Wednesday, July 13, 2011

ሓጺር ታሪኽ ኣቡነ ሰይፈሚካኤልን ገዳሞም ጻዕዳ እምባ ሥላሴን

(ቀዳማይ ክፋል)
መእተዊ  

ሃገርና ኤርትራ ጥንታዊነታን ሃብታም ታሪኻን ካብ ዝገልጹ መልክዓ ምድራዊ ይኹን ታሪኻዊ ሰነዳት፡ ገዳማትና ነቲ ቀዳማይ ቦታ ይሕዝዎ። ገዳማት ኤርትራ ኣብ ከርሰን ሓቚፈንኦ ዘለዋ ዕቝር ሃብቲ ገና ዘይተዳህሰሰን ብዝግባእ ዘይተጸንዐን ይኹን እምበር በቲ ብርኡይን ብሓፈሻዊ ገምጋማትን ውሑዳት መጽናዕትን ጥራይ ክሳብ ክንደይ እግዚአብሔር ዝባረኻ ምድሪ ምዃና ዝምስክር እዩ። ዝኾነ ሃገር ናተይ ዝብሎን ዝዛረበሉን ታሪኽ ከም ዘለዎ ዝሰሓት ኣይኮነን። ኣብ ዓለም ዘሎ ታሪኽ ተጸላላውን ዝተኣሳሰርን እኳ እንተኾነ ታሪኽ ምድርና ግና ንዓና ዝኸውን ናትና እንብሎን ምስ ካልኦት ኣዛሚድና ይኹን ርእሱ ክኢሉ ክዛረብ ዝኽእል ፍሉይነት ዘለዎ እዩ። ገሊኦም ተመራመርቲ ኤርትራ ምድራን ከርሳን ብዝረአን ብዘይረአን (ዝተቐብረ) መዛግብትን ሰነዳትን እተምልአት ዓባይ ቤተ መዘክር እያ ክሳብ ምባል ዘብጽሖም ኣብ ጥንታውነታ ቍሩብ ተገዲሶም ንምፍታሽ ኣብ ዝተበገሱሉ ብውሑጅ ድንቂ ታሪኻት ከዕለቕሉቑ ምስ ጀመሩ እዩ። 

ብዝተፈላለየ ምኽንያት ምስ ምንዋሕ ዘመን፡ ነገራትን መዛግብን ታሪኽ ክርስዑን ክቕበሩን ክሃሱን ክደናገሩን ዘለዎም ተኽእሎ ብዙኅ እኳ እንተኾነ፤ ናይ ሎሚ ወለዶ ታሪኹ ኣብ ምፍታሽ ክትንሥእን ኣቦታቱ ብዘጽንሑሉ ጥንታዊ ታሪኽ ኣፉ ክኸፍትን ኣእዳዉ ብርዒ ከዋድድሎምን ክኽእል ኣለዎ። ብዙኅ ታሪኽ ዘለዎም መካነ ቅዱሳን ብሓፈሻ፡ ገዳማት ኤርትራ ኸኣ ብፍላይ ሓደ ካብቲ ታሪኾም ኣብ ምፍታሽን ኣብ ምጽናዕን ክንጽዕተሉ ዝግባእ ዓውዲ እዩ። ኣብ ሃገርና ክሳብ ሠለስተ ሚእቲ ዝበጽሑ ገዳማት ከምዝነበሩ ብገሊኦም ሊቃውንቲ ታሪኽ እኳ ዝዝረብ እንተኾነ፡ ኣሰሮም ዝርከብ ግና ካብ ሚእቲ ኣይበዝኅን እዩ። እቶም ህልዋን ተባሂሎም ዝእመነሎም ገዳማት’ውን ካብ ፳፪ ዝዛይዱ’ውን ኣይኮኑን።

በቶም ዝበረሱ ካብ ምስቍርቋር፡ ካብቲ ገፊሕ በቲ ኣብ ኢድና ዘሎን ዝከኣልን ዝጸበበን ገለ ንምግባር ምጅማሩ ምተገብአ። ንምሉእ ትንሣኤ ህልዋን ገዳማትና’ውን፡ ዝምልከቶ ኣካል ቤተ ክርስቲያን ከምቲ ዝግባእ እንተዘዓይይ ነይሩ እኳ ብዙኅ ታሪኽ ክዕቀብ ናብቲ ዝቕጽል ወለዶ’ውን ከምቲ ዝድለ ክመሓላለፍ ምተኻእለ፤ ግና ብኣንጻሩ ደኣ እምበር ከምቲ ኵሉ ዝደልዮ ክግበር ኣይረኣናን ወይውን ኣይሰማዕናን። እተን ዘለዋ ኣብቲ ቅኑዕ ፍኖተ ትንሣኤ እኳ እንተዝህልዋ ነይረን፡ ናይተን ዝዓነዋ እቲ ዝቕጽል ወለዶ መርከበለን ነይሩ። ንገለ ፋሕተርተር ዝብሉ ምስንኻልን ሓድነቶም ምዝራግን እንተዘይኮይኑ እቲ ላዕለዋይ ኣካል ቤተ ክርስቲያን ጸገመን ክፈትሕ ኣይተራእየን። ናይተን ዝበረሳ ምስቲ ኵሉ ከዘንትዋልና ዝኽእላ ናብራ ቅዱሳን ኣቦታትናን ግብሪ እግዚአብሔርን ብዘይምስማዕና ምቝዛምና ከይወዳእና ከሎና፡ እተን ዘለዋውን የርክባሎምን ናብቶም ዝቐደሙ ገጾም ይድፍኡ ምህላዎም እዩ እቲ ዝገደደ። ሓቂ እዩ ብእምነት ንዛረብ እንተደኣ ኣሎና ይሃልዋ ይብረሳ መካነ ቅዱሳን ‘ጡረታ’ ዝወጻ ከም ‘ቅርሲ’ ጥራይ ዝሕሰባ ኣይኮናን፤ ኵልሳዕ እግዚአብሔር ብቅዱሳኑ ሓዲሩ ድንቂ ስራሕ ዝሰርሓሉ፤ ዝተመስገነሉን ዝተቐደሰሉን ስፍራ ሎሚ’ውን በረኸቱ ሕያው እዩ። ከመይሲ እግዚአብሔር ንቅዱሳኑ ዝህቦ ቃል ኪዳን ዝዓርግን ዝመውትን ስለዘይኮነ! 


ዝኾነ ንኵልና ዘስተውዕል ልቦና ይዓድለና እሞ ሎሚ ሓደ ካብቲ ድኂሩ ዝተገደመ ግና ጥንታዊ ታሪኽ ዘለዎ ገዳም ጻዕዳ እምባ ሥላሴን መሥራቲኡ ኣቡነ ሰይፈሚካኤልን ንክብረ በዓል ናይቲ ገዳም ዝኾነ ሥላሴ ሓምለ ምኽንያት ገይርና ክንዝክሮም ኢና። እዚ ገዳም እዚ ግርማ ገዳም ዝለበሰ፡ ሞገስ ዝተመልአን በቶም ጻድቕ ኣቡነ ሰይፈሚካኤል ዝተገደመ እዩ። ትውፊታዊ ታሪኽ ናይዚ ቦታ ድማ ናይ ኣሽሓት ዓመታት (ካብ ብሉይ ኪዳን ዝጅምር) ጥንታዊ ታሪኽ ከምዘለዎ ይገልጽ። 

እዚ ከምዚ ዝበለ ትውፊታዊ ታሪኽ ነቶም ብዝያዳ ዘጽንዑዎ ገዲፍና ናብቲ ሓጺር ታሪኽ ገዳም ጻዕዳ እምባን ኣቡነ ሰይፈሚካኤልን ክንሰግር። በረኸቶምን ረድኤቶምን ምስ ኵላትና ይኹን።

2.0 ታሪኽ ገዳም ጻዕዳ እምባ ሥላሴ
2.1 መልክዓ ምድሪ

ብኣቓውማኦም ይኹን ኣቀማምጥኦም ንሰማዒኦም ኮነ ንረኣዪኦም ዕፁብ ድንቂ ካብ ዝኾኑ ገዳማት ኤርትራ እቲ ሓደን ቀንድን ኮይኑ ይጥቀስ። ብመንጽር ምጥንታው ዕድመ ምስቶም ዳኀረዎት ገዳማት እኳ እንተኾነ፡ ብኵሉ መንፈሳዊ መዐቀኒታት ምስቶም ቀዳሞት ዝስራዕ ገዳም ኸኣ እዩ - ገዳም ኣቡነ ሰይፈ ሚካኤል (ጻዕዳ እምባ)! ከምቲ እቲ ስም ዝሕብሮ፡ እዚ ገዳም እዚ በቶም ጻድቕ ኣቦና ብአቡነ ሰይፈ ሚካኤል ዝተገደመ ኮይኑ ኣብ ዞባ ዓንሰባ ንኡስ ዞባ ሓጋዝ ጻዕዳ እምባ ኣብ ዝተባህለ ቦታ ኣብ ዝርከብ እምባ ተደኲኑ ይርከብ። 

ኣብዚ ገዳም ንምብጻሕ፡ ቅድም ናብ ከተማ ከረን ድኅሪ ምእታው ቍልቍል ጥንቁልሓስ ምስ ወዳእካ ነቲ ቀንዲ ጽርግያ ብምግዳፍ ናብ ደቡባዊ ምዕራብ ገጽካ ብምቅናዕ፡ ሰንሰለታዊ ጎቦታትን ሩባታትን ድኅሪ ምኅላፍ ግምጃ ወርቅ ኣብ ዝተባህለ ኣብቲ እግሪ ገዳም ተምሥሪትሉ ዘሎ በሪኽ እምባ ትበጽሕ። ብድኅሪኡ ነቲ ተሪርን ነዊሕን እምባ ብጥውይዋይ ንሓደ ሰዓትን ፈረቓን ብእግሪ ምስ ደየብካ ማዕዶዋይ ትበጽሕ። ካብ ማዕዶዋይ ናብ ውሻጠ ገዳም ምስ ኣቕናዕኻ ድማ ብዘይካ መርገጺ እግሪ ካልእ ስፍሓት ዘይብላ የማን ጸጋም ሃልሃል ዝብል ጸድፊ ዘለዋ ብጭንቂ እትስገር ጽናፌ ጽልመት ተባሂላ እትጽዋዕ ገደል ትርከብ። ናብ ውሽጢ ገዳም ድማ ብዘይ እዚኣ ጭንቂ ዝኾነት ከም ሕቖ ኣድጊ እትመስል ቀጣን መገዲ እንተዘይኮይኑ ብዙርያ እቲ ሽው ዝበለ ኣጻድፍ ካልእ ዝኾነ መእተዊ የልቦን። ዝኾነ ሰብ ‘ተባዕ’ ኢየ ኢሉ ንርእሱ እኳ ዘእምን፡ ኣብዚኣ ምስበጸሐ ልቡ ሰተት ዘይብሎ የልቦን። እቶም ደቂ ገዳምን ብእምነት ዝለመድዎን ግና ፈጺሞም ኣይደሃሉን እዮም። ቃል ኪዳን ኣቦኦም ኣሚኖም ከም ኢምንት እኳ ኣይቖጽርዎም እዮም። ፍርቂ ኩንታልን ልዕሊኡን ሸኽሚ ተሸኪሞም ከም ኣብ ጎልጎል ዝኸዱ ቅልጥፍ ቅልጥፍ እናበሉ ክሰግሩዋ ንዝረኣየ ካብ ምስትንካር ሓሊፉ ንነፍሱ ከይወቐሰ ኣይክተርፍን እዩ። 

ድኅሪ’ዚ ቅድሚ ናብቲ ቤተ ክርስቲያን ምቕራብካ ‘ደገ ሰላም’ ከምኡውን ‘መንገዲ ሰማይ’ ዝበሃሉ ጥውይዋይ መገዲ ይርከቡ፤ ነዚኦም ብምኅላፍ ኸኣ ናብ ውሽጢ ገዳም ይእቶ። ብሓፈሻ ካብ ከረን ኣትሒዙ (ወይውን ብመንገዲ ሓጋዝ ድማ) ናብዚ ገዳም ዝወስድ መገዲ ዓቐብን ቍልቍልን ዝበዝኆን ኣዝዩ ዘድክም ብምዃኑ ትዕግሥትን መንፈሳዊ ጽንዓትን የድልዮ። 

መልክዕ ገዳም ብኵሉ ዙርያ እቲ ገዳም ሽው ዝበለ ንትኹል ዝሃትፍ ገደል ክኸውን ከሎ፡ ብሓደ ወገኑ ጥራይ መእተዊ ዘለዎን፡ ምድራዊ ቅርጹ ከም ናይ ቀደም መሶብ ዝመሳሰል እዩ። ኣቦና ቅድሚ ናብዚ ገዳም ምእታዎም ደብረ ከባቦ እትብሃል ኣብ እግሪ ገዳም ኣብ ትርከብ ካልእ ጎቦ እዮም ጸኒሖም። ከምዚ ዝኣምሰሉ ፍሉይ ግርማን ገዓት መሰል ቅርጺ ዘለዎም ጎቦታት ኣብ ከባቢ ናይዚ ገዳም ይርከቡ እዮም። 

2.2 ዝተመሥረቱ ዘመን
እዚ ልዕሊ ፫፻ ዓመት ኣቖጺሩ ዘሎ እዚ ገዳም’ዚ ኣብ መበል ካልኣይ ፍርቂ ናይ ፲፯ተ ክፍለ ዘመን እዩ ተመሥሪቱ። (ገለ ጽሑፋት ኣብ ፲፯፻፸፮ ዓ.ም ተመሥሪቱ ክብሉ ከለዉ ገለ ጽሑፋት ኸኣ ኣብ ፲፯፻፴፰ ዓ.ም. ዝብሉ ኣለዉ) መሥራቲኡ ኸኣ ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝተገልጸ እቶም ጻድቕ ኣቦ ኣቡነ ሰይፈሚካኤል እዮም። እቲ ዝተምሥረተሉ ዘመን ኸኣ ዝተፈላለየ ኣገድስቲ ፍጻመታት ታሪኽ ኣብዚ ከባቢ እዚ ይፍጸመሉ ዝነበረሉ ዘመን እዩ። በቲ ካልእ ኸኣ ኣውሮጳውያን ንመግዛእቲ ክጥዕሞም ብጉልባብ ‘ሃይማኖት’ን ካልእ ዳህሳሳዊ ስራሕን ኣብቲ ‘ጸሊም’ ዝብልዎ ኣህጉር ኣፍሪቃ ብቀጻሊ ይዝንብዩ ዝነበረሉ ዘመን ኸኣ እዩ። ኣብ ሃገርና’ውን ቍጽሮም ውሑድ ዘይኮኑ ተረፈ መናፍቃን ‘መጽሓፍ ቅዱስ’ ተሓንጊጦም ንተዋሕዶ ሃይማኖት መሲሎም ብምቕራብ ከዳኽሙን ክኸፋፍሉን ዝተዓጥቁሉ ዘመን እዩ ነይሩ። ከምቲ ብዙኃን ዝብልዎ ነቶም እምነት የብሎምን ንዝብልዎም ወይውን ካብ ክርስትና ንዝወጹ ካልኦት ሃገራት ሰጊሮም ጽኑዕ ሃይማኖት ንዘለዎ ሕዝብን፡ ሊቃውንትን ቅዱሳንን ንዘለዋ ምድርና ‘ዳግማይ ክንሰብክኹምን ከንጥምቐኩምን’ ‘ኣቦታትኩም ተጋግዮም ንስኻትኩምውን ተጋጊኹም ትነብሩ ነይርኩም’ ብምባል ቃላት ብምስንጣቕ ምስባኽ ሽዑ ብሰፊሑ ተተሓሒዞሞ ዝነበረሉ እዋን እዩ ነይሩ። ነዚ ዝሕግዞም ኸኣ ቫቲካን ኣብ ዝኣመሰላ ሃገራት ብሥርዓት ቋንቋ ግእዝ ተማሂሮምን ኣጽኒዖምን ናብ ከባቢና ይዋፈሩ ከምዝነበሩ መዛግብቲ ታሪኽ ይምስክሩ እዮም። መግዛእቲ ጥልያን ብ1869 ዓ.ም.ፈ ቀዳማይ ኣብ ኤርትራ እግሩ ዘንበረላን መቖናጠጢ ክረክብ ዘኽኣሎን እቶም ብ‘ሃይማኖት’ ተጐልቢቦም ዝመጹ “ሓዋርያት” መግዛእቲ ከምዝነበሩ ዝከሓድ ኣይኮነን። 

እቲ ዘመን ኸኣ ከምዚ ዝኣመሰለ ፈታኒ ኣብ ዝነበረሉ እዩ ኣቦና ብኵሉ መገዲ ማለት ሃይማኖት ብምስባኽን ብምጽናዕን፤ ንዝተጋገዩ ብምምላስን ንመናፍቓን ብምርትዓን፤ ሕሙማት ብምፍዋስን ምእመናን ብምጽንናዓን ብምብራኽን፤ ኣብቲ ዳኅረዋይ ዘመን ሃይማኖት እናሓፀፀ ኣብ ዝኸደሉ ዝረአ ሓዋርያ ብምዃን፤ ምናኔን ምንኩስናን ብምጽናዕ ዓቢይ መምህር ዝኾኑ ኣቦ እዮም ነይሮም። 

እቲ ጽቡቕ ግብሮምን ብቕዓቶም ኸኣ ኣብ ኵሉ ዝተወርየሉ ዘመን ስለዝነበረ ኸኣ ካብ ሃገርና ኃሊፎም ክሳብ ናይ ጐንደር ነገሥታት መጺኦም ክባርኽዎም ይልምንዎምን መልእኽቲ ይሰዱሎምን ነበረ። ንሳቶም’ውን ኣኽቢሮም መጺኦም ይባረኹ ነይሮም። እዚ ኸምዚ ዓይነት ታሪኽ ክንሰምዕን ከነንብን ከሎና ኣህጉራዊ ተሰማዕነት ዝነበሮም ዓበይቲ ቅዱሳን ኣብ ሃገርና ከምዝነበሩ ዘርእይ እዩ። 

2.2 ህልዊን ርኡይን ተኣምራት 
ኣብዚ ገዳም እዚ ከምዝን ከምትን ተኣምራት ይግበር ነይሩ ተባሂሉ ዝትረኸሉ ጥራይ ዘይኮነሲ፤ ሎሚ’ውን እንተኾነ ብዓይኒ ዝረኣዩ ህልዋን ተኣምራት ወትሩ ምስ ኣሰነዪዎ እዩ። እዚ ኸኣ ንኣብነት፦ 

ኣብቲ ኣጻድፍ ናይቲ ገዳም በቝሎም ዝርከቡ ኣእዋም ናይዚ ገዳም፡ ዕርጋን ምስ ኣርከቦምን ነፍሳት ንየው ነጀው ኢሉ ክነቓንቖም ከሎ ኣንቖሊቝሎም ንታሕቲ ክሃትፉ ባህርያዊ እኳ እንተነበረ ኣብዚ ገዳም’ዚ ግና ብኣንጻሩ፡ ኣንጻር ስሕበት መሬት ናብ ላዕሊ ናብቲ ገዳም ቀኒኖም ይወድቑ። 

ካልእ ተኣምራት ኸኣ ኣብዚ ገዳም’ዚ ናይ ዝርከቡ ንስራታትን ሊሎታትን ሰማይ እዮም። ባህርያዊ እዚኦም ነፈርቲ ፍጥረታት ኣብ ቅድሚኦም እንኳዕ ሥጋ ወዲቑስ ካብ ኢድ ሰብ ሥጋ ወይውን ካብ ጓሳ ዕየት ክምንጥሉ ድኅሪ ዘይብሉ እዮም። ይኹን እምበር ኣብዚ ገዳም’ዚ ዝረአ ነገራት ግና ዘድንቕን ብኣንጻሩን እዩ። እዚ’ውን ዝወደቐ እንሰሳ ኣብቲ ኣንቀጽ ገዳም ክሳብ ዘሎ ዘይትንፍክዎ ምዃኖም እዩ። ብዘይካ እቲ ጸሊሞ ኳኽ ግና ካልኦት ነፍሶም ዝዓቐበሉ ምኽንያት ኸኣ ቃል ኪዳን ኣቡነ ሰይፈ ሚካኤል ምዃኑ ይፍለጥ። ካብቲ ክልል ገዳም ወጻኢ ግና እቲ ሥጋ ምስ ዝረኽብዎ ብዘይቀልዓልም ከልዕልዎን ክበልዕዎን ሕደ እዩ። 

ኣብዚ ገዳም ዝኾነ ሰብ እንተደኣ ተመን ተነኺሱ ፃፀ ከምዝነኸሶ ዝኾነ ሕንዚ ኣብ ነፍሱ ኣይሰርሕን እዩ። እዚ ኸኣ ፍጹም እምነት ነዘለዎ ሰብ ኵሉ ከምዝከኣሎ፤ ማለት ካብ ኣምላኽ ኪዳን ዝተዋህቦ ስለዝኾነ እዩ (ማር ፲፮፥፲፯-፲፯)። ኣብ ዘመን ሓዋርያት’ን ኣብ ቅዱስ ጳውሎስ ዝተራእየ ነገር እዩ። (ግብ ሓዋ ፳፰፥፫-፭) ከምኡ ኸኣ ነቶም ቅዱሳን እግዚአብሔር ኪዳን ስለዝኣተወሎም ነቶም እንሰሳ ዘገዳምን ካልኦት ባህርያዊ ነገራትን ኣብ ልዕሊኦምን ናቶም ኣብ ዘበለ ነገራት ገለ ሕማቕ ነገር ከይገብሩ ይግዝዝዎም። በዚ መሠረት ከኣ እዩ ኣብ ጻዕዳ እምባ ተመን ዝነኸሶ ፈጺሙ ክጎድኦ ኣይክእልን እዩ። 

ኣብቲ ገዳም ካብ ዘሎ ዳዕሮ ፍሪኡ ከም ስዋ ተጸሚቑ ካብ መዓር ዝምቅር ጥዑም ስቴ ወይን ዝኸውን ኮይኑ ኣሚኑ ንዝሰትዮ ካብቲ ዘለዎ ሕማም ዝፍውስ ምዃኑ እዩ። እዚ ኸኣ ኣብ ብዙኃን ሰባት ዝረአ እዩ። እዚ ስዋ ዳዕሮ ኸኣ ነቶም ናብዚ ገዳም ክነግዱ ዝመጹ ኣጋይሽ ከም ጸበል ንመስተ ኵሉ ክለኽፎ ይዕደል እዩ። 

ካልእ ዘገርም ድማ ኣብ ጫፍ ኣብዚ ብዓረ ዝተደኰነ ዓቢይ ጎቦ ፈዋሲ ዝኾነ ማየ ጸሎት ክነትዕ ምርኣይ እዩ።

እዛ ገዳም ካልእ ብፍሉይ ተኣምራታ እትልለየሉ ኸኣ ኣብቲ ጸፋሕ ሸለው ዝበለ ጸድፊ ናይቲ ገዳም ብግብሪ ኣምላኽ ዝተሣዕለ ምስሊ (ካርታ) ሃገረ ኤርትራ ምህላዉ እዩ። ከምቲ ኣበው ናይቲ ገዳም ዘዘትንዉዎ ምስ ገድሊ ኤርትራ ንናጽነት ታሪኻዊ ምትእስሳር ዘለዎ ኮይኑ፡ ኣብ ሓደ ክረምቲ ማይ እናሃረመ እንከሎ ምስ ብርቱዕ ነጐዳ ዝተሰነየ በርቂ ኣብቲ ከውሒ ከምዝዓለበን ነዚ ዘድንቕ ተኣምራታዊ ምስሊ ኣብቲ ከውሒ ከምዝቐረጾን እዩ፤ ክሳዕ ሕጂ’ውን ኣብቲ ከውሒ ተሳኢሉ ዘሎን ዘይሃሰሰን ብጋህዲ ይረአ ዘሎን እዩ። እዚ ፍጻመ እዚ ኣስታት ፵ ዓመት ዝገማገም ኮይኑ ምስዚኦም ናይ ዘመንና ተኣምራት ዝጽብጸብ እዩ። 

እዚ ብርእዮን ብጋህዲን ኣብ ቅድሚ ዓይንና ንዝፍጸም ዘሎ ተኣምራት ንዛረብ ኣሎና እምበር ካብ ቀደም ኣትሒዞም በብጊዜኡ ዝተፈጸሙ ተኣምራት ፍቕዲ የብሎምን። ብዓቢዩ ኣቐማምጣ ናይቲ ገዳም ብርእሱ ብኣምላኽ ዝተኃርየን ንገዳም ዝተመቸወን፡ ኣምላኽ ብምናኔ ምስኡ እናተራኸቡ ብቅድስና ክነብሩ ሕይወቶም ንዝወፈዩ ኣበው ዝሓዝኦ ቦታ እዩ ነይሩ ክበሃል ይከኣል። 

2.3 ሓዋርያዊ ኣበርክቶ ገዳም
ክቡራት አበው ገዳም ጻዕዳ እምባ ሥላሴ ኣሰር ኣቦኦም ተኸቲሎም ኣብቲ ንሶም ዝደኸሙሉን ዝጻማዉሉን ክፋል ሃገርና ብፍላይ ክንቀሳቐሱ ጸኒሖም እዮም። እዚ ከኣ ኣብዚ ገዳም’ዚ ዝነብሩ መነኮሳት ብአጽንዖተ በዓት ዝተፈልጡን ብጾምን ብጸሎትን ዝተወሰኑ እኳ እንተኾኑ፤ ‘ሑሩ ወመሀሩ’ ንዝብል ትእዛዝ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣኽቢሮም ኣብ ዝተፈላለየ ዓድታትን ከተማታትን ሓዋርያዊ ተልእኾኦም እናፈጸሙ ምንባሮም ከኣ ዝተፈልጠ እዩ። ሓደ ካብቲ ሰናይ ግብሮም ኸኣ ምእመናን እናመሃሩን ብሃይማኖት ክጸንዑ እናመዓዱን፤ ምእመናን ዝጥቀሙሉን ዝገልገሉሉን ብሓፈሻ ኣምልኾተ እግዚአብሔር ዝፍጽሙሉ ኣብያተ ክርስቲያን ምኅናጾም እዩ። 

በዚ መሠረት ኸኣ ከም ኣካል ሓዋርያዊ ተልእኾኦም ካብተን ዘኅንጽወን ኣብያተ ክርስቲያናት ከም ኣብነት ንገሊኦም ኣስዒብና ክንዝርዝሮም ኢና።
  • ምዕራፈ ቅዱሳን ልደታ ቅድስት ድንግል ማርያም (ከረን) 
  •  ኣቡነ ገብረመንፈስቅዱስ (ሓጋዝ) 
  •  ኣቡነ ተክለሃይማኖት (ዓደርደ - ዓዲ ርዳእ) 
  •  ቅዱስ ሚካኤል (እንገርነ) 
  •  ቍስቋም ቅድስት ማርያም (መንሱራ) 
  •  ኪዳነ ምሕረት (ኣቖርደት) 
  •  ቅዱስ ሚካኤል (ባረንቱ) 
  •  ደብረ ምጥማቅ ቅድስት ማርያም (ተኮምብያ) 
  •  መድኃኔዓለም (ሃይኮታ) 
  •  አስተርእዮ ቅድስት ማርያም (ተሰነይ) 
  •  ቅዱስ ጊዮርጊስ (ዓሊ ግድር) 
  •  አቡነ ገብረመንፈስ ቅዱስ (ታላትዓሸር) 
  •  ቅዱስ ሚካኤል (ኦምሓጀር) 
  •  መድኃኔዓለም (ተከዘ) 
  •  ኪዳነ ምሕረት (ጎኘ) 
  •  ቅዱስ ገብርኤል (ጉልጅ) 
2.4 ክብረ በዓል ገዳም
ክብረ በዓል ገዳም ጻዕዳ እምባ ዓመት መጸ ፯ ሓምለ በዓለ ሥላሴ ኣብ ዝበዓለሉን፡ ከምኡ’ውን ናይ ኣቡነ ሰይፈ ሚካኤል ዕረፍቲ ኣብ ዝኾነሉ ፲፱ ጥቕምቲ ይኽበር። እቲ ዝበዘኀ ነጋዳይ ግና ኣብቲ ቀንዲ በዓል ናይዚ ገዳም ንዝኾነ ክብረ በዓል ሥላሴ ክሳተፍ እዩ ዝረአ እምበር ነቲ ካልኣይሲ ክንድ’ቲ ኣይኮነን፤ ኣፍልጦኦ’ውን ድሩት እዩ። ኣብዚ ናይ ፯ ሓምለ ሥላሴ ክብረ በዓል ካብ ኵሉ ኵርናዓት ሃገርና ዝመጹ ነጋድያን ዝሳተፉ ኮይኖም ብፍላይ ግና ካብ ከባቢ ዓድታትን ብሓፈሻ ድማ ካብ ዞባ ዓንሰባ ብብዝኂ ምእመናን ይነግድዎ እዮም። ነቲ ክብረ በዓል ድማ ብዝደመቐ ኣገባብ ክበዓል ድማ ማዕርግ ኮይኖሞ ዝውዕልዎ መንእሰያት ብብዝኂ ምርኣይ ድማ ደስ ዘብል ናይዚ ገዳም ፍሉይ ተውህቦ እዮ። 

እዚ ገዳም’ዚ ካብ ጥንቲ ኣትሒዙ ውሑዳት ዘይኮኑ ነጋድያን እኳ እንተነበርዎ፡ ብፍላይ ግና ድኅሪ ናጽነት መንእሰያት ተምሃሮ ትምህርቲ ሰንበት ኣብ ምልላይን ምጕስጓስን ከምኡውን ኣብ ክብረ በዓል ናይዚ ገዳም ብብዝኂ ናብቲ ገዳም ብምውሓዝን ኣብነታውን ኮይኖም እቲ ገዳም ብዝያዳ ከምዝፍለጥን ነጋድያን ከምዝብርክቱሉን ምግባሮም ዘይከሓድ ሓቂ እዩ። ምስቲ አበው ገዳምውያን ብዘለዎም ፍቕርን ሥምረትን ከኣ ነቲ ገዳም ኣብ ዘድልዮ ማእቶታዊ ሥርሓትን ካልእን እዋን ዝተሓጋገዝዎ ንሳቶም ምዃኖም ይጥቐስ እዩ። ንኣብነት ተምሃሮ ኮሌጅ ሕርሻ ሓጋዝን ሓመልማሎን ከም ኣብነት ዝጥቐሱ ኸኣ እዮም። 

ትውፊት ዝመሠረቶም ጥንታውያን ታሪኻት ከምዝብልዎ ኸባቢ ገዳም ጻዕዳ እምባ ቅድሚ ፬ ሺሕ ዓመታት ኣጋዕዝተ ዓለም ሥላሴ ንህንጻ ባቢሎን ድኅሪ ምፋራሶም፡ ኣፍሪቃ ዕጭኡ ክትከውን ዝተመደበ ካም ንሠለስተ ደቁ ሒዙ ካብ ሰናዖር ናብዚ ከባቢ ከምዝመጸን ስግሪ ጻዕዳ እምባ ሥላሴ ኣብ ዝርከብ እምባ 300 ዓመታት ከምዝተቐመጠሉን ብድኅሪኡ ኸኣ ምስ ደቂ ኣኅዋቱ ክዋጋእ ናብ ሶርያ ከምዝኸደ ዝንገር ታሪኽ ኣሎ። እዚ ኸኣ ቀዳሞት ሰፈርትን ነበርትን ምድረ ኤርትራን ከባቢኣን ካብ ወገን ካም እዮም ንዝብሉ ከም መርትዖ ዝጥቐስ ኸኣ እዩ። ኣቡነ ሰይፈ ሚካኤል ኸ ንታቦት ሥላሴ ናብዚ ቦታ ምእታዎም ገለ ናይ ታሪኽን ትውፊትን ምትእስሳር ዶ ይህልዎ? 

2.5 ሎሚ ከ?
እዚ ክቡር ገዳም’ዚ ልዕሊ ዕድሚኡ ዓቂብዎ ዘሎ መንፈሳዊ ሃብትን ጥንታዊ ውርሻን ኣዝዩ ልዑል እዩ ክበሃል ይከኣል። ብምዃኑ ድማ ኣብ ሕዝቢ ዞባ ጋሻ ባርካን ዓንሰባን ማእከልን ንዝነበሮ ጸላዊ ኣበርክቶን ሓዋርያዊ ተልእኾን ዓቂቡ ንዝቕጽል ወለዶ ክመሓላለፍ እንተደኣ ኮይኑ ኵሎም ኣካላት ቤተ ክርስቲያን ንዕብየቱ ብውህደት ክሰርሑሉ ይግባእ። 

ገዳማትና ብኵሉ መዳያት ኣብ ታሪኽ ሃገርናን ካብ ምዕቃብን ምስፋሕን ሃይማኖት ጀሚሩ ኣብ ኵሉ ሕይወት ሕዝብን ምእመናን ዝነበሮም እወታዊ ኣበርክቶ ኣብ ልቢ ምእመናን ተቐሪጹ ክነብር ይግባእ። እዚ ኣበርክቶ ኸኣ ቤተ ክርስቲያን ንዘለዋ ኵለንተናዊ እሤታት ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ ከምቲ ዘለዎ ኣብ ምትሕልላፍን፤ ምስ እግዚአብሔር ዘራኽብ መንፈሳዊ መገዲ ኣብ ምድልዳልን፤ ንሕዝብን ንሃገርን ብጾምን ብጸሎትን ካብ ዝረአን ዘይረአን ተጻብኦ ኣብ ምሕላዎም ዘለዎም ግደ መግለጺ ዝርከቦ ኣይኮነን። እቲ ዘሕዝን ግና መስፈር ዘይርከቦ ኣበርክቶኦም ግና ዝበዛኅና ስለዘይነስተውዕሎ ሸለል ክንብሎም ንረአ ኢና። 

ንገዳማት ምድኻም ማለት ንቤተ ክርስቲያን ምዕናው ማለት እዩ። ናይ ቤተ ክርስቲያን ጕድኣት መዘና ዘይርከቦ ናይ ሕዝብን ናይ ሃገርን ጕድኣት ምዃኑ ኸኣ ኣይሰሓትን እዩ። 
                                                                                                                                                                                                                       
                                                                                                                        ይቕጽል...

No comments:

Post a Comment