Monday, July 25, 2011

ገዳም ደብረ ሳላ

መእተዊ 
ሎሚ ከም ፍቓድ እግዚአብሔር ካብቶም ህልዋን ዘይኮነስ ጠፊኦም ካብ ዝበሃሉ ገዳማት ንሓደ፡ ንገድለ ኣቡነ ሰይፈሚካኤል መሠረት ብምግባር ክንርኢ ኢና። ሓደ ካብቶም ዕላማታት ጦማርና ማዕዶት ድማ ነኸምዚኦም ዝኣመሰሉ ሰፈርን መካንን ቅዱሳን ኣቦታትና ንዝነበሩ እሞ እዚ ወለዶ እዚ ፈጺሙ ንዘይፈልጦም ምልላይን ኣብኦም ዘሎና ባህጊ ትንሣኤ ምግላጽን እዩ። 

ምስቲ ኵሉ ዘሎና ሕጽረታት (መወከሲን ተሓታትን ብቀሊሉ ዘይምርካብ፡ ካብ ዓዲ ምርሓቕ ወዘተ) እቲ ካብ እንፈልጦን እንረኽቦን መወከሲ ኣዳሊና ንገሊኡ ናባኹም ከነብሎ ከሎና፡ ብዘይካ በረኸት ኣቦታት ምቝዳስና ካልኦት ብዝያዳ ዝፈልጡ ዓቕሞም ከበርክቱ ንምትብባዕን፡ ብሓባር ኮይንና ነዚ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ዘሎ ወለዶ ብዝበለጸ ታሪኽ ቅዱሳን ኣቦታቱ ፈሊጡ ክዓይይ ንምግባር ምዃኑ ከምእትርድእዎ ተስፋና ልዑል እዩ። 
እግዚአብሔር ይፈልጥ! ንኵሉ ዘዘመን ስለዘለዎ እዞም ዓበይቲ ተኣምራት ዝተፈጸመሎምን እግዚአብሔር ዝተመስገነሎምን ዝተቀደሰሎምን መካነ ቅዱሳን ኣይ ከምቲ ሎሚ ዓንዮምን ተረሲኦምን ዘለዉ፡ ጽባሕ ድማ ንትንሣኤኦም ዝጽዕት ወለዶ ይለዓል ይኸውን። እወ መን ይፈልጥ፧ ጽባሕ ብዛዕባ እዞም ዝተረሰዑ ቅዱሳን መካናትን ዝቐደሙ ኣቦታትን ምዝካርን ምስቍርቋርን ዘይኮነስ ናብቲ ዝቐደመ ህያው ክብሮም ዝምለሱሉን ብተካእቲ ናይ ቃል ኪዳን ደቆም ዝዕምብቡሉን ጊዜ ይመጽእ ይኸውን። 

ስያመን መልክዓ ምድርን 
እዚ ገዳም እዚ ኣዝዩ ዝጠንተወን ይኹን ደኣ እምበር ሎሚ ዝበረሱ ተባሂሎም ካብ ዝፍለጡ ገዳማት ሓደ እዩ። ከምቲ ስሙ ክሳዕ ሎሚ ተዓቂቡ ዘሎ፡ እዚ ገዳም’ዚ ኣብ ከባቢ ኣቖርደት - ሓጋዝ ዝርከብ ኮይኑ ኣብ ሰፊሕ ሰንሰለታዊን በረኽቲ እምባታትን ናይዚ ከባቢ ዝተገደመ እዩ ነይሩ። ካብ ከባቢ ገዳም ጻዕዳ እምባ ኮይንካ ድማ ኣማዕዲኻ ካብ ዝረአዩ ጎቦታት ሓደ እዩ። ብወገን ሰሜናዊ ምዕራብ ናይ ጻዕዳ እምባ ድማ ይርከብ (ሥዕሊ ተመልከት)። ካብ ኣቖርደት ኸኣ መንገለ ሰሜን ዝርከብ ስፍራ እዩ። 

ደብረ ሳላ ብቋንቋ እቲ ከባቢ ደብሪ ጸሎት ማለት እዩ፤ ገሊኦም ኸኣ ደብረ ሰላም ማለት እዩ ይብሉ። ዘመን ምግዳሙ ዝገልጽ ንጹር ታሪኽ እኳ እንተዘይረኸብናውን ንገዳም ደብረ ሲና ብዝገደሙ ኣባ ዮሓኒ ኣብ ከባቢ ፭ ክፍለ ዘመን ከም ዝተገደመ ዝገልጹ ተመራመርቲ ታሪኽ ኣለዉ። 

እዚ ገዳም እዚ ኣብ ጊዜኡ ብዙኃን መነኮሳት ዝቕመጡሉ፤ ካብ ዓለም ተፈልዮም ንእግዚአብሔር ዘገልግሉሉ፡ ‘መላእክት ዘበምድር’ ኮይኖም ዝነብሩሉ ቅዱስ ስፍራ እዩ ነይሩ። ቍጽሮም ብርክት ዝበሉ ባሕታውያን ኸኣ ኣብዚ ገዳም እዚ ከምዝነበሩ ይንገር። ሰፈር ባሕታውያን ምዃኖም ዝእመነሎም በዓትታት ብብዝኂ ይርከቦ ከምዝነበረ ኸኣ ይንገር። ሕጂ’ውን እንተኾነ ዝተፍላለዩ ዑና ኮይኖም ዝተረፉ ባዕትታት ከምዝረኣዩ ዝዛረቡ ኣለዉ። 

ኣቡነ ሰይፈ ሚካኤልን ደብረ ሳላን 
ኣቦና ኣቡነ ሰይፈሚካኤል ኣብ ጻዕዳ እምባ ቅድሚ ምእታዎምን ነዚ ሕጂ ብስሞም ዝጽዋዕ ዝረአ ዘሎ ገዳም ምግዳሞምን፡ ኣብ ደብረ ሳላ ከምዝነበሩን ምስቶም ኣብኡ ዝጸንሕዎም ውሑዳት መነኮሳት ከኣ ብፍቕርን ብሓድነትን ከምዝተቐመጡን፤ ነቶም መነኮሳት ኸኣ ሰፊሕ ሥርዓትን ሕይወትን ምንኵስና ከምዝመሃርዎም ኣብ ገድሎም ተመዝጊቡ ይርከብ። ኣቦና ኣቡነ ሰይፈ ሚካኤል ሓደ ካብቲ መካንን መዋፈርን ሓዋርያዊ ኣገልግሎቶም ገይሮሞ ዝነበሩ ኸኣ እዚ ኣብ ከባቢ ኣቖርደት ዝነበረ ገዳም ደብረ ሳላ እዩ። 

ኣቦና ኣብ ደብረ ሳላ መጀመርያ ምስ በጽሑ ውሑዳት መነኮሳት ከምዝጸንሕዎምን ንሳቶም ኸኣ ብጽቡቕ ከምዝተቐበልዎምን እቲ ገድሎም ይገልጽ። ምናልባሽ’ውን ኣብቲ ጊዜ እቲ ምስ ዝነበረ ምስፍፋሕ መሪር ቱርካዊ መግዛእትን እምነቱን ምድኻም እዚ ገዳም ከም ጠንቂ ዋሕዲ መነኮሳት ኮይኑ ክኸውን ይኽእል። “ወእምዝ ኃለፈ እምህየ ወዖደ ኵሎ ምድረ መትሕት እንዘ ይሰብክ ወንጌለ ወይሜህር ቃለ ሃይማኖት ወበፈቃደ እግዚአብሔር በጽሐ ደብረ ሳላ ወበህየ ረከበ ኅዳጣነ ቅዱሳነ ዘደብረ ወአእረጉ ጸሎተ። ወሶበ ርእይዎ አእምርዎ ወተባደሩ ለተቀብሎቱ ወተፈሥሑ በምጽአቱ ኀቤሆሙ ለኅሩይ ሰይፈሚካኤል ዘተሰብሐ ቦቱ አምላከ አማልክት” (ገድለ አቡነ ሰይፈ ሚካኤል) 

ኣብቲ ገዳም ኸኣ ክልተ ኣብያተ ክርስቲያናት ከምዝነበራን ታቦተን ከኣ ናይ ቅዱስ ገብርኤልን ናይ ቅድስት ድንግል ማርያምን ምንባሩን፤ ኣቦና’ውን ናብዚ ገዳም ምስ ኣተዉ ኣብዘን ኣብያተ ቤተ ክርስቲያናት ከምዝተሳለሙ ገድሎም ይገልጽ። “ወከመዝ ይቤሎሙ እስመ ትሑት ልብ ውእቱ ከመ እግዚኡ ወእምዝ ቦአ ውስተ ቤተ ክርስቲያን ዘቅዱስ ገብርኤል። ወዓዲ ውስተ ቤተ ክርስቲያን ዘእግዝእትነ ማርያም ወተሳለመ ህየ ወገብረ ጸሎተ ወስግደተ።” (ገድለ አቡነ ሰይፈሚካኤል) 

ኣቦና ኣብቲ ገዳም ኣብ ዝጽንሑሉ እዋን ነቶም ዝነበሩ መነኮሳት ሥርዓተ ምንኵስና ብዝግባእ ከጽንዑ ከምዝመሃርዎምን ይኣልይዎምን ይምዕድዎምን ከምዝነበሩ ኣብ ገድሎም ብሰፊሑ ተገሊጹ ኣሎ። ብኸምዚ ኣገባብ ኸኣ እቲ ገዳም ከም ቀደሙ ብኵለንተንኡ እናዓበየ ብዙኃን መነኮሳት’ውን እናተወሰኽዎ ዓቢይ ገዳም ከምዝኾነ መጽሓፈ ገድሎም ይነግረና። ነዚ ጥንታዊ ገዳም’ውን ዳግማይ ትንሣኤ ብምሃብ ብጽኑዕ ሥርዓት ክምራሕ ዝገብርዎ ንሶም ኣቦና እዮም። ኣብቲ ገድሎም’ውን ኣቦና ነዚ ጥንታዊ ገዳም ጥራይ ዘይኮነሲ፡ ነቲ ጥንታዊን ብዙኅ ታሪኽ ክርስትናን ምንኵስናን ኤርትራ ሓቚፉ ከምዝነበረ ዝእመነሉን ሰፈር ባሕታውያንን ስዉራንን ተባሂሉ ዝፍለጥ ሃገረ ናግራን ዳግማይ ዝሓደስዎን ዘጽንዕዎን ኣቦና ሰይፈ ሚካኤል ከምዝነበሩ ይፍለጥ። “ወገብረ ሎሙ ካህናተ ወዲያቆናተ ወዓዲ ሐደሣ አቡነ ሰይፈ ሚካኤል ለደብረ ሀገረ ናግናን” (ገድለ አቡነ ሰይፈሚካኤል) ነዚ ዝያዳ መረጋገጺ ዝኾኑና ኸኣ ኣቡነ ሰይፈሚካኤል ገድሎም ፈጺሞም ዕረፍቶም ምስ ኮነ ኃዘኖም ክገልጹ ንኽብሮም ፍቕሮምን ካብ ደብረ ሳላን ሃገረ ናግራን ዝመጹ ብዝኂ መነኮሳት እዮም። “ወበጊዜ ዕረፍቱ ለአቡነ ሰይፈ ሚካኤል መጽኡ ብዙኃን ቅዱሳን ኅቡአን እምሀገረ ናግራን ዘይእቲ ገዳሙ ቅድስት ወዓዲ እምደብረ ሳላ ከመ ይርአዩ ዕረፍቶ ለማኅቶተ ዓለም ወከመ ይርአዩ ወይኩኑ ስምዐ በቃለ ኪዳኑ መድምም ወመንክር ለሰማዒሁ” ይብል። 

ኣቡነ ሰይፈ ሚካኤል በዚ ናይ ሎሚ ምምሕደራዊ ቅርጺ ካብ ከባቢታት ዞባ ማእከል ዝጀመረ ስብከቶምን ትምህርቶምን ናብ ከባቢታት ዞባ ዓንሰባ ድኅሪኡ ኸኣ ናብ ዞባ ጋሽ ባርካ ከምኡውን ገለ ክፋል ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ ኣቢሉ ይበጽሕ ከም ዝነበረ ይፍለጥ፤ ስግሪ ዶብ’ውን ዝሓለፈሉ እዋን ከምዝነበረ ይፍለጥ። ብፍላይ ኣብ ደብረ ሳላ ኮይኖም ብዝፈጸምዎ መንፈሳዊ ተጋድሎን ትሩፋትን ዜናኦም ክሳብ ጫፍ ሰሜን ኤርትራ ከምዝተሰምዐን ብዙኃን ንዕኦም ክርእይዎምን ክባረኹን ናብኦም ይመጹ ከምዝነበሩ ይፍለጥ። ኣብ ደብረ ሳላ ኮይኖም’ውን ክሳብ ወሰናስን ዶብ ምዕራብ (ምድረ ኖብ) ዝበጽሕ ናብ ምድረ መታሕት ዝቐንዐ ሓዋርያዊ ተልእኾኦም ካብዚ ገዳም ኮይኖም ይዋፈሩ ከምዝነበሩ ይፍለጥ። ምኻድ ጥራይ ዘይኮነውን ካብቲ ሕጂ ታሪኹ እናሃሰሰን እናጠፍአን ካብ ዝርከብ ስዉራን ባሕታውያን ይርከብዎ ነይሩ ካብ ዝበሃል ከባቢታት ሃገረ ናግራን ከይተረፈ ብዙኃን መነኮሳት ናብ ደብረ ሳላ ይመጹ ከምዝነበሩ ይፍለጥ። እዚ ገዳም ደብረ ሳላ’ውን ኣቦና ብዝገበርዎ ኣበርክቶ ብብዝኂ መነኮሳት ኣዕለቕሊቑ ምጻር ክሳብ ዘይክእሎ በጹሑ ከምዝነበረ’ውን እቲ ገድሎም ይዛረብ፡ “ወበዝኁ ደቂቁ እስከ ኢያግመሮሙ መካን በደብረ ሳላ ቅድስት”። 

ኣቡነ ሰይፈሚካኤል ኣብ ደብረ ሳላ ኮይኖም በዚ ዓይነት’ዚ ሥራሕ ፮ተ ዓመትን ፮ተ ወርኅን ጽኑዕ ገድልን ዓቢይ ትግሃትን እናገበሩ ድኅሪ ምጽናሕ ቅዱስ ገብርኤል ተገልጸሎም። ናብ ገዳም ጻዕዳ እምባ ከቕንዑ ድማ ነገሮም። ድኅሪኡ ነቶም ደቆም ብፍቕርን ብብኽያትን ተፋንዮም ነቶም ዝሰዓብዎም ኣኸቲሎም መገዶም ቀጸሉ። እቲ ገድሎም “ሖረ ፍኖቶ ምስለ እለ ይተልዉ አሠሮ፡ ወበጽሑ ዓደርዴ ኀበ ዐቢይ ደብር ዘክልኤ ወኃደሩ ህየ” ከምዝበሎ ናብ ዓደርዴ (ሕጂ ዓደርደ) ናብ እትብሃል ዓዲ በጺሖም ሓደሩ። ኣብኣ ኸኣ ማንታ ዝኾነ ጎቦታት ኣሎ። ኣብኣ ከኣ ፱ ወርሒ ኣብታ ደብሪ ኮይኖም ሕዝቢ እናመሃሩን እናተጋደሉን ጸንሑ ይብል። ኣቦና ካብዚ ጥንታዊ ገዳም ብጻውዒት እግዚአብሔር ናብዚ ሕጂ ብስሞም ዝጽዋዕ ዘሎ ገዳመ ሥላሴ ይኺዱ እምበር ምስዞም መነኮሳት ቀጻሊን ጽኑዕን ርክብ ከምዝነበሮም ይፍለጥ። 

እዚ ጥንታዊ ገዳም ዝርከቡ ጽኑዕ ሰንሰለታዊ ኣኽራናት ካብ ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ ኣትሒዙ ከም ደጀንን መዕቖብን ሰውራ ኮይኑ ዘገልግል ዝነበረ ምዃኑ ዝተፈልጠ እዩ። 

ንጹር ታሪኽ ዛጊት ኣይረኸብናን እምበር ከምቲ ኣቐዲሙ ዝተገልጸ ድኅሪ ወራርን መግዛእቲ ቱርክን በብቕሩብ እናተዳኸመ ከምዝመጸ ዝገልጹ ጽሑፋት ኣለዉ። 

ተወሳኺ ካብ ገድለ አቡነ ዕንቈ ብርሃን 
መወከሲ ሓጺር ጽሑፍና ኣብ ገድሊ ኣቡነ ሰይፈ ሚካኤል ከይተሓጽረ፡ ገድሊ ኣቦ ኣቡነ ሰይፈ ሚካኤል ዝኾኑ ኣባ ዕንቈ ብርሃን ምስ ተወሰኾ’ውን ብተመሳሳሊ ልዕልናን ጽባቐን ናይ ገዳም ደብረ ሳላ ብንጹር ተገሊጹ ንረኽቦ። 

ኣቡነ ዕንቈ ብርሃን ኣብ ከባቢ ደቂ ሽሓይ (ዘደብረ አንገብ) ገዳም መሥሪቶም ዝነበሩን ንኣቡነ ዕንቈ ብርሃን ዘመንኰሱን ኣቦ እዮም። ኣቡነ ዕንቈ ብርሃን ኣብ መወዳእታ መዋዕሎም ካብ ዝበጽሕዎምን ዝባረኽዎምን ኃያሎ ቅዱሳን መካናት ሓደ ደብረ ሳላ ምዃኑ ኣብ ገድሊ ኣባ ዕንቈብርሃን ተጠቒሱ ኣሎ፤ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ንኣባ ዕንቈ ብርሃን ተገሊጻ ዜና ኣባ ዕንቈ ብርሃን ኣብ ኵሉ ከምዝተሰምዐ ድኅሪ ምንጋራን፡ ብሓንሳብ ናብ ደብረ ሲና ድኅሪ ምኻዶምን ብኣዴና ድኅሪ ምብራኾም ንሶም ናብ ገዳሞም ገዳመ ኣንገብ ተመልሱ ይብል። ካብኡ ኸኣ መካነ ቅዱሳን ናብ ዝነበረ ደብረ ሳላ ከምዝኸዱን ኣብኡ ኸኣ ዓበይቲ ተኣምራት ከምዝገበሩን፤ ነቲ ገዳም ድኅሪ ምብራኾም ድማ ነቲ ገዳም ብጽባቒኡ ኣዝዮም ስለዝፈተዉዎ ካብቲ ገዳም ክወጹ ድሌቶም ከምዘይነበረ ይገልጽ። “ወሖረ ወተወርወ ከመ ንስር መንፈሳዊ ወወረደ ላዕሌሃ ለደብረ ሳላ መካነ ቅዱሳን ወነበረ በህየ እንዘ ይገብር ተኣምራተ ወመንክራተ ዓበይተ ወእምዝ ባረካ ወቀደሳ አባ ዕንቈ ብርሃን ለደብረ ሳላ ወአፍቀረ ስና ወኢፈተወ ከመ ይፃዕ እምኔሃ ለይእቲ ገዳም” (ገድሊ አቡነ ዕንቈ ብርሃን) 

መጠቓለሊ 
ብሓጺሩ ካብዚ ቍንጻል ጽሑፍ እዚ፡ ጥንታዊ ገዳም ደብረ ሳላ ብዙኅ ታሪኽ ቤተ ክርስቲያንን ቅዱሳንን ኣብ ከርሱ ዝጾረን፡ ልዑልን ስሙይን ገዳም ምንባሩ ክንርዳእ ንኽእል ደኣ እምበር ብዙኅ ዘይተዳህሰሰ ምዃኑ እዩ ንግንዘብ። 

እዚ ገዳም መን ኣብ ምምሥራቱ ዝነበሮ ታሪኽ እንታይ ይመስል? እንታይ ኣሰር ኸ ሎሚ ይርከቦ? ታሪኽን ገድልን ናይዞም ኣብኡ ዝነበሩ መነኮሳትን ባሕታውያንን እንታይ ይመስል ነይሩ? ወቦ ዘተርፈ ዝብሉ ሕቶታትን መልስታቶምን ነቶም ኣስፊሖም ክነግሩና ዝኽእሉ ኣቦታትን ፈለጣት ታሪኽን ንጊዜኡ ንኅድጎ እሞ ንሕና ኸ ስለዞም ዝበረሱ ገዳማትና እንታይ ንብል? 

ዘሎኩም ርእይቶ ይኹን ተወሳኺ ትምህርቲ ይኹን ኣፍልጦ ከተካፍሉና ኸኣ ንምኅጸን። 

በረኸትን ጸሎትን ቅዱሳን ምስ ኵላትና ጸኒዑ ይንበር። 


1 comment: