Tuesday, July 26, 2011

ቅዱስ ዑራኤል መልኣኽ

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን። 

ብተራዳኢነቱ ዝተፈልጠን ዝኸበረን ቅዱስ ዑራኤል፡ ሎሚ ዓመት መጸ ቤተ ክርስቲያን ብድሙቕ ኣገባብን ብዝግባእ ሥርዓትን ካብ እትኽብረሉን እትዝክረሉን መዓልቲ እቲ ሓደ እዩ፡ ፳፩ ሓምለ። ምኽንያት በዓል ከኣ ብፍላይ እዚ ቅዱስ መልኣኽ’ዚ ንናይ እግዚአብሔር ሰብ ዕዝራ ጽዋዕ እሳት (ልቦና) ዘስተየሉ መዓልቲ ብምዃኑ እዩ። 

ንበረኸት ክኾነና ብዛዕባ ቅዱስ ዑራኤል ቅሩብ ካብቲ ድርሳኑ እናጠቐስና ክንመሃር። በረኸቱን ረድኤቱን ኣብ ኵልና ሕዝበ ክርስቲያን ይኹን። 

ስም መልኣኽ 
ዑራኤል ማለት ‘እግዚአብሔር ብርሃነይ እዩ’ ማለት እዩ። ኣብ ገለ ጽሑፋት ኸኣ ሱርያል ብዝብል ስም ዝፍለጥ መልኣኽ’ውን ባዕሉ ቅዱስ ዑራኤል ምዃኑ ይገልጹ። ሱርያል ማለት ኸኣ ‘ትእዛዝ እግዚአብሔር’ ማለት እዩ። ስም ቅዱስ ዑራኤል ብብዝኂ ኣብ ቅዱስ መጽሓፍ ዝርከበሉ ስፍራ ኣብ መጽሓፈ ዕዝራ ሱቱኤል ክኸውን ከሎ ቀጺሉ ኸኣ ኣብ መጽሓፈ ሄኖክ እዩ። እዚ መልኣኽ እዚ መጋቤ ብርሃናት፡ መልአከ ፈውስ (ምሕረት)፡ መልኣከ ሰላም፡ መልአከ ድኅነት፡ መልአከ ሰዳዴ አጋንንት ወቦ ዘተርፈ ተባሂሉ’ውን ይፍለጥ። 

መጋቤ ብርሃናት 
ብእግዚአብሔር ጐይታ ሠራዊት ንዝተዋህቦ ሲመት መሠረት ብምግባር፡ ቅድስት ቤተ ክርስቲያና’ውን ነዚ ልዑለ ክብር ዝኾነ መልኣኽ መጋቤ ብርሃናት ኢላ ትጽውዖ። እዚ ኸኣ ኣብ ልዕሊ መገብቲ ብርሃን ዝኾኑ ፍጥረታት ማለት ፀሓይ፡ ወርኂ፡ ከዋክብት እግዚአብሔር ስለዝሾሞን ሓላፍነት ስለዝሃቦን እዩ። ምስክርና ኸኣ እቲ ብዙኅ ሰማያዊ ምሥጢርን ሥርዓቱን ዝገልጽ ክቡር መጽሓፍ፡ መጽሓፈ ሄኖክ እዩ። ነዚ ምሥጢር ዝረኣየን ዝጸሓፈን ድማ እቲ ኣካይድኡ ኵሉ ምስ እግዚአብሔር ዝገበረን፡ ኣብ ልዕሊ ኣዳምን ደቁን ዝተኣወጀ ሞት ከየርከቦን ከይጠዓመን እግዚአብሔር ዝወሰዶ ጻድቕ ሄኖክ እዩ (ዘፍ ፭፥፳፫ ዕብ ፲፩፥፭) ከምዚ ኸኣ ይብል፦ “…ናይ ዘለዓለም ምስጋና ዘለዎ ጐይታ ኣብ ልዕሊ ኵሉ ብርሃናት ሰማይ ዝሾሞ መልኣኽ ዑራኤል ነዚ ኵሉ ኣርኣየኒ። (ሄኖ ፳፬፥፮) ደጊሙ ኸኣ ናይ ፀሓይን ወርኅን ስያመታትን ሥርዓቶምን ኣብ ዝገለጸሉ ክፋል “ብርሃን ብወርኂ ኣብ ዝተሠዓለሉ እዋን ዑራኤል መልኣኽ ካልእ ሥርዓት ኣርኣየኒ” ይብል” 

ጻድቕ ሄኖክ ንምስጋና እግዚአብሔር ትጉሃትን ኽቡራት መላእኽቲ እዚኦም እዮም ኢሉ ስማት ቅዱሳን መላእኽቲ፡ ብእግዚአብሔር ዝተቐበልዎ ሓላፍነትን ዝተዋህቦም ሲመትን ኣብ ዝገለጸሉ ክፋል መጽሓፉ ቀዳማይ ዝጠቐሶ ንቅዱስ ዑራኤል እዩ። ንሱ ኸኣ ኣብ ልዕሊ ካልኦት ኣካላት ብርሃን ዝኾኑ ነጐዳን በርቅን ዝተሾመ መልኣኽ ቅዱስ ዑራኤል ምዃኑ ዝገለጸሉ እዩ “ካብቶም ዝኸበሩ መላእኽቲ እቲ ሓደ ዑራኤል ኣብ ልዕሊ ብርቅን ነጐዳን ዝተሾመ እዩ” (ሄኖ ፮፥፪) ይብል። 

በዚ ኸኣ ቅዱስ ዑራኤል ምስቶም ካልኦት ቅዱሳን መላእኽቲ ብትግሃት ንእግዚአብሔር ምምስጋን ጥራይ ዘይኮነስ መራሔ ብርሃናት ኮይኑ ኣብ ልዕሊ ብርሃናት ዝተሾመ መጋቤ ብርሃናት ምዃኑ ንርድኣሉ እዩ። 

ጥቅመ ሰናዖር 
ደቂ ናምሩድ ዓዲ ክሥርቱ ብሓባር ይጓዓዙ ኣብ ዝነበሩሉ ኣብ ሰናዖር ምስ በጽሑ ሓደ ምኽሪ ገበሩ። ተማኺሮም ኸኣ ኣብ ምድሪ ተበታቲኖም ከይተርፉ፡ ስሞም ዘጽውዑሉን ንእግዚአብሔር ዝፍትኑሉን ኣብቲ ጐላጉል ብጡብ እናገበሩ ዓቢይ መንደቕ ህንጻ ክሃንጹ ጀመሩ። ቅዱስ መጽሓፍ ኣስፊሑ ከምዝነገረና ኸኣ ኣጋዕዝተ ዓለም ሥላሴ ሓሳብን ግብርን እዞም ሰብ ባቢሎን ምስ ረኣዩ “ንዑ ንረድ” ተባሃሂሎም ቋንቋታቶም ሓዋወስዎ። እቶም ነደቕት’ውን ክረዳድኡ ስለዘይከኣሉ ክበታተኑን በብዓዱ ፋሕ ክብሉን ተገዲዶም እዮም።(ዘፍጥ ፲፩) ክፋል ናይዚ መጽሓፍ ዝኾነ መጽሓፈ ኩፋሌ ኸኣ ነዚ ታሪኽ ብኸምዚ ዝስዕብ መሊኡ ይገልጽ። ድኅሪ እዞም ሕዝቢ ምስምማዕ ምስኣበዩን ኣብ ሞንጎኦም ሥምረት ስኢኖም ምስ ተበታተኑን ብእግዚአብሔር ዝተኣዘዘ ዓቢይ ነፋስ መጺኡ ነቲ ዝሃነጽዎ መናድቕ ከምዘፍረሶ ይገልጽ። (ኩፋ ፲፥፲፮) ሊቃውንቲ ኸኣ ነቲ ናብ ሰማይ ዘቋመተ ዓቢይ መንደቕ ከይሰግዱን ከየምልኹን ነፋሳት ኣዚዙ ነቲ መንደቕ ክገማጥሎ ዝተላእኸ ቅዱስ ዑራኤል እዩ ኢሎም ይትንትንዎ። በዚ’ውን ቅዱስ ዑራኤል ልኡኽነቱ ካብ ጥንቲ ጀሚሩ ምዃኑ ክፍለጥ ይከኣል። ድርሳነ ዑራኤል ኸኣ ነዚ ዝፈጸመ ቅዱስ ዑራኤል ምዃኑ ብምጥቓስ ዕለት ፍጻሜ’ውን መኣስ ከምዝነበረ ኣነጺሩ ይዛረብ። (ድርሳነ ዑራኤል ተመልከት) 

ጽዋዕ እሳት (ልቦና) 
ብሰንኪ ኣላውያን ነገሥታት ኣብ ልዕሊ እቶም ንእግዚአብሔር ዝብድሉ ዝነበሩ እስራኤላውያን ብዘውርድዎ ዝነበረ መከራን ስደትን፡ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ዝሕብኡሉን ዝጥፍኡሉን ጊዜ ከምዝነበረ ታሪኽ እስራኤላውያን ዝምስክሮ ሓቂ እዩ። ከምዚ ዓይነት ካብ ዝጋጠሙ ኵነታት ኸኣ እቲ ሓደ ፄዋዌ እዩ። እዚ ኸኣ እስራኤላውያን ኣብ ምርኾ ባቢሎናውያን ዝወደቑሉ ዘመን እዩ ነይሩ። በዚን ብኻልእን ሽግር ኸኣ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ዝተሳእነሉ ዘመን ስለዝነበረ እግዚአብሔር ኣምላኽ ንጸሎት እቶም ሕዝቡን ኣገልግልቱን ሰሚዑ በቲ ፍቱውን ናይ እግዚአብሔር ሰብ ብዝነበረን ዕዝራ ኣቢሉ ምሥጢራት መጻሕፍቲ ገሊጹ ዳግማይ ከምዝጸሓፍ ከምዝገበሮ ታሪኽ ቤተ ክርስቲያንና ዝነግረና እዩ። 

ዕዝራ፡ ኣብቲ ጊዜ እቲ ብሰንኪ ገዛእቶም እስራኤላውያን ወሪድዎም ንዝነበረ መከራን ምርኾን እናዘከረ፤ ናይ ጽዮን ምስዳድን ምጒስቋልን እናሓሰብ፤ ምጥፋእ መጻሕፍቲ እናሕዘኖ ኣምሪሩ ይበክይን ናብ ኣምላኽ ጸሎቱ የቕርብን ነበረ፡ ምስኡ ኸኣ ፵ መዓልቲ ጾይሙ ነበረ። ጸሎቱ ኣብ ቅድሚ እግዚአብሔር ስለዝተሰምዐ ኸኣ ከጸናንዖ ዝመጸ ቅዱስ ዑራኤል ነበረ። 

‘ጽዋዓ እሳት ዘአስተዮ ለዕዝራ’ ከምዝበሎ ነዚ ዓቢይ ዕዮ ማለት ጽዋዕ እሳት ኣስትዩ፡ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ንዕዝራ ክገልጸሉ ዝተላእከ ኸኣ ንሱ ቅዱስ ዑራኤል ነበረ። ብመሠረት እዚ ኸኣ ዕዝራ ብዝሰተዮ ጽዋዕ ኵሉ ምሥጢራት ተገሊጹሉ ን፵ መዓልቲ እኽሊ ከይለኸፈ ማይውን ከይሰተየ (ከየዕረፈ) ነቶም መጻሕፍተ ብሉያት ኣጽሒፍዎም ነበረ። እቶም ቃሉ እናወሰዱ ዝጽሕፉ ቅልጡፋት ጸሓፍቲ ግና ምሉእ መዓልቲ እናሰርሑ ምስ መሰየ ይድረሩ ከምዝነበሩ ባዕሉ ዕዝራ ተዛሪቡ ነይሩ። (ዕዝ ሱቱ ፲፫፥፵፪-፵፬) 

ንዕዝራ ጥራይ ዘይኮነሲ ንሄኖክ’ውን ምሥጢረ ሰማይ ዝገለጸሉ ባዕሉ ቅዱስ ዑራኤል ምዃኑ ኣብ መጽሓፈ ሄኖክ ተገሊጹ ኣሎ። (ሄኖ ፳፰፥፲፫-፲፬) 

ጽዋዕ ብርሃን 
ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ምእንታና ክብል ቤዛ ዓለም ኮይኑ ብቅንዋተ መስቀል ተሸንኪሩ፡ ኣብ መልዕልተ መስቀል ኣብ ዝተሰቕለሉን ካብ ኣእዳዉን ኣእጋሩን ንዝፈሰሰ ክቡር ደምን፡ ከምኡውን ለንጊኖስ ዝተባህለ ወተሃደር የማናይ ጐድኑ ብኲናት ምስ ወግኦ ንዝፈሰሰ ክቡር ደምን ብብርሃናዊ ጽዋዕ ዝተቐበሎ ቅዱስ ዑራኤል እዩ። (ድርሳነ ዑራኤል) ተቐቢሉ ኸኣ ንኵሉ ምድሪ ቃል ኪዳን ምሥራትን ምህንጻን ኣብያተ ክርስቲያን ክኸውን ናብ ኵሉ ዝነጸጐ እዚ ቅዱስ መልኣኽ እዩ ነይሩ። 

ቅድሚኡ እንተኾነውን ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ንወዳ ሒዛ ካብ ገጽ ሄሮድስ ኣብ ዝተሰደደትሉ እዋን ቅዱስ ዑራኤል ኣይተፈለያን፤ ይለኣኻ ድማ ነበረ። 



ቃል ኪዳን 
እግዚአብሔር ኣምላኽ ስለቲ ኵሉ ብትግሃት ዝገበሮን ዝፈጸሞን ሰናይ ተግባራት ቃል ኪዳን ሂብዎ እዩ። “ወእምዝ ባረኮ ወሤሞ ለዑራኤል መልአክ ከመ ይኩን ርእሰ እም ላዕለ ቤተ ምሥጢረ መለኮቱ ወትሥልስቱ ዘይሰገድ በዋሕድና” (ድኅሪ እዚ እግዚአብሔር ንዑራኤል ባረኾሞ ለሠለስትነቱን ንገዛኢነቱን ብሓድነት ንዝስገደሉ መለኮታዊ ናይ ምሥጢር ኣዳራሽ ናይ ክብሪ ሓለቓ ገይሩ ሾሞ) ይብል። ቀጺሉ’ውን ክብሩ ኣብ ቅድሚ ኵሎም መላእኽቲ ከምዝንገረሉ፤ ኣብ ምድሪ ስሙ ኣብ ዝተጸውዓሉ ዝኽሩ ኣብ ዝተገብረሉ ጸዋጋት ኣጋንንትን ርኹሳት መናፍስትን ኣብኡ ከምዘይቀርቡ፤ ሰማይን ምድርን ክሳዕ ዝኃልፍ ፈጺሙ ከምዘርሕቖም ቃል ተኣቲሉ እዩ። 
ቅዱስ ዑራኤል ዝገበሮ ተኣምራትን ንሕዝቢ ዝፈጸሞ ተኣምራትን ኣዝዩ ብዙኅ እዩ። ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ምስ ኣዴና ቅድስት ድንግል ካብ ሃገሮም እስራኤል ናብ ግብጺ ካብኡ ድማ ናብ ሃገርናን ቀጺሎም’ውን ናብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝተጓዕዙሉ ቅዱስ ዑራኤል ይለኣኽን የገልግልን ከምዝነበረ ድርሳኑ ይገልጽ። 

ስንክሳር ክንውከስ ከሎና’ውን ቅዱስ ዑራኤል ንዝገበሮም ዓበይቲ ነገራት ይጠቕስ እዩ። ንኣብነት ንኣዳም ዜና ድኅነቱ ዝነገሮ ንሱ እዩ። ንዮሴፍ ወዲ ያዕቆብ ብርተዐ ሂቡ ካብ ተንኮል ብእሲተ ጲጥፋራ ዘድኃኖ ንሱ እዩ። ንሱ ዘረጋግእ መልኣኽ ምዃኑ ንኃጥኣን ድማ ዘማልድን ምስ ኣምላኽ ዘተዓርቕን ምዃኑ’ውን ተጠቒሱ ኣሎ። (ስንክሳር ፳፯ ጥሪ) 

ኣብ ቅዱሳን ገድል’ውን ናይ ቅዱስ ዑራኤል ተራዳኢነት ተጠቒሱ ኣሎ። እስሙናይን ዝዓዱ ጳውሎስ ዝተባህለ ክርስቲያን ሶርያዊ ዝመበቖሎም ስድርኡ ንዝኃደጉሉ ብዙኅ ገንዘብን ወርቅን መኒኑ ብስም ክርስቶስ መከራ ክቕበል ዝመረጸ እዩ ነይሩ። ሱርያል ዝተባህለ ቅዱስ ዑራኤል ኸኣ ኣብ ልዕሊኡ ብስም ክርስቶስ ዚበጽሕ ነገር ነጊሩ ድማ “እንሆ እግዚኣብሔር ምሳኻ ኮይነ ከይትፈርህ ኬጽነዓካ ኣዚዙኒ ኣሎ” ኢልዎ ነበረ። ብኣላውያን ንሰማእትነት ክውሰድ ከሎ ኸኣ ዘተብዖን ኣብ ኵሉ እቲ ጸዋተወ መከራ ክቕበል ዘጽንዖን ቅዱስ ዑራኤል ምንባሩ ኣብ ስንክሳር ተገሊጹ ኣሎ። (ስንክሳር ፱ ለካቲት) 

ኣብ ናይ ኣባ ጊዮርጊስ ዜና መዋዕል’ውን ተራዳኢነት ቅዱስ ዑራኤል ከምዘይተፈለዮም ይነግረና። ኣባ ጊዮርጊስ ብኣዝዩ ፍሉይ ትግሃት እኽሊ በኣእዳዎም እናጠሓኑ፡ ማይ እናጓረቱ ነቶም መነኮሳት ገዳም ይራድእዎ ነበረ። ኵልሳዕ ኸኣ ኣብ ቅድሜኦም ሥዕለ ቅድስት ድንግል ማርያም ብምግባር እናሰገዱ ክልምንዋ ድኅሪ ምንባር ሓደ መዓልቲ ቅዱስ ዑራኤል ተገሊጹ ነቲ ኣብይዎም ዝነበረ ቀለም (ምጽናዕ ትምህርቲ) ዝገልጽ ጽዋዕ ልቦና ኣስተዮም። ከም ናይ ዕዝራ ከኣ ምሥጢረ ሰማይ ወምድር ተገሊጹሎም ንቤተ ክርስቲያን ኣዝዮም ዝጠቕሙ ክሳዕ ፵ ዝኣኽሉ መጻሕፍቲ ከምዝደረሱ ይፍለጥ። (መእተዊ መጽሓፈ ኣርጋኖን) 

ክብረ በዓል 
ብመሠረት ስንክሳር ቀንዲ ክብረ በዓሉ ፳፯ ጥሪ (ናይ ግብጺ ስንክሳር ኸኣ ሱርያል ኢሉ ይጽሕፎ) ኮይኑ ብብዝኂ ግና ፳፪ ጥሪ ክኽበር እዩ ዝረአ። ይኹን ደኣ እምበር ድርሳኑ በብወርሒ ዝንበብ፡ ንዝፈጸሞም ተኣምራትን ተራዳእነትን ዝገልጹ ብዙኅ ግብርታት ኣለዎ። ሎሚ ድማ ንዕዝራ ጽዋዕ ልቦና ኣስትዩ ምሥጢር ቅዱሳት መጻሕፍቲ ገሊጹ ዳግማይ ንኽጽሕፍ ናይ ምግባሩ ድንቂ ተኣምር ሎሚ ሓምለ ፳፩ ይዝከርን ይበዓልን፤ ኮይኑ ግና ምስ በዓል ኣዴና ቅድስት ማርያም ስለዝተጋጠመ ፳፪ ሓምለ ክኽበር ይርከብ ከምዘሎ ዝጠቕሱ ኣለዉ። 

ተማኅፅኖ 
ንዕዝራ ሱቱኤል ይኹን ንኣባ ጊዮርጊስ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ገሊጹልም ክንብል ከሎና’ውን ንሕና’ውን ኣማላድነቱን ተራዳኢነቱን ተኣሚንና እንተደኣ ለሚንናዮ፡ ምሥጢራት መጻሕፍቲ እግዚአብሔር ብዝሃቦ ልዑል ኣገልግሎት ከምዝገልጸልና ብምእማን እዩ። ንሱ ዝተሾመሎም ብርሃናት’ውን ኣብ ሕይወት ደቂ ሰብ ዘለዎም ግደ እንበለ መጠን ወሰንቲ እዮም። ብዘይ ፀሓይ’ውን ፍጥረት ኣብዚ ምድሪ ክነብር ዝኽእል ኣይኮነን። እግዚአብሔር ኸኣ ኣብ ልዕሊ እዞም ብርሃናዊ ፍጥረቱ ምሻሙ ክብሪ እዚ መልኣኽ ዝገልጽ ኮይኑ ንሕና’ውን ከምቲ ዝግባእ ከነኽብሮን ኣማላድነቱ ክንምሕጸንን ከምዝግባእ ዘዘኻኽር እዩ። ብዙኃን በብዘመኑ ጸሎቱን ተራዳኢነቱን ተማሕጺኖም ካብ ክንደይ መከራን ሽግርን ተናጊፎምን፡ ብዙኅ በረኸተ ምድሪ ረኺቦምን እዮም። ማየ ጸሎቱ’ውን ፈዋሲ ኮይኑ ይርከብ ኣሎ። ኣብ ኣሥመራ ኸኣ ድኂሩ ታቦቱ ዝኣተወን ቤተ ክርስቲያን ዝተሃንጸሉን ኣብ ከባቢ ቀሓውታ ብስሙ ዝጽዋዕ (ከምኡውን ብስም ልደታ ለማርያም) ቤተ ክርስቲያን ኣለዎ። 

ጸሎትን ተራዳእነትን ቅዱስ ዑራኤል ኣብ ሕዝብናን ሃገርናን ጸኒዑ ይንበር።

2 comments:

  1. qale hiywot yesmalina, qetslilu Egziabher msakum yikun.

    ReplyDelete
  2. Egziabhier xegau yebzehalkum. qale hiwet yesmealna. berteu

    ReplyDelete