ መንፈሳውነትን ትምህርትን ከም ዝጓሰዩ እገብሮም ኣሎኹ፤ ብስብከትካን ብትምህርትካን ጸኒዖም ንዝነብሩ ምእመናነይ ኣጋንንቲ ከስሕትዎም ኣይክእሉን እዮም ማለት እዩ። ኣብቲ ኣማናዊ ምስክርነትካ ዝተተኽለት ቤተይ ፈጺማ ኣይትናወጽን እያ ማለት ኸኣ እዩ። ስለዚ ድማ “ኣብ ምድሪ ንስኻ ዝኣሠርካዮ ብሰማይ እሡር እዩ፤ ኣብ ምድሪ ንስኻ ዝፈታሕካዮ ድማ ብሰማይ ፍቱሕ እዩ።” ብማለት እቲ ናይ መንግሥተ ሰማይ መእተዊ ሥልጣነ ክህነት ብብፅዓን ሂብዎ ነበረ። 

ካብኡ ሽዑ ጀሚሩ ድማ በቲ “ሑሩ ወመሀሩ ውስተ ኵሉ አጽናፈ ዓለም” ዝበሎም መሠረት ክሳብ ዕለተ ሞቱ ኣስተምሂሩ፤ ብዙኅ ሥቓይን መከራን እናተቐበለ ጸኒሑ። ኣብ ፍጻሜ ሞቱ ከምታ ምስለኔኡ ገይሩ ዝወከሎ፡ ምንም’ኳ ጐይታ ቖይሙ ዝተሰቕለ እንተኾነ፡ ንሱ ድማ ቍልቍል ተሰቒሉ ብኣማውታኡ ንጐይታኡ ክርስቶስ ተኸተሎ። እቲ ብጥንተ ስብከት “ንዓ ትልወኒ” ዝበሎ ብሞት ፈጸሞ፤ ብሞት መሰሎ። 

ጸሎቱን በረኸቱን ምስ ኵልና ሕዝበ ክርስቲያን ይኹን። 

ቅዱስ ጳውሎስ
ቅዱስ ጳውሎስ ትውልዱ ካብ ዘርኢ ኣብርሃም ካብ ነገደ ብንያም እዩ። (ፊል ፫) ዓዲ ኣባሓጐኡ ገሊላ እዩ ነይሩ። ኣቡኡን ኣዲኡን ዝሓሸ ናብራ ንምርካብ ካብ ገሊላ ናብ ቂልቂያ ከዱ። ኣብኡ ኸኣ ዕግርግር ኣብ ዝተላዕለሉ ድማ ንቂልቂያ ገዲፎም ናብ ጠርሴስ ድኅሪ ምኻዶም ቅዱስ ጳውሎስ ኣብ ጠርሴስ ተወልደ። 

ጠርሴስ ናይ ቂልቂያ ገምገም ባሕሪ ነበረት። ጠርሴስ ዋላ እኳ ኣኽራን ዝበዝኃ ከተማ እንተኾነትውን ልምዕትን ፍሪያምን ስለዝነበረት ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ናብ ኣውሮጳን ናብ ኪልቂያን ንዝመሓላለፉ ነጋዶ ምብራቕ ማእከለይቲ ከተማ ነበረት። ብዙኅ ኢደ ጥበባዊ ስርሓት’ውን ይካየደላ ነበረት፤ ብፍላይ ኸኣ ምስፋይ ድኳን (ቴንዳ) ዝተፈልጠት ነበረት። ቅዱስ ጳውሎስ ኸኣ ኣብዚኣ ከተማ እዩ ነዚ ሞያ ኣጥርይዎ። በዚ ምኽንያት ኸኣ ነዚ ስራሕ እናሰርሐ ንካልኦት ሸኽሚ ከይኮነ ወንጌል ይሰብኽ ነበረ። 

ኣብቲ ዘመን እቲ ጠርሴስ ኣብ ክፋል ኤስያ ናይ ምዕራብን ሰሜንን ሃገራት ብብዝኂ ዝጓዓዙ ሮማውያን ስለዝነበሩ ጠርሴስ ናይ ሮማውያን ከተማ ነበረት። በዚ ምኽንያት ኣቡኡ ተቓማጣይ እዛ ዓዲ ብምንባሩን ካብኣ ዝውለድ ተባዕታይ ዘበለ ከም ሮማዊ ይቝጸር ነበረ። ብኸምዚ ኸኣ ተደራቢ ሮማዊ ዜግነት ነበሮ። 

ኣብ ቂልቂያን ጠርሴስን ዝቕመጡ ኣይሁድ ውሑዳት ስለዝነበሩን፡ ብቋንቋ ግሪኽን ሮማውያንን ከኣ ይዛረቡ ነይሮም እምበር ብዕብራውያን ቋንቋ ኣይዛረቡን ነይሮም። ወላዲ ቅዱስ ጳውሎስ ግና ኣብ ዓዱ ከሎ ቋንቋ ዕብራይስጢ ብዝግባእ መሊኽዎ ስለዝነበረ ቅዱስ ጳውሎስ ምስ ተወልደ ኣብ ኃሙሻይ ዓመቱ ቋንቋ ዕብራይስጥን ካልእ ብኦሪት ዝተኣዘዘ ዘበለ ኵሉ የጽንዕ ከምዝነበረ ይንገር። 

ቅዱስ ጳውሎስ ፲፭ ዓመት ምስ መልኦ ብፈቓድ ኣቡኡ ንትምህርቲ ናብ ኢየሩሳሌም ተላእኸ። ኣብ ኢየሩሳሌም ምስ ሰብኣያን ደቃን እትነብር ኃውቲ ስለዝነበረቶ ብዘይጸገም ኣብ እግሪ ገማልያን ኮይኑ ትምህርቱ ክቕጽል ክኢሉ ነይሩ። በዚ ኸኣ ምሁረ ሕገ ኦሪትን ቀናእን ዝነበረ እዩ። ክርስትና ኸኣ ኣንጻር ኣምልኮተ እግዚአብሔር ይመስሎ ስለዝነበረ ኣንጻሩ ዝወገነ እዩ ነይሩ። ኣይሁድ ሸውዓተ ወርሒ ድኅሪ ዕርገት ጐይታ ንሊቀ ዲያቆናት እስጢፋኖስ ብዳርባ እምኒ ክቕትልዎ ከለዉ ተሓባባሪኦም ኸኣ ነበረ። ኣይሁድ ንእስጢፋኖስ ድኅሪ ምቕታሎም ሸሞንተ ሽሕ ዝኣኽሉ ብማኅበረ እስጢፋኖስ ዝፍለጡ ቀዳሞት ምእመናን ብኸምዚ መገዲ ኣብ ኢየሩሳሌም ክጸንሑ ስለዘይክእሉ በብሃገሩን ዓድታትን ተበቲኖም ስብከተ ወንጌል ኣስፍሑ። ብዙኃን ኸኣ ናብ እምነት ክርስትና ኣተዉ። 

ቅዱስ ጳውሎስ ሽዑ ሳውል ዝበሃል ዝነበረ ንሕገ ኦሪት ቀናኢ ብምንባሩ ክርትስትና እናስፋሕፈሐ ምምጽእ ብዝሰምዐን ብዝተረድአን ነቶም ክርስቲያናት ከእስር ፍቓድ ወሲዱ ናብ ደማስቆ ኸደ። ጐይታ ግና ኣብ መገዲ ኸሎ “ግብተ በረቀ መብረቅ” ከምዝብል ብብርሃናዊ ተኣምራቱ ተገልጸሉን፤ ቅዱስ ጳውሎስ ኸኣ ብግብሩ ኸኣ ከምዝጠዓስ ኮነ። ጐይታ ድማ ክገብሮ ዘለዎ ኵሉ ነገሮ። ብኸምኡ ድማ ዝተባህሎ ፈጺሙ ፍጹም ክርስቲያን ኮነ፤ ተመሊሱ ነቲ ዘሳድዶ ዝነበሮ ጐይታ ክሰብኽ ጀመረ። ከምቲ ጐይታ ዝበሎ ኸኣ ኅሩይ ንዋይ ምዃኑ ብግብሩ ኣመስከረ። ኣይሁድ ግና ኣይቀሰኑሉን፤ ከጥፍእዎውን ብዙኅ ተጋደልዎ። 

ንሱ ግና ኣብ ትምህርተ ወንጌል ብዙኅ ጸንዐን፡ ዓቢይ መምህር ሕዝብን ኣሕዛብን ኮነ። ሓደ መዓልቲ ከምቲ ናይ ኦሪት ሥርዓት ምንጻሕ ክፍጽም ካብ ቂሣርያ ናብ ኢየሩሳሌም ደይቡ ኣብ ቤተ መቅደስ ምስ ኣተወ ተሓቢቢሮም ኣሲሮም ናብ ቂሣርያ ወሰድዎ። ነገሩ ኸኣ ኣብ ቅድሚ እቲ ኣመሓዳሪ ፊስጦስ ወዲኡ ናብ ቄሳር ይግባይ በለ። ኣብ ቂሣርያውን ክልተ ዓመት ተኣሲሩ ናብ ሮም ከደ። ኣብ ሮም ድማ ቤት ተኻርዩ ኣብ ናይ ቤት ማኅዩር ወንጌል እናሰበኸ ክልተ ዓመት ጸንሐ። ገበን ስለዘይተረኽበሉ ኸኣ ኣብ ክልተ ዓመቱ ተፈቲሑ። ብንእሽቶይ ኤስያ ኣቢሉ ምእመናን እናጸናንዐን ኣብያተክርስቲያናት እናበጽሐን ሎዶቅያ በጺሑ። 

ቅዱስ ጳውሎስ ኣብ ከባቢ ፶ ዓ.ም. ኣብ ኤፌሶን ነቶም ጣኦታት ዘመልኹ ኣኪቡ ስለዝሰበኸሎም ብጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣመኑ። ግና እቲ ረብሕኡ ዝተተንከፈ ድሜጥሮስ ዝበሃል ናይ ጣኦት ኣንጠረኛ ኣብ ልዕሊኡ ህውከት ኣልዓዓለ። ተኸሲሱ ድማ ኣብ ቅድሚ ዳኛ ቀረበ። ግና በደል ስለዘይተረኽበሉ ናጻ ኮነ። ኣብቲ ዝቕጽል ዘመን ከኣ ካልእ ገዛኢ ምስ መጸ ድሜጥሮስ፡ እለእስክንድሮስ ምስ ዝበሃል ሰብ መኺሩ ብናይ ሓሶት ክሲ ከሰሶ። ይግባይ ስለዘበለ ድማ ናብ ሮም ወሰድዎ። 

ቅዱስ ጳውሎስ ንጢሞቴዎስ ኤጲስ ቆጶስነት ማዕርግ ሂቡ ኣብ ኤፌሶን ሾሞ። ድኅሪኡ ብብዙኅ ምድፍናቕን ሓዘንን ተፈላለዩ። ናይ ሮም ጕዕዞኡ ኸኣ ብቆሮንቶስ ኣቢሎም ብኣርድያቲክ ባሕሪ ተሳጊሮም ብሪንዲሲ ካብ ዝበሃል ናይ ኢጣልያ ወደብ በጽሑ። በቲ ኣጲን ብዝበሃል ዓቢይ ጽርግያ ኣቢሎም ኸኣ ሮም ኣተዉ። ናይ ኤፌሶን ወተሃደራት ጳውሎስ ምስቲ ዝተኣስረሉ ናይ ክሲ ደብዳበ ኣተሓሒዞም ንንግሥነት ሮም ኣረከብዎ። ኔሮን ቄሳር ከኣ እቲ ክሲ ቀሊል ምዃኑ ርእዩ ኣብቲ ማእሰርቲ ክጸንሕ መጀመርያ እኳ ፈሪድዎ እንተነበረ፤ ዳኅራይ ግና ክርስትና ክሳብ እቲ ቤተ መንግሥቲ በጺሑ ስለዝነበረ ዳግማይ ኣብ ቅድሚ ኔሮን ቀረበ። ቅዱስ ጳውሎስ ድማ ኣእዳዉ ብሰንሰለት ተታሒዙ፡ መስቀል ኣብ የማናይ ኢዱ ጨቢጡ፡ ብትብዓት ነገረ መስቀል ክርስቶስ መስከረ። ኔሮን ድማ ተበሳጭዩ ሞት ፈረዶ። 

ቅዱስ ጳውሎስ ናብቲ ዝሥውዓሉ ቦታ ክውሰድ ከሎ ገጹ ብሓጐስ ዝተመልአ እዩ ነይሩ። ነቶም ዝስይፍዎውን ክሳዱ ኣጣዓዒሙ ሂብዎም። ንሶም ድማ ብሰይፍ ከለልዎ። እቶም ክርስቲያናት ድማ ሥግኡ ኣልዒሎም ክሳዱ ኣልጊቦም፤ ንቅዱስ ጴጥሮስ ድማ ካብ መስቀሉ ኣላቒቖም ብክብሪ ገነዝዎም። ፭ ሓምለ ኸኣ ከባቢ ፷፯ ዓ.ም. ቀበርዎም። 

ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ነዚኦም መጻሕፍተ ገድልታት ክውስንዎ ዘይክእሉ ገድሊ ዝተጋደሉ ክልተ ከዋክብቲ ቤተ ክርስቲያን፤ ብርሃናተ ዓለም ሓዋርያት ኣብዚ ዕለት እዚ ብዝግባእ ከተኽብሮምን ክትዝክሮምን ትነብር ኣላ። ብስሞም ግና ኣብያተ ክርስቲያናት ኣብ ሃገርና ከምቲ ዝድለ ዘይምህላዎም ዘተሓሳስብ እዩ እሞ ኵልና ልቢ ንግበረሉ። 

በረኸቶምን ረድኤቶም ምስ ኵልና ሕዝበ ክርስቲያን ይኹን።

No comments:

Post a Comment