Saturday, July 23, 2011

ሓጺር ታሪኽ ሕይወትን ኣበርክቶን ሊቀ መዘምራን ሞገስ ዑቁባጊዮርጊስ

(ካልኣይ ክፋል)
፭.፪ ኣብ ሥነ ጽሑፍ 
ሓዋርያት ትምህርትን ትእዛዝን ተቐቢሎም ስብከተ ወንጌል ካብ ዘስፍሑሉ ሓደ ጽሑፋዊ መልእኽትን መጻሕፍቲ ምጽሓፍን እዩ ነይሩ። በዚ መሠረት ኸኣ እቲ ብቃል ዝተነግረ ብጽሑፍ ስለዝተመሓላለፈ ዘመናት ሰጊሩ ንወለዶታት ክሳብ ፍጻሜ ዓለም ክምህርን ክግስጽን፡ ከለብምን መምርሒ ኮይኑ ከገልግልን ይርከብ ኣሎ። እቲ ቃለ እግዚአብሔር ብጽሑፍ እንተዘይበጽሓና ነይሩ እንታይ ምኾንና ነይርና? እግዚአብሔር ይፈልጥ። 

ሓዋርያት ግና ኣብ ቀረባ ንዘሎ ብቃል፡ ኣብ ርሑቕ ንዘሎ ኸኣ ብጽሑፍ እናገበሩ ነቲ ቃል እግዚአብሔር ኣብ ኵሉ ከም ዝባጻሕ ይገብርዎ ነይሮም። ነቶም ምእመናን’ውን ብጽሑፍ ገይሮም ሕቶኦም ይመልሱን፡ የጸናንዑን፡ ዝያዳ ድማ ምሥጢርን ትምህርትን ሥርዓትን መምርሒን ይገልጹሎምን ይምህርዎምን ንዝጐደለ ኸኣ ይምልኡሎም ነበሩ። ብድኅሪኦም ዝተንሥኡ ሓዋርያነ አበው ይኹኑ ሊቃውንቲ ኸኣ ነቲ ዝሓጸረ ንባብ ብምንዋሕ፡ ንዝዓሞቐ ምሥጢር ብምፍታሕ፡ ወቦ ዘተርፈ ዝተፈላለየ ንምእመናንን ንቤተ ክርስቲያንን ዝጠቕም ጽሑፋት ጽሒፎም ኣለዉ። በብጊዜኡ ዝተንሥኡ ሊቃውንቲ ቤተ ክርስቲያን ኸኣ መምስ ዘመኑ ንዝለዓሉ ሕቶታትን ኑፋቄያትን መልሲ ዝኸውን መጻሕፍቲ እናዳለዉ ምእመናን ሃይማኖቶም ሥርዓት ቤተ ክርስቲያኖም ከጽንዑ ዓቢይ ግደ ነይርዎም። እዚ ኸኣ ንቅዱስ መጽሓፍ መሠረት ዝገበረን ናይ ሓዋርያት ኣብነት ዝተኸተለን እዩ። ስለዚ ኸኣ እዩ ቤተ ክርስቲያን ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ ዘይተዘናበለ ጽኑዕ ትምህርትን ሥርዓትን ክህልዋ መገዲ ዝጸረገላ። ኣቦና’ውን ባዕሎም ከምዝገለጽዎ “ብመሠረቱ ብሉይ ኪዳን ንባብ፡ ሓዲስ ኪዳን ምሥጢር፡ መጻሕፍተ ሊቃውንት ኸኣ ትርጓሜ እዮም። ኮይኑ ድማ ናይ ብሉይ ኪዳን ንባብ ምሳሌ፡ ናይ ሓዲስ ኪዳን ንባብ ትርጓሜ፡ ናይ መጻሕፍተ ሊቃውንት ንባብ ኸኣ ናይ ምሥጢር መፍትሕን መብርሂን እዮም” ኢሎም ነይሮም። በዚ መሠረት ኸኣ ኣቦና ሊቀ መዘምራን ሞገስ’ውን ነዚ ናይ ኣቦታት ሓዋርያትን ዝቐደሙ ኣበው ኣብነትን ብግብሪ ዝሰዓቡ ኤርትራዊ ማኅቶት እዮም። 

እቲ ናይ ኣቦና ጽሑፋዊ ኣበርክቶ ነቲ ዝነበሩሉ ዘመን ዝዓደገን፡ ነቲ ጊዜ ብዝግባእ ዝተረደአን ጥራይ ዘይኮነስ ኪኖኡ ነቲ ዘሎናሉ ዳኅረዋይ ዘመን እምብዛ ዘገልግል ኮይኑ ዝርከብ እዩ። እቲ ኣገልግሎቶምን ኣተኵሮ ጽሑፎም ኣዝዩ ዝተፈላለየ ኣብ ርእሲ ምንባሩ ኸኣ ብዙኅ ጐድናዊ ተባሂሉ’ውን ክጥቐስ ዝኽእል እዩ። ኣቀራርብኡ’ውን ገሊኡ ኣብ ጋዜጣዊ፡ ገሊኡ መጻሕፍቲ፡ ገሊኡ ኸኣ ኣብ ሓጸርቲ ጽሑፋት ክኸውን ከሎ፡ ገሊኡ ኸኣ ንጽሑፋት ካልኦት ኣብ ምእራምን ምድላውን ወቦ ዘተርፈ ዘጠቓልል እዩ ነይሩ። 

፭.፪.፩ ቤት ማኅተም 
ኣቦና ሊቀ መዘምራን ብዘይካ ውልቃዊ ኣበርክቶኦም፡ ኣብ ማኅበረ ሓዋርያት ተሓቚፎም ንመንፈሳዊ ኣገልግሎት ይኹን ካልእ ሥነ ጽሑፋዊ ሥርሓት ዓቢይ ኣበርክቶ ኣብ ዝገበረ ቤተ ማኅተም ኮከበ ጽባሕ ካብ ምቛሙ ኣትሒዞም ክሳብ ብፍሪኡ ጽቡቕ ስም ዘጥረየሉን ተቐባልነቱ ዝዓዘዘሉን ደረጃ ካብ ዝበጽሕዎ ኣቦታት ብቀዳምነት ዝተዋስኡ ኣቦ እዮም። ቤተ ክርስቲያን ናታ ቤት ማኅተም ክትውንን ብዝግባእ ክትጥቀመሉ ምኽኣልን፡ ኣብ ትንሣኤን ዕብየትን ሓዋርያዊ ተልእኾ ቤተ ክርስቲያን ዘለዎ ኣገዳስነት ብምርዳእ ነቲ ሓሳብ ካብ ምንቃልን፡ ትግባሪኡ ክሳብ ምውዳድን ምፍጻምን ዝዓየዩ ኣቦታት ክሳብ ክንደይ ለባማትን ኣርሒቖም ዝጥምቱ ከምዝነበሩ ኣጒሊሑ ዘርእይ እዩ። (ናይዚኦም ኣቦታት ተበግሶን ዓበይቲ ፍረታቶምን ነዚ ሕጂ ወለዶ ዝምህሮን ዝህቦ ኣብነትን እምብዛ ብዙኅ ስለዝኾነ እግዚአብሔር ብዝፈቐደ ካልእ ጊዜ ክንምለሶ ኢና።) ዕብየት ቤተ ክርስቲያንና ዘየደልዩ ናይ ‘እምነት ትካላት’ ምስቲ ገዛኢ ዝነበረ ሥርዓት ጥልያን ብምምስጣር ነቲ ሥራሕ ንምዕንቃፍ (ነቲ መኅተሚ መሣርሒ ካብ ወጻኢ ከየምጽኡን ዘድሊ ነገራት ከይሽየጡሎምን) ተንኮል እኳ ፍሒሶም እንተነበሩ እቶም ኣቦታት ግና ብዝረቀቐ ጥበብ ነቲ ሸርሒ ከምዝሰገርዎ ብቐረባ ነቲ ታሪኽ ዝፈልጥዎ ዘዘንትዉዎ እዩ። ሎሚ’ውን እቲ ተንኮል ተሪፉ ማለት ድማ ኣይኮነን። 

ሊቀ መዘምራንን እቶም ኣቦታትን ምስቲ ኵሉ ምትብባዕን፡ ቀረብን ምዕባለን ሎሚ እኳ ክድገም ዘይንርእዮ (ክድገምሲ ይትረፍ እቶም ዝቐደሙ ዘጽንሑዎ እኳ ክዕቀብ ዘይተኻእለ) ኵሉ ዓቢይ ሥራሕ፡ ብዘይ ዝኾነ ረብሓ ዝዓዩ ዝነበሩ ስለ ርቱዕ ሃይማኖቶም ዝነበሮም ፍቕርን ቅንዓትን ዝምስክር እዩ ነይሩ፤ ምስኡ ኸኣ ብጽሑፍ ክስራሕ ዝኽእል ዓቢይ ሓዋርያዊ ተልእኾ ብዝግባእ ይርድእዎ ስለዝነበረ እዩ። ቤት ማኅተም ወይውን ንዕኡ ዝምልከት ሕንፃ ምቋምውን ጥራይ ኣኻሊ ዘይኮነሲ፡ እቲ ግቡእ ኣገልግሎቱ ክህብ ምግባር’ውን ልዕሊ ኵሉ ኣገዳሲ ነገር ስለዝነበረ ነዚ ዓቢይ ዕዮ ብቀዳምነት ኣብ ልዕሊ ሊቀ መዘምራን ዝወደቐን ትውክልቱ ዝገበረን እዩ ነይሩ። 

ብጽፈት ማኅተሙ ድዩ ትሕዝቶኡ ልዑል ዝነበረን፡ ክብርን ኣድናቖትን ዝረኸበ ገዲም ቤት ማኅተም ኮከበ ጽባሕ፤ ነቲ ዝነበሮ ልዑል ስምን ተኣማንነትን ኣብ ኤርትራ ጥራይ ዘይኮነሲ ኣብ ምሉእ ኢትዮጵያን ካብኡ ሓሊፉ’ውን ተጠቕምቱ ኣብ ዝርከቡሉ ምሉእ ዓለም ክረክብ ዝኸኣለ ብቀንዱ ነቲ ጉባኤ መጻሕፍቲ ናይቲ ቤት ማኅተም ሊቀ መዝምራን ሞገስ ዝመርሕዎ ብምንባሮም እዩ። ኣብቲ ቤት ማኅተም ዝኅተሙ ዝነበሩ መጻሕፍቲ ይኹን ጋዜጣታትን ካልኦት ጽሑፋትን ዳርጋ ኵሎም ዓይንን ኢድን እዞም ሊቅ ዝኃለፎም እዮም። 

ኣብቲ ማኅተም ኸኣ ኣዝዮም ብርክት ዝበሉ መንፈሳውያን ይኹን ካልኦት መጻሕፍቲ ይኅተሙ ከምዝነበሩ ይፍለጥ። በቶም ሊቃውንቲ ሃገርና ጥራይ ዘይኮነሲ በቲ ጽፈት ማኅተምን መርመርቱ ሊቃውንትን ተመሲጦም ካብ ማእከል ኢትዮጵያ ናብዚ ቤት ማኅተም ክኅተመሎም መጻሕፍቶም ዝሰዱ ሊቃውንትን ዓለማውያን ጸሓፍትን ብዙኃን ከምዝነበሩ ስም እቲ ቤት ማኅተም ዝተኸትበሎም መጻሕፍቲ መሰኻኽር እዮም። 

ኣብ ማእከል ኣዲስ ኣበባ’ውን (ኢትዮጵያ) እዚ ቤት ማኅተም ዝውንኖ፡ ክሳብ ቐረባ እዋናት መከፋፈሊ ድኳን ከምዝነበሮ ዝተፈልጠ ኮይኑ ካብ ምሉእ ኢትዮጵያ ብዝኂ ዓደግትን ልዑል ጠለብን ከምዝነበሮ ዝፍለጥ እዩ። እዚ ከኣ እቶም በቲ ቤት ማኅተም ዝኅተሙ መጻሕፍቲ ኣዝዮም ንጹራት፤ እሩማት፤ ርቱዓትን ብምንባሮም ብሊቃውንትን ብተምሃሮን ከምኡውን ብምእመናን ተጠቐምቱ ኣኅዲርዎ ዝነበረ ጽኑዕ እምነት ዘርእይ እዩ። ‘መን ከም ማኅበረ ሓዋርያት’ ‘ዳዊት ማኅበረ ሓዋርያት’ ወይውን ‘ናይ ኣሥመራ ዳዊት’ ወቦ ዘተርፈ እናተባህለ ብኣድናቖት ይንገረሉ ከምዝነበረ ኸኣ ብቀረባ ዝፈልጥዎ ዝዛረቡሉ እዩ። እቲ በዚ ቤት ማኅተም ብእሩም መልክዕ ዝተዳለወን ዝተኃትመን ብሉያትን ሓዲሳትን ናይ ምሉእ ኢትዮጵያ መወከሲ ኮይኑ ክሳብ ሕጂ የገልግል ከምዝነበረ ይፍለጥ። እዚ ኸኣ ኣካየድቲ እዚ ቤት ማኅተም፡ ነቲ ቤተ ክርስቲያንና ብኵሉ ትምህርታን ሥርዓታን ብናይ ቃልን ዜማን ትምህርቲ ይኹን ብጽሑፍ (ብራና) ብዘይመንቅብ ከምቲ ዝነበሮ እናተወራረሰ ክቕጽል ኣቦታት ብጥንቓቐን ብተገዳስነትን ንዝጸንሕዎ ዓቃባዊ ዝኾነ ክቡር ባህሊ ብዝግባእ ኣብቲ ዘመናዊ መልክዑውን ክቕጽል ዝገበርዎ ምዃኖም ዘመሳኽር እዩ። 

ብሓፈሻ ሓደ ሰብ ዘድንቕ ሕንፃ ርእዩ ነቲ ዝሃንደሶን ዝሓነጾን ከምዘድንቕ፤ ስም ቤት ማኅተም ኮከበ ጽባሕ ገኒኑ ክስማዕ ከሎ ብድኅሪኡ ሊቀ መዘምራን ብቀዳምነት ከምዝነበሩ ምስትውዓሉ እኹል ኮይኑ ይስምዓና። 

፭.፪.፪ ድርሰታዊ ወይውን ሓደሽቲ መጻሕፍቲ 
ሊቀ መዘምራን ሞገስ ብዝነበሮም ናይ ጽሑፍ ጸጋ ኣብ ዝተፈላለየ እዋን ኣብ ዝተፈላለየ ኣርእስቲ ዝጸሓፍዎም መጻሕፍቲ ብርክት ዝበሉ እዮም ነይሮም። ኣብ ኵሉ ዝሳተፍዎ ብዝነበረ ስብከተ ወንጌልን ካልእ ምምሕዳራዊ ዕዮታትን ከምኡውን ማኅበራዊ ጕዳያትን ከይተደረቱን ከይተኣስሩን ነቲ ብዙኅ ድኻምን ምድላውን ዘድልዮ ምስንዳው መጻሕፍቲ ብትግሃት ይሰርሑሉ ከምዝነበሩ ይፍለጥ። 

ኣቦና ኣብ መዳይ ሥነ ጽሑፋዊ ኣገልግሎት ኣብ ምእራምን ምድላውን መጻሕፍቲ ከይተወሰኑ ንቤተ ክህነት ይኹን ንሕዝበ ክርስቲያን ዝጠቕም በብእዋኑ ዝተፈላለየ ጊዜኡ ዘመዛዘነ ትምህርታዊ ጽሑፋት ኣዳልዮም ንምዝርጋሕ ወትሩ ትጉህ ከምዝነበሩ ይፍለጥ። ገለ ኣብቲ ናቶም ስራሕ ምርምር ዘካየዱ ሰባት ኣቦና ዘኅተምዎምን ዝዘርግሕዎን መጻሕፍቲ ፲ተ ከምዝበጽሕን፡ ኣዳልዮሞ ወይውን የዳልዉዎ ዝነበሩ መጻሕፍቲ ኸኣ ፳፩ መጻሕፍቲ ይበጽሕ ከምዝነበረ ይግለጽ። 

ዝርዝር መጻሕፍቶም ብዝምልከት ገለ ካብ ምርምራዊ ጽሑፋት ዝረኸብናዮ ኸኣ መወከሲ ክኾነና ስዒብና ኣቕሪብናዮ ኣሎና። 

መልአከ ገነት ሞገስ ዕቍባጊዮርጊስ ተዳሊዮም ዝተኃትሙ 
  1. መክሥተ ልሳን ዘሕጻናት 
  2. አንጋረ ፈላስፋ (ብ፲፱፻፺፫ ዓ.ም. ብኣማርኛ ሕጂ ፳፻፫ ዓ.ም. ተተርጒሙ ብትግርኛ ዝተኃትመ ) 
  3. ሰዓታት ምስለ ባሕረ ሓሳብ (፲፱፻፷፱ ዓ.ም. ብግእዝ ክሳብ ሕጂ ብተደጋጋሚ ዝኅተም ዘሎ) 
  4. ሥነ ፍጥረት ምስለ ፭ቱ አዕማደ ምሥጢር (፲፱፻፶፯ ዓ.ም. ኣምሓርኛ) 
  5. መድበል ዘማኅሌት አምኃ ሰላም ( ፲፱፻፷ ዓ.ም. ብግእዝ) 
  6. ጥንታዊ ምሳሌ (ብትግርኛ) 
  7. ጥንታዊ ምሳሌ (ብኣምሓርኛ) 
  8. መዝገበ ቃላት (ብኣምሓርኛ) 
  9. መርሐ ጽድቅ ባህለ ሃይማኖት (፲፱፻፷፱ ዓ.ም. ብኣምሓርኛ) (ኣብ ፲፱፻፹፰ ዓ.ም. ግና ናይ ኣቦና ሊቀ መዘምራን ስምን ሥዕልን ኣውጺኦም ናይ አቡን ጳውሎስ ብምእታው ዳግማይ ኣብ ኢትዮጵያ ከምዝኅተም ዝተገብረሉ ኣካይዳ ሕጋዊነት ዝጐደሎን ዝምታ ተባሂሉ’ውን ክግለጽ ዝከኣል እዩ።) 
  10. ባሕረ ሓሳብ ብሓጺር መንገዲ (ኣምሓርኛ) 

ክኅተሙ ዘለዎም ዘዳለዉዎም መጻሕፍቲ ተርታ ኣስማት 
  1. ይሻላል 
  2. ጸሎት በእንተ መፍትሔ ሕማማት ወሰዳዴ ኣጋንንት 
  3. መጽሐፈ ፊሳልጎስ ፈላስፋ (ብኣምሓርኛ) 
  4. ተስእሎተ አንጥያኮስ ውስጣዌ አትናሲስ 
  5. ተስእሎተ አንጥያኮስ ውስጣዌ አትናሲስ - ይሻላል 
  6. ተአምረ ማርያም (490 ገጻት ዝሓዘ) 
  7. መጽሓፈ ጸሎት ዘእመዝሙረ ዳዊት ወነቢያት 
  8. መጽሓፈ ትግርኛ መዝገበ ቃላት ትግርኛ (ብትግርኛ) 
  9. ቅኔታት ብግእዝ በብቤቱ 
  10. ጊዮርጊስ ወልደ አሚድ ብሓፂር (ብግእዝ) 
  11. ተስእሎተ አንጥያኮስ (ብግእዝ) 
  12. ተስእሎተ ጎርጎርዮስ ባስልዮስ አኅዋት እስከ ማእዜኑ ገድለ አባ ኑባስ መቃቢስ 
  13. ፊሳልጎስ (ብግእዝ) 
  14. መጽሓፈ “ተዘክሮተ ሞት” (ብኣምሓርኛ) 
  15. ፍካሬ ኢየሱስ (ብኣምሓርኛ) 
  16. መጽሓፈ ግሥ (በብፊደሉ ግእዝን ኣምሓርኛን መዝገበ ቃላት መስ ምስክሩ ብክንደይ ከም ዚፍታሕን ካብ መጻሕፍትን) 
  17. ሓፂር ጸሎት ብትግርኛ ናይ ፯ተ ጊዜያት አቡነ ዘበሰማያት መደምደምታኡ 
  18. ሓፂር ጸሎት ብኣማርኛ ናይ ፯ተ ጊዜያት አቡነ ዘበሰማያት መደምደምታኡ (ብቅርጺ ንእሽቶ ካላንደር) 
  19. ግጻዌ ምስ ሰዓታት እትለግብ ምስ ስብከትን ናይ ዓመት 
  20. ዛንታ ኣቦታትን ምሳሌታትን (ብትግርኛ) 
  21. ኣስተዳደግ (ኣተዓባብያ) (ብኣምሓርኛ) እዮም። 
መጻሕፍቶምን ትሕዝቶኦምን ጊዜኦም ኣብ ግምት ዘእተዉን፡ ስግር’ውን ዝኸዱ ንቤተ ክርስቲያንን ምእመናንን ኣዝዮም ኣገደስቲ ምንባሮምን ምዃኖምን ድማ እሙን ነገር እዩ። እቲ ዘሕዝን ነዞም መጻሕፍቲ ካብ ዘለዉዎ ፈቲሹ፤ ዳግማይ ሕይወት ኣልቢሱ፡ ኣብ ኢድ ተጠቐምቱ ዘብጽሖም ኣካል ብግብሪ ክንርኢ ዛጊት ዘይምኽኣልና እዩ። በዚ ኣጋጣሚ ኸኣ ብስድርኦም ዝውሰድ ዘሎ ተበግሶ ዝንኣድ እዩ እሞ ክቕጽልዎ ንላቦ።

ኣርእስቲ መጻሕፍቶም ኸኣ ኣብ ዝተፈላለየ ክፍሊን ዓውደ ትምህርትን ዝምደብ ኮይኑ ኢና እንረኽቦ። ብሓፈሻ ግና እቶም መጻሕፍቲ ብሠለስተ ቋንቋታት (ግእዝ፡ ትግርኛ፡ ኣምሓርኛ) እተጻሕፉ ኮይኖም ኣብ ነገረ ሃይማኖት፡ ኣብ ነገረ ፍልስፍና፡ ኣብ ነገረ ምርምር፡ ኣብ ነገረ ታሪኽ፡ ኣብ ነገረ ቋንቋን ባህልን ኢልና ክንኸፍሎም ንኽእል ኢና። ይኹን እምበር ትሕዝቶኦም ኣዝዩ ዝተፈላለየን ብደቂቑ እንተርኢናዮ ነፍስ ወከፍ መጽሓፍ ነናቱ ዝውክሎ ኣርእስቲ ከምዘለዎ ከነስተውዕል ንኽእል ኢና። ንኣብነት ኣብ ነገረ ሃይማኖት ኢልና ጠቕሊልናዮ ዘሎና ኣርእስቲ ኣብ ውሽጡ ናይ ጸሎት፡ ትምህርተ ሃይማኖት፡ ባሕረ ሓሳብ፡ ማዕዳን ስብከትን፡ ሥነ ፍጥረት፡ ነገረ ምጽኣት ወዘተ ኣብ ዝብሉ ኣርእስታት ኣተኲሩ ዝተጻሕፈ እዩ። 

ዓይነት ኣርእስቲ ናይዚ መጻሕፍቲ በብወገኑ ዝተፈላለየ ምዃኑ ጥራይ ዘይኮነሲ ነፍስ ወከፍ መጽሓፍ ንምድላዉ ሰፊሕ መጽናዕትን ዳህሰሳን ምውካስን ግድን ዘድልዮ ስራሕ ምንባሩ እዩ እቲ ዘድንቕ። ኣብ ኣጸሓሕፍኦም’ውን ንዝነበሮም ሊቃዊ ምልከትን ክእለትን ስለእተጠቕሙሉ፡ ጽሑፋቶም ብዝምስጥን መስርዑ ብዝሓለወ ኣገባብን ተጻሒፉ ስለ እንረኽቦ፡ ነቲ ክእለቶም ዝያዳ ደሚቑ ክረአ ኣኺእልዎ እዩ። ካብኡ ንላዕሊ ድማ ጽሑፋቶም ብስለት ዝተመልኡን፡ ሊቅነቶምን ሰፊሕ ፍልጠቶምን ከም ጨው ዘመቀሮም ምዃኖም እዮም ንመጻሕፍቶም ክሳብ ሕጂ እዋን ተጠለብትን ተደልይትን ዝገብሮም። 

ብሓፈሻ ነፍስ ወከፍ መጽሓፋዊ ሥርሓቶም ከም ሓደ ዓውዲ ትምህርቲ ኣብ ቤተ ክርስቲያን፡ እቲ ዘሎን ዝመጽእን ወለዶ እንተላይ ብደረጃ መንፈሳዊ ኮሌጅ ብዝግባእ ከጽንዖን ክመሃሮን ዝግባእ እዩ። ተበጊስናሉ ዘሎና ጽሑፍ ግና ንሱ ስለዘይኮነ ኣብዚ ክንሰግሮ ኢና። 

ኣብቲ ላዕሊ ክሳብ ሠላሳን ሓደን መጻሕፍቲ ዘርዚርናዮ ዘሎና፡ ሊቀ መዘምራን ሞገስ ብውልቆም ንዘዳለዉዎን ዘሰናደውዎን ሓደሽቲ መጻሕፍቲ ኢና ጠቒስና እምበር ኣብ ምእራምን ኣብ ምድላውን ዓበይቲ ካልኦት መጻሕፍቲ ዝሰርሕዎን፡ ንሶም ብዘማእከልዎ መገዲ ዘኅተምዎን ብዙኅ ከምዘሎ ዘንጊዕና ኣይኮነን። 

                                                                                                                             ይቕጽል...

1 comment:

  1. Egziabher Amlak abotatna zetemsegene yekun, kemziom nezameselu besem ember tarikom zeynfleto abotatna melalykum xubuk serah teserhu kemzelkum bewegeney kergagxelkum efetu, bertu,

    Amlak abotatna yehagezkum

    kexelwo dema, jemirkum aytekuarxu, akmi zelena nehagezom, zeybelena dema neberataeyom, sek aynebel

    hawkum kab Dubai

    ReplyDelete