Sunday, September 11, 2011

ውልቃዊ መሕትት


ውሑድ መሕትት ንሓድሽ ዘመን - ንሕሉፍ መገምገሚ፥ ንመጻኢ መለበሚ

እንቋዕ ካብ ዘመነ ሉቃስ ናብ ዘመነ ዮሐንስ ብሰላም አሰጋገረና!

ንሎሚ ከም መእተዊ ሓድሽ ዓመት ንርእስና ባዕልና እንፍትሸሉ፤ ሓድሽ ዘመንን ተዛማዲ መደባትናን ንድህስሰሉ ውልቃዊ መሕትት ኣቕሪብና ኣሎና። ንነፍስ ወከፍ ሕቶ ብምምላስ ኸኣ ጠቕላላ ነጥብና ደሚርና ባዕላዊ ገምጋም ምውሳድ ይከኣል። እቲ ገምጋም ተዛማዲ ከም ምዃኑ መጠን ርእስና ከነመራምርን ንምዝክኻርን ይሕግዘና ንማለት ደኣ እምበር፤ ነፍስ ወከፍ ሕቶ ርእሱ ዝኸኣለ ፍጹም መልሲ ብግብሪ ክንህበሉ ከምዝግባእና ክዝንጋዕ ዘይብሉ ሓቂ እዩ። ጽቡቕ ነጥቢ ኣሎና ኢልና ርእስና ንጥብረሉ፤ ሓሚቕና ኢልና ተስፋ ንቖርጸሉ ዘይኮነስ፤ ልዕሊ እቲ ገምጋማዊ ነጥቢ፤ እቲ ኣገዳሲ ነገር እቲ ሕቶን ንሕና ክህልወና ዝግብኦ ግብራዊ መልስን ክውንነታዊ ሕይወትን ምዃኑ ንኣንበብትና ከነዘካኽር ንፈቱ።

ሰናይ መሕትት
1. ቅዱሳት መጻሕፍቲ ከምቲ ዝግባእኒ ንምንባቡን ብቀጻሊ ሲሳየ ዕለት ንምምጋቡን ጽዒረ ዶ?
    እወ ከም ፈቓዱ
    ልማድን ፍቕርን ንባብ የብለይን ስሕት ኢለ ግና ቅዱሳት መጻሕፍቲ የንብብ እየ። 
    ጊዜ ኣይነበረንን፤ ጊዜ ኣይሃብክዎን ግና እሓስብ
    ኣይተገደስኩሉን
2. ቃለ እግዚአብሔር ኣብ ዝንገረሉ ጉባኤታት ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ብስሩዕ ብምስታፍ ኣፍልጦ ሃይማኖተይን ሥርዓተ ቤተ ክርስቲያንን ከምኡውን መንፈሳዊ ሕይወተይ የዕበየ ዶ?
        እወ ከም ፈቓዱ 

    ስሕት ኢለ 
    ኣይጥዓመንን እምበር እሓስብ 
    ኣይተገደስኩሉን፤ ኣይወዓልክዎን
3. መንፈሳዊ ሥነ ምግባራት (ጾም፡ ጸሎት፡ ምጽዋት፡ ስግደት ወቦ ዘተርፈ) ብስሩዕ እፍጽሞም ዶ?
      እወ ከም ፈቓዱ
    ስሕት ኢለ፤ ንገሊኡ ኣብ ገለ ገለ እዋናት  
    ኣይጥዓመንን እምበር እሓስብ 
    ኣይተገደስኩሉን፤ ኣይወዓልክዎን
4. ትርጉም ንስሓ ፈሊጠ፤ ምስ ኣበ ነፍሰይ ጽቡቕ ናይ ኣቦን ውሉድን ዝምድና ፈጢረ ብቀጻሊ ስለ ኃጢኣተይን በደለይን እንሳሕ ዶ?
        እወ ከም ፈቓዱ ወትሩ ቀዳምነት ዝህቦ እየ።
    ስሕት ኢለ፤ ሓሓንሳብ ድማ ብቐጻሊ። 
    ዝዕንቅፈኒ ምኽንያት እናበዝኀ ኣይጥዓመንን እምበር እሓስብ
    ኣይተገደስኩሉን፤ ኣይወዓልክዎን
5. ኣብ ጸሎተ ቅዳሴን ካልኦት ጸሎታትን ስብሓታትን ቤተ ክርስቲያን ብስሩዕ እናተሳተፍኩ ብምኽሪ መምህረ ንስሓይ ተመሪሐ ቅዱስ ሥግኡን ክቡር ደሙን እቕበል ዶ?
    እወ ከም ፈቓዱን ምሕረቱን። 
    ብዘይ ስሩዕን ስሕት እናበልኩን 
    እሓስብ ግና ኣይኮነለይን፤ ቀደም ምስ ተቐበልኩ እየ። 
    ዝኽእል ኮይኑ ኣይስምዓንን፤ ብዙኅን ኣይሓሰብኩሉ
6. ሽዱሽተ ቃላተ ወንጌል (ጠምየ ኣብሊዕኩምኒ፤ ጸሚዐ ኣስተኹምኒ፤ ዐሪቐ ከደንኩምኒ፤ ሓሚመ በጻሕኩምኒ፤… ማቴ ፳፭ ) ብመደብ እፍጽሞም ዶ?
    እወ ከም ፈቓዱ ተጊሀ እፍጽሞም እየ። 
    ብዘይ ስሩዕ ብኣጋጣሚታትን ስሕት እናበልኩን 
    ክፍጽሞ እደሊ፤ እሓስብ ግና ኣይትግብሮን 
    ሓሲበሉ ኣይፈልጥን
7. ካብ ቀጽሪ ቤተ ክርስቲያን ወጻኢ ኣብ ሞንጎ ስድራ ቤተይ፡ ጐራባብተይ፡ የዕሩኽት መሓዙተይ፡ መማህርተይ መሳርሕተይ፡ መተዓቢተይ፡ ወቦ ዘተርፈ ብዘሎኒ መንፈሳዊ ኣካይዳን፡ ጠባያትን፡ ሥነ ምግባርን፡ ትምህርቲ ብምዝራእን ኣብነታዊ ኮይነ ሰባት ናብ ቤተ ክርስቲያን ከምዝቐርቡ ብምግባር ኣበርክቶ ገይረ ዶ?
        ብኃይሊ ኣምላኽ እወ ሱታፌ ኣሎኒ።
    ዓቕመይ እኳ ኣየበርከትኩን ግና እፍትን። 
    ብዝተፈላለየ ምኽንያት እቲ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ዘሎኒ ኣካይዳን ኣበርክቶን ኣብ ግዳም ኣየንጸባርቖን እየ። 
    ናይ ርእሰይ እየ ዝሓስብ እምበር ናይ ካልእ ኣይግድሰንን እዩ
8. ትርጉም ክብሪ ቅዱሳን ብምፍላጥ፡ በረኸት ቅዱሳን ኣቦታትን ገዳማትን ንምርካብ ኣብ ገዳማት በጺሐ ዶ? ገድሎምን ስንክሳሮምን ተጊሀ ብፍቕሪ የንብቦ ዶ? ኣብ ጊዜ ጸሎት ኣማላድነቶም እምኅፀን ዶ?
       እወ፤ ብዝግባእ እጥቀመሉ።
    ብስሩዕ ኣይኹን ደኣ እምበር ስሕት ኢለ 
    እሓስቦ ግና ተጊሀ ኣይፈጸምክዎን 
    ኣፍልጦይ ድሩት እዩ፤ ብዙኅ’ውን ኣይተገደስኩን

9. አስራት ቀዳምያት በኵራት ትርጕሞም ፈሊጠ ንቤተ ክርስቲያን ዕሽር ብስሩዕ እህብ ዶ? ቤተ ክርስቲያነይን ካህናትን ንምሕጋዝ ሞባእ እውፊ ዶ? ንዕብየት ቤተ ክርስቲያን ይጥቀም ዝብሎ ሓሳባት ንኣቦታትን ኣገልገልቲ ኣኅዋትን አቐርብ ዶ?
       ይመልኣለይ እምበር ከም ፈቓዱ እወ።
    ብስሩዕ ኣይኹን ደኣ እምበር ክዝክሮ ከሎኹ ክፍጽሞ እፍትን እየ
    ኣፍልጦ የብለይን እምበር ሱታፌ ክህልወኒ እሓስብ
    ኣይመልከተንን ኢለ ስለዝሓስብ ኣይግደስን እየ

10. መንፈሳዊ ሕይወተይን መደባተይን ከመይ ይመስል?
        ትግሃት ዝተመልኦ ስሩዕን ምዱብን መንፈሳዊ ኣካይዳ ይኽተል።
    ሓሓንሳብ ብመደብን ብስሩዕን ሓሓንሳብ ድማ ብዘጓንፈኒ ነገራት ተጸልየ ብዘይ መደብ ይኸይድ
    ብመደብ ስሩዕ መንፈሳዊ ሕይወት ክህልወኒ እደሊ፤ ግና ሰሪሐሉ ኣይፈልጥን
    ሓሲበሉ ኣይፈልጥን
እምበኣርከስ ንሕና ምስ ኣየኖት ኢና? 


ብወገንና ብመሠረት ድምር ውጽኢት ኣብ ፬ መቒልናን ገምጊምናን፤ ነኸምዚ ዝስዕብ ተዛማዲ ምዕዶ ንውፊ ኣሎና። ንስኻትኩም ድማ ኣበይናይ ክፋል ከምዝዓለብኩም ብምጽባጻብ ከከም ገምጋምኩም፤ ርእስኹም ክትፍትሹ ናባኹም ነብሎ።


እምበኣር ነዚ ኣብ ላዕሊ ዘሎ መሕትት መሊእና ኮይንና፤ ነዚ ዝስዕብ ሳንዱቕ ጠቕላላ ድምር (ውጽኢት) ዝብል ጠዊቕና ድምር ገምጋምና ንፍለጥ።





፩. (፸፭-፻)፦ ክርስቲያን ብዝገበሮ ዘይኮነስ ትምክሕቱ ኣምላኹ እዩ እሞ ስለቲ ግብርና ዘይኮነስ ብምሕረቱ ነዚ ክንፍጽም ንዘብቕዓና ኣምላኽ ከነመስግኖ ይግባእ። ዋላ እኳ ሕጂ ደው ዝበሎ ዝመስሎ ከይወድቕ ይጠንቀቕ ስለዝብል እቲ ቅዱስ ቃል ነቲ ጽቡቕ መንፈሳዊ ግብሪ ኣብ ልዕሊ ትግሃት ትግሃት እናወሰኽናሉ ንዝበለጸ ጸጋ ክንዓዪ ይግባእና። ወትሩ እቲ ዝጐድለና ብዙኅ እዩ ነቲ ዘሎና ኣጽኒዕና ነቲ ዝተርፈና እናመልኣና ክንከይድ ኣካይዳና ምስትውዓል ዝመልኦ ካብ ትዕቢት ዝረሓቐ ኮይኑ ክርከብ ኣለዎ። ነቲ ኣብ ቅድሜና ዘሎ ተስፋ ብምጥማት ጒያና ክሳብ እታ ሕንጻጽ ፍጻሜ ንቕድሚት ከነኅይሎ ይግባእ።


፪. (፶-፸፬)፦ ዋላ እንፍጽሞም ብዙኅ ሰናይ ነገራት እኳ እንተሎና፡ ጕድለታትና ብግልጺ ክረአ ስለዝከኣል ከነመሓይሾ ንዝግባእና ጻዕሪን ቃልስን ግድን ክህልወና እዩ። ኣብዚ ቕድሜና ክንከደሉ ተነጺፉልና ዘሎ ሓድሽ ዘመን ነፍስና ንመንፈሳዊ ዕብየት ከተቋምትን፤ ድኽመታት ንምእላይ ድማ ዝያዳ ጾምን ጸሎትን ከድለየና እዩ። ካብቲ ዝሓለፈ ተሞክሮን ሕይወትን ነቲ ጽቡቕ ኣስተውዒልና ኣብ ዕብየት ሕይወትና ዕንቅፋት ኮይኖም ንዝርከቡ ጒድለታት ከይገደዱና ከለዉ ክንእርሞምን ከነጥፍኦምን ይግባእ።


፫. (፴፭-፵፱)፦ ሃይማኖት ወለድና ኣሎና ንብል ኣሎና ደኣ እምበር፤ ገና ብግብሪ ነቲ እግዚአብሔር ዝፈትዎ ሰናይ ግብሪን መንፈሳዊ ገድልን ብዝግባእ ኣይኣተናዮን። ከምቲ ቅዱስ ዮሐንስ ኣብ ራእዩ ዝበሎ ዝሑል ወይስ ምውቕ ዘይምዃንና ካብ ኣፉ ከይተፍኣና ከሎ ብዕቱብ ከተሓሳስበና ኣለዎ። ነቲ ክንከዶ ዝግባና መገዲ ነግ ፈረግ ስለእነብዝኃሉ ኣጽኒዕና ንሕዞ የሎናን። ብዛዕባ ሃይማኖትን ሰናይ ግብርን ምፍላጡን ምሕሳብን ጥራይ ዝጠቕመና ኣይኮነን። ፍሊጥና ክንገብሮን ክንነብሮን ከሎና እዩ ጸጋ ዘውህበና እሞ ነቲ እንፈልጦ ክንገብሮ ተጊህና መንፈሳዊ ቃልሲ ክንቃለስ ዕጥቕና ከነድልድል ኣሎና። (ኤፌ ፮) ኣብቲ ዝደኸመናሉ ሕይወት ኸኣ ኃይል ክንረክብ፤ ካብቲ ዘናውጸናን ነየው ነጀው ዘብለና ፈቓዳት ዓለም ክንወጽእ እንተደኣ ኮይንና ኸኣ “ኣቱም ጾር ዝኸበደኩም ናባይ ንዑ፤ ኣነ ከዕርፈኩም እየ..” (ማቴ ፲፩) ዝብል ቃል ጐይታ ኣስተውዒልና ብጾምን ብጸሎትን ብስግደትን ትሩፋትን ምእዙዛት ክንከውን ይግባእ። ስለዚ ኣብዚ ሓድሽ ዘመን ርግእ ኢልና ስለታ እግዚአብሔር ኣኽቢሩን ዘለኣለማዊ ገይሩ ዝፈጠራን ነፍስና ክንሓስብን ናብ ዕረፍታ ክንመርሓን ይግባእ። መርሓ ግብርታት ሓንጺጽና ዝያዳ ናብ እግዚአብሔር እንቐርበሉ ስራሕ ክንሰርሕ ይግባእ።


፬. (ካብ ፴፭ ንታሕቲ)፦ ኣብ ሃይማኖት እንተሎና ንርእስና ንመርምር። ብደውና ሞይትና ከምዘሎና ንርእስና ባዕልና ንመስክረላ። ንቓሕ መዋቲ ዝብል ቃል ኣስተውዒልና ቅድሚ እቲ ጣዕሳ ፍረ ኣብ ዘየምጽኣሉ እዋን ምብጻሕና ሎሚ ንመለስ። ከም ዓያሱ ዘይኮነስ ከም ለባማት ክንነብርን፤ ኣብዚ ምድሪ ንዘለዓለም ዝነብር ከምዘየልቦ ፈሊጥና ሎሚ ናብ ቤቱ ብንስሓ ንመለስ። ኣብ ቕድሚ ኣምላኽ ቀሪብና እንታይ ገበርኩም ኣበይ ኸ ነበርኩም ንዝብል ሕቶ ምላሽ ከይንስእን ሎሚ ንንቓሕ። ንጽባሕ ጒዕዞና ዝኸውን ስንቂ ሎሚ ንቋጽር።


እግዚአብሔር አምላከ ቅዱሳን ነዚ ሓድሽ ዘመን ሰናይ ግብሪ ንገብረሉ፤ ሰላም ኣብ ኵሉ ዝወርደሉ፤ ዝተጸገመ ኵሉ ዝርኅወሉ፤ ዝራሓቐ ዝቐርበሉ፤ ዝጠፍአ ዝምለሰሉ ዘመን ክገብረልና ቅዱስ ፈቓዱ ይኹነልና።

No comments:

Post a Comment