Friday, July 15, 2011

ሐይመተ አብርሃም

ዓመት መጸ ይኹን ወርሒ መጸ ከምኡውን ሰሙናዊ ብዝተፈላለየ ምኽንያት ኣብ ቤተ ክርስቲያን ዝበዓሉ ናይ ፈጣሪ ይኹን ናይ ቅዱሳን በዓላት ኣለዉ። በዓል ምኽባር ኸኣ ብፍቓድ ኣምላኽ ዝተሠርዐን ዝተኣዘዘን ምዃኑ ቅዱስ መጽሓፍ ኣስፊሑ ዘረድኣና እዩ። 

ካብቶም ቤተ ክርስቲያን ዘለዋ ክቡራት በዓላት፡ እቶም ክልተ ኸኣ ዓለም ፈጢሩ ንዝገዝእ ንቅድስት ሥላሴ ዝተወፈዩ ዓበይቲ በዓላት እዮም። ክልቲኦም በዓላት ኣጋዕዝተ ዓለም ሥላሴ፡ ኣብቲ ዘመነ ኵነኔ ተኣምራት ንዝፈጸምዎ ዘዘኻኽሩ ኸኣ እዮም። ምኽንያት በዓል ኸኣ እቲ ቀዳማይ ፯ ጥሪ ንጥቅመ ሰናዖር ‘ንዑ ንረድ” ኢሎም ዘፍረሱሉ ክኸውን ከሎ፡ እቲ ካልኣይ ኸኣ ኣብ ዳስ እቲ ፈታዊኦም ጻድቕ ኣብርሃም ዝተኣንገዱሉን ኣብ ዘመን እርጋኑ ውላድ ከምዝረክብ ብስራት ዝነገሩሉን ፯ ሓምለ እዩ። 

ብኵሉ ንዕለታት ፈሊና ብስም ቅዱሳን እነኽብሮም በዓላት ዘይሮም ዘይሮም ግብሪ ሥላሴ ዝገልጹን፤ ሥላሴ ኣብ ቅዱሳን ኃዲሮም ንዝፈጸምዎ ዕፁብ ነገርን ዝኣተዉዎ ቃል ኪዳንን ዘዘኻኽሩ ስለዝኾነ፡ ሥላሴ ዝዝከሩሉ በዓላት እዚኣቶም ክልተ ጥራይ ምባል ዝከኣል ኣይኮነን። ይኹን ደኣ እምበር ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ድማ ብቀጥታ ካብ ኵለን መዓልትታት፡ ንሥላሴ ዝተወፈዩ መዓልትታት ፈልያ እተን ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሳ ዕለታት ብዝግባእ ክዝከራን ብዝደመቐ ክኸበራን ክንመሃረለን ኸኣ ሠሪዓትልና ትርከብ። ነቲ ዕለት ብዝሰማማዕ ንባባትን መዛሙርን ተኽብሮን ተሰንዮን ኸኣ እያ። 
ንቅዱሳን ስለቲ እግዚአብሔር ዝሃቦም ጸጋ ናይ ጸጋ ኣኽብሮት ስግደት እኳ እንተቕረብናሎም፤ እቲ ፍጹም ናብ ባህርይ ኣምልኾን ምስጋናን ዝግብኦም ኣጋዕዝተ ዓለም ሥላሴ ጥራይ ምዃኖም ዝስሕቶ ሰብ የልቦን። ቅዱሳን ሓንሳብ እግዚአብሔር ባዕሉ ስለዘኽበሮምን፤ ጸግኡ ኣብዚኁ ተኣምራት ክፍጽሙ ኃይልን ኪዳንን ስለዝሃቦም ከምቲ እግዚአብሔር ዝሃቦም ናይ ጸጋ ንሕና ከነኽብሮም ቅዱስ ቃሉ ይነግረና። ብናቶም ጸሎትን ኣማላድነትን ኸኣ በረኸቶምን ተራዳኢነቶም ክንረክብ ድማ እግዚአብሔር ፈቓዱ እዩ። ነዛ ዓለም ፈጢሮም ዝገዝእዋ ሥላሴ ብስም ብኣካል ብግብሪ ሠለስተ ክኾኑ ከለዉ ብባህርይ ሥልጣን ብመለኮት ብህልውና ብኣገዛዝኣን ካልእን ነዚ ብዝመስሉ ነገራት ሓደ እዮም። እዚ ምሥጢር ግና ኣብ ዘመነ ሓዲስ እንተዘይኮይኑ ኣብ ዘመነ ብሉይ ብዘይካ ንውሱናት ኅሩያት ኣምላኽ ግሁድ ምሥጢር ኣይነበረን። ሥላሴ ብዝፈልጥዎ ኸኣ ናቱ ምኽንያት ኣለዎ። ሓደ ካብቶም ነዚ ምሥጢር ክርእይ ዝበቐዐ ድማ ናይ እምነት ኣቦና ኣብርሃም እዩ። 

ሸውዓተ ሓምለ ኸኣ እቲ ናይ እግዚአብሔር ሰብ ኣቦና አብርሃም ንሥላሴ ኣብ ቤቱ ንሥላሴ ከእንግድ ዝኸኣለሉ ስለዝኾነ ናይ ደቂ ሰባት ኵሉ ፍስሓ እዩ። ከመይሲ ኣበ ብዙኃን ኣቦና ኣብርሃም ስለ ኵሉ ወዲ ሰብ ዝኸውን ቃል ኪዳን ዝተቐበለን፤ ኣሕዛብ ኵሎም ብስሙ ከምዝባረኹ ዝተነገረሉን፤ ንዕኡ ዝባርኹ ከምዝባረኹ ቃል ዝተኣትወሉን ኣቦና ስለዝኾነ። ብርግጽ ኣቦና ኣብርሃም ንሥላሴ ኣብ ቤቱ ከምዝተቐበሎም ኣብ ኦሪት ዘፍጥረት ብሰፊሑ ዝተገልጸ እዩ። (ዘፍጥ ፲፰) እቲ ጽሑፍ’ውን ኣብርሃም ኣቦና ኣብ ኣፍ ደገ እቲ ድንኳን ተቐሚጡ ከሎ እግዚአብሔር ኣብ ድዋታት መምሬ ተገልጸሉ ይብል። ብንጹር ድማ እግዚአብሔር ዝተገልጹሉ ምዃኑን እግዚአብሔር ክንብል ከሎና አብ ወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ምባልና ምዃኑ ቅዱስ ባስልዮስ ኣብ ሃይማኖተ አበው ገሊጹልና ኣሎ። ርቱዕ ትምህርተ ሃይማኖትናውን ዘረድኣና ንሱ እዩ። 

እግዚአብሔር ሓድነቱን ሠለስትነቱን ንኣብርሃም ኣቦና ጻድቕ ስለዝነበረ ኣብቲ ዘመነ ፍዳ ገሊጾሙሉ ነይሮም። እዚ ኸኣ ብኣምሳል ሠለስተ ሰብኡት ምዃኑን እቲ ድኂሩ ንኽቕበሎም ዝገበሮን እግዚአብሔር እተዛረቦን ብምስትውዓል ምስ ንርእዮ ኸኣ ምሥጢረ ሥላሴ ከምዝተገጸሉ ብዘየሻሙ ኣገባብ ይምህረና እዩ። እዚ ኸኣ ኣቐድም ኣቢሉ እግዚአብሔር ንኣዳም ክፈጥሮ ከሎ “ንግበር ሰብአ በአርአያነ ወበአምሳሌነ” ኢሎም ሥላሴ ንኣዳም ብፍሉይ ድኅሪ ኵሉ ፍጥረት ኣኽቢሮም ከምዝፈጠርዎን በዚ ንባብ ኸኣ ሥላሴ ካብ ሓደ ንላዕሊ ምዃኖም ነጊሮምና ነይሮም። (ዘፍ ፪) ድኅሪኡን ህንጻ ባቢሎን ኣብ ዘፍረሱሉ እዋን “ንዑ ንረድ ቋንቋታቶም ንደባልቕ” ክብሉ ከለዉ ሕጂውን ሥላሴ ልዕሊ ክልተ ምዃኖም ዝያዳ ኣነጺሮምልና ነይሮም። (ዘፍ ፲፩)። ናብ ኣብርሃም ኣብ ዝመጹሉ ግና ዝያዳ ከነጽሩልና ከለዉ ብሠለስተ ሰብኡት ምግላጾምን ምዝራቦምን ናይ ሥላሴ ሓድነትን ሠለስትነትን ዝምህረና ንባብ እዩ። እቲ ዓቢይ ምሥጢረ ሥላሴ ድማ ንኵሉ ሰብ ኣብ ዘመነ ብሉይ ግሁድ እኳ እንተዘይነበረ እግዚአብሔር ግና ንፈተውቱ ይገልጸሎም ነበረ። ኣብ ዘመነ ሓዲስ ከኣ ካብ ሠለስቲኦም ኣካላት ሓደ ዝኾነ ወልደ እግዚአብሔር ሰብ ኮይኑ ባዕሉ ኵሉ ኣግሂዱ ነገረናን፤ ኣብ ባሕረ ዮርዳኖስ ብኢድ ዮሓንስ ክጥመቕ ከሎ ሓድነቶም ሠለስትነቶምን ግልጺ ገይሩ ንደቂ ሰባት ኣርኣየናን። እዚ ኸኣ ክንፈልጦ ብዝግባእ መጠን እምበር ናይ ሥላሴ ነገር ሰባት ተመራሚሮምን ፈሊጦምን ዝብጻሕዎ ኣይኮነን። 

ትውፊትና’ውን ነዚ ነገር ዝያዳ ዘጠናኽር እዩ። ከመይሲ ኣቦና ኣብርሃም ፈታዊ ጋሻ ስለዝነበረ መንበሪኡ ኣብ መስቀለኛ መገዲ ከምዝገበረን ብኵሉ ማዕዘናት ንዝመጽእ ገያሻይ ብሓጐስ ኣብ ዳሱ ተቐቢሉ የብልዕን የስትን ከምዝነበረ እዩ። ብኸምዚ መገዲ ድማ ብዘይ ጋሻ ማዕዲ እግዚአብሔር ይለክፍ ከምዘይነበረ ይንገር። ይኹን ደኣ እምበር ጸላኢ ሰናይ ሰይጣን ከምዝተፈታተኖን ናብ ዳሱ ኣብ ዝወስድ ጽርግያ ከም ሓደ ዝተቐጥቀጠን ዝቖሰለን ሰብ መሲሉ ኣብ መገዲ ወዲቑ ‘ኣብርሃም ከምዚ ገበረኒ’ ‘ኣብርሃም ከም ቀደሙ ከይመስለኩም’ እናበለ ነቶም ናብ ዳስ ኣብርሃም ይግስግሱ ንዝነበሩ ሰባት ሰንቢዶም ከምዝምለሱ ይገብር ከምዝነበረ ይንገር። ኣብርሃም’ውን እንታይ ኮይኖም እዮም ሎምስ ኣጋይሽ ምቅልቓል ኣብዮም እናበለ ንሠለስተ መዓልቲ ብጥሙይ ከብዱ እናተጸበየ ኣብ ኣፍ ደገ ዳሱ ተቐሚጡ ከሎ ሥላሴ ብሠለስተ ሰባት ኣምሳል ተገልጹ ይብል እሞ ነቲ ንሰባት ዘጋግይ ዝነበረ ሰይጣን ከምዝሰጐግዎን ናብ ኣብርሃም ከምዝመጹን ኣብርሃም ድማ ተቀላጢፉ ተንሢኡ ብሓጐስ ከምዝተቐበሎም እዩ ትውፊትና ብንጹር ዝነግር። 

ብሓቂ ድማ ፈታዊን ተቐባላይን ጋሻ ስለዝነበረ ኣብ ዳሱ ንሥላሴ ከእንግድ በቐዐ። ኣብርሃም ኣቦና ናይ ጽድቂ ኣብነትን መምህርን እዩ። ዓርኪ እግዚአብሔር ተባሂሉ ዝንገረሉ ኣቦ እዩ። እግዚአብሔር’ውን ነቲ ዝሓሳቦ ንኣብርሃም ከምዘይሓብእ እተዛረበሉ ርእሲ ኣቦታት እዩ። ስለ ሕዝበ ሰዶምን ገሞራን ኸኣ ዝለመንን ዘማለደን ኣቦ እዩ። ልማኖኡ ዅሉ ኣብ ቅድሚ እግዚአብሔር ውኩፍ ነበረ። 

ኣቦና ብቃል ኪዳኑ ጸኒዑ ካብ ሣራ ሰበይቱ ውላድ ከይረኸበ እኳ እንተጸንሐ ሥላሴ ኣብ ቤቱ ኣትዮም ኣብ ጊዜ እርጋኑ (ከባቢ ፻ ዓመት) ንሳ ድማ ፺ ዓመታ ንይስሓቅ ከምዝወልዱ ነገሮም። ንዓመታ ከምዝምለስዎ ድማ ተስፋ ሃብዎ። እዚ ተስፋ ኸኣ በቲ ኣብርሃም መዓልቲ እግዚአብሔር ክርእይ ብዝተሓንጠየሉ ቅድም ምሳሌኡ ብመልከጼዴቅ ድኂሩ ኸኣ ብጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ተፈጺሙ እዩ። (ዮሐ ፰፥፶፮) ኣብርሃም ኣቦና እምነት ምስ ግብሪ ዘወሃሃደ፤ ብእግዚአብሔር ዝተኃርየ ኣቦ እዩ። 

ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ብሓይመተ (ዳስ) አብርሃም ትምሰል፤ ምኽንያቱ ኸኣ ዳስ ኣብርሃም ሥላሴ ከምዝተኣንገዱላ፡ ኣብ ማኅፀነ ድንግል ኸኣ ሥላሴ ተኣንጊዶም እዮም። “እግዚኣብሔር ኣምላኽ ድማ ዝፋን ኣቦኡ ዳዊት ኪህቦ እዩ።..መንፈስ ቅዱስ ኪወርደኪ ሓይሊ ልዑልውን ኬጽልለኪ እዩ። ስለዚ ኸኣ እቲ ዚውለድ ቅዱስ፡ ወዲ ኣምላኽ ኪብሀል እዩ።” ብምባል ቅዱስ ገብርኤል አብ ከጽንዓ ወልድ ኣብ ማኅፀና ክወሃሃድ መንፈስ ቅዱስ ኸኣ ክሕልዋ ከምዝርከቡ ኣበሲርዋ ነይሩ። (ሉቃ ፩፥ ፴፪-፴፭) ከም ቃልካ ይኹነለይ ምስ በለቶ ድማ ብቅጽበት ተፈጺሙ። ብሓደ ወገን ኸኣ ሓይመተ ኣብርሃም ቅድስት ቤተ ክርስቲያን እያ። ወትሩ እግዚአብሔር ብሓድነቱን ሠለስትነቱን ዝቕደሰሉ ስፍራ፤ ምሥጢሩ ዝንገረሉ መካን ንሳ ስለዝኾነት። “አሐዱ አብ ቅዱስ አሐዱ ወልድ ቅዱስ አሐዱ ውእቱ መንፈስ ቅዱስ”። 

ሎሚ ሎሚ ነዚ ኣቦታትና ብብዙኅ እሞ ብንጹር ትምህርቲ ንዘጽንሑልናን፤ ብዝግባእ ንዝኽበር በዓል ዝቓወሙን ኣብ ቤት ኣብርሃም ሥላሴ ኣይኣተዉን ዝብሉ ሰባት (ሕጂ’ውን ብትምህርቲ ግብጺ ዘመኽንዩ) ከይገጠሙና ኣይተረፈን እሞ፤ ልቢ ገይርና ነቲ ጽሑፍ ከነስተውዕሎ፤ ትምህርቲ ቤተ ክርስቲያን ብዝግባእ ክንመሃር እምበር ከይንጠራጠር እግረ መገድና ከነተሓሳስብ ንፈቱ። 

ብዝተረፈ ግና ከምቶም ‘ኣብርሃም ኣቦ ኣሎና’ ኢሎም ዝምክሑ ከይንኸውን እምነትን ግብርን ኣብርሃም ገይርና ንሕናውን ኣብ ሕይወትና ሥላሴ ዝርከቡሉ ክኸውን ንሳቶም’ውን ቤትናን ሕይወትናን ክባርኹልና ኣሰር ኣብርሃም ንስዓብ። 

ይትባረክ እግዚአብሔር አምላከ አበዊነ። 

1 comment: