Tuesday, July 12, 2011

ሓጺር ታሪኽ ሕይወትን ኣበርክቶን ሊቀ መዘምራን ሞገስ ዑቁባጊዮርጊስ

(ቀዳማይ ክፋል)

፩. ትውልዲ 

ሊቀ መዘምራን ሞገስ ዑቁባጊዮርጊስ ካብ ኣቦኦም ዑቁባጊዮርጊስ ወልደኢየሱስን ኣዴኦም ወ/ሮ ወለተትንሣኤ ኃይለሚካኤል ኣብ ዞባ ማእከል ሎጎ ጭዋ ኣብ ዓዶም ክትሞውሊዕ ባሕቲ (፩) መስከረም ፲፱፻፯ ዓ.ም. (1914) እዮም ተወሊዶም። 

፪. ኣተዓባብያን ዝቐስምዎ ትምህርትን 

ከም ዝኾነ ሕጻን፡ ከም ኣተዓባብያ ዓዲ ድኅሪ ምዕባዮም ኸኣ ኣብ ፲፪ተ ዓመት ዕድሚኦም የኔታ ዕቁበ እንድርያስ ዓስቡ ዘእምባ ደርሆ ኣብ እምኒ ጸሊም ሓዲሮም ስለዝነበሩ፤ ካብኦም ካብ ፊደል ክሳብ ንባብን ቃል ትምህርትን ቁም ጽሕፈትን ተማህሩ። ወለዶም ድማ ውላዶም ክመሃረሎም ባህጊ ስለዝነበሮም ብኵሉ ዘድልዮም ዘበለ ይሕግዝዎምን የተባብዕዎምን ነይሮም። ድኅሪኡ ናብ ዝሰፈሐን ዝዓመቖን ትምህርቲ ንምእታውን፡ ኣብ ባሕሪ ፍልጠት ንምሕንባስን ናብ ኢትዮጵያ ሰገሩ። 

ትግራይ (ኢትዮጵያ) ኣውራጃ እንድርታ ፍሉይ ስሙ ደብረ ኃይል(ላ) ዝተባህለ ገዳም ከይዶም ካብቶም ውሩይ መምህር ገብረ ሕይወት (ጎሞሎ) ናይ ቅኔ ትምህርትን ኣገባቡን ብዝግባእ ተማሂሮም ብመምህርነት ተመረቑ። ኣብ ዓሚቝ ትምህርቲ ቅኔ ዝነበሮም ኣፍልጦን ርቀትን ኸኣ ኣዝዩ ልዑል ምንባሩ ይጥቐስ፤ እዚ ሃብታም ፍልጠትን ኣብቲ ትምህርቲ ዝነበሮም ተገዳስነትን ኸኣ ነቲ ዝሰዓበ ከቢድ ትምህርቲ ብዝግባእ ንኽቐስምዎ ሓጊዝዎም እዩ። እዚ ረቂቕ ናይ ቅኔ ፍልጠት ኸኣ ድኂሩ ኣብ ሥነ ጽሑፍ ንዝነበሮም ኣበርክቶ መሠረት ከምዝኾኖም ብቐረባ ዝፈልጥዎም ይዛረቡ። ኣቦና በዚ ደው ከይበሉ ኸኣ ኣብቲ ዝተጠቕሰ ደብሪ ካብ መምህር ፈለቀ ኣቋቋም ተማህሩ። ካብዚ ብምቕጻል ናብ ጐንደር፡ ኣውራጃ ደብረ ታቦርን ከባቢኡን ከይዶም ኣቋቋምን ይትበሃሉን ምስ ኣወራርዳ ጸናጽልን ብዝግባእ ኣጠናቐቑ። 

ዛጊት ብዝተማህርዎ ትምህርትን ብዘጥረይዎ ሞያን እቲ ጽምኣት ቀለም ገና ስለዘይረወየሎም፡ ትምህርቶም ንምቕጻል ካብ ዓዶምን ስድርኦምን ዝያዳ እናረሓቑ ናብ ደቡብ ኣንቖልቆሉ። እዚ ኸኣ ትርጓሜ ቅዱሳት ንኽመሃሩ ብዝነበሮም ድሌት ኮይኑ፡ እቶም ኣብቲ ጊዜ እቲ ግኑን ስም ዝነበሮምን ሊቃውንቲ መምህራን ከይተረፉ ጉባኤያቶም እናዓጸፉ ምሥጢር ንምድልዳል ኣብ እግሮም ኮይኖም ዝመሃሩ ዝነበሩ ከም አለቃ አየለን አለቃ ኅሩይን ዝኣመሰሉ ሊቀ ሊቃውንት ኣብ ኣዲስ ኣበባ መንበር ዘርጊሖም ይምህሩ ብምንባሮም እዩ። 

ኣቦና ሊቀ መዘምራን ኸኣ ነዚ ባህጎም ክውን ንምግባር ብ፲፱፻፳፬ ዓ.ም. ገና መንእሰይ ከለዉ ናብ ሽዋ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ከይዶም ካብ ናብ እናተመላለሱ ኣብ ውሽጢ ቤተ መንግሥቲ ቅዱስ ማርቆስ ቤተ ክርስቲያንን (ዳኅራይ ናብ ዩኒቨርስቲ ፮ ኪሎ ዝተቐየረ) ኣብ መሰልጠኒ ካህናትን መምህራንን መዘከርታ ዳግማይ ምንሊክን (ገዳም ታዕካ ነገሥት በኣታ ለማርያም)፤ ካብቶም ፍሉጣትን ስሙያትን ናይ ኣርባዕተ ጉባኤ መምህር ትርጓሜ መጻሕፍቲ ዝኾኑ ዶክተር የኔታ ኣየለን መምህር ኅሩይን፡ ትርጓሜ ቅዱሳት መጻሕፍትን መጻሕፍተ ሊቃውንትን ኣቡሻህርን ባህረ ሓሳብን ብዝግባእ ተማህሩ። ብዘይካ ካብ ኣምላኽ ዝተዋህቦም ኣስተዋዕሊ ልቦና፡ ካብዚኦም ዓበይቲ ሊቃውንቲ ምምሃሮም ኸኣ እዩ ልዕሊ ሰቦም ከም እምባ ክረኣዩ ዘኽኣሎም። 

የኔታ ኣየለ ኣብ ፹፯ ዓመቶም ብ፲፱፻፷፱ ዓ.ም. ብሞት ዝተፈልዩ ናይ ኣርባዕተ ጉባኤ ሊቅን መምህርን ዝነበሩን፡ ስለቲ መዘና ክርከቦ ዘይተኻእለ ኵሉ መዳያዊን ኵለንተናዊ ፍልጠቶምን ናይ ክብሪ ዶክተሬት ብዩኒቨርስቲ ኣዲስ ኣበባ ዝተዋህቦምን እዮም። ንሶም ኸኣ ብሉያትን ሓዲሳትን፡ መጻሕፍተ ሊቃውንትን መጽሓፍተ መነኮሳትን ዕለታዊ ዘኺዱ (ዝምህሩ) ምንባሮምን ኣቡሻሕር ድማ ዝተፈልየ ሞይኦም ከም ዝነበረ ብወዲ መዝሙሮም ዝተጻሕፈ ታሪኽ ሕይወቶም ይገልጽ። ስለዚ ኸኣ ‘ኣርባዕተ ዓይና’ ዝብል ቅጽል ስም ከምዝነበሮም ይፍለጥ። እዚ ኸኣ ናይቶም ኣርባዕተ ጉባኤያት ዝበሃሉ ምሉእ መምህር ብምንባሮም እዩ። እዞም ሊቅ ካብ ስሙያትን ቅድሚኦም ዝነበሩ ዓበይቲ ሊቃውንትን መምህራንን ዘይበጽሕዎን ዘይተማህርዎን ከምኡውን ዘየዳለድልዎ ምሥጢር ኣይነበረን። ፍጹም መንፈሳዊ ብምንባሮም ኸኣ ብትሕትንኦምን ልግሶምን፤ ዝነበሮም ፍቕሪ ሰብን ወዘተ ዝልለዩን ብድንግልና ነፍሶም ንእግዚአብሔር ኣወፊዮም መዋዕሎም ምስ ቃለ እግዚአብሔር ዝነበሩ ናይዚ ዳኅረዋይ ዘመን ሓዋርያ እዮም። ብትግሃቶም ድማ ብዙኃን ሊቃውንቲ ኣፍርዮም ኣለዉ። የኔታ አየለ ንሃገርና’ውን ብዓል ጽቡቕ ግብርን ውዕለትን ምዃኖም ክግለጽ ይከኣል፤ ከመይሲ ኣብኦም ዝተማህሩን ዘበርከቱን ሊቃውንቲ ሃገርና ውሑዳት ስለዘይኮኑ። ገለ ካብኣቶም ንምጥቓስ ዝኣክል፦ 

እቶም ብሊቅነቶምን ኣወሃህባ ትምህርቶምን ዝፍተዉን ዝፍለጡን እሞ ኣብ ቀረባ ጊዜ ዝተፈለዩና መጋቤ ምሥጢር መብራህቱ ሞባእ ካልኣይ ወለዶ (ትምህርቲ) ናይዚኦም ኣቦ ምዃኖም ይፍለጥ። ከመይ እንተበልና ንመጋቤ ምሥጢር መጽሓፍተ ሓዲሳት ኣደላዲሎም ትርጓሜ ዝመሃሩ የኔታ ኣማኑኤል ካብዚኦም ሊቅ ዝተማሃሩ ብምንባሮም እዩ። እቶም ብቅንዓት ተዋሕዶ ሃይማኖቶምን ሊቅነቶምን መጻሕፍቶምን ዝፍለጡ መሪጌታ ክነፈርግብ ማርቆስ’ውን ትርጓሜ መጻሕፍተ ሓዲሳትን ካልእን ካብዚኦም ሊቅ እዮም ተማሂሮም። ብማኅሌታዊ ትግሃቶም ተምሳል ዝቐደሙ ኣበው ኮይኖም ዝጥቀሱ ሊቀ ሊቃውንት ኃይለሥላሴ ትርጓሜ መጽሓፈ መነኮሳት ካብዚኦም ኣቦ ከምዝተማህሩ ዝተፈልጠ እዩ። እዞም ታሪኾም ንገልጾ ዘሎና ኣቦና ሊቀ መዘምራን ሞገስ’ውን ካብቶም ቀዳሞት ፍረ ናይዚኦም ኣቦ እዮም። 

፫. ምምላስ ናብ ሃገሮም 

መልአከ ገነት ሞገስ ዑቁባጊዮርጊስ ነዚ ብዝርዝር ዝተገልጸ ትምህርቲ ብዝግባእ ምስ ተማህሩ፡ ከምኡ እናበሉ ካብቶም ሊቃውንቲ መምህራን ትምህርቶም ናይ ምቕጻል ድሌት እኳ እንተነበሮም ቀቅድሚ ካልኣይ ውግእ ዓለም ብ፲፱፻፳፰ ዓ.ም. (1935) ኢጣልያ ንኢትዮጵያ ወረረታ። ብ፲፱፻፳፱ ዓ.ም. (1936) ሠራዊት ኢጣልያ ኣዲስ ኣበባ ምስ ኣተወ ኸኣ ንሶም ኣብኡ ነይሮም። ኤርትራውያን ኣብርሃም ደቦጭን ሞገስ ኣስገዶምን ኣብ ልዕሊ እቲ ገዛኢ ፍሉይ ስርሒት መጥቓዕቲ ከካይዱ ከለዉን፡ ብሰንኩ ድማ ጥልያን ኣብ ልዕሊ ሕዝቢ ግፍዒ ክፍጽም ከሎ ንሶም ኣብኡ ነይሮም። ስለ ሰላምን ናጽነትን ኸኣ ምስ መምህሮም ኣለቃ አየለ ኮይኖም ብጸሎት ለይትን መዓልትን ይተግሁ ከምዝነበሩ ይፍለጥ። ኣብ ሓደ ኣዋን’ውን ጥልያን ንመምህሮም ኣብ ጊዜ ሰርክ ጸሎት ተጊሆም ክጽልዩ ምስ ረኣየ፡ ንእግዚአብሔር ትጽልዩ ዘሎኹም ንዓና ኣጥፍኣልና እናበልኩም ኢኹም ብምባል ከምዝጋፍዖም ኣብ ታሪኽ ሕይወት ናይቶም መምህር ተገሊጹ ንረኽቦ። በዝን ካልእን ኸኣ ገዛኢ ኢጣልያ ከም ኣካል ናይቲ ምልካዊ ሥርዓቱ ሕዝቢ ይጸልዉን ይቃዉሙኒን እዮም ንዝበሎም መምህራን ይኣስር ስለዝነበረ፡ ንሶም’ውን ድኅሪ ክልተ ዓመት ብ፲፱፻፴፩ ዓ.ም. (1938) ክእሰሩ ግድነት ኮነ። 

መግዛእቲ ኢጣልያ ኣብ ሃገሮም ኤርትራ’ውን እንታይ ዓይነት ግፍዕን ስቓይን ኣብ ልዕሊ ሕዝቢ የውርድ ከምዝነበረን፡ እንታይ ዓይነት ተቓውሞ ብሕዝቢ ኸኣ ይገጥሞ ከምዝነበረ ካብ ኣቦና ዝተሰወረ ነገር ኣይነበረን። ኣብቲ ዝተኣስሩሉ ቤት ማእሰርቲ’ውን እኽለ ማይ ከይጠዓሙ ብጸሎት ናብ እግዚአብሔር እናመልከቱ ድኅሪ ምጽናሕ ድኅሪ ትሽዓተ መዓልትን ትሽዓተ ለይትን ተለቂቖም። እቲ ጉባኤ’ውን ብሰንኪ እቲ ኲናት ይፍታሕ ስለዝነበረ፤ እቲ ቀጻሊ ባህጎም ኸኣ ክቕጽል ከምዘይክእል ምስ ተረድኡ ካብ መማህራኖም ቡራኬ ብምቕባል ተቓላጢፍም ሓዋርያ ሃገሮም ኮይኖም ከገልግሉ ናብ ዝፈትውዋ ዓዶም ናብ ኤርትራ ኣተዉ። 

፬. ድኅሪ ምእታዎም 

ኣቦና ሊቀ መዘምራን ኣብነት ሓዋርያት ተኸቲሎም፡ ጐይታ ኣብ መልዕልተ ደብር ስብከቱ “መብራህቲ፡ ኣብ ቤት ንዘሎ ዅሉ ኼብርህ፡ ኣብ ቀዋሚ ቐንዴል ኪሰቕልዎ እምበር፡ ኣብ ትሕቲ ኸፈር ከንብርዎ ኣየብርሁን እዮም።” ንዝበሎ ቃል መምርሒ ገይሮም ነቲ ብዙኅ ዝደኸሙሉን ከም ንህቢ ካብ ዕምባባታት ዝኾኑ ሊቃውንቲ ከርተት ኢሎም ዝቐስምዎ ትምህርቲ፤ መዓር ገይሮም ድማ ንሕዝብን ቤተ ክህነትን ክምግብዎ ናብ ሃገሮም እዮም ኣትዮም እምበር ናብ ካልእ ኣየበሉን። 

ሊቀ መዘምራን ሞገስ ገና ኣብ ጊዜ ንእስነቶም ኣብ ኸምዚ ዝጥቐስ ባሕሪ ትምህርትን ሊቅነትን ክሕምብሱ እኳ እንተኸኣሉ፡ ብኵሉ ኣካይድኦም ህዱእን ዓቢይ ልቦናን ኣተሓሳስባን ዝውንኑን እዮም ነይሮም። ንነገራት ኸኣ ኣርሒቖም ዝጥምቱ፡ ብመንፈሳዊ ትሩፋት ዘጌጹ ከምዝነበሩ ዝዝከር እዩ። ከምቲ ቅዱስ ጳውሎስ ንወዱ ጢሞቴዎስ ዝመዓዶ “ነቶም ኣመንቲ ብቓል፡ በኣከይዳ፡ ብፍቕሪ፡ ብእምነት፡ ብንጽህናውን ኣርኣያ ኹኖም እምበር፡ ነቲ ንእስነትካ ሓደ እኳ ኣይንዐቃ። ኣነ ኽሳዕ ዝመጽእ፡ ናብ ምንባብን ምምዓድን ምምሃርን ኣቕልብ። ነቲ ብትንቢትን ብምንባር ኢድ ካህናትን እተዋህበካ፡ ኣባኻ ዘሎ ውህበት ጸጋ ዕሽሽ ኣይትበሎ። እዚ ኣጸቢቕካ ሕሰብ፡ እናወሰኽካ ትኸይድ ከም ዘሎኻ፡ ኣብ ኲሉ ምእንቲ ኺግልጽሲ፡ ነዚ ነገርዚ ብምሉእ ርእስኻ ወፊ። ንርእስኻን ንትምህርትኻን ተጠንቀቕ፡ በዚ ነገርዚ ጽናዕ። እዚ እንተ ገበርካስ፡ ንርእስኻን ነቶም ዚሰምዑኻን ከተድኅን ኢኻ።” ንዝብል ቃል መሪሕ ብምግባር ተጊሆም ሃገሮምን ሕዝቦምን ከገልግሉ ዕጥቖም ብጊሓቱ ዘደልደሉ ሊቀ ማእምራን እዮም ነይሮም (ቀዳማይ ጢሞ ፬፥፲፪-፲፮)። 

ድኅሪ ናብ ሃገሮም ምምላሶም ኸኣ ብቐጥታ ናብቲ ፊደል ዝቖጸሩሉ ዓዲ ከይዶም ንቝሩብ መዓልትታት ምሂሮም። ቀጺሎምን ነቲ ዘዋህለልዎን ዝቐስምዎን ትምህርቲ ብዝግባእ ከኻፍሉሉ ናብ ዝኽእሉ ደብረ ድማኅ ገዳም አቡነ መርቆሬዎስ ብምእታው መንበር ዘርጊሖም ናይ ቅኔ ትምህርቲ ከምኡውን ኣቋቋም ብምምሃር ብዙኃን ተምሃሮ ኣፍረዩ፤ ካብቶም ፍረ ትምህርቶም ዝኾኑ ሓደ ኸኣ ብነገረ ታሪኽን ቋንቋን ባህልን ሕግን ወቦ ዘተርፈ ተጸዋዕን ኃላፊ ቅርሳ ቅርሲ ቤተ ክርስቲያን ዝነበሩ፡ እቶም ብዓል ጽቡቕ ስምን ፍልጠትን መምህር ተወልደብርሃን ዓምደመስቀል ይርከብዎም። 

ኣቦና ሊቀ መዘምራን፡ ናይቶም መምህራኖም ኣብነት ብምኽታልን ብዝነበሮም ጽምኢ ትምህርቲ ንምዕጋብ ኸኣ፡ በቲ ሓደ እናመሃሩ በቲ ኻልእ ድማ ኣበ ምኔት እቲ ገዳም ካብ ዝነበሩ መምህር ገብረእግዚአብሔር መዝገብ ቅዳሴ ተማሂሮም እዮም። 

ብድኅሪ’ዚ ኸኣ ናብ ከተማ ከረን ነቐሉ። ኣብታ ከተማ ናብ ዘላን ብማኅበር ገዳም ጻዕዳ እምባ እትምከል ደብረ ምዕራፈ ቅዱሳን ቅድስት ልደታ ቤተ ክርስቲያን ብምእታው መንበር ዘርጊሖም ጉባኤ ኣስፊሖም ቅኔ፡ ቅዳሴ ከምኡውን መጻሕፍተ ሓዲሳት ብምምሃር ደቀ መዛሙርት ከፍርዩ ጀሚሮም። ሊቀ መዘምራን ፍትሓዊን ንኵሉ ብሓደ ዓይኖም ዝርእዩን ሚዛኖም ንኵሉ ትክክልን ቅኑዕን ብምንባሩ “ብእሴ ሰላም” ወይውን ናይ ሰላም ሰብ ዝብል ቅጽል ስም ክቕጸለሎም ክኢሉ ነይሩ። 

መልአከ ገነት ሞገስ ብኸምዚ መገዲ ኸኣ ኣብ ከተማ ከረን ከይዶም ንውሑድ ዓመታት እናመሃሩ ብርክት ዝበሉ ተምሃሮ ኣፍረዩ። ኣብኡውን ዝተፈላለየ እንተላይ ዘመናዊ ትምህርቲ እግረ መገዶም የጽንዑ ምንባሮም ይጥቐስ እዩ። ብድኅሪኡ ኸኣ ናብ ከተማ ኣሥመራ መጹ። 

፭. ኣገልግሎትን ኣበርክቶን 

ጐይታ ነቶም ሠለስተ ዓመትን ሠለስተ ወርሕን ካብኡ ከይተፈልዩ ኣብ ዝወዓሎ እናወዓሉ ኣብ ዝሓደሮ እናሓደሩ ትምህርትን ምሥጢርን ብቃልን ብግብርን ንዝተማሃሩ ሓዋርያት ክፍለዮም ከሎ ኣጥቢቑ ሓደራ ካብ ዝሃቦም ቀዳማይ ነገር ‘መሃሩ’ ዝብል እዩ። ዝተጽውዑሉ ዕላማ’ውን ነቲ ሕይወት ዘለዎ ወንጌል ክሰብኩን፡ ብቃልን ብግብርን ብርሃን ኮይኖም ኣብዚ ዓለም ንዝነገሠ ጸልማት ከርሑቕን እዩ ነይሩ፤ በዚ መሠረት ኸኣ ጨው ኮይኖም ኸኣ ነዛ ኣልጫ ዓለም ከምቅሩን እዩ ተነጊርዎም። እዚ ቃል’ዚ ኣብ ሓዋርያት ደው ዝብል ወይውን ንሓዋርያት ዝተነግረ ጥራይ ዘይኮነሲ ዘመን ሰጊሩ ኣሰር ሓዋርያት ንዝሰዓቡን ንዝስዕቡን መምህራን ቤተ ክርስቲያን ዝምልከት እዩ። ጐይታ’ውን ክሳዕ ሕልቀተ ዓለም ምሳኻትኩም ኣለኹ ዝበሎ ነዚ ከረድእ እዩ። ሊቀ መዘምራን ኸኣ ሓደ ካብቶም ጨውን ብርሃንን ሃገርና እዮም። 

ገሊኣቶም መምህራን ንዝተዋህቦም መኽሊት ኣዕሚቖም ክቐብሩ፤ ምስቲ ኵሉ ትምህርቶምን ሊቅነቶምን ድማ ብቃል ይኹን ብጽሑፍ ገለ ከየፍረዩን፡ ንዓዓቶም ዝመስሉ ከይወለዱን ክሓልፉ ከለዉ፤ ኣቦና ግና ሕድሪ ጐይታ ብዝግባእ ዝፈጸሙ ቀንዴል ቤተ ክርስቲያን እዮም። ስለዚ ኸኣ ብትምህርቲ መንበር ወይውን ጉባኤ፡ ብስብከተ ወንጌል ይኹን ብመልእኽትን ጽሑፍን ኣቦና ምስቶም መኽሊቶም ዘርብሑን ዘፍረዩን ስለዝኾኑ ጽቡቕ ስምን ተመስጋኒ ግብርን ሓዲጎምልና ኣለዉ። ስለዚ እዩ ኸኣ ብኣእምሮ ፈለጥቶም ወትሩ ዝዝከሩን መጻሕፍቶም’ውን እናመስከረሎም ዝነብር ዘሎ። 

ከምዚኦም ዝኣምሰሉ ብተዛማዲ ምልኣት ፍልጠት ዝውንኑ፡ ኣብ ዘመናት ተደልዮም ዘይርከቡ ምርኡይ ኣቦታት፡ እግዚአብሔር ንቤተ ክርስቲያንና ኣብዚኁ ከንተንሥኣልና እናተማኅፀንና ንገለ ኣብነት ዝኾነና ካብቲ ዘበርከትዎ ብውሑድ መጠን ኣስዒብና ክንገልጽ ኢና። 

፭.፩ ኣብ ስብከተ ወንጌል 

እቲ ቀዳማይ ትእዛዝ ጐይታ ንደቀ መዛሙርቱ ክምህሩ ዝእዝዝ እዩ ነይሩ። ከምቲ ንሱ ኣብ ኵሉ ኣውራጃታትን ዓድታትን እስራኤል እናተዘዋወረ ሕዝቡ ዝመሃረን ወንጌል ዘበሰረን፡ ከምኡውን ምሥጢራት እናከሠተ ምሳሌታትውን እናተርጐመ ንሓዋርያት መምህራን ክኾኑ ዝገበሮም፤ ንሳቶም’ውን ኣብነት ጐይታ ወሲዶም ከምኡ ክገብሩን ክጋደሉን እዮም ክሳዕ ሰማእትነት ዝቕበሉ መዋዕሎም ኣኅሊፎሞ። ኣብ ዘመነ ሓዋርያት ናብ ሓዋርያት ዝተንጸበረ ቅዱስ ጳውሎስ በቲ ሓደ ብዙኃን መምህራን ዝኾነ ደቂ መዛሙርት እናፍረየ በቲ ካልእ ኸኣ እናተዘዋወረን ኣብ ርሑቕ ሃገራት ዑደት እናገበረ ስብከተ ወንጌል የስፍሕ ከምዝነበረ ይፍለጥ። እቲ ካብ ጐይታ ናብ ሓዋርያት ንዝበጸሐ ትእዛዝ ንኵሉ ዝምልከት ምዃኑ ክገልጽ ከሎ ብናቱ ኣብነት ከምዚ ይብል፦ “ኣነ ወንጌል እንተ ሰበኽኩ፡ ብግዲ በጺሑኒ እዩ እሞ፡ ዝምክሓሉ የብለይን። ወንጌል እንተ ዘይሰበኽኩ ግና ወይለይ።” ኣቦና ሊቀ መዘምራን’ውን ኣሰር ሓዋርያት ተኸቲሎም ነዚ ክልቲኡ ዝተጠቕሰ ኣብነት ኣማሊኦም ተረኺቦም እዮም። 

ሊቀ መዘምራን ብቀጥታ ንሶም ባዕሎም ኣብ ዝሳተፍዎ ዝነበሩ ጉባኤያት ይኹን ብማኅበሮም ኣቢሎም ካልኦት ተምሃሮኦም ይኹን መሳርሕቶም ኣብ ስብከተ ወንጌል ክዋፈሩ ዝገብሩ ኣቦ እዮም ነይሮም። ከም ኣብነት ኣብ ልማዳዊ እምነት እምበር ኣብ ኣምልኮተ እግዚአብሔር ንዘይጸንሑ ከባቢታት ደቡባዊ ምዕራብ ኤርትራ ብፍላይ ኸኣ ንሕዝብታት ኩናማ ስብከተ ወንጌል ኣብ ምስፋሕን ኣብ ምእማንን ምጥማቕን እቲ ንሶም ዝነበርዎ ማኅበር ዘበርከቶ ሓዋርያዊ ተግባር ብምሳሌ ዝጥቐስ እዩ። ኣብዚ ዕዮ’ውን ከም ብዓል ሊቀ ጉባኤ በየነ ኢያሱ ዝኣመሰሉ መሳርሕቶም ትግሃት ኣቦና ሊቀ መዘምራን ብምርኣይ ዝተጻወትዎ ተራ ልዑል ከምዝነበረ ይጥቐስ እዩ። ሊቀ መዘምራን ስብከተ ወንጌል ኣብ ሃገርና ንምስፋሕ መደባት ይሕንጽጹን የተግብሩን ከምዝነበሩ ኸኣ መቕርብቶም ዝነበሩ ዝምስክርዎ እዩ ነይሩ። ኣቦና ኣብ ዓውደ ምሕረት ይኹን ቤተ ክርስቲያን ኣብ ዝሠርዓቶም ዓበይቲ ጉባኤያት ተረኺቦም ነቲ ሕዝበ ክርስቲያን ዘዕግብ ትምህርቲ ንምሃብ ዘይስልክዩ፤ ወትሩ ብቃለ እግዚአብሔር ምዝርራብ ዝፈትዉ ዕንቍ ቤተ ክርስቲያን እዮም ነይሮም። ነገራት ብመንጽር ቃለ እግዚአብሔር ምምርማር ዝፈትዉ፤ መበገሲኦምን መዕለቢኦምን ቃለ እግዚአብሔርን መጻሕፍትን ዝገብሩ ኣቦ እዮም ነይሮም። ብሊቅነቶም ከይተመክሑ፡ በቲ ዝነበሮም ፍሉይ ተዋህቦን ልዙብ ልሳንን ነቲ ዝሰምዖም ዝነበረ ሕዝቢ መጠን ፍልጠቱ ገሚግሞም በቲ ክወሃቦ ዝግባእ ዓቐንን ብዝርድኦ ኣገባብን የቕርቡሉ ስለዝነበሩ ብትምህርቶም ዘይዓግብ ኣይነበረን። 

እቲ በቲ ጊዜ ዝነበረ ቤተ ክህነት ይኹን ሕዝቢ ነቲ ዝወሃብ ትምህርቲ ከም ጸቃውዕ እናመቀሮ ይምገቦን እናሓደረ ድማ ይብህጎን ስለዝነበረ ትምህርቶም ኣብ መዝገብ ልቡ ሰፊሩ ኣብ ኣእምሮኡ ኃዲሩ ይነብር ነበረ። ክሳብ ሎሚ’ውን ትምህርቲ ሊቀ መዘምራን ዘኪሮም ዝዛረቡ ዓበይቲ ካህናትን ምእመናን እቲ ኣቦና ዝዘርኡሎም ዘርኢ ቃለ እግዚአብሔር ክሳብ ክንደይ ብፍቕሪ ዝተሓንጸ ምንባሩ ዘረድእ እዩ። እዚ ኸኣ ሓደ ካብቲ ዝነበሮም ጸጋ ተባሂሉ ክጥቐስ ይከኣል። 

በቲ ዝተማህርዎን ዝነበሮም ዝተፈላለየ ሞያን (ቅኔ፡ ኣቋቋም፡ ሓዲሳት፡ ባሕረ ሓሳብ፡ ቅዳሴ ወቦዘ) መንበር ተኺሎም ተምሃሮ ኣብ ምምሃር’ን ሊቃውንቲ ኣብ ምፍራይ’ውን ዝገብርዎ ኣበርክቶ ብቀሊሉ ዝረአ ኣይነበረን። ንኸምዚ ድማ ኣብነት ዝኾኑ ብዙኃን መምህራን ኣፍርዮም እዮም። ብቃል ጥራይ ዘይኮነሲ ብግብር’ውን ኣብነታዊ ስለዝነበሩ ብዙኃን መምህራንን ካህናትን በቲ ሰናይ ተግባሮምን ትኅትንኦምን ትግሃቶምን ፍልጠቶምን እናተመሰጡ ንመንፈሳዊ ተግባራት ይነቃቕሑ ከምዝነበሩ ዝተፈልጠ እዩ። 

ብሓፈሻ ኣቦና ቃለ እግዚአብሔር ክምእርሩ ዓዶም ገዲፎም ኣሽሓት ኪሎሜትራት ተጓዒዞም፡ ካብ ዝተፈላለዩ ዓበይቲ ሊቃውንቲ ቃለ እግዚአብሔር ተመጊቦምን ደልዲሎምን። ነቲ ዝተማህርዎ ኸኣ ብዝተፈላለየ መልክዕን ነቲ ዘመን እናዓደጉ ብዝግባእ ስብከተ ወንጌል ዘስፍሑ ኣብነታዊ ኣቦ ምንባሮም ይፍለጥ።

                                                                                                                            ይቕጽል...

No comments:

Post a Comment