Wednesday, July 6, 2011

መጽሓፍ “አንጋረ ፈላስፋ” ተኃቲሙ ንኣንበብቲ ይዝርጋሕ።


ናይ ቤተ ክርስቲያንና ሊቅ ብዝነበሩ ሊቀ መዘምራን ሞገስ ዑቁባጊዮርጊስ ተሰናድዩ ልክዕ ቅድሚ ፶ ዓመት (፲፱፻፶፫ ዓ.ም.) ብቋንቋ ኣምሓርኛ ተኃቲሙ ዝነበረ “አንጋረ ፈላስፋ” ዳግማይ ናብ ትግርኛ ተተርጒሙን ተኃቲሙን ቅድሚ ቅሩብ እዋን ይዝርጋሕ ከምዝጀመረ ተፈሊጡ ኣሎ። 

እዚ መጽሓፍ’ዚ እዞም ሊቅ ኣዳልዮም ካብ ዘኅተምዎም ብርክት ዝበሉ መጻሕፍቲ ሓደ ኮይኑ፡ ሕመረቱን ዕላምኡን ኸኣ ብፍልስፍናዊ (ጥበባዊን ማዕዳዊን) ኣዘራርባ መንፈሳዊ ምኽሪን መምርሕን ከምኡውን ሥጋዊ ጥበብ ንኵሉ ወዲ ሰብ ምልጋስ እዩ። ሎሚ ተበጺሑ ንዘሎ ምዕባለ ዓለም መሠረቱ እቶም ዝቐደሙ ሰብ ጥበብ ምዃኖም ኣነጺሩ ዘርእይ መጽሓፍ ከኣ እዩ። ስለዚ ኣብዚ መጽሓፍ’ዚ ኩነተ ኣቓውማን ባህርያትን ረቐቕትን ግዙፋንን ሥነ ፍጥረታት ብመልእኽታዊ መገዱ ተተንቲኖም ኣለዉ። 

እዚ መጽሓኣፍ እዚ ቅድሚ ልደተ ክርስቶስ በብዘመኖም ናይ ዝተላዕሉ ናይ ግሪኽን ናይ ካልኦት ሃገራት ቀዳሞት ፈላስፋታትን ከምኡውን ድኅሪ ልደተ ክርስቶስ ዝተላዕሉ ፈላስፋታትን መንፈሳውያን ሊቃውንት ካብ ዝተዛረብዎ ምሩጽ ዝኾነ ቃላት ተዋጺኡ፡ ብትግሃት ቀዳሞት ሊቃውንቲ ካብ ጽርዕን ካብ ዓረብኛን ናብ ግእዝ ዝተተርጐመን ብብራናዊ ጽሑፍ ኣብ ውሱናት ገዳማት ጥራይ ተዓቂቡ ዝጸንሐ እዩ ነይሩ። እዚ ጠቓሚ ዝኾነ መጽሓፍ እዚ ምንም እኳ ብናይ ኣድባራትን ገዳማትን ጸዓት ተዓቝሩ ካብ ትውልዲ ናብ ትውልዲ እናተመኃለፈ ክሳዕ ጊዜና ክጸንሕ እንተኸኣለ ጊዜኡ ብዝፈጠሮ ናይ ጥበብ ስጒምቲ ብኃታሚት ማኪና ብዘይ ምርባሑን ብዘይ ምትርጓሙን ጠቕሙ ንውሑዳት ሊቃውንት ጥራይ ኮይኑ ይተርፍ ነበረ። 
ሊቀ መዘምራን ሞገስ’ውን ንምንታይ ነዚ መጽሓፍ ክትርጉሙ ከምዝተበገሱ ከረድኡ ከለዉ “ጠቓምነቱ ኣብ ውሑዳት ሰባት ተወሲኑ ስለ ዝነበረ ምሉእ ሕዝቢ ብፍላይ ድማ መንእሰያት መምህራንን ተምሃሮን ክካፈልዎ ክጥቀሙሉ ብምሕሳብ፡ ካብ ግእዝ ናብ ኣምሓርኛ ምትርጓሙ ዝሓሸ መሲሉ ተራእዩኒ” ክብሉ ኣብ መቅድም ናይዚ መጽሓፍ ገሊጾሞ ኣለዉ። 

ምንጪ መወከሲኦም ክገልጹ ከለዉ ኸኣ ካብ ዓበይቲ ገዳማት ሃገርና ዝኾኑ ገዳም ኣቡነ እንድርያስን (ሰፍኣ) ገዳም ደብረ ቢዘንን ብዝረኸብዎም መጽሓፍተ ብራናታት ምዃኖም ገሊጾም ኣለዉ። ይኹን ደኣ እምበር እዞም ሊቅ ንኣንባቢ ከምዝጥዕም ኮይኑ ክዳሎ ምእንቲ ብዙኅ ጻዕርን ድኻምን ኣፍሲሶሙሉ እዮም። ኣዘራርባብኡ ሓጺር ንዝኾነን ምሥጢሩ ንዝዓሞቐም ብምስትክኻልን መብርሂን ርእይቶን ብምውሳኽን፤ ምስ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ንዝመሳሰል ኸኣ ካብ ብሉያት ካብ ሓዲሳት መወከሲ ጥቕሲ ብምእታውን፤ ብተወሳኺ ብሂላት ኣበው ብምህብታምን ነቲ ሊቃዊ ፍልጠቶምን ንስራዊ ኣስተዋዕልነቶምን ኣበርኪቶሙሉ እዮም። 

ከምኡውን ብርዱእ ምኽንያት ምዕራፋት ቍጽርን ንዘይነበሮ መበቆላዊ ጽሑፍ፡ በብምዕራፉ ብምሥራዕን ንቃላቱ ዝሰማማዕ ካብ ቅዱሳት ጽሑፋትን ካልእን መግለጺ ብምግባርን፡ ኣቀራርብኡ ብምምሕያሽን ንኣንባቢ ብዝጥዕም መልክዕ እዮም ኣሰናድዮሞ። ካልእስ ይትረፍ ነቶም ናይ ወጻኢ ትምህርቲ ብምምሃር ብኻልእ ልሳን እንጽውዖምን እንፈልጦምን ዝነበርና ኣብ ዓለም ዝተፈልጡ ፍላስፋታት እውን ንኣብነት ንዲዮጀነ (ዲዮጋንስ) ንፓላቶነ (ኣፍልጦን) ወቦ ዘተርፈ እናበልና ኣቦታትና ብዘጽንሑልና ብናይ ገዛእ ርእስና ልሳን ርዒምና ንኽንጽውዖም ዘስተምህረና መጽሓፍ እዩ። 

ኣብ ኣገባብ ኣጸሓሕፍኡ ብዙኅ ክበሃል ዝከኣል እኳ እንተኾነ ብሓፈሻ ኣብ ክልተ ዓበይቲ ክፍልታት ዝተኸፍለን ብ፳፱ ምዕራፋት ዝተሓቝፈን መዕረጊ ጹሑፉ ኸኣ ነገረ ጥበብ ዝብል ኣንቀጽ ዘለዎ መጽሓፍ እዩ። ኣብ መወዳእታውን ናቶም ፍልስፍናዊ ርእይቶኦም ወሲኾሙሉ ኣለዉ። ከምቲ ንሶም ዝገለጽዎ ኸኣ፦ እቲ ቀዳማይ ክፍሊ ብምኽንያት ሃይማኖት ኣብ ደቂ ኣዳም ምፍልላይ ቅድሚ ምፍጣሩ ኣብ ሃገረ ግሪኽ ዝነበሩ ሊቃውንት በብርእይቶኦም ዝገለጽዎን ዝተናገርዎን ሥጋዊ ጥበብን መንፈሳዊ ምኽርን ኣጣሚሩ ናይ ኣንበብቲ ልቢ ናብ ምርቓቕ ናይ ምሥጢር ኣዘራርባ ናብ ፍልጠት ብቐሊሉ ናብ ምርዳእ ዘብጽሕ ክኸውን ተስፋ ዘውህብ እዩ። እቲ ካልኣይ ክፍሊ ኸኣ ድኅሪ ልደተ ክርስቶስ ኣብ ዘመነ ሓዲስ ዝተላዕሉ ምሁራት ድማ እቲ ሊቃውንቲ ሊቅ ናይ ጥበበኛታት ጥበበኛ ዝኾነ ጐይታ ብመጠን ዝገለጸሎም ነዛ ኃላፊት ዓለም ዘመንን ነቲ ዘይኃልፍ ዓለም ድማ ዘልዕል ኮይኑ ንናይ ኣንበብቲ ልቢ ነቲ ኣብ ውሽጢ ዓለም ዘሎ ሃብትን ሽመትን ናብ ምንዓቕን ምምናንን ዝደፋፍእ እዩ። 

ኣገዳስነት ትሕዝቶ ናይዚ መጽሓፍ ባዕሎም እቲ ሊቅ ክዛረቡ ከለዉ “ነዚ መጽሓፍ እዚ መላሊሶም ዘንብቡን ዚምልከቱን ሰባት ልቦናኦም ብፍልጠት ከም ዝራቐቕ፡ ኣብ ልዕሊ ምግባሩ ብምሥጢር ዝነውሐ፡ ብንባብ ዝተዳለወ፡ ብሓጺር ኣዘራርባ ብቐሊሉ ከም ዝፈልጡ ዝገብር እዩ” ድኅሪ ምባሎም ብፍላይ ኢሎም መልእኽቶም ይቕጽሉ “ብፍላይ ድማ እዚ መጽሓፍ እዚ ነዞም ናይዚ ዘመን እዚ መንእሰያትን መምህራንን ተመሃሮን ኣብ ሃይማኖት ከይረሓቑ ብፍልጠት ከም ዝራቐቑ ኣብ ልዕሊ ምግባሩ ንዘመናዊ ሳይንሶም ኣዝዩ ዘገልግሎም ከይኮነ ኣይተርፍን እዩ” ይብሉ። ማዕዶኦም ቀጺሎም ኸኣ ከምዚ ይብሉ ኣቦና “ነዚ መጽሓፍ እዚ ዘንበብን ዝምልከትን ሰብ ኵሉ ናይ ገዛእ ርእሱን ናይ ሰባትን መስመሩ ወጺኡ ናብ ኣራዊታዊ ጠባይ ዝዘንበለ እንተዘይኮይኑ ሓካይም ብብዙኅ ድኻም ከድኅንዎ ዘይከኣሉ ካብ ሕማቕ ጠባዩ ከይድኃነ ከይተኣረመን ኣይተርፍን እዩ ተባሂሉ ተስፋ እንተተገብረሉ ብሓቂ ቃለ ኣጋንኖ መሲሉ ክረአ ኣይግባእን እዩ” ብምባል ውሽጥኻን ኣካይዳኻን ክትምርምር ዝገብርን ክትግሰጽን ክትእርሞን ድማ ዘተባብዕን ምዃኑ ገሊጾም ኣለዉ። 

ነዚ መልእኽቶም ድማ ብምኅያል ኣብ መእተዊ እቲ መጽሓፍ “ምሉእ ዕድሜኻ እኳ እንተተመሃርካ፡ ነዛ መጽሓፍ እዚኣ ህድእ ኢልካን ዓሪፍካን እንተ ደኣ ኣንቢብካያን ተመልኪትካያን፡ ነቲ ምሉእ ዕድሜኻ ተማሂርካ ክትፈልጦ ዘይከኣለካ ካብ ናይ ፈላስፋታት ልሳን ብምስማዕ ኣብ ውሽጢ ሓደ ወርሒ ክትፈልጥ ትኽእል ኢኻ። ረብሓን ጥቕምን ኣብ ዝርከቦ ኣፍደገ ድማ ከተቑመካ እያ።” ብምባል ኣብቲ መጽሓፍ ዘሎ ረብሓ ክሳብ ክንደይ ዓቢይ ምዃኑ ዘለዎም እምነት ገሊጾም ኣለዉ። 

ናይ ሊቃውንተ ቤተ ክርስቲያንና መጽሓፍቲ ብኸምዚ መገዲ ተተርጒሞም ናብ ሕዝቢ ምቕራብ ንሕይወት ምእመናን ኣዝዩ ጠቓሚ ምዃኑ እሙን ነገር እዩ። ነዚ መጽሓፍ ናብ ትግርኛ ኣብ ምትርጓምን ኣብ ምኅታምን ዝደኸሙ ድማ ምስጋና ዝግብኦም እዮም። ኣቦና ሊቀ መዘምራን ብዙኅ መጻሕፍቲ ከምዝነበሮም (ገሊኡ ዝተኃትመ ገሊኡ ድማ ዝተዳለወ ግና ዘይተኃትመ) ዝፍለጥ ኮይኑ እዚ ብስድርኦም ተጀሚሩ ዘሎ ተበግሶ ዝነኣድ እዩ እሞ ክቕጽልዎ ሓደራ ንብል። 

ብዛዕባ እዚ መጽሓፍን ትሕዝቶኡን መጽሓፋዊ ገምጋም ብስሩዕ ምግባር ኣገዳሲ እኳ እንተኾነ ኣብ ኣተረጓግማ (ናብ ትግርኛ) ናይዚ መጽሓፍ ገለ ውሑድ ክእረም ዝግብኦጉድለታት ኣስተውዒልና ኣሎና። ብዛዕባ እዚ’ውን ተርጐምቱ ገለ ከምዝብሉ ርዱእ ኮይኑ ምእመናን ነዚ መጽሓፍ ገዚኦም ክጥቀሙሉ ለበዋና ነመሓላልፍ። 

ኣብ መወዳእታ ብመንጽር መልእኽትን ትሕዝቶን እዚ መጽሓፍን ዘለዎ ብሉጽነትን ጥራይ ዘይኮነስ፤ ሊቀ መዘምራን ሞገስ ዑቁባጊዮርጊስ ንኸምዚ ዓይነት ስራሕ ተበግሶ ምውሳዶምን፤ ኣብ ገዳማትና ዘሎ ዕቑር ሃብቲ ምፍታሾምን ንሕዝቦም ምምሃሮምን ወዘተ ብዙኅ ክሰርሓሉን ክጽንዓሉን ዝግባእ ዓውዲ እዩ። ኣቦና ኸኣ ነዚ ማዕጾ እዮም ኣብነት ኮይኖም ኣርኅዮምልና ነይሮም፤ ዝስዕቦም ኣይረኸቡን እምበር። ስለዚ እዚ ወለዶ ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ሊቃውንቲ ሃገርና ታሪኾምን ሞይኦምን ኣበርክቶኦምን ብዝግባእ ከጽንዕን ክስዕብን ከምዝግብኦ እቲ ዓሚቕ ስርሖም ባዕሉ ውሽጥኻ ዘናቓንቕ ኃይሊ ዝፈጥር እዩ እሞ ሃየ ኣይንሕመቕ። 

ይትባረክ እግዚአብሔር አምላከ አበዊነ። 

6 comments:

  1. how can I get the book in US ?

    ReplyDelete
  2. xubuk zena eu, gena Angare felasfa malet entay malet eyu?

    ReplyDelete
  3. bihil felasfatat malet eyu kemti bitegrinia testahifu zelo

    ReplyDelete
  4. abey bota kinrekba nikiel neza metsahaf

    ReplyDelete
  5. Ab Asmara ab zitefelaleye stationary tezergihu yrkeb, bitifeltuwom gierkum kisedulkum ykielu eyom.

    ReplyDelete
  6. aziyu sbuk meshaf eyu kulina adigna n lbona nteqemelu

    ReplyDelete