Thursday, July 7, 2011

ትምህርቲ ‘ጥንተ አብሶ’ን ጐስጐስቱን ኣብ ቅድስት ቤተ ክርስቲያንና

(ካልኣይ ክፋል)
ሓንቲ ካብ ብዙኅ ክውል ሓሳባቶም 
እዞም ጕጅለታት ድኅሪ ካብ ቤተ ክርስቲያን ምውጽኦም (ኣብ ውሽጢ ሃገር) ‘ድኅረይ ሳዕሪ ኣይብቖል’ ዝዓይነቱ፡ ንሳቶም ናብቲ ንዓመታት ሰባት ከጋግይሉ ዝጸንሑ መድረኻት ዳግማይ ዝምለሱሉ ዘመንን ባይታን ክሳብ ዝፍጠረሎም፡ ንዕቤት ዉልዶን ዳግማይ ዝተስተኻኸለን ትምህርቲ ሰንበት ዝኾልፉን ዘዳኽሙን ዓበይትን ንኣሽቱን መደባት ሓንጺጾም ብወከልቶም ኣቢሎም ይሰርሕሉ ከምዝነበሩን ከምዘለዉን ዘለዉና ሓበሬታታት የመልክቱ እዮም። እዚ ኸኣ እቲ ዕላማታቶምን ኣካይድኦምን ዘይተቐበለን፡ ኣንጻሮም ዝቖመ ምዃኑ ዝኣምኑሉን ንመንእሰያት ኣብ ቤተ ክርስቲያን ክጥርንፍ ዝቖመ ኣካል (ትምህርቲ ሰንበት) እንተተኻኢሉ ናብቲ ናቶም ዕላማታት በብቝሩብ ዝኣትወሉ ወይውን ናይ ሓሶት ጠቐነን ምድንጋርን ብምፍጣር ዝዕጸወሉ፡ እንተዘይተኻኢሉ ድማ ዕብየቱ ተቘጽዩ ዝዳኸመሉን ዝከፋፈለሉን ሓሳባት ንዝሓለፉ ፲ ዓመታት ከካይዱ ጸኒሖም እዮም። ነዚኦም ዕላማታትን ኣካይድኦምን ዝምልከት ድማ እግዚአብሔር ብዝፈቐዶ መለበሚን መንቕሕን ክኸውን ምእንቲ ድማ በብቝሩብ ኣብ ጊዜኡ ከነቃልሖ ኢና። 

ሓደ ካብቲ ከም መዳኸሚ ኣገባብ ከተኣታትዉዎ መዲቦም ይሰርሕሉ ካብ ዘለዉ ድማ ግብራዊ ዕላማ ትምህርቲ ሰንበት ኣንፈቱ ከምዝስሕት ምግባር እዩ። ንኣብነት ብዛዕባ ትምህርተ ሃይማኖት ይኹን ሥርዓተ ቤተ ክርስቲያን ካልእን ኣብ ዝምልከት ጉዳያት ውሽጣዊ ‘ክትዕ’ የልዕሉ እዮም ወይውን ‘ይኸፋፍሉ’ ንዝብልዎም ትምህርትታት ይነዝሑ፤ ተምሃሮ ትምህርቲ ሰንበት ኣብ ክንዲ ናብ ሊቃውንት ከይዶም ዝሓተቱን ዝምልሱሎም ድማ ዘጽንዑን፡ ውሳኔ ክህቡሉ ደረጅኦም ኣብ ዘየፍቕደሉ ነገረ ሃይማኖትን ሥርዓተ ቤተ ክርስቲያንን ብክትዕ ከምዝጽመዱ ብምግባር ካብ ቀንዲ መስመሮም ምዝንባል እዩ። ኣብ ሞንጎ ሊቃውንቲ ፍልልይ ከምዘሎ ንምምሳል ድማ ሓደ ካብ ካልእ ‘ፀጉሪ ንምስንጣቕ’ን ፍልልያት ንምፍጣር ምጽዓር እዩ። እቲ ተምሃራይ ትምህርቲ ሰንበት ድማ ናይቲ ሓደ ዝቕበል ነቲ ኻልእ ዝነጽግ ገይሩ ኣብ ሊቃውንትና ዘሎ ኣረኣእያ ከምዝሃስስን፡ ኣብ ውልቃዊ ርድኢቱ ከምዝምርኮስን፤ ናይ ካልኦት ትምህርትን ጊዜ ዘምጽኦ ምርምርን ከምዝኣምን ንምግባር መሠረት ምንጻፍ እዩ። ጐድኒ ጐድኒ ድማ ካብ ኣትላንታ ንዝዝርግሑ ብዝተፈላለየ ኣገባብ ንዝተዳለዉ ትምህርታትት ኣብ ውሽጢ ኣብያተ ትምህርቲ ሰንበትን ላዕለዎት ትካላት ትምህርትን ብዝወደብዎም ኣባላት ኣቢሎም ይዝርግሑ። 
ብመሠረቱ ቤተ ክርስቲያን ንዘለዋን እትምርሓሉን ትምህርተ ሃይማኖትን ሥርዓተ ቤተ ክርስቲያን ምሕንጻጽን ‘እዚ ቅኑዕ እዚ ጌጋ’ ምባል ናይ ትምህርቲ ሰንበት ስራሕን ዕላማን ከምኡውን ሥልጣንውን ኣይኮነን። ይኹን እምበር ዕላማ እዚኦም ጕጅለታት ቤተ ክርስቲያን ዘቐመጠቶ ንጹር ዕላማ ትምህርቲ ሰንበት ክሰሓትን፡ ተምሃሮ ኣብ ክንዲ ሊቃውንትን መምህራንን ዝምህርዎም ትምህርቲ ተማሂሮምን ኣጽኒዖምን ዝመላለሱ፡ ኣብ ዘየድሊ ክትዕን መጐተን ምፍልላይን ምፍንጫልን ምእታው እዩ። እዚ ድማ ኣብ ኣሥመራ ካብ ዝርከባ ኣብያተ ትምህርቲ ሰንበት ብኸፊል ዝተራእየ ጕዳይ እዩ። 

ከምቲ ኣብቲ መእተዊ ዝተገልጸ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ዝኾነ ኣርእስቲ ካብ ጥንቲ ኣትሒዙ ንጹር ትምህርቲ ኣለዋ። ይኹን እምበር እዚኦም ተረፈ መናፍቃን ንዕላማታቶም ይኸውን ኢሎም ዝመርጽዎም ኣርእስቲ ድማ “ኣካታዒን ገና ብቅዱስ ሲኖዶስ ውሳነ ዘይተዋህበሎምን” ብምባል ትምህርቲ ኣቦታት ብዘነኣእስ ቃላት ክጕልብብዎ ተሰሚዖም እዮም። እዞም ኰራዅር ወኻሩ ብኸምዚ ቀዳድ ክኣትዉን፡ ነቲ ወይኒ ከባልሽዉ ክፍትኑን፡ ብቀደሙ ንጹር ንዝኾነ ጥንታዊ ትምህርቲ ኣቦታትን ውሳነታትን ብሸለልትነት ክረአን፡ ምጥርጣር ክልመድን ብስዉር ክሰርሑሉ ጸኒሖም እዮም። እዚ ድማ በብቝሩብ ኣብ ቀጽሪ ቤተ ክርስቲያን ከተኣታትዉዎ ንዝፍትኑ ዕላማ መገዲ ክጸርገሎም ብምውጣን እዩ። 

ብሓፈሻ ምእመናን ብፍላይ ኸኣ ተካእቲ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ዝኾኑ ዲያቆናትን ተምሃሮ ሰንበትን ነንሕድሕዶም ክኸፋፍሎምን ከታርኾምን ይኽእሉ ዝብልዎም ትምህርትታት ሃሰው ኢሎም ኣብ ትምህርቲ ሰንበት ዝዝርግሕዎ ካብ ዘለዉ ፍሉጣት መጋብርቶም ድማ እቲ ቀንዲ ብመሪጌታ ሠመረአብ ወልደገብርኤል ዝምራሕ ምዃኑ ኵሉ ኣስተብሂልዎ ዘሎ ሓቂ እዩ። ቀጥታዊ ርክቡን ዝምድንኡን ድማ ምስቶም ቅድም ኣብ ቀጽሪ ቤተ ክርስቲያን መካነ ሕይወት ኮይኖም ኑፋቄ ይዝርግሑ ምስ ዝነበሩ ዕሉላት ኣባላት ናይቲ ዝነበረ ማኅበርን፡ ሎሚ ኣብ ኣትላታ ዝመደብሩ ብ ‘ቀሺ’ ገብረሚካኤል ዝምራሕ ውዳበን ምዃኑ ካብ ‘ሕሜታ’ ዝሰገረ ርጉጽ ነገር ኮይኑ ኣሎ። ከም ኣርዮሳዊ ጠባያት፡ ብምስሉይ መንፈሳዊ ኣካይድኡን ዝልለ እዚ መሪጌታ እዚ ብደረጃ ሃገር ኣብ ዝተፈላለየ ሃገረ ስብከት ዕላማታቱ ዘሳውሩ ኣባላት ቤተ ክህነትን መንእሰያትን ወዲቡ ነቲ ኣብ ኣትላንታ ዝፈሓስ ውዲታትን ኣብ ውሽጢ ሃገር ከሳውር ጸኒሑን ኣሎን። እቲ ላዕለዋይ ኣካል ቤት ጽሕፈት መንበረ ፓትርያርክ ድማ እናፈለጠ ኣስቒጡ፡ ባይታ ብምሃብ የሳስየሉ ምህላዉ ድማ እቲ ሰንሰለታዊ ርክብ ክሳብ ክንደይ ሰሪጹ ከምዘሎ ብሩህ ነገር እዩ። ብግህዶን ብስውርን ኑፋቄ ኣብ ውሽጢ ቤተ ክርስቲያን ከም ሮማዲ ከስፋሕፍሕ እናተገብረ፡ ነቲ ሓቂ ዝረኣየ ከይዛረብ፡ ኣፉ ብዝተፈላለየ ኣገባብ ክዓጹ ካብ እተገብረ መን እዩ ዝእመን፧ መን ከ እዩ እቲ ሓቀኛ፧ እግዚአብሔር እንተፈቒዱልና ድማ ንሕና ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ኣብ ውሽጢ ቤተ ክርስቲያን ኮይኖም ኑፋቄ ይዘርኡ ዘለዉ መሳሕትያን፤ እቲ ዝምልከቶ ኣካል ተሓባባሪኡ ካብ ኮነ፤ ስለ ቤተ ክርስቲያን ክንብል ንሱን ዝወደቦም ኣካላትን ካበይ ናበይ ብኸመይን ተወዲቦም ይሰርሑ ከምዘለዉ ብጭብጢ ከነቃልሖም ምዃንና ኣቐዲምና ንሕብር። 

ሓደ ኣብነት ካብ ትምህርቶም 
እዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ ‘ኣገልጋሊ’፡ ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ ኣብ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ዘይተጻሕፈ፤ ብሊቃውንትን ቅዱሳንን ኣቦታት ዘይተነግረን ዘይተቀለመን፤ ኣብ ዘመን ኣቦታትና’ን ዘይተሰምዐ ጋሻ ትምህርቲ ኣብ ሃገርና ስለቲ ዕላማታት ለኣኽቱ ንምእትእትታዉ ዘይፈንቀሎ እምኒ የልቦን። ሓደ ካብኡ ድማ ክብርቲ ወላዲተ አምላክ ምስጋና ይብጸሓያ እሞ ንጽሕናን ቅድስናን ድንግል ማርያም ዝጻረር ትምህርቲ “ጥንተ አብሶ” ንቅድስት ድንግል ማርያም ከምዝምልከት ጌርካ ብስዉር ከካይዶ ዝጸንሐ ጐስጓስ እዩ። ስለምንታይ ኣብኡ ተገዲሱ ክሰርሓሉ ደለየ ዝብል ሓታቲ እንተሎ እቲ መልሲ ኣብ ላዕሊ ተጠቒሱ ዘሎ ንጹር ዕላማ ለኣኽቱ እዩ። ሕንፍሽፍሽ ምፍጣርን፡ ምድኻምን ምፍልላይን ቤተ ክርስቲያን እዩ! 

ቅዱሳት መጻሕፍቲ ካብ ሥነ ፍጥረት ኣትሒዙ ነታ ብኣምላኽ ኅሊና ተሓሲባ ንዝነበረት ቅድስት ድንግል ማርያም፤ ንድኅነት ዓለም መሠረት ከምዝገበራን፤ ማኅደረ መለኮት ክትኮኖ ከምዝኃረያን፤ ካብ ኵሉ ደቂ ሰባት ኣልዒሉ መልዕልተ ፍጡራት መትሕተ ፈጣሪ ከምዝገበራን፤ ወላዲተ አምላክ እመ አምላክ ክትከውን ብምምራጻ ብክልተ ወገን ድንግል ካብ ዝኾነት ካብኣ ብተዋሕዶ ክውለድ ፍቓዱ ስለዝኾነ ካብ ኣዳም ጀሚሮም ነቢያት ብምሳሌን ብትንቢትን እናገበሩ ከምዝተዛረቡላን፤ ንሳ ንጽሕተ ንጽሐን ቅድስተ ቅዱሳን ካብ ኵሉ ፍጡር ንላዕሊ ክብርቲ ፍልይቲ ምዃና እምበር ከምዚ ሎሚ ብዘራእቱ ከምዚ ቀሊል ክትድግሞ ዘሕንኽ ቃል ዝተዛረበ ቅዱስ ኣቦን፡ ዝመኸረ ጉባኤን ኣይሰማዕናን። ብርግጽ የልቦን እምበር ኣሎ ዝብሉ እንተኾይኖም ድማ ኣግሂዶም ክዛረቡ ምተገብአ ነይሩ። ኣቦታትና ኣብ ሃይማኖተ አበው ድዩ ኣብ ካልእ እዚ ኵሉ ክንደይ ዓቢይ ምሥጢርን ትርጓሜን ዘለዎ መጻሕፍት ክጽሕፉ ከለዉ፤ ውዳሴን ቅዳሴኣን ወዘተ ክደርሱ ከለዉ እዚ ሎሚ ክንኣምኖ ብፍሉይ ዝጕስጐሰልና “ትምህርቲ” ተሰዊርዎም ነይሩ ማለት ድዩ ከይነገሩና ኃሊፎም? ብዓንደ ነገሩ ቅዱስ መጽሓፍ ኣብ ብሉይ ይኹን ኣብ ሓዲስ ክብራን ልዕልንኣን፡ ብምሳሌን ብትንቢትን ከምኡውን ኣማናዊ ፍጻሜኡ ገለጸ እምበር ካልእ ኣንጻራ ዝበሎ ነገር የልቦን። ብሓፈሻ ጓል ኣዳም እያ እሞ ናይ ኣዳም ኃጢኣት ይምልከታ ዝብል መደምደምታ ምስ ትምህርተ መጽሓፍ ቅዱስ ዝሳነይ ኮይኑ ኣይርከብን፤ ዘኽይድ ትርጓሜውን ኣይኮነን። ነዚ ንምርዳእ ንትምህርቲ ቤተ ክርስቲያን ብንጹር ካብ መሠረቱ ምምሃር ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። 

ሓቂ እዩ እዚ ‘ትምህርቲ’ እዚ ሕጂ ብዘለዉ መራሕቲ ቅብጣዊት ቤተ ክርስቲያን ከምዝንገር ዝሰሓት ኣይኮነን። ግና ካብ መኣስ ጀሚሩ፤ ብመን ዝብል ሕቶ’ውን ክንሓትትን ከነልዕልን ግድን ክንቕሰብ ኢና። መሪጌታ ሠመረአብን ኣታላንታውያን ኣሕሉቝን ለኣኽቱን ንዕላማታቶምን ትምህርቶምን መመሳመሰን መጐልበብን ገይሮም ዝጥቀሙላ ዘለዉ ቅብጣዊት ቤተ ክርስቲያን ምዃና ኣይተሰወረናን። ኣብዚ’ውን ክሕተት ዝግብኦ ኣዝዩ ብዙኅ ሕቶን መልስን ክህልወና እዩ። ቤተ ክርስቲያን ንእትምህረና፡ ሊቃውንትን ቅዱሳንን ሃገርና ንዝገደፉልናን ንዝህቡናን ቅዱስ ትምህርቲ ኣትሒትካ፡ (ምስቲ ኣብ ልዕሊኦም ዘሎና ኵሉ ኣኽብሮትን ፍቕርን) ነቐፋ ክርከቦም ንዝኽእል ሕጂ ዘለዉ መራሕቲ ቅብጣዊት ቤተ ክርስቲያን ብየናይ መመዘኒ ከም ናይ መወዳእታ መመሳኸሪ ኮይኖም ይቐርቡ ኣለዉ፧ መራሕቲ ቅብጣዊት ቤተ ክርስቲያን ዘቕርብዎ መረዳእታታት ምሉእነት ኣለዎም ዶ፧ ንውከሰሎም ጥንታውያን ናይ ኣቦታትና መጻሕፍቲ ሓደ እዮም ካብ በልና፡ ከምዚ ዓይነት ‘ትምህርቲ’ ኣበየናይ መጽሓፍ ይርከብ፧ እንታይ ታሪኽ ኸ ብዛዕባ’ዚን ካልእ ነይርዎም፧ ምትንኻፍ ካብ መጸ፡ ዝያዳ ክንጽረልና’ውን ካብኡ ሕልፍ ኢልና’ውን ሎሚ ኣንጻር ቤተ ክርስቲያንና ንዝግበር ዘሎ ውዲት ምክፍፋል ሓንቲ ኤርትራዊት ቤተ ክርስቲያን ደገፍ ዝህቡ ዘለዉ ኣቦታትከ ክንሓቶም ንግደዶ ካልኦት ሕቶታት ክህልዉና እዮም። 

ኣብ ቅብጣዊትን ኤርትራዊትን ቤተ ክርስቲያን ዘሎ ዝምድና መሠረቱ እንታይ እዩ፧ እቲ ዝተኣትወ ውዕል ከ ክንዲ’ዚ ዝኣክል ውሽጣዊ ምትእትታው የፍቕድ ድዩ፧ እቲ ንክልቲኦም ኣብያተ ክርስቲያን ሓደ ዝገብሮምን ዝፈልዮምን እንታይ እዩ፧ ታሪኽ ቅብጣዊት ቤተ ክርስቲያንን ዘሕለፈቶ ነዊሕ ጕዕዞን ኣብ ጥንታዊ እምነታን ሥርዓታን ዝገደፎ እወታዊ ይኹን ኣሉታዊ ጽልዋ እንታይ ነይሩ፧ ብኸመይ ኸ ሕጂ ይግለጽ፧ ብሓቂ ዶ ቅብጣዊት ቤተ ክርስቲያን ከምቲ ቅዱስ ማርቆስ መንበር ዝገደፈላን፤ መፍለቒ ኣሽሓት ቅዱሳን መነኮሳት፡ ሊቃውንቲ፡ ሰማእታት ከምዝነበረቶ ሎሚ ኸኣ ከም ቀደማ ኣላ ዶ፧ ጥንታዊ ትምህርትን መጻሕፍትን ዝቐደሙ ኣቦታት ከ ብዝግባእ ትኽተሎ ዶ፧ ቤተ ክርስቲያንና ዓቢይ ተስፋ ኣንቢራትሎም ዝነበረት ካልኣይ ፓትርያርክ ሃገረ ኤርትራ ብፁዕ ወቅዱስ አቡነ ያዕቆብ ንግብጻውያን ብዛዕባ እዚ ኣርእስቲ እንታይ ኢሎም መጒቶሞም፤ ስለምንታይ ኸ ኣብ ሲመተ ፕትርክንኦም ግብጻውያን ኮርዮም፧ መንበረ እስክንድርያን መራሕታን ብዛዕባ ሓዳሽ ኤርትራዊት ቤተ ክርስቲያን ዝነበሮም ጽቡቕ ተበግሶን ሕጂ ዘለዎም ኣረኣእያን እንታይ ይመስል፧ ካብኣቶም ገሌኣቶም ብፍላይ ኣብ ዙርያ መንበር ብፁዕ ወቅዱስ ፖፕ ሼኑዳ ዘለዉ ጸለውቲ ሊቃነ ጳጳሳት ኣንጻር ቤተ ክርስቲያንን ሃገርና ኤርትራ ከ እንታይ ይገብሩ ኣለዉ፧ ወቦ ዘተርፈ ዝብሉ ሕቶታትን ካልእ ንኡኡ ዝመስሉ ነገራት ኣብ ወረቐት ዝሰፈረን ዝንገረናን ጥራይ ዘይኮነሲ እቲ ሓቀኛ ምስሉን ክውንነትን ምግንዛብ ኣገዳሲ እዩ። ብመሠረቱ ኣብ ክልቲአን ኣኃት ኣብያተ ክርስቲያናት ዘሎ ዝምድና ክኅይልን ክወሃሃድን እምበር ዝዕንቀፈሉ ነገር ፈጺምና ዘይንደሊ እኳ እንተኾንና፡ እቲ ኣብ ልዕሊ ቤተ ክርስቲያናን ሃገርናን ምስ ኣንጻራ ዝቖሙ ጕጅለታት ብምስምማዕ ዝግበር ውዲት ግና ሸለል ክንብሎ ስለዘይንኽእል ድኅሪ መጋረጃ ዝግበር ነገራት ክንነቕሓሉ ምእንቲ ምትሕሳስብና ኣይተርፍን እዩ። ብምዃኑ ድማ ነቲ ክውንነት ምትንታንን ምርዳእን ነቲ ብንጹል ንዝለዓል ሕቶ ንጹርን ዝተማልአን ድሕረ ባይታዊ ሥዕሊ ስለዝህበና ኣብ ጊዜኡ ክንምለሰሉ ኢና። 

ናብቲ ኣልዕሊናዮ ዘሎና ርእሲ ‘ጥንተ አብሶ’ ክንምልስ ከሎና፡ ቤተ ክርስቲያንና ብዛዕባ እዚ ርእሲ እንታይ ዓይነት ንጹር መረዳእታን ትርጓሜያዊ መልሲ ኣለዋ? ካብ መዓስ እዩ ነቲ ትምህርቲ ኣስፊሓ ምሂራትሉ? ዘለዉን ዝነበሩን ናይ ቀረባን ናይ ጥንትን ሊቃውንትና ብዛዕባ እዚ ጕዳይ እንታይ ትምህርቲ ገዲፎምልና? ናይ ቤተ ክርስቲያንና ትምህርቲ ስለምንታይ ምስቶም ሕጂ ዘለዉ መራሕቲ መንበረ ማርቆስ ይኹን ገለ ካብ ኣኃት ኦሪየንታል ኣብያተ ክርስቲያናት ዝተፈልየ ኮይኑ ይረአ ኣሎ? ወዘተ ዝብል መረዳእታ ክህልወና ኣገዳሲ እዩ። ቅድምን ልዕሊ ኵሉን ግና ቅዱስ መጽሓፍ ብዛዕባ እዚ ኣርእስቲ እንታይ ይመልሰልናን ይምህረናን ብዝግባእ ምርዳእ ኣገዳሲ እዩ። 

እንታይ ንግበር - ሓሳብና ተኻፈሉ! 
መቸስ ኣብ ልዕሊ ቤተ ክርስቲያን ኑፋቄ እናተዘርአ ስቕ ምባል ወርቃዊ ሓሳብ ኣይኮነን፤ ዕሽነት እምበር ምስ ለባማት’ውን ዘጸብጸብ ኣይኮነን። ቅዱስ ጴጥሮስ’ውን ንዝሓቱና ዘበሉ ምላሽ ክንህብ ድልዊ ክንከውን ከምዝመዓደና፤ ስለዚ ኣርእስቲ ጥራይ ዘይኮነስ ኣብ ውሽጢ ቤተ ክርስቲያንና ኣትዩ ንዝሕመሰና ዘሎ ሽግር ኣፍ ኣውጺእና ክንመኽረሉን ዝሓሸ ዝበልናዮ ክንዛረብን ዝግባእ ኮይኑ ይስምዓና እዩ። ቤት ኣቦና እናተዘርፈ፡ ኣኅዋትናን ኣኃትናን ደቅናን ብኣምሰሉ ኦርቶዶክሳውያን ዝኾኑ መናፍቓን እናተኸትሩ ከለዉ ስቕ ምባል ከየሕትተና ዝተርፍ ኣይኮነን። እቶም ብዙኅ ክብሉ ዝኽእሉን ዝግብኦምን ኣቦታት ይኹኑ ኣኅዋት ከምዘለዉ ንፈልጥ ኢና። ናይ ገሊኣቶም ስቕ ምባል ግና ከየስደመመና ኣይተረፈን እሞ ልቢ ይሃቦም ንብል። እቶም ተቢዖም ስለ ሃይማኖት ኣቦታትና ዝዛረቡ ድማ ዓስቦም ኣብዚኁ ይሃቦም ንብል። 

ብወገንና ግና ንሕና፡ በዞም መሲሎምን፡ ብቅብጣዊት ቤተ ክርስቲያን ተጐልቢቦምን እናመኽነዩ ውሽጥናን ሓድነትናን ክዘርጉን፡ ስዉር መናፍቓዊ ዕላማታቶም ከሳውሩ ካብ ዝተዓጥቁ ናይ ዘመንና መሳሕትያን፡ ክንዕቀብን ኣብ ጥንታዊት ሃይማኖትና ጸኒዕና ክንርከብን እናተላበውና፡ ከም ፍቓድ እግዚአብሔር ብተኸታታሊ ብዛዕባ እዚ ተላዒሉ ዘሎ ኣርእስቲ ትምህርታዊ ጽሑፋት ክንፍኑ ምዃና ክንሕብር ንፈቱ። 

ንሎሚ ግና ናይ ሓዲሳት ትርጓሜ መምህርን ኣባል ጉባኤ ሊቃውንት ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ዝኾኑ መምህር ኤልያስ ኣብ መርበብ ልሳነ ተዋሕዶ ዘርጊሖሞ ካብ ዝነበሩ ትምህርቲ ደጊምና ከነቕርበልኩም ኢና። 





ሓደ ኣብዚ ጕዳይ እዚ ይገርመና ካብ ዘሎ ነገራት፡ እዚ ንብዙኃት ምእመናን ብፍላይ ንመንእሰያት ትምህርቲ ሰንበት ጽቡቕ መወከሲ ኮይኑ ከገልግል ዝጸንሐ እዋናውን ኣገዳሲን ዝነበረ ትምህርቲ፡ ንምንታይ ካብ’ዚ መርበብ ሓበሬታ (www.lisanetewahdo.org) ክእለይ ከምዝተገብረ እዩ። ከምቲ ኣብ ካልእ ጕዳይ ቤተ ክርስቲያን ሕንፍሽፍሽ ክህሉ ትሰርሕ ዘላ ኢድ ብመጋብርቶም ኣቢላ ኣረኻኺባትላ ዶ ትኸውን? እግዚአብሔር ይፈልጥ። ትፈልጡ እንተሎኹም ድማ ኣካፍሉና። 

ብዝተረፈ ግና ብዛዕባ እዚ ኣርእስቲ መጻሕፍቲ ተመልኪትኩም፡ ሊቃውንቲ ሓቲትኩም ዝያዳ ክትጽሕፉ እትኽሉ ከምዘሎኹም ስለእንፈልጥ ነዚ ኸፊትናዮ ዘሎና መድረኽ ከተሀብትምዎ ጻውዒትና ነቕርብ። ብወገንና ግና ብሊቃውንቲ ኣቦታትና ተጻሒፎም ካብ ዘለዉ ጽሑፋት ንገሊኦም ኣወሃሃዲና ከነቕርብ ምዃንና ንሕብር። 

እግዚአብሔር አምላኽ ቤተ ክርስቲያናን ኣቦታትናን ካብ መናፍቓንን ኣላውያንን ሓራጥቃውያንን ይዓቅበልና። 

ሰናይ ምክትታል 

6 comments:

  1. ኩሉ ካልእ ጽሕፍኩም ፍተዮ። ውልቀ ስባት ጠቂስካ ምዝራብ ጌጋ ኮይኑ እዩ ዝስምዓኒ ካብ ሕመታ ድማ አይፍለን እዩ፤ ንሐና ብዛዕባ መርገታ ውይ አትላንታ
    መስማዕ አይድለናን እዩ፤ ኒሓደ ስብ ብካል ኦት ስባት ዘጽለምዎ ክትፈርዶ ወይ ክትምዝኖ ጽቡቅ ኣይኮነን፡ ባዕልካ ክትስምዖ አሎካ። ንሱኩም ድማ እግዝ አእትነ ማርያም ጥንተ ተኣብሶ ክም ዝይነበራ ካብ ቅዱሳት ምጻሕፍቲ አእንዳጥቅስካ ምርዳእ አእዩ ዝድሊ አንበር፤ ን ስባት መናፍቃን ኣሮሳዉያን አኢልካ ካብ ምጽራፍን ምጽላምን ዓገብ ክትብሉ ይምህጸን

    ReplyDelete
  2. ፍቅረማርያምAugust 31, 2011 at 8:33 PM

    ኣብ ጽሕፍኩም "ነቐፋ ክርከቦም ንዝኽእል ሕጂ ዘለዉ መራሕቲ ቅብጣዊት ቤተ ክርስቲያን" ኢልኩም። ክንደይ ክትደፍሩ ኢኩም። ናይ በተክርስትያና ሓዋርያዊ ሰንሰለት በዞም ሕጂ ዘለው መራሒ ኣቡነ ሲኖዳ እዩ ኣትዩ። አቲ መንበረ ፓትርያሪከ ብ አኦም ገይሪ አእዩ ኣትዩ። ን ኣቡናት ፊሊጶስን እንጦንዮስን ፓትርያሪክ ናይ ኤርትራ ገሮም ዝባረኩ ንሶም እዮም። ን ፪ ኤርትራዉያን መኖኮሳት ዉን ኣቡናት ገይሮም ዝባረከዋም ቅዱስኖቶም ኣቡነ ሲኖዳ እዮም። ን ዖአኦም መናፍቅ ትብልዎም እንተክንኩም አእቶም ዝባረክዎም ኣቦታትና ካብ ኢድ መናፍቃት ካብ ተባረኩ መናፍቃን እዮም ማለት ደዩ፧ ሐሰቡሉ።

    ReplyDelete
  3. kale hiwet yesmalna

    ReplyDelete
  4. Bsim Abin Weldin Menfeskudusn Hade Amlak Amen.

    Mejemerta selamta bmikidam, ketsile eti hasab tsubuk koynu teraeykum kikewun ykiel eu silezi ekum kaa '' Coptic Church '' menafikan eyom elikum alekum, Egziabher kunue feradi sile zikone Firdi n Amlak ente tigedfiwo tsubuk eu, aitifred zibil kal nizekiro. 2y dima ezi timhrti ezi kab Metsihaf kudus mis Andimta gerina ente rienayo giltsi eu, bhafesha dima 'Orintal Church ' kulen entay ybla? ezi bsefih melisiwo then seb b kelile yrido. ente zeykoynu gin tsilie nimimsrat zitesaekum timeslu. kibret yhabeley

    ReplyDelete
  5. zukeberkum ahiwat bizaba eti zihabkumna timhirti kilu kale hiwet yesmaalna netom ni emebetachin zenaesu zelewu dima amlak ab libom emlesom gibsawyan ente kenu abotatom zesnihilom alewom nihina dima kab abotatina ziwersnayo alena nezi nay abotatina timhirti kiliwitu zelewu dima amlak ab libom emlesom niana dima abta hakena emnet yesnana amlak amen kesali timihirtikum ayifeleyena

    ReplyDelete
  6. ኣንቱ ሰባት ግብጻውያን ግብጻውያን ትብሉ እንታ ገጽ ረአ ዲኩም ንኣምላክ ተምልክዎ!!ቢጽ ቢጽሕሳውያን ዝብሃሉ ዘለዉ እኮ ግብጻውያን ወላ ገለ ኣይኮኑን እንታይ ደኣ እቶ ትውፊት ኣቦታቶም ገዲፎም ንእምነት ኣቦታቶም ጌጋ ኣለዎ ወይውን ጣኦት እዮም ዘምልኹ ዝብልዎም እዩ ኦኾ።
    እምነት ማለት እኮ ካብ ኣቦታት ዘተረከብናዮ እምበር ሰባት ብፍልጠቶ ዝመስረትዎ ኣይኮነን ስለዚ ኣቦታት ዝጽንሑልና እምነት ብፍጹም ልብና ክንኣምኖ ይግባእ። ከም በዓል ቅዱስ ጌርግስ ዘጋሽጫ እኮ ከምዚ እንዳ በሉ እዮም መሂሮምና /ለጽንሰትኪ በከርስ እንበለ ኣበሳ ወርኵስ፣ለተበኵሮትኪ እማሕጸን ቅዱስ፣ወለበኣትኪ ቤተ መቅደስ ። ክትጽነሲ ከለኪ ብዘይ ኣበሳ/ሓቲኣት ኢኪ ተጸኒስኪ እንዳ በሉ ዝመሓሩና ኣቦታት ተጋግዮም ንበሎም ኣይፋሉን መንፈስ ቅዱስ ኣይጋገን እዩ ። ንሕናስ እምነት እምበር ጥርጣሬ ኣየድሕነናን እዩ !!

    ReplyDelete