Saturday, July 2, 2011

በዓተ ክረምት

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን።

እግዚአብሔር ብፍጥረቱ ንፍጥረቱ ይፍለጥ!
ፈጣሬ ፍጥረታት፡ ገዛኤ ዓለማት እግዚአብሔር ካብቲ ዝፍለጠሉ መገዲ ሓደ እቶም ብኪነ ጥበቡ ዝፈጠሮ ድንቂ ፍጥረትን ዝናበረሉ ሥርዓትን እዩ። ነዚ ኸኣ ቅዱስ ጳውሎስ እቲ ዘይረአ እግዚአብሔር ብፍጥረቱ ንፍጥረቱ ይፍለጥ ብምባል ገሊጽዎ ኣሎ (ሮሜ ፩፥፳)። ምንም’ኳ እግዚአብሔር ባህርዩ፡ ብባህርይኡ ሠዊሩ እንተዘይተራእየን እንተዘይተፈልጠን፤ ሠራዒን መጋቢን ምዃኑስ ብሥነ ፍጥረት ይፍለጥ እዩ። እዚ ማለት ኸኣ እምኀበ አልቦ ኀበ ቦ (ካብ ዘይምንባር ናብ ምንባር ካብ ዘይምህላው ናብ ምህላው) ኣምጺኡ ንወዲ ሰብ ካብ ፬ተ ባህርያተ ሥጋ ፈጢሩ ነፍስ ኣወሃሂዱ፤ ንብርሃን ኣመላሊሱ ንዝናም ኣፍሲሱ፡ መዓልትን ለይትን፡ ሓጋይን ክረምትን ኣፈራሪቑ ን፬ተ ባህርያት ሰብ ብምምጋብ ጽቡቕ ሥራሕ ብምሥራሕ ርእሱ ብዘይ ምስክር ስለ ዘይኃደገ እዩ። ነታ ፭ቲ ባህርየ ነፍስውን እትምገቦ ቃለ እግዚአብሔር መደበላ። ነቲ ምድራዊ ግብሪ እግዚአብሔር እናስተንከርና ሓሳብና ጥራይ ኣብ ምድሪ ክተርፍ ዘይኮነሲ፡ ሰማያዊን መንፈሳዊን ነገር ድማ ክንምገብን ዘለዓለማዊ ርስቲ ክንወርስን እዩ ብኣምሳሉን ኣርኣይኡን ዝፈጠረና። ስለዚ እዩ ድማ ካብ ሠለስቱ ኣካላት ሓደ ወልደ እግዚአብሔር ፍጹም ሰብ ኮይኑ ኣብ ሞንጎና ተረኺቡ ሰማያዊ ምሥጢርን መግቦቱን ዘግሃደልናን ከምኡውን ‘ሰብ ብእንጌራ ጥራይ ኣይነብርን፤ ብቃለ እግዚአብሔር እምበር’ ዝበለናን። (ዮሐ ፩፥፲፰ ማቴ ፬፥፭)
ነገረ ፍጥረት ክንመራመር ከሎና ብርግጽ መንክር ንዝኾነ ጥበበ እግዚአብሔር ግድን ኢና ከነድንቕ። ሓደ ካብኡ ድማ በብእዋኑ ዝፈራረቕን ዑደቱ ዓቂቡ ዓመት መጸ ዝመላለስን ነገረ ኣዝማን እዩ። ንነፋሳት ዝቐያይሮም ደመናት ዝእዘዙሉ፤ ማዕበላት ዘልዕሎምን ዘህድኦምን ብዘይካ እግዚአብሔር ካልእ የልቦን። (መዝ ፻፴፬) ዘመናት እናቀያየርን፤ ፍጥረት ዘበለ ድማ ዘድልዮ እናመገበን እናሓደሰን ዑደት ዘመናት ተተኻኺሉ ክኸይድ ዘኽእሎ እግዚአብሔር እዩ እሞ ስለቲ ድንቂ ግብሩ ወትሩ ምስጋና ምቕራብ ይግባእ። እግዚአብሔር ፈጢሩስ ኣይኃደገናን፤ ኵልሳዕ በቲ ድንቂ ግብሩ ኣቢልና ንርእዮ። 

ቅድስት ቤተ ክርስቲያና’ውን በብእዋኑ ንዝቀያየራ ኣዝማናትን (ወቕትታት) ንኡስ ኣዝማናትን ምስ ግብርን ቃልን እግዚአብሔር ከምኡውን ቅዱሳኑ ብምዝማድ፤ ንደቃ ምእመናን ግብሪ እግዚአብሔር ከስተውዕሉን ስለቲ ዕፁብ ግብሩ ድማ ከመስግንዎን ትገብር። ነዚ ነገር ኸኣ ኣብ ጸሎታን ማኅሌታን ሥርዓት ሠሪዓትሉ ትርከብን፡ ንሕና ድማ ምሉእ ዓመት ክንጥቀመሉ ንንብር ኣሎና። ብኸምዚ መገዲ ኣብ ልዕሊ ቅዱሳኑ መንክር ዝኾነ እግዚአብሔር ግብሩ ወትሩ ብምእመናን ክዝከርን ክፍለጥን ሥርዓተ ኣዝማናት ምፍላያ ቤተ ክርስቲያንና ክንደይ ዝኣክል ድንቂ ሰማያዊ ሃብቲ ከምእትውንን ዘርእይ እዩ። 

ኣዝማናት
ኣብ ምድሪ ኣርባዕተ ወቕትታት (እዋናት) ወይውን ክፍልታት ዘመን ኣለዉ። ንሳቶም ኸኣ መጸው (ቀውዒ)፡ ሓጋይ፡ ፀደይ (ኣየት ወይ ፅድያ)፡ ክረምቲ ይበሃሉ። ብናይ ቤተ ክርስቲያንና ኣከፋፍላ ድማ ካብ ፳፮ መስከረም ክሳዕ ፳፭ ታኅሣሥ ዘሎ መጸው፤ ካብ ፳፮ ታኅሣሥ ክሳዕ ፳፭ መጋቢት ዘሎ ሓጋይ፤ ካብ ፳፮ መጋቢት ክሳዕ ፳፭ ሰነ ዘሎ ፀደይ፤ ካብ ፳፮ ሰነ ክሳዕ ፳፭ መስከረም ዘሎ ድማ ክረምቲ ተባሂሎም ይጽውዑ። 

ብመንጽር ብዝኂ መዓልቲ ኸኣ ካብተን ፫፻፷፭ ኣብ ሓደ ዓመት ዝርከባ ዕለታት፤ ንነፍስ ወከፎም ፺፩ መዓልትን ርብዒ ሰዓትን ይብጽሖም። እቲ ቀመር ኸኣ ነፍስ ወከፎም ሠሠለስተ ኣዋርኅ ዝሓዙ ኮይኖም ጳጉሜን ኸኣ ብፍሉይ ከም ተረፈ ዓመት ኣብ ነፍስ ወከፎም ትምቀል። እዚ ማለት ኸኣ ፬ተ ጳጉሜን ሓሓዲኦም ትውስኾም፤ ፺፩ ዕለታት ኸኣ ይኾኑ። ሓደ ዕለት ወይ ፷ ኪክሮስ ኣብ መንጎኣቶም ይተርፍ። ነዚ ኸኣ ብሰዓት ረርብዒ፤ ብኬክሮስ ዐዓሠርተ ኬክሮስ ትኸፍልም’ሞ ልክዕ ንነፍስ ወከፎም ተተ፺፩ ርብዒ ሰዓትን ይበጽሖም ማለት እዩ። 

እግዚአብሔር ኣምላኽ ድማ በቲ ረቂቕ ጥበቡ ንምሉእ ዓመት ሕደ ኣይገበሮን። ሕጂ መበገሲ ኣርእስትና ስለዘይኮነ ካልእ ጊዜ ብሰፊሑ ክሳብ ንምለሶ፡ እዞም ኣርባዕተ ኣዝማናት ኸኣ ነናተን መፍለዪን መለለዪን ባህርያት ከም ዝውናን፤ በብናተን ዝግለጻሉን ዝትርጐማሉን ኣገባብ ከምዘሎ ግና ምስትውዓል የድሊ። ብዝናም ኣብቊሉ ብፀሐይ ኣብሲሉ ፍጥረቱ ዝምግብ ጐይታ፡ ኣዝማናት በብናተን እናዖዳ ፍጥረቱ ዘግልግላሉ ኣገባብ ዕፁብ ምዃኑ ጥራይ ኣስተውዒልና ኣምላኽና ነመስግን። 

ዘመነ ክረምቲ
ሓደ ካብቶም ኣዝማናትን ክፍላተ ኣዋርኅን ድማ ብመሠረት ናይ ቤተ ክርስቲያንና ሕሳበ ዘመን ሕጂ ንኣትዎ ዘሎና ዘመነ ክረምቲ እዩ። እዚ እዋን ድማ ኣብ ሃገርና ሓረስቶት ቀትሪ ብሥራሕ፤ ለይቲ ድማ ብሓሳብ ዝጽመዱሉን ዝደኽሙሉን እዋን እዩ። 

ኣብ እዋን ክረምቲ ሰማይ ብደመናን ግመን ዝኽደነሉ፤ ምድረ ሰማይ ብድምፅን ትርኢትን መባርቕትን ነጐዳን ዝናወጸሉን ዝጽልምተሉን እዋን እዩ። ኣዝርእት ተዘሪኦም ኣብ ከርሰ ምድር ተጸኒሶም ይውለዱ፤ ይበቝሉ፤ ዕፅዋት ተተኺሎም ይጸድቑ። ነቒጾም ዝሓገዩ ኣፍላጋት ክሳብ ደረቶም ብማይ ይምልኡ፤ ዝነጸፉ ዓይኒ ማያት ማይ የንትዑ። ዝቐምሰሉ ዕፅዋት ይልምልሙ። ንእንሰሳታትን ኣዕዋፍን ዝኸውን ፍረታት ዝርከበሉ ዘመን ስለዝኾነ ንእግዚአብሔር ዝትስፎ ኵሉ ፍጥረት ኸኣ ተስፍኡ ዘልምልመሉ እዩ። ልበ አምላክ ቅዱስ ዳዊት’ውን “ዘይገለብብ ለሰማይ በደመና ወያስተዴሉ ክረምተ ለምድር” ክብል መልክዕ ክረምቲ ገሊጽዎ ኣሎ። 

ሓረስታይን ክረምትን
ሓረስታይ ድማ ነቲ ብርቱዕ ናይ ሥራሕ ዘመን ዝኾነ ክረምቲ ምስ መጸ ኣብ እዋኑ ምስ በዓልቲ ቤቱን ቤተ ሰቡን ኮይኑ ብዘይ ዕረፍቲ ይድይብን ይወርድን። ካብ ሰማይ ማይ ኣብ ዝባኑ እናዘነበ፡ ቍሪ እናተሰሃሎ፡ ውርጪ እናሃረሞ፤ ብምድሪ ድማ ጭቃ መሬት ከየሰቐቖ፡ እሾኽ እናወግኦ፡ ኣእማንን ጎርቢን እናዓንቀፎ ኮታ ንኵሉ እዋናዊ መከራ ተጻዊሩን ተዓጊሡን ኣንጊሁ ይወፍር። ስለምንታይ እንተበልና ነቲ ድኂሩ ኣብ ቀውዒ ከእትዎን ክረኽቦን ዝኽእል ፍረ ምድሪ ኣማዕድዩ ብተስፋ ስለዝርእይ እዩ። ሓረስታይ ኣብ ምንታይ መሬት መዓስ ብኸመይ እንታይ ዓይነት ዘርኢ ይዝራእ፤ መዓስ እንታይ ዓይነት ክንክን ይደሊ ዝብሉ ኣገደስቲ ነገራት ኣጸቢቑ ዝፈልጥን ኣቐዲሙ ዝዳለወለንን እዩ። ስለዚ ኣብ ጊዜኡ፤ ጊዜ ከይሓለፎ ንዅሉ ካብ እዋን ዘርኢ ክሳብ ፍረ ዝበጽሕ ዘድሊ ዘበለ ይገብር። ስለዚ ኸኣ እቶም ትጉሃት ሓረስቶት ነቲ ኵሉ ጻዕሪ ኣፍሲሶም ኣብ ጊዜ ቀውዒ እናተሓጐሱ እኽሎም ክእክቡ ከለዉ፤ ሓጎሶም ክሳብ ክንደይ ፍጹም ከምዝኸውን ዘማትእ ኣይኮነን። እቲ ፍረ ምድሪ ዝህቦም ሓጐስ ፍጹም ስለዝኾነ ኸኣ ነቲ ዘሕለፍዎ ድኻምን ጻዕርን እኳ ፈጺሞም ኣይዝክርዎን። ብናይ ሓረስታይ ንዛርብ ኣሎና እምበር፤ ሰበይቲ ሓረስታይ’ውን ውሻጤኣ እናማልአት፡ ምስ ሰብኣያ ወፊራ ኣብ ኵሉ ስለእትተሓጋገዝ፡ እዋን ክረምቲ ልዕሊ ካልእ ጊዜ ብዝያዳ እትሃልከሉን እትደኽመሉን እዋን እዩ። 

ዓሻ ሓረስታይ ግና ብኣንጻሩ ጊዜኡ ብኸንቱ ምስ ኣሕለፎ፤ ነቲ ፍሬ ክረኽበሉን ክሕጐሰሉን ዝግባእ ጊዜ ቀውዒ ኣብ ጣዕሳን ሓዘንን ይኣቱ። እቲ ጣዕሳ ግና ዝምለስ ኣይኮነን። ደንጉዩ ክዘርእ ምስ ዝፍትንውን ዝዘርኦ ኣብ ፍረ ከይበጸሐ ቀምሲሉን ሓሪሩን ይተርፍ። ከይፈተወ ኸኣ ገጹ ብሕፍረት ጐልቢቡ ኣብ ልቓሕን ልማኖን ምእታዉ ዘይተርፍ ይኸውን። ስለዚ እዩ ድማ ኣበው ኣብ ክረምቲ ዝደቀሰ ኣብ ቀውዒ ለማኒ ይኸውን ዝብልዎ። ንዓመታ እኳ ኮይኑሉ እንተተግሀ፤ ልቓሕ ዝቐደመ ኣብ ኅሊንኡ ጾር ይኾኖ፤ ንዝበልዖ ክኸፍል ይደክም ከምዘሎ ስለዝፍለጦ ድማ ምስቓዩ ኣይተርፍን እዩ። 

እዚ ናይ ሓረስታይ ናብራን ግብርን ኸኣ ንቤተ ክርስቲያንን ደቃን ዓቢይ ትምህርቲ ኣለዎ። 

ዘመንካ ምስትውዓልን ኣብ ጊዜኻ ምስራሕን
‘ቦ ጊዜ ለኵሉ’ ተባሂሉ ከምዝተጻሕፈ ንማሕረስ፡ ንምዝራእ፡ ንምጽሃይ ኮነ ንዓጺድ ወይውን ንምእካቡ ካብኡ ሓሊፉውን ካልእ ስራሕ ንምስራሕ ነናቱ ጊዜ ኣለዎ። ጊዜ ኣለዎ ክበሃል ከሎ’ውን ኣብ ጊዜኡ ነቲ ጊዜኡ ዝበቕዕን ዝግባእን ስራሕ ምስራሕ ከምዝግባእ ዘረድእ ትምህርቲ ዘመን እዩ። ናይዚ ቀዳማይ ኣብነት ድማ ሓረስታይ እዩ። ምምልላስ ዘመንን ባህርያቱን ኸኣ ከም ሓረስታይ ዘስተውዕል የልቦን ክበሃል ይከኣል። ናብርኡ ምስ መሬት ስለዝኾነ ምስ መሬት ዝዛመድ ዘበለ ኵሉ ኣብ ቅድሚ ሓረስታይ ወትሩ ብኣንክሮ ብተዘክሮ ይረአን ይስተውዓልን። 

ኣብ ከተማ ዝዓበየን ካብ ናብራ ‘መሬት’ን ዝተፈንተተን፡ ከምኡውን ኣብቲ ምዕቡል ዓለም ካብ ባህልን ናብራ ሃገርናን ርሒቕና እንቕመጥ ዘሎና ብዙኅ ዘይነስተውዕሎ ጥበብን ትምህርትን ግና ከይሓለፈና ኣይተርፍን እዩ። እዞም ሎሚ ወለዶ እግዚአብሔር ብፍጥረቱ ኣቢሉ ከምዝዛረብን ብዘመናት’ውን ከምዝምህርን ኣይነስተውዕሎን እዩ። ኣብ ከባቢና ዘለዉ ፍጥረታት ይኹኑ ሰማይን ምድርን ግብሪ እግዚአብሔርን ቃላቱን ከምዝነግራን ከምዝንበበሎምን ኣይንርእዮምን ኢና። 

ዘመናትን ፍጻሜታቶምን ምስ ቃለ እግዚአብሔር ብምዝማድ ምስትውዓል ከምዘድሊ ግና ጐይታ ነቶም ትእምርቲ ከርእዮም ናብኡ ንዝመጹ ፈሪሳውያንን ሰዱቃውያንን ኣብቲ ተግሳጻዊ ትምህርቱ ነጊሩዎም ነበረ። “ፈሪሳውያን ሰዱቃውያንን ኪፍትንዎ መጺኦም፡ ካብ ሰማይ ትእምርቲ ኼርእዮም ለመንዎ። ንሱ ግና መሊሱ በሎም፡ ምስ መሰየ ሰማይ ይቐይሕ ኣሎ እሞ፡ ጻሕያ ኪኸውን እዩ፡ ትብሉ። ምስ ወግሐ፡ እቲ እተደባነወ ሰማይ ይቐይሕ ኣሎ እሞ፡ ሎሚ ዝናም ኪዘንም እዩ፡ ትብሉ። ገጽ ሰማይ ምፍላይ ትፈልጡ፡ ትእምርቲ ዘመናትከ ኽትፈልዩዶ ኣይኰነልኩምን?” (ማቴ ፲፮፥፩-፫) ስለዚ እዩ ጐይታ ከምኡውን ሓዋርያቱ ኣብ ከባቢና ብዘለዉን ብዝፍጸሙን ነገራት መሲሎም ዝምሃሩና። ምሳሌ ዘርኢ ድማ ኣጸቢቑ ክፋል ግብሪ ሓረስታይ ዘመልክት እዩ (ማቴ ፲፫) እታ ኢሳይያስ ብወይኒ መሲሉ ዝተቐነየላ እስራኤል’ውን ንዓና ዝተነግሩ እዮም (ኢሳ ፭)። ከምኡውን ጐይታ ብበለስ (ሉቃ ፲፫) ወቦ ዘተርፈ። ስለዚ ከም ሓረስታይ ዘመናት ምስትውዓል፤ ኣብ ጊዜኡ ድማ ዝግባእና ክንገብር ከምዝግባእና ዝምህር እዩ። 

ስለቲ ፍረ - ምዝራእ ከምዝግባእን ንኵሉ ምጻርን
ሓረስታይ ነቲ ኵሉ ኣብ ክረምቲ ዘጋጥሞ ጾር ክጻወር ዝገብሮ፡ ብፍሪኡ ምሕጓሱ ዘይተርፎ ምዃኑ ብዘለዎ ጽኑዕ ተስፋን ኣብ ኣምላኹ ብዘለዎ እምነትን እዩ። ስለዚ ኸኣ ነቲ ካብ ሰማይ ኣብ ዝባኑ ዝጽሒ ማይ፤ ነቲ ካብ ምድሪ ዝጓነፎ ኵሉ ሽግር እናተጻወረ ዘድልዮ ንዋተ ማሕረስ ምስ ዘርኡ ኣብ መንኵቡ ጸይሩ፡ ኣቡዑሩ እና ኮብኮበ ናብ ግራቱ ይወፍር። ንዋቱ ኣዋዲዱ ድማ ፍሬ ዕዮኡ ተስፋ ብምግባር “ሃባ ጐይታይ” “ሥመር ጐይታይ” እናበለ ከከም ክእለቱን ምርጭኡን ክዘርእ ይርአ። ምዝራእ ጥራይ ግና ኣብ ፍረ ዘብጽሕ ኣይኮነን። እቲ ዝድለ ፍረ ንምርካብ እቲ ሓረስታይ ካብ ግራቱ ከይተፈልየ ተወሳኺ ጻዕሪ ድኻም ክንክንን ከፍስሰሉ ይረአ። ቅድሚ ዘርእውን ኣብ ምድላው መሬት ሓረስታይ ዝገብሮም ብዙኅ ስራሓት ኣለዉዎ። እዚ ኸኣ ነቲ ብእምነት ዝዘርኦ እኽሊ ኣብቲ ዝለስለሰን ዝበሰለን መሬት ክወድቕን ዘድሊ ምሕርቲ ኸኣ ክሓፍስን ምእንቲ እዩ። እቲ ኣብዚኁ ዝጽዕር ኸኣ ኣብዚኁ ይረክብ። እዚ ኸኣ ብጽቡቕ ሥራሕን መንፈሳዊ ተግባርን ዘሰንዮ ኮይኑ ኸኣ ልዑለ ቃል ነቢይ ኢሳይያስ ዝበሎ ብዘይጥርጥር ይፍጸም። “ወውእቱ ይሁብ ዘርዐ ለዘራዒ ወእክለ ለሲሳይ (ንዝዘርእ ንሱ ዘርኡ ይህቦ፤ ንምግቡ ድማ ምስ ተረፉ ይህቦ) (ኢሳ ፶፭፥፲) እዚ ማለት ኸኣ ሓደ ጐድጓዶ ዘሪኡ ፲ተ ጐድጓዶ የእቱ። ጐድጓዶ ዘሪኡ ፱ተ ተረፍ ኸኣ ምግቡ፤ ሓደ ጽዕነት ዘሪኡ ፲ተ ጽዕነት የእቱ፤ ፩ ጽዕነት ዘሪኡ ፱ተ ተረፍ ድማ ምግቡ ከም ዝህቦ ዝተኣምነ ነገር እዩ። ነቲ ሓደ ሂብካ ፲ተ ገይሩ ዝህበካ ኣምላኽ፤ ሓንቲ ንዕኡ ምሃብ ኸ ግቡእ ኣይኮነን ድዩ? 

እንሆ ማየ ዝናም፡ እንሆ ኵሉ ጊዜ ብጊዜኡ ካብ ሠራዒ መጋቢ ዝተባህለ እግዚአብሔር ዝተዳለወ እዩ፤ ምድር’ውን ዝተዘርአ ዘርኢ ኣብቍላ ከተፍሪ ዝተኣዘዘት እያ። ሠራዒ መጋቢ እተባህለ እግዚአብሔር ከኣ ንዘለዓለም ብለጋስ ባህርይኡ ነባሪ ቀዋሚ እዩ። እንተኾነ ሓሳብ ወዲ ሰብ ዘይምቕናዕ ኣብ ጽቡቕ ግብሪ ዘይምጽናዕ ይለዋውጦ ከምዘሎ ምስትውዓል የድሊ። 

ኣማን ብኣማን ካብ ርእሱ ሓሊፉ ንሕዝብን ሃገርን ዝኸውን ፍረ ምድሪ ዘፍሪ ሓረስታይ ተምሳል መምህራን ቤተ ክርስቲያን እዩ። ኣብቲ ፍረ ንምብጻሕ ኵሉ እቲ ዝገብሮን ዝጽዕሮን ድማ ቀጥታዊ ተምሳል ናይቶም ትጉሃን መምህራን ምሳሌ እዩ። ኣብ ቅዱስ መጽሓፍ’ውን ዘርኢ ናይ ቃል እግዚአብሔር፤ ሓረስቶት ኸኣ ንጐይታ ኣብነት ናይ ዝገበሩ መምህራን፡ ግራውቲ ድማ ናይ ኣልባብ ምእመናን ምሳሌ ኮይኖም ተጠቒሶም ኣለዉ። 

ስለዚ ኸኣ ምእመናን’ውን ካብ ጊዜ ንእስነቶም ኣትሒዞም ቃለ እግዚአብሔር ክዝርኣሎም ይግባእ። እቶም ንዘርኢ ዝተመደቡ ድማ ንናይ ጽባሕ ቤተ ክርስቲያን ፍረ ዝኾንዋ ህጻናት እዮም። ንዘርኢ ዝተርፍ ከምዘይብላዕ ኵሉ ደቅና’ውን ብዘይምምሃርና ከነጥፍኦም ዝግባእ ኣይኮነን። ብዓንደ ነገሩ ምእመናን ኣብ ኵሉ ክፋላት መዋዕሎም ናይ መምህራን ጻዕርን ክንክን ጕስነትን የድልዮም እዩ። ከምኡ እንተዘይተገብረ ኸኣ እቲ ዘድሊ ፍረ ክርከብ ኣይክኣልን እዩ። ቤተ ክርስቲያን’ውን እቲ እትደልዮ ምሕርቲ ክትምነዮ እምበር ካብኣቶም ክትሓፍስ ኣይከኣላን እዩ። ግድን ኮይንዎም ጥራይ ዘገልግሉ ወይውን ግብኦም ኣብ ጊዜኡ ዘይገብሩ ሰባክያነ ወንጌል መምህራን ድማ ካብቲ ሰነፍ ሓረስታይ ዝፍለዩ ኣይኮኑን። ዘርኦም ድማ ፍረ ከይተረኽቦ ብኸንቱ ከምዘባኸንዎን ዘይከሓድ እዩ። ጕንዲ ወይን ዝኾነ ክርስቶስ ብጨንፈር ንዝመሰሎም መምህራን ፍረ ንኽፈርዩ ከምዝሾሞም እዩ ነጊርዎም። (ዮሐ ፲፭፥፲፮) ፍረ ዘይፍርዩ መምህራን ኸኣ ዕጭኦም እንታይ ክኸውን እዩ? ዘይፈሪ ዘበለ ኦም …. እዩ ዝብል ዮሐንስ መጥምቅ እሞ ብምሕረቱ ይርኣየና። 

ስለቲ ፍረ - እምነትን ተስፋን - ትግሃትን ግብርን
ብኮፍካ ብእምነትን ብትምኒትን ጥራይ ዝመጽእ ነገር የልቦን። ከምኡ እንተዝኸውን ካብ ሓረስታይ ንላዕሊ ኣማኒ ክርከብ ኣይምትኸኣለን። ከመይሲ ከብዱን ደቁን ኣጥምዩ ዓመት ምሉእ ዝዓቖሮ ዘርኢ ካብ ቆፎኡ ኣውጺኡ ንመሬት እዩ ዝድርብዮ። በስቢሱ ከምዝትንሥእ፤ እኳ ደኣ በርኪቱ ፈርዩን ከምዝረኽቦ እምነቱ ፍጹም እዩ። ግና ብእምነት ጥራይ ዘይኮነስ ጻዕርን ድኻምን እንተዘይተሓዊስዎ ኸንቱ ምዃኑ ስለዝፈልጥ እዩ ሓረስታይ መዓልትን ለይትን ክጽዕር ክደክምን ዝረአ። እቲ ግቡኡ ይፍጽም፤ እምነት ስለዘለዎ ድማ እግዚአብሔር ነቲ ናቱ ግደ ይፍጽመሉ። ሓዲኡ እንተጐዲሉ ግና ኣብ ፍረ ክብጻሕ ኣይከኣልን እዩ። ነገረ ድኅነት ወዲ ሰብ’ውን ከምኡ እዩ። ሰብ ነቲ እተኣዘዞ ይገብርን ይፍጽምን። ብእምነት ኸኣ ምሕረት ኣምላኽ ይጽበን ይርከብን። ብሓዲኡ ጥራይ ኣምልኾትና ምልእነት ክህሉ ኣየኽእሎን እዩ። ዘይትን መብራህትን ሒዝና ምጽናሕ ይግባእ፤ እዚ ማለት ኸኣ ሃይማኖትን ሰናይ ግብርን ማለት እዩ፤ እቲ ምሕረት ኸኣ ናይ እግዚአብሔር ይኸውን ማለት እዩ። 

ካብ ሓረስታይ ትግሃት ንመሃር። መምህራን’ውን ትጉሃት ኮይኖም ክርከቡ ይግባእ። ብዘይ ትግሃት ድማ ኣብ ፍረ ክብጻሕ ከምዘይከኣል ድማ ዝተፈልጠ ነገር እዩ። ሊቀ ሐዋርያት ቅዱስ ጴጥሮስ’ውን ትጉህ መምህር ስለዝኾነ ነቶም ደቁ እግዚአብሔር ዘተስፈዎም ርስቲ መንግሥተ ሰማያት ክወርሱ እንተደኣ ኮይኖም ብትግሃት ክጋደሉ ከምዝግባእ ቅድሚ ዕረፍቱ ኣጠንኪሩ ምዒድዎም እዩ። (፪ ጴጥ ፩፥፭) ትግሃት ክቡር ሃብቲ ምዃኑ ብምሳሌኡ ዝገለጸ ጥበበኛ ሰሎሞን ትጉህ ሓረስታይ ኣብ ዝረኣየሉ እዋን እቲ ትግሃቱ ፍረ ዘለዎ ምዃኑ ኣብ ዝገለጸሉ “ኣምላኽ ንግብርኻ ተቐቢልዎ እዩ እሞ፡ ኪድ እንጌራኻ ባህ ኢሉካ ብላዕ፡ ወይንኻውን ብሓጐስ ልቢ ስተ። ክዳውንትኻ ዅሉ ጊዜ ይጻዕዱ፡ ንርእስኻ ድማ ዘይቲ ኣይተጒድለሉ። እዚ ብህይወትን በቲ ኣብ ትሕቲ ጻሐይ እትጽዕረሉ ጻዕርን ጊዴኻ እዩ እሞ፡ ብዅለን መዓልትታት ከንቱነትካ በተን ንሱ ኣብ ትሕቲ ጻሓይ ዝሀበካ ዅለን መዓልትታት ናይ ከንቱ ህይወትካ ምስታ እተፍቅራ ሰበይቲ ብሓጐስ ንበር።” ብምባል ገሊጽዎ ኣሎ። ሓጐስ መምህራን ካብ እግዚአብሔር ዝቕበልዎ ጸጋ ዲበ ጸጋ እዩ፤ ኣብ መወዳእታ ድማ ንዑ ብሩካነ አቡየ ዝብልን ብሒደት ስለዝተኣመኑ ኣብ ብዙኅ ምሻም ክርኽቡ እዮም፤ ዓስቦም ድማ ልዑል እዩ። ሕኩይ ሓረስታይን ሰነፍ መምህርን ግና ሓደ እዮም። ወቐሳን ሓዘንን እምበር ኣብቲ ሓጐሱ ስፍራ የብሎምን። 

ቅዱስ ዳዊት ብጻዕሪን ትግሃትን ዝድኸመሉ ማሕረስ መወዳእትኡ ሓጐስ ምዃኑ ብጥበባዊ ቃለ ልቦና መሲሉ ገሊጹልና ኣሎ። “ብንብዓት ዚዘርኡ ብእልልታ ይዐጽዱ። ዘርኢ ተሰኪሙ ብብኽያት ይወፍር፡ እንዳእቱ ተሰኪሙ ብእልልታ ይምለስ።” (መዝ ፻፳፭፥፭) ሎሚ’ውን መምህራን ከምቶም ሓዋርያት ቃሉ ንምዝራእ ድኻምን ጻዕርን መከራ ሥጋ እኳ ዝገጥሞም እንተኾነውን ዓስቦም ካብ ኣምላኾም ከምዘይስእኑ ዘዘኻክር ቃል እዩ። ሲራክ’ውን ክምዕድ ከሎ “ንእግዚአብሔር ክትግዛእ ትፈቱ እንተደኣ ኮይንካ ሰብነትካ ብትግሃት ንሥራሕን ንመከራን ኣዳልዋ። ዘጨንቕ እንተረኸብካውን ኣይትጠራጠር” ይብል፤ ከምኡ ድኅሪ ምባሉ’ውን ኣብ ፍጻሜ ዘመንካ ክብርን ሓጐስን ምእንቲ ክበዝሓልካ ንእግዚአብሔር ሰዓቦ ይብል። ወሲኹውን ትግሃት ካብ ንህቢ ክንመሃር ከምንኽእል ብምሳሌ ይነግረና። “እምኵሉ አዕዋፍ ትንእስ ንህብ፤ ወእምኵሉ ይጥዕም ፍሬሃ” (ሲራክ ፲፩፥፫) 

ፍረ ወይስ ቖጽሊ ጥራይ
ምሳሌነቱ ንመምህራን ኢላ ንውስኖ ከይንህሉ፤ እቲ ዝንገር ቃል ንኵሉ ምእመን ዝምልከት’ውን ምዃኑ ምስትውዓል ጽቡቕ እዩ። ኵልና ኣብ ልዕሊ እታ ሕይወትናን ብጾትናን ሓረስቶት ኢና። 

ክረምቲ ናይ ዘርኢ፤ ምብቛል፤ ናይ ልምላመ ወቕቲ እዩ። እቲ ፍረን ምእካቡን ግና ቀውዒ እዩ። ቀውዒ ሰናይ ክኸውን ግና ግድን ኣብቲ ዝቐደመ ዘመን ብጹቡቕ ክዕየይ ዘለዎ እዩ። እዛ ሓጻር መዋዕል ምድርና’ውን ናይ ክረምቲ ምሳሌ እዩ። ሃይማኖትና ከነጽንዕ፤ ሰናይ ግብሪ ክንሰርሕ፤ ተጊህና ክንርከብ ዝግባእናን፡ ስንቂ ሰማያዊ ክንቋጽር እንኽእል ኣብዚ ምድሪ ከሎና እዩ። ቀውዒ ምጽኣት ወይውን ሞት እዩ። ካባና ፍረ ደልዩ ዝመጸሉ ጊዜ ቆጽሊ ጥራይ ኮይንና ከይንጸንሖ ክንጥንቀቕ ከምዝግባእና ዝነገርና ንሱ ባዕሉ ጐይታ እዩ። ካብታ በለስ ተምሃሩ ዝበሎን ጕያኹም ኣብ ሰንበት ወይውን ኣብ ክረምቲ ከይከውን ተጠንቀቑ ዝበለና ቃላት ኣብ ልብና ጽን ንበለን። ምኽንያቱ ዝዘራእናዮ ኢና እንዓጽድ። ዝሰራሕናዮ ኢና እንእክብ። ስለዚ ብኸመይ መገዲ ክንዘርእ ከምዝግባእና፤ ግራትናስ እንታይ ክኸውን ከምዘሎዎ ካብቲ ትጉህ ሓረስታይ ንመሃር። 

እግዚአብሔር ኣምላኽ ምሕረቱ የብዝኃልና፤ ክረምትና ይባረኸልና። ፍረ ምድሪ’ውን ኣበርኪቱ ንሕዝብና ሰላሙ ይዓድለና።

1 comment: