Sunday, July 17, 2011

ሓጺር ታሪኽ ኣቡነ ሰይፈሚካኤልን ገዳሞም ጻዕዳ እምባ ሥላሴን

(ካልኣይ ክፋል)
3. ሓጺር ታሪኽ ሕይወት አቡነ ሰይፈ ሚካኤል 
3.1 ትውልዲ 
ኣቦና ሰይፈ ሚካኤል መሠረተ ትውልዶም ኣብ ዞባ ዓንሰባ ካብ ዝርከብ ዓንሰባ ደርሰነይ (ዘርእሰናይ) ዝተባህለ ዓዲ ኮይኑ ካብ ኣቦኦም ዓምደሚካኤል ኣዴኦም ኂሩተማርያም ብ፲፭፻፺፯ ዓ.ም. (፲፮፻፳፮ ዓ.ም. ዝብሉ’ውን ኣለዉ) ተወልዱ። ካብ ምቁር ወይኒ ጥዑም ወይኒ ይርከብ ከም ዝበሃል ወለዲ እዞም ጻድቕ ድማ ሕያዎት ንእግዚአብሔር ዝፈርሁ ጾምን ጸሎትን ዘዝውትሩ ዝነበሩ እዮም። ብዙኅ ጊዜ ቅዱሳን ካብቶም ዝተቐደሰ ስድራ ከምዝርከቡ ዝተረጋገጸ ነገር እዩ። 

3.2 ኣተዓባብያን ትምህርትን 
አቡነ ሰይፈሚካኤል ኣብ ቤት ኣቦኦም ብክንክን ዓብዮም ንዓቕመ ትምህርቲ ምስ በጽሑ፡ ወለዶም ብልሓትን ፍልጠትን ዝመልኦም ምዃኖም ኣስተውዓሉ። ስለዚ ኸኣ ኣቦኦም ናብ መምህር ቤተ ክርስቲያን ቅዱስ ገብርኤል ወሲዶም፡ ጕዳይ ወዶም ኣረዲኦም ብመንፈሳዊ ጸጋ ክዓብዩሎምን ክመሃሩሎምን ከምዝደልዩን ድኅሪ ምግላጽ፡ ተጊሆም ክምህሩሎም ድማ ተማኅጸንዎም። እቶም መምህር ኸኣ እናተሓጐሱ ተቐቢሎም ኣብ ቤቶም ኣእተዉዎም። 

ካብ ቃል ትምህርቲ ኣትሒዙ ኸኣ መዝሙረ ዳዊት፡ መጻሕፍተ ነቢያትን ሓዋርያትን፡ ናይ ማኅሌታይ ያሬድ ትምህርቲ ብሉያትን ሓዲሳትን ኵሉ ኸኣ መሃርዎም። ኣቦና ብሩህ ልቦና ዝተዓደሉ ስለዝነበሩ ኸኣ ነቲ ዝተማህርዎ ትምህርቲ እናመቀሮም ቑልብ ቑልብ የብልዎ ነበሩ። ነቶም ዝተመሃርዎም መጻሕፍተ ብሉያትን መጻሕፍተ ሓዲሳትን ኸኣ ብትርጉም የኺድዎ ነበሩ። ነቶም መጻሕፍቲ እናገንጸሉ ብቓሎም ይትርጒምዎ ነበሩ። 

ገና ተማሃራይ ከለዉ ኵልሳዕ ናይ ቅዱሳን ገድልን ዜናን ምስማዕ ይፈትዉን፡ ክሳብ ምሸት’ውን ምጻምን ምስጋድን ናብ ቤተ ክርስቲያን ምምልላስን የዘውትሩ ከምዝነበሩ ገድሎም ይገልጽ። ብትሕትና ኸኣ እግሪ ኣኅዋት ንምሕጻብ ይኹን ንዝኾነ ነገር ብትሕትና ንምምልላስ ትጉህ ከምዝነበሩ ይግለጽ። 

ማዕርገ ዲቁና ክሽየሙ ምስ ሓሳቡ ኸኣ ናብቶም ጳጳስ ወሰድዎም። ገና ሕጻን ከለዉ ኣቦኦም ናብቲ መምህር ቤተ ክርስቲያን ምስ መወሰድዎም እቶም መምህር ብግርማ ሞገሶም ከምዝተደንቑን ትንቢት ከምዝተዛረቡሎምን ሕጂውን እቶም ጳጳስ ገጽ ኣቦና ምስ ረኣዩ ተገረሙ። ካብ ኣዘራርብኦምን ጣዕሚ ቃላቶምን ድማ ፈተዉዎም። መዓርገ ዲቁና ሂቦም ኸኣ ኣፋነውዎም። ተመሊሶም ድማ ብትሕትና ኣብ ቤተ ክርስቲያኖም እናገልገሉ ንወለዶምን ኣኅዋቶምን እናተኣዘዙ ይቕመጡ ነበሩ። 

ኣብ ዝኾነ ጊዜ ዋላ ኣሓ ከውፍሩ ከለዉ ንሶም ኣብ በረኻ ኮይኖም ኣብ በዓቲ ብምእታው ብዙኅ ስግደት ይሰግዱ ነበሩ። ነቲ ዝተዋህቦም ስንቂ ድማ ንድኻታት ብምሃብ ንሶም ብጾም ምሉእ መዓልቲ የሕልፍዎ ነበሩ። ስለቲ ጽቡቕ ግብሮምን ኣብነቶምን ኸኣ እቶም ዓበይቲ ካብ ልቦም ይምርቕዎም ነበሩ። 

ኣቦና ግና ነቲ ቃለ ወንጌል ከንብቡ ከለዉን “ካባይ ነቦኡ ወይ ነዲኡ ዝፈቱ …” “ንሰብ ኵሉ ዓለም ረቢሑስ….” “መስቀለይ ኣልዒሉ ዘይስዕበኒ” ዝብሉ ቃላት ከስተንተንዎም ምስ ጀመሩ እቲ ናይ ምናኔ ሓሳባቶም እናኃየለ መጸ። 

3.3 ምንኵስና 
ኣቦና ዝኣክል ትምህርቲ ቃለ እግዚአብሔር እናተምሃሩን እናፈልጡን በቲ ሓደ፡ ነፍስኻ ንእግዚአብሔር ፈሊኻ ስለ ጽድቂ ምስዳድን ብቅድስና ምንባርን ኸኣ በቲ ካልእ ኣብ ልቦናኦም ይመላለስ ስለዝነበረ፡ ነዚ ንምፍጻም ወትሩ ብጸሎት ናብ ኣምላኽ ይልምኑ ነበሩ። ጊዜኡ ምስ ኣኸለ ድማ ኣቦና ኣቡነ ሰይፈሚካኤል “መስቀሉ ኣልዒሉ ደድሕረይ ዘይስዕብ ንኣይ ኣይበቅዕን። ዝዀነ ይኹን ደአድሕረይ ኪስዕበኒ ዚደሊ እንተሎ፡ ገዛእ ርእሱ ይቕበጽ፡ መስቀሉ የልዕል እሞ ይስዐበኒ።” ንዝብል ቃል ወንጌል ንምፍጻም ሕቖኦም ተዓጢቖም ተላዕሉ። ካብ ቅድም ኣትሒዞም ዝብህግዎ ትእዛዝ ብምንባሩ ኸኣ ንዓለምን ኣብ ዓለምን ዘሎ ኵሉ ንድኅሪት ገዲፎም መስቀሉ ጸይሮም ኣብ በዓትታትን ገዳማት ዞሩ። ሓሳቦም ፍጹም መንፈሳዊ ስለዝነበረ ምናኔ ጥራይ ይረኣዮም ነበረ። 

ብፍቓድ እግዚአብሔር ኸኣ ከምቲ ባዕሉ ዝመርሖም ንደቡብ ኣቢሎም ድኅሪ ምኻዶም ኣብ ትግራይ ኢትዮጵያ ኣብ ኣውራጃ ሽሬ፡ ቂርቆስ ዝስሙ ኣድያቦ ኣብ ዝተባህለ ከባቢ በጽሑ። እዚኣ ገዳም ኸኣ ናይ ኣቡነ ኖላዊነ ኄር መካነ መቃብሮም እያ። ብስሞም’ውን ገዳም ኣቡነ ኖላዊነ ኄር ተባሂላውን እትጽዋዕ ገዳም እያ። ኣብቲ ገዳም ኸኣ ብጽቡቕ ተቐበልዎም። ንሶም ድማ እናተሓጐሱ ነቲ ዝተበገሱሉ ዕላማ መስቀል ንምፍጻም ሕይወት ምንኵስናን ናብራ ምናኔን ብዝግባእ ካብቶም መነኮሳት ይመሃርዎ ነበሩ። ኣቦና ኸኣ ነቶም አበው መነኮሳት ብትግሃት እናረድኡ የገልግሉ ነበሩ። እቶም ኣብኡ ዝጸንሑ መነኮሳት ኸኣ በቲ ትግሃት ዝመልኦን ሰናይ ኣገልግሎቶምን ተጋድሎኦምን ትሩፋቶምን ይድነቑ ነበሩ። ጾምን ጸሎትን ኸኣ የዘውትሩ ነበሩ። እቶም መነኮሳት’ውን ንኣቦና ብዝሃቦም ጸጋ ንእግዚአብሔር የመስግንዎ ነበሩ። 

ካብ ብዝኂ ገድሎምን ጽንዓቶምን ዝተላዕለ ኸኣ መልክዖም ከም በረድ ጻዕዳ ክሳብ ምዃን ይበጽሕ ነበረ። አቡነ ዕንቁብርሃን ከኣ ትሩፋት ገድሎም ምስ ረኣዩ ይደልዎ ኢሎም ልብሲ ምንኵስናን ኣስኬማ መላእክትን ኣልበስዎም። ኣቦና ድማ እቲ ረዚን ማዕርግ ምንኵስና ምስ ተቐበሉ ኸኣ ብዝያዳ ነቲ ጾምን ጸሎትን ክውስኽሉ ተራእዩ። ብግልጺ ንሰይጣን ክሳዕ ዝስእርዎ ድማ ፍቕዲ ዘይብሉ ጽኑዕ ገድሊ ተጋደሉ። በዚ ዓይነት’ዚ ሥራሕ ኸኣ ኣብ ኣድያቦ ምስ ኣቦኦም ዕንቁብርሃን ብዙኅ ዓመት ኣገልገሉ። 

ኣቦና ድኅሪ ናይ ነዊሕ ዓመት ትሑት ኣገልግሎትን ርድእናን፡ እግዚአብሔር ብዘመልከቶም ካብ ኣቦኦም ዕንቁብርሃን ተባሪኾም ኣብ ከባቢ ሩባ ተከዘ ናብ ዝርከብ ገዳም ዋልድባ ከዱ። ኣብዚ ጽኑዕን ዓቢይን ገዳም ኣትዮም ድማ ኣብኡ ካብ ዝነበሩ ቅዱሳን ቡራኬ ተቐቢሎም፡ ንዝያዳ ተጋድሎ ምንኵስና ኸኣ ካብዚኦም ኣቦታት ክመሃሩ ድሌቶም ኮነ። ኣብኡ ኸኣ ነቲ ጽኑዕ ትምህርቲ ምንኵስና እናተምሃሩ ፍጹም ንዓታቶም መሰሉ። ቆጽልን ሡር ዖምን (ቋርፍን) እምበር እኽሊ ኣይለኽፉን ኸኣ ነበሩ። ሥርዓት ናይዚ ጽኑዕ ገዳም’ውን ከምኡ ነበረ። ጸጋ ዲበ ጸጋ እናወሰኹ ኸኣ ከዱ። 

3.4 ሚጠት ናብ ኤርትራን መንፈሳዊ ተጋድሎኦምን 
ድኅሪ ዝተወሰነ ጊዜ ኸኣ እቶም ናይ ዋልድባ ቅዱሳን ንኣቦና ሰይፈሚካኤል ጸዊዖም “ክቡር ኃውና ክፍልኻ ምድረ ሓማሴን እያ እሞ ናብኣ ኪድ” በልዎም። ንሶም ድማ ቃል እዚኦም ናይ እግዚአብሔር ቅዱሳን ኣቦታት ኣኽቢሮም ናብ ወገሪቖ (ሊባን) መጺኦም። ንሳ ኸኣ ዝተቐደሰት ገዳሞምን መካነ መቃብር ናይ ኣቦኦም ተክለሃይማኖት እያ። ኣብኣ ኸኣ ኣበምኔትን መምህርን ኮይኖም ከምኡውን ምስቲ መፍቀሬ ትሕትናን ጽምዋን ዝኾነ ገርሂ ኃዎም ኣባ ሕርያቆስ ከም ሥርዓት ጳኵሚስን አርሳንዮስን ዝተኃርየ ናይ ሓድነት ሕጊ ምንኩስና ሠርዑ። እቲ ገድሎም’ውን “ወተፈውሰት ምድረ ሐማሴን በምጽአቱ ለብፁዐዊ ሰይፈሚካኤል” (ብምምጻእ ንኡድ ክቡር ዝኾነ ሰይፈሚካኤል ሓማሴን ደኃነት) ይብል። እዚኦም ክልተ ቅዱሳን ከኣ ብፍጹም ፍቕሪ ብሓድነት ይነብሩ ነበሩ። ብሓባር ድማ ኣብ ገዳም ኣቡነ እንድርያስ (ሰፍአ) ናብ ዝርከቡ ኣኅዋቶም መነኮሳት ብምኻድ ብቃለ እግዚአብሔር የዕልሉ ነበሩ። 

ዕለት ዕለት ኸኣ ኣቡነ ሰይፈሚካኤል ኣብ ቅድሚ ኣምላኾምን ሰብን ብጸጋን ብሞገስን ይመላለሱ ነበሩ። ናይ ለዋሃቶምን ናይ ትሩፋቶምን ወረ ኸኣ ኣብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ግብጽን ኣብ ኵሉ ተሰምዐ፤ ከም ሓዋርያት ድማ ናይ ሥሉስ ቅዱስ ርቱዕ ሃይማኖት ኣብ ምሉእ ምድሪ ሓማሴን (ማእከላይ ክፋል ኤርትራ) እናተዘዋወሩ ይሰብኩን ይምህሩን ነበሩ። ብድኅሪኡ ኸኣ ኣቦና አቡነ ሰይፈ ሚካኤል በቲ ካብ ኣቦታቶም ርቱዓነ ሃይማኖት ዝተማሃርዎን ዝግለጸሎም ዝነበረ መንፈሳዊ ጸጋ፡ ቃል እግዚአብሔር እናምሃሩ ካብ ምድሪ ሓማሴን ናብ ምድሪ ዓንሰባ ሓዋርያዊ ተልእኾኦም ይፍጽሙ ነበሩ። ካብ ምድረ ዓንሰባ እውን ተበጊሶም ወንጌል እናሰበኩን ቃለ ሃይማኖት እናመሃሩን ኣብ ኵሉ ምድረ መታሕት (ጋሽ ባርካ) በጽሑ። እቲ መንፈሳዊ ትምህርቶም ኸኣ ናብ ኵሉ ምድረ ቦጎስ ኣብ ኵሉ በረኻ ክሳዕ ዝስማዕ ኮነ። ብለዋሃትን መንፈሳዊ ኃይሊ ብምርኣይን ምድረ ቦጎስን ሓባብን ኣስገደን ከምኡውን ክሳብ ወሰን ሰቲትን ኖባን (ከባቢ ዶብ ኢትዮጵያን ዶብ ሱዳንን) ትምህርቶም ክሳዕ ዝመልእ ኮነ። ብሕዝቢ ድማ ዓቢይ ተፈታውነትን ተቐባልነትን ረኸቡ። 

ኣቦና ከም መደብ ሓዋርያዊ ተልእኾኦም፡ ብፍላይ እቶም ቀዳሞት ሰባክያነ ወንጌል ሓንሳብ ምስ ሓለፍዎ ኣከታቲሎም ንዘይሰበኹሉ ከባቢታት ብምትኳር ካብ ከረን ክሳብ ዶብ ሱዳን ንዘሎ ከባቢታት ካብኡ ሓሊፉ’ውን ክሳብ ዶብ ኢትዮጵያ ወንጌል የስፍሑ ነይሮም። እቶም ቀዳሞት መነኮሳት ሰባክያነ ወንጌል ኤርትራ ዝኾኑ ከም እኒ ኣባ ሰላማ፡ ኣባ ዮሓኒ፡ ኣባ ሊባኖስ ነቲ ሰሜናዊ ምብራቕ፤ ምብራቓዊን ደቡብን ደቡባዊ ምብራቕን ዝያዳ ክሰብኩ ከለዉ ኣቦና ድማ ኣብቲ ዝተረፈ ኣተኲሮም ምስባኾም ክፍለጥ ይከኣል። እዚ ኸኣ ናይ ኣቦና ስብከት ንብምሉኡ ማእከላዊ፡ ምዕራባዊ ደቡባዊ ምዕራብ ከምኡውን ሰሜናዊ ምዕራብ ኤርትራ ዘጠቓልል እዩ ነይሩ። ኣቦና ከምኡ ብምግባሮም ነዚ ሕጂ ኣገልጋሊ ወለዶ ዓቢ ትምህርቲ እዮም ሓዲጎሙሉ። እዚ ኸኣ ኣብ ሓደ ቤተ ክርስቲያን እሞ ኣብ ከተማ ኣብ ዝርከቡ ኣብያተ ክርስቲያናት ልዕሊ ፶ ዝኾኑ ኣገልግልቲ ክርከቡ ከለዉ እቶም ቅዱሳን ኣቦታት ኣብ ዝተጋደሉሉ ከባቢታት ዝርከቡ ኣብያተ ክርስቲያናትን ካልኦት ገጠራትን ግና ዝኸፍተን እኳ ስኢነን ምርኣይ ልሙድ ነገር ኮይኑ ኣሎ። እሞ ዝተሸምናሉን ሓደራ ዝተዋህበናን ሓዋርያዊ ኣገልግሎትና ደኣ ኣበይ ኣሎ? ንመን ኢና ኸ ነገልግል? ንርእስና ወይሲ ንሕዝበ እግዚአብሔር? እቶም ኣገልገልቲ ዝኾንና ርእስና ንመርምር። ከምዚ ከማና ኣብ ደገ ዝነብር ሕዝቢ ኵሉ ከም ዝሓሰቦ ዘጥምቖን ዝናዝዞን ምርካብ ቀሊል ከምዘይኮነ (ሕጂ ይሓይሽ እምበር) ብዓይንና እናረኣና፤ ኣብ ውሽጢ ሃገር’ውን ጥቓ ዓበይቲ ከተማታት ኣብ ዝርከቡ ገጠራት ካህናት ምስኣን ልሙድ ነገር እናኾነ ይኸይድ ምህላዉ ዘሕዝን ነገር እዩ። ስፍሓትን ምኽንያትን እቲ ሽግር ብብዙኅ መገዲ ክጥቐስ እኳ ዝከኣል እንተኾነ፤ ሓዋርያዊ ተልእኾ ግና ፈጺሙ ምድኻሙን ብክርስቶስ ሓደራ ዝተዋህበ ጕስነትውን ይጥለም ከምዘሎ ዘመላኽት እዩ። 

ኣቦና ኣብ ገዳም ጻዕዳ እምባ ድኅሪ ምእታዎም ከይተረፈ ንተማሃሮኦም እናለኣኹ፡ ንሶም’ውን ባዕሎም እናወጹ ኣብ ምስፋሕ ስብከተ ወንጌል ይቐላጠፉ ነበሩ። እዚ ከኣ ቃለ ወንጌል ክምህሩ ብኣምላኽ ትእዛዝ መጺዎም ስለዝነበረ እዩ። ንሶም ከኣ ንዝሓመሙ እናፈወሱ፤ ብትምህርቶም ሃይማኖት እናጽንዑ ኣብ ኵሉ ይዛዋወሩ ነበሩ። ብደቡብ ክሳብ ከባቢታት ዶብ ኢትዮጵያ ይኹን ብሰሜን ኸኣ ክሳብ ሃገረ ናግራን ይበጽሑ ከምዝነበሩ ኸኣ ገድሎም ኣስፊሑ ይገልጾ። እግረ መገዶም ኸኣ ኣብቲ ዘመን ተላዒሎምን ሰባት የጋግዩ ንዝነበሩን መናፍቓን መልሲ ይህብዎምን ንሕቶኦም ይመልሱሎምን ነበሩ። 

3.5 ምእታው ናብ ጻዕዳ እምባ 
ኣቡነ ሰይፈ ሚካኤል በዚ ናይ ሎሚ ምሕደራዊ ቅርጺ ካብ ከባቢታት ዞባ ማእከል ዝጀመረ ስብከቶምን ትምህርቶምን ናብ ከባቢታት ዞባ ዓንሰባ ድኅሪኡ ኸኣ ናብ ዞባ ጋሽ ባርካ ከምኡውን ገለ ክፋል ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ ኣቢሉ ይበጽሕ ነበረ፤ ስግሪ ዶብ’ውን ዝሓለፈሉ እዋን ከምዝነበረ ይፍለጥ። ብፍላይ ኣብ ደብረ ሳላ ኮይኖም ብዝፈጸምዎ መንፈሳዊ ተጋድሎን ትሩፋትን ወሬኦም ክሳብ ጫፍ ሰሜን ኤርትራ ከምዝተሰምዐን ብዙኃን ንእኦም ክርእይዎምን ክባረኹን ናብኦም ይመጹ ከምዝነበሩ ይፍለጥ። እቲ ገዳም ደብረ ሳላ’ውን ብብዝኂ መነኮሳት ኣዕለቕሊቑ ምጻር ክሳብ ዘይክእሎ በጹሑ ከምዝነበረ’ውን እቲ ገድሎም ይዛረብ። 

ኣቡነ ሰይፈሚካኤል ኣብ ደብረ ሳላ (ደብረ ጸሎት - ዞባ ዓንሰባ) ኮይኖም በዚ ዓይነት’ዚ ሥራሕ ፮ተ ዓመትን ፮ተ ወርኅን ጽኑዕ ገድልን ዓቢይ ትግሃትን እናገበሩ ድኅሪ ምጽናሕ ቅዱስ ገብርኤል ተገልጸሎም። ናብ ገዳም ጻዕዳ እምባ ከቕንዑ ድማ ነገሮም። ድኅሪኡ ነቶም ደቆም ብፍቕርን ብብኽያትን ተፋንዮም ነቶም ዝሰዓብዎም ኣኸቲሎም መገዶም ቀጸሉ። እቲ ገድሎም “ሖረ ፍኖቶአ ምስለ እለ ይተልዉ አሠሮ፡ ወበጽሑ ዓደርዴ ኀበ ዐቢይ ደብር ዘክልኤ ወኃደሩ ህየ” ከምዝበሎ ናብ ዓደርዴ (ሕጂ ዓደርደ) ናብ እትብሃል ዓዲ በጺሖም ሓደሩ። ኣብኣ ኸኣ ማንታ ዝኾነ ጎቦታት ኣሎ። ኣብኣ ከኣ ፱ ወርሒ ኣብታ ደብሪ ኮይኖም ሕዝቢ እናመሃሩን እናተጋደሉን ጸንሑ። 

ቅዱስ ገብርኤል ተገሊጹ ኸኣ ናብታ ናይ መወዳእታ ክፍሎም ዝኾነት ጻዕዳ እምባ ቅድሚ ምእታዎም ኣብ እግራ ናብ ትርከብ ደብረ ከባቦ ዝበሃል ቦታ ኣብጽሖም። ኣብኡ ኸኣ ብጾምን ጸሎትን ተጸሚዶም ብብዙኅ ድኻምን መከራን ንእግዚአብሔር እናተገዝኡ ካብ ሰይጣውንቲ ነንበይኑ ዝዓይነቱ ፈተናን ተጻብኦን ይጓነፎም ነበረ። ሓደ ጊዜ ከም ኣናብስቲ እናመጽእዎም ሓደ ጊዜ ከም ኣትማን ሓደ ጊዜ ከም ኣንህብቲ ኮይኖም ኣብ ውሽጢ ክዳኖም እናኣተዉ የሳቕይዎም ነበሩ። ንሶም ግና ብኃይሉ መንፈስ ቅዱስ ይስዕርዎም ነበሩ። 

ኣብ ሓደ እዋን፡ አቡነ ሰይፈ ሚካኤል ኣብ ከባቦ ብጸሎት ብጾምን ተደሚዶም ከለዉ፡ ለይቲ ለይቲ ከም ዓንዲ ዝተተኽለ ናይ ብርሃን ባና ክሳብ ሰማይ ዝበጽሕ ይረኣዮምን ብመዓልቲ ግና ይስወሮም ነበረ። እንተቐረብዎ ድማ ብእግሪ ዘየእቱ ብጸድፊ ዝተኸበ ጎቦ ጥራይ ይጸንሖም። በዚ ምኽንያት ኸኣ ኣቦና መገዲ እታ ብርሃን ዝርእዩላ ስፍራ ንኽመርሖም ኣብዚኆም ይልምኑን ናብ እግዚአብሔር ይጽልዩን ነበሩ። ብድኅሪ’ዚ ኣብ ደብረ ከባቦ ንእሽቶ ቤተ ክርስቲያን ሰርሑ ማኅበር’ውን መሥረቱ። እቶም ተምሃሮ ግና እቲ ከባቢ ማይ ዘይርከቦ ስለዝነበረ ኣምሪሮም ንኣቦና ተዛረብዎም። ኣቦና ኸኣ ድኅሪ ጸሎት ምግባሮም፡ ኣብ ሸነኽ ምዕራብ ኣብ ማእከል ትሕቲ ከባቦ ስሙ ቁሽ ዝበሃል ኣብቲ ኣምላኾም ኣመልኪትዎም ዝነበረ ቦታ ብመስቀሎም ነቲ ከውሒ ባሪኾም ብበትሮም እውን ወጊኦም ብዝኂ ማይ ከም ዘፈልፈሉ እቲ ገድሎም ይዛረብ። እንስሳታት ከይተረፉ ኸኣ ብኣፍ ሰብኣዊ ኣመስገንዎም። 

ብኸምዚ መገዲ ፱ተ ዓመትን ፮ተ ወርሕን እናተገደሉን መከራ እናተቐበሉን ምስ ጸንሑ ኣጋ ምሸት ኣብ ጸሎት ከለዉ መልአከ እግዚአብሔር ናብኦም መጺኡ “ኦ ሰይፈሚካኤል ጸሎትካ ኣብ ቅድሚ እግዚአብሔር ተሰሚዑ እዩ እሞ ደስ ይበልካ፤ እቲኣ ብዓምደ ብርሃን ተኸቢባ እትርእያ ቦታ መካነ መቃብርካን ርስቲ ደቅኻን እያ፤ ኦ ፈታውየይ ሰይፈሚካኤል ሰላምታ ንዓኻ ይኹን ጽናዕ፤ ኃይሊ ግበር። ጸላእትኻ ክትስዕር ኢኻ፡ እንሆ ከኣ ክሳዕ ጫፍ ንዘለዓለም ተዋሂባትካ እያ በሎም። ሕጂ ግና ናብቲ ገዳም ከእትወካስ ንዓ ሰዓበኒ በሎም።” ሽዑ ተንሢኦም ነቲ መልኣኽ ደድኅሪኡ እናሰዓቡ ካብ ከባቦ ሸነኽ ታሕቲ ናብቲ ጻዕዳ ማይ ዘውርድ ሓቢሮም ወረዱ። ካብኡ ድማ ነታ ገዳም ብሽነኽ ምዕራባ ብኣንጻር ከባቦ ሎሚ ማይ ጥምቀት ተባሂሉ ዝጽዋዕ ቦታን ኣብቲ ገዳም ኣተዉ። 

ኣብቲ ቦታ ምስ በጽሑ ኣቦና ኣዝዩ ገረሞምን ተሓጐሱን። ነታ ንኽትርእያ እተጨንቕ ኣዝያ’ውን እተፍርህ መገዲ ምስ ረኣዩ ኸኣ ኣዝዮም ተደነቑ ስማ ኸኣ ‘ጽናፌ ጽልመት’ ኢሎም ሰመይዋ፤ ክሳዕ ሎሚ’ውን በዚ ስም ትጽዋዕ ኣላ። ኣቦና እትው ምስ በሉ ኸኣ እቲ መልኣኽ ከይጸንሐ ተሠወሮም፤ ንሶም ድማ እናመስገኑ ብመስቀሎም ብኣርባዕተ ወገን ነዛ ገዳም ባረኽዋ። ኣቦና ክባርኽዎ ከለዉ ኣብቲ ከባቢ ዓሲሎም ዝነበሩ ኣጋንንትን ርኹሳት መናፍስትን ድማ ከም ትኺ ተኺኾም ከም ሓመድ በኒኖም እናዕወዩ ጠፍኡ። 

እቶም ዝተፈለይዎምን ኃዲጎሞምን ዝመጹ ደቆም ግና ‘ኣቦና ናበይ ኣተዉ?’ ኢሎም ክጭነቑን ክሓዝኑን ጀመሩ። ይኹን እምበር ጭንቀት ደቃ እትርእይ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ድኅሪ ሠለስተ መዓልቲ ብመልክዕ ቀያሕ ሰበይቲ ተገልጸትሎም እሞ ‘ኣይትፍርሁን ኣይትሰንብዱን’ ኢላ ኣረጋጊኣ በታ ቀጣን መገዲ ኣሳጊራ ናብቲ ለዋህን መንፈሳዊ ኣቦኦም ኣብጽሓቶም። ኵሎም ኸኣ ብሓባር ተሓጐሱ፤ ንኣምላኾም ድማ ኣመስገኑ። 

ኣቦና ኣብዛ ሕጂ ገዳም ኮይና ዘላ ምስ ኣተዉ ቤተ ክርስቲያንን ቤት ማኅበር’ን ሰርሑላ፤ ነቲ ታቦት ድማ ብስም ሥላሴ ሰመይዎ። ኣቡነ ሰይፈሚካኤል ሓደ ካብቲ ዘተሓሰሶቦም ድማ ብዛዕባ እዛ ቀጣን መገዲ እያ ነይራ፤ ከምዚ ኢሎም ድማ ናብ ኣምላኽ ኣመልክቱ “ሕጂውን እልምነካ ኣሎኹ፤ ደቕካ ክበዝኁ እዮም ዝብለካኒ ደኣ በዛ ጸባብን ጭንቅን መገዲ ከመይ ኢሎም ክሰግሩ እዮም፡ ኦ ኣምላኸይ እንታይ ከ ክገብር?”። መሓሪ ጐይታ ግና ብሠለስትነቱ ተገሊጹ “ኦ ኅሩየይ ኣይትፍራህ ኣነ ካብ ደቕካ ካብ ዘለዓለም ክሳዕ ዘለዓለም ስርናይ እምበር ክርዳድ ከይርከብ፡ ክፉእ ዘርእውን ከይርከብ ኣብዛ ገዳም ኪዳነይ ከቕውም እየ፡ ነዛ ገደል መገዲ ኸኣ ክሳብ ዘለዓለም ዝሕልውዋ መላእኽቲ ክሸመልካ እየ። ብኪዳንካ ተኣሚኑ በዚኣ መገዲ ዝሓልፍውን ብጋህዲ ናብ ተድላ ገነት ክኣቱ እዩ። እንሆ ኸኣ ሰማእታት ክምስክሩ ከለዉ ከም ዝቕበልዎ ሰይፊ ገይረያ ኣሎኹ” ብምባል ቃል ኪዳን ኣተወሎም። 

ብድኅሪ’ዚ ኣቦና ካብዚ እናተበገሱ ናብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ብምዝውዋር ስብከተ ወንጌል የስፍሑ ምንባሮም ይንገር። ክሳብ ናብ ዋልድባ እናኸዱ ቃለ እግዚአብሔር እናመሃሩ ሕሙማት እናፈወሱ ከም ዝነበሩ ሕይወት ታሪኾም ይነግር። ሓደ እዋን ናብኡ እናኸዱ ከለዉ እቲ ወትሩ ዝሰግርዎ ፈለግ ተከዘ ማይ መሊኡ ምስ ጸንሖም ናብ ኣምላኾም ጸልዮም ነቲ ውሑጅ ብቃሎም ከም መንደቕ ናብዝን ናብትን ንኽቐውም (ከም ኢያሱን ከም ሊቀ ነቢያት ሙሴን) ገይሮም ንደቀ መዛሙርቶምን ነቲ ተዓጊቱ ዝጸንሐ ሕዝቢ ከም ንቁጽ መሬት ከምዘሳገርዎ መጽሓፈ ገድሎም ይዛረብ። ገዳም ጻዕዳ ኣምባ ብዘመነ ንጉሥ ኢያሱ ኣድያም ሰገድ ርስተ ጕልቲ ከምዝተጒለተ እውን ኣብ መጽሓፈ ገድሎም ተገሊጹ ኣሎ። 

3.6 ገድሊ ምስ መናፍቓንን ዘይኣማንያንን 
“ጐይታ ኸኣ በታ ድሕሪኣ ዘላ ለይቲ፡ ጳውሎስ፡ ከምቲ ኣብ ኢየሩሳሌም ብዛዕባይ ዝመስከርካዮ ኸምኡውን ኣብ ሮሜ ኽትምስክረለይ ይግብኣካ እዩ እሞ፡ ኣጆኻ፡ ኢሉ ኣብ ቅድሚኡ ደው በለ።” ኢሉ ጐይታ ንቅዱስ ጳውሎስ ንዝያዳ ዕዮ ዘተብዖ ንኣቦና ተገሊጹ ነዚ ዝስዕብ ቃላት ማለት “እንሆ ሕሙማት ንክትፍውስ ኣብ ልዕሊ ኵሉ ኸኣ ኃይሊ ጸላኢ ክትረግጽ ሥልጣን ሂበካ ኣሎኹ። ሓደ ዝኽእላን ዝትንክያን ናይ ሞት ሕንዚ የልቦን። ኣብ ምብራቕን ምዕራብን መንዛዕቲ ተዃሉ ስለ ዝበዝኁ ምእንቲ ስመይ ነዛ ቅንዕቲ ሃይማኖት ገሊጽካ ስበክ” ኢሉ ተዛረቦም። ንሶም’ውን ንትእዛዝ ጐይታ ኣኺቢሮም ቃለ ወንጌል እናመሃሩ ንሕሙማት እናፈወሱ ብተጋድሎ ይነብሩ ነይሮም። እቶም መለካውያንን ንስጥሮሳውያንን (መናፍቓን) ግና ይከራኸርዎምን ነቲ ትምህርቶምን እውን ይቃረንዎ እንተነበሩ እኳ፡ ኣቦና ግና በቲ ዝነበሮም መንፈሳዊ ጽንዓትን ብቕዓትን ስሕተቶም እናገለጹ ብጽሑፍ ይረትዕዎምን የሕፍርዎምን ነበሩ። ነቶም ዝተመልሱ ድማ ብንስሓ ክቕበሉ ከለዉ ነቶም ምምላስ ዝኣበዩ ድማ ብውግዘት ካብ ማኅበረ ምእመናን ይፈልይዎም ነበሩ። 

ንኵሉ ሰብ እናመሃሩን ንዝተጋገየ ድማ ብንስሓ እናመለሱን ኸኣ ክሳብ ወሰን ዶባት በጽሑ። ኣብ እዋን ስብከቶም ኸኣ ኣብ ውሽጢ ባሕሪ ከለዉ ሓደ ምሁር ግና ብክርስትና ፈጺሙ ዘይኣምን ሰብ ነቲ ዝገብርዎን ምስ ረኣየ ናብኦም ቅርብ ኢሉ ክሓቶም ጀሚሩ። ኣቦና ኸኣ ነቲ መምህር ካልእ እምነት ዝነበረ ሰብ ክሳብ ልቡ ዝትንከፍ፡ ቃል መጻሕፍቲ ምሥጢር ሃይማኖት ገለጹሉ። ከምኡ እናተዘራረቡ ከለዉ ብርቱዕ ህቦብላ ዝተሓወሶ ማዕበል ባሕሪ ተላዕለ እሞ ንዓዓቶም’ውን ከልዕሎምን ከጥፍኦምን ደለየ። ሽዑ እቲ መምህር ካልእ እምነት እንታይ እዩ ነገሩ ኢሉ ኣብ ስንባደ ኣተወ፤ ጠፋእኩ ኸኣ በለ። ሽም ኣምላኹ ጸዊዑ ምላሽ ስለዘይረኸበ ኸኣ ብእምነት ጸኒዖም ንዝነበሩ ኣቡነ ሰይፈሚካኤል ለመኖም። ንሶም ኸኣ “ብምሉእ ልብኻ እመን እምበር ኣይተጠራጠር” ድኅሪ ምባሎም ናብቲ ሰማዒ ዝኾነ ኣምላኾም ጸለዩ እሞ ኢዶም ኣልዒሎም ብትእምርተ መስቀል ኣማዕተቡ። ነታ ባሕሪ ማዕበላ ክሃድእ ገሰጽዋ፤ እቲ ማዕበል ከኣ ሃድአ። በዚ ተኣምሮም ኸኣ ነዚ ዝረኣዩ እቲ ምስኦም ዝዛረብ ዝነበረ መምህርን ካልኦት ኣሕዛብን መጺኦም ኣብ እግሮም ሰገዱ። ብሓደ ቃል ድማ “ሕጂ እንታይ ንግበር ኣቦና” በልዎም። ኣቦና ኸኣ ቃለ ሃይማኖት ምሂሮም ጥምቀት ክርስትና ኣጥመቕዎም። እቲ መምህር’ውን ምስ ምሉኣት ስድራ ቤተ ተጠምቐ። ናይ ኣቡነ ሰይፈሚካኤል ተምሃራይ ከኣ ኮነ። ናይ ቤተክርስቲያንና ትምህርቲ ምስ ተማህረ ድማ ሥልጣነ ክህነት ድኅሪ ምቕባሉ ኸኣ ብዙኃን ከምኡ ዝኣመሰሉ ሰባት ምሂሩ ናብ እምነት ክርስትና መለሰ። 

ኣቦና አቡነ ሰይፈሚካኤል በቲ ዝተዋህቦም ጸጋ፡ ነቶም መናፍቓን ይረትዕዎምን ነቶም ርኹሳት መናፍስት ኸኣ የውጽእዎምን ነቶም ሕሙማት ኸኣ ይፍውስዎምን ነበሩ። ነቶም ጽሙኣትውን ብማይ ትምህርቶም የርውዩዎም፡ በቲ ኵሉ ዝክእል ኃይሊ ኣምላኾም ኸኣ ፍቕዲ ዘይብሉ ተኣምራት ይገብሩ ነበሩ። እቶም ሰይጣውንቲ’ውን ነዚ ርእዮም ኣብ ልዕሊኦም ቀንኡ፤ ካብ ጽንዓት ኣቦና ዝተላዕለ ድማ ተሸበሩ። ኣብቲ መኅድሪኦም ዝኸውን ስፍራ ድማ ሓዊ እናንደዱ ኣብ ልዕሊኦም ዓቢይ እምኒ እናከራረዉ ክጥሕንዎም ይደይልዩን ነበሩ። ኣብዚ ንክትነብር ኣይንሓድገካን ኢና እናበሉ ብዙኅ መከራ የውርዱሎም ነበሩ። እዚ ሰይጣውንቲ ዘንከራርዉሎም ዝነበሩ ደንጎላታት ክሳዕ ሕጂ ኣብ ርእሲ ተነባቢሩ ኣብቲ ገዳም ብሸነኽ ደቡብ ኣብቲ ዝጽልዩሉ ዝነበሩ ቦታ ይርከብ ኣሎ። 

3.7 ቃል ኪዳንን ዕረፍትን 
ኣቦና ድኅሪ እዚ ዅሉ ገድሊ ሕማም እርጋን ኣርከቦም። መዓልቲ ዕረፍቶም ምስ ቀረበ ኸኣ ባዕሉ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ምስ ኣዴኡ ቅድስት ድንግል ማርያምን ኣእላፍ ሠራዊት ሰማይን ተገሊጹ መዓልቲ ዕረፍትኻ ቀሪቡ ኣሎ በሎም። ንሶም ድማ “ሞገስ ኣብ ቕድሜኻ ካብ ረኸብኩ፡ ብድኅረይ ንዝመጹ ደቀይ፤ ምእንቲ እዛ ገዳም እዚኣን ምእንቲ እቶም ኣብኣ ዝምሕጸኑን እልምነካ ኣሎኹ” ኢሎም ንጐይታ ለመንዎ። ብዙኅ ነገር ድማ ክገብረሎም ተማኅጸንዎ። ጐይታ ኸኣ ዝለመንዎ ኵሉ ክፍጽመሎም ቃል ኪዳንን ኣተወሎም። እቲ ቃል ኪዳን ጐይታ ክሳብ ሕጂ ጸኒዑ ይርከብን፤ ብእምነት ንዝቐረቡ ኸኣ በረኸት ክሓፍሱሉን ይነብሩ ኣለዉ። 

ቅዱስ ኣቦና ሕይወቶም ምሉእ ብብዙኅ ተጋድሎ ሓዋርያዊ ተልእኾኦምን ናይ ምናኔ ሕይወቶምን ብዓወት ፈጺሞም ብ፲፱ ጥቅምቲ ኣብ መበል ፺፮ ዕድሜኦም ብጽቡቕ እርጋን ብሥሙር ገድልን ዓረፉ። በረኸቶም ረድኤቶምን ምስ ኵላትና ይኹን። 

ይትባረክ እግዚአብሔር አምላከ አበዊነ

No comments:

Post a Comment